ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትፈልጥዶ፧

ትፈልጥዶ፧

እስጢፋኖስ እቲ ወደ መዝሙር፡ መስጐጕቲ ኼጋጥሞ ኸሎ፡ ኣመና ኺሃድእ ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧

እስጢፋኖስ ኣብ ቅድሚ ተጻባእቲ ሰባት ቀረበ። እቲ ዋዕላ፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እስራኤል ስለ ዝነበረ፡ እቶም 71 ደያኑ ኣብቲ ህዝቢ ዝለዓለ ስልጣን ነይርዎም እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኸኣ፡ እቲ ቕድሚ ገለ ኣዋርሕ ንየሱስ ንሞት ዝፈረዶ ቀያፋ እቲ ሊቀ ኻህናት እዩ ነቲ ኣኼባ ዚመርሖ ነይሩ። (ማቴ. 26:57, 59፣ ግብ. 6:8-12) ሓሰውቲ መሰኻኽር በብተራ ኼምጽኡ ኸለዉ ድማ፡ ኣብ እስጢፋኖስ ዜገርም ነገር ረኣዩ፣ ገጹ “ኸም ገጽ መልኣኽ” ኰይኑ ተራእዮም።—ግብ. 6:13-15

እስጢፋኖስ ኣብቲ ዜፍርህ ኵነታት ከመይ ኢሉ እዩ ህድኣትን ርግኣትን ኪህልዎ ኽኢሉ፧ ናብቲ ዋዕላ ቕድሚ ምቕራቡ፡ ብሓይሊ መንፈስ ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ኣገልግሎት እዩ ተጸሚዱ ነይሩ። (ግብ. 6:3-7) ኣብቲ መጋባእያ ኸሎ ድማ፡ እቲ መንፈስ እቲ መጸናንዕን መዘኻኸርን ኰይኑ ኣብኡ ይዓዪ ነይሩ እዩ። (ዮሃ. 14:16፡ እ.ጽ.) ኣብ ግብሪ ሃዋርያት ምዕራፍ 7 ተመዝጊቡ ኸም ዘሎ፡ እስጢፋኖስ ብትብዓት ኪማጐት ከሎ፡ መንፈስ ቅዱስ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ኣስታት 20 ወይ ካብኡ ንላዕሊ ዚኸውን ጥቕስታት ኣዘኻኺርዎ እዩ። (ዮሃ. 14:26) ብዘይካዚ፡ ኣብቲ ሽዑ ዝረኣዮ ራእይ፡ የሱስ ኣብ የማን ኣምላኽ ደው ኢሉ ምስ ረኣየ፡ እምነቱ ብዝያዳ ደልዲላ እያ።—ግብ. 7:54-56, 59, 60

ንዓና እውን ምፍርራህን መስጐጕትን የጋጥመና ይኸውን። (ዮሃ. 15:20) ኣዘውቲርና ኻብ ቃል ኣምላኽ ብምምጋብን ኣብ ኣገልግሎት ንጡፋት ብምዃንን፡ ንመንፈስ የሆዋ ኣባና ኸም ዚዓዪ ኽንገብሮ ንኽእል ኢና። ውሽጣዊ ሰላምና ኸየጥፋእና ድማ ንተቓውሞ ንምጽዋር ብርታዕ ኽንረክብ ንኽእል ኢና።—1 ጴጥ. 4:12-14