ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 12

ንስምዒት ካልኦት ሕለ

ንስምዒት ካልኦት ሕለ

“እትደናገጹ . . . ኹኑ።”—1 ጴጥ. 3:8

መዝሙር 90 ንሓድሕድና ንተባባዕ

መላለዪ *

1. ምስ 1 ጴጥሮስ 3:8 ብምስምማዕ፡ ንስምዒትናን ንድሕንነትናን ምስ ዚሓልዩ ሰባት ምዃን ዜሐጕሰና ስለምንታይ እዩ፧

ንስምዒትናን ንድሕንነትናን ምስ ዚሓልዩ ሰባት ምዃን የሐጕሰና እዩ። ከመይሲ፡ ንሓሳብናን ንስምዒትናን ምእንቲ ኺርድኡ ኢሎም፡ ገዛእ ርእሶም ኣብ ቦታና ኣእትዮም ይሓስቡ እዮም። እንታይ ከም ዜድልየና ሓሲቦም ደገፎም ይህቡና እዮም፣ ሓድሓደ ግዜ እውን ከይሓተትናዮም እዮም ከምኡ ዚገብሩልና። እወ፡ ነቶም ምሳና ‘ዚደናገጹ’ * ሰባት ኣኽቢርና ኢና እንርእዮም።—1 ጴጥሮስ 3:8 ኣንብብ።

2. ስለምንታይ ኢና ንኻልኦት ንምድንጋጽ ጻዕሪ ኽንገብር ዜድልየና፧

2 ክርስትያናት ስለ ዝዀንና፡ ኵላትና ድንጋጽ ወይ ሓልዮት ከነርኢ ንደሊ ኢና። ከም ሓቂ ግና፡ ከምኡ ንምግባር ክንጽዕር ኣሎና። ስለምንታይ፧ ቅድም ቀዳድም፡ ዘይፍጹማት ኢና። (ሮሜ 3:23) ስለዚ፡ ነቲ ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ጥራይ ንምሕሳብ ዘሎና ዝንባለ ኽንቃለሶ ኣሎና። ገሌና ኸኣ ብሰንኪ ኣተዓባብያና ወይ ሕሉፍ ኵነታትና ንኻልኦት ብቐሊሉ ኣይንድንግጽን ንኸውን። ብዘይካዚ፡ ብኣረኣእያ እቶም ኣብ ዙርያና ዘለዉ ሰባት ክንጽሎ ንኽእል ኢና። ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት እዚአን፡ ብዙሓት ሰባት ንኻልኦት ኣይድንግጹን እዮም። የግዳስ፡ “ፈተውቲ ርእሶም” እዮም። (2 ጢሞ. 3:1, 2) ነዚ ጸገማት እዚ ሰጊርና ንስምዒት ካልኦት ንምሕላይ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

3. (ሀ) ደንገጽቲ ብምዃን ዝመጸ ኸመይ ጌርና ኢና ኽንመሓየሽ እንኽእል፧ (ለ) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ክንርኢ ኢና፧

3 ኣብነት የሆዋ ኣምላኽን ወዱ የሱስ ክርስቶስን ምስ እንስዕብ፡ ደንገጽቲ ብምዃን ዝመጸ ኽንመሓይሽ ንኽእል ኢና። የሆዋ፡ ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ፣ ንኻልኦት ብምሕላይ ዝመጸ እውን ብሉጽ ኣብነት ይዀነና እዩ። (1 ዮሃ. 4:8) የሱስ ንባህርያት ኣቦኡ ምሉእ ብምሉእ ኣንጸባሪቑ እዩ። (ዮሃ. 14:9) ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ሰብ ብኸመይ ርሕሩሕ ኪኸውን ከም ዚኽእል ኣርእዩ እዩ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ፈለማ የሆዋን የሱስን ንስምዒት ካልኦት ብኸመይ ከም ዝሓለዩ ኽንርኢ ኢና። ድሕሪኡ፡ ከመይ ጌርና ኣብነቶም ክንቀድሕ ከም እንኽእል ክንርኢ ኢና።

የሆዋ ንኻልኦት ዘርኣዮ ሓልዮት

4. የሆዋ ብዛዕባ ስምዒት ኣገልገልቱ ኸም ዚሓሊ ኣብ ኢሳይያስ 63:7-9 ብኸመይ ተገሊጹ ኣሎ፧

4 የሆዋ ብዛዕባ ስምዒት ኣገልገልቱ ኸም ዚሓሊ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይምህር እዩ። ንኣብነት፡ ጥንታውያን እስራኤላውያን መከራ ምስ ኣጋጠሞም፡ የሆዋ እንታይ ከም እተሰምዖ እሞ ንርአ። ብዛዕባ እዚ፡ ቃል ኣምላኽ፡ “ኣብ ኵሉ ጭንቆም ጨነቖ” ይብል። (ኢሳይያስ 63:7-9።) የሆዋ ጸኒሑ ብነብዪ ዘካርያስ ኣቢሉ፡ ህዝቡ ኺግፍዑ ኸለዉ፡ ንሱ እውን ከም ዚስምዖ ገሊጹ ኣሎ። ንኣገልገልቱ ድማ፡ “ዚትንክየኩም ዘበለ፡ መርዓት ዓይነይ እዩ ዚትንኪ” ኢልዎም እዩ። (ዘካ. 2:8) እዝስ ነቲ የሆዋ ንህዝቡ ዘለዎ ሓልዮት ዜርኢ ሓያል ስእሊ ደይኰነን፧

የሆዋ ብርሕራሐኡ ተደሪኹ ንእስራኤላውያን ካብ ባርነት ግብጺ ሓራ ኣውጽኦም (ሕጡብ ጽሑፍ 5 ርአ)

5. የሆዋ ንዚሳቐዩ ህዝቡ ንምሕጋዝ ስጕምቲ ኸም ዝወሰደ ዜርኢ ኣብነት ሃብ።

5 የሆዋ ንዚሳቐዩ ኣገልገልቱ ርሕራሐ ጥራይ ኣይኰነን ዚስምዖ። የግዳስ፡ ንምሕጋዞም ስጕምቲ ይወስድ እዩ። ንኣብነት፡ እስራኤላውያን ባሮት ኰይኖም ኣብ ግብጺ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ የሆዋ ንስቓዮም ይርድኦ ነይሩ እዩ፣ ካብኡ ኼናግፎም እውን ተደሪኹ እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ የሆዋ ንሙሴ፡ “ጸበባ . . . ህዝበይ ብርግጽ ርእየ ኣለኹ፣ እቲ . . . ዜእውይዎ ኣውያት ድማ ሰሚዐ ኣለኹ፣ ስቓዮም እውን ኣጸቢቐ ፈሊጠ ኣለኹ። ካብ ኢድ ግብጻውያን ከናግፎም . . . ክወርድ እየ” ኢልዎ እዩ። (ዘጸ. 3:7, 8) የሆዋ ንህዝቡ ስለ ዝራሕርሓሎም፡ ካብ ባርነት ሓራ ኣውጽኦም። ኣብቲ ዚስዕብ ዘመናት፡ እስራኤላውያን ኣብ ምድሪ ተስፋ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ካብ ጸላኢ መጥቃዕትታት ይወርዶም ነይሩ እዩ። እሞኸ የሆዋ እንታይ ተሰሚዕዎ፧ “በቲ ብሰንኪ እቶም ዝጨቈንዎምን ዝገፍዕዎምን ዚቝዝምዎ ቝዝማ ይድንግጸሎም” ነይሩ እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ እውን እንተ ዀነ፡ ብድንጋጽ ተደሪኹ ንህዝቡ ሓጊዝዎም እዩ። ንእስራኤላውያን ዜድሕንዎም መሳፍንቲ ይሰድደሎም ነይሩ እዩ።—መሳ. 2:16, 18

6. የሆዋ፡ ዘይጥዑይ ኣተሓሳስባ ንዘለዎ ሰብ እውን እንተ ዀነ፡ ንስምዒቱ ኸም ዚሓልየሉ ዜርኢ ኣብነት ሃብ።

6 የሆዋ፡ ኣተሓሳስባ ህዝቡ ጥዑይ ኣብ ዘይኰነሉ ግዜ እውን እንተ ዀነ፡ ንስምዒት ህዝቡ ይሓሊ እዩ። ንኣብነት፡ ዛንታ ዮናስ እስከ ንርአ። ኣምላኽ ነዚ ነብዪ እዚ፡ ኣብ ልዕሊ ሰብ ነነዌ መልእኽቲ ፍርዲ ኺእውጅ ለኣኾ። ንሳቶም ምስ ተነስሑ፡ ኣምላኽ ኪንሕፎም ወሰነ። ዮናስ ግና በዚ ኣይተሓጐሰን። እቲ ናይ ጥፍኣት ትንቢቱ ስለ ዘይተፈጸመ፡ ‘ብቝጥዓ ነደደ።’ የሆዋ ግና ንዮናስ ተዓገሶ፡ ኣተሓሳስባኡ ኼዐሪ እውን ሓገዞ። (ዮና. 3:10–4:11) ዮናስ ጸኒሑ ተረድኦ፣ ብፍቓድ የሆዋ እውን ነቲ ንጥቕምና ዚኸውን ዛንታኡ ኺምዝግብ ከኣለ።—ሮሜ 15:4 *

7. እቲ የሆዋ ምስ ህዝቡ ዝነበሮ ርክብ እንታይ እዩ ዜረጋግጸልና፧

7 እቲ የሆዋ ምስ ህዝቡ ዝነበሮ ርክብ፡ ንኣገልገልቱ ኸም ዚድንግጸሎም የረጋግጸልና እዩ። ነቲ ንነፍሲ ወከፍና ዘሎና ስቓይን መከራን ይፈልጦ እዩ። የሆዋ ‘ንልቢ ሰብ ብሓቂ ይፈልጦ እዩ።’ (2 ዜና 6:30) ውሽጣዊ ሓሳባትናን ስምዒትናን ዓቕምናን ይርዳእ እዩ። ‘ካብ ዓቕምና ንላዕሊ ኽንፍተን እውን ኣይሓድገናን እዩ።’ (1 ቈረ. 10:13) እዚ ብሓቂ ዜጸናንዕ እዩ!

የሱስ ንኻልኦት ዘርኣዮ ሓልዮት

8-10. እንታይ ረቛሒታት እዩ ነቲ የሱስ ንኻልኦት ዘለዎ ሓልዮት ኣበርክቶ ገይሩ ኪኸውን ዘለዎ፧

8 የሱስ ኣብ ምድሪ ሰብ ኰይኑ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ንኻልኦት ዓሚቝ ሓልዮት ነይርዎ እዩ። ነቲ ሓልዮቱ ኸኣ እንተ ወሓደ ሰለስተ ረቛሒ ኣበርክቶ ገይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ቀዳማይ፡ ኣቐዲሙ ኸም እተገልጸ፡ የሱስ ንባህርያት ኣቦኡ ምሉእ ብምሉእ ኣንጸባሪቕዎ እዩ። የሱስ ከም ኣቦኡ፡ ንሰባት የፍቅሮም ነይሩ እዩ። ብዅሉ እቲ የሆዋ ዝገበሮ ፍጥረታት ይሕጐስ እኳ እንተ ነበረ፡ ‘ምናዳ ግና ንደቂ ሰብ ይፈትዎም ነይሩ እዩ።’ (ምሳ. 8:31) ፍቕሪ ድማ ንስምዒት ካልኦት ኪሓሊ ደሪኻቶ እያ።

9 ካልኣይ፡ ከምቲ የሆዋ ልቢ ዜንብብ፡ የሱስ እውን ልቢ ኼንብብ ይኽእል እዩ። ውሽጣዊ ድራኸን ስምዒትን ሰባት ድማ ኪፈልጥ ይኽእል እዩ። (ማቴ. 9:4፣ ዮሃ. 13:10, 11) ስለዚ፡ የሱስ፡ ሰባት ልቦም ከም እተሰብረ ኼስተውዕል ከሎ፡ ብሓልዮት ተደሪኹ የጸናንዖም ነይሩ እዩ።—ኢሳ. 61:1, 2፣ ሉቃ. 4:17-21

10 ሳልሳይ፡ ገለ ኻብቲ ንሰባት ዜጋጥሞም ጸገማት ንየሱስ ኣጋጢምዎ እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ድኻ ስድራ ቤት እዩ ዓብዩ። ምስቲ ዘዕበዮ ኣቦኡ ዮሴፍ ኪሰርሕ ከሎ፡ ናይ ጕልበት ስራሕ ክሳዕ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ርእዩ እዩ። (ማቴ. 13:55፣ ማር. 6:3) ዮሴፍ፡ የሱስ ምድራዊ ኣገልግሎቱ ቕድሚ ምውዳኡ ዝሞተ እዩ ዚመስል። ስለዚ፡ የሱስ፡ ሞት እትፈትዎ ሰብካ ዜምጽኦ ሓዘን ይፈልጥ ኪኸውን ኣለዎ። ብዘይካዚ ድማ፡ እተፈላለየ ሃይማኖታዊ ኣረኣእያ ኣብ ዘለዋ ስድራ ቤት ምዃን ከመይ ከም ዝዀነ ይፈልጥ እዩ። (ዮሃ. 7:5) እዝን ካልእ ዘይተጠቕሰ ዅነታትን፡ ነቲ ንተራ ሰባት ዜጋጥሞም ጸገማትን ዚስምዖም ስምዒታትን ኪርዳእ ሓጊዝዎ እዩ።

የሱስ ብርሕራሐ ተደሪኹ ንሓደ ጸማም ካብቲ ህዝቢ ንበይኑ ይወስዶ (ሕጡብ ጽሑፍ 11 ርአ)

11. ሓልዮት የሱስ ምናዳ መዓስ እዩ ዚርአ ነይሩ፧ ግለጽ። (ኣብ ገበር ዘላ ስእሊ ርአ።)

11 ምናዳ ኣብቲ የሱስ ተኣምራት ዚገብረሉ እዋን፡ ሓልዮቱ ይርአ ነይሩ እዩ። የሱስ ግዴታኡ ስለ ዝዀነ ጥራይ ኣይኰነን ተኣምራት ዚገብር ነይሩ። ነቶም መከራ ዝነበሮም ሰባት ‘ይድንግጸሎም’ ነይሩ እዩ። (ማቴ. 20:29-34፣ ማር. 1:40-42) ንኣብነት፡ ኣብቲ የሱስ ንሓደ ሰብኣይ ካብ ህዝቢ ንበይኑ ወሲዱ ኣእዛኑ ዝኸፈተሉ ኣጋጣሚ፡ ወይ ኣብቲ ነቲ ሓደ ወዲ መበለት ዘተንስኣሉ ኣጋጣሚ ሓልዮቱ ኽንርኢ ንኽእል ኢና። (ማር. 7:32-35፣ ሉቃ. 7:12-15) የሱስ ንሰባት ይድንግጸሎም ነይሩ እዩ፣ ኪሕግዞም እውን ድሌት ነይርዎ እዩ።

12. የሱስ ንማርታን ንማርያምን ከም ዝደንገጸለን ኣብ ዮሃንስ 11:32-35 ብኸመይ ተገሊጹ ኣሎ፧

12 የሱስ ንማርታን ንማርያምን ደንጊጹለን እዩ። ብሞት ሓወን ኣልኣዛር ኪሓዝና ምስ ረኣየ፡ ንሱ እውን “ነብዐ።” (ዮሃንስ 11:32-35 ኣንብብ።) ናይ ቀረባ ዓርኩ ስለ ዝሰኣነ ኣይኰነን ነቢዑ። ከመይሲ፡ ንኣልኣዛር ከም ዜተንስኦ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። የግዳስ፡ የሱስ ንሓዘን እተን ፈተውቱ ስለ እተረድኦን በዚ ልቡ ስለ እተተንከየን እዩ ነቢዑ።

13. ብዛዕባ ድንጋጽ የሱስ ምፍላጥና ብኸመይ የተባብዓና፧

13 ብዛዕባ እቲ የሱስ ዘርኣዮ ድንጋጽ ምፍላጥና፡ ብዙሕ ይጠቕመና እዩ። ልክዕ እዩ፡ ከምኡ ፍጹማት ኣይኰንናን። ኰይኑ ግና፡ በቲ ንኻልኦት ዝሓዘሉ መገዲ፡ ንዕኡ ንፈትዎ ኢና። (1 ጴጥ. 1:8) ሕጂ ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ኰይኑ ይገዝእ ከም ዘሎ ምፍላጥና የተባብዓና እዩ። ኣብ ቀረባ ግዜ፡ ንዅሉ መከራ ኼወግዶ እዩ። የሱስ ባዕሉ ሰብ ስለ ዝነበረ ድማ፡ ንደቂ ሰብ ካብቲ ግዝኣት ሰይጣን ዘስዓበሎም ቝስሊ ንምሕዋይ ዜኽእል ብሉጽ ክእለት ኣለዎ። እወ፡ “ብድኻምና ኺድንግጸልና” ዚኽእል ገዛኢ ብምርካብና ተባሪኽና ኢና።—እብ. 2:17, 18፣ 4:15, 16

ነቲ የሆዋን የሱስን ዝሓደግዎ ኣብነት ቅድሓዮ

14. ብመሰረት ኤፌሶን 5:1, 2፡ እንታይ ክንገብር ኢና እንድረኽ፧

14 ነቲ የሆዋን የሱስን ዝሓደግዎ ኣብነት ክንሓስበሉ ኸለና፡ ንሕና እውን ብዝያዳ ኽንድንግጽ ንድረኽ ኢና። (ኤፌሶን 5:1, 2 ኣንብብ።) ከማታቶም ልቢ ኸነንብብ ኣይንኽእልን ኢና። ይኹን እምበር፡ ስምዒት ሰባት ንምርዳእን ዜድልዮም ነገራት ንምፍላጥን ጻዕሪ ኽንገብር ንኽእል ኢና። (2 ቈረ. 11:29) ከምታ ኣብ ዙርያና ዘላ ብጥቕሚ ርእሳ ጥራይ እትግደስ ዓለም ክንከውን ኣይንደልን ኢና። የግዳስ፡ ‘ንጥቕሚ ኻልኦት እውን እምበር፡ ንጥቕሚ ርእስና ጥራይ ከይንጥምት’ ንጽዕር ኢና።—ፊል. 2:4

(ሕጡብ ጽሑፍ 15-19 ርአ) *

15. ብፍላይ መን እዮም ደንገጽቲ ኪዀኑ ዘለዎም፧

15 ብፍላይ ሽማግለታት ጉባኤ ደንገጽቲ ኪዀኑ ኣለዎም። ነተን ብሕድሪ እተዋህባኦም ኣባጊዕ ጸብጻብ ከም ዚህቡለን ይፈልጡ እዮም። (እብ. 13:17) ሽማግለታት ንክርስትያናት ብጾቶም ንምሕጋዝ፡ ስምዒቶም ኪርድኡሎም ኣለዎም። እሞኸ ሽማግለታት ከመይ ገይሮም እዮም ደንገጽቲ ኪዀኑ ዚኽእሉ፧

16. ሓደ ደንጋጺ ሽማግለ እንታይ እዩ ዚገብር፧ እዚ ኣገዳሲ ዝዀነኸ ስለምታይ እዩ፧

16 ሓደ ደንጋጺ ሽማግለ ምስ ክርስትያን ኣሕዋቱን ኣሓቱን ግዜ የሕልፍ እዩ። ሕቶታት ይሓትት እሞ፡ ብኣቓልቦን ብትዕግስትን ይሰምዕ እዩ። ብሕልፊ ሓደ ኻብተን ፍቑራት ኣባጊዕ ኣብ ልቡ ዘሎ ኼፍስስ ምስ ዚደሊ እሞ ቓላት ምስ ዚሓጽሮ፡ ሰማዒ ሰብ ይደሊ እዩ። (ምሳ. 20:5) ሓደ ሽማግለ ብፍታው ግዜኡ ብምሃብ፡ ምስ ኣሕዋቱ ድልዱል ማእሰር እምነትን ዕርክነትን ፍቕርን ይፈጥር እዩ።—ግብ. 20:37

17. ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ኣብ ሽማግለታት ልዕሊ ዅሉ ኣኽቢሮም ዚርእይዋ ባህርይ እንታይ ምዃና እዮም ዚገልጹ፧ ኣብነት ሃብ።

17 ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ኣብ ሽማግለታት ጉባኤ ልዕሊ ዅሉ ኣኽቢሮም ዚርእይዋ ባህርይ ድንጋጽ ምዃና ይገልጹ እዮም። ስለምንታይ፧ ኣደሌድ፡ “ከም ዚርድኡኻ ስለ እትፈልጥ፡ ክትዛረቦም ይቐልለካ እዩ” ትብል። ኣስዕብ ኣቢላ እውን፡ “በቲ ኽትዛረቦም ከለኻ ዜርእይዎ ምላሽ፡ ከም ዚድንግጹልካ ኸተስተውዕል ትኽእል ኢኻ” ትብል። ሓደ ሓው ድማ፡ “ሓደ ሽማግለ ብዛዕባ ዅነታተይ ኪሓስብ ከሎ ኣዒንቱ ንብዓት ቅጽርጽር ኪብሎ ርእየ እየ። እቲ ስእሊ እቲ ወትሩ ኣብ ኣእምሮይ ተቐሪጹ እዩ” ብምባል ሞሳኡ ገሊጹ ኣሎ።—ሮሜ 12:15

18. ከመይ ጌርና ኢና ደንገጽቲ ኽንከውን እንኽእል፧

18 ሽማግለታት ጥራይ ግና ኣይኰኑን ደንገጽቲ ኪዀኑ ዘለዎም። ኵላትና ነዛ ባህርይ እዚኣ ኸነማዕብላ ንኽእል ኢና። ብኸመይ፧ ኣባላት ስድራ ቤትካን ክርስትያናት ብጾትካን እንታይ የሕልፉ ኸም ዘለዉ ኽትርዳእ ጽዓር። ንመንእሰያትን ንሕሙማትን ንኣረጋውያንን ሰቦም ንዝሞቶምን ተገደሰሎም። ከመይ ከም ዘለዉ ሕተቶም። ሓሳባቶም ኪገልጹ ኸለዉ፡ ብሓቂ ስምዓዮም። ኵነታቶም ብሓቂ ኸም እትርድኣሎም ኣርእዮም። ብእተኻእለካ መጠን ኽትሕግዞም ፈትን። ከምኡ እንተ ጌርና፡ ናይ ሓቂ ፍቕሪ ብግብሪ ኸነርኢ ኢና።—1 ዮሃ. 3:18

19. ንሰባት ክንሕግዝ ከለና፡ ተዓጻጸፍቲ ኽንከውን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

19 ንሰባት ክንሕግዝ ከለና፡ ተዓጻጸፍቲ ኽንከውን ኣሎና። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ሰባት ንጸገማት ዚሕዙሉ መገዲ ይፈላለ እዩ። ገሊኦም ብዛዕባኡ ኺዛረቡ ይደልዩ እዮም፣ ገሊኦም ግና ስቕ በሃልቲ እዮም። ስለዚ፡ ሓገዝ ክንህብ ንደሊ እኳ እንተ ዀንና፡ ንብሕታዊ ጕዳዮም ዚምልከት ሕቶታት ግና ክንሓትቶም የብልናን። (1 ተሰ. 4:11) ኣብ ልቦም ዘሎ ኺገልጹልና ኸለዉ እውን፡ ከም ናታቶም ዓይነት ኣረኣእያ ኸም ዘይብልና ንግንዘብ ንኸውን። ይኹን እምበር፡ ንሳቶም ከምኡ ኸም ዚስምዖም ክንርስዕ የብልናን። ንምስማዕ ቅልጡፋት፡ ንምዝራብ ከኣ ደንጐይቲ ኽንከውን ንደሊ ኢና።—ማቴ. 7:1፣ ያእ. 1:19

20. ኣብ እትስዕብ ዓንቀጽ እንታይ ክንርኢ ኢና፧

20 ኣብ ጉባኤ ደንገጽቲ ኣብ ርእሲ ምዃንና፡ ነዛ ጽብቕቲ ባህርይ እዚኣ ኣብ ኣገልግሎትና ኸነርእያ ንደሊ ኢና። ደቀ መዛሙርቲ ኽንገብር ከለና፡ ከመይ ጌርና ኢና ድንጋጽ ከነርኢ እንኽእል፧ ኣብ እትስዕብ ዓንቀጽ፡ ብዛዕባ እዚ ኽንርኢ ኢና።

መዝሙር 130 ይቕረ በሃልቲ ንኹን

^ ሕ.ጽ. 5 የሆዋን የሱስን ብዛዕባ ስምዒት ካልኦት ይሓልዩ እዮም። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ካብ ኣብነቶም እንታይ ክንምሃር ከም እንኽእል ትገልጽ። ስለምንታይ ክንድንግጽ ከም ዘሎናን ከመይ ጌርና ኸምኡ ኸም እንገብርን እውን ትገልጽ።

^ ሕ.ጽ. 1 መግለጺ ቓላት፦ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣን ኣብ እትስዕብ ዓንቀጽን፡ እታ “ድንጋጽ” እትብል ቃል፡ ስምዒት ካልኦት ተረዲእና ከማታቶም ኪስምዓና ምጽዓር ተመልክት። (ሮሜ 12:15) ንሓደ ዚሳቐ ወይ ዚግፋዕ ዘሎ ሰብ ምርሕራሕ ማለት እውን እያ። እዚ ስምዒት እዚ ኸኣ፡ ነቲ ሰብ ንምሕጋዝ ዚከኣለካ ዘበለ ኽትገብር ይድርኸካ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ “ድንጋጽ” ኺብሃል ከሎምስ “ሓልዮት” ምስ እትብል ቃል ሕደ ትርጉም ኣለዎ።

^ ሕ.ጽ. 6 የሆዋ ንዝጐሃዩ ወይ ንዝፈርሁ ኻልኦት እሙናት ውልቀ ሰባት እውን ራሕሪሑሎም እዩ። ኣብዚ መዳይ እዚ፡ ዛንታ ሃናን (1 ሳሙ. 1:10-20) ዛንታ ኤልያስን (1 ነገ. 19:1-18) ዛንታ ዔቤድ-ሜሌክን (ኤር. 38:7-13፣ 39:15-18) ክንዝክር ንኽእል ኢና።

^ ሕ.ጽ. 65 መግለጺ ስእሊ፦ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዚግበር ኣኼባታት ንምቅርራብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ይኸፍት። (1) ሓደ ሽማግለ ንሓደ ንእሽቶ ኣስፋሕን ንኣዲኡን ብለውሃት የዛራርቦም። (2) ሓደ ኣቦን ጓሉን ንሓንቲ ብዕድመ ዝደፍአት ሓብቲ ደጊፎም ናብ ማኪና ይወስድዋ። (3) ክልተ ሽማግለታት ንሓንቲ ሓገዝ እትደሊ ሓብቲ ጽን ኢሎም ይሰምዕዋ።