ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንየሆዋ እንታይ ውህበት ክንህቦ ንኽእል፧

ንየሆዋ እንታይ ውህበት ክንህቦ ንኽእል፧

ሓደ ግዜ፡ የሱስ፡ “ካብ ምቕባል፡ ምሃብ የሐጕስ” ኢሉ ተዛሪቡ ነይሩ እዩ። (ግብ. 20:35) እዚ መሰረታዊ ሓቂ እዚ፡ ኣብቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ እውን ይዓዪ እዩ። ስለምንታይ ከምኡ ንብል፧ የሆዋ ብዙሕ ዜሐጕሰና ውህበታት ሂቡና እዩ። ይኹን እምበር፡ ንየሆዋ ውህበት ብምሃብ፡ ብዝያዳ ኽንሕጐስ ንኽእል ኢና። ንየሆዋ እንታይ ውህበት ክንህቦ ንኽእል፧ ምሳሌ 3:9፡ “ንየሆዋ ብጥሪትካን ብበዅሪ ፍርያትካን ኣኽብሮ” ትብል። እዚ “ጥሪት” ተባሂሉ ዘሎ፡ ንግዜናን ንኽእለትናን ንጕልበትናን ንስጋዊ ሃብትናን የጠቓልል። ንጥሪትና ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ንምድንፋዕ እንተ ተጠቒምናሉ፡ ንየሆዋ ውህበት ንህቦ ኢና ዘለና፣ ከምኡ ምግባርና ኸኣ፡ ዓብዪ ሓጐስ የምጽኣልና እዩ።

ምስ ስጋዊ ሃብትና ብእተተሓሓዘ፡ ንየሆዋ ውህበት ካብ ምሃብ ዕሽሽ ከይንብል ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧ ሃዋርያ ጳውሎስ ንሰብ ቈረንቶስ፡ ውጽኢት ዚገብርዎ ገንዘብ ‘ኣዋህሊሎም ኬቐምጡ’ ምዒድዎም ነይሩ እዩ። (1 ቈረ. 16:2) ብዛዕባ እቲ ኣብ ከባቢኻ ወፈያ ኽትህበሉ እትኽእል ሜላታት ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ ክትገብሮ እትኽእል ነገር ንምፍላጥ፡ ነዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ሳጹን ግዳ ርኣዮ።

ኣብ ኵሉ ሃገራት ኣይኰነን ብኦንላይን ወፍያ ኺግበር ዚከኣል። ኰይኑ ግና፡ ብኻልእ መገዲ ወፈያ እትገብረሉ መገድታት ኣብቲ ገጽ ወብ ኪርከብ ይከኣል እዩ። ኣብ ገሊኡ ሃገራት፡ ነቲ ብዛዕባ ወፈያታት ዘሎ ዝውቱር ሕቶታት ምላሽ ንምሃብ ኣብቲ ገጽ ሓበሬታ ኣሎ።