ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 7

ዓቕሊ ድለ እሞ ንየሆዋ ባህ ኣብሎ

ዓቕሊ ድለ እሞ ንየሆዋ ባህ ኣብሎ

“ኣቱም . . . ዓቃላት ምድሪ ዅላትኩም፡ ንየሆዋ ድለይዎ። . . . ዓቕሊ ድለዩ።”—ጸፎ. 2:3

መዝሙር 80 “የሆዋ ሕያዋይ ምዃኑ ጥዓሙን ርኣዩን”

መላለዪ *

1-2. (ሀ) ሙሴ ብኸመይ ተገሊጹ ኣሎ፧ እንታይከ እዩ ገይሩ፧ (ለ) ዓቕሊ ንምምዕባል ዚድርኸና እንታይ ምኽንያት ኣሎና፧

መጽሓፍ ቅዱስ ንሙሴ፡ “ኣብ ልዕሊ ገጽ ምድሪ ኻብ ዝነበረ ሰብ ኵሉ፡ ዓቃል ነበረ” ኢሉ ይገልጾ እዩ። (ዘሁ. 12:3) ከምኡ ኺብሃል ከሎ ግና፡ ካልኦት ኪጻረርዎ ኸለዉ ምላሽ ንምሃብ ዚፈርህ ድኹም ነይሩ ማለት ድዩ፧ ገሊኦም ሰባት ንሓደ ዓቃል ሰብ ከምኡ ገይሮም ይርእይዎ ይዀኑ። እዚ ግና ቅኑዕ ኣይኰነን። ሙሴ ሓያልን ቈራጽን ተባዕን ኣገልጋሊ ኣምላኽ እዩ ነይሩ። ብሓገዝ የሆዋ ኸኣ፡ ምስቲ ብርቱዕ ገዛኢ ግብጺ ተፋጢጡ፡ ኣስታት 3,000,000 ዚዀኑ ሰባት ኣብ ምድረ በዳ መሪሑ፡ ንህዝቢ እስራኤል ድማ ንጸላእቶም ኪስዕሩ ሓጊዝዎም እዩ።

2 ከምቲ ንሙሴ ዘጋጠሞ ዓይነት ብድሆታት ኣየጋጥመናን እዩ፣ መዓልቲ መዓልቲ ግና ንዓቕልና ዚፍትኑ ሰባትን ኵነታትን የጋጥሙና እዮም። ኰይኑ ግና፡ ነዛ ባህርይ እዚኣ ንምምዕባል ዚድርኸና ሓያል ምኽንያት ኣሎና። ከመይሲ፡ የሆዋ፡ “ዓቃላት . . . ንምድሪ ኺርስተይዋ እዮም” ኢሉ ኣተስፍዩ እዩ። (መዝ. 37:11) እሞኸ ዓቃል ከም ዝዀንካ ዲኻ እትኣምን፧ ካልኦትከ ዓቃል ከም ዝዀንካ ገይሮም ድዮም ዚርእዩኻ፧ ነዚ ኣገዳሲ ሕቶታት እዚ ቕድሚ ምምላስና፡ ዓቃል ምዃን ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት ምዃኑ ኽንፈልጥ ኣሎና።

ዓቕሊ እንታይ እያ፧

3-4. (ሀ) ዓቕሊ ምስ ምንታይ ክትመሳሰል ትኽእል፧ (ለ) ዓቃላት ክንከውን እንተ ዄንና፡ እንታይ ኣርባዕተ ባህርያት የድልየና፧ ስለምንታይከ፧

3 ዓቕሊ * ምስ ሓንቲ ጽብቕቲ ስእሊ ኽትመሳሰል ትኽእል እያ። ብኸመይ፧ ከምቲ ሓደ ሰኣሊ ብሓያሎ ማራኺ ሕብርታት ገይሩ ጽቡቕ ስእሊ ዚስእል፡ ንሕና እውን ብእተፈላለየ ማራኺ ባህርያት ጌርና ኢና ዓቃላት እንኸውን። ገለ ኻብቲ ጐሊሑ ዚርአ ባህርያት ከኣ ትሕትና፡ ተገዛእነት፡ ልእመት፡ ሓቦ ኺጥቀስ ይከኣል። ንየሆዋ ባህ ከነብሎ ንደሊ እንተ ዄንና፡ ስለምንታይ እዩ እዚ ባህርያት እዚ ዜድልየና፧

4 ትሑታት ሰባት ጥራይ እዮም ንፍቓድ ኣምላኽ ዚግዝኡ። ሓደ ኻብቲ ፍቓዱ ኸኣ፡ ንሕና ልኡማት ክንከውን እዩ። (ማቴ. 5:5፣ ገላ. 5:23) ፍቓድ ኣምላኽ ክንገብር ከለና ድማ፡ ሰይጣን ይንድር እዩ። ስለዚ፡ ትሑታትን ልኡማትን እኳ እንተ ዀንና፡ ክፍሊ እዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ዝዀኑ ብዙሓት ሰባት ይጸልኡና እዮም። (ዮሃ. 15:18, 19) በዚ ምኽንያት እዚ፡ ንሰይጣን ንምጽራር ሓቦ ኽንገብር ኣሎና።

5-6. (ሀ) ሰይጣን ንዓቃላት ዚጸልኦም ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንምርምር፧

5 ሓደ ሰብ ዓቃል እንተ ዘይኰይኑ፡ ዕቡይን ቍጡዕን ንየሆዋ ዘይእዘዝን እዩ ዚኸውን። እዚ ባህርያት እዚ ንሰይጣን ጽቡቕ ገይሩ ይገልጾ እዩ። ስለዚ ድማ እዩ ንዓቃላት ዚጸልኦም። ከመይሲ፡ ንሳቶም ነቲ ኣብ ባህርዩ ዘሎ ጕድለት የቃልዕዎ እዮም። ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ንሱ ሓሳዊ ምዃኑ መረጋገጺ የቕርቡ እዮም። ስለምንታይ ከምኡ እንብል፧ ምኽንያቱ፡ ሰይጣን ዝበለ እኳ እንተ በለ ወይ ዝጸዓረ እኳ እንተ ጸዓረ፡ ንዓቃላት ሰባት፡ ንየሆዋ ኻብ ምግልጋል ደው ኬብሎም ኣይክእልን እዩ።—እዮ. 2:3-5

6 ዓቃላት ንምዃን መዓስ እዩ ኪኸብደና ዚኽእል፧ ስለምንታይከ ኢና ወትሩ ዓቕሊ ኽንደሊ ዘሎና፧ ነዚ ሕቶታት እዚ ንምምላስ፡ ነቲ ሙሴን ኣብ ባቢሎን ዝነበሩ ሰለስተ ምሩኻት እብራውያንን የሱስን ዝሓደግዎ ኣብነታት ክንምርምር ኢና።

መዓስ እዩ ዓቃላት ምዃን ኪኸብደና ዚኽእል፧

7-8. ሙሴ ብሰባት ምስ ተናዕቀ፡ እንታይ እዩ ገይሩ፧

7 ስልጣን ኪውሃበና ኸሎ፦ ስልጣን ንዘለዎም ሰባት ዓቃላት ምዃን ኪኸብዶም ይኽእል እዩ። ምናዳ ኸኣ ኣብ ትሕቲኦም ዘሎ ሰብ፡ ንዕቀት ምስ ዜርእዮም ወይ ንውሳነኦም ኣብ ሕቶ ምስ ዜእትዎ፡ ዓቕሎም ይፍተን እዩ። ከምኡ ኣጋጢሙካዶ ይፈልጥ፧ ሓደ ኣባል ስድራ ቤትካ ኸምኡ እንተ ገይሩ፡ እንታይ ኢኻ እትገብር፧ ሙሴ ኣብ ከምዚ ዝበለ ዅነታት እንታይ ከም ዝገበረ እስከ ንርአ።

8 የሆዋ ንሙሴ፡ መራሒ እስራኤል ገይሩ ሸይምዎ፡ እቲ ህዝቢ ንዚምርሓሉ ሕግታት ኪምዝግብ እውን ፈቒዱሉ እዩ። የሆዋ ንሙሴ ይድግፎ ምንባሩ ኸኣ ዋላ ሓንቲ ኣየጠራጥርን እዩ። ይኹን እምበር፡ ሚርያም ሓብቱን ኣሮን ሓዉን ብምኽንያት ሰበይቱ ነቒፎምዎ እዮም። ከምቲ ናይ ሙሴ ዓይነት ስልጣን ዝሓዙ ገሊኦም ሰባት በዚ ምተቘጥዑን ቂም ምሓዙን ነይሮም፣ ሙሴ ግና ከምኡ ኣይገበረን። ብቐሊሉ ኣይተቐየሞምን። መሕልፎ እኳ ደኣስ፡ የሆዋ ንሚርያም ምእንቲ ኺምሕራ ለሚኑላ እዩ። (ዘሁ. 12:1-13) ስለምንታይ እዩ ሙሴ ኸምኡ ዝገበረ፧

የሆዋ ንሚርያም ምእንቲ ኺምሕራ፡ ሙሴ ለመነላ (ሕጡብ ጽሑፍ 8 ርአ)

9-10. (ሀ) የሆዋ ንሙሴ ብኸመይ እዩ ዝመሃሮ፧ (ለ) ርእስታት ስድራ ቤትን ሽማግለታትን ካብ ሙሴ እንታይ ኪምሃሩ ይኽእሉ፧

9 ሙሴ ብየሆዋ ኺስልጥን ፍቓደኛ እዩ ነይሩ። ኣስታት 40 ዓመት ኣቐዲሙ፡ ኣባል ቤተ ሰብ ንጉስ ግብጺ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ዓቃል ኣይነበረን። እኳ ደኣስ፡ ቍጡዕ ብምንባሩ፡ ንሓደ ኺገፍዕ ዝረኣዮ ሰብ ቀቲልዎ እዩ። ነቲ ተግባሩ ድማ የሆዋ ዚሰማምዓሉ ይመስሎ ነይሩ እዩ። ይኹን እምበር፡ የሆዋ ንሙሴ፡ ንእስራኤላውያን ንምምራሕ ካብ ትብዓት ንላዕሊ ኸም ዜድልዮ ንምምሃር 40 ዓመት ኣሕሊፉ እዩ፣ እወ፡ ዓቕሊ ተድልዮ ነይራ እያ። ዓቃል ንምዃን ከኣ፡ ትሑትን ተገዛእን ልኡምን ኪኸውን ነይርዎ። ነዚ ትምህርቲ እዚ ኣጸቢቑ ስለ እተማህሮ ድማ፡ ብሉጽ መራሒ ዀይኑ እዩ።—ዘጸ. 2:11, 12፣ ግብ. 7:21-30, 36

10 ሎሚ ርእስታት ስድራ ቤትን ሽማግለታትን ኣብነት ሙሴ ኺስዕቡ ኣለዎም። እምበኣር፡ ካልእ ሰብ ምስ ዚንዕቀካ፡ ብቐሊሉ ኣይትቀየም። ጕድለታትካ ኸኣ ብትሕትና ተኣመን። (መክ. 7:9, 20) ነቲ ብዛዕባ ኣፈታትሓ ጸገማት ዚገልጽ መምርሒ የሆዋ ድማ ብተገዛእነት ስዓብ። ምላሽካ ኸኣ ወትሩ ልኡም ይኹን። (ምሳ. 15:1) ከምኡ ዚገብሩ ርእስታት ስድራ ቤትን ሽማግለታትን ንየሆዋ ባህ የብልዎ፡ ዓቃላት ብምዃን ከኣ ኣብነት ይዀኑ እዮም።

11-13. እቶም ሰለስተ እብራውያን እንታይ ኣብነት እዮም ሓዲጎም፧

11 ክንስጐጕ ከለና፦ ኣብ ምሉእ ታሪኽ ወዲ ሰብ፡ ሰብኣውያን ገዛእቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ የሆዋ መስጐጕቲ ኣውሪዶም እዮም። ከምኡ ንምግባር ከኣ፡ ብእተፈላለየ “ገበናት” ይኸስሱና ይዀኑ፣ እቲ ናይ ሓቂ ጕዳይ ግና፡ “ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ . . . ክንእዘዝ” ስለ ዝወሰንና እዩ። (ግብ. 5:29) በዚ ምኽንያት እዚ፡ ላግጺ፡ ማእሰርቲ፡ ካብኡ ሓሊፉ እውን ማህረምቲ የጋጥመና ይኸውን። ብሓገዝ የሆዋ ግና፡ ኣብ ኵሉ እቲ ፈተና ብልእመት ደኣ ኽንመላለስ ኢና እምበር፡ ሕነ ኣይክንፈድን ኢና።

12 ሓናንያን ሚሻኤልን ዓዛርያን ዚብሃሉ ሰለስተ ምሩኻት እብራውያን ዝሓደጉልና ኣብነት እስከ ንርአ። * ንጉስ ባቢሎን ነዞም ሰለስተ እብራውያን፡ ንሓደ ዓብዪ ምስሊ ወርቂ ኺሰግዱ ኣዘዞም። ንሳቶም ከኣ ነቲ ምስሊ ኸም ዘይሰግዱሉ ብልኡም ቃል መለሱሉ። እቲ ንጉስ ኣብ ጕሁር እቶን ከም ዚድርበዩ እኳ እንተ ኣጕባዕብዓሎም፡ ንሳቶም ግና ካብቲ ንኣምላኽ ዝነበሮም ተገዛእነት ፈልከት ኣይበሉን። የሆዋ ነቶም ሰባት እቲኦም ብኡብኡ ኣድሒንዎም እዩ፣ ኣብቲ ግዜ እቲ ኸም ዜድሕኖም ግና ርግጸኛታት ኣይነበሩን። ኣብ ክንዳኡስ፡ የሆዋ ዝፈቐዶ ዅሉ ኪቕበሉ ተዳልዮም እዮም ነይሮም። (ዳን. 3:1, 8-28) በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ዓቃላት ዘበሉ ሰባት ብሓቂ ተባዓት ምዃኖም ኣርእዮም እዮም። እወ፡ ንጉስ ኰነ፡ ምፍርራህ ኰነ፡ ወይ መቕጻዕቲ ኻብቲ ንየሆዋ ‘በይኑ ተወፋይነት’ ንምሃብ ዘሎና መትከል ፈልከት ኬብለና ኣይክእልን እዩ።—ዘጸ. 20:4, 5

13 እሞኸ ንኣምላኽ ዘሎና ተኣማንነት ምስ ዚፍተን፡ ከመይ ጌርና ኢና ነቶም ሰለስተ እብራውያን ክንመስሎም እንኽእል፧ ብትሕትና ንመላለስን የሆዋ ኸም ዚሓልየልና እምንቶ ነሕድርን ኢና። (መዝ. 118:6, 7) ነቶም ክፉእ ከም እንገብር ዚኸስሱና ድማ ብልእመትን ብኣኽብሮትን ንምልሰሎም ኢና። (1 ጴጥ. 3:15) ምስቲ ፈቃር ኣቦና ኣብ ዘሎና ዕርክነት ግና ከቶ ኣይንለማለምን ኢና።

ሰባት ኪጻረሩና ኸለዉ፡ ብኣኽብሮት ኢና ምላሽ እንህብ (ሕጡብ ጽሑፍ 13 ርአ)

14-15. (ሀ) ውጥረት ኪስምዓና ኸሎ፡ ጠባይና እንታይ ኪኸውን ይኽእል፧ (ለ) ብመሰረት ኢሳይያስ 53:7, 10፡ ኣብ ትሕቲ ውጥረት ዓቃል ብምዃን ዝመጸ፡ የሱስ ብሉጽ ኣብነት እዩ እንብል ስለምንታይ ኢና፧

14 ውጥረት ኪስምዓና ኸሎ፦ ኵላትና ብእተፈላለየ ምኽንያት ውጥረት ይስምዓና እዩ። ብሰንኪ እቲ ኣብ ቤት ትምህርትና ዚውሃበና ፈተና ወይ ኣብ ስራሕ ዚውሃበና ዕዮ፡ ውጥረት ይስምዓና ይኸውን። ወይ ድማ ሓደ ሕክምና ኸም ዜድልየና ምስ ፈለጥና፡ ብዛዕባኡ ምሕሳብ ጥራይ የጨንቐና ይኸውን። ውጥረት ኣብ ዚስምዓና እዋን፡ ዓቃላት ምዃን ይኸብደና እዩ። ኣብ ንቡር ግዜ ዘየጸግመና ዝነበረ ነገራት፡ ኬበሳጭወና ይጅምር ይኸውን። ዘረባና ተሪር፡ ኣዘራርባና እውን ገታር ኪኸውን ይኽእል እዩ። እምበኣር፡ ውጥረት እንተ ተሰሚዑካ፡ ነቲ የሱስ ዝሓደጎ ኣብነት ዘክር።

15 የሱስ ኣብተን ኣብ ምድሪ ዝነበረለን ናይ መወዳእታ ኣዋርሕ፡ ብርቱዕ ውጥረት ነይርዎ እዩ። ኪቕተልን ብዙሕ ኪሳቐን ምዃኑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (ዮሃ. 3:14, 15፣ ገላ. 3:13) ካብቲ ዝሞተሉ እዋን ሒደት ኣዋርሕ ኣቐዲሙ፡ ከም ዝጸበቦ ገሊጹ ነይሩ እዩ። (ሉቃ. 12:50) ሒደት መዓልትታት ኣቐዲሙ ድማ፡ “ተረቢሸ ኣለኹ” ኢሉ ተዛሪቡ ነይሩ እዩ። “ኣቦ፡ ካብዛ ሰዓት እዚኣ ኣድሕነኒ። ግናኸ፡ ምእንቲ እዚ እየ ናብዛ ሰዓት እዚኣ ዝመጻእኩ። ኣቦ፡ ንስምካ ኣኽብሮ” ኢሉ ስምዒታቱ ብጸሎት ኪገልጽ ከሎ ኸኣ፡ ትሕትናኡን ንኣምላኽ ዘለዎ ተገዛእነትን ክንርኢ ንኽእል ኢና። (ዮሃ. 12:27, 28) ግዜኡ ምስ ኣኸለ፡ የሱስ ንገዛእ ርእሱ ኣብ ኢድ ጸላእቲ ኣምላኽ ኣሕሊፉ ሃበ፣ ንሳቶም ድማ ኣዝዩ ብዜሳቕን ብዜዋርድን መገዲ ቐተልዎ። እዚ ዅሉ ውጥረትን መከራን ጾይሩ ኽነሱ፡ ብዓቕሊ ፍቓድ ኣምላኽ ገይሩ እዩ። እምበኣር፡ ኣብ ትሕቲ ውጥረት ዓቃል ብምዃን ዝመጸ፡ የሱስ ብሉጽ ኣብነት ይዀነና እዩ።—ኢሳይያስ 53:7, 10 ኣንብብ።

ዓቃል ብምዃን ዝመጸ፡ የሱስ ብሉጽ ኣብነት ይዀነና እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 16-17 ርአ) *

16-17. (ሀ) ከመይ ገይሮም እዮም ኣዕሩኽ የሱስ ንዓቕሉ ዝፈተንዎ፧ (ለ) ከመይ ጌርና ኢና ኣብነት የሱስ ክንስዕብ እንኽእል፧

16 ኣብታ የሱስ ኣብ ምድሪ ዝነበረላ ናይ መወዳእታ ምሸት፡ ናይ ቀረባ ኣዕሩኹ ንዓቕሉ ፈቲኖምዎ እዮም። የሱስ በታ ምሸት እቲኣ ዚስምዖ ዝነበረ ውጥረት እሞ ገምቶ። ክሳዕ ሞት እሙን ኪኸውን እንተ ዀይኑ፡ የተሓሳስቦ ነይሩ እዩ። እዚ ንህይወት ቢልዮናት ሰባት ዚጸሉ እዩ ነይሩ። (ሮሜ 5:18, 19) ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ንስም ኣቦኡ ዚትንኪ እዩ ነይሩ። (እዮ. 2:4) ሽዑ፡ ምስቶም ናይ ቀረባ ኣዕሩኹ ኣብ ዝገበሮ ናይ መወዳእታ ድራር፡ እቶም ሃዋርያቱ “መኖም ዝዓበየ ኸም ዝዀነ፡” “ብርቱዕ ክርክር” ኪገብሩ ጀመሩ። የሱስ ንኣዕሩኹ፡ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ብዙሕ ሳዕ ኣሪምዎም ነይሩ እዩ፣ በታ ምሸት እቲኣ እኳ ኣቐዲሙ ኣሪምዎም ነይሩ እዩ! ኰይኑ ግና፡ በቲ ጕዳይ ምስ ተኸራኸሩ፡ የሱስ በዚ ኣይተበሳጨወን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ልኡም ምላሽ እዩ ሂቡ። እንታይ ዓይነት ኣረኣእያ ኺህልዎም ከም ዚግባእ፡ ከም ብሓድሽ፡ ብለውሃት ግናኸ ብጽኑዕ ገለጸሎም። ድሕሪኡ፡ ብተኣማንነት ምስኡ ስለ ዝለገቡ፡ ነኣዶም።—ሉቃ. 22:24-28፣ ዮሃ. 13:1-5, 12-15

17 ተመሳሳሊ ዅነታት እንተ ዜጋጥመካ፡ እንታይ ምገበርካ፧ ኣብነት የሱስ ብምስዓብ፡ ኣብ ትሕቲ ውጥረት እውን ከይተረፈ ልኡማት ክንከውን ንኽእል ኢና። ንየሆዋ ተገዛእቲ ብምዃን እውን ነቲ “ንሓድሕድኩም ተዓጋገሱ” ኢሉ ዝሃበና ትእዛዝ ክንእዘዞ ንኽእል ኢና። (ቈሎ. 3:13) ኵላትና ንኻልኦት ዜበሳጭዎም ነገር ከም እንዛረብን ከም እንገብርን ምዝካርና፡ ነዚ ትእዛዝ እዚ ንምትግባር ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። (ምሳ. 12:18፣ ያእ. 3:2, 5) ኣብ ካልኦት እንርእዮ ጽቡቕ ነገር ክንጠቅስ እንተ ጽዒርና እውን፡ ሓጋዚ ኪኸውን ይኽእል እዩ።—ኤፌ. 4:29

ስለምንታይ ኢና ወትሩ ዓቕሊ ኽንደሊ ዘሎና፧

18. የሆዋ ንዓቃላት፡ ጽቡቕ ውሳነታት ኪገብሩ ዚሕግዞም ብኸመይ እዩ፧ ንሳቶም ግና እንታይ ኪገብሩ ኣለዎም፧

18 ዝሓሸ ውሳነታት ክንገብር ኢና። ኣብ ህይወትና ኣጸጋሚ ዅነታት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ጽቡቕ ውሳነታት ንምግባር የሆዋ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ፣ ግናኸ፡ ዓቃላት እንተ ዄንና ጥራይ እዩ ዚሕግዘና። “ልማኖ ዓቃላት” ከም ዚሰምዕ ቃል ኣትዩልና ኣሎ። (መዝ. 10:17) ልማኖና ኻብ ምስማዕ ንላዕሊ እውን ኪገብር እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “[የሆዋ] ንዓቃላት ብቕኑዕ ኪመርሖም፡ ንዓቃላት ከኣ መገዱ ኺምህሮም እዩ” ኢሉ የተስፍወና እዩ። (መዝ. 25:9) የሆዋ ብመጽሓፍ ቅዱስን ብጽሑፋትናን * በቲ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ዜዳልዎ መደባትን ኣቢሉ ነቲ መምርሒ እቲ ይህበና እዩ። (ማቴ. 24:45-47) ንሕና ድማ ሓገዝ ከም ዜድልየና ብትሕትና ብምእማንን ነቲ የሆዋ ዚህበና ጽሑፋት ብምጽናዕን ነቲ እተምሃርናዮ ብተገዛእነት ኣብ ግብሪ ብምውዓልን እጃምና ኽንገብር ኣሎና።

19-21. ሙሴ ኣብ ቃዴስ እንታይ ጌጋ እዩ ዝገበረ፧ ካብኡኸ እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧

19 ካብ ጌጋታት ክንስተር ኢና። ብዛዕባ ሙሴ እሞ መሊስና ንሕሰብ። ንሓያሎ ዓመታት ዓቃል ኰይኑ ብምምልላሱ፡ ንየሆዋ ባህ ኣቢልዎ ነይሩ እዩ። ኣብ ኣጋ መወዳእታ እቲ 40 ዓመት ዝወሰደ ጕዕዞ ግና፡ ሙሴ ዓቕሉ ተወድአ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ እታ ኣብ ግብጺ ንህይወቱ ኣብ ምድሓን እጃም ዝነበራ ኽትከውን እትኽእል ሓብቱ ሞይታ ኣብ ቃዴስ ካብ እትቕበር ነዊሕ ኣይገበረን ነይሩ። እስራኤላውያን ከኣ ዜድልዮም ነገራት ከም ዘይተማልኣሎም ብምግላጽ መሊሶም ኬጕረምርሙ ጀመሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኸኣ፡ ማይ ብምስኣኖም “ንሙሴ ተቛየቝዎ።” የሆዋ ብሙሴ ኣቢሉ ብዙሕ ተኣምራት ገይሩ እኳ እንተ ነበረ፡ ሙሴ እውን ብሓልዮት ይመርሖም እኳ እንተ ነበረ፡ እቶም ህዝቢ ግና ኣጕረምረሙ። ብዛዕባ ስእነት ማይ ጥራይ እውን ኣይኰነን ኣጕረምሪሞም፣ ሙሴ ያኢ ብጽምኦም ተሓታቲ ኸም ዝዀነ ገይሮም ብዛዕባኡ እውን ኣጕረምሪሞም እዮም።—ዘሁ. 20:1-5, 9-11

20 ሽዑ፡ ሙሴ ስለ እተቘጥዐ፡ ልኡም ምላሽ ኣይኰነን ሂብዎም። ከምቲ የሆዋ ዝኣዘዞ ብእምነት ነቲ ኸውሒ ኣብ ክንዲ ዚዛረቦ፡ ነቶም ህዝቢ ብምረት እዩ ተዛሪብዎም፣ ባዕሉ ተኣምር ከም ዚገብር ከኣ እዩ ተዛሪብዎም። ድሕሪኡ፡ ነቲ ኸውሒ ኽልተ ሳዕ ወቕዖ፣ ብዙሕ ማይ ከኣ ወጸ። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ብሰንኪ ትዕቢትን ቍጥዓን ከቢድ ጌጋ ገበረ። (መዝ. 106:32, 33) ስለዚ፡ ሙሴ ንእተወሰነ እዋን ዓቃል ብዘይምዃኑ፡ ናብታ ምድሪ ተስፋ ኺኣቱ ኣይተፈቕደሉን።—ዘሁ. 20:12

21 ካብዚ ኣጋጣሚ እዚ፡ ኣገዳሲ ትምህርትታት ንረክብ ኢና። ቀዳማይ፡ ወትሩ ዓቃላት ንምዃን ክንጽዕር ኣሎና። ንእተወሰነ እዋን እኳ ዕሽሽ እንተ ኢልናዮ፡ ትዕቢት መሊሱ ሱር ኪሰድድ እሞ ናይ ዕሽነት ዘረባ ኸም እንዛረብን ናይ ዕሽነት ተግባር ከም እንገብርን ኪገብረና ይኽእል እዩ። ካልኣይ፡ ውጥረት ኬዳኽመና ይኽእል እዩ፣ ስለዚ፡ ኣብ ትሕቲ ጸቕጢ እውን እንተ ዀነ፡ ዓቃላት ንምዃን ክንጽዕር ኣሎና።

22-23. (ሀ) ስለምንታይ ኢና ወትሩ ዓቕሊ ኽንደሊ ዘሎና፧ (ለ) እቲ ኣብ ጸፎንያስ 2:3 ዚርከብ ቃላት እንታይ እዩ ዚሕብር፧

22 ዕቝባ ኽንረክብ ኢና። ኣብ ቀረባ ግዜ፡ የሆዋ ንዅሎም እኩያት ካብ ምድሪ ኼጥፍኦም እዩ፣ ኣብ ምድሪ ድማ ዓቃላት ጥራይ ኪተርፉ እዮም። ሽዑ፡ ኣብ ምድሪ ናይ ሓቂ ሰላም ኪሰፍን እዩ። (መዝ. 37:10, 11) ንስኻኸ ኻብቶም ዓቃላት ክትከውን ዲኻ፧ ነቲ የሆዋ ብነብዪ ጸፎንያስ ኣቢሉ ዘቕረቦ ጻውዒት እንተ ተቐቢልካዮ፡ ካባታቶም ክትከውን ኢኻ።—ጸፎንያስ 2:3 ኣንብብ።

23 ጸፎንያስ 2:3፡ “ምናልባት . . . ትሕብኡ ትዀኑ” እትብል ስለምንታይ እያ፧ ከምኡ ኺብሃል ከሎ፡ የሆዋ ነቶም ባህ ኬብልዎ ዚደልዩን ነቶም ዜፍቅሮምን ኬዕቍቦም ከም ዘይክእል ዜመልክት ኣይኰነን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ዕቝባ ንምርካብ፡ ንሕና እጃምና ኽንገብር ከም ዘሎና እዩ ዚሕብር። ሕጂ ዓቕሊ ኽንደልን ንየሆዋ ባህ ከነብሎን እንተ ጽዒርና፡ ካብ “መዓልቲ ቝጥዓ የሆዋ” ናይ ምድሓንን ንዘለኣለም ናይ ምንባርን ዕድል ኪህልወና እዩ።

መዝሙር 120 ከም ክርስቶስ ልኡማት ንኹን

^ ሕ.ጽ. 5 ዓቃል ኰይኑ ዚውለድ ሰብ የልቦን። ኵላትና ዓቕሊ ኸነማዕብል ኣሎና። ምስ ሰላማውያን ሰባት ኣብ ዘሎና ርክብ ዓቃላት ክንከውን ንኽእል እኳ እንተ ዀንና፡ ዕቡያት ሰባት ኬጓንፉና ኸለዉ ግና ዓቃላት ምዃን ይኸብደና ይኸውን። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ነታ ጽብቕቲ ባህርይ ዝዀነት ዓቕሊ ንምምዕባል እንታይ ብድሆታት ኬጋጥመና ኸም ዚኽእል ትገልጽ።

^ ሕ.ጽ. 3 መግለጺ ቓላት፦ ዓቕሊ። ዓቃላት ሰባት ምስ ካልኦት ኣብ ዘለዎም ርክብ ለዋሃት እዮም፣ ዜቘጥዕ ኵነታት ኬጋጥሞም ከሎ እውን ከይተረፈ ልኡማት እዮም። ትሕትና። ትሑታት ሰባት ኣይዕበዩን እዮም፣ ንኻልኦት ሰባት ካባታቶም ከም ዚበልጹ ገይሮም ይርእይዎም እዮም። ምስ የሆዋ ብእተተሓሓዘ ትሕትና ኽትጥቀስ ከላ ድማ፡ ነቶም ካብኡ ዚትሕቱ ብፍቕርን ብምሕረትን ከም ዚሕዞም ተመልክት።

^ ሕ.ጽ. 12 ባቢሎናውያን ነዞም ሰለስተ እብራውያን ሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን ኢሎም ሰምዮምዎም እዮም።—ዳን. 1:7

^ ሕ.ጽ. 18 ንኣብነት፡ ኣብ ናይ 15 ሚያዝያ 2011 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት፡ “ንኣምላኽ ዜኽብር ውሳነታት ግበር” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

^ ሕ.ጽ. 59 መግለጺ ስእሊ፦ እቶም ደቀ መዛሙርቲ መኖም ከም ዚዓቢ ምስ ተኸራኸሩ፡ የሱስ ብልእመትን ብህድኣትን ይእርሞም።