ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 8

ሞሳና ኽንገልጽ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

ሞሳና ኽንገልጽ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

“ኣመስገንቲ እውን ኩኑ።”—ቈሎ. 3:15

መዝሙር 46 ነመስግነካ የሆዋ

መላለዪ *

1. እቲ የሱስ ዘሕወዮ ሳምራዊ ብኸመይ እዩ ሞሳኡ ገሊጹ፧

እቶም ዓሰርተ ሰብኡት ዚገብርዎ ሓርቢትዎም እዩ ነይሩ። ከመይሲ፡ ድዉያት እዮም ነይሮም፣ ተስፋ ዚብሃል እውን ኣይነበሮምን። ሓደ መዓልቲ ግና፡ ነቲ ዓብዪ መምህር ዝዀነ የሱስ ብማዕዶ ረኣይዎ። የሱስ ኵሉ ዓይነት ሕማም ከም ዜሕዊ ሰሚዖም ስለ ዝነበሩ፡ ኬሕውዮም ከም ዚኽእል ኣመኑ። ስለዚ፡ ድምጾም ዓው ኣቢሎም፡ “ኦ የሱስ፡ መምህር፡ ምሓረና!” ኢሎም ለመንዎ። ድሕሪኡ፡ እቶም ዓሰርተ ሰብኡት ምሉእ ብምሉእ ሓወዩ። በቲ የሱስ ዝገበረሎም ሰናይ ነገር፡ ኣልባብ ኵላቶም ብምስጋና ተመሊኡ ኪኸውን ኣለዎ። ሓደ ኻባታቶም ግና፡ ነቲ ምስጋና ኣብ ልቡ ሒዙ ስቕ ኣይበለን፡ የግዳስ ሞሳኡ * ንየሱስ ገሊጹሉ እዩ። ብዘይካዚ፡ እቲ ዝሓወየ ሳምራዊ፡ “ድምጹ ዓው ኣቢሉ” ንኣምላኽ ኣሞጊስዎ እዩ።—ሉቃ. 17:12-19

2-3. (ሀ) ስለምንታይ ኢና ሓድሓደ ግዜ ሞሳና ኻብ ምግላጽ እንሰንፍ፧ (ለ) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ክንምርምር ኢና፧

2 ንሕና እውን ከምቲ ሳምራዊ፡ ነቶም ጽቡቕ ዝገበሩልና ምስጋናና ኽንገልጽ ንደሊ ኢና። ሓድሓደ ግዜ ግና፡ ኣብ ልብና ዚስምዓና ሞሳ ብቓላት ወይ ብተግባር ኣይንገልጽን ንኸውን።

3 ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ብቓልን ብተግባርን ሞሳና ምግላጽና ስለምንታይ ኣገዳሲ ኸም ዝዀነ ኽንርኢ ኢና። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ዚርከቡ ኣመስገንቲ ዝዀኑ ኣብነታት ክንምሃር ኢና፣ ካብ ዘየመስግኑ ሰባት እውን መለበሚ ኽንረክብ ኢና። ድሕሪኡ፡ ምስጋናና እንገልጸሉ ግብራዊ መገድታት ክንምርምር ኢና።

ስለምንታይ ኢና ሞሳና ኽንገልጽ ዘሎና፧

4-5. ስለምንታይ ኢና ሞሳና ኽንገልጽ ዘሎና፧

4 ሞሳ ብምግላጽ ዝመጸ፡ የሆዋ ኣብነት ይዀነና እዩ። ሓደ ኻብቲ ንሱ ኸምኡ ዝገበረሉ መገዲ፡ ነቶም ባህ ዜብልዎ ዓስቦም ብምሃብ እዩ። (2 ሳሙ. 22:21፣ መዝ. 13:6፣ ማቴ. 10:40, 41) ቅዱሳት ጽሑፋት፡ “ከም ፍቑራት ውሉዳት፡ ንኣምላኽ ምሰልዎ” ኢሉ የተባብዓና እዩ። (ኤፌ. 5:1) ስለዚ፡ ሞሳና እንገልጸሉ ቐንዲ ምኽንያት፡ ኣብነት የሆዋ ኽንስዕብ ስለ እንደሊ እዩ።

5 ሞሳና ኽንገልጽ ዚድርኸና ኻልእ ምኽንያት እውን ኣሎና። ሞሳ ኸም ጥዑም ምግቢ እዩ። ከምቲ ምስ ሰብ ተማቒልካ ዝበላዕካዮ ጥዑም ምግቢ ብዝያዳ እተስተማቕሮ፡ ሞሳ እውን ንኻልኦት ከተካፍሎም ከለኻ እዩ ብዝያዳ ዜሐጕሰካ። ካልኦት ከም ዜማስዉና እንተ ፈሊጥና፡ ንሕና ንሕጐስ ኢና። ሞሳና እንተ ገሊጽና ኸኣ፡ ንኻልኦት ነሐጕሶም ኢና። ከመይሲ፡ እቲ ዘመስገንናዮ ሰብ ንዓና ንምሕጋዝ ወይ ዜድልየና ንምሃብ ዝገበሮ ጻዕሪ ዋጋ ኸም ዘለዎ ኺፈልጥ ይኽእል እዩ። ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ እቲ ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎ እቲ ሰብን ዘሎ ዕርክነት ይድልድል።

6. ኣብ መንጎ ቓላት ሞሳን ብወርቂ እተሰርሐ ቱፋሕን እንታይ ምስስላት ኣሎ፧

6 ምስጋናና ምግላጽና ዓብዪ ዋጋ ኣለዎ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ብግቡእ ግዜ እተዘርበ ቓል፡ ከም ቱፋሕ ወርቂ ኣብ ኣቕሓ ብሩር እዩ” ይብል እዩ። (ምሳ. 25:11) ብወርቂ እተሰርሐ ቱፋሕ ኣብ ኣቕሓ ብሩር ምስ ዚቕመጥ ክሳዕ ክንደይ ጽቡቕ ምዃኑ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። ክንደይ ዚኣክል ዋጋ ኸም ዚህልዎ እውን እሞ ሕሰብ። ከምዚ ዓይነት ውህበት እንተ ዚውሃበካ እንታይ ምተሰምዓካ፧ ቃላት ምስጋናኻ፡ ክንድኡ ዚኣክል ዋጋ ኺህልዎ ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ ድማ፡ ብወርቂ እተሰርሐ ቱፋሕ ንሓዋሩ ኺነብር ይኽእል እዩ። ሓደ ዘመስገንካዮ ሰብ ከኣ ነቲ መግለጺ ሞሳኻ ኣብ ምሉእ ህይወቱ ኺዝክሮን ኣኽቢሩ ኺርእዮን ይኽእል እዩ።

ሞሳኦም ገሊጾም

7. ኣብ መዝሙር 27:4 ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ ዳዊትን ካልኦት ጸሓፍቲ መዝሙርን ሞሳኦም ዝገለጹ ብኸመይ እዮም፧

7 ጥንቲ ዝነበሩ ብዙሓት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ምስጋናኦም ገሊጾም እዮም። ሓደ ኻባታቶም ዳዊት እዩ ነይሩ። (መዝሙር 27:4ን እግረ ጽሑፍን ኣንብብ።) ንሱ ንንጹህ ኣምልኾ ልዑል ኣድንቖት ነይርዎ እዩ፣ ስምዒታቱ እውን ብጭቡጥ ገሊጹ እዩ። ንህንጸት እቲ ቤተ መቕደስ ብዙሕ ገንዘብ ወፍዩ እዩ። ደቂ ኣሳፍ ከኣ መዝሙራት ውዳሰ ብምጽሓፍ ሞሳኦም ገሊጾም እዮም። ኣብ ሓንቲ መዝሙር ድማ፡ ንኣምላኽ ኣመስጊኖምዎን ነቲ “ዜደንቕ ግብርታት” የሆዋ ኣድንቖቶም ገሊጾምን እዮም። (መዝ. 75:1) እምበኣር፡ ዳዊትን ደቂ ኣሳፍን ንየሆዋ፡ ንዅሉ እቲ ኻብኡ ዝረኸብዎ በረኸት ክሳዕ ክንደይ ከም ዜማስዉሉ ኺገልጹሉ ደልዮም ነይሮም እዮም። እሞኸ ነዞም ዘመርቲ እዚኦም ክትመስለሉ እትኽእል መገድስ ክትረክብዶ ምኸኣልካ፧

እታ ጳውሎስ ናብ ሮሜ ዝለኣኻ መልእኽቲ፡ ሞሳና ብዛዕባ ምግላጽ እንታይ ትምህረና፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 8-9 ርአ) *

8-9. ሃዋርያ ጳውሎስ ንኣሕዋቱን ንኣሓቱን ሞሳኡ ዝገለጸሎም ብኸመይ እዩ፧ እዚኸ እንታይ ውጽኢት ነይርዎ ኪኸውን ኣለዎ፧

8 ሃዋርያ ጳውሎስ ንኣሕዋቱን ንኣሓቱን የማስዎም ነይሩ እዩ፣ ሞሳኡ ድማ ብዛዕባኦም ኪዛረብ ከሎ ገሊጽዎ ኣሎ። ኣብ ናይ ብሕቲ ጸሎቱ ወትሩ ብዛዕባኦም ንኣምላኽ የመስግን ነይሩ እዩ። ንዓታቶም ኪጽሕፈሎም ከሎ እውን ሞሳኡ ገሊጹሎም እዩ። ኣብተን ኣብ ሮሜ 16 ዚርከባ ቐዳሞት 15 ፍቕድታት፡ ጳውሎስ ን27 ክርስትያናት ብስሞም ጠቒስዎም ኣሎ። ኣብኡ ድማ፡ ብዛዕባ ጵርስካን ኣኪላስን፡ “ኣብ ክንዳይ ክሳዶም ኣሕሊፎም እዮም” ኢሉ ተዘክሮኡ ገሊጹ ኣሎ፣ ንፌቤን ከኣ ‘ንብዙሓት እትረድእ’ ኢሉ ገሊጽዋ ኣሎ። እወ፡ ነዞም ፍቑራትን ጻዕረኛታትን ኣሕዋትን ኣሓትን ንኢድዎም እዩ።—ሮሜ 16:1-15

9 ጳውሎስ፡ ኣሕዋቱን ኣሓቱን ዘይፍጹማት ምዃኖም ይፈልጥ ነይሩ እዩ፣ ኣብ መዕጸዊ እታ ናብ ሰብ ሮሜ ዝለኣኻ መልእኽቱ ግና፡ ኣብ ጽቡቕ ባህርያቶም እዩ ኣተኲሩ። እቶም ኣሕዋትን ኣሓትን፡ እቲ ጳውሎስ ዝጸሓፎ ነገር ኣብ ጉባኤኦም ዓው ኢልካ ኺንበብ ከሎ ኽሳዕ ክንደይ ከም እተተባብዑ እሞ ገምቶ! ከም ውጽኢቱ ድማ፡ እቲ ምስ ጳውሎስ ዝነበሮም ምሕዝነት ደልዲሉ ኪኸውን ኣለዎ። ንስኻኸ ነቲ ኣባላት ጉባኤኻ ዚብልዎ ወይ ዚገብርዎ ጽቡቕ ነገራት ኣዘውቲርካ ሞሳኻ ትገልጽ ዲኻ፧

10. ካብቲ የሱስ ንሰዓብቱ ሞሳኡ ዝገለጸሉ መገዲ እንታይ ንምሃር፧

10 የሱስ ኣብ ንእሽቶ እስያ ናብ ዚርከባ ገሊአን ጉባኤታት ኣብ ዝለኣኾ መልእኽቲ፡ ነቲ ሰዓብቱ ዝገበርዎ ነገራት ሞሳኡ ገሊጹ እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ መጀመርታ እቲ ኣብ ትያቲራ ናብ እትርከብ ጉባኤ ዝለኣኾ መልእኽቲ፡ “ግብርኻን ፍቕርኻን እምነትካን ኣገልግሎትካን ተጻዋርነትካን፡ እቲ ግብርኻ እውን ካብ ቀዳማዩስ ዳሕራዩ ኸም ዚበዝሕ እፈልጥ እየ” ኢሉ እዩ። (ራእ. 2:19) የሱስ ነቲ ኣብ ንጥፈታቶም ዝገበርዎ ወሰኽ ጥራይ ኣይኰነን ጠቒስዎ፣ የግዳስ፡ ነቲ ንሰናይ ግብሪ ዝደረኾም ባህርያት እውን ጠቒስዎ እዩ። ንገሊኦም ኣብ ትያቲራ ዝነበሩ ሰባት ኪግስጾም እኳ እንተ ነበሮ፡ ኣብ መጀመርታን መወዳእታን መልእኽቱ ግና መተባብዒ እዩ ሂብዎም። (ራእ. 2:25-28) ነቲ የሱስ ከም ርእሲ ዅለን ጉባኤታት መጠን ዘለዎ ስልጣን እሞ ሕሰበሉ። ስለቲ ዝገበርናሉ ዕዮ ኼመስግነና ግዴታ የብሉን። ይኹን እምበር፡ ሞሳኡ ይገልጸልና እዩ። እዝስ ንሽማግለታት ከመይ ዝበለ ብሉጽ ኣብነት ኰን እዩ!

ሞሳኦም ኣይገለጹን

11. ኣብ እብራውያን 12:16 ተሓቢሩ ኸም ዘሎ፡ ኤሳው ብዛዕባ ቕዱስ ነገራት እንታይ ኣረኣእያ እዩ ነይርዎ፧

11 እቲ ዜሕዝን ግና፡ ገሊኦም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሶም ዘለዉ ሰባት መማሰውቲ ኣይነበሩን። ንኣብነት፡ ኤሳው ንየሆዋ ብዜፍቅሩን ብዜኽብሩን ወለዲ እኳ እንተ ዓበየ፡ ንቕዱስ ነገራት ግና ይንዕቕ ወይ ኣየማሱን እዩ ነይሩ። (እብራውያን 12:16 ኣንብብ።) ዘይመማሰዊ ምዃኑ ብኸመይ እዩ ተራእዩ፧ ኤሳው ነቲ ምንኣሱ ሓዉ ዝዀነ ያእቆብ፡ ብታህዋኽ ብዅርናኡ ሸይጡሉ እዩ፡—እሞ ኸኣ ብጸብሒ ብርስን! (ዘፍ. 25:30-34) ኤሳው ጸኒሑ በቲ ውሳነኡ ብዙሕ ተጣዒሱ እዩ። ነቲ ኣብ ኢዱ ዝነበረ ዘየማሱ ስለ ዝነበረ ግና፡ ምርቓ ብዅርና ምስ ሰኣነ ዜማርረሉ ብቑዕ ምኽንያት ኣይነበሮን።

12-13. እስራኤላውያን ዘይመማሰውቲ ምዃኖም ብኸመይ ተራእዩ፧ እዚኸ እንታይ ሳዕቤን ኣስዒቡሎም፧

12 እስራኤላውያን ሞሳኦም ንምግላጽ ዜኽእሎም ብዙሕ ምኽንያታት ነይርዎም እዩ። የሆዋ ኣብ ግብጺ ዓሰርተ መዓት ምስ ኣምጽአ፡ ካብ ባርነት ሓራ ወጺኦም እዮም። ድሕሪኡ፡ ኣምላኽ ንብዘሎ ሰራዊት ግብጺ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ብምድምሳስ፡ ካብ ጥፍኣት ኣድሒንዎም እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣልባብ እስራኤላውያን ብምስጋና ስለ እተመልአ፡ ንየሆዋ ዚውድስ መዝሙር ዓወት ዘሚሮም እዮም። ኰይኑ ግና፡ እዚ ምስጋናኦም ቀጺሉዶ፧

13 ንእስራኤላውያን ሓድሽ ጸገማት ምስ ኣጋጠሞም፡ ብዛዕባ ዅሉ እቲ የሆዋ ዝገበረሎም ጽቡቕ ነገራት ረስዑ። ድሕርዚ፡ ንግብርታቱ ኸም ዘይተረድእዎ ወይ ዘይመማሰውቲ ኸም ዝዀኑ ተራእየ። (መዝ. 106:7) ብኸመይ፧ “ብዘለዉ ኣኼባ እስራኤላውያን ኣብቲ በረኻ ኣብ ልዕሊ ሙሴን ኣሮንን ኣጕረምረሙ፡”—ከም ሓቂ እኳ፡ ኣብ ልዕሊ የሆዋ እዮም ኣጕረምሪሞም። (ዘጸ. 16:2, 8) የሆዋ ድማ ዘየመስግኑ ብምዃኖም ጐሃየ። ጸኒሑ ድማ ብዘይካ እያሱን ካሌብን፡ ብዘሎ ወለዶ እስራኤላውያን ኣብ በረኻ ኸም ዚጠፍእ ተነበየ። (ዘሁ. 14:22-24፣ 26:65) ቀጺልና እምበኣር፡ እዞም ሕማቕ ኣብነታት ብኸመይ መለበሚ ኸም ዚዀኑና፡ ነቶም ጽቡቕ ኣብነታት ከኣ ከመይ ጌርና ኸም እንመስሎም ንርአ።

ሞሳኻ ግለጽ

14-15. (ሀ) ከመይ ገይሮም እዮም ሰብ ሓዳር ንሓድሕዶም ሞሳኦም ኪገላለጹ ዚኽእሉ፧ (ለ) ከመይ ገይሮም እዮም ወለዲ ንደቆም ሞሳኦም ኪገልጹ ኺምህርዎም ዚኽእሉ፧

14 ኣብ ስድራ ቤት። ነፍሲ ወከፍ ኣባል ስድራ ቤት ሞሳኡ ዚገልጽ እንተ ዀይኑ፡ ብዘላ እታ ስድራ ቤት ትጥቀም እያ። ሰብ ሓዳር ብዝያዳ ንሓድሕዶም ሞሳኦም ብእተገላለጹ መጠን፡ ብዝያዳ እናተቐራረቡ እዮም ዚኸዱ። ጌጋታቶም ይቕረ ንምብህሃል እውን እናቐለሎም እዩ ዚኸይድ። ሓደ መማሰዊ ሰብኣይ ነቲ ሰበይቱ እትብሎን እትገብሮን ጽቡቕ ነገር ኣስተብሂሉ ስቕ ኣይብልን እዩ፣ የግዳስ፡ “ይትንስእ እሞ ይውድሳ” እዩ። (ምሳ. 31:10, 28) ለባም ሰበይቲ እውን ነቲ ሰብኣያ ዝገበሮ ነገራት ብዝርዝር ጠቒሳ ተመስግኖ እያ።

15 ኣቱም ወለዲ፡ ከመይ ጌርኩም ኢኹም ንደቅኹም፡ ሞሳኦም ኪገልጹ ኽትምህርዎም እትኽእሉ፧ ደቅኹም ንእትብልዎን ንእትገብርዎን ከም ዚቐድሑ ኣይትረስዑ። ስለዚ፡ ደቅኹም ሓደ ነገር ኪገብሩልኩም ከለዉ፡ ምስጋናኹም ብምግላጽ ሰናይ ኣብነት ኩንዎም። ብተወሳኺ ድማ፡ ሰባት ንደቅኹም ሓደ ነገር ኪገብሩሎም ከለዉ፡ ኬመስግኑ ምሃርዎም። ምስጋና ምግላጽ ካብ ልቢ ኸም ዚፍልፍል፡ ቃላቶም ድማ ጽቡቕ ጽልዋ ኺህልዎ ኸም ዚኽእል ኣረድእዎም። ንኣብነት፡ ክላዲ ዝስማ ሰበይቲ ኸምዚ ትብል፦ “ኣደይ ጓል 32 ዓመት ምስ ኰነት፡ ብሃንደበት ሰለስተ ቘልዑ በይና ኸተዕቢ ነይርዋ። ኣነ ጓል 32 ምስ ኰንኩ፡ ኣብቲ ዕድመ እቲ ንዓኣ ኽሳዕ ክንደይ ከቢድ ከም ዝነበረ ሓሲበ። ስለዚ፡ ንዅሉ እቲ ንዓይን ንኣሕዋተይን ንምዕባይ ዝኸፈለቶ መስዋእቲ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዘማስወሉ ነጊረያ። ኣብ ቀረባ ግዜ ኸኣ፡ ቃላተይ ኣብ ልባ ኽቡር ቦታ ኸም ዘለዎ፡ ብዙሕ ግዜ ብዛዕባኡ ኸም እተስተንትን፡ ወትሩ ድማ ንመዓልታ ብሩህ ከም ዚገብረላ ነጊራትኒ።”

ንደቅኻ፡ ሞሳኦም ኪገልጹ ምሃሮም (ሕጡብ ጽሑፍ 15 ርአ) *

16. ሞሳ ምግላጽ፡ ንሰባት ኬተባብዕ ከም ዚኽእል ዜርኢ ኣብነት ሃብ።

16 ኣብ ጉባኤ። ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ሞሳና ኽንገልጸሎም ከለና፡ ነተባብዖም ኢና። ንኣብነት፡ ሆርሄ ዝስሙ ወዲ 28 ዓመት ሽማግለ፡ ከቢድ ሕማም ሓመመ። ንሓደ ወርሒ ኸኣ ኣብ ኣኼባታት ኪእከብ ኣይከኣለን። ኣብ ኣኼባታት ኪእከብ ምስ ጀመረ እውን እንተ ዀነ፡ ክፍልታት ኬቕርብ ኣይከኣለን። ሆርሄ ኸምዚ ይብል፦ “ዓቕመይ ድሩት ብምዃኑን ነቲ ናይ ጉባኤ ሓላፍነታተይ ክስከም ብዘይምኽኣለይን ዘይረብሕ ኰይኑ ተሰሚዑኒ። ድሕሪ ሓደ ኣኼባ ግና፡ ሓደ ሓው፡ ‘ንስድራ ቤተይ ሰናይ ኣብነት ስለ ዝዀንካና፡ ከመስግነካ እፈቱ። ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ዓመታት ንመደረታትካ ብዙሕ ንፈትዎ ኔርና ኢና። ብመንፈሳዊ መዳይ ኽንዓቢ ሓጊዙና እዩ’ ኢሉኒ። ሽዑ፡ ሕንቕንቕ ኢለ፡ ኣዒንተይ እውን ንብዓት ቅጽርጽር ኢሉኒ። እተን ቃላቱ፡ ብልክዕ የድልያኒ ነይረን እየን።”

17. ኣብ ቈሎሴ 3:15 ተጠቒሱ ኸም ዘሎ፡ ንየሆዋ ስለቲ ልግሱ ኸመይ ጌርና ሞሳና ኽንገልጸሉ ንኽእል፧

17 ነቲ ለጋስ ኣምላኽና። የሆዋ ኣኺሉ ዚተርፍ መንፈሳዊ ምግቢ ይህበና እዩ። ንኣብነት፡ ብኣኼባታትናን ብመጽሔታትናን ብወብሳይታትናን ኣቢልና ሓጋዚ ትምህርቲ ንረክብ ኢና። ሓደ መደረ ድሕሪ ምስማዕካ፡ ሓንቲ ዓንቀጽ ድሕሪ ምንባብካ፡ ወይ ሓደ ፈነወ ድሕሪ ምርኣይካ፡ ‘እዚ እዩ ዜድልየኒ ነይሩ’ ኢልካ ሓሲብካዶ ትፍለጥ፧ እሞኸ ኸመይ ጌርና ኢና ንየሆዋ ሞሳና ኽንገልጸሉ እንኽእል፧ (ቈሎሴ 3:15 ኣንብብ።) ሓደ መገዲ፡ ስለቲ ጽቡቕ ውህበቱ ኣዘውቲርና ብጸሎት ብምምስጋን እዩ።—ያእ. 1:17

ኣብ ጽሬት ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ምሕጋዝ፡ ሞሳና ኽንገልጸሉ እንኽእል ሓደ ብሉጽ መገዲ እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 18 ርአ)

18. ንኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዘሎና ሞሳ ኸመይ ጌርና ኽንገልጽ ንኽእል፧

18 ቦታ ኣምልኾና ብጽሬትን ብጽፈትን ብምሓዝ እውን፡ ንየሆዋ ሞሳና ኽንገልጸሉ ንኽእል ኢና። ኣብ ጽሬትን ክንክንን ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኣዘውቲርና ንሳተፍ ኢና፣ እቶም ኣብ ጉባኤና ንዘሎ ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒ ዚሕዙ ኣሕዋት ከኣ ነቲ መሳርሒ ተጠንቂቖም እዮም ዝሕዝዎ። ንኣዳራሻትና ብግቡእ እንተ ተኸናኺንናዮ፡ ንዝነውሐ ግዜ የገልግለና እዩ፡ ብዙሕ ጽገና እውን ኣየድልዮን እዩ። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ኣብ ብዘላ ዓለም ካልእ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ንምህናጽን ንምሕዳስን ዜኽእል ዝያዳ ገንዘብ ኪርከብ ይከኣል።

19. ካብ ተመክሮ ሓደ ሓላው ወረዳን ሰበይቱን እንታይ ተማሂርካ፧

19 ነቶም ምእንታና ዚጽዕሩ። ንሓደ ሰብ ሞሳና እንተ ገሊጽናሉ፡ እቲ ሰብ ብዛዕባ እቲ ዜጋጥሞ ብድሆታት ዝነበሮ ስምዒት ኪቕየር ይኽእል እዩ። ሓደ ሓላው ወረዳን ሰበይቱን ዘሕለፍዎ ተመክሮ እስከ ንርአ። ኣብ ሓንቲ ቘራሪት መዓልቲ ኣብ ኣገልግሎት ድሕሪ ምውዓሎም፡ ደኺሞም ናብ መሕደሪኦም ተመልሱ። ብርቱዕ ቝሪ ስለ ዝነበረ፡ እታ ሰበይቲ ምስ ጃኬታ ደቀሰት። ንጽብሒቱ ኸኣ ንሰብኣያ፡ ኣብ ዕዮ መገሻ ኽትቅጽል ከም ዘይትኽእል ነገረቶ። በታ ንግሆ እቲኣ ግና፡ ካብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ደብዳበ መጸቶም፣ እታ ደብዳበ ድማ ናብኣ እተላእከት እያ ነይራ። እታ ደብዳበ እውን ስለቲ ኣገልግሎታን ተጻዋርነታን ውዕዉዕ ናእዳ ዝሓዘት ነበረት። ኣብ ሰሰሙን ኣብ እተፈላለየ ቦታታት ምሕዳር ኣጸጋሚ ኪኸውን ከም ዚኽእል እውን ትገልጽ ነበረት። ሰብኣያ ብዛዕባ እቲ ድሕሪኡ ዝዀነ ነገር ከምዚ ይብል፦ “በቲ ናእዳ ልባ ብዙሕ ስለ እተተንከየ፡ ንዕዮ መገሻ ብዛዕባ ምሕዳግ ድሕሪኡ ተዛሪባ ኣይትፈልጥን እያ። መሕልፎ እኳ ደኣስ፡ ኣነ ኸቋርጽ ምስ ሓሰብኩ፡ ክንቅጽል ደጋጊማ ኣተባቢዓትኒ እያ።” እቶም ሰብ ሓዳር እቲኦም ኣብ ዕዮ መገሻ ንዳርጋ 40 ዓመት ቀጸሉ።

20. መዓልቲ መዓልቲ እንታይ ንምግባር ኢና ኽንጽዕር ዘሎና፧ ስለምንታይከ፧

20 እምበኣር፡ ብቓላትናን ብተግባርናን መዓልቲ መዓልቲ ምስጋናና ንግለጽ። ልባዊ ቓላትና ወይ ተግባርና ንኻልእ ሰብ ነቲ ኻብዛ ዘይተመስግን ዓለም ዜጋጥሞ ሽግር ንምጻሩ ይሕግዞ ይኸውን። መግለጺ ምስጋናና ኸኣ ንዘለኣለም ኪቕጽል ዚኽእል ዕርክነት ንምምዕባል ኪሕግዘና እዩ። ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ነቲ ለጋስን መማሰውን ኣቦና የሆዋ ኽንመስሎ ኢና።

መዝሙር 20 ፍቑር ወድኻ ሂብካ

^ ሕ.ጽ. 5 ሞሳና ብዛዕባ ምግላጽ፡ ካብ የሆዋን ካብ የሱስን ካብቲ ድዉይ ሳምራውን እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ብዛዕባ እዞም ኣብነታት እዚኦምን ብዛዕባ ኻልኦትን ትገልጽ። ምስጋናና ምግላጽ ስለምንታይ ኣገዳሲ ኸም ዝዀነ ኽንርኢ፡ ከመይ ጌርና ኸምኡ ኸም እንገብር ከኣ ግብራዊ መገድታት ክንምርምር ኢና።

^ ሕ.ጽ. 1 መግለጺ ቓላት፦ ሞሳ ኺብሃል ከሎ፡ ንኣገዳስነት ሓደ ነገር ኣለሊኻ እትገልጾ ምስጋና የመልክት። ነቲ ኣብ ልብኻ ዚስምዓካ ምስጋና እውን የመልክት እዩ።

^ ሕ.ጽ. 55 መግለጺ ስእሊ፦ መልእኽቲ ጳውሎስ ኣብ ጉባኤ ሮሜ ትንበብ፣ ኣኪላስን ጵርስኪላን ፌቤንን ካልኦትን ስሞም ብምስማዖም ደስ ይብሎም።

^ ሕ.ጽ. 57 መግለጺ ስእሊ፦ ኣደ ንጓላ ብኸመይ ከም እተመስግን ትምህራ፣ እታ ጓል እውን ንሓንቲ ብዕድመ ዝደፍአት ሓብቲ ስለቲ ሰናይ ኣብነታ ተመስግና።