ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሓቂ ምሃር

ሓቂ ምሃር

“ኦ የሆዋ፡ . . . ብዘሎ ቓልካ ሓቂ እዩ።”—መዝ. 119:159, 160

መዝሙር፦ 29, 53

1, 2. (ሀ) የሱስ ኣብ ህይወቱ ብቐዳምነት ኣብ ምንታይ ዕዮ እዩ ኣተኲሩ፧ ስለምንታይከ፧ (ለ) ዕዉታት “መዓይይቲ ኣምላኽ” ንምዃን፡ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

የሱስ ክርስቶስ ኣብ ፈለማ ጸራቢ፡ ደሓር ከኣ ኣገልጋሊ ዀይኑ ዓይዩ እዩ። (ማር. 6:3፣ ሮሜ 15:8) ንኽልቲኡ ዕዮ ጽቡቕ ገይሩ ይመልኮ ነይሩ እዩ። ጸራቢ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ንሓደ ዕንጨይቲ ብናውቲ ጽርበት ተጠቒሙ ኸመይ ገይሩ ናብ ጽቡቕ ፍርያት ዕንጨይቲ ኸም ዚቕይሮ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። መምህር ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ከኣ፡ በቲ ብዛዕባ ቕዱሳት ጽሑፋት ዝነበሮ ዓሚቝ ፍልጠት ገይሩ፡ ንተራ ሰባት ብዛዕባ ሓቅታት ቃል ኣምላኽ ኣረዲእዎም እዩ። (ማቴ. 7:28፣ ሉቃ. 24:32, 45) የሱስ ወዲ 30 ዓመት ምስ ኰነ፡ ኣገልጋሊ ምዃን ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዕዮ ምዃኑ ስለ ዝፈለጠ፡ ነቲ ናውቲ ጽርበት ሓዲግዎ እዩ። ሓደ ኻብቲ ኣምላኽ ንዕኡ ናብ ምድሪ ዝለኣኸሉ ምኽንያት ድማ፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኪሰብኽ ምዃኑ ገሊጹ እዩ። (ማቴ. 20:28፣ ሉቃ. 3:23፣ 4:43) የሱስ ኣብ ህይወቱ ብቐዳምነት ኣብ ስብከት እቲ ብስራት እዩ ኣተኲሩ፣ ካልኦት ኣብ ዕዮኡ ኺሓብርዎ እውን ይደሊ ነይሩ እዩ።—ማቴ. 9:35-38

2 መብዛሕትና ጸረብቲ ዕንጨይቲ ኣይኰንናን፣ ኵላትና ግና ኣገልገልቲ እቲ ብስራት ኢና። እዚ ዕዮ እዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ ስለ ዝዀነ፡ ኣምላኽ እውን ኣብቲ ዕዮ ይሳተፍ እዩ፣ እወ፡ “መዓይይቲ ኣምላኽ” ተባሂልና ንጽዋዕ ኢና። (1 ቈረ. 3:9፣ 2 ቈረ. 6:4) ምስቲ ሓደ ዘማሪ ንየሆዋ፡ “ብዘሎ ቓልካ ሓቂ እዩ” ኢሉ እተዛረቦ ቓላት ንሰማማዕ ኢና። (መዝ. 119:159, 160) ስለዚ ድማ ኢና ኣብ ኣገልግሎትና “ንቓል ሓቂ ብቕኑዕ ዚጥቀም” ኣገልጋሊ ኽንከውን እንደሊ። (2 ጢሞቴዎስ 2:15 ኣንብብ።) ነዚ ዕላማ እዚ ንምውቃዕ ከኣ፡ ኣብ ኣጠቓቕማ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎና ኽእለት ብቐጻሊ ንስሕሎ ኢና፣ ከመይሲ፡ ብዛዕባ የሆዋን የሱስን መንግስቲ ኣምላኽን ሓቅታት ንምምሃር እንጥቀመሉ ቐንዲ ንዋትና መጽሓፍ ቅዱስ እዩ። ብዘይካዚ፡ ውድብ የሆዋ፡ ኣብ ኣገልግሎትና ዕዉታት ምእንቲ ኽንከውን፡ ኣጠቓቕማኡ ኣጸቢቕና ኽንፈልጦ ዚግባእ ካልእ ናውቲ ኣዳልያትልና ኣላ። እዚ ናውቲ እዚ ድማ ናውቲ ትምህርቲ ይብሃል።

3. ኣብቲ ንምስክርነት ተሪፉና ዘሎ ግዜ፡ ኣብ ምንታይ ኢና ኸነተኵር ዘሎና፧ ግብሪ ሃዋርያት 13:48ከ እንታይ ክንገብር እያ እትሕግዘና፧

3 ስለምንታይ ናውቲ ትምህርቲ ኸም እተባህለ፡ ስለምንታይ ናውቲ ስብከት ከም ዘይተባህለ ትሓስብ ትኸውን። “ስብከት” ኪብሃል ከሎ፡ ሓደ መልእኽቲ ምእዋጅ ማለት እዩ፣ “ትምህርቲ” ኺብሃል ከሎ ግና፡ ሰብ ነቲ እተማህሮ ኣብ ግብሪ ምእንቲ ኼውዕሎ፡ ነቲ መልእኽቲ እቲ ናብ ኣእምሮን ልብን ሰብ ከም ዚኣቱ ምግባር ማለት እዩ። ኣብቲ ንምስክርነት ተሪፉና ዘሎ ግዜ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምጅማርን ንሰባት ሓቂ ኣብ ምምሃርን ከነተኵር ኣሎና። ከምኡ ንምግባር ከኣ፡ ንዅሎም እቶም “ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዘንቀዱ” ኣጸቢቕና ኸነናድዮምን ኪኣምኑ ኽንሕግዞምን ኣሎና።—ግብሪ ሃዋርያት 13:44-48 ኣንብብ።

4. እቶም “ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዘንቀዱ” መን ምዃኖም ከመይ ጌርና ንፈልጥ፧ ከመይ ጌርናኸ ንረኽቦም፧

4 እቶም “ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዘንቀዱ” መን ምዃኖም ከመይ ጌርና ንፈልጥ፧ ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዚግበር ዝነበረ፡ ነቶም ከምኡ ዝኣመሰሉ ሰባት ንምርካብ ክንምስክር ኣሎና። ስለዚ፡ ነቲ የሱስ፡ “ኣብ እትኣትውዎ ዘበለ ኸተማ ወይ ቍሸት፡ ኣብኡ እቲ ዚግብኦ መን ምዃኑ ድለዩ” ኢሉ ዝሃቦ መምርሒ ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎ ኣሎና። (ማቴ. 10:11) ዘይቅኑዓት፡ ዕቡያት፡ ወይ መንፈሳዊ ነገራት ዘይፈትዉ ሰባት ነቲ ብስራት ኪሰምዑ ኣይንጽበዮምን ኢና። ኣብ ክንዳኡስ፡ ቅኑዓትን ትሑታትን ሓቂ ዚፈትዉን ሰባት ኢና እነናዲ ዘለና። ነዚ ንሰባት ናይ ምድላይ ዕዮ ምስቲ የሱስ ጸራቢ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣቕሑ፡ መዓጹ፡ ኣርዑት፡ ወይ ካልእ ነገራት ኪሰርሕ ኢሉ ዕንጨይቲ ዚሓርየሉ መገዲ ኸነመሳስሎ ንኽእል ኢና። ነቲ ዕዮ ዚዀኖ ዕንጨይቲ ምስ ረኸበ፡ ብናውቱን ብኽእለቱን ተጠቒሙ ናብቲ ዝደልዮ ፍርያት ይቕይሮ ነይሩ እዩ። ንሕና እውን ቅኑዕ ንዝልቦም ሰባት፡ ደቀ መዛሙርቲ ኽንገብር ከለና፡ ተመሳሳሊ ነገር ኢና ኽንገብር እንጽዕር።—ማቴ. 28:19, 20

5. ብዛዕባ እቲ ኣብ ናውቲ ትምህርቲ ዘሎ ናውትና እንታይ ኢና ኽንፈልጥ ዘሎና፧ ብምሳሌ ኣረድእ። (ኣብ መእተዊ ዘሎ ስእልታት ርአ።)

5 በበይኑ ናውቲ ነናቱ ዕዮ ኣለዎ። ንኣብነት፡ ነቲ የሱስ እተጠቕመሉ ናውቲ ጽርበት እስከ ንውሰድ። * ዕንጨይቲ ንምልካዕ፡ ምልክት ንምግባር፡ ንምቝራጽ፡ ንምንኳል፡ ንምቕራጽ በበይኑ ናውቲ የድሊ እዩ፣ ነቲ እተዳለወ ኣልዋሕ ንጐድንን ንትኹልን ግቡእ ዓቐኑ ሓሊኻ ንምግጣም እውን በበይኑ ናውቲ የድሊ እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ናውቲ ትምህርቲ ዘሎ ዅሉ ናውቲ፡ ነናቱ ዕዮ ኣለዎ። ሕጂ እምበኣር፡ ነቲ እተዳለወልና ናውቲ ትምህርቲ ኸመይ ጌርና ኸም እንጥቀመሉ እስከ ንመርምር።

ገዛእ ርእስና እነፋልጠሉ ናውቲ

6, 7. (ሀ) ንካርድ ኣድራሻ ብኸመይ ተጠቒምካሉ፧ (ለ) ወረቐት ዕድመ ኣኼባ ጉባኤ እንታይ ድርብ ዕላማ እዩ ዘለዎ፧

6 ካርድ ኣድራሻ። እዚ ካርድታት እዚ ገዛእ ርእስና ንሰባት ከነፋልጥን ምስ ወብሳይትና ኸነላልን ዚሕግዝ ውጽኢታዊ ናውቲ እዩ። ሰባት ናብ ወብሳይትና ምስ ኣተዉ፡ ብዛዕባና ብዙሕ ኪፈልጡ፡ ካብኡ ሓሊፎም ድማ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪሓትቱ ይኽእሉ እዮም። ክሳዕ ሕጂ፡ ኣብ jw.org ልዕሊ 400,000 ሰባት መጽናዕቲ ኺግበረሎም ሓቲቶም ኣለዉ፣ መዓልቲ መዓልቲ ኸኣ ብኣማእታት ዚቝጸሩ ሰባት ነዚ ሕቶ እዚ የቕርቡ ኣለዉ። ኣብ መዓልታዊ ንጥፈታትካ ንዜጓንፈካ ኣጋጣሚታት ምእንቲ ኽትጥቀመሉ፡ ገለ ኻብዚ ካርድ ኣድራሻ ምሳኻ ኽትሕዝ ትኽእል ኢኻ።

7 ወረቐት ዕድመ። እቲ ወረቐት ዕድመ ኣኼባ ጉባኤ ኢልና እንጽውዖ መዐደሚ፡ ድርብ ዕላማ ኣለዎ። ኣብኡ፡ “ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ተዓዲምካ ኣለኻ” ዚብል ዕድመ ኣሎ። ድሕሪኡ፡ “ኣብ ህዝባዊ ኣኼባታትና” “ወይ ብውልቅኻ መጽናዕቲ ምስ ዚመርሓልካ ሰብ” ዚብል ኣማራጺ ቐሪቡ ኣሎ። በዚ ኸምዚ ድማ፡ እዚ ንዋት እዚ ንመንነትና የላሊ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቶም “መንፈሳዊ ነገራት ዚሃርፉ” እውን ምሳና ዀይኖም መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዑ ዕድመ የቕርበሎም እዩ። (ማቴ. 5:3) ልክዕ እዩ፡ እቶም ኣብ ኣኼባታትና ኺእከቡ ዚደልዩ ሰባት፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪገብሩ ግዴታ የብሎምን። ኣብ ኣኼባታትና እንተ ተኣኪቦም፡ ናይ ሓቂ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ትምህርቲ ኸም እንምህር ኪርእዩን ኪሰምዑን ይኽእሉ እዮም።

8. ሰባት እንተ ወሓደ ሓንሳእ ናብ ኣኼባታትና ምምጻኦም ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ኣብነት ሃብ።

8 ንሰባት እንተ ወሓደ ሓንሳእ ናብ ኣኼባታትና ኺመጹ ኻብ ምዕዳም ከነብኵር የብልናን። ስለምንታይ፧ ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ኣኼባታትና ዘሎ መንፈሳዊ ጽጋብን ኣብ ዓባይ ባቢሎን ዘሎ መንፈሳዊ ጥሜትን ዓብዪ ፍልልይ ከም ዘሎ ኺርእዩ ይኽእሉ እዮም። (ኢሳ. 65:13) ቅድሚ እተወሰነ ዓመታት ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚነብሩ ዝነበሩ ረይን ሊንዳን ዚብሃሉ ሰብ ሓዳር ነዚ ኣስተብሂሎምሉ እዮም። እዞም ሰብ ሓዳር እዚኦም፡ ናብ ቤተ ክርስትያን ምኻድ ኪጅምሩ ኸም ዘለዎም ወሰኑ። ብኣምላኽ ዚኣምኑ ብምንባሮም፡ መንፈሳዊ ህርፋን ነበሮም፣ ስለዚ፡ ኣብ ከተማኦም ናብ ዚርከባ ዅለን ኣብያተ ክርስትያን በብተራ ኪኸዱ ጀመሩ። ኣብ ከተማኦም ከኣ ብዙሓት ኣብያተ ክርስትያን ኣለዋ። እቶም ሰብ ሓዳር ካብ ፈለማ ኣትሒዞም፡ ኣባል ሓንቲ ቤተ ክርስትያን ቅድሚ ምዃኖም፡ እታ ቤተ ክርስትያን ክልተ ቕድመ ዅነት ከተማልእ ከም ዚግባእ ወሰኑ። ቀዳማይ፡ ኣብቲ ሃይማኖታዊ ኣኼባ ገለ ትምህርቲ ኺረኽቡ ኣለዎም፣ ካልኣይ ከኣ፡ ኣባላት እታ ቤተ ክርስትያን ንኣምላኽ ዚውክሉ ሰባት ምዃኖም ብትርኢቶም ኪርአ ኣለዎ። ናብ ኵለን እተን ኣብያተ ክርስትያን ንምኻድ እተወሰነ ዓመታት ወሰደሎም፣ ኣብ መወዳእታኡ ግና፡ በቲ ዝረኸብዎ ውጽኢት ብዙሕ ጐሃዩ። ዋላ ሓንቲ ትምህርቲ ኣይረኸቡን፣ እቶም ኣብ ኣብያተ ክርስትያን ዝረኸብዎም ሰባት ከኣ ጽቡቕ ትርኢት ኣይነበሮምን። ካብታ ኣብ ዝርዝሮም ዝመዝገብዋ ናይ መወዳእታ ቤተ ክርስትያን ምስ ወጹ፡ ሊንዳ ናብ ስራሓ ኸደት፡ ረይ ድማ ናብ ገዛኡ ኪኸይድ ጀመረ። ኣብ መገዱ ግና፡ ብጥቓ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኪሓልፍ ከሎ፡ ‘ከመይ ምዃኖም ስለምንታይ ኣትየ ዘይርኢ፧’ ኢሉ ሓሰበ። ካብ ኵሉ ዝበለጸ ዀይኑ ኸኣ ረኸቦ። ኵሎም ኣብቲ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዝረኸቦም ሰባት ለዋሃትን ምቕሉላትን ብግቡእ እተኸድኑን እዮም ነይሮም። ረይ ኣብ ቅድሚት ኮፍ በለ፣ ነቲ እተማህሮ ድማ ፈተዎ። ሓደ ሰብ ናብ ክርስትያናዊ ኣኼባ ንፈለማ ግዜ ምስ መጸ፡ “ኣምላኽ ብሓቂ ኣብ መንጎኹም እዩ” ኸም ዚብል ሃዋርያ ጳውሎስ ገሊጹ ነይሩ እዩ፣ ንረይ ተመሳሳሊ ዅነታት እዩ ኣጋጢምዎ። (1 ቈረ. 14:23-25) ካብቲ ግዜ እቲ ንነጀው፡ ሰንበት ሰንበት ካብ ዚግበር ኣኼባ ኣየብኰረን፣ ድሕሪኡ ድማ ናብቲ ኣብ መንጎ ሰሙን ዚግበር ኣኼባ ኺመጽእ ጀመረ። ሊንዳ እውን ኣብ ኣኼባታትና ኽትእከብ ጀመረት፣ ኣብ 70ታት ዕድሚኦም ዚርከቡ እኳ እንተ ዀኑ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዑ ፍቓደኛታት ኰኑ፡ ድሕሪኡ እውን ተጠምቁ።

ዝርርብ ንምጅማር ዚሕግዝ ናውቲ

9, 10. (ሀ) ትራክትታትና ንኣጠቓቕማ ቐሊል ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ነታ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧ ዘርእስታ ትራክት ብኸመይ ክትጥቀመላ ኸም እትኽእል ግለጽ።

9 ትራክትታት። ብቐሊሉ ዝርርብ ንምጅማር ከም ናውቲ ጌርና እንጥቀመሉ ሸሞንተ ትራክት ኣሎና። እዚ ትራክትታት እዚ፡ ካብ 2013 ኣትሒዙ እዩ ወጺኡ፣ ክሳዕ ሕጂ ድማ ኣስታት ሓሙሽተ ቢልዮን ሓቲምና ኣለና። እዚ ናውቲ እዚ ኣብ ኣጸሓሕፋኡ ሕደ ቕርጺ ስለ ዘለዎ፡ ንሓዲኡ ኸመይ ጌርካ ኸም እትጥቀመሉ እንተ ፈሊጥካ፡ ንዅሉ ብኸመይ ከም እትጥቀመሉ ኽትፈልጥ ትኽእል ኢኻ። እሞኸ ኸመይ ጌርካ ኢኻ ብትራክት ዝርርብ ከተጀምር እትኽእል፧

10 ነታ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧ ዘርእስታ ትራክት ክትጥቀም ሓሲብካ ንበል። ከምኡ እንተ ሓሲብካ፡ “መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ምዃናስ ሓቲትካዶ ትፈልጥ፧ እንታይ ምበልካ፧” ኢልካ ነቲ ኣብ ቅድሚት ዘሎ ሕቶ ኣርእዮ እሞ፡ ካብተን ሰለስተ ነየነይቲ መልሲ ኸም ዚሓሪ ሕተቶ። እታ ንሱ ዝመረጻ ቕንዕቲ ወይ ጌጋ ምዃና ኸይተዛረብካ፡ ናብቲ ብውሽጢ ዘሎ፡ “መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧” ዚብል ገንጺልካ፡ ነተን ኣብኡ ተጠቒሰን ዘለዋ ዳንኤል 2:44ን ኢሳይያስ 9:6ን ኣንብበሉ። እንተ ኽኢልካ፡ ነቲ ምይይጥ ቀጽሎ። ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ ትሕቲ እቲ፡ “ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ” ዚብል ክፋል ዚርከብ፡ “ኣብ ትሕቲ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ፡ ህይወት እንታይ ክትመስል እያ፧” ዚብል ሕቶ ሕተቶ። እዚ ኸኣ ኣብ ዚቕጽል እዋን ንእትዛራረቡሉ ነገር መሰረት ኪኸውን እዩ። ካልእ ግዜ ኣብ እትራኸቡሉ እዋን፡ ትምህርቲ 7 እታ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር እንጥቀመላ ብስራት ኣምላኽ ዘርእስታ ብሮሹር ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ።

ተገዳስነት ዜለዓዕል ናውቲ

11. መጽሔታትና ንምንታይ ዕላማ እየን ተዳልየን፧ ብዛዕባአንከ እንታይ ኢና ኽንፈልጥ ዘሎና፧

11 መጽሔታት። ግምቢ ዘብዐኛ​ንቕሑ!​ን ኣብ ዓለም ብብዝሒ ሕትመተንን ብብዝሒ ዚትርጐማሉ ቛንቋታትን ቀዳማይ ደረጃ ሒዘን ዘለዋ መጽሔታት እየን። ኣንበብተን ኣብ ሓያሎ ሃገራት ዚርከቡ ብምዃኖም፡ ገበር እዘን መጽሔታት እዚአን ኣብ ኵሉ ንዚርከቡ ሰባት ከም ዚስሕብ ጌርካ እዩ ዚዳሎ። በዘን መጽሔታት እዚአን ጌርና ንሰባት ኣብቲ ኣብዚ ግዜና ኣብ ህይወት ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ጕዳያት ከም ዜተኵሩ ኽንገብሮም ኣሎና። ከምኡ ንምግባር ግና፡ ኣየነይቲ መጽሔት ንምንታይ ዓይነት ሰባት ከም እተዳለወት ክንፈልጥ ኣሎና።

12. (ሀ) ንቕሑ! ንመን እያ ተዳልያ፧ ዕላማኣኸ እንታይ እዩ፧ (ለ) በዛ ንዋት እዚኣ እንታይ ኣሳልጦ ረኺብካ፧

12 ንቕሑ! ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ፍልጠት ንዘይብሎም ወይ ጠሪሱ ፍልጠት ንዘይብሎም ሰባት እያ ተዳልያ። ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት ብዛዕባ ክርስትያናዊ ትምህርቲ ብዙሕ ዘይፈልጡ፡ ንሃይማኖታት ዚጥርጥሩ፡ ወይ መጽሓፍ ቅዱስ ግብራዊ ጥቕሚ ኸም ዘለዎ ዘይፈልጡ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ቀንዲ ዕላማ ንቕሑ!፡ ንኣንባቢ ብዛዕባ ህልውና ኣምላኽ ከም ዚኣምን ምግባር እዩ። (ሮሜ 1:20፣ እብ. 11:6) ብዘይካዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ “ብሓቂ . . . ቃል ኣምላኽ” ከም ዝዀነ ዜእምን መርትዖታት ተቕርብ እያ። (1 ተሰ. 2:13) ኣብ 2018 ኣብ ገበር ዝወጸ ሰለስተ ርእሰ ነገር፡ “መገዲ ሓጐስ፡” “ንስድራ ቤታት ዜዐውት 12 ረቛሒታት፡” ከምኡ እውን “ንሓዘንተኛታት ዚኸውን ሓገዝ” ይብል።

13. (ሀ) ግምቢ ዘብዐኛ፡ ሕታም ህዝቢ ንመን እያ ተዳልያ፧ (ለ) በዛ ንዋት እዚኣ እንታይ ኣሳልጦ ረኺብካ፧

13 ግምቢ ዘብዐኛ፡ ሕታም ህዝቢ ኣብቲ ነቶም ንኣምላኽን ንቓል ኣምላኽን ብእተወሰነ ደረጃ ኣኽብሮት ዘለዎም ሰባት ዚኸውን መንፈሳዊ ነገራት ተተኵር። ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ እተወሰነ ፍልጠት እኳ እንተ ኣለዎም፡ ንትምህርትታቱ ግና ብልክዕ ኣይርድእዎን እዮም። (ሮሜ 10:2፣ 1 ጢሞ. 2:3, 4) ኣብ 2018 ኣብ ገበር ዝወጸ ሰለስተ ርእሰ ነገር፡ “መጽሓፍ ቅዱስ ሎሚ እውን ጠቓሚ ድዩ፧” “ኣብ መጻኢ እንታይ ይጽበየና ኣሎ፧” ከምኡ እውን “ኣምላኽ ይሓልየልካ ድዩ፧” ንዚብል ሕቶታት ምላሽ ይህብ።

ደራኺ ናውቲ

14. (ሀ) ኣብ ናውቲ ትምህርቲ ዘሎ ኣርባዕተ ቪድዮታት ንምንታይ ዕላማ እዩ ዜገልግል፧ (ለ) በዚ ቪድዮታት እዚ ጌርካ እንታይ ኣሳልጦ ረኺብካ፧

14 ቪድዮታት። ሓደ ጸራቢ ብግዜ የሱስ ኪረኽቦ ዚኽእል ዝነበረ ናውቲ፡ ብኢድ ዚሰርሕ ናውቲ ጥራይ እዩ ነይሩ። ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ጸረብቲ ዕንጨይቲ ግና፡ ብኤለክትሪክ ዚሰርሕ መጋዝን መንኰልን መፋሕፍሕን መሰመርን ካልእን ኣለዎም። ንሕና ድማ ኣብ ርእሲ እቲ ተሓቲሙ ዚወጽእ ጽሑፋት፡ ንሰባት ከነርእዮም እንኽእል ጽቡቕ ቪድዮታት ኣሎና፣ ኣብ ናውቲ ትምህርቲ ዚርከብ ኣርባዕተ ኻብዚ ቪድዮታት ድማ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ እዩ ዚምራሕ፧፡ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እዩ ዚግበር፧፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር—እንታዎት ኢና፧ ዚብል ኣርእስቲ ኣለዎ። እዚ ቪድዮታት እዚ ኻብ ክልተ ደቒቕ ዚሓጽር ብምዃኑ፡ ንናይ ፈለማ ምብጻሕ ይጥዕም እዩ። እቲ ንውሕ ዝበለ ኸኣ ንተመላሊስካ ምብጻሕን ነቶም ዝያዳ ግዜ ዘለዎምን ክንጥቀመሉ ንኽእል ኢና። እዚ ዜደንቕ ናውቲ እዚ፡ ንሰባት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪጅምሩን ኣብ ኣኼባታትና ኺእከቡን ኪድርኾም ይኽእል እዩ።

15. ሓደ ሰብ ብቛንቋኡ ሓንቲ ኻብ ቪድዮታትና ምስ ዚርኢ፡ እንታይ ጽልዋ ኼሕድረሉ ኸም ዚኽእል ኣብነት ሃብ።

15 ንኣብነት፡ ሓንቲ ሓብቲ ንሓንቲ ኻብ ማይክሮነዥያ ዝገዓዘት ቋንቋ ያፐኛ እትዛረብ ሰበይቲ ምስ ረኸበት፡ ነታ መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧ ዘርእስታ ቪድዮ ኣርኣየታ። እታ ቪድዮ ምስ ተወልዐት፡ እታ ሰበይቲ፡ “እዚ ደኣ ቛንቋይ እንድዩ። ዜደንቕ እዩ! ብኣዘራርባኡ ኻብ ደሴትና ምዃኑ ፈሊጠዮ። ቋንቋይ እዩ ዚዛረብ!” በለት። ድሕሪኡ፡ ኣብ jw.org ብቛንቋኣ ዚርከብ ዘበለ ዅሉ ኸተንብብን ክትርእን ምዃና ገለጸት። (ምስ ግብሪ ሃዋርያት 2:8, 11 ኣረኣኢ።) ካልእ ተመክሮ እውን ንርአ። ሓንቲ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ እትነብር ሓብቲ፡ ኣብ ካልእ ሃገር ንዚነብር ወዲ ሓዋ ብቛንቋኡ ናብ እተዳለወት ቪድዮ እትመርሕ ሊንክ ሰደደትሉ። ንሱ ድማ ነታ ቪድዮ ድሕሪ ምርኣዩ፡ “ብፍላይ እቲ እኩይ ሓይሊ ንዓለም ይቈጻጸራ ኸም ዘሎ ዚገልጽ ክፋል፡ ንኣቓልቦይ ስሒብዎ እዩ። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ሓቲተ ኣለኹ” ኢሉ ኢ-መይል ጸሓፈላ። እዚ ሰብ እዚ፡ ዕዮና ኣብ እተቐየደላ ሃገር እዩ ዚነብር።

ሓቂ ንምምሃር ዚኸውን ናውቲ

16. ዕላማ እዘን ብሮሹራት በብሓደ ግለጽ፦ (ሀ) ንኣምላኽ ስምዓዮ እሞ ንዘለኣለም ክትነብር ኢኻ። (ለ) ብስራት ኣምላኽ። (ሐ) ሎሚ ፍቓድ የሆዋ ዚገብሩ ዘለዉ መን እዮም፧

16 ብሮሹራት። ጽቡቕ ገይሩ ኣንቢቡ ንዘይክእል ሰብ ወይ ከኣ ብቛንቋኡ ጽሑፋት ንዘይብሉ ሰብ ከመይ ጌርካ ሓቂ ኽትምህሮ ትኽእል፧ ነዚ ዕላማ እዚ እተዳለወት፡ ንኣምላኽ ስምዓዮ እሞ ንዘለኣለም ክትነብር ኢኻ ዘርእስታ ንዋት ኣላትና። * መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር እተኽእል ብልጽቲ ንዋት ከኣ፡ እታ ብስራት ኣምላኽ ዘርእስታ ብሮሹር እያ። ነቲ እትረኽቦ ሰብ ድማ ነቲ ኣብ ናይ ድሕሪት ገበር ዘሎ 14 ሕቶታት ኣርኢኻ፡ ካባታተን ኣየነይቲ ብዝያዳ ኸም እተገድሶ ኽትሓትቶ ትኽእል ኢኻ። ድሕሪኡ፡ በታ ዝመረጻ ትምህርቲ ጌርካ መጽናዕቲ ኣጀምሮ። ነዚ ሜላ እዚ ኣብቶም ተመላሊስካ ምብጻሕ እትገብረሎም ሰባት ፈቲንካዮዶ፧ እታ ኣብ ናውቲ ትምህርቲ እትርከብ ሳልሰይቲ ብሮሹር ከኣ፡ ሎሚ ፍቓድ የሆዋ ዚገብሩ ዘለዉ መን እዮም፧ ዘርእስታ እያ። እዛ ብሮሹር ድማ፡ ንተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ውድብና ንምምሃር እያ ተዳልያ። ኣብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከመይ ጌርና ኸም እንጥቀመላ ንምፍላጥ፡ ኣብ ናይ መጋቢት 2017 ሕታም ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ ርአ።

17. (ሀ) እተን ንመጽናዕቲ እንጥቀመለን መጻሕፍቲ እንታይ ነናተን ዕላማ ኣለወን፧ (ለ) ካብ ኵሎም እቶም ናብ ጥምቀት ዕቤት ዚገብሩ ሰባት እንታይ ትጽቢት እዩ ዚግበር፧ ስለምንታይከ፧

17 መጻሕፍቲ። ብብሮሹር ጌርካ ንሓደ ሰብ መጽናዕቲ ምስ ኣጀመርካ፡ ኣብ ዝዀነ እዋን ናብታ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧ ዘርእስታ መጽሓፍ ከተሰጋግሮ ትኽእል ኢኻ። እዛ ንዋት እዚኣ ኸኣ ነቲ ብዛዕባ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዎ መሰረታዊ ፍልጠት ከተስፍሓሉ እያ። ነታ መጽሓፍ እቲኣ ድሕሪ ምውዳኡ ዕቤት ይገብር እንተሎ፡ ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ብኸመይ ትጸንዕ፧ ዘርእስታ መጽሓፍ ቀጽለሉ። እዛ ንዋት እዚኣ ድማ፡ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መዓልታዊ ህይወቱ ኸመይ ገይሩ ኣብ ግብሪ ኸም ዜውዕል ክትምህሮ እያ። ግናኸ፡ ሓደስቲ ጥሙቓት እውን እንተ ዀኑ፡ ንኽልቲአን እዘን መጻሕፍቲ እዚአን ክሳዕ ዚውድኡ ኼጽንዑ ኸም ዘለዎም ኣይትረስዕ። እዚ ድማ ኣብ ሓቂ ብጽኑዕ ከም ዚስረቱ ይገብር እዩ።—ቈሎሴ 2:6, 7 ኣንብብ።

18. (ሀ) ቀዳማይ ጢሞቴዎስ 4:16፡ ከም መምህራን ሓቂ መጠን እንታይ ክንገብር እያ እተተባብዓና፧ እዚኸ እንታይ ፍረ የፍሪ፧ (ለ) ነቲ ናውቲ ትምህርቲ ኽንጥቀመሉ ኸለና፡ እንታይ ሸቶ እዩ ኺህልወና ዘለዎ፧

18 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ምዃንና መጠን፡ እቲ ንሰባት ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዚመርሕ “መልእኽቲ ሓቂ እቲ ብስራት” ብሕድሪ ተዋሂቡና ኣሎ። (ቈሎ. 1:5፣ 1 ጢሞቴዎስ 4:16 ኣንብብ።) ከምኡ ንምግባር ከኣ፡ ዜድልየና ዘበለ ናውቲ ትምህርቲ ተዳልዩልና ኣሎ። (ኣብ ትሕቲ፡ “ ናውቲ ትምህርቲ” ርአ።) እምበኣር፡ ነዚ ናውቲ እዚ ብውሕሉል መገዲ ንጠቐመሉ። ነፍሲ ወከፍ ኣስፋሒ፡ ካብቲ ናውቲ ኣየናይን መዓስን ንግዱስ ከም ዜፋልጥ ኪውስን ይኽእል እዩ። ዕላማና ግና ጽሑፋት ምዕዳል ጥራይ ኣይኰነን፣ ብዛዕባ መልእኽትና ተገዳስነት ንዘይብሎም ሰባት እውን ጽሑፋትና ኽንህቦም የብልናን። የግዳስ፡ ሸቶና ንቕኑዓትን ንትሑታትን መንፈሳዊ ጥሜት ንዘለዎምን፡ እወ ነቶም “ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዘንቀዱ” ደቀ መዛሙርቲ ምግባር እዩ።—ግብ. 13:48፣ ማቴ. 28:19, 20

^ ሕ.ጽ. 5 ኣብ ናይ 1 ነሓሰ 2010 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት፡ “እቲ ጸራቢ” ዘርእስታ ዓንቀጽን “ናውቲ ጸራቢ” ዘርእስታ ሳጹንን ርአ።

^ ሕ.ጽ. 16 ኬንብብ ዘይክእል ሰብ እንተ ኣጓኒፉካ፡ ነታ መብዛሕትኡ ትሕዝቶኣ ስእልታት ዝዀነ ንኣምላኽ ስምዓዮ ዘርእስታ ብሮሹር ሒዙ ኸም ዚከታተለካ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ።