ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓቕሊ—ብዕላማ ምጽዋር

ዓቕሊ—ብዕላማ ምጽዋር

ኣብዘን “ዳሕሮት መዓልትታት” ዚወርድ ጸቕጢ ብዝወሰኸ መጠን፡ ህዝቢ የሆዋ ኻብ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ ዓቕሊ ኺገብሩ የድልዮም እዩ። (2 ጢሞ. 3:1-5) ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘለዉ መብዛሕትኦም ሰባት፡ ፈተውቲ ርእሶምን ንስምምዕ ፍቓደኛታት ዘይኰኑን ርእሶም ዘይገትኡን እዮም። እዞም ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰባት፡ ዓቕሊ ዚብሃል የብሎምን። ስለዚ፡ ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን፡ ‘እቲ ኣብ ዓለም ዚርአ ዓቕሊ ምስኣን ጽልዋ ኣሕዲሩለይ ድዩ፧ ብሓቂ ዓቃል ምዃን ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ ነዛ እተደንቕ ክርስትያናዊት ባህርይ ናተይ ክገብራ ዝኽእል ብኸመይ እየ፧’ ኢሉ ንርእሱ ኺሓትታ ኣለዎ።

ዓቕሊ እንታይ እዩ፧

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ዓቕሊ” ኺብሃል ከሎ፡ ንበዳሂ ዅነታት ምዕጋስ ጥራይ ማለት ኣይኰነን። ሓደ ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎ ሰብ ዓቃል እንተ ዀይኑ፡ ብዕላማ እዩ ዚጻወር። ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ጥራይ ኣይኰነን ዚግደስ። እኳ ደኣስ፡ ብዛዕባ ስምዒት ካልኦት፡ እንተላይ ብዛዕባ ስምዒት እቶም ዘሕረቕዎ ወይ ዘጋፍዕዎ ሰባት እውን ይግደስ እዩ። ምሳታቶም ዘለዎ ርክብ ኪመሓየሽ ከኣ ብትዕግስቲ ተስፋ ይገብር እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ን“ዓቕሊ” ሓንቲ ኻብተን ፍቕሪ ዝምንጨን ባህርያት ገይሩ ምጥቃሱ እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን። * (1 ቈረ. 13:4) ቃል ኣምላኽ፡ ን“ዓቕሊ” ኸም ሓደ መዳይ “ፍረ መንፈስ” ገይሩ እውን ይገልጻ እዩ። (ገላ. 5:22, 23) ነዛ ኣምላኽ ዚፈትዋ ባህርይ እዚኣ ምእንቲ ኸነማዕብላ ደኣ እሞ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

ዓቕሊ ኸነጥሪ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

ዓቕሊ ኸነጥሪ ንደሊ እንተ ዄንና፡ እቲ የሆዋ ነቶም ዚኣምንዎን ኣብኡ ዚውከሉን ዚህቦም መንፈስ ክንረክብ ክንጽሊ ኣሎና። (ሉቃ. 11:13) ይኹን እምበር፡ መንፈስ ኣምላኽ ሓያል እኳ እንተ ዀነ፡ ንሕና ግና ምስ ጸሎትና ተሰማሚዕና ብምዕያይ እጃምና ኽንገብር ኣሎና። (መዝ. 86:10, 11) ስለዚ፡ ዓቕሊ ኸነርእን ነዛ ባህሪ እዚ ኸነጥርያን መዓልታዊ ጻዕሪ ኽንገብር ኣሎና። ኣብ ልብና ምስ ተተኽለት እውን፡ ሓንቲ ኻብቲ ወትሩ እነንጸባርቖ ባህርያትና ኽንገብራ ክንጽዕር ኣሎና። እሞ ደኣ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

ነቲ የሱስ ዝሓደጎ ፍጹም ኣብነት ብምምርማርን ብምስዓብን ዓቕሊ ኸነጥሪ ንኽእል ኢና። ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ን“ዓቕሊ” እውን ዜጠቓልል “ሓድሽ ስብእና” ኺዛረብ ከሎ፡ “ሰላም ክርስቶስ ከኣ ኣብ ልብኹም ይግዛእ” በለ። (ቈሎ. 3:10, 12, 15) እዚ ሰላም እዚ ኣብ ልብና ‘ኺገዝእ’ እንተ ደኣ ደሊና፡ ንኣብነት የሱስ ክንስዕብ ከምኡ እውን ንዝዀነ ይኹን ዜተሓሳስበና ነገር የሆዋ ብግዜኡ ኸም ዚእርሞ ኽንተኣማመን ኣሎና። ከምዚ ዓይነት ምትእምማን እንተ ኣልዩና ድማ፡ ዘጋጥመና ነገራት ብዘየገድስ፡ ዓቕሊ ኽንገብር ኢና።—ዮሃ. 14:27፣ 16:33

ነታ ኣምላኽ ዘዳለዋ ሓዳስ ዓለም ክንርኢ ንህንጠ እኳ እንተ ዀንና፡ ነቲ የሆዋ ዜርእየና ዓቕሊ ኸነስተንትነሉ ኸለና ግና ንሕና እውን ዝያዳ ዓቃላት ክንከውን ንድረኽ ኢና። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “የሆዋስ፡ ኵሎም ናብ ንስሓ ኺበጽሑ እምበር፡ ሓደ እኳ ኺጠፍእ ስለ ዘይደሊ፡ ምእንታኹም ይዕገስ ኣሎ እምበር፡ ከምቲ ንገሊኦም ዚድንጒ ዚመስሎም፡ ንተስፋኡ ኣየደንጕዮን እዩ” ይብለና። (2 ጴጥ. 3:9) ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዘርኣየና ዓቕሊ ኽንሓስብ ከለና፡ ንሕና እውን ንኻልኦት ብዓቕሊ ኽንዕገሶም ኣይንድረኽንዶ፧ (ሮሜ 2:4) እሞ ደኣ ዓቕሊ ዚሓትት ኵነታት እንታይ እዩ፧

ዓቕሊ ዜድልየሉ ዅነታት

በብመዓልቱ ዓቕልና ዚፍትን ኵነታት የጋጥመና እዩ። ንኣብነት፡ ዋላ እውን ኣገዳሲ ነገር ክትዛረብ እንተ ደሊኻ፡ ንሰባት ኣብ መንጎ ዘረባኦም ምእንቲ ኸይትዀልፎም ብዓቕሊ ኽትጽበ የድልየካ ይኸውን። (ያእ. 1:19) ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትካ ዜሕርቐካ ነገራት ኪገብሩ ኸለዉ እውን ብዓቕሊ ኽትዕገሶም የድልየካ ይኸውን። ኣብ ክንዲ እትበሳጮ፡ ነቲ የሆዋን የሱስን ንድኻምና ዝሓዝሉ መገዲ ኽትቀድሖ ኢኻ እትጽዕር። ከመይሲ፡ ንሳቶም ኣብ ንኣሽቱ ጕድለታትና ኣየተኵሩን እዮም። የግዳስ፡ ነቲ ጽቡቕ ባህርያትና የተኵሩሉ፡ ነቲ ባህርይና ኸነመሓይሽ እንገብሮ ጻዕሪ ድማ ይዕዘብዎ እዮም።—1 ጢሞ. 1:16፣ 1 ጴጥ. 3:12

ዓቕልና ዚፍትን ካልእ ኣጋጣሚ ኸኣ፡ ሓደ ሰብ ጌጋ ዝዀነ ነገር ከም እተዛረብና ወይ ከም ዝገበርና ምስ ዚነግረና እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ቐልጢፍና ኽንሓርቕን ምኽኒት ከነቕርብን ንጽዕር ንኸውን። ቃል ኣምላኽ ግና ከምዚ ዓይነት ምላሽ ከይንህብ እዩ ዜተባብዓና። “ዕቡይ ዝመንፈሱ ኻብ ምዃንሲ ዕጉስ ምዃን ይሓይሽ። ኵራ ኣብ ሕቝፊ ዓያሹ እዩ ዚሓድር እሞ፡ ንዅራ ኣይትተሃወኽ” ድማ ይብለና። (መክ. 7:8, 9) ስለዚ፡ እቲ ብዛዕባና እተዘርበ ነገር ምሉእ ብምሉእ ሓቂ እውን እንተ ዘይኰነ፡ ነቲ እንህቦ ምላሽ ብዓቕሊ ኽንሓስበሉ ኣሎና። የሱስ እውን ብሓሶት ምስ ተኸስሰ ኸምኡ እዩ ገይሩ።—ማቴ. 11:19

ወሉዳት ግጉይ ዝዀነ ኣረኣእያ፡ ድሌት ወይ ዝንባለ ምስ ዜንጸባርቑ፡ ወለዲ ብዓቕሊ ኺሕግዝዎም ኣለዎም። ማትያስ ዝስሙ ኣብ ቤት-ኤል ስካንዲነቭያ ዜገልግል ሓው ከም ኣብነት ንርአ። ማትያስ ንእሽቶ ኸሎ፡ መማህርቱ ብሰንኪ እምነቱ ብዙሕ የላግጹሉ ነበሩ። ፈለማ፡ ወለዱ ብዛዕባ እቲ ዜጋጥሞ ዝነበረ ላግጺ ኣይፈልጡን እዮም ነይሮም። ደሓር ግና፡ ብሰንኪ እቲ ዜጋጥሞ ዝነበረ መስጐጕቲ፡ ብዛዕባ እምነቱ ኺጠራጠር ከም ዝጀመረ ተዓዘቡ። እቲ ዪሊስ ዝስሙ ኣቦ ማትያስ፡ “እቲ ዅነታት ብዙሕ ዓቕሊ ዚሓትት እዩ ነይሩ” በለ። ማትያስ፡ “ኣምላኽ መን እዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ቓል ኣምላኽ ድዩ፧ እዚ ግበሩ ወይ ኣይትግበሩ ዚብለና ዘሎ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ብኸመይ ንፈልጥ፧” ኢሉ ይሓትት ነበረ። ንኣቦኡ ኸኣ፡ “ከም ናትካ ዓይነት ስምዒትን እምነትን እንተ ዘይብለይ እንታይ ጌጋ ኣለዎ፧” ኢሉ ይሓትቶ ነበረ።

ዪሊስ፡ “ሓድሓደ ግዜ፡ ወድና ብኣይ ወይ ብኣዴኡ ዘይኰነስ፡ በቲ ሽግር የምጽኣሉ ኸም ዘሎ እተሰምዖ ሓቂ ይቝጣዕ ነይሩ” በለ። እሞኸ ዪሊስ እንታይ ገበረ፧ ከምዚ በለ፦ “ኣነን ወደይን ንነዊሕ ሰዓታት ኮፍ ኢልና ነዕልል ነበርና። ብዙሕ ሳዕ ከኣ ጽን ኢለ እሰምዖን ስምዒታቱን ኣረኣእያኡን ኣጸቢቐ ኽፈልጥ ዚሕግዘኒ ሕቶታት እሓትቶን ነይረ። ሓድሓደ ግዜ፡ ንሓደ መዓልቲ ወይ ንልዕሊኡ ኺሓስበሉ ዚኽእል መብርሂ እህቦ ነይረ። ድሕሪኡ፡ ካልእ መዓልቲ ኸም ብሓድሽ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ነዕልል ነበርና። ካልእ ግዜ ኸኣ፡ ነቲ ዝገለጸለይ ኣረኣእያኡ፡ ንእተወሰነ መዓልቲ ኽሓስበሉ ኸም ዜድልየኒ እነግሮ ነይረ። ከምዚ ዝኣመሰለ ብስሩዕ እንገብሮ ዝነበረና ዕላል፡ ንማትያስ ብዛዕባ በጃን ልዑላውነት ኣምላኽን ፍቕሪ ኣምላኽን ካልእ ነገራትን ዝሓሸ ምርዳእ ኪህልዎን ኪኣምነሉን ሓጊዝዎ እዩ። ግዜ ዚወስድን ከቢድን እኳ እንተ ነበረ፡ በብቝሩብ ግና እታ ንየሆዋ ዝነበረቶ ፍቕሪ ኣብ ልቡ ዓብያ እያ። ኣነን ብዓልቲ ቤተይን እቲ ንወድና ብንእስነቱ ኽንሕግዞ ዝገበርናዮ ጻዕሪ ስለ እተኸሓስናሉን ልቡ ኽንትንኪ ስለ ዝኸኣልናን ኣዚና ሕጉሳት ኢና።”

ዪሊስን ብዓልቲ ቤቱን የሆዋ ኸም ዚድግፎም ብምትእምማን ብዓቕሊ ንወዶም ሓጊዞምዎ እዮም። ዪሊስ ተዘክሮኡ ኺገልጽ ከሎ፡ “ንማትያስ፡ ኣነን ኣዲኡን ስለ እንፈትዎ፡ የሆዋ ምስትውዓል ኪህቦ ዅሉ ሳዕ ከም እንጽሊ እነግሮ ነይረ እየ” በለ። እዞም ወለዲ እዚኦም፡ ነታ ኣገዳሲት ባህርይ ዝዀነት ዓቕሊ ብምንጽብራቖም ክሳዕ ክንደይ ኰን ተሓጒሶም ይዀኑ።

ናይ ሓቂ ክርስትያናት መንፈሳዊ ሓገዝ ኪገብሩ ኸለዉ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ሕዱር ሕማም ንዘለዎም ኣባላት ስድራ ቤቶም ወይ ፈተውቶም ኪኣልዩ ኸለዉ እውን ዓቃላት ኪዀኑ ኣለዎም። ኣብ ስካንዲነቭያ ንእትነብር ኢለን ከም ኣብነት ንርአ። *

ኣስታት ሸሞንተ ዓመት ኣቢሉ፡ ሰብኣይ ኢለን ክልተ ሳዕ ወቕዒ ስለ ዘጋጠሞ እተወሰነ ኽፋል ሓንጐሉ ለሚሱ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ከም ርሕራሐ፡ ሓጐስ ወይ ሓዘን ዝኣመሰለ ስምዒታት ኣይስምዖን እዩ። እቲ ዅነታቱ ንኢለን ኣዝዩ ኸቢድ እዩ። ንሳ ኸምዚ በለት፦ “ብዙሕ ዓቕልን ጸሎትን ክገብር ኣድልዩኒ እዩ። ብዙሕ ዘጸናንዓትኒ ጥቕሲ ፊልጲ 4:13 እያ። ‘በቲ ሓይሊ ዚህበኒ ንዅሉ እኽእሎ እየ’ ድማ ትብል።” ሳላ እዚ ሓይሊ እዚ ኸኣ፡ የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ከም ዚድግፋ ብምትእምማን ነቲ ዅነታት ብዓቕሊ ተጻዊራቶ ኽትነብር ክኢላ እያ።—መዝ. 62:5, 6

ንዓቕሊ የሆዋ ቕድሓያ

ብርግጽ፡ ብዓቕሊ ዝመጸ ኽንመስሎ ዘሎና ብሉጽ ኣብነት፡ የሆዋ እዩ። (2 ጴጥ. 3:15) የሆዋ ብዙሕ ዓቕሊ ብዛዕባ ዘርኣየሉ ዅነታት ዚገልጽ ሓያሎ ጸብጻባት ኣብ ቃል ኣምላኽ ንረክብ ኢና። (ነህ. 9:30፣ ኢሳ. 30:18) ንኣብነት፡ ኣብርሃም ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንሶዶም ኬጥፍኣ ዝገበሮ ውሳነ ሕቶታት ምስ ሓተተ፡ የሆዋ ኸመይ ከም እተሰምዖ ትዝክሮዶ፧ ቅድም ቀዳድም፡ የሆዋ ንኣብርሃም ዘረባኡ ኣይኰለፎን። የግዳስ፡ የሆዋ ንዅሉ እቲ ኣብርሃም ዝሓተቶ ሕቶታትን ንሻቕሎቱን ብዓቕሊ ሰሚዕዎ እዩ። ድሕሪኡ፡ የሆዋ ነቲ ኣብርሃም ዝሓተቶ ሕቶታት ብምድጋም ከም ዝሰምዖ ኣረጋገጸሉ፣ ኣብ ከተማ ሶዶም ዓሰርተ ጻድቃን እውን እንተ ተረኺቦም ነታ ኸተማ ኸም ዘየጥፍኣ ኸኣ ኣረጋገጸሉ። (ዘፍ. 18:22-33) በዚ ኸምዚ፡ የሆዋ ብዓቕሊ ኸም ዚሰምዕን ርእሱ ኸም ዚገትእ ኣርእዩ እዩ።

ብርግጽ እምበኣር፡ ዓቕሊ፡ ኣገዳሲት ክፋል እቲ ዅሎም ክርስትያናት ኪለብስዎ ዘለዎም ሓድሽ ስብእና እያ። ብሓቂ ዓቃላት ክንከውን ንጽዕር እንተ ደኣ ዄንና፡ ነቲ ሓላዪን ዓቃልን ዝዀነ ሰማያዊ ኣቦና ኢና እንመስሎ። ሓደ ኻብቶም “ብእምነትን ብትዕግስትን ነቲ ተስፋታት ዚወርስዎ” ድማ ክንከውን ኢና።—እብ. 6:10-12

^ ሕ.ጽ. 4 ፍቕሪ ኣብ ቀዳመይቲ ዓንቀጽ እታ ኻብዘን ብዛዕባ ፍረ መንፈስ ኣምላኽ ዚምርምራ ትሽዓተ ኽፋል ዘለወን ተኸታተልቲ ዓንቀጻት ተገሊጻ ኣላ።

^ ሕ.ጽ. 15 ስም ተቐዪሩ እዩ።