ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 9

ፍቕርን ፍትሕን—ኣብ ጥንታዊት እስራኤል

ፍቕርን ፍትሕን—ኣብ ጥንታዊት እስራኤል

“ንሱ ጽድቅን ፍትሕን ይፈቱ። ምድሪ በቲ የሆዋ ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሪ መሊኣ እያ።”—መዝ. 33:5

መዝሙር 3 ሓይልና፡ ተስፋና፡ እምንቶና

መላለዪ *

1-2. (ሀ) ኵላትና እንታይ ኢና እንደሊ፧ (ለ) ብዛዕባ እንታይ ኢና ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል፧

ኵላትና ፍቕሪ ንደሊ ኢና። ኵላትና እውን ብፍትሒ ኽንተሓዝ ንደሊ ኢና። ፍቕርን ፍትሕን እንተ ስኢንና፡ ዘይንረብሕን ተስፋ ዘይብልናን ኰይኑ ኺስምዓና ይኽእል እዩ።

2 የሆዋ ኸኣ፡ ፍቕርን ፍትሕን ሃረር ከም እንብል ይፈልጥ እዩ። (መዝ. 33:5) ኣምላኽና ኣጸቢቑ ኸም ዜፍቅረናን ብፍትሒ ኺሕዘና ኸም ዚደልን ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ነቲ የሆዋ ብሙሴ ኣቢሉ ንህዝቢ እስራኤል ዝሃቦም ሕጊ ተጠንቂቕና ኽንምርምሮ ኸለና፡ እዚ ንጹር ይዀነልና እዩ። ፍቕሪ ዝጸምአ ልቢ ወይ ብግፍዒ እተደቝሰ መንፈስ እንተ ኣልዩካ፡ ሕጊ ሙሴ * ነቲ የሆዋ ንህዝቡ ዘለዎ ሓልዮት ብኸመይ ከም ዚገልጾ መርምሮ።

3. (ሀ) ኣብ ሮሜ 13:8-10 ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ ንሕጊ ሙሴ ኸነጽንዖ ኸለና፡ ብዛዕባ እንታይ ኢና እንምሃር፧ (ለ) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ እንታይ ንዚብል ሕቶታት መልሲ ኽንረኽበሉ ኢና፧

3 ንሕጊ ሙሴ ኸነጽንዖ ኸለና፡ እቲ ፈቃር ኣምላኽና የሆዋ ብዛዕባ ዘለዎ ባህ ዜብል ስምዒታት ንምሃር ኢና። (ሮሜ 13:8-10 ኣንብብ።) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ሒደት ካብቲ ንእስራኤል እተዋህበ ሕግታት ክንምርምር፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ድማ መልሲ ኽንረኽበሉ ኢና፦ እቲ ሕጊ ኣብ ፍቕሪ እዩ ተመስሪቱ ነይሩ እንብል ስለምንታይ ኢና፧ እቲ ሕጊ፡ ፍትሒ የተባብዕ ነይሩ እንብል ስለምንታይ ኢና፧ እቶም ስልጣን ዝነበሮም ሰባት ነቲ ሕጊ ብኸመይ እዮም ኪትግብርዎ ዝነበሮም፧ እቲ ሕጊኸ ምናዳ ንመን እዩ ዜዕቍብ ነይሩ፧ መልሲ እዘን ሕቶታት እዚአን ምፍላጥና፡ ኬጸናንዓናን ተስፋ ኺህበናን ናብቲ ፈቃር ኣቦና ብዝያዳ ኬቕርበናን ይኽእል እዩ።—ግብ. 17:27፣ ሮሜ 15:4

ኣብ ፍቕሪ እተመስረተ ሕጊ

4. (ሀ) ሕጊ ሙሴ ኣብ ፍቕሪ ተመስሪቱ እንብል ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) ኣብ ማቴዎስ 22:36-40 ተመዝጊቡ ኸም ዘሎ፡ የሱስ እንታይ ትእዛዛት እዩ ኣጕሊሑ፧

4 የሆዋ ንዅሉ ተግባሩ ብፍቕሪ ተደሪኹ ስለ ዚገብሮ፡ ሕጊ ሙሴ ኣብ ፍቕሪ ተመስሪቱ ኽንብል ንኽእል ኢና። (1 ዮሃ. 4:8) የሆዋ ንዅሉ እቲ ሕጊ ኣብ ክልተ መሰረታዊ ትእዛዛት እዩ ሰሪትዎ፡—ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽን ኣብ ፍቕሪ ብጻይን። (ዘሌ. 19:18፣ ዘዳ. 6:5፣ ማቴዎስ 22:36-40 ኣንብብ።) ስለዚ፡ ኵሉ እቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ ዘሎ ልዕሊ 600 ትእዛዛት፡ ብዛዕባ ፍቕሪ የሆዋ ኺገልጸልና ይኽእል እዩ። ገለ ኣብነታት እስከ ንርአ።

5-6. የሆዋ ንሰብ ሓዳር እንታይ ኪገብሩ እዩ ዚደልዮም፧ እንታይከ እዩ ዚፈልጥ፧ ኣብነት ሃብ።

5 ኣብ ሓዳርካ እሙን ኩን፡ ንደቅኻ እውን ተኸናኸኖም። የሆዋ ንሰብ ሓዳር ኣብ ምሉእ ህይወቶም እትቕጽል ሓያል ፍቕሪ ኼማዕብሉ ይደልዮም እዩ። (ዘፍ. 2:24፣ ማቴ. 19:3-6) ዝሙት ሓደ ኻብቲ ሰብ ኪፍጽሞ ዚኽእል ዝኸፍአ ገበን እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ካብተን ዓሰርተ ትእዛዛት እታ ሻውዐይቲ፡ “ኣይትዘሙ” እትብል እያ ነይራ። (ዘዳ. 5:18) ዝሙት “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ” ሓጢኣት እዩ፣ ብዘይካዚ እውን፡ ንመጻምድቲ ዚጐድእ ሕሱም ተግባር እዩ። (ዘፍ. 39:7-9) ኣብ ሓዳሩ ዝሙት ዘጋጠሞ ንጹህ ሰብ፡ ብሰንኪ እቲ ጥልመት ንሓያሎ ዓመታት ኪሳቐ ይኽእል እዩ።

6 የሆዋ ነቲ ሰብ ሓዳር ኣብ ንሓድሕዶም ዘለዎም ኣተሓሕዛ ይፈልጦ እዩ። ምናዳ ንእስራኤላውያን ኣንስቲ ብጽቡቕ ኪተሓዛ ይደልየን ነይሩ እዩ። ንሕጊ ሙሴ ዜኽብር ሰብኣይ ንሰበይቱ የፍቅራ ነይሩ እዩ፣ ብጢጥ ቅሚጥ እውን ኣይፈትሓን እዩ ነይሩ። (ዘዳ. 24:1-4፣ ማቴ. 19:3, 8) ከቢድ ጸገም እንተ ተፈጢሩ እሞ እንተ ፈቲሕዋ ግና፡ ጽሑፍ መፍትሒኣ ኺህባ ነይርዎ። እዚ ጽሑፍ እዚ ኸኣ ብምንዝርና ኸይትኽሰስ መከላኸሊ ይዀና ነይሩ እዩ። ብዘይካዚ፡ እቲ ሰብኣይ ንሰበይቱ ጽሑፍ መፍትሒኣ ቕድሚ ምሃቡ፡ ነቶም ዓበይቲ ኸተማ ኼማኽር ዝነበሮ እዩ ዚመስል። እቶም ዓበይቲ ኸኣ እቲ ሓዳር ከይብተን ኪሕግዙ ይፍትኑ ነይሮም እዮም። ሓደ እስራኤላዊ ሰብኣይ ብኽፍኣት ተላዒሉ ንሰበይቱ ምስ ዚፈትሓ፡ የሆዋ ወትሩ ጣልቃ ኣይኣቱን እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ንንብዓት እታ ሰበይቲ ይርእዮ፡ ስቓያ እውን ይስምዖ ነይሩ እዩ።—ሚል. 2:13-16

የሆዋ ንቘልዑ፡ ካብ ወለዶም ፍቕርን ትምህርትን እናረኸቡ ኸይተሸቝረሩ ኺዓብዩ ይደልዮም (ሕጡብ ጽሑፍ 7-8 ርአ) *

7-8. (ሀ) የሆዋ ንወለዲ እንታይ ኪገብሩ እዩ ኣዚዝዎም፧ (ኣብ ገበር ዘላ ስእሊ ርአ።) (ለ) እንታይ ትምህርትታት ኢና እንምሃር፧

7 ብዘይካዚ፡ ኣብ ሕጊ ሙሴ፡ የሆዋ ብዛዕባ ቘልዑ ኣጸቢቑ ኸም ዚሓሊ ተገሊጹ ኣሎ። የሆዋ ንወለዲ፡ ነቲ ንደቆም ብስጋ ዜድልዮም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብመንፈስ ዜድልዮም እውን ኬማልኡሎም ኣዚዝዎም ነይሩ እዩ። ወለዲ ኣብ ኵሉ እቲ ዚረኽብዎ ኣጋጣሚታት፡ ንደቆም ብዛዕባ ሕጊ የሆዋ ኼረድእዎም፡ ነቲ ሕጊ ምእንቲ ኺፈትውዎ ድማ ኪሕግዝዎም ነይርዎም እዩ። (ዘዳ. 6:6-9፣ 7:13) ሓደ ኻብቲ የሆዋ ንእስራኤላውያን ዝቐጽዓሉ ምኽንያታት፡ ኣብ ልዕሊ ገሊኦም ደቆም ዜስካሕክሕ ግፍዒ ስለ ዝፈጸሙ እዩ። (ኤር. 7:31, 33) ወለዲ ንደቆም፡ ዕሽሽ ኪብልዎምን ኪገፍዕዎምን ከም ዚኽእሉ ንብረቶም ገይሮም ዘይኰነስ፡ ካብ የሆዋ ኸም እተዋህቡ ኽቡራት ርስቲ ገይሮም ኪርእይዎም ነይርዎም።—መዝ. 127:3

8 ትምህርትታት፦ የሆዋ ነቲ ሰብ ሓዳር ኣብ ንሓድሕዶም ዘለዎም ኣተሓሕዛ የስተብህለሉ እዩ። ንወለዲ ኸኣ፡ ንደቆም ኬፍቅሩ ይደልዮም እዩ፣ በቲ ንደቆም ዚሕዙሉ መገዲ እውን ተሓተትቲ ይገብሮም እዩ።

9-11. የሆዋ፡ “ኣይትተምነ” ኢሉ ሕጊ ዝሃበ ስለምንታይ እዩ፧

9 ኣይትተምነ። ካብተን ዓሰርተ ትእዛዛት እታ ናይ መወዳእታ፡ “ኣይትተምነ” እትብል እያ ነይራ፣ ንዘይናትካ ግጉይ ትምኒት ከይተሕድር እትኽልክል ከኣ እያ ነይራ። (ዘዳ. 5:21፣ ሮሜ 7:7) የሆዋ ኣገዳሲ ትምህርቲ ኺምህሮም ኢሉ እዩ ነዛ ትእዛዝ እዚኣ ሂብዎም። ህዝቡ ንልቦም፡ ማለት ንሓሳባቶምን ንስምዒታቶምን ኪሕልዉ ነይርዎም እዩ። ከመይሲ፡ እኩይ ተግባራት ካብ እኩይ ሓሳባትን ስምዒታትን ከም ዚጅምር ይፈልጥ እዩ። (ምሳ. 4:23) ሓደ እስራኤላዊ ግጉይ ትምኒት ኣብ ልቡ ኺዓቢ እንተ ፈቒዱ፡ ንኻልኦት ዚጐድእ ነገር ምግባሩ ኣይተርፎን እዩ ነይሩ። ንኣብነት፡ ንጉስ ዳዊት ኣብዚ መጻወድያ እዚ ወዲቑ እዩ። ብሓፈሻኡ፡ ቅኑዕ ሰብ እዩ ነይሩ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ግና፡ ሰበይቲ ኻልእ ሰብኣይ ተተምንዩ። ትምኒቱ ኸኣ ናብ ሓጢኣት መሪሕዎ። (ያእ. 1:14, 15) በዚ ኸምዚ ድማ፡ ዳዊት ዘምዩ፡ ንሰብኣይ እታ ሰበይቲ ኼታልሎ ፈቲኑ፡ ድሕሪኡ ድማ ኣቕቲልዎ።—2 ሳሙ. 11:2-4፣ 12:7-11

10 ሓደ እስራኤላዊ ነቲ “ኣይትተምነ” ዚብል ሕጊ ኺጥሕሶ ኸሎ፡ የሆዋ ይፈልጦ ነይሩ እዩ፣ ከመይሲ፡ የሆዋ ልቢ ኼንብብ ይኽእል እዩ። (1 ዜና 28:9) እቲ ነቶም ህዝቢ፡ “ኣይትተምነ” ተባሂሉ እተዋህቦም ሕጊ፡ ነቲ ናብ ሕማቕ ተግባር ዚመርሖም ሓሳባት ኬወግድዎ ኸም ዘለዎም ዚምህር እዩ ነይሩ። የሆዋስ ከመይ ዝበለ ጥበበኛን ፈቃርን ኣቦ ዀን እዩ!

11 ትምህርትታት፦ የሆዋ ደጋዊ ትርኢት ጥራይ ኣይኰነን ዚርኢ። ውሽጥና ወይ ልብና ብሓቂ ኸመይ ምዃኑ ይርኢ እዩ። (1 ሳሙ. 16:7) ካብኡ ኺሕባእ ዚኽእል ሓሳብ ወይ ስምዒት ወይ ተግባር የልቦን። ነቲ ጽቡቕ ጐድንና ኣለልዩ የተባብዓና እዩ። ኰይኑ ግና፡ ግጉይ ሓሳባትና ናብ ግጉይ ተግባራት ቅድሚ ምዕባዩ፡ ንዕኡ ኣለሊና ኽንቈጻጸሮ እውን ይደልየና እዩ።—2 ዜና 16:9፣ ማቴ. 5:27-30

ፍትሒ ዜተባብዕ ሕጊ

12. ሕጊ ሙሴ እንታይ እዩ ዜጕልሕ ነይሩ፧

12 ሕጊ ሙሴ፡ የሆዋ ፍትሒ ኸም ዚፈቱ እውን የጕልሕ ነይሩ እዩ። (መዝ. 37:28፣ ኢሳ. 61:8) ንኻልኦት ብፍትሒ ብምሓዝ ዝመጸ፡ የሆዋ ፍጹም ኣብነት ይዀነና እዩ። እስራኤላውያን ነቲ የሆዋ ዝሃቦም ሕጊ ኺሕልውዎ ኸለዉ፡ ይባረኹ ነይሮም እዮም። ነቲ ፍትሓውን ቅኑዕን መለክዒታቱ ዕሽሽ ኪብልዎ ኸለዉ ግና፡ መከራ እዮም ዚረኽቡ ነይሮም። ሕጂ እምበኣር፡ ካብተን ዓሰርተ ትእዛዛት፡ ክልተ ሕግታት እስከ ንመርምር።

13-14. ካብተን ዓሰርተ ትእዛዛት እተን ቀዳሞት ክልተ ሕግታት እንታይ እየን ዚእዝዛ ነይረን፧ እስራኤላውያን ነዘን ሕግታት እዚአን ኪሕልውወን ከለዉኸ፡ ብኸመይ ይጥቀሙ ነይሮም፧

13 ንየሆዋ በይኑ ኣምልኮ። ካብተን ዓሰርተ ትእዛዛት እተን ቀዳሞት ክልተ ሕግታት፡ እስራኤላውያን ንየሆዋ በይኑ ውፉያት ኪዀኑን ጣኦታት ከየምልኹን ዚእዝዛ እየን ነይረን። (ዘጸ. 20:3-6) እዘን ትእዛዛት እዚአን ንጥቕሚ የሆዋ ተባሂለን ኣይኰናን ተዋሂበን። የግዳስ፡ ንጥቕሚ ህዝቡ ተባሂለን እየን ተዋሂበን። ህዝቡ እሙናት ኪዀኑ ኸለዉ፡ ጽቡቕ ይረኽቡ ነይሮም እዮም። ጓኖት ኣማልኽቲ ኼምልኹ ኸለዉ ግና፡ መከራ እዮም ዚረኽቡ ነይሮም።

14 ብዛዕባ ከነኣናውያን እሞ ንሕሰብ። ነቲ ናይ ሓቅን ህያውን ኣምላኽ ዘይኰነስ፡ ህይወት ንዘይብሎም ጣኦታት እዮም ዜምልኹ ነይሮም። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ገዛእ ርእሶም እዮም ኣሕሲሮም። (መዝ. 115:4-8) ከም ክፍሊ እቲ ኣምልኾኦም ከኣ፡ ኣብ ርኹስ ጾታዊ ንጥፈታት ይሳተፉን ንደቆም ብዜስካሕክሕ መገዲ ይስውኡን ነይሮም እዮም። እስራኤላውያን እውን ንየሆዋ ሓዲጎም ንጣኦታት ኬምልኹ ኸለዉ፡ ገዛእ ርእሶም የሕስሩን ንስድራ ቤቶም ይጐድኡን ነይሮም እዮም። (2 ዜና 28:1-4) እቶም ስልጣን ዝነበሮም ከኣ ነቲ የሆዋ ዝሰርዖ መለክዒታት ፍትሒ ይሓድግዎ ነይሮም እዮም። ንስልጣኖም ብዘይግቡእ ይጥቀሙሉ፡ ንድኹምን ንመስኪንን እውን ይጭቍኑ ነይሮም እዮም። (ህዝ. 34:1-4) የሆዋ ንእስራኤላውያን፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ንመሳኪን ኣንስትን ቈልዑን ዚገፍዑ ዘበሉ ፍርዱ ኸም ዚፍጽም ኣጠንቂቕዎም ነይሩ እዩ። (ዘዳ. 10:17, 18፣ 27:19) በቲ ኻልእ ሸነኽ ግና፡ ህዝቡ ንዕኡ እሙናት ኪዀኑን ንሓድሕዶም ብፍትሒ ኺተሓሓዙን ከለዉ፡ ይባርኾም ነይሩ እዩ።—1 ነገ. 10:4-9

የሆዋ የፍቅረና እዩ፣ ክንግፋዕ ከለና ኸኣ ይፈልጥ እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 15 ርአ)

15. ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ትምህርትታት ኢና እንረክብ፧

15 ትምህርትታት፦ የሆዋ በቲ እቶም ‘ነገልግሎ ኢና’ እናበሉ ንመለክዒታቱ ዕሽሽ ዚብልዎን ንህዝቡ ዚጐድኡን ሰባት ተሓታቲ ኣይኰነን። ይኹን እምበር፡ የሆዋ የፍቅረና እዩ፣ ክንግፋዕ ከለና ኸኣ ይፈልጥ እዩ። ካብቲ ኣደ ውላዳ ኺሳቐ ኸሎ ዚስምዓ ንላዕሊ፡ ስቓይና ይስምዖ እዩ። (ኢሳ. 49:15) ብኡብኡ ጣልቃ እኳ እንተ ዘይኣተወ፡ ኣብ ግዜኡ ግና ንዘይንስሑ ኣበስቲ በቲ ኣብ ልዕሊ ኻልኦት ዝፈጸምዎ ነገር ተሓተትቲ ኺገብሮም እዩ።

እቲ ሕጊ ብኸመይ እዩ ኺትግበር ነይርዎ፧

16-18. ሕጊ ሙሴ እንታይ መዳያት ህይወት እዩ ዚሽፍን ነይሩ፧ እንታይ ትምህርትታትከ ኢና እንረክብ፧

16 ሕጊ ሙሴ ንብዙሕ መዳያት ህይወት እስራኤላውያን ይጸሉ ነይሩ እዩ። ስለዚ፡ እቶም ንህዝቢ የሆዋ ኺፈርዱ እተሸሙ ዓበይቲ ብጽድቂ ኺፈርዱ ነይርዎም። ኣብ መንፈሳዊ ጕዳያት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ግጭታትን ገበናትን ኣብ ዜጋጥመሉ እዋን እውን ፍታሕ ኪህቡ ሓላፍነት ነይርዎም እዩ። ነዚ ዚስዕብ ኣብነታት እስከ ንርአ።

17 ሓደ እስራኤላዊ፡ ሰብ እንተ ቐቲሉ፡ ብኡብኡ ኣይኰነን ዚቕተል ነይሩ። ዓበይቲ እታ ኸተማ ብሞት ኪቕጻዕ ቅድሚ ምውሳኖም፡ እቲ መቕጻዕቲ ዚግብኦ እንተ ዀይኑ ነቲ ዅነታት ይምርምርዎ ነይሮም እዮም። (ዘዳ. 19:2-7, 11-13) ብዘይካዚ፡ እቶም ዓበይቲ ኣብ ብዙሕ መዳያት መዓልታዊ ህይወት ይፈርዱ ነይሮም እዮም፣ እዚ ኸኣ ካብ ነገር ጥሪት ክሳዕ ነገር ሓዳር ኪበጽሕ ይኽእል ነይሩ እዩ። (ዘጸ. 21:35፣ ዘዳ. 22:13-19) እቶም ዓበይቲ ፍትሓውያን ኪዀኑ ኸለዉ፡ እስራኤላውያን እውን ነቲ ሕጊ ኺእዘዝዎ ኸለዉ፡ ኵሉ ይጥቀም ነይሩ እዩ፡ እቶም ህዝቢ ኸኣ ንየሆዋ ኽብሪ የምጽኡሉ ነይሮም እዮም።—ዘሌ. 20:7, 8፣ ኢሳ. 48:17, 18

18 ትምህርትታት፦ ኵሉ መዳያት ህይወትና ንየሆዋ የገድሶ እዩ። ምስ ካልኦት ኣብ ዘሎና ርክብ ፍትሓውያንን ፈቃራትን ክንከውን ይደልየና እዩ። ነቲ ኣብ ቤትና ብስቱር እንብሎን እንገብሮን ነገራት እውን ከይተረፈ የስተብህለሉ እዩ።—እብ. 4:13

19-21. (ሀ) ዓበይትን ፈራዶን ንህዝቢ ኣምላኽ ብኸመይ እዮም ኪሕዝዎም ነይርዎም፧ (ለ) የሆዋ እንታይ መሐለውታ ዚኸውን ሕግታት እዩ ኣንቢሩ፧ እንታይ ትምህርትታትከ ኢና እንረክብ፧

19 የሆዋ ንህዝቡ በቶም ጐረባብቶም ዝዀኑ ኣህዛብ ኪበላሸዉ ኣይደልዮምን እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ ነቶም ዓበይትን ፈራዶን፡ ነቲ ሕጊ ብዘይ ኣድልዎ ኺትግብርዎ ኣዚዝዎም ነይሩ እዩ። እንተዀነ ግና፡ እቶም ፈራዶ ንህዝቡ ብሕሰም ወይ ብዘይ ሓልዮት ኪሕዝዎም ኣይነበሮምን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ፍትሒ ኺፈትዉ እዩ ነይርዎም።—ዘዳ. 1:13-17፣ 16:18-20

20 የሆዋ ንህዝቡ ይሓልየሎም እዩ፣ ስለዚ ድማ፡ ኣብ ልዕሊኦም ዘይፍትሓዊ ተግባር ምእንቲ ኸይፍጸም ኢሉ መሐለውታ ዚኸውን ሕግታት የንብረሎም እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ሕጊ ሙሴ፡ ሰብ ብሓሶት ምእንቲ ኸይክሰስ ዚከላኸል ኣሰራርሓ ነይሩ እዩ። ሓደ ተኸሳሲ ብመን ይኽሰስ ከም ዘሎ ናይ ምፍላጥ መሰል ነይርዎ እዩ። (ዘዳ. 19:16-19፣ 25:1) ገበነኛ ተባሂሉ ኺፍረዶ እንተ ዀይኑ ኸኣ፡ እንተ ወሓደ ኽልተ መሰኻኽር ኪምስክሩ ነይርዎም እዩ። (ዘዳ. 17:6፣ 19:15) ሓደ እስራኤላዊ ገበን እንተ ፈጺሙ እሞ ሓደ ምስክር ጥራይ እንተ ርእይዎኸ፧ ከይተቐጽዐ ኸም ዜምልጥ ገይሩ ኺሓስብ ኣይነበሮን። የሆዋ ንተግባሩ ርእይዎ እዩ። ኣብ ስድራ ቤት ድማ፡ ኣቦታት ስልጣን ነይርዎም እዩ፣ እቲ ስልጣኖም ግና ደረት ነይርዎ እዩ። ኣብቲ ኣብ ስድራ ቤት ዚፍጠር ገሊኡ ባእሲ፡ ዓበይቲ እታ ኸተማ ኣብቲ ጕዳይ ይኣትዉን ናይ መወዳእታ ፍርዶም ይህቡን ነይሮም እዮም።—ዘዳ. 21:18-21

21 ትምህርትታት፦ የሆዋ ፍጹም ኣብነት ሰሪዑልና ኣሎ፣ ዋላ ሓንቲ ዘይፍትሓዊ ተግባር ኣይገብርን እዩ። (መዝ. 9:7) ነቶም ንመለክዒታቱ ብተኣማንነት ዚድግፍዎ ዓስቢ ይህቦም፡ ነቶም ንስልጣኖም ብዘይግቡእ ዚጥቀሙሉ ግና ይቐጽዖም እዩ። (2 ሳሙ. 22:21-23፣ ህዝ. 9:9, 10) ገሊኦም እኩይ ተግባር ገይሮም ኬብቅዑስ ካብ መቕጻዕቲ ዘምለጡ ኺመስል ይኽእል እዩ፣ የሆዋ ግና ኣብ ግቡእ ግዜኡ ኺፈርዶም እዩ። (ምሳ. 28:13) እንተ ዘይተነሲሖም ድማ፡ “ኣብ ኢድ እቲ ህያው ኣምላኽ ምውዳቕ፡ ዜፍርህ” ምዃኑ ኺፈልጡ እዮም።—እብ. 10:30, 31

እቲ ሕጊ ምናዳ ንመን እዩ ዜዕቍብ ነይሩ፧

ዓበይቲ ኸተማ ኺፈርዱ ኸለዉ፡ ነቲ የሆዋ ንሰባትን ንፍትሕን ዘለዎ ፍቕሪ ኼንጸባርቑ ነይርዎም (ሕጡብ ጽሑፍ 22 ርአ) *

22-24. (ሀ) እቲ ሕጊ ምናዳ ንመን እዩ ዜዕቍብ ነይሩ፧ ብዛዕባ የሆዋኸ እንታይ ኢና እንምሃር፧ (ለ) ኣብ ዘጸኣት 22:22-24 እንታይ መጠንቀቕታ እዩ ዘሎ፧

22 እቲ ሕጊ ምናዳ ነቶም ንገዛእ ርእሶም ኪከላኸሉ ዘይክእሉ ኸም ዘኽታማትን መበለታትን ጓኖትን ዝኣመሰሉ ሰባት እዩ ዜዕቍብ ነይሩ። ኣብ እስራኤል ንዝነበሩ ፈራዶ፡ “ንጓና ወይ ንዘኽታም ፍርዲ ኣይተቕንን፣ ክዳን መበለት ከኣ ትሕጃ ጌርካ ኣይትውሰድ” ዚብል ትእዛዝ ተዋሂብዎም ነይሩ እዩ። (ዘዳ. 24:17) የሆዋ ነቶም ኣብቲ ማሕበረሰብ ዝነበሩ መሳኪን ይሓልየሎም ነይሩ እዩ። ነቶም ዚገፍዕዎም ከኣ ተሓተትቲ ይገብሮም ነይሩ እዩ።—ዘጸኣት 22:22-24 ኣንብብ።

23 እቲ ሕጊ ኣብ መንጎ ናይ ቀረባ ኣዝማድ ንዚግበር ጾታዊ ርክብ ብምኽልካል፡ ንኣባላት ስድራ ቤት ካብ ጾታዊ ገበናት የዕቍቦም ነይሩ እዩ። (ዘሌ. 18:6-30) እቶም ኣብ ከባቢ እስራኤል ዝነበሩ ኣህዛብ ነቲ ተግባር እቲ ዕሽሽ ይብልዎ ነይሮም እዮም፣ ህዝቢ የሆዋ ግና ብዛዕባ እቲ ተግባር እቲ ኸም ናይ የሆዋ ዓይነት ኣረኣእያ ኺሕዙ፡ ማለት ኪፍንፍንዎ ነይርዎም እዩ።

24 ትምህርትታት፦ የሆዋ ነቶም ሓላፍነት ዝሃቦም ሰባት፡ ኣብ ትሕቲ ሓለዋኦም ንዘለዉ ዅሎም ሰባት ብፍቕሪ ኺሓልዩሎም ይደልዮም እዩ። ጾታዊ ገበናት ይጸልእ እዩ፣ ኵሎም ሰባት፡ ምናዳ ኸኣ መሳኪን ሰባት ዕቝባን ፍትሕን ኪረኽቡ ይደሊ እዩ።

እቲ ሕጊ—“ጽላሎት እቲ ዚመጽእ ሰናይ ነገራት”

25-26. (ሀ) ፍቕርን ፍትሕን ከም ትንፋስን ህይወትን እየን እንብል ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) ኣብታ ናይዚኣ መቐጸልታ ዝዀነት ዓንቀጽ እንታይ ክንርኢ ኢና፧

25 ፍቕርን ፍትሕን ከም ትንፋስን ህይወትን እየን፣ ኣብ ምድሪ፡ ሓንቲ ብዘይ እታ ሓንቲ ኣይህልዋን እየን። የሆዋ ብፍትሒ ኸም ዚሕዘና ምስ እንኣምን፡ ንዕኡ ዘላትና ፍቕሪ ትዓቢ እያ። ንኣምላኽ ምስ እነፍቅሮን ንቕኑዕ ስርዓታቱ ምስ እንፈትዎን ከኣ፡ ንሰባት ከነፍቅሮምን ብፍትሒ ኽንሕዞምን ንድረኽ ኢና።

26 ኪዳን ሕጊ ሙሴ ነቲ ኣብ መንጎ የሆዋን እስራኤላውያንን ዝነበረ ርክብ ህያው ገይርዎ እዩ። የሱስ ነቲ ሕጊ ምስ ፈጸሞ ግና፡ እቲ ሕጊ ተሳዒሩ እዩ፣ ብዝሓሸ እውን ተተኪኡ እዩ። (ሮሜ 10:4) ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ ሕጊ፡ “ጽላሎት እቲ ዚመጽእ ሰናይ ነገራት” ኢሉ ገሊጽዎ ኣሎ። (እብ. 10:1) ኣብታ ናይዚኣ መቐጸልታ ዝዀነት ዓንቀጽ፡ ገለ ኻብቲ ሰናይ ነገራት ክንምርምር ኢና፣ ፍቕርን ፍትሕን ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘለወን ግደ እውን ክንርኢ ኢና።

መዝሙር 109 ኣጸቢቕኩም ተፋቐሩ

^ ሕ.ጽ. 5 እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ካብተን የሆዋ ኸም ዚሓልየልና ርግጸኛታት እንዀነሉ ምኽንያት ዚገልጻ ኣርባዕተ ተኸታተልቲ ዓንቀጻት እታ ቐዳመይቲ እያ። እተን ዝተረፋ ሰለስተ ዓንቀጻት ኣብ ናይ ግንቦት ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ኺወጻ እየን። ኣርእስትታተን ከኣ፡ “ፍቕርን ፍትሕን—ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ፡” “ፍቕርን ፍትሕን—እከይ ኬጋጥም ከሎ፡” ከምኡ ድማ “ንግዳያት ህስያ ነጸናንዓዮም” ዚብል እዩ።

^ ሕ.ጽ. 2 መግለጺ ቓላት፦ እቲ የሆዋ ብሙሴ ኣቢሉ ንእስራኤላውያን ዝሃቦም ካብ 600 ዚበዝሕ ሕግታት፡ “ሕጊ፡” “ሕጊ ሙሴ፡” “ትእዛዛት” ተባሂሉ ተጸዊዑ ኣሎ። ብዘይካዚ፡ እተን ቀዳሞት ሓሙሽተ መጻሕፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ (ካብ ዘፍጥረት ክሳብ ዘዳግም)፡ ብዙሕ ግዜ “ሕጊ” ተባሂለን ይጽውዓ እየን። ሓድሓደ ግዜ፡ እዚ መጸውዒ እዚ፡ ንብምሉኡ እቲ ብድራኸ መንፈስ እተጻሕፈ ቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ እውን የመልክት እዩ።

^ ሕ.ጽ. 60 መግለጺ ስእሊ ፦ ሓንቲ እስራኤላዊት ሰበይቲ ምግቢ እናኣዳለወት፡ ምስ ደቃ ተዕልል። ኣብ ድሕሪአን፡ ኣቦ ንወዱ፡ ንሓንቲ በጊዕ ብኸመይ ከም ዚከናኸና የርእዮ።

^ ሕ.ጽ. 64 መግለጺ ስእሊ ፦ ኣብ ኣፍ ደገ ኸተማ እተቐመጡ ዓበይቲ፡ ብነጋዳይ ንእተዓመጹ መበለትን ወዳን ፍትሒ የውጽኡሎም።