ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 6

ንጽህናኻ ሓሉ!

ንጽህናኻ ሓሉ!

“ክሳዕ ሞተይ ንጽህናይ ኣይሓድግን እየ!”—እዮ. 27:5

መዝሙር 34 ብንጽህና ኽመላለስ እየ

መላለዪ *

1. እዞም ኣብዛ ሕጡብ ጽሑፍ ተገሊጾም ዘለዉ ሰለስተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንየሆዋ እሙናት ዝዀኑ ብኸመይ እዮም፧

ነዚ ዚስዕብ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ዜጋጥሞም ነገራት እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። (1) ሓንቲ ንእሽቶ ጓል ኣብ ቤት ትምህርቲ ኸላ፡ ኵሎም እቶም ኣብታ ኽፍሊ ዘለዉ ተምሃሮ ኣብ ሓደ በዓል ኪሳተፉ ኻብ መምህሮም ሕቶ ይቐርበሎም። እታ ጓል ከኣ፡ እቲ በዓል ንኣምላኽ ባህ ከም ዘየብሎ ስለ እትፈልጥ፡ ኣብኡ ኸም ዘይትሳተፍ ብኣኽብሮት ትገልጽ። (2) ሓደ ሓፋር መንእሰይ ኣብ በቤት ከይዱ የገልግል። እታ እትቕጽል ቤት ከኣ እንዳ መማህርቱ ምዃና ይፈልጥ እዩ፣ እቲ ወዲ ትምህርቱ እውን ናይ የሆዋ ምስክር ብምዃኑ ኣላጊጹሉ ነይሩ እዩ። ኰይኑ ግና፡ እቲ መንእሰይ ናብታ ቤት ከይዱ ይዅሕኵሕ። (3) ሓደ ሰብኣይ ንስድራ ቤቱ ዜድልዮ ንምምእራር ብትግሃት እናዓየየ ኸሎ፡ ሓደ መዓልቲ ሓለቓኡ ናይ ምትላል ተግባር ወይ ዘይሕጋዊ ተግባር ኪገብር ይሓትቶ። እቲ ሰብኣይ ከኣ ስራሑ ኺስእን ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ኣምላኽ ንኣገልገልቱ ብቕንዕና ኺመላለሱን ሕጊ ኬኽብሩን ከም ዚጽበዮም ብምግላጽ ይኣብዮ።—ሮሜ 13:1-4፣ እብ. 13:18

2. ሕጂ እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንምርምር፧ ስለምንታይከ፧

2 ኣብዞም ሰለስተ ሰባት እዚኦም እንታይ ባህርይ ኢኻ ርኢኻ፧ ከም ትብዓትን ቅንዕናን ዝኣመሰለ ባህርያት ኣስተብሂልካ ትኸውን። ሓንቲ ኽብርቲ ባህርይ ግና ጐሊሓ ትርአ እያ፣ ንሳ ድማ ንጽህና እያ። ሰለስቲኦም ንየሆዋ እሙናት ኰይኖም እዮም። ምስ መለክዒታት ኣምላኽ ብእተተሓሓዘ ኺለማለሙ ፍቓደኛታት ኣይኰኑን። ንጽህናኦም ኪሕልዉ ብምድላዮም እዮም ከምኡ ገይሮም። ነፍሲ ወከፎም ንጽህናኦም ብምሕላዎም ድማ፡ የሆዋ ብኣታቶም ተሓቢኑ ኪኸውን ኣለዎ። ንሕና እውን ንሰማያዊ ኣቦና ኸነሐብኖ ንደሊ ኢና። ስለዚ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት እስከ ንመርምሮ፦ ንጽህና ምሕላው ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ ንጽህናና ኽንሕሉ ዜድልየና ስለምንታይ እዩ፧ ኣብዚ ኣጸጋሚ እዋን ንጽህናና ንምሕላው ዘሎና ቘራጽነት ከነደልድል እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

ንጽህና ምሕላው ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

3. (ሀ) ንጽህናና ምሕላው ኪብሃል ከሎ ንዓና እንታይ ትርጉም ኣለዎ፧ (ለ) ምሉእ፡ ጥዑይ፡ ወይ ጐደሎ ዘይብሉ ነገር ከም ዜገድሰና ዚሕብር እንታይ ኣብነታት ክትጠቅስ ትኽእል፧

3 ምስ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብዚተሓሓዝ ንጽህና ምሕላው ኪብሃል ከሎ፡ ኣብ ኵሉ ውሳነታትና ንየሆዋ ቐዳምነት ምእንቲ ኽንህቦ ኢልና፡ ንዕኡ ብምሉእ ልቢ ምፍቃርን ምሉእ ብምሉእ ውፉይ ምዃንን የመልክት። ነዛ ቓል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም እተዓይየላ እስከ ንርአ። እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንጽህና” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ቓል፡ ሓደ ኻብቲ ሒዛቶ ዘላ መሰረታዊ ትርጉም፡ ምሉእ ወይ ጥዑይ ዚብል እዩ። ንኣብነት፡ እስራኤላውያን ንየሆዋ መስዋእቲ እንስሳታት ይስውኡሉ ነይሮም እዮም፣ ኣብ ሕጊ ሙሴ ድማ፡ እቲ ዚስዋእ እንስሳ ጥዑይ * ኪኸውን ከም ዘለዎ ተገሊጹ ነይሩ እዩ። (ዘሌ. 22:21, 22) ሓንካስ፡ እዝኑ እተቘርጸ፡ ዕዉር፡ ወይ ሕሙም እንስሳ ኬቕርቡ ኣይፍቀደሎምን እዩ ነይሩ። ምሉእ፡ ጥዑይ፡ ወይ ጐደሎ ዘይብሉ እንስሳ እዩ ንየሆዋ ባህ ዜብሎ ነይሩ። (ሚል. 1:6-9) የሆዋ ጥዑይ ወይ ጐደሎ ዘይብሉ እንስሳ ኬቕርቡ ስለምንታይ ትጽቢት ይገብረሎም ከም ዝነበረ ኺርድኣና ይኽእል እዩ። ዝዀነ ይኹን ነገር ክንዕድግ ከለና፡ ንበል ፍረታት፡ መጽሓፍ፡ ወይ መሳርሒ ኽንዕድግ ከለና፡ እተጨራረመ ወይ ጐደሎ ኣይንደልን ኢና። ምሉእ፡ ጥዑይ፡ ወይ ጐደሎ ዘይብሉ ኢና እንደሊ። የሆዋ ኸኣ ኣብቲ ንዕኡ እነርእዮ ፍቕርን ተኣማንነትን ከምኡ እዩ ዚስምዖ። እቲ እነቕርበሉ ነገር፡ ምሉእ፡ ጥዑይ፡ ወይ ጐደሎ ዘይብሉ ኪኸውን እዩ ዚደሊ።

4. (ሀ) ሓደ ሰብ ዘይፍጹም ክነሱ ንጽህናኡ ኺሕሉ ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ብመሰረት መዝሙር 103:12-14፡ የሆዋ እንታይ እዩ ዚጽበየና፧

4 ንጽህናና ሓሊና ንምንባር፡ ፍጹማት ክንከውን ከም ዘሎና ኽንድምድም ኣሎና ድዩ፧ ልክዕ እዩ፡ ምሉእ ብምሉእ ጥዑያት ከም ዘይኰነና ወይ ብዙሕ ጕድለት ከም ዘሎና ይስምዓና ይኸውን። ኣብዚ መዳይ እዚ፡ ንስክፍታና ዚቕንጥጥ ክልተ ምኽንያት እስከ ንርአ። ቀዳማይ፡ የሆዋ ኣብ ጕድለትና ኣየተኵርን እዩ። ስለዚ ድማ፡ ቃሉ ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ፡ “ኦ ያህ፡ ስሕተት ትቋመት ኔርካ እንተ ትኸውን፡ ኦ የሆዋ፡ መን ደው ኪብል ምኸኣለ፧” ይብል እዩ። (መዝ. 130:3) ንሱ ዘይፍጹማትን ሓጥኣንን ምዃንና ይፈልጥ እዩ፣ ብዙሕ ሳዕ እውን ይቕረ ይብለልና እዩ። (መዝ. 86:5) ካልኣይ፡ የሆዋ ዓቕምና ይፈልጥ እዩ፣ ልዕሊ ዓቕምና ኽንገብር እውን ኣይጽበየናን እዩ። (መዝሙር 103:12-14 ኣንብብ።) እሞ ደኣ ኸመይ ኢልና ኢና ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ምሉኣት፡ ጥዑያት፡ ወይ ጐደሎ ዘይብሎም ክንከውን እንኽእል፧

5. ንኣገልገልቲ የሆዋ ንጽህናኦም ኪሕልዉ እተኽእሎም ወሳኒት ባህርይ ፍቕሪ እያ እንብል ስለምንታይ ኢና፧

5 ንኣገልገልቲ የሆዋ ንጽህናኦም ኪሕልዉ እተኽእሎም ወሳኒት ባህርይ ፍቕሪ እያ። እቲ ንኣምላኽ ዘሎና ፍቕሪ ወይ እቲ ንሰማያዊ ኣቦና ዘሎና ተወፋይነት፡ ምሉእ፡ ጥዑይ፡ ወይ ጐደሎ ዘይብሉ ኪኸውን ኣለዎ። ኣብ ትሕቲ ፈተና እውን እንተ ዀነ ፍቕርና እንተ ጸኒዓ፡ ብንጽህና ንመላለስ ኣለና ኺብሃል ይከኣል እዩ። (1 ዜና 28:9፣ ማቴ. 22:37) ነቶም ኣብ መእተዊ እተጠቕሱ ሰለስተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እሞ ንዘክሮም። ስለምንታይ እዮም ንጽህናኦም ሓልዮም፧ እታ ንእሽቶ ጓል ምስ መማህርታ ኽትሕጐስ ስለ ዘይትደሊ፡ ወይ እቲ መንእሰይ ኣደዳ ላግጺ መማህርቱ ኪኸውን ቃሕ ስለ ዝበሎ፡ ወይ እቲ ኣቦ ስድራ ስራሑ ኺስእን ስለ ዝደለየ ድዩ፧ ኣይፋልን። የግዳስ፡ ስርዓታት የሆዋ ቕኑዕ ምዃኑ ይፈልጡ እዮም፣ ንሰማያዊ ኣቦኦም ከኣ ባህ ኬብልዎ ይደልዩ እዮም። ንዕኡ ዘላቶም ፍቕሪ፡ ኣብ ውሳነታቶም ንዕኡ ቐዳምነት ኪህብዎ ትድርኾም እያ። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ብንጽህና ይመላለሱ እዮም።

ንጽህናና ኽንሕሉ ዜድልየና ስለምንታይ ኢና፧

6. (ሀ) ስለምንታይ ኢኻ ንጽህናኻ ኽትሕሉ ዜድልየካ፧ (ለ) ኣዳምን ሄዋንን ንጽህናኦም ዘይሓለዉ ብኸመይ እዮም፧

6 ኵላትና ንጽህናና ኽንሕሉ ዜድልየና ስለምንታይ ኢና፧ ሰይጣን ንየሆዋ ብድሆ ስለ ዘቕረበሉን ንነፍሲ ወከፍና ብድሆ ስለ ዘቕረበልናን ኢና ንጽህናና ኽንሕሉ ዜድልየና። እቲ ዓለወኛ መልኣኽ እቲ፡ ኣብ ገነት ኤደን ባዕሉ እዩ ሰይጣን ወይ “ተጻራሪ” ዀይኑ። ንኣምላኽ ከኣ ከም ሓደ ኽፉእን ስሱዕን መታለልን ገዛኢ ገይሩ ጠቂንዎ እዩ። እቲ ዜሕዝን ድማ፡ ኣዳምን ሄዋንን ካብ የሆዋ ብምዕላው፡ ምስ ሰይጣን ወጊኖም እዮም። (ዘፍ. 3:1-6) ኣብ ኤደን ዝነበሮም ህይወት፡ ነታ ንየሆዋ ዘላቶም ፍቕሪ ኼሐይል ዚኽእል ብዙሕ ኣጋጣሚታት ኣቕሪቡሎም ነይሩ እዩ። ሰይጣን ብድሆ ኣብ ዘቕረበሉ እዋን ግና፡ ፍቕሮም ምልእቲ፡ ጥዕይቲ፡ ወይ ጐደሎ ዘይብላ ኣይነበረትን። እዚ ድማ ካልእ ሕቶ ኣበጊሱ እዩ፦ ንየሆዋ ኣምላኽ ካብ ዘላቶ ፍቕሪ ተላዒሉ እሙን ኪኸውን ዚኽእል ሰብ ኪህሉ ይኽእል ድዩ፧ ወይ ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ደቂ ሰብ ንጽህናኦም ኪሕልዉ ይኽእሉ ድዮም፧ ምስ እዮብ ብእተተሓሓዘ፡ እዛ ሕቶ እዚኣ እያ ተላዒላ ነይራ።

7. ኣብ እዮብ 1:8-11 ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ የሆዋን ሰይጣንን ብዛዕባ ንጽህና እዮብ እንታይ ኣረኣእያ ነይርዎም፧

7 እዮብ፡ እስራኤላውያን ኣብ ግብጺ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን እዩ ዚነብር ነይሩ። ካብቶም ብግዜኡ ዝነበሩ ሰባት ድማ ከም እዮብ ገይሩ ንጽህናኡ ዚሕሉ ኣይነበረን። ሓቂ እዩ፡ ከማና ዘይፍጹም ሰብ እዩ ነይሩ፣ ይጋገ እውን ነይሩ እዩ። እንተዀነ ግና፡ እዮብ ንጽህናኡ ይሕሉ ስለ ዝነበረ፡ የሆዋ የፍቅሮ ነይሩ እዩ። ሰይጣን ከኣ ንየሆዋ፡ ሰባት ንጽህናኦም ኪሕልዉ ከም ዘይክእሉ ኣቐዲሙ ኣባጭዩሉ ዝነበረ እዩ ዚመስል። ስለዚ የሆዋ፡ ንእዮብ ከም ኣብነት ጠቐሶ። ከመይሲ፡ ህይወት እዮብ ንሓሶት ሰይጣን ዜቃልዕ እዩ ነይሩ። ሰይጣን ድማ ንንጽህና እዮብ ኪፍትኖ ሓተተ። የሆዋ ኸኣ በቲ ፈታዊኡ ዝዀነ እዮብ ስለ እተኣማመነ፡ ኪፍትኖ ፈቐደሉ።—እዮብ 1:8-11 ኣንብብ።

8. ሰይጣን ንእዮብ ብኸመይ ኣጥቅዖ፧

8 ሰይጣን ጨካን እዩ፣ ቀታል ነፍሲ እውን እዩ። ፈለማ፡ ኣብ ልዕሊ ጥሪት እዮብ መጥቃዕቲ ፈነወ፣ በዚ ኸምዚ፡ ሃብቱ መንዝዖ፡ ንገላዉኡ ቐተሎም፡ ንስሙ እውን ኣጸለሞ። ቀጺሉ፡ ኣብ ስድራ ቤት እዮብ መጥቃዕቲ ፈነወ፣ ነቶም ዓሰርተ ደቁ ኸኣ ቀተሎም። ድሕሪኡ፡ ኣብ ሰብነት እዮብ መጥቃዕቲ ፈነወ፣ ካብ ርእሱ ኽሳዕ እግሩ ብዜቐንዙ ቝስሊ ብምውቃዕ ድማ፡ ጥዕና ኸም ዚስእን ገበሮ። ሰበይቲ እዮብ ብሓዘን እትገብሮ ስለ ዝጠፍኣ፡ ንኣምላኽ ረጊሙ ኺመውት ወይ ኪሕለል ምኽሪ ሃበቶ። እዮብ እውን እንተ ዀነ፡ ሞት ተመንዩ ነይሩ እዩ፣ ግናኸ፡ ንጽህናኡ ሓለወ። ድሕሪኡ፡ ሰይጣን ካልእ ዓይነት መጥቃዕቲ ፈተነ። በቶም ብጾት እዮብ ዝዀኑ ሰለስተ ሰብኡት ተጠቕመ። እቶም ሰብኡት ድማ ንእዮብ ኪበጽሕዎ መጹ እሞ ምስኡ ቐነዩ፣ ግናኸ፡ ኣየጸናንዕዎን። መሕልፎ እኳ ደኣስ፡ ብዘይ ንሕስያ ተዛረብዎን ገንሕዎን። ኵሉ መከራኡ ኻብ ኣምላኽ ምዃኑን ኣምላኽ ብዛዕባ ንጽህናኡ ግዲ ኸም ዘይብሉን ተዛረብዎ። ሕሉፍ ሓሊፎም እውን እቲ ኣብ ልዕሊ እዮብ ዚወርድ ሕማቕ ነገራት ብሰንኪ እከዩ ምዃኑ ኣመቱ።—እዮ. 1:13-22፣ 2:7-11፣ 15:4, 5፣ 22:3-6፣ 25:4-6

9. እዮብ ብዙሕ ፈተናታት እናኣጋጠሞ ኽነሱ፡ እንታይ እዩ ዘይገበረ፧

9 እሞኸ እዮብ እዚ ዅሉ ጸበባ ምስ ኣጋጠሞ እንታይ ገበረ፧ እዮብ ፍጹም ሰብ ኣይኰነን ነይሩ። ስለዚ፡ ነቶም ናይ ሓሶት መጸናናዕቱ ብቝጥዓ ገንሖም፣ ቀይዲ ዘይብሉ ዘረባ እውን ተዛረበ። ኣብ ክንዲ ንኣምላኽ፡ ንርእሱ ኼጽድቓ ጸዓረ። (እዮ. 6:3፣ 13:4, 5፣ 32:2፣ 34:5) ኰይኑ ግና፡ ኣብቲ ዝኸፍአ እዋን እኳ እንተ ዀነ፡ ንየሆዋ ኣምላኽ ዝባኑ ኣይሃቦን። ነቲ እቶም ናይ ሓሶት ፈተውቱ እተዛረብዎ ሓሶት እውን ኣይኣመኖን። ስለዚ፡ “ንስኻትኩም ጻድቃን ኢኹም ክብልሲ ዘይሕሰብ እዩ! ክሳዕ ሞተይ ንጽህናይ ኣይሓድግን እየ!” በለ። (እዮ. 27:5) ኣዝዩ ኣገዳሲ ነገር እዩ ተዛሪቡ። እዮብ ኣይተሓለለን፣ ንሕና እውን ኣሰሩ ኽንስዕብ ንኽእል ኢና።

10. እቲ ሰይጣን ንእዮብ ዝኸሰሶ ኽሲ ንዓኻ ብኸመይ ይምልከተካ፧

10 ሰይጣን ንነፍሲ ወከፍና ተመሳሳሊ ኽሲ እዩ ዚኸስሰና። እሞኸ እዚ ንዓኻ ብኸመይ ይምልከተካ፧ ሰይጣን ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ንየሆዋ ኣምላኽ ብሓቂ ኸም ዘይተፍቅሮ፡ ገዛእ ርእስኻ ኸተድሕን ኢልካ ንየሆዋ ምግልጋል ከም እትሓድጎ፡ ንጽህናኻ እውን ከም ዘይትሕሉ እዩ ዚኸስሰካ። (እዮ. 2:4, 5፣ ራእ. 12:10) ብዛዕባ እዚ እሞ ኸመይ ይስምዓካ፧ እዚ ኽሲ እዚ መሸም ዜጕሂ እዩ። ግናኸ፡ ሕስብ እሞ ኣብሎ፦ የሆዋ ስለ ዚኣምነካ፡ ዜደንቕ ኣጋጣሚ ኸፊቱልካ ኣሎ። የሆዋ ንሰይጣን፡ ንንጽህናኻ ኺፍትኖ ፈቒዱሉ ኣሎ። ንጽህናኻ ኽትሕሉ ኸም እትኽእልን ሰይጣን ሓሳዊ ምዃኑ ኸተርኢ ኸም እትኽእልን ድማ ይተኣማመነልካ እዩ። ከምኡ ኽትገብር ከለኻ ኸም ዚሕግዘካ ድማ ቃል ኣትዩልካ ኣሎ። (እብ. 13:6) እቲ ልዑላዊ ጐይታ ኺኣምነካስ ዓብዪ ኽብሪ ደይኰነን፧ እሞኸ ንጽህናኻ ምሕላው ዘለዎ ኣገዳስነትሲ ተገንዚብካዮዶ፧ ንጽህናና ምሕላውና፡ ሰይጣን ሓሳዊ ምዃኑ መረጋገጺ ንምሃብ፡ ነቲ ጽቡቕ ስም ኣቦና ንምድጋፍ፡ ኣብ ጐድኒ ኣገዛዝኣ ኣምላኽ ድማ ንምቛም የኽእለና እዩ። እሞ ደኣ ንጽህናና ንምሕላው እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

ኣብዚ እዋን እዚ ኸመይ ጌርና ኢና ንጽህናና እንሕሉ፧

11. ካብ እዮብ እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧

11 ኣብዚ ጽንኩር “ዳሕሮት መዓልትታት” እዚ፡ ሰይጣን መጥቃዕትታቱ ኣሐዪሉ ኣሎ። (2 ጢሞ. 3:1) እሞ ደኣ ኣብ ከምዚ ዝበለ ጸልማት እዋን፡ ንጽህናና ንምሕላው ኸመይ ጌርና ኢና ኽንብርትዕ እንኽእል፧ ካብ እዮብ ብዙሕ ክንምሃር ንኽእል ኢና። እዮብ ገና ፈተናታት ከየጋጠሞ ኸሎ፡ ብዙሕ ሳዕ ንጽህናኡ ይሕሉ ነይሩ እዩ። ንጽህናና ንምሕላው ዝገበርናዮ ቘራጽነት ንምድልዳል፡ ካብኡ ኽንምሃሮ እንኽእል ሰለስተ ትምህርቲ እስከ ንርአ።

ገለ ኻብቲ ነቲ ንጽህናና ንምሕላው እንገብሮ ቘራጽነት ከነደልድለሉ እንኽእል መገድታት እንታይ እዩ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 12 ርአ) *

12. (ሀ) ኣብ እዮብ 26:7, 8, 14 ተጠቒሱ ኸም ዘሎ፡ እዮብ ንየሆዋ ፍርሃትን ኣኽብሮትን ዘማዕበለ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ንሕና ኸመይ ጌርና ኢና ንኣምላኽ ኣኽብሮታዊ ፍርሃት ከነማዕብል እንኽእል፧

12 እዮብ ብዛዕባ የሆዋ ኣኽብሮታዊ ፍርሃት ብምሕዳር፡ ንዕኡ ዘላቶ ፍቕሪ ኣሐዪሉ እዩ። እወ፡ ብዛዕባ እቲ ድንቂ ፍጥረታት የሆዋ የስተንትን ነይሩ እዩ። (እዮብ 26:7, 8, 14 ኣንብብ።) ብዛዕባ ምድርን ሰማይን ደበናን ነጕድን ኪሓስብ ከሎ፡ ልቡ ብኣኽብሮታዊ ፍርሃት ተመሊኡ እዩ። ይኹን እምበር፡ ብዛዕባ እቲ ሰፊሕ ፍጥረታት የሆዋ ኣመና ሒደት ከም ዚፈልጥ ይርድኦ ነይሩ እዩ። ንቓል የሆዋ እውን ኣኽብሮት ነይርዎ እዩ። ስለዚ ኸኣ እዩ ብዛዕባ ቓል ኣምላኽ ኪዛረብ ከሎ፡ “ቃሉ . . . ዓቚረዮ” ዝበለ። (እዮ. 23:12) እቲ እዮብ ንየሆዋ ዝነበሮ ፍርሃትን ኣኽብሮትን ድራኸ ኣሕዲሩሉ እዩ። ንኣቦኡ የፍቅሮ ነይሩ እዩ፣ ባህ ኬብሎ እውን ይደሊ ነይሩ እዩ። በዚ ኸምዚ ድማ፡ እቲ እዮብ ንጽህናኡ ንምሕላው ዝገበሮ ቘራጽነት እናደልደለ ኸይዱ እዩ። ንሕና እውን ከምቲ እዮብ ዝገበሮ ኽንገብር ኣሎና። ብዛዕባ ድንቂ ፍጥረታት ኣምላኽ ካብቶም ብግዜ እዮብ ዝነበሩ ሰባት ንላዕሊ ንፈልጥ ኢና። ንየሆዋ ብዝያዳ ኽንፈልጦ ዜኽእለና ብድራኸ መንፈስ እተጻሕፈ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ኣሎና። እቲ ዅሉ እንፈልጦ ነገራት፡ ንልብና ብኣኽብሮታዊ ፍርሃት ኪመልኦ ይኽእል እዩ። ንየሆዋ ዘሎና ፍርሃትን ኣኽብሮትን ብተራኡ ኸኣ፡ ከነፍቅሮን ክንእዘዞን ይድርኸና፡ ንጽህናና ኽንሕሉ እውን ብርቱዕ ድሌት የሕድረልና እዩ።—እዮ. 28:28

ካብ ስእለ ጽዩፍ ብምርሓቕ: ንጽህናና ንምሕላው ዝገበርናዮ ቘራጽነት ከነደልድል ንኽእል ኢና (ሕጡብ ጽሑፍ 13 ርአ) *

13-14. (ሀ) ኣብ እዮብ 31:1 ተሓቢሩ ኸም ዘሎ፡ እዮብ እዙዝ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ከመይ ጌርና ኢና ኣብነት እዮብ ክንስዕብ እንኽእል፧

13 እዮብ ኣብ ኵሉ እዙዝ ብምዃን፡ ንጽህናኡ ንምሕላው ዝነበሮ ቘራጽነት ኣደልዲሉ እዩ። ንጽህናኡ ኺሕሉ እንተ ዀይኑ፡ እዙዝ ኪኸውን ከም ዘለዎ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ብተኣዛዝነት ብእተመላለስና መጠን፡ ንጽህናና ንምሕላው ዘሎና ቘራጽነት እናደልደለ እዩ ዚኸይድ። እዮብ ከኣ ኣብ መዓልታዊ ህይወቱ ንኣምላኽ እዙዝ ንምዃን ይጽዕር ነይሩ እዩ። ንኣብነት፡ ምስ ኣንጻር ጾታ ኣብ ዝነበሮ ርክብ ጥንቁቕ እዩ ነይሩ። (እዮብ 31:1 ኣንብብ።) ምርዑው ስለ ዝነበረ፡ ካብ ሓዳሩ ወጻኢ ንዝዀነት ትኹን ሰበይቲ ብዓይኒ ጾታዊ ፍቕሪ ኺጥምት ከም ዘይብሉ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ሎሚ፡ ብጾታዊ ፈተናታት ንድብደብ ኢና ዘለና። እሞኸ ኸም እዮብ፡ ካብ ሓዳርና ወጻኢ ዘይግቡእ ቈላሕታ ኸይንገብር ንጥንቀቕ ዲና፧ ብዝዀነ ይኹን መገዲ ብዕሉግ ምስልታት ወይ ስእለ ጽዩፍ ከይንርኢኸ ቘሪጽና ዲና፧ (ማቴ. 5:28) በዚ ኸምዚ መዓልቲ መዓልቲ ርእስና ንገትእ እንተ ዄንና፡ ንጽህናና ንምሕላው ዝገበርናዮ ቘራጽነት እናደልደለ ኪኸይድ እዩ።

ብዛዕባ ስጋዊ ጥሪት ሚዛናዊ ኣረኣእያ ብምሓዝ: ንጽህናና ንምሕላው ዝገበርናዮ ቘራጽነት ከነደልድል ንኽእል ኢና (ሕጡብ ጽሑፍ 14 ርአ) *

14 እዮብ በቲ ብዛዕባ ስጋዊ ጥሪት ዘለዎ ኣረኣእያ ኣቢሉ እውን ንየሆዋ ይእዘዞ ነይሩ እዩ። እምንቶኡ ኣብ ጥሪቱ እንተ ዚገብር ነይሩ፡ እዚ ዜቕጽዕ ከቢድ ስሕተት ከም ዝዀነ ገሊጹ እዩ። (እዮ. 31:24, 25, 28) ሎሚ፡ ብፍቕረ ንዋይ ኣብ ዝመልአት ዓለም ኢና እንነብር ዘለና። ግናኸ፡ ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝመዓደና፡ ብዛዕባ ገንዘብን ጥሪትን ሚዛናዊ ኣረኣእያ እንተ ሒዝና፡ ንጽህናና ንምሕላው ዘሎና ቘራጽነት ከነደልድል ኢና።—ምሳ. 30:8, 9፣ ማቴ. 6:19-21

ተስፋና ህያው ብምግባር፡ ንጽህናና ንምሕላው ዝገበርናዮ ቘራጽነት ከነደልድል ንኽእል ኢና (ሕጡብ ጽሑፍ 15 ርአ) *

15. (ሀ) እዮብ ኣብ ምንታይ ዓስቢ ብምትኳሩ እዩ ንጽህናኡ ኺሕሉ ዝኸኣለ፧ (ለ) ኣብቲ የሆዋ ዝሃበና ተስፋ ምትኳርና ስለምንታይ እዩ ኺሕግዘና ዚኽእል፧

15 እዮብ ኣብቲ ኣምላኽ ዚህቦ ዓስቢ ብምትኳሩ፡ ንጽህናኡ ሓልዩ እዩ። ኣምላኽ ብንጽህናኡ ኸም ዚግደስ ይኣምን ነይሩ እዩ። (እዮ. 31:6) ፈተናታት እኳ እንተ ኣጋጠሞ፡ ኣብ መወዳእታኡ የሆዋ ዓስቡ ኸም ዚህቦ ይተኣማመን ነይሩ እዩ። እቲ እምንቶኡ ኸኣ፡ ንጽህናኡ ንምሕላው ሓጊዝዎ ኪኸውን ኣለዎ። የሆዋ ድማ ብንጽህና እዮብ ብዙሕ ደስ ስለ ዝበሎ፡ ዋላ እውን እዮብ ገና ዘይፍጹም ሰብ ከሎ ብዙሕ ዓስቢ ሂብዎ እዩ። (እዮ. 42:12-17፣ ያእ. 5:11) እዮብ ብሕጂ እውን ዝዓበየ ዓስቢ ኺረክብ እዩ። ንስኻኸ የሆዋ ብምኽንያት ንጽህናኻ ዓስብኻ ኸም ዚህበካ ሓያል ተስፋ ኣሎካ ድዩ፧ ኣምላኽና ኣይተለወጠን። (ሚል. 3:6) ንንጽህናና ኣኽቢሩ ኸም ዚርእዮ እንተ ዘኪርና፡ እቲ ብዛዕባ ብሩህ መጻኢ ዘሎና ተስፋ ኣብ ልብና ህያው ኪኸውን እዩ።—1 ተሰ. 5:8, 9

16. እንታይ ንምግባር ኢና ኽንቈርጽ ዘሎና፧

16 እምበኣር፡ ወትሩ ንጽህናኻ ንምሕላው ቈራጽነት ግበር! ሓድሓደ ግዜ፡ ኣብዛ መገዲ እዚኣ በይንኻ ዝዀንካ ዀይኑ ኺስምዓካ ይኽእል እዩ። ግናኸ፡ በይንኻ ኣይኰንካን። ኣብ ብዘላ ዓለም፡ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ንጽህናኦም ዚሕልዉ ሰባት በዛ መገዲ እዚኣ ይመላለሱ ኣለዉ። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ፡ እቶም ኣብ ዝሓለፈ እዋን ንሞት እኳ ኸይፈርሁ ንጽህናኦም ዝሓለዉ ናይ እምነት ሰብኡትን ኣንስትን በዛ መገዲ እዚኣ ተመላሊሶም እዮም። (እብ. 11:36-38፣ 12:1) እምበኣር፡ ኵላትና ኸም እዮብ፡ “ንጽህናይ ኣይሓድግን እየ!” ዚብል ቈራጽነት ይሃልወና። ንጽህናና እውን ንዘለኣለም ንየሆዋ ኽብሪ የምጽኣሉ!

መዝሙር 124 እሙናት ንኹን

^ ሕ.ጽ. 5 ንጽህና ምሕላው ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ የሆዋ ነዛ ባህርይ እዚኣ ኣኽቢሩ ዚርእያ ስለምንታይ እዩ፧ ንጽህና ንነፍሲ ወከፍና ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ነዚ ሕቶታት እዚ ዚኸውን መጽሓፍ ቅዱሳዊ መልሲ ኽትህበና እያ። መዓልቲ መዓልቲ ንጽህናና ንምሕላው ከመይ ጌርና ገዛእ ርእስና ኸነደልድል ከም ዘሎና እውን ብንጹር ከተርእየና እያ። ከምኡ እንተ ጌርና፡ ብዙሕ በረኸት ክንረክብ ኢና።

^ ሕ.ጽ. 3 እታ ምስ እንስሳ ብዚተሓሓዝ “ጥዑይ” ተባሂላ እተተርጐመት ናይ እብራይስጢ ቓል ምስታ ምስ ሰባት ብዚተሓሓዝ “ንጽህና” ተባሂላ እተተርጐመት ቃል ትዛመድ እያ።

^ ሕ.ጽ. 50 መግለጺ ስእሊ፦ እዮብ ንገሊኦም ደቁ ብዛዕባ ድንቂ ፍጥረታት የሆዋ ይምህሮም።

^ ሕ.ጽ. 52 መግለጺ ስእሊ፦ ሓደ ሓው ምስቶም ስእለ ጽዩፍ ዚርእዩ መሳርሕቱ ምጽምባር ይኣቢ።

^ ሕ.ጽ. 54 መግለጺ ስእሊ፦ ሓደ ሓው ዋጋኣ ልዕሊ ዓቕሙ ዝዀነት ዘይተድልዮ ዓባይ ተለቪዥን ኪዕድግ ዚግበረሉ ጸቕጢ ይጻረር።

^ ሕ.ጽ. 56 መግለጺ ስእሊ፦ ሓደ ሓው ብዛዕባ ገነት ብጸሎት የስተንትን።