ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 2

ንየሆዋ ኣብ ጉባኤ ወድሶ

ንየሆዋ ኣብ ጉባኤ ወድሶ

“ኣብ ማእከል ጉባኤ እውን ክውድሰካ እየ።”—መዝ. 22:22

መዝሙር 59 ንወድሶ ንኣምላኽና!

መላለዪ *

1. ዳዊት ብዛዕባ የሆዋ ኸመይ ይስምዖ ነይሩ፧ እዚኸ እንታይ ኪገብር ደሪኽዎ፧

ንጉስ ዳዊት፡ “የሆዋ ዓብይን ብዙሕ ውዳሰ ዚግብኦን እዩ” ኢሉ ጽሒፉ እዩ። (መዝ. 145:3) ንየሆዋ የፍቅሮ ነይሩ እዩ፣ እታ ፍቕሪ እቲኣ ኸኣ፡ ንኣምላኽ “ኣብ ማእከል ጉባኤ” ኪውድሶ ደሪኻቶ እያ። (መዝ. 22:22፣ 40:5) ንስኻ እውን ንየሆዋ ተፍቅሮ ኢኻ፣ ምስቲ፡ “ኦ የሆዋ ኣምላኽ ኣቦና እስራኤል፡ ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ተወደስ” ዚብል ቃላት ዳዊት እውን ትሰማማዕ ክትከውን ኣሎካ።—1 ዜና 29:10-13

2. (ሀ) ከመይ ጌርና ኢና ንየሆዋ ኽንውድሶ እንኽእል፧ (ለ) ገሊኦም እንታይ ጸገም ኣለዎም፧ ሕጂኸ እንታይ ኢና ኽንርኢ፧

2 ሎሚ፡ ሓደ ኻብቲ ንየሆዋ እንውድሰሉ መገዲ፡ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ሓሳብ ብምሃብ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ናይ ሓቂ ጸገም ኣለዎም። ኣብ ኣኼባታት ኪሳተፉ ይደልዩ እኳ እንተ ዀኑ፡ ፍርሂ ግና ዕንቅፋት ኰይንዎም ኣሎ። እሞ ደኣ ኸመይ ገይሮም እዮም ንፍርሆም ኬሰንፍዎ ዚኽእሉ፧ ኵላትና ዜተባብዕ ሓሳባት ምእንቲ ኽንህብከ እንታይ ግብራዊ ምኽርታት እዩ ኺሕግዘና ዚኽእል፧ ነዚ ሕቶታት እዚ መልሲ ቕድሚ ምሃብና፡ ፈለማ ኣብ ኣኼባታት ሓሳብ እንህበሉ ኣርባዕተ መሰረታዊ ምኽንያት እስከ ንርአ።

ኣብ ኣኼባታት ሓሳብ እንህበሉ ምኽንያታት

3-5. (ሀ) ኣብ እብራውያን 13:15 ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ ኣብ ኣኼባታት ሓሳብ እንህብ ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) ኵላትና ሕደ ሓሳብ ዲና ኽንህብ ዘሎና፧ ግለጽ።

3 የሆዋ ንዅላትና፡ ንዕኡ ኽንውድሶ ኣጋጣሚ ኸፊቱልና ኣሎ። (መዝ. 119:108) እቲ ኣብ ኣኼባታት እነቕርቦ ሓሳባት ክፍሊ፡ “መስዋእቲ ውዳሰ” እዩ፣ ነዚ መስዋእቲ እዚ ኸኣ ካልእ ኬቕርበልና ኣይክእልን እዩ። (እብራውያን 13:15 ኣንብብ።) እሞኸ የሆዋ ኻብ ነፍሲ ወከፍና ሕደ መስዋእቲ ወይ ሓሳባት ይጽበ ድዩ፧ ኣይፋልን!

4 በበይኑ ኽእለትን ኵነታትን ከም ዘሎና የሆዋ ይፈልጥ እዩ፣ ነቲ እነቕርበሉ መስዋእቲ እውን ብዙሕ ኣኽቢሩ ይርእዮ እዩ። ካብ እስራኤላውያን ብዛዕባ ዚቕበሎ ዝነበረ ዓይነት መስዋእትታት እሞ ሕሰብ። ገሊኦም እስራኤላውያን በጊዕ ወይ ጤል ኬቕርቡ ይኽእሉ ነይሮም እዮም። ድኻታት እስራኤላውያን ግና “ክልተ ባሬቶ ወይ ክልተ ጫቚት ርግቢ” የቕርቡ ነይሮም እዮም። ሓደ እስራኤላዊ ንኽልተ ኣዕዋፍ ዚኣክል ዓቕሚ እንተ ዘይብሉ ኸኣ፡ “ዓስራይ ኣፍ ኤፋ ድኹም ሓርጭ” እውን ኣብ የሆዋ ቕቡል እዩ ነይሩ። (ዘሌ. 5:7, 11) ሓርጭ ዝሓሰረ እኳ እንተ ነበረ፡ “ድኹም ሓርጭ” ማለት ብሉጽ ዓይነት ሓርጭ ክሳዕ ዝዀነ፡ የሆዋ ኣኽቢሩ እዩ ዚርእዮ ነይሩ።

5 ኣምላኽና ለዋህ ስለ ዝዀነ፡ ሎሚ እውን ከምኡ እዩ ዚስምዖ። ሓሳባት ክንህብ ከለና፡ ኵላትና ኸም ኣጵሎስ ኣንደበተ ርቱእ ክንከውን፡ ወይ ከም ጳውሎስ ናይ ምእማን ክእለት ኪህልወና ኣይጽበየናን እዩ። (ግብ. 18:24፣ 26:28) የሆዋ ብዓቕምና ብሉጽ ሓሳባት ክንህብ እዩ ዚደልየና። ነታ ኽልተ ሰናቲም ዘውደቐት መበለት ኣይንረስዓያ። ዘለዋ ዅሉ ስለ ዝሃበት፡ የሆዋ ንዓኣ ኣኽቢሩ እዩ ርእይዋ።—ሉቃ. 21:1-4

ሓሳብ ምሃብ ንዓናን ነቶም ዚሰምዑናን ይጠቅም (ሕጡብ ጽሑፍ 6-7 ርአ) *

6. (ሀ) ብመሰረት እብራውያን 10:24, 25፡ እቲ እንሰምዖ ሓሳባት ብኸመይ ኪጸልወና ይኽእል፧ (ለ) ነቲ ኻልኦት ዝሃብዎ ዜተባብዕ መልሲ፡ ኣድንቖትካ ብኸመይ ክትገልጽ ትኽእል፧

6 ሓሳባት ብምሃብ ንሓድሕድና ንተባባዕ ኢና። (እብራውያን 10:24, 25 ኣንብብ።) ኵላትና ኣብ ኣኼባታታት እተፈላለየ ሓሳባት ምስማዕ የሐጕሰና እዩ። ነቲ ቘልዑ ኻብ ልቦም ዚህብዎ ቀሊል ሓሳባት ንፈትዎ ኢና። ሰባት ብኸመይ ሓቂ ኸም ዝፈለጡ ብውዕዉዕ ስምዒት ኪገልጹ ኸለዉ እውን ንተባባዕ ኢና። ነቶም ሓፋራት ብምዃኖም ወይ ኣብ ሓቂ ሓደስቲ ብምዃኖም “ብኽንደይ ገድሊ” ተቢዖም ሓሳባት ዚህቡ ኸኣ ኣድንቖት ኣሎና። (1ተሰ. 2:2፣ እ.ጽ.) እሞ ደኣ ነዚ ኣድንቖትና እዚ ብኸመይ ከነርእዮ ንኽእል፧ ድሕሪ ጉባኤ ስለቲ ዝሃብዎ ዜተባብዕ ሓሳብ ከነመስግኖም ኣሎና። ካልእ ነዚ ኽንገብረሉ እንኽእል መገዲ ድማ ንሕና እውን ሓሳብ ብምሃብ እዩ። በዚ ኸምዚ፡ ብኻልኦት ንተባባዕ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንሕና እውን ንኻልኦት ነተባብዕ።—ሮሜ 1:11, 12

7. ሓሳብ ምሃብ ብኸመይ ይጠቕመና፧

7 ሓሳብ ምሃብ ይጠቕመና እዩ። (ኢሳ. 48:17) ብኸመይ፧ ቀዳማይ፡ ሓሳብ ንምሃብ እንተ መዲብና፡ ንኣኼባ ጽቡቕ ጌርና ንዳሎ ኢና። ጽቡቕ እንተ ተዳሊና ኸኣ፡ ብዛዕባ ቓል ኣምላኽ ዓሚቝ ግንዛበ ይህልወና እዩ። ዕምቈት ዘለዎ ግንዛበ ድማ፡ ነቲ እተምሃርናዮ ኽንትግብሮ ይድርኸና እዩ። ካልኣይ፡ ኣብቲ ዚግብር ምይይጥ ስለ እንሳተፍ ነቲ ኣኼባ ብዝያዳ ንፈትዎ ኢና። ሳልሳይ፡ ሓሳብ ንምሃብ ጻዕሪ ስለ እንገብር፡ ኣኼባ ምስ እተወድአ እውን ነቲ ዝሃብናዮ ነጥብታት ኣይንርስዖን ኢና።

8-9. (ሀ) ኣብ ሚልክያስ 3:16 ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ የሆዋ ብዛዕባ እንህቦ ሓሳባት ከመይ ዚስምዖ ይመስለካ፧ (ለ) ንገሊኦም እንታይ ኬፍርሆም ይኽእል፧

8 እምነትና ኽንገልጽ ከለና፡ ንየሆዋ የሐጕሶ እዩ። የሆዋ ኣብ ኣኼባታት ሓሳብ ክንህብ ከለና ኸም ዚሰምዓናን ነቲ ሓሳብ ንምሃብ እንገብሮ ጻዕሪ ኸም ዜድንቖን ርግጸኛታት ኢና። (ሚልክያስ 3:16 ኣንብብ።) ንዕኡ ባህ ንምባል ምስ እንጽዕር ይባርኸና እዩ፣ በዚ ድማ ኣድንቖቱ የርኢ እዩ።—ሚል. 3:10

9 ስለዚ እምበኣር፡ ኣብ ኣኼባታት ሓሳብ እንህበሉ እኹል ምኽንያት ኣሎና። እንተዀነ ግና፡ ገሊኦም ኢዶም ሓፍ ምባል የፍርሆም እዩ። ንስኻ እውን ከምኡ ዚስምዓካ እንተ ዀይኑ፡ ተስፋ ኣይትቝረጽ። ኣብ ኣኼባታት ብዝያዳ ሓሳብ ንምሃብ ኪሕግዘና ዚኽእል ገለ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስን ሒደት ኣብነታትን እተወሰነ ግብራዊ ሓሳባትን እስከ ንመርምር።

ንፍርህና ምስናፉ

10. (ሀ) መብዛሕትና እንታይ ፍርሂ እዩ ዘሎና፧ (ለ) ክትምልስ ምስ በልካ ዚስምዓካ ፍርሂ፡ ጽቡቕ ምልክት ኪኸውን ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧

10 ሓሳብ ንምሃብ ኢድካ ሓፍ ከተብል ምስ ሓሰብካ፡ ከብድኻ ሓበጭበጭ ይብለካ ድዩ፧ ንዓኻ ጥራይ ኣይኰነን ከምኡ ዚስምዓካ። ሓሳብ ክንህብ ክንሓስብ ከለና፡ መብዛሕትና ንፈርህ ኢና። ነዚ ኣሳሪ ስምዒት እዚ ምእንቲ ኸተሰንፎ፡ ፈለማ ጠንቂ እቲ ፍርህኻ ኸተለሊ ኣሎካ። እንታይ ክትብል ከም እትደሊ ኸይጠፍኣካ ዲኻ እትፈርህ ወይስ ጌጋ ኸይትዛረብ፧ እትህቦ ሓሳባት ከም ናይ ካልኦት ጽቡቕ ከም ዘይከውን ድዩ ዜጨንቐካ፧ ከም ሓቂ፡ እዚ ፍርህታት እዚ ጽቡቕ ምልክት ኪኸውን ይኽእል እዩ። ትሑት ምዃንካን ንኻልኦት ካብ ርእስኻ ኣብሊጽካ ኸም እትርእን ዜመልክት ኪኸውን ይኽእል እዩ። የሆዋ ነዚ ባህርያት እዚ ይፈትዎ እዩ። (መዝ. 138:6፣ ፊል. 2:3) ኰይኑ ግና፡ ኣብ ኣኼባታት ክትውድሶን ንኣሕዋትካን ንኣሓትካን ከተተባብዖምን እውን ይደልየካ እዩ። (1 ተሰ. 5:11) የፍቅረካ እዩ፣ ዜድልየካ ትብዓት ኪህበካ እውን እዩ።

11. እንታይ ቅዱስ ጽሑፋዊ መዘኻኸሪታት እዩ ኺሕግዘና ዚኽእል፧

11 እተወሰነ ቕዱስ ጽሑፋዊ መዘኻኸሪታት እስከ ንርአ። ኵላትና ብዘረባናን ብኣዘራርባናን ከም እንስሕት መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። (ያእ. 3:2) የሆዋ ፍጹማት ክንከውን ኣይጽበየናን እዩ፣ ኣሕዋትናን ኣሓትናን እውን ከምኡ ኣይጽበዩናን እዮም። (መዝ. 103:12-14) ንሳቶም መንፈሳውያን ስድራ ቤትና እዮም፣ የፍቅሩና እውን እዮም። (ማር. 10:29, 30፣ ዮሃ. 13:35) ሓድሓደ ግዜ፡ ልክዕ ዘይኰነ ሓሳባት እንተ ሂብና፡ ይርድኡልና እዮም።

12-13. ካብ ነህምያን ዮናስን እንታይ ንምሃር፧

12 ንፍርህኻ ኸተሰነፎ ብዛዕባ ዚሕግዙ ገለ ኣብነታት መጽሓፍ ቅዱስ እስከ ንርአ። ንነህምያ መሸም ትዝክሮ ኢኻ። ንሱ ኣብ ቤተ መንግስቲ ዀይኑ ንሓደ ሓያል ንጉስ እዩ ዜገልግሎ ነይሩ። መካበብያን ኣፍ ደገታትን የሩሳሌም ከም ዝዓነወ ምስ ሰምዐ፡ ሓዚኑ ነይሩ እዩ። (ነህ. 1:1-4) ስለምንታይ ከም ዝጐሃየ ኻብቲ ንጉስ ሕቶ ምስ ቀረበሉ፡ ከብዱ ሓበጭበጭ ኢልዎ ኪኸውን ኣለዎ። ኰይኑ ግና፡ ብቕልጡፍ ድሕሪ ምጽላይ፡ ምላሽ ሃበ። እቲ ንጉስ ድማ በዚ ተለዓዒሉ ንህዝቢ ኣምላኽ ዚድግፍ ብዙሕ ነገር ገበረ። (ነህ. 2:1-8) ብዛዕባ ዮናስ እውን እሞ ሕሰብ። የሆዋ ንዮናስ፡ ንነበርቲ ነነዌ ኺዛረቦም ምስ ኣዘዞ፡ ዮናስ ኣዝዩ ስለ ዝፈርሀ፡ ናብ ኣንጻሩ ኣንፈት ሃደመ። (ዮና. 1:1-3) ብሓገዝ የሆዋ ግና፡ እተዋህቦ ዕዮ ኺፍጽም ከኣለ። እቲ እተዛረቦ ቓላት ከኣ፡ ንሰብ ነነዌ ብዙሕ ጠቒምዎም እዩ። (ዮና. 3:5-10) ካብቲ ነህምያ ዝሓደጎ ኣብነት፡ መልሲ ቕድሚ ምሃብና፡ ክንጽሊ ኸም ዘሎና ንምሃር ኢና። ካብቲ ዮናስ ዝሓደጎ ኣብነት ከኣ፡ ዓብዪ ፍርሂ እናሃለወና ኽነሱ፡ የሆዋ ንምግልጋሉ ኸም ዚሕግዘና ኽንምሃር ንኽእል ኢና። ከም ሰብ ነነዌ ዜፍርሁ ሰባት መሸም ኣብ ዝዀነት ትኹን ጉባኤ የለዉን!

13 ኣብ ኣኼባታት ዜተባብዕ ሓሳባት ምእንቲ ኽትህብ እንታይ ግብራዊ ምኽርታት ኺሕግዘካ ይኽእል፧ ሒደት ነጥብታት እስከ ንርአ።

14. ንኣኼባታትና ጽቡቕ ጌርና ኽንዳሎ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ ነዚኸ መዓስ ክንገብሮ ንኽእል፧

14 ንዅሉ ኣኼባታት ተዳለወሉ። ኣቐዲምካ መደብ እንተ ጌርካን ብግቡእ እንተ ተዳሊኻን፡ ነቲ ሓሳብ ንምሃብ ዘሎካ ስክፍታ ይንክዮ እዩ። (ምሳ. 21:5) ልክዕ እዩ፡ ኵላትና በበይኑ መደባት እዩ ዘሎና። ኣብ 80ታት ዕድሚኣ እትርከብ ኤሎይስ፡ ሰሙን ጅምር ምስ በለት ብኣጋኡ እያ ንመጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ ​​ኽትዳሎ እትጅምር። ብዛዕባኡ ኸኣ፡ “ኣቐዲመ እንተ ኣጽኒዐ፡ ብኣኼባታትና ብዝያዳ እየ ዝሕጐስ” ትብል። ናይ ምሉእ ግዜ ዓለማዊ ስራሕ እትሰርሕ ጆይ ድማ፡ ቀዳም ቀዳም እያ ግምቢ ዘብዐኛ​ እተጽንዕ። ንሳ ኸኣ፡ “ነቲ ትምህርቲ ንምዝካሩ ይቐልለኒ እዩ” ትብል። ፈላሚ ዀይኑ ዜገልግል ኣይክ ዚብሃል ብዙሕ ስራሕ ዘለዎ ሽማግለ ድማ፡ “ብሓንሳእ ንነዊሕ ግዜ ኣብ ክንዲ ዘጽንዕ፡ ኣብ ብምሉእ ሰሙን ሓሓጺር እዋን ከጽንዕ ዝሓሸ ዀይኑ ረኺበዮ እየ” ይብል።

15. ከመይ ጌርካ ኢኻ ንኣኼባ ብግቡእ ክትዳሎ እትኽእል፧

15 ንኣኼባታት ብግቡእ ምድላው ኪብሃል ከሎ፡ እንታይ የጠቓልል፧ መጽናዕቲ ቕድሚ ምጅማርካ፡ ወትሩ ንየሆዋ መንፈስ ቅዱስ ኪህበካ ለምኖ። (ሉቃ. 11:13፣ 1 ዮሃ. 5:14) ድሕሪኡ፡ ሒደት ደቓይቕ ወሲድካ፡ ንሓፈሻዊ ትሕዝቶ እቲ ትምህርቲ ርኣዮ። ነቲ ኣርእስትን ነቲ ንኡስ ኣርእስትታትን ነቲ ስእልታትን ነቲ ሳጹናት ትምህርትን ተመልከቶ። ድሕሪኡ፡ በብሕጡብ ጽሑፍ ከተጽንዕ ከለኻ፡ ብእተኻእለካ መጠን ንዅሉ እቲ ጥቕስታት ኣንብቦ። ነቲ ሓበሬታ ኣስተንትነሉ፣ ምናዳ ነቲ ሓሳብ ክትህበሉ እትደሊ ነጥብታት ከኣ ኣተኵረሉ። ብዝያዳ ብእተዳሎኻ መጠን፡ ዝያዳ ጥቕሚ ኽትረክብ ኢኻ፣ ሓሳብ ንምሃብ ድማ ብዝያዳ ኺፈዅሰካ እዩ።—2 ቈረ. 9:6

16. እንታይ ናውቲ ኢኻ ኽትጥቀም እትኽእል፧ ከመይ ጌርካኸ ኢኻ እትጥቀመሉ፧

16 እንተ ኽኢልካ፡ ኣብቲ እትፈልጦ ቛንቋ ንዚርከብ ዲጂታዊ ናውቲ ተጠቐመሉ። የሆዋ ብውድቡ ገይሩ ንኣኼባታት ንምድላው ዚሕግዝ ኤለክትሮኒካዊ ናውቲ ሂቡና ኣሎ። ኣፕሊኬሽን JW Library®ጽሑፋት መጽናዕቲ ናብ ሞባይል ወይ ናብ ታብለት ከነራግፍ የኽእለና እዩ። ድሕሪኡ፡ ኣብ ዝደለናዮ ግዜን ቦታን ነቲ ትምህርቲ ኸነጽንዖ፡ ወይ ከኣ እንተ ወሓደ ኸነንብቦ ወይ ክንሰምዖ ንኽእል ኢና። ገሊኦም ነዚ ናውቲ እዚ ኣብ ናይ ምሳሕ ዕረፍቶም ወይ ከኣ ካብን ናብን ስራሕ ወይ ቤት ትምህርቲ ኺጐዓዙ ኸለዉ ይጥቀሙሉ እዮም። ዎችታወር ላይብረሪቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ​​ ከኣ ብዛዕባ እቲ ብሰፊሑ ኽንድህስሶ እንደሊ ትምህርትታት ብቐሊሉ ምርምር ንምግባር የኽእለና እዩ።

ንኣኼባታት መዓስ ኢኻ እትዳሎ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 14-16 ርአ) *

17. (ሀ) ብተደጋጋሚ ሓሳባት ንምሃብ ምድላው ጽቡቕ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ካብታ ዓርኪ የሆዋ ኹን—ሓሳብ ንምሃብ ተዳሎ ዘርእስታ ቪድዮ እንታይ ተማሂርካ፧

17 እንተ ኽኢልካ፡ ወትሩ ብተደጋጋሚ ሓሳባት ንምሃብ ተዳሎ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ኢድካ ምስ ኣልዓልካ፡ ንምምላስ ዕድል ከይውሃበካ ይኽእል እዩ። ኣብቲ እዋን እቲ ኻልኦት ኣእዳዎም ኬልዕሉ እዮም፣ እቲ ነቲ መጽናዕቲ ዚመርሕ ሓው ከኣ፡ ንሓዲኦም ኪሓሪ ይኽእል እዩ። እቲ ኣኼባ ብሰዓቱ ምእንቲ ኺውዳእ ኢሉ ድማ፡ ኣብ ሓደ ነጥቢ ኽንደይ ሓሳባት ከም ዚውሃብ ደረት ኪገብረሉ ይኽእል እዩ። ኣብ ኣጋ መጀመርታ እቲ መጽናዕቲ፡ ሓሳብ ክትህብ ዕድል እንተ ዘይሂቡካ፡ ኣይትዀሪ ወይ ተስፋ ኣይትቝረጽ። ብተደጋጋሚ ሓሳባት ክትህብ እንተ ተዳሊኻ፡ ኣብቲ ምይይጥ ንምስታፍ ዝያዳ ኣጋጣሚ ኺህልወካ እዩ። ሓደ ኻብቲ እተቕርቦ ሓሳባት፡ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ግናኸ፡ እንተ ኽኢልካ፡ ብናትካ ቓላት ሓሳብ ንምሃብ ተዳሎ። *

18. ሓጺር ሓሳባት ክትህብ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧

18 ሓጺር ሓሳባት ሃብ። መብዛሕትኡ ግዜ ሓጺርን ቀሊልን መልሲ ብዙሕ የተባብዕ እዩ። ስለዚ፡ መልስኻ ሓጺር ክትገብሮ ጽዓር። ካብ 30 ካልኢት ዘይነውሕ ክትገብሮ ፈትን። (ምሳ. 10:19፣ 15:23) ኣብ ኣኼባታት ንነዊሕ ዓመታት ምላሽ ክትህብ ዝጸናሕካ እንተ ዄንካ፡ ኣብኡ ኣገዳሲ ተራ ኽትጻወት ትኽእል ኢኻ፣ ንሓሳባትካ ሓጺር ብምግባር፡ ሰናይ ኣብነት ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ደቓይቕ ዝንውሓቱ እተሓላለኸ መልሲ ትህብ እንተ ዄንካ፡ ካልኦት ምሳኻ ኺወዳደሩ ዘይክእሉ ዀይኑ ስለ ዚስምዖም፡ ንምምላስ ኪስከፉ እዮም። ብተወሳኺ ድማ፡ ሓጸርቲ ሓሳባት ምስ ዚቐርብ፡ ብዙሓት ሰባት ኣብ ኣኼባ ኺሳተፉ ግዜ ይህሉ እዩ። ብሕልፊ ንምምላስ ቀዳማይ ዕድል እንተ ተዋሂቡካ፡ ነታ ሕቶ ዚኸውን ቀሊልን ቀጥታውን መልሲ ሃብ። ኣብቲ ሕጡብ ጽሑፍ ንዘሎ ዅሉ ነጥብታት ክትሽፍኖ ኣይትፈትን። እቲ ኣብ ሕጡብ ጽሑፍ ዚርከብ ቀንዲ ነጥቢ ሓሳብ ምስ ተዋህበሉ፡ ብዛዕባ ተወሳኺ ነጥብታት ሓሳብ ክትህብ ትኽእል ኢኻ።—“ ብዛዕባ እንታይ ሓሳብ ክህብ እኽእል፧” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

19. እቲ ዚመርሕ ሓው ብኸመይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧ ንስኻ ግና እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧

19 ነቲ ዚመርሕ ሓው ኣበየነይቲ ሕጡብ ጽሑፍ ሓሳብ ክትህብ ከም እትደሊ ኣቐዲምካ ንገሮ። ከምዚ ኽትገብር እንተ ደሊኻ፡ እቲ ኣኼባ ቕድሚ ምጅማሩ ኣቐዲምካ ነቲ ዚመርሕ ሓው ኣዛርቦ። ሕቶ እታ ሕጡብ ጽሑፍ ምስ ተሓትተ ድማ፡ እቲ ሓው ምእንቲ ኺርእየካ፡ ቀልጢፍካ ኢድካ ኣጸቢቕካ ሓፍ ኣብል።

20. ኣኼባ ጉባኤ ኸም ሓደ ምስ ፈተውቲ ብሓባር እትምገበሉ መኣዲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

20 ንኣኼባታት ጉባኤ ኸም ሓደ ምስ ፈተውትኻ ብሓባር እትምገበሉ መኣዲ ጌርካ ርኣዮ። ኣብ ጉባኤኹም ዘለዉ ፈተውትኻ ናብ ዚገብርዎ ምትእኽኻብ እንተ ትዕደም እሞ፡ ዚብላዕ ሒዝካ ኽትመጽእ እንተ ትሕተት፡ እንታይ ምገበርካ፧ እንታይ ከም እተዳሉ ብእተወሰነ ምሓሰብካሉ፣ ኵሉ ዚፈትዎ ነገር ሒዝካ ንምምጻእ ከኣ ዚከኣለካ ምገበርካ። እቲ ዓዳሚና ዝዀነ የሆዋ ድማ ኣብ ኣኼባታትና ብጽቡቕ ነገራት ዝመልአ መኣዲ ኣዳልዩልና ኣሎ። (መዝ. 23:5፣ ማቴ. 24:45) ንሕና ብዓቕምና ብሉጽ ዝዀነ ንእሽቶ ነገር ሒዝና እንተ መጺእና ኸኣ፡ ባህ ይብሎ እዩ። ስለዚ፡ ጽቡቕ ጌርካ ተዳሎ፡ ብዓቕምኻ እውን ብዙሕ ሳዕ ተሳተፍ። ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ካብ መኣዲ የሆዋ ኽትምገብ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንጉባኤኹም እተካፍሎ ነገር እውን ከተምጽእ ኢኻ።

መዝሙር 2 የሆዋ እዩ ስምካ

^ ሕ.ጽ. 5 ኵላትና ኸም ዳዊት እቲ ዘማሪ፡ ንየሆዋ ነፍቅሮ ኢና፡ ክንውድሶ እውን ንደሊ ኢና። ምስ ኣባላት ጉባኤና ንኣምልኾ ኽንእከብ ከለና፡ ንኣምላኽ ዘላትና ፍቕሪ ንምግላጽ ፍሉይ ኣጋጣሚ ንረክብ ኢና። ገሌና ግና ኣብ ኣኼባታትና ሓሳብ ምሃብ ይኸብደና እዩ። ከምኡ ዓይነት ጸገም ዜጋጥመካ እንተ ዀይኑ፡ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ንፍርህኻ ኸተለልዮን ከተሰንፎን ክትሕግዘካ እያ።

^ ሕ.ጽ. 17 ኣብ jw.org ነታ ዓርኪ የሆዋ ኹን—ሓሳብ ንምሃብ ተዳሎ ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ። ኣብ ትሕቲ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ > ቈልዑ ርአ።

^ ሕ.ጽ. 63 መግለጺ ስእሊ፦ ኣባላት ጉባኤ ኣብ ምይይጥ ግምቢ ዘብዐኛ ብታሕጓስ ይሳተፉ።

^ ሕ.ጽ. 65 መግለጺ ስእሊ፦ ገሊኦም ኣብቲ መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ ዚሳተፉ ዝነበሩ ኣባላት ጉባኤ፡ በበይኑ ዅነታት እኳ እንተ ኣለዎም፡ ነቲ ንኣኼባ ዚኸውን ትምህርቲ ግዜ መዲቦም የጽንዕዎ።