ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 13

ኣብ ኣገልግሎትካ ድንጋጽ ኣርኢ

ኣብ ኣገልግሎትካ ድንጋጽ ኣርኢ

“ደንገጸሎም። ብዙሕ ከኣ ኪምህሮም ጀመረ።”—ማር. 6:34

መዝሙር 70 ዚግብኦ ዘበለ ድለዩ

መላለዪ *

1. ሓደ ኻብቲ ባህ ዜብል ባህርያት የሱስ እንታይ እዩ፧ ግለጽ።

ሓደ ኻብቲ ባህ ዜብል ባህርያት የሱስ፡ ንሕና ዘይፍጹማት ሰባት ዘሎና ጸገማት ኪርዳእ ምኽኣሉ እዩ። የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ‘ምስቶም ዚሕጐሱ ኺሕጐስ፡ ምስቶም ዚበኽዩ ኸኣ ኪበኪ’ ኽኢሉ እዩ። (ሮሜ 12:15) ንኣብነት፡ እቶም 70 ደቀ መዛሙርቱ ኣብቲ እተዋህቦም ስብከት ኣሳልጦ ረኺቦም ብሓጐስ ምስ ተመልሱ፡ የሱስ “ብመንፈስ ቅዱስ ባህ በሎ።” (ሉቃ. 10:17-21) በቲ ኻልእ ሸነኽ ግና፡ ሞት ኣልኣዛር ኣብቶም ሰቡ ዘስዓቦ ሓዘን ምስ ረኣየ፡ “ብውሽጡ እህህ በለ፡ ተረበሸ ኸኣ።”—ዮሃ. 11:33

2. የሱስ ንሰባት ኪድንግጽ ዝሓገዞ እንታይ እዩ፧

2 እዚ ፍጹም ሰብ እዚ ኣብቲ ምስ ሓጥኣን ሰባት ዘለዎ ርክብ መሓርን ርሕሩሕን ኪኸውን ዝሓገዞ እንታይ እዩ፧ ቅድም ቀዳድም፡ የሱስ ንሰባት የፍቅር ነይሩ እዩ። ኣብ ዝሓለፈት ዓንቀጽ ተጠቒሱ ኸም ዘሎ ድማ፡ ‘ምናዳ ንደቂ ሰብ ይፈትዎም ነይሩ እዩ።’ (ምሳ. 8:31) እታ ፍቕሪ ሰባት ከኣ ኣተሓሳስባ ሰብ ኣጸቢቑ ኺፈልጥ ኣኽኢላቶ እያ። ሃዋርያ ዮሃንስ ብዛዕባ የሱስ፡ ‘ኣብ ሰብ ዘሎ ይፈልጥ ነይሩ እዩ’ ኢሉ ገሊጹ ኣሎ። (ዮሃ. 2:25) የሱስ ንሰባት ኣጸቢቑ ይርሕርሓሎም ነይሩ እዩ። ሰባት ነቲ ፍቕሩ ርእዮም፡ ነቲ ሒዝዎ ዝመጸ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ይቕበልዎ ነይሮም እዮም። ንሕና እውን ንሰባት ርሕራሐ ብዝያዳ ብዘማዕበልና መጠን፡ ኣገልግሎትና ኣብ ምፍጻም ብዝያዳ ውጽኢታውያን ንኸውን ኢና።—2 ጢሞ. 4:5

3-4. (ሀ) ንሰባት እንድንግጸሎም እንተ ዄንና፡ ንኣገልግሎትና ብኸመይ ኢና እንርእዮ፧ (ለ) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ክንምርምር ኢና፧

3 ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ኪሰብኽ ግዴታ ኸም ዘለዎ ይፈልጥ ነይሩ እዩ፣ ንሕና እውን ግዴታ ይስምዓና እዩ። (1 ቈረ. 9:16) ንሰባት እንድንግጸሎም እንተ ዄንና ግና፡ ንኣገልግሎትና ኸም ግዴታ ጥራይ ጌርና ኣይኰንናን እንርእዮ። ንሰባት ከም እንሓልየሎምን ክንሕግዞም ባህጊ ኸም ዘሎናን ከነርኢ ንደሊ ኢና። ‘ካብ ምቕባል፡ ምሃብ ከም ዜሐጕስ’ ንፈልጥ ኢና። (ግብ. 20:35) ንኣገልግሎትና በዚ ኣረኣእያ እዚ ብዝረኣናዮ መጠን፡ ብዝያዳ እናተሓጐስናሉ ኢና እንኸይድ።

4 ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ኣብ ኣገልግሎትና ኸመይ ጌርና ንሰባት ድንጋጽ ከም እነርኢ ኽንምርምር ኢና። ቀዳማይ፡ ካብቲ የሱስ ብዛዕባ ሰባት እተሰምዖ ስምዒት እንታይ ከም እንምሃር ክንርኢ ኢና። ድሕሪኡ፡ ኣብነቱ ኽንስዕበሉ እንኽእል ኣርባዕተ መገዲ ኽንምርምር ኢና።—1 ጴጥ. 2:21

የሱስ ኣብ ኣገልግሎት ድንጋጽ ኣርእዩ

የሱስ ብድንጋጽ ተደሪኹ ዜጸናንዕ መልእኽቲ ሰበኸ (ሕጡብ ጽሑፍ 5-6 ርአ)

5-6. (ሀ) የሱስ ንመን እዩ ዝደንገጸሎም፧ (ለ) ኣብ ኢሳይያስ 61:1, 2 ብትንቢት ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ የሱስ ነቶም ዚሰብከሎም ዝነበረ ሰባት ዝደንገጸሎም ስለምንታይ እዩ፧

5 የሱስ ብኸመይ ንሰባት ከም ዝደንገጸሎም እስከ ንርአ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ብዘይ ዕረፍቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ሰበኹ። “ንምብላዕ እኳ ግዜ ኽሳዕ ዚስእኑ” ብዙሕ ዓየዩ። ስለዚ፡ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ኣብ ጽምዊ ቦታ ብሕት ኢልኩም፡ ሓንሳእ ከተዕርፉስ፡ ንዑናይ” ኢሉ ወሰዶም። እንተዀነ ግና፡ ብዙሓት ህዝቢ ናብቲ የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ዚኸዱሉ ዝነበሩ ቦታ ጐይዮም ቀደምዎም። የሱስ ኣብኡ ምስ በጽሐ እሞ ብዙሕ ህዝቢ ምስ ረኣየ፡ ከመይ ተሰምዖ፧ እንታይከ ገበረ፧ “ጓሳ ኸም ዘይብለን ኣባጊዕ ስለ ዝነበሩ፡ ደንገጸሎም። ብዙሕ ከኣ ኪምህሮም ጀመረ።”—ማር. 6:30-34

6 የሱስ ስለምንታይ ከም ዝደንገጸሎም እስከ ንርአ። ነቶም ህዝቢ “ጓሳ ኸም ዘይብለን ኣባጊዕ” ገይሩ እዩ ርእይዎም። ምናልባት የሱስ፡ ገሊኣቶም ድኻታት ብምንባሮም ንስድራኦም ዜድልዮም ንምምእራር ነዊሕ ሰዓታት ከም ዚሰርሑ ርእዩ ይኸውን። ገሊኣቶም ከኣ ብሞት ሰቦም ዝሓዘኑ ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። የሱስ ነቲ ዅነታቶም ኪርድኦ ይኽእል ነይሩ እዩ። ኣብ ዝሓለፈት ዓንቀጽ ተጠቒሱ ኸም ዘሎ ድማ፡ ብገሊኡ ኻብዚ ጸገማት ሓሊፉ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብዛዕባ ሰባት ይሓሊ ብምንባሩ ኸኣ፡ ዜጸናንዕ መልእኽቲ ኺህቦም ተደሪኹ እዩ።—ኢሳይያስ 61:1, 2 ኣንብብ።

7. ከመይ ጌርና ኢና ኣብነት የሱስ ክስዕብ እንኽእል፧

7 ካብ የሱስ እንታይ ንምሃር፧ ንሕና እውን ከም የሱስ “ጓሳ ኸም ዘይብለን ኣባጊዕ” ብዝዀኑ ሰባት ኢና ተኸቢብና ዘለና። ንሳቶም ድማ ምስ ብዙሕ ጸገማት ይቃለሱ ኣለዉ። ንሕና ኸኣ ንዓታቶም ዜድልዮም ነገር፡ ማለት መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣሎና። (ራእ. 14:6) ስለዚ፡ ኣብነት ጐይታና ብምስዓብ፡ ‘ንትሑትን ንድኻን ንድንግጸሎም’ ኢና፣ በዚ ተደሪኽና እውን ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንሰብከሎም ኢና። (መዝ. 72:13) ንሰባት ንርሕርሓሎም ኢና፣ ንምሕጋዞም እውን ገለ ኽንገብር ንደሊ ኢና።

ከመይ ጌርና ኢና ድንጋጽ ከነርኢ እንኽእል፧

ንነፍሲ ወከፍ እንታይ ከም ዜድልዮ ሕሰብ (ሕጡብ ጽሑፍ 8-9 ርአ)

8. ኣብ ኣገልግሎት ንሰባት ድንጋጽ እነርእየሉ ሓደ መገዲ እንታይ እዩ፧ ብምሳሌ ኣረድእ።

8 ነቶም እንሰብከሎም ከም እንድንግጸሎም ከመይ ጌርና ኸነርኢ ንኽእል፧ ገዛእ ርእስና ኣብ ቦታ እቶም ኣብ ኣገልግሎት እንረኽቦም ሰባት ኣእቲና ኽንርእያ እሞ፡ ከምቲ ንዓና ኺግበረልና እንደልዮ ኽንገብረሎም ንደሊ ኢና። * (ማቴ. 7:12) ከምኡ ኽንገብረሉ እንኽእል ኣርባዕተ መገዲ እስከ ንርአ። ቀዳማይ፡ ንነፍሲ ወከፍ እንታይ ከም ዜድልዮ ሕሰብ። ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክንሰብኽ ከለና፡ ዕዮና ምስ ዕዮ ሓኪም ይመሳሰል እዩ። ንፉዕ ሓኪም ንነፍሲ ወከፍ ተሓካሚኡ እንታይ ከም ዜድልዮ ይሓስብ እዩ። ሕቶታት ይሓትት እሞ፡ እቲ ተሓካሚኡ ኸመይ ከም ዚገብሮ ኺገልጸሉ ኸሎ ተጠንቂቑ ይሰምዖ እዩ። ቀጺሉ እቲ ሓኪም ኣብ ኣእምሮኡ ፈለማ ዝመጸሉ ሕክምና ኣብ ክንዲ ዚእዝዝ፡ ንምልክታት እቲ ተሓካሚ ኺዕዘብ ይደሊ ይኸውን፣ ድሕርዚ ዅሉ እዩ ግቡእ ሕክምና ዚህብ። ንሕና እውን ኣብ ኣገልግሎት ንእንረኽቦ ዘበለ ዅሉ ሰብ ሕደ ኣቀራርባ ኽንጥቀም የብልናን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ነቲ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዘለዎ በበይኑ ዅነታትን ኣረኣእያን ኣብ ግምት ነእቱ ኢና።

9. እንታይ ከም እንፈልጥ ጌርና ኢና ኽንሓስብ ዘይብልና፧ ግለጽ።

9 ኣብ ኣገልግሎት ምስ ሰብ ክትራኸብ ከለኻ፡ ኵነታቱ እንታይ ምዃኑ ወይ እንታይ ከም ዚኣምንን ስለምንታይ ከምኡ ኢሉ ኸም ዚኣምንን ከም እትፈልጥ ጌርካ ኣይትሕሰብ። (ምሳ. 18:13) ኣብ ክንዳኡስ፡ ብሕቶታት ጌርካ ኣብ ልቡ ዘሎ ኺገልጽ ኣጋጣሚ ሃቦ። (ምሳ. 20:5) ኣብ ባህልኹም ግቡእ እንተ ዀይኑ፡ ብዛዕባ ስራሑን ስድራ ቤቱን ድሕረ ባይታኡን ኣረኣእያኡን ሕተት። ንሰባት ኣብ ልቦም ዘሎ ኺገልጹ ኣጋጣሚ እንተ ሂብናዮም፡ ብኻልእ ኣበሃህላ እቲ ብስራት ስለምንታይ ከም ዜድልዮም ኪነግሩና ኢና እንፈቕደሎም ዘለና። ነዚ ምስ ፈለጥና ኸኣ፡ ከምቲ የሱስ ዝገበሮ፡ ምስቲ ዅነታቶም ተደናጊጽና ዜድልዮም ክንህቦም ንኽእል ኢና።—ምስ 1 ቈረንቶስ 9:19-23 ኣረኣኢ።

እቲ እትምስክረሉ ሰብ ህይወቱ ኸመይ ከም ዝዀነ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣል (ሕጡብ ጽሑፍ 10-11 ርአ)

10-11. ብመሰረት 2 ቈረንቶስ 4:7, 8፡ ንሰባት ድንጋጽ ከነርእየሉ እንኽእል ካልኣይ መገዲ እንታይ እዩ፧ ኣብነት ሃብ።

10 ካልኣይ፡ ህይወቶም ከመይ ከም ዝዀነ ኣብ ኣእምሮኻ ኽትስእሎ ፈትን። ኣብ ገሊኡ መገድታት፡ ነቲ ዅነታቶም ክንርድኦ ንኽእል ኢና። ከመይሲ፡ ካብቲ ንዅሉ ዘይፍጹም ሰብ ዜጋጥም ጸገማት ከነምልጥ ኣይንኽእልን ኢና። (1 ቈረ. 10:13) ኣብዚ ስርዓት እዚ፡ ህይወት ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኪኸውን ከም ዚኽእል ንፈልጥ ኢና። ብሓገዝ የሆዋ ጥራይ ኢና ኽንጻወር እንኽእል። (2 ቈረንቶስ 4:7, 8 ኣንብብ።) ብዛዕባ እቶም ምስ የሆዋ ናይ ቀረባ ዕርክነት ዘይብሎም ክነሶም፡ ኣብዛ ዓለም ንምንባር ዚቃለሱ ዘለዉ ሰባት እሞ ንሕሰብ። ከም የሱስ፡ ንድንግጸሎም ኢና፣ “ዝሓሸ ብስራት” ክንነግሮም እውን ድራኸ ይሓድረና እዩ።—ኢሳ. 52:7

11 ሰርጌ ንዝስሙ ሓው ዘጋጠሞ እስከ ንርአ። ሓቂ ቕድሚ ምፍላጡ፡ ምስ ሰብ ኣይሕወስን እዩ ነይሩ። ሓሳቡ ምግላጽ የጸግሞ ነይሩ እዩ። ሓደ ግዜ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪገብር ፍቓደኛ ዀነ። ድሕሪኡ እተሰምዖ ኺገልጽ ከሎ ድማ፡ “መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ከለኹ፡ ክርስትያናት ብዛዕባ እቲ ዚኣምኑሉ ነገራት ንሰባት ኪነግሩ ግዴታ ኸም ዘለዎም ፈለጥኩ” በለ። ኣስዕብ ኣቢሉ እውን፡ “‘ነዚ እኳ ፈጺመ ኽገብሮ ኣይክእልን እየ’ ኢለ ሓሰብኩ” በለ። ኰይኑ ግና፡ ብዛዕባ እቶም ሓቂ ዘይሰምዑ ሰባት ሓሰበ፣ ንየሆዋ ዘይፈልጡ ብምዃኖም ህይወቶም ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኪኸውን ከም ዚኽእል እውን ገመተ። ስለዚ ድማ፡ “እቲ ዝመሃሮ ዝነበርኩ ሓድሽ ነገራት ዓብዪ ሓጐስን ውሽጣዊ ሰላምን ኣምጽኣለይ። ካልኦት ሰባት እውን ነዚ ሓቅታት እዚ ኺመሃርዎ ኸም ዘለዎም ፈለጥኩ” በለ። ሰርጌ ንሰባት ብዝያዳ እናደንገጸ ብዝኸደ መጠን፡ ንምስባኽ እውን እናተብዐ ኸደ። ውጽኢቱ ኺገልጽ ከሎ ኸኣ፡ “እቲ ዜገርም ድማ፡ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ንሰባት ምንጋረይ ምትእምማን ኣሕደረለይ፣ ነቲ ዝመሃሮ ዝነበርኩ ሓቂ ኣብ ልበይ ከም ዚሰርጽ እውን ገበረ” ይብል። *

ገሊኦም ብመንፈሳዊ መዳይ ዕቤት ንምግባር ግዜ የድልዮም ይኸውን (ሕጡብ ጽሑፍ 12-13 ርአ)

12-13. ነቶም ኣብ ኣገልግሎት እንምህሮም ሰባት ክንዕገሶም ዜድልየና ስለምንታይ ኢና፧ ብምሳሌ ኣረድእ።

12 ሳልሳይ፡ ነቶም እትምህሮም ሰባት ተዓገሶም። ነቲ ንሕና ኣጸቢቕና እንፈልጦ ገሊኡ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ሓሲቦምሉ ኣይፈልጡን ይዀኑ። ብዙሓት ከኣ ምስቲ እምነታቶም ጥቡቕ ስምዒታዊ ምትእስሳር ኣለዎም። እቲ ሃይማኖታዊ ኣረኣእያ ምስ ስድራ ቤቶምን ባህሎምን ማሕበረ ሰቦምን ከም ዜተኣሳስሮም ይኣምኑ ይዀኑ። ንዓታቶም ከመይ ጌርና ኽንሕግዞም ንኽእል፧

13 ነዚ ምሳሌ እሞ ኣስተብህለሉ፦ ሓደ ዝኣረገ ድልድል ኪትካእ ምስ ዜድልዮ፡ እንታይ እዩ ዚግበር፧ መብዛሕትኡ ግዜ፡ እቲ ናይ ቀደም ድልድል ገና እናኣገልገለ ኸሎ እዩ፡ ሓድሽ ድልድል ዚስራሕ። እቲ ሓድሽ ድልድል ምስ ተወድአ ኸኣ፡ እቲ ናይ ቀደም ይፈርስ። ብተመሳሳሊ ድማ፡ ንሰባት ነቲ ዚፈትውዎ ናይ “ቀደም” እምነታቶም ኪሓድግዎ ቕድሚ ምትብባዕና፡ ነቲ “ሓድሽ” ሓቅታት፡ ማለት ነቲ ዘይፈልጥዎ ዝነበሩ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣጸቢቖም ኪፈልጥዎን ኪፈትውዎን ክንሕግዞም ኣሎና። ድሕሪኡ ጥራይ እዮም ነቲ ናይ ቀደም ኣረኣእያኦም ኪሓድግዎ ድሉዋት ዚዀኑ። ሰባት ነዚ ለውጥታት እዚ ኺገብሩ ምሕጋዝ ግዜ ኺወስድ ይኽእል እዩ።—ሮሜ 12:2

14-15. ነቶም ኣብ ገነታዊት ምድሪ ንዘለኣለም ብዛዕባ ምንባር ብዙሕ ዘይፈልጡ ሰባት ከመይ ጌርና ኽንሕግዞም ንኽእል፧ ኣብነት ሃብ።

14 ነቶም ኣብ ኣገልግሎት እንረኽቦም ሰባት ንዕገሶም እንተ ዄንና፡ ሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ ንፈለማ ስምዕ ምስ ኣበልዎ ኺርድእዎ ወይ ኪቕበልዎ ኣይንጸበዮምን ኢና። ኣብ ክንዳኡስ፡ ንድንግጸሎም እንተ ዄንና፡ ግዜ ወሲድና ብቕዱሳት ጽሑፋት ተመስሪቶም ኪሓስቡ ንሕግዞም ኢና። ንኣብነት፡ ንሓደ ሰብ ኣብ ገነታዊት ምድሪ ንዘለኣለም ብዛዕባ ምንባር ከመይ ጌርና ኸም እነረድኦ እስከ ንርአ። ብዙሓት ብዛዕባ እዚ ትምህርቲ እዚ ብዙሕ ኣይፈልጡን እዮም። ሰብ ምስ ሞተ፡ ኣኺልዎ ህልውናኡ ኸም ዜብቅዕ ይኣምኑ ይዀኑ። ወይ ድማ ኵሎም ቅኑዓት ሰባት ናብ ሰማይ ከም ዚኸዱ ይኣምኑ ይዀኑ። እሞኸ ኸመይ ጌርና ኽንሕግዞም ንኽእል፧

15 ሓደ ሓው፡ ውጽኢታዊ ዀይኑ ዝረኸቦ ኣቀራርባ ኣዘንትዩ ኣሎ። ፈለማ፡ ዘፍጥረት 1:28 የንብብ። ድሕሪኡ፡ ነቲ ብዓል ቤት፡ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ኣበይን ኣብ ምንታይ ኵነታትን ኪነብሩ ኸም ዝደለዮም ይሓትቶ። መብዛሕትኦም ሰባት፡ “ኣብ ምድሪ፡ ኣብ ጽቡቕ ኵነታት” ኢሎም ይምልሱ እዮም። ድሕሪኡ፡ እቲ ሓው ነቲ ብዓል ቤት፡ ኢሳይያስ 55:11 የንብበሉ እሞ፡ ኣምላኽ ዕላማኡ ቐዪሩ እንተ ዀይኑ ይሓትቶ። ብዙሕ ግዜ፡ እቲ ብዓል ቤት፡ “ኣይቀየረን” ኢሉ ይምልስ እዩ። ኣብ መወዳእታ፡ እቲ ሓው፡ መዝሙር 37:10, 11 የንብበሉ እሞ፡ መጻኢ ደቂ ሰብ እንታይ ከም ዚኸውን ይሓትቶ። ንቕዱሳት ጽሑፋት በዚ ኸምዚ ብምጥቃም፡ ኣምላኽ ንሰባት ኣብ ገነታዊት ምድሪ ንዘለኣለም ኬንብሮም ከም ዚደሊ፡ ንብዙሓት ሰባት ኣረዲኡ እዩ።

ንእሽቶ ሰናይ ግብሪ ምግባር፡ ንኣብነት እተተባብዕ ደብዳበ ምስዳድ፡ ብዙሕ ኪጠቅም ይኽእል (ሕጡብ ጽሑፍ 16-17 ርአ)

16-17. ብመሰረት ምሳሌ 3:27፡ ገለ ኻብቲ ድንጋጽ ከነርእየሉ እንኽእል ግብራዊ መገድታት እንታይ እዩ፧ ኣብነት ሃብ።

16 ራብዓይ፡ ሓልዮትካ ንምርኣይ ግብራዊ መገድታት ኣናዲ። ንኣብነት፡ ነቲ ብዓል ቤት ኣብ ዘይጥዕሞ እዋን እንተ ኼድናዮ፡ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧ ይቕረታ ሓቲትና ኣብ ዝሓሸ ግዜ ኸም እንምለስ ክንገልጽ ንኽእል ኢና። እቲ ብዓል ቤት ቀሊል ሓገዝ እንተ ኣድልይዎ፡ ወይ ዓዲ ውዒል እንተ ዀይኑ እሞ ዚልኣኾ ሰብ እንተ ደልዩ፡ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧ ነቲ ሰብ ክንሕግዞ ንኽእል ኢና።—ምሳሌ 3:27 ኣንብብ።

17 ሓንቲ ሓብቲ ንእሽቶ ዚመስል ሰናይ ተግባር ብምግባራ፡ ጽቡቕ ፍረ ረኺባ እያ። ብድንጋጽ ተደሪኻ፡ ውሉዶም ንዝሞቶም ስድራ ደብዳበ ጸሓፈትሎም። ኣብታ ደብዳበ ኸኣ፡ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ጠቐሰትሎም። እሞኸ እዚ ነቶም ስድራ እንታይ ጽልዋ ገይሩሎም፧ እታ ውሉዳ ዝሞታ ኣደ ኸምዚ ኢላ ምላሽ ጸሓፈትላ፦ “ትማሊ ሕማቕ መዓልቲ ኢና ውዒልና ኔርና። ደብዳበኺ እንታይ ጽልዋ ኸም ዝገበረትልና ግና፡ ክትግምቲ ኣይትኽእልን ኢኺ። ኣዝየ እየ ዘመስግነኪ፣ ደብዳበኺ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዝጠቐመትና ብቓላት ክገልጾ ዚኽእል ኣይኰነን። ትማሊ ደብዳበኺ እንተ ወሓደ 20 ሳዕ ኣንቢበያ እየ። በቲ ኣብኣ ዝረኣኽዎ ለውሃትን ሓልዮትን ምትብባዕን ብዙሕ ተገሪመ እየ። ካብ ልብና ዝፈልፈለ ምስጋናና ይብጻሕኪ።” ገዛእ ርእስና ኣብ ቦታ እቶም ጸገማት ዘጋጠሞም ጌርና እንተ ርኢናን ንምሕጋዞም ሓደ ነገር እንተ ጌርናን፡ ብርግጽ ጽቡቕ ፍረ ኽንረክብ ንኽእል ኢና።

ብዛዕባ ግደኻ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ይሃሉኻ

18. ብመሰረት 1 ቈረንቶስ 3:6, 7፡ እንታይ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ኢና ኽንሕዝ እንደሊ፧

18 ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣገልግሎት ዘሎና ግደ፡ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ኺህልወና ንደሊ ኢና። ሰባት ብዛዕባ ኣምላኽ ምእንቲ ኺምሃሩ፡ እጃምና ኸነበርክት ንኽእል ኢና፣ ንሕና ዘሎና ግደ ግና፡ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ኣይኰነን። (1 ቈረንቶስ 3:6, 7 ኣንብብ።) ንሰባት ዚስሕቦም፡ የሆዋ እዩ። (ዮሃ. 6:44) ኣብ መወዳእታ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ከከም ኵነታት ልቡ እዩ ነቲ ብስራት ምላሽ ዚህብ። (ማቴ. 13:4-8) መብዛሕትኦም ሰባት ንመልእኽቲ የሱስ ከም ዘይተቐበልዎ ኣይትረስዕ፣ ንሱ ድማ ዓብዪ መምህር እዩ ነይሩ! እምበኣር፡ ብዙሓት ክንሕግዞም እንጽዕር ሰባት ንመልእኽትና እንተ ዘይተቐበልዎ ኽንጕሂ የብልናን።

19. ኣብ ኣገልግሎትና ንሰባት ንድንግጸሎም እንተ ዄንና፡ እንታይ ጥቕምታት ኢና እንረክብ፧

19 ኣብ ኣገልግሎትና ንሰባት ንድንግጸሎም እንተ ዄንና፡ ጥቕምታት ክንረክብ ኢና። ንዕዮ ስብከትና ኽንፈትዎ ኢና። ብምሃብ ዚርከብ ዝያዳ ሓጐስ ድማ ክንረክብ ኢና። ነቶም “ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዘንቀዱ” ኸኣ ነቲ ብስራት ኪቕበልዎ ኸነቕልለሎም ኢና። (ግብ. 13:48) “እምበኣር፡ ኣጋጣሚ ኽሳዕ ዘሎና፡ ንዅሉ . . . ሰናይ ንግበር።” (ገላ. 6:10) ሽዑ፡ ንሰማያዊ ኣቦና ኽብሪ ኸነምጽኣሉ ብምኽኣልና ኽንሕጐስ ኢና።—ማቴ. 5:16

መዝሙር 64 ኣብ ቀውዒ ብሓጐስ ንሳተፍ

^ ሕ.ጽ. 5 ድንጋጽ ነርኢ እንተ ዄንና፡ ኣብ ኣገልግሎት ሓጐስና ይውስኽ፡ ብዙሕ ግዜ እውን ፍረ ንረክብ ኢና። ስለምንታይ፧ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ካብ የሱስ እንታይ ከም እንምሃር ክንርኢ ኢና፣ ብተወሳኺ ድማ ኣብ ዕዮ ስብከት ንእንረኽቦም ሰባት ድንጋጽ እነርእየሉ ኣርባዕተ መገዲ ኽንርኢ ኢና።

^ ሕ.ጽ. 8 ኣብ ናይ 15 ግንቦት 2014 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት፡ “ኣብ ኣገልግሎትካ ነታ ወርቃዊት ሕጊ ስዓባ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።