ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ለውጥታት እናኣጋጠመ ኽነሱ፡ ውሽጣዊ ሰላምካ ሓሉ

ለውጥታት እናኣጋጠመ ኽነሱ፡ ውሽጣዊ ሰላምካ ሓሉ

“ንነፍሰይ ኣህዳእክዋ፡ ስቕ እውን ኣበልክዋ።”—መዝ. 131:2

መዝሙር፦ 128, 129

1, 2. (ሀ) ሓደ ክርስትያን ኣብ ህይወቱ ዘይተጸበዮ ለውጥታት ኬጋጥሞ ኸሎ፡ እዚ እንታይ ጽልዋ ኼሕድረሉ ይኽእል፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።) (ለ) ብመሰረት መዝሙር 131፡ ውሽጣዊ ሰላምና ንምሕላው እንታይ ኣረኣእያ ኺሕግዘና ይኽእል፧

ሎይድን ኣለክሳንድራን ካብ ቤት-ኤል ወጻኢ ኼገልግሉ ኸም እተመደቡ ምስ ፈለጡ፡ ኣብ ፈለማ ጕህዮም ነይሮም እዮም። ከመይሲ፡ ኣብ ቤት-ኤል ንልዕሊ 25 ዓመት ኣገልጊሎም ነይሮም እዮም። ብዛዕባ እዚ ሎይድ ከምዚ ይብል፦ “ቤት-ኤልን እተመደበለይ ዕዮን ከም መንነተይ ገይረ እየ ዝርእዮ ነይረ። እቲ ለውጢ ዘድለየሉ ምኽንያታት ኣእምሮይ እኳ እንተ ተቐበሎ፡ ኣብተን ስዒበን ዝነበራ ሰሙናትን ኣዋርሕን ግና እተደርበኹ ዀይኑ ይስምዓኒ ነይሩ እዩ። ስምዒታተይ ግልብጥብጥ እዩ ዚብለኒ ነይሩ። ሓንሳእ ኣወንታዊ ስምዒት ይስምዓኒ፡ ቍሩብ ጸኒሑ ድማ ሓዘን ይስምዓኒ ነይሩ።”

2 ኣብ ህይወትና ዘይተጸበናዮ ለውጥታት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ሻቕሎትን ውጥረትን ኪስምዓና ይኽእል እዩ። (ምሳ. 12:25) ነቲ ለውጥታት እቲ እውን ምቕባሉ ኪኸብደና ይኽእል እዩ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ዅነታት፡ ከመይ ጌርና ንነፍስና ‘ኸነህድኣን ስቕ ከነብላን’ ንኽእል፧ (መዝሙር 131:1-3 ኣንብብ።) ገሊኦም ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሩን ኣብዚ ግዜና ዘለዉን ኣገልገልቲ የሆዋ ለውጥታት እናኣጋጠሞም ክነሱ ኸመይ ገይሮም ውሽጣዊ ሰላሞም ከም ዝሓለዉ እስከ ንርአ።

“ሰላም ኣምላኽ” ብኸመይ ይሕግዘና፧

3. ንዮሴፍ ኣብ ህይወቱ ብሃንደበት እንታይ ለውጥታት ኣጋጢምዎ፧

3 ንዮሴፍ እስከ ከም ኣብነት ንውሰድ። ኣቦኡ ሓለፋ ዅሎም ኣሕዋቱ ይፈትዎ ነይሩ እዩ። ዮሴፍ ወዲ 17 ዓመት ምስ ኰነ ግና፡ ኣሕዋቱ ብቕንኢ ተለዓዒሎም ንባርነት ሸጥዎ። (ዘፍ. 37:2-4, 23-28) ድሕርዚ፡ ዮሴፍ ን13 ዓመት ካብ ዚፈትዎ ኣቦኡ ያእቆብ ርሒቑ ኣብ ግብጺ ብባርነትን ብማእሰርትን ተሳቐየ። እሞ ደኣ ተስፋ ኸይቈርጽን ከይምረርን ዝሓገዞ እንታይ እዩ፧

4. (ሀ) ዮሴፍ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣብ ምንታይ እዩ ዜተኵር ነይሩ፧ (ለ) የሆዋ ንጸሎት ዮሴፍ ብኸመይ ምላሽ ሂብዎ፧

4 ዮሴፍ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ኣብ በረኸት የሆዋ ኣተኲሩ ኪኸውን ኣለዎ። (ዘፍ. 39:21፣ መዝ. 105:17-19) እቲ ዮሴፍ ብንእስነቱ ዝሓለሞ ትንቢታዊ ሕልሚ፡ ሞገስ የሆዋ ኸም ዘለዎ እምንቶ ኣሕዲሩሉ ኪኸውን ኣለዎ። (ዘፍ. 37:5-11) ብተደጋጋሚ እውን ስቓዩ ንየሆዋ ይገልጸሉ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። (መዝ. 145:18) የሆዋ ድማ ንዮሴፍ፡ ኣብ ኵሉ ጸበባኡ ‘ምስኡ ኸም ዚኸውን’ እምንቶ ኸም ዜሕድር ብምግባር፡ ንጸሎቱ ምላሽ ሂብዎ እዩ።—ግብ. 7:9, 10 *

5. “ሰላም ኣምላኽ” ኣብቲ ንመንፈሳዊ ሸቶታትና ንምስዓብ ዘሎና ድሌት እንታይ ጽልዋ ኺህልዎ ይኽእል፧

5 ንሕና እውን ኣጸጋሚ ዅነታት እናኣጋጠመና ኽነሱ፡ እቲ ንኣእምሮና ዚሕልዎ “ሰላም ኣምላኽ” ኬህድኣና ይኽእል እዩ። (ፊልጲ 4:6, 7 ኣንብብ።) ስለዚ፡ ጭንቀት ኪበዝሓና ኸሎ ናብ የሆዋ እንተ ተጸጊዕና፡ ሰላም ኣምላኽ ነቲ ኣብ መንፈሳዊ ሸቶታትና ንምብጻሕ ዘሎና ቘራጽነት ኬደልድሎ፡ ከይንሕለል እውን ኪሕልወና ይኽእል እዩ። ኣብዚ መዳይ እዚ ኣብነት ብዛዕባ ዚዀኑና ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ክርስትያናት እስከ ንርአ።

ውሽጣዊ ሰላም ንምርካብ ናብ የሆዋ ተጸጋዕ

6, 7. ጸገምና ብንጹር ጠቒስና ምጽላይ፡ ውሽጣዊ ሰላም ክንረክብ ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧ ኣብነት ሃብ።

6 ራያንን ጁልየትን ግዜያውያን ፍሉያት ፈለምቲ ዀይኖም ዜገልግልዎ ዝነበሩ ኣገልግሎት ከም ዘብቅዐ ምስ ተሓበሮም፡ ጕህዮም ነይሮም እዮም። ራያን ከኣ፡ “ነዚ ብጸሎት ናብ የሆዋ ኣቕሪብናዮ” ይብል። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ፡ “ኣብኡ እምንቶ ኸም ዘሎና እነርእየሉ ፍሉይ ኣጋጣሚ ኸም እተኸፍተልና ፈሊጥና ኔርና። ብዙሓት ኣባላት ጉባኤና፡ ኣብ ሓቂ ሓደስቲ እዮም ነይሮም፣ ስለዚ፡ ብሉጽ ኣብነት እምነት ምእንቲ ኽንከውን፡ ሓገዝ ንምርካብ ናብ የሆዋ ጸሊና” ይብል።

7 እሞኸ የሆዋ ንጸሎቶም ብኸመይ ምላሽ ሂቡሉ፧ ራያን ከምዚ ይብል፦ “ድሕሪ እቲ ጸሎት ብኡብኡ ኣሉታዊ ስምዒታትናን ጭንቀትናን ጠፊኡ። ሰላም ኣምላኽ ንልብናን ንኣእምሮናን ሓልይዎ። ቅኑዕ ኣረኣእያ እንተ ሒዝና፡ የሆዋ ኸም ዚጥቀመልና ኣስተውዒልና።”

8-10. (ሀ) ንዜጋጥመና ጭንቀት ምእንቲ ኽንክእሎ፡ መንፈስ ኣምላኽ ብኸመይ ኪሕግዘና ይኽእል፧ (ለ) የሆዋ ኣብቲ ንመንፈሳዊ ኣመለኻኽታና ንምሕላው እንገብሮ ጻዕሪ ብኸመይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

8 መንፈስ ኣምላኽ ከም እንሃድእ ኣብ ርእሲ ምግባሩ፡ ንመንፈሳዊ ነገራት ቀዳምነት ክንህብ ናብ ዚሕግዝ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ከም እነተኵር እውን ኪገብረና ይኽእል እዩ። (ዮሃንስ 14:26, 27 ኣንብብ።) ኣብ ቤት-ኤል ንኣስታት 25 ዓመት ንዘገልገሉ ፊሊፕን ሜሪን ዘጋጠሞም እስከ ንርአ። ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ወርሒ፡ ክልቲአን ኣዴታቶምን ዘመዶምን ብሞት ሰኣኑ፣ ኣብ ርእሲ እዚ ኸኣ፡ ሕማም ኣእምሮ ንዘለዎ ኣቦ ሜሪ እውን ኪኣልይዎ ጀመሩ።

9 ፊሊፕ ከምዚ ኢሉ ተዘክሮኡ ይገልጽ፦ “ብእተወሰነ ነዚ ዝኸኣልክዎ ይመስለኒ ነይሩ፣ ሓደ ነገር ግና ጐዲሉኒ ነይሩ። ድሕሪኡ፡ ኣብ ሓንቲ ዓንቀጽ ግምቢ ዘብዐኛ ቈሎሴ 1:11 ኣጓኒፋትኒ። ልክዕ እዩ፡ እጻወር ነይረ እየ፣ ግናኸ፡ ንዅሉ ኣይኰነን። ‘ብዓቕልን ብሓጐስን ኵሉ ኽጻወር’ ነይሩኒ። እዛ ጥቕሲ እዚኣ ኸኣ፡ ኣብ ህይወት ዝረኽቦ ሓጐስ ኣብ ኵነታተይ ዘይኰነስ፡ ኣብቲ መንፈስ ኣምላኽ ኣብ ህይወተይ ዘለዎ ጽልዋ ኸም ዚምርኰስ ኣዘኻኺራትኒ።”

10 ፊሊፕን ሜሪን መንፈሳዊ ኣመለኻኽታኦም ንምሕላው ጻዕሪ ስለ ዝገበሩ፡ የሆዋ ብብዙሕ መገድታት ባሪኽዎም እዩ። ካብ ቤት-ኤል ድሕሪ ምውጻኦም ነዊሕ ከይጸንሑ፡ ኣብ ሰሙን ልዕሊ ሓንሳእ ኬጽንዑ ዚደልዩ ዕቤት ዚገብሩ ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ረኸቡ። ሜሪ ትዝታኣ ኽትገልጽ ከላ፡ “ሓጐስና እዮም ነይሮም፣ የሆዋ ድማ ብኣታቶም ኣቢሉ ዅሉ ደሓን ከም ዚኸውን ነጊሩና እዩ” ትብል።

የሆዋ ምእንቲ ኺባርኸካ፡ ኣጋጣሚ ኽፈተሉ

ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ይኹን ኵነታት፡ ኣብነት ዮሴፍ ክንስዕብ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 11-13 ርአ)

11, 12. (ሀ) ዮሴፍ፡ የሆዋ ምእንቲ ኪባርኾ ኣጋጣሚ ዝኸፈተሉ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ዮሴፍ ዓስቢ እቲ ተጻዋርነቱ ዝረኸበ ብኸመይ እዩ፧

11 ሃንደበታዊ ለውጥታት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ብዛዕባ መጻኢ እንጭነቖ ጭንቀት ኬልምሰና ይኽእል እዩ። ንዮሴፍ ከምዚ ኼጋጥሞ ይኽእል ነይሩ እዩ። ንሱ ግና ኣብቲ ህሉው ኵነታቱ ዚከኣሎ ኺገብር እዩ ጽዒሩ፣ በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ የሆዋ ምእንቲ ኺባርኾ፡ ኣጋጣሚ ኸፊቱሉ እዩ። ዮሴፍ ከምቲ ንጶጢፋር ብትግሃት ዘገልገሎ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እውን እቲ ሓለቓ ቤት ማእሰርቲ ንዚህቦ ዝነበረ ዕዮ ብትግሃት ይዓዪ ነይሩ እዩ።—ዘፍ. 39:21-23

12 ሓደ መዓልቲ፡ ዮሴፍ፡ ኣብ ቤተ መንግስቲ ፈርኦን ምርኡይ ቦታ ንዝነበሮም ክልተ እሱራት ኪከናኸኖም ሓላፍነት ተዋህቦ። እቶም ሰባት ንለውሃት ዮሴፍ ስለ ዝረኣዩ፡ ጭንቆምን ለይቲ ዝረኣይዎ ሕልሞምን ነገርዎ። (ዘፍ. 40:5-8) እቲ ዝርርቦም ደሓር ጽቡቕ ፍረ ኸም ዜፍሪ፡ ዮሴፍ ሽዑ ኣይፈለጠን ነይሩ። ድሕርዚ፡ ክልተ ዓመት ኣብ ቤት ማእሰርቲ እኳ እንተ ጸንሐ፡ ኣብ መወዳእታኡ ግና ካብ ቤት ማእሰርቲ ተፈትሐ፣ በታ እተፈትሓላ መዓልቲ ኸኣ፡ ካብ ፈርኦን ቀጺሉ ኣብ ግብጺ ዝለዓለ ስልጣን ዘለዎ ገዛኢ ዀነ።—ዘፍ. 41:1, 14-16, 39-41

13. ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ይኹን ኵነታትና፡ የሆዋ ምእንቲ ኺባርኸና ኣጋጣሚ እንኸፍተሉ ብኸመይ ኢና፧

13 ከም ዮሴፍ፡ ካብ ቍጽጽርና ወጻኢ ዝዀነ ዅነታት የጋጥመና ይኸውን። ዓቕሊ እንተ ጌርናን ኣብቲ ህሉው ኵነታትና ዚከኣለና እንተ ጽዒርናን ግና፡ የሆዋ ምእንቲ ኺባርኸና ኣጋጣሚ ንኸፍተሉ ኢና። (መዝ. 37:5) ሓድሓደ ግዜ፡ ‘እንገብሮ ኸም ዚጠፍኣና’ ዚከሓድ ኣይኰነን፣ ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝበሎ ግና ከቶ “ተስፋ ኣይንቐብጽን ኢና።” (2 ቈረ. 4:8፣ እ.ጽ.) ብሕልፊ ኣብ ኣገልግሎትና እንተ ኣተኲርና፡ እዚ ቓላት ጳውሎስ እዚ ኣብ ህይወትና ኺፍጸም ንርኢ ኢና።

ኣብ ኣገልግሎትካ ኣተኵር

14-16. ፊልጶስ እቲ ወንጌላዊ ለውጥታት እናኣጋጠሞ ኽነሱ፡ ኣብ ኣገልግሎቱ ዘተኰረ ብኸመይ እዩ፧

14 ፊልጶስ እቲ ወንጌላዊ ለውጥታት እናኣጋጠሞ ኽነሱ ኣብ ኣገልግሎቱ ብምትኳሩ ሰናይ ኣብነት ይዀነና እዩ። ሓደ እዋን፡ እስጢፋኖስ ሰማእት ኰይኑ ምስ ተቐትለ፡ ኣብ የሩሳሌም ብርቱዕ መስጐጕቲ ተላዕለ። * ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ፊልጶስ ሓድሽ ሓላፍነት ተዋሂብዎ ነይሩ እዩ። (ግብ. 6:1-6) ሰዓብቲ ክርስቶስ ፋሕ ምስ በሉ ግና፡ ፊልጶስ ስቕ ኢሉ ኽርኢ ኣይደለየን። ናብታ ብዙሕ ዘይተሰብከላ ሰማርያ ኸይዱ፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ሰበኸ።—ማቴ. 10:5፣ ግብ. 8:1, 5

15 ፊልጶስ፡ መንፈስ ኣምላኽ ናብ ዝመርሖ ዘበለ ንምኻድ ፍቓደኛ ነበረ፣ ስለዚ ድማ፡ የሆዋ ሓድሽ ክልታት ንምኽፋት ተጠቕመሉ። ኣድልዎ ስለ ዘይነበሮ ኸኣ፡ እቶም ብኣይሁድ ዚንዓቑ ዝነበሩ ሳምራውያን በዚ ተሓጒሶም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዮም እቶም ህዝቢ “ብሓደ ሰሚሮም” ዝሰምዕዎ።—ግብ. 8:6-8

16 ድሕሪኡ፡ ፊልጶስ ብመንፈስ ኣምላኽ ናብተን ብዙሓት ኣህዛብ ዚነብሩለን ዝነበሩ ኣሽዶድን ቂሳርያን ዚብሃላ ዓበይቲ ኸተማታት ተመርሐ። (ግብ. 8:39, 40) ኣብኡ ኸሎ ድማ፡ ኣብ ህይወቱ ኻልእ ለውጢ ኣጋጠሞ። እወ፡ ኣቦ ስድራ ዀነ፡ ኣብታ ኸተማ ኸኣ ተቐመጠ። ይኹን እምበር፡ ኵነታቱ እኳ እንተ ተለወጠ፡ ኣብ ኣገልግሎቱ ኣተኲሩ እዩ፣ ከም ውጽኢቱ ድማ፡ የሆዋ ንዕኡን ንስድራ ቤቱን ባሪኽዎም እዩ።—ግብ. 21:8, 9

17, 18. ኣብ ኣገልግሎት ምትኳርና፡ ለውጥታት ኬጋጥም ከሎ ሚዛንና ኽንሕሉ ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

17 ብዙሓት ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ኣብ ኣገልግሎቶም ምትኳሮም፡ ለውጥታት ኬጋጥሞም ከሎ ሚዛኖም ኪሕልዉ ኸም ዝሓገዞም ይገልጹ እዮም። ኦዝቦርንን ፖላይትን ዝስሞም ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዜገልግሉ ዝነበሩ ሰብ ሓዳር ካብ ቤት-ኤል ምስ ወጹ፡ ነዊሕ ከይጸንሑ ናይ ክፍለ ግዜ ስራሕን መንበርን ዚረኽቡ መሲልዎም ነይሩ። ግናኸ፡ ኦዝቦርን ሽዑ ዘጋጠሞም ኪገልጽ ከሎ፡ “ከምቲ እተጸበናዮ ብቕልጡፍ ዓለማዊ ስራሕ ኣይረኸብናን” ይብል። ሰበይቱ ፖላይት ከኣ፡ “ንሰለስተ ወርሒ ስራሕ ኣይረኸብናን፣ ዘዋህለልናዮ ገንዘብ እውን ኣይነበረናን። ብሓቂ ኸቢድ እዩ ነይሩ” ትብል።

18 እሞ ደኣ ነቲ ኸቢድ ኵነታት ብኸመይ ክኢሎምዎ፧ ኦዝቦርን ከምዚ ይብል፦ “ምስ ጉባኤና ናብ ስብከት ምውፋርና፡ ንኣእምሮና ትኩርን ኣወንታውን ኣብ ምግባር ብዙሕ ሓጊዙና እዩ። ኮፍ ኢልና ኣብ ክንዲ እንጭነቕ፡ ብዕዮ ስብከት ትሑዛት ኢና ኔርና፣ እዚ ኸኣ ዓብዪ ሓጐስ ኣምጺኡልና እዩ። ኣብ ኵሉ ድማ ስራሕ ነናዲ ኔርና፣ ኣብ መወዳእታኡ ኸኣ ስራሕ ረኺብና።”

ንየሆዋ ብትዕግስቲ ተጸበዮ

19-21. (ሀ) ውሽጣዊ ሰላምና ንምሕላው እንታይ ኪሕግዝና ይኽእል፧ (ለ) ምስ ሓድሽ ኵነታት ምትዕርራይ ምግባርና እንታይ ብሕታዊ ጥቕምታት የምጽኣልና፧

19 እዚ ኣብነታት እዚ ኸም ዚሕብሮ፡ ንዅነታትና ብዝበለጸ እንጥቀመሉን ንየሆዋ ብምትእምማን እንጽበዮን እንተ ዄንና፡ ውሽጣዊ ሰላምና ንሕሉ ኢና። (ሚክያስ 7:7 ኣንብብ።) ምስ ሓድሽ ኵነታት ንምስምማዕ ምትዕርራይ ብምግባርና፡ ብዙሕ መንፈሳዊ በረኸት ከም ዝረኸብና ነስተውዕል ንኸውን። እታ ኣቐዲምካ እተጠቕሰት ፖላይት ካብቲ ኣብ ህይወታ ዘጋጠማ ተበጊሳ ኸምዚ ዚብል ሓሳብ ሂባ ኣላ፦ “ካብ ቤት-ኤል ወጻኢ እተዋህበኒ ምድብ፡ ኣብ ኣጸጋሚ ዅነታት እውን እንተ ዀነ ኣብ የሆዋ ምጽጋዕ እንታይ ማለት ምዃኑ ብሓቂ ምሂሩኒ እዩ። ምስኡ ዘሎኒ ርክብ ብዝያዳ ደልዲሉ እዩ።”

20 እታ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሳ ዘላ ሜሪ ኽሳዕ ሕጂ ነቲ ብዕድመ ዝደፍአ ኣቦኣ እናተኸናኸነት ፈላሚት ኰይና ተገልግል ኣላ። ከምዚ ድማ ትብል፦ “ኣብ ዝጭነቐሉ እዋን ሓንሳእ ደው ኢለ ኽጽልን ሸቐልቀል ምባል ክሓድጎን ከም ዘሎኒ ተማሂረ እየ። ሓደ ኻብቲ እተምሃርክዎ ዝዓበየ ትምህርቲ፡ ንዅሉ ኣብ ኢድ የሆዋ ምግዳፉ እዩ፣ ከምኡ ምግባር ድማ ምናዳ ኣብ መጻኢ ብዝያዳ ኼድልየና እዩ።”

21 እቶም ኣብ መእተዊ እተጠቕሱ ሎይድን ኣለክሳንድራን፡ ለውጥታት ምስ ኣጋጠሞም፡ እምነቶም ብዘይተጸበይዎ መገዲ ኸም እተፈተነት ገሊጾም እዮም። እንተዀነ ግና፡ ከምዚ ኢሎም እውን ሓሳቦም ገሊጾም ኣለዉ፦ “ኣብ እምነት ዜጋጥም ፈተናታት፡ እምነትና ናይ ሓቂ እንተ ዀይና፡ ብግዜ ጸገም እውን ክትድግፈናን ከተጸናንዓናን ትኽእል እንተ ዀይና እዩ ዜርኢ። ዝሓሹ ሰባት ኴንና ኢና እንወጽእ።”

ዘይተጸበናዮ ለውጥታት ናብ ዘይተጸበናዮ በረኸት ኪመርሓና ይኽእል እዩ! (ሕጡብ ጽሑፍ 19-21 ርአ)

22. ንህሉው ኵነታትና ብዝበለጸ ኽንጥቀመሉ ንጽዕር እንተ ዄንና፡ እንታይ ከም እንረክብ ኢና ኽንተኣማምን እንኽእል፧

22 ኣብ ህይወት ሃንደበታዊ ለውጥታት ኬጋጥመና ይኽእል እዩ። ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ሓድሽ ምድብ ኪውሃበና፡ ጸገማት ጥዕና ኼጓንፈና፡ ወይ ሓድሽ ሓላፍነታት ስድራ ቤት ኬጋጥመና ይኽእል እዩ። ዝዀነ ይኹን ለውጢ ኼጋጥመካ ኸሎ ግና፡ የሆዋ ኸም ዚሓልየልካን ኣብ ግቡእ ግዜ ኸም ዚሕግዘካን ተኣማመን። (እብ. 4:16፣ 1 ጴጥ. 5:6, 7) ኣብቲ ዅነታት እቲ ድማ፡ ዚከኣለካ ኽትገብር ጽዓር። ብጸሎት ናብ ሰማያዊ ኣቦኻ ቕረብ፣ ገዛእ ርእስኻ ኣብ ኢዱ ምግዳፍ እውን ተምሃር። በዚ ኸምዚ፡ ለውጥታት እናኣጋጠመካ ኽነሱ፡ ውሽጣዊ ሰላምካ ኽትሕሉ ትኽእል ኢኻ።

^ ሕ.ጽ. 4 ዮሴፍ ካብ ቤት ማእሰርቲ ድሕሪ ምውጻኡ፡ የሆዋ ውሉድ ብምሃብ ነቲ ሕማቕ ተዘክሮታቱ ኸም ዘረስዖ ገሊጹ እዩ። ስለዚ፡ “ኣምላኽ ኵሉ ሽግረይን ኵሉ ቤት ኣቦይን ኣረሲዑኒ” ኢሉ ነቲ በዅሪ ወዱ ምናሴ ዚብል ስም ኣውጺኡሉ እዩ።—ዘፍ. 41:51፡ እ.ጽ.።

^ ሕ.ጽ. 14 ኣብዛ ሕታም እዚኣ ዘላ፡ “ትፈልጥዶ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።