ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብየሆዋ ተኣመን እሞ ብህይወት ክትነብር ኢኻ

ብየሆዋ ተኣመን እሞ ብህይወት ክትነብር ኢኻ

“ብምሉእ ልብኻ ብየሆዋ ተኣመን፣ ኣብ ኣእምሮኻ ድማ ኣይትጸጋዕ።”—ምሳ. 3:5

መዝሙር፦ 3, 8

1. ንዅላትና መጸናንዒ ዜድልየና ስለምንታይ እዩ፧

ንዅላትና መጸናንዒ የድልየና እዩ። ምናልባት ጭንቀትን ጓህን ወጽዓን ክፍሊ ህይወትና ዀይኑ ይህሉ ይኸውን። እርጋን፡ ሕማም፡ ወይ ሞት ምስ ዜስዕቦ ጓሂ ልቢ ንቃለስ ንህሉ ንኸውን። ንገሌና ተጻብኦ የጋጥመና ኣሎ። ኣብ ከባቢና ድማ ዓመጻ ኣሎ። እዚ “ጽንኩር ግዜ” እዚ “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት” ንነብር ከም ዘለና ዜርኢ መርትዖ ምዃኑ፡ መዓልቲ ብዝዓረበት መጠን ከኣ ናብ ሓዳስ ዓለም ንቐርብ ከም ዘለና ንፈልጥ ኢና። (2 ጢሞ. 3:1) ኰይኑ ግና፡ የሆዋ ዘተስፈዎ ተስፋታት ኪፍጸም ንነዊሕ እዋን ክንጽበ ጸኒሕና ንኸውን፣ ጸገማትና ድማ እናወሰኸ እዩ ዚኸይድ ዘሎ። እሞ ደኣ ኣበይ ኢና መጸናንዒ ኽንረክብ እንኽእል፧

2, 3. (ሀ) ብዛዕባ ኣንባቆም እንታይ ኢና እንፈልጥ፧ (ለ) ስለምንታይ ኢና ንመጽሓፍ ኣንባቆም እንምርምራ፧

2 መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ንምርካብ፡ ንመጽሓፍ ኣንባቆም እስከ ንመርምራ። ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ ህይወትን ንጥፈታትን ኣንባቆም ዝርዝር ሓሳባት ዘይህብ እኳ እንተ ዀነ፡ እታ ብስሙ እትጽዋዕ መጽሓፍ ግና ምንጪ መጸናንዒ ኽትከውን ትኽእል እያ። ትርጉም እቲ ኣንባቆም ዚብል ስም፡ “ሕቝፍቍፍ” ዚብል ኪኸውን ይኽእል እዩ። እዚ ድማ ነቲ የሆዋ ንምጽንናዕና ዚሓቝፈና ሕቝፊ ወይ ነቲ ንሕና ኣምለኽቱ ናብኡ ብምትእምማን እንለግበሉ ተግባር ኬመልክት ይኽእል እዩ። ኣንባቆም ንኣምላኽ ተዛሪብዎ፡ ዕምቈት ዘለዎ ሕቶታት እውን ሓቲትዎ እዩ። የሆዋ ንኣንባቆም፡ ዝርርቦም ኪምዝግብ ብመንፈሱ ስለ ዝደረኾ፡ ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ኣንባቆም ንዓና ሕቶ ሓቲቱልና ኺብሃል ይከኣል እዩ።—ኣን. 2:2

3 መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣንባቆም ዚገልጾ ነገር ብምሉኡ፡ ኣብቲ እቲ ዝጨነቖ ነብዪ ምስ የሆዋ ዝገበሮ ዝርርብ እዩ ዚርከብ። መጽሓፉ ኸኣ ክፍሊ እቲ ኣብቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ “ኣቐዲሙ እተጻሕፈ ዘበለ ዅሉ” ኽትከውን ከላ፡ “ብተጻዋርነትናን ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብዚርከብ መጸናንዕን ተስፋ ምእንቲ ኺህልወና” እያ ተጻሒፋ። (ሮሜ 15:4) እሞ ደኣ ኻብ መጽሓፍ ኣንባቆም ከመይ ጌርና ብብሕትና ኽንጥቀም ንኽእል፧ ብየሆዋ ንእመን ኪብሃል ከሎ፡ እንታይ ማለት ምዃኑ ኸተረድኣና ትኽእል እያ። ብተወሳኺ ኸኣ፡ እቲ ኣንባቆም እተነበዮ ትንቢት፡ ወጽዓን ጸገምን እናኣጋጠመና ኽነሱ፡ ንልብና ኸነህድኦን ብህዱእ ልቢ ኽንመላለስን ከም እንኽእል የረጋግጸልና። ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ንመጽሓፍ ኣንባቆም እስከ ብዝርዝር ንርኣያ።

ንየሆዋ ጸውዓዮ

4. ኣንባቆም ጨኒቕዎ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧

4 ኣንባቆም 1:2, 3 ኣንብብ። ኣንባቆም ኣብ ኣዝዩ ኣጸጋምን በዳህን እዋን እዩ ዚነብር ነይሩ። ብእኩያትን ብዓመጽትን ተኸቢቡ ስለ ዝነበረ፡ ብዙሕ ጕህዩ ነይሩ እዩ። እቲ እከይ መዓስ እዩ ዜብቅዕ፧ የሆዋ ስጕምቲ ንምውሳድ ነዊሕ ግዜ ዝወሰደ ስለምንታይ እዩ፧ ኣንባቆም፡ ደቂ ዓዱ ኺገፍዑን ኪጭቍኑን ጥራይ እዩ ዚርኢ ነይሩ። ስለዚ፡ ረዳኢ ኣልቦ ዀይኑ ተሰምዖ። ኣብ መንጎ እዚ ጸልማት እዋን ከኣ፡ ንየሆዋ ኣብቲ ጕዳይ ጣልቃ ኣትዩ ስጕምቲ ኺወስድ ጸውዖ። ኣንባቆም፡ የሆዋ ኸም ዘይግድሶ ገይሩ ኺሓስብ ጀሚሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣምላኽ ኣብ ቀረባ ስጕምቲ ዘይወስድ እዩ ዚመስል ነይሩ። ከምዚ ነዚ ኣገልጋሊ ኣምላኽ እተሰምዖስ ተሰሚዑካዶ ይፈልጥ፧

5. ካብ መጽሓፍ ኣንባቆም እንታይ ኣገዳሲ ትምህርቲ ኢና እንረክብ፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።)

5 እቲ ኣንባቆም ኣብ የሆዋ ዝነበሮ እምንቶ ጠፊኡ ነይሩ ድዩ፧ እታ ኣምላኽ ኣብ ዝሃቦ ተስፋታት ዝነበረቶ እምነትከ ደኺማ ነይራ ድያ፧ ኣይፋልን! እኳ ደኣስ ብዛዕባ ጸገማቱን ጭንቀቱን ንሰባት ዘይኰነስ ንየሆዋ ምንጋሩ፡ ፈጺሙ ኸም ዘይተሓለለ እዩ ዜረጋግጸልና። ኣንባቆም፡ ኣምላኽ ስጕምቲ ንምውሳድ ስለምንታይ ከም ዝደንጐየ፡ ወይ ከኣ ንሱ ኣብ ትሕቲ ሕማቕ ኵነታት ኪሳቐ የሆዋ ስለምንታይ ከም ዝፈቐደ ስለ ዘይተረድኦ እዩ ጨኒቕዎ ነይሩ። የሆዋ ንኣንባቆም ብዛዕባ ጭንቀቱ ኺጽሕፍ ብምድራኽ ሓደ ኣዝዩ ኣገዳሲ ትምህርቲ ምሂሩና እዩ፦ ብዛዕባ ዜተሓሳስበና ዀነ ዜጠራጥረና ነገራት፡ ከይተሰከፍና ንየሆዋ ኽንነግሮ ኣሎና። እወ፡ የሆዋ ብጸሎት ኣቢልና ልብና ኸነፍስሰሉ የተባብዓና እዩ። (መዝ. 50:15፣ 62:8) ምሳሌ 3:5፡ “ብምሉእ ልብኻ ብየሆዋ ተኣመን፣ ኣብ ኣእምሮኻ ድማ ኣይትጸጋዕ” ብምባል ተወሳኺ መተባብዒ ትህበና እያ። ኣንባቆም እውን ነዘን ቃላት እዚአን ይፈልጠንን ኣብ ልቡ ኣሕዲርወንን ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ።

6. ጸሎት ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

6 ኣንባቆም ብተበግሶኡ ናብቲ እሙን ዓርኩን ኣቦኡን ዝዀነ የሆዋ ቐሪቡ እዩ። ኣብ ገዛእ ኣእምሮኡ ብምጽጋዕ፡ በቲ ዅነታት ሸቐልቀል ኣይበለን። የግዳስ፡ ብዛዕባ ስምዒታቱን ጭንቀቱን ጸልዩ እዩ፣ በዚ ኸምዚ ድማ፡ ንዓና ጽቡቕ ኣብነት ሓዲጉልና እዩ። ብተወሳኺ፡ እቲ ሰማዕ ጸሎት ዝዀነ የሆዋ፡ ጸገማትና ንዕኡ ብምክፋል ኣብኡ ኸም እንእመን ኸነርኢ ይደልየና እዩ። (መዝ. 65:2) ከምኡ ምስ እንገብር፡ የሆዋ ጸሎትና ብኸመይ ከም ዚምልሰልና ኽንርኢ ንኽእል ኢና። እወ፡ መምርሒኡ ምስ እንረክብ፡ ኣብ ውሽጢ ማሙቕ ሕቝፉ ኸም ዘለና ዀይኑ ኺስምዓና እዩ። (መዝ. 73:23, 24) ዝወረደ እኳ እንተ ወረደና፡ ሓሳቡ ኽንፈልጥ ኬኽእለና እዩ። ልባዊ ጸሎትና ሓደ ኻብቲ ኣብ የሆዋ እምንቶ ኸም ዘሎና እነርእየሉ መገድታት እዩ።

ንየሆዋ ስምዓዮ

7. ኣንባቆም ንጭንቀቱ ናብ የሆዋ ምስ ደርበዮ፡ የሆዋ እንታይ ገይሩ፧

7 ኣንባቆም 1:5-7 ኣንብብ። ኣንባቆም ንጭንቀቱን ንሻቕሎቱን ኣብ ኢድ የሆዋ ምስ ደርበዮ፡ የሆዋ እንታይ ከም ዚገብር ሓሲቡ ኪኸውን ይኽእል እዩ። የሆዋ ደንጋጽን ንፍጡራቱ ዚርድኣሎምን ኣቦ ስለ ዝዀነ፡ ንኣንባቆም ስለቲ ብቕንዕና ተላዒሉ ዘቕረቦ ጥርዓን ኣይገንሖን። ብሰንኪ ስቓዩን ጓሂኡን የእዊ ኸም ዝነበረ ፈሊጡ ነይሩ እዩ። የሆዋ ነቶም ፋሉል ዝነበሩ ኣይሁድ ብእተዛረቦ ቓላት ኣቢሉ፡ ኣብ ቀረባ እዋን እንታይ ከም ዚኸውን ንኣንባቆም ሓቢርዎ እዩ። ካብቶም የሆዋ መቕጻዕቲ እቶም ዓመጽቲ ኣዝዩ ኸም ዝቐረበ ዝሓበሮም ሰባት፡ ኣንባቆም ናይ መጀመርታ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

8. ኣንባቆም በቲ የሆዋ ዝሃቦ ምላሽ ዝደንጸዎ ስለምንታይ እዩ፧

8 የሆዋ ንኣንባቆም፡ ስጕምቲ ኺወስድ ከም እተዳለወ ኣርእይዎ እዩ። መቕጻዕቲ እቲ ዓማጽን እኩይን ወለዶ ቐሪቡ እዩ ነይሩ። የሆዋ “ብመዓልትታትኩም” ብምባሉ፡ እቲ ፍርዲ ኣብቲ እቲ ነብዪ ወይ ኣብቲ እቶም ብግዜኡ ዝነበሩ ሰባት ብህይወት ዚጸንሑሉ እዋን ብርግጽ ከም ዚፍጸም እዩ ዚሕብር ነይሩ። ኣንባቆም ካብ የሆዋ ኸምዚ ዓይነት ምላሽ ኣይተጸበየን ነይሩ። እሞኸ እዝስ መልሲ እቲ ዓቕሉ ምስ ጸበቦ ዘእወዮ ኣውያት ድዩ ነይሩ፧ የሆዋ ኣብ ኵላ ይሁዳ መከራ ኸም ዚበዝሕ እዩ ነጊርዎ። ከለዳውያን (ባቢሎናውያን) ካብቶም እንተ ወሓደ ንስርዓታት የሆዋ ዚፈልጡ ደቂ ዓዱ ዝገደዱ ሕሱማትን ጨካናትን እዮም ነይሮም። የሆዋ በዞም ሕሱማት ህዝቢ ገይሩ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ መዓት ዜምጽእ ስለምንታይ እዩ፧ ኣምላኽ ነዚ ምላሽ እዚ እንተ ዚህበካ፡ እንታይ ምገበርካ፧

9. ኣንባቆም እንታይ ሕቶታት እዩ ሓቲቱ ኪኸውን ዚኽእል፧

9 ኣንባቆም 1:12-14, 17የሆዋ ንባቢሎን፡ ነቶም ገበርቲ እከይ ንምፍራድን ንምቕጻዕን ከም ዚጥቀመላ ኣንባቆም ተረዲእዎ እዩ፣ ኰይኑ ግና፡ ገና ዘይተረድኦ ነገራት ነይሩ እዩ። ይኹን እምበር፡ ብትሕትና ንየሆዋ፡ “ከውሐይ” ኢሉ ጸዊዕዎ እዩ። (ዘዳ. 32:4፣ ኢሳ. 26:4) ኣብ ፍቕርን ለውሃትን ኣምላኽ ቀጻሊ እምንቶ ነይርዎ እዩ። ካብዚ እምንቶ እዚ ተላዒሉ ኸኣ፡ ናብ የሆዋ ኸም ብሓድሽ ነዚ ዚስዕብ ጥርዓን ኣቕሪቡ እዩ፦ ስለምንታይ እዩ ኣምላኽ ነቲ ኣብ ይሁዳ ዘሎ ዅነታት ኪገድድ ዚሓድጎ፧ ስለምንታይ እዩ ሽዑሽዑ ስጕምቲ ዘይወስድ፧ ስለምንታይ እዩ እቲ ዅሉ ዚኽእል፡ ተወሳኺ ጭንቂ ዚጻወር፧ እከይ ኬስፋሕፍሕ ከሎ ስለምንታይ እዩ ‘ስቕ ዚብል’፧ ኣምላኽሲ ‘ቕዱስ’ እዩ፣ ‘ኣዒንቱ ኣዝየን ጽሩያት ካብ ምዃነን እተላዕለ፡ ክፍኣት ስቕ ኢለን ኣይርእያን እየን።’

10. ሓድሓደ ግዜ፡ ከምቲ ንኣንባቆም እተሰምዖ ዚስምዕና ስለምንታይ እዩ፧

10 ሓድሓደ ግዜ፡ ከምቲ ንኣንባቆም እተሰምዖ ይስምዓና ይኸውን። ንየሆዋ ንሰምዖ ኢና። ኣብኡ ምሉእ እምንቶ ኣሎና፣ ቃሉ ነንብብን ነጽንዕን ኢና፣ እዚ ኸኣ ተስፋ ይህበና እዩ። በቲ ውድቡ እትህበና ትምህርቲ ኣቢልና ድማ ብዛዕባ ዘተስፈዎ ተስፋታት ንሰምዕ ኢና። ኰይኑ ግና፡ ‘መዓስ እዩ መከራና ዜብቅዕ፧’ ኢልና ንሓትት ንኸውን። ካብቲ ኣንባቆም ቀጺሉ ዝገበሮ እንታይ ንምሃር፧

ንየሆዋ ተጸበዮ

11. ኣንባቆም ንየሆዋ ድሕሪ ምስማዑ እንታይ ኪገብር እዩ ቘሪጹ፧

11 ኣንባቆም 2:1 ኣንብብ። እቲ ኣንባቆም ምስ የሆዋ ዝገበሮ ዝርርብ፡ ንልቡ ኣህዲእዎ እዩ። ስለዚ፡ ክሳዕ እቲ የሆዋ ስጕምቲ ዚወስደሉ እዋን፡ ብምትእምማን ኪጽበ ቘሪጹ እዩ። እዚ ድማ ብስምዒት ተደፊኡ ጥራይ ዝወሰኖ ውሳነ ኣይነበረን፣ ከመይሲ፡ ጸኒሑ እውን እንተ ዀነ፡ “ንመዓልቲ ጭንቂ ስቕ ኢለ እየ ዝጽበ” ብምባል መሊሱ ቘራጽነቱ ገሊጹ እዩ። (ኣን. 3:16) ካልኦት እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ እውን የሆዋ ስጕምቲ ኸም ዚወስድ ተኣማሚኖም ብትዕግስቲ ተጸብዮም እዮም፣ እዚ ኸኣ ንዓና ኸምኡ ኽንገብር የተባብዓና እዩ።—ሚክ. 7:7፣ ያእ. 5:7, 8

12. ካብ ኣንባቆም እንታይ ንምሃር፧

12 ካብቲ ኣንባቆም ዝገበሮ ቘራጽነት እንታይ ንምሃር፧ ቀዳማይ፡ ዜጋጥመና ጸገማት ብዘየገድስ፡ ናብ የሆዋ ምጽላይ ከቶ ኽንሓድጎ የብልናን። ካልኣይ፡ የሆዋ ብቓሉን ብውድቡን ኣቢሉ እንታይ ከም ዚብለና ኽንሰምዕ ኣለና። ሳልሳይ፡ የሆዋ ንስቓይና ብግዜኡ ኸም ዜፍኵሰልና ኣሚንና፡ ብትዕግስቲ ኽንጽበዮ ኣሎና። ከምቲ ኣንባቆም ዝገበሮ ወትሩ ንየሆዋ እንተ ተዛሪብናዮን እንተ ሰሚዕናዮን እንተ ተጸቢናዮን፡ ልብና ኺሃድእ እዩ፣ እዚ ድማ ክንጻወር ኪሕግዘና እዩ። ተስፋና ንትዕግስትና ኼደልድሎ እዩ፣ ትዕግስትና ብተራኡ ኸኣ ኵሉ ዓይነት ጸበባ እናኣጋጠመና እኳ ኽንሕጐስ ይሕግዘና እዩ። ተስፋ እንተ ኣልዩና፡ እቲ ሰማያዊ ኣቦና ስጕምቲ ኸም ዚወስድ ንተኣማመን ኢና።—ሮሜ 12:12

13. ኣብ ኣንባቆም 2:3፡ እንታይ ዓይነት መረጋገጺ ኢና እንረክብ፧

13 ኣንባቆም 2:3 ኣንብብ። የሆዋ በቲ ኣንባቆም ኪጽበ ዝገበሮ ውሳነ ተሓጒሱ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ነቲ ኣንባቆም ዝነበረሉ ሕማቕ ኵነታት ኣጸቢቑ ይፈልጦ ነይሩ እዩ። ስለዚ ኸኣ፡ ነቲ ብቕንዕና ዝሓተቶ ሕቶታት መልሲ ኸም ዚረክብ ብፍቕርን ብለውሃትን ብምርግጋጽ፡ ኣጸናንዖ። ነዊሕ ከይጸንሐ ካብ ኵሉ እቲ ዘጨነቖ ነገራት እፎይታ ኸም ዚረክብ ገለጸሉ። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ኣምላኽ ንኣንባቆም፡ “ተዓገስ፡ እመነኒ። ዝደንጐየ እኳ እንተ መሰለ፡ ምላሸይ ኪመጽእ እዩ” ኢሉ እዩ ኣጸናኒዕዎ። ብዘይካዚ፡ ንተስፋታቱ ምዱብ ግዜ ኸም ዘለዎ ኣዘኻኺርዎ እዩ። ዕላማኡ ኽሳዕ ዚፍጽም ኪጽበ ድማ ንኣንባቆም ምኽሪ ሂብዎ እዩ። ኣብ መወዳእታ ምላሹ ኸም ዚረክብ እውን ገሊጹሉ እዩ።

ንየሆዋ ብእተኻእለና ዘበለ ንምግልጋል ቈሪጽና ዘለና ስለምንታይ ኢና፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 14 ርአ)

14. ኣብ ግዜ ሽግር እንታይ ቈራጽነት እዩ ኺህልወና ዘለዎ፧

14 ንየሆዋ ብትዕግስቲ እንተ ተጸቢናዮን ነቲ ንሱ ዚብለና እንተ ኣቕሊብናሉን፡ ጸበባን ጸገምን እናሃለወ ኽነሱ፡ እምንቶ ኸነሕድርን ልብና ኸነህድእን ንኽእል ኢና። የሱስ ኣብቲ ኣምላኽ ዘይገለጾ “ግዜያት ወይ እዋናት” ከነተኵር ከም ዘይብልና፡ የግዳስ፡ የሆዋ ግዜኡ ብልክዕ ከም ዚሕሉ እምንቶ ኸነሕድር ከም ዘሎና ኣረጋጊጹልና እዩ። (ግብ. 1:7) እምበኣር፡ ብትሕትናን ብእምነትን ብትዕግስትን ካብ ምጽባይ ኣይንተሓለል፣ ነቲ ዘሎና ግዜ ኸኣ ንየሆዋ ብእተኻእለና ዘበለ ንምግልጋል ብጽቡቕ ንጠቐመሉ።—ማር. 13:35-37፣ ገላ. 6:9

ብየሆዋ ተኣመን እሞ ህይወትን ጽቡቕ መጻእን ክትረክብ ኢኻ

15, 16. (ሀ) ኣብ መጽሓፍ ኣንባቆም እንታይ ተስፋታት ኢና እንረክብ፧ (ለ) እዚ ተስፋታት እዚ እንታይ ይምህረና፧

15 የሆዋ ነቶም ኣብኡ ዚውከሉ ጻድቃን፡ “ጻድቕ . . . ብተኣማንነቱ ይነብር፡” ከምኡ ድማ “ምድሪ ብፍልጠት ክብሪ የሆዋ ኽትመልእ እያ” ኢሉ ኣተስፍይዎም ኣሎ። (ኣን. 2:4, 14) እወ፡ እቶም ብትዕግስቲ ኣብ ኣምላኽ ዚውከሉ፡ ህይወት ኪረኽቡ እዮም።

16 ነቲ ኣብ ኣንባቆም 2:4 ዚርከብ ተስፋ ፈለማ ኽትርእዮ ኸለኻ፡ ሓፈሻዊ ሓሳብ ጥራይ ኪመስል ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግና፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ነዚ የሆዋ ዝሃቦ መረጋገጺ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኸም ዝዀነ ገይሩ ስለ ዝረኣዮ፡ ነዚ ሓሳብ እዚ ሰለስተ ሳዕ ጠቒስዎ ኣሎ። (ሮሜ 1:17፣ ገላ. 3:11፣ እብ. 10:38) ንጻድቕ ዝዀነ ይኹን ፈተና እኳ እንተ ኣጋጠሞ፡ በቲ ኣብ የሆዋ ዘለዎ እምነትን ትውክልትን ዕላማ ኣምላኽ ኪፍጸም ከሎ ይርኢ እዩ። የሆዋ ስግር እቲ ሕጂ ዘሎ ኽንርኢ እዩ ዚደልየና።

17. መጽሓፍ ኣንባቆም እንታይ መረጋገጺ እያ እትህበና፧

17 መጽሓፍ ኣንባቆም፡ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ንእንነብር ዘበልና ዅላትና ሓያል ትምህርቲ ሒዛ ኣላ። የሆዋ ኣብኡ እምነትን ትውክልትን ንዘለዎ ዘበለ ጻድቕ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪህቦ እዩ። ዝዀነ ይኹን ጸገምን ጭንቀትን እኳ እንተ ኣጋጠመና፡ ኣብ ኣምላኽ ዘሎና እምነትን ትውክልትን ነደልድል። የሆዋ ብኣንባቆም ኣቢሉ ኸም ዚድግፈናን ከም ዜድሕነናን ኣረጋጊጹልና እዩ። ብእኡ ኽንእመንን ነቲ ምዱብ ግዜኡ ብትዕግስቲ ኽንጽበን ከኣ ብለውሃት ይሓትተና ኣሎ። ኣብቲ ምዱብ ግዜኡ፡ ብዘላ ምድሪ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ፡ በቶም ሕጉሳትን ልኡማትን ኣምለኽቱ ኽትምላእ እያ።—ማቴ. 5:5፣ እብ. 10:36-39

ተሓጒስካ ብየሆዋ ተኣመን

18. ቃላት የሆዋ ኣብ ኣንባቆም እንታይ ጽልዋ ኣሕዲሩ፧

18 ኣንባቆም 3:16-19 ኣንብብ። ቃላት የሆዋ ኣብ ኣንባቆም ዓሚቝ ጽልዋ እዩ ኣሕዲሩ። ከመይሲ፡ ኣንባቆም ብዛዕባ እቲ የሆዋ ምእንቲ ህዝቡ ዝገበሮ ዜፍርህ ተግባራት ኣስተንቲኑ እዩ። ድሕሪኡ ድማ፡ እምንቶኡ ኼሐድስ ክኢሉ እዩ። ድሕሪ ሓጺር እዋን የሆዋ ስጕምቲ ኸም ዚወስድ ከኣ ፈሊጡ እዩ። ዋላ እኳ ኣንባቆም መከራኡ ንእተወሰነ ግዜ ከም ዚቕጽል እንተ ፈለጠ፡ የሆዋ ስጕምቲ ኺወስድ ምዃኑ ምፍላጡ ግና ኣጸናኒዕዎ እዩ። በዚ ኸምዚ፡ እቲ ኣንባቆም ዝነበሮ ጥርጣረ ጠፊኡ እዩ። የሆዋ ኸም ዜድሕኖ ምሉእ ብምሉእ ስለ እተኣማመነ ኸኣ ተሓጒሱ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ሓደ ኻብቲ ደቂ ሰብ እተዛረብዎ ዘይርሳዕ መግለጺ እምንቶ ኣውሲኡ ኣሎ። ገሊኦም ምሁራት፡ ፍቕዲ 18 ቓል ብቓሉ፡ “ኣነ ብጐይታ ተሓጒሰ ኽሰራሰር እየ፣ ብኣምላኽ ደስ ኢሉኒ ኸኣ ሕምብሊል ክብል እየ” ኸም እትብል ይኣምኑ እዮም። እዝስ ንዅላትና ኸመይ ዝበለ ትምህርቲ ዀን እዩ! የሆዋ ዜደንቕ ተስፋታት ጥራይ ኣይኰነን ሂቡና፣ የግዳስ፡ ነቲ ዓብዪ ዕላማኡ ንምፍጻም ብቕልጡፍ ይዓዪ ኸም ዘሎ ኣረጋጊጹልና እዩ።

19. ከመይ ጌርና ኢና ኸምቲ ኣንባቆም ዝረኸቦ ዓይነት መጸናንዒ ኽንረክብ እንኽእል፧

19 ኣብ መጽሓፍ ኣንባቆም ዚርከብ ቀንዲ መልእኽቲ፡ ብየሆዋ ኽንእመን እዩ ዜተባብዓና። (ኣን. 2:4) ከምዚ ዓይነት እምንቶ ሒዝና ንምምልላስ፡ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ከነደልድሎ ኣሎና፣ ነዚ ንምግባር ከኣ፡ (1) ንየሆዋ ብዛዕባ ዅሉ ጭንቀትናን ሻቕሎትናን እናነገርና ብጸሎት ክንጸንዕ ኣሎና፣ (2) ንቓል የሆዋን ነቲ ኻብ ውድቡ ዚውሃበና መምርሕን ኣጸቢቕና ኸነቕልበሉ ኣሎና፣ (3) ንየሆዋ ብትዕግስቲ ኽንጽበዮ ኣሎና። ኣንባቆም ከምኡ እዩ ገይሩ። ንመጽሓፉ ብሓዘን እኳ እንተ ጀመራ፡ ብምትእምማንን ብሓጐስን እዩ ወዲእዋ። ንሕና እውን ኣብ ኣባታዊ ሕቝፊ የሆዋ ምእንቲ ኽንኣቱ፡ ኣስኣሰር እቲ ዜተባብዕ ኣብነት ኣንባቆም ንስዓብ! ኣብዛ ጸልማት ዝወረሳ ዓለምሲ፡ እዚ ኸመይ ዝበለ ዓብዪ መጸናንዒ ዀን እዩ!