ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 10

ከይጥመቕከ እንታይ ይኽልክለኒ፧

ከይጥመቕከ እንታይ ይኽልክለኒ፧

“ፊልጶስን እቲ ስሉብን ናብቲ ማይ ወረዱ፣ ኣጥመቖ እውን።”—ግብ. 8:38

መዝሙር 52 ክርስትያናዊ ወፈያ

መላለዪ *

1. ኣዳምን ሄዋንን እንታይ እዮም ስኢኖም፧ እዚኸ እንታይ ሳዕቤን ኣስዒቡ፧

መለክዒታት ጽቡቕን ክፉእን ኪውስን ዘለዎ መን ይመስለካ፧ ኣዳምን ሄዋንን ካብታ ኦም ፍልጠት ጽቡቕን ክፉእን ምስ በልዑ፡ ንየሆዋን ንመለክዒታቱን ከም ዘይኣምንዎ እዮም ንጹር መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም። ናይ ርእሶም መለክዒታት ጽቡቕን ክፉእን ኪሰርዑ እውን ወሲኖም። (ዘፍ. 3:22) ብሰንኪ እዚ እንታይ ከም ዝሰኣኑ ግና ርኢና ኢና። ምስ የሆዋ ዝነበሮም ዕርክነት ስኢኖም እዮም። ንዘለኣለም ንምንባር ዝነበሮም ኣጋጣሚ እውን ኣጥፊኦም እዮም፣ ሓጢኣትን ሞትን ከኣ ንዘርኦም ኣውሪሶም እዮም። (ሮሜ 5:12) ኣዳምን ሄዋንን ዝገበርዎ ምርጫ ናብ ጭንቂ እዩ መሪሑ።

እቲ ስሉብ ኢትዮጵያዊ ብየሱስ ምስ ኣመነ፡ ብኡብኡ ኽጥመቕ ደለየ (ሕጡብ ጽሑፍ 2-3 ርአ)

2-3. (ሀ) እቲ ስሉብ ኢትዮጵያዊ ንስብከት ፊልጶስ ድሕሪ ምስማዑ እንታይ ምላሽ ሂቡ፧ (ለ) ካብ ጥምቀት እንታይ በረኸት ኢና እንረክብ፧ ሕጂኸ እንታይ ሕቶታት ክንምርምር ኢና፧

2 እቲ ኣዳምን ሄዋንን ዝገበርዎ ነገር ምስቲ እቲ ስሉብ ኢትዮጵያዊ ነቲ ፊልጶስ ዝበሎ ሰሚዑ ዝወሰዶ ስጕምቲ እሞ ኣነጻጽሮ። እቲ ስሉብ ነቲ የሆዋን የሱስን ዝገበሩሉ ነገራት ልቡ ብዙሕ የማስወሉ ስለ ዝነበረ፡ ብኡብኡ ተጠሚቑ እዩ። (ግብ. 8:34-38) ንሕና እውን ከምቲ ስሉብ ርእስና ንኣምላኽ ወፊና ኽንጥመቕ ኸለና፡ ንጹር መልእኽቲ ኢና እነመሓላልፍ። ነቲ የሆዋን የሱስን ዝገበሩልና ነገራት ከም እነማስወሉ ነርኢ ኢና። ንየሆዋ ኸም እንኣምኖ ነርኢ ኢና፡ መለክዒታት ጽቡቕን ክፉእን ንሱ ኺሰርዓልና ኸም ዚግባእ እውን ኣሚንና ንቕበል ኢና።

3 ንየሆዋ ኸነገልግሎ ኸለና እንታይ በረኸት ከም እንረክብ እሞ ሕሰብ! ኵሉ እቲ ኣዳምን ሄዋንን ዝሰኣንዎ ነገራት፡ እንተላይ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ኣጋጣሚ መሊስና ኽንረክብ ንኽእል ኢና። የሆዋ ብምኽንያት እቲ ኣብ የሱስ ክርስቶስ ዘላትና እምነት፡ ንጌጋታትና ይቕረ ይብለልናን ንጹህ ሕልና ይህበናን እዩ። (ማቴ. 20:28፣ ግብ. 10:43) ክፍሊ እቶም ስምረት የሆዋ ብዚረኽቡ ሰባት ዝቘመ ስድራ ቤቱ ንኸውን ኢና፣ መጻኢና እውን ብሩህ እዩ። (ዮሃ. 10:14-16፣ ሮሜ 8:20, 21) እዚ ርኡይ ጥቕሚ እናሃለወ ኽነሱ ግና፡ ገሊኦም ንየሆዋ ምስ ፈለጥዎ፡ ኣብነት እቲ ስሉብ ኢትዮጵያዊ ኻብ ምስዓብ የድሓርሕሩ እዮም። እሞ ደኣ ኸይጥመቑ እንታይ እዩ ዚኽልክሎም፧ ነቲ ጸገማትከ ኸመይ ገይሮም ኪሰግርዎ ይኽእሉ፧

ንገሊኦም ሰባት ከይጥመቑ ዚኽልክሎም ዕንቅፋታት

ንገሊኦም ሰባት ከይጥመቑ ዚኽልክሎም ዕንቅፋታት

ጕድለት ርእሰ ምትእምማን (ሕጡብ ጽሑፍ 4-5 ርአ) *

4-5. ኤቭሪን ሃናን ዚብሃሉ መንእሰያት እንታይ ጸገማት እዩ ኣጋጢምዎም፧

4 ጕድለት ርእሰ ምትእምማን። ኤቭሪ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ወለዲ ኣለውዎ። ኣቦኡ ሓላይን ንፉዕን ሽማግለ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ኤቭሪ ኸይጥመቕ ተደናጕዩ እዩ። ስለምንታይ፧ “ከም ኣቦይ ንፉዕ ክኸውን ዝኽእል ኰይኑ ኣይተሰምዓንን” ብምባል ምኽንያቱ ገሊጹ ኣሎ። ብዘይካዚ፡ ናይ መጻኢ ሓላፍነታት ከይከብዶ ኣተሓሳሲብዎ እዩ። ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ፡ “ኣብ ቅድሚ ብዙሓት ክጽሊ፡ መደረ ከቕርብ፡ ወይ ንጕጅለ ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ኽመርሕ ሕቶ ኸይቀርበለይ እጭነቕ ነይረ” ኢሉ እዩ።

5 ሃና ዝስማ ጓል 18 ዓመት መንእሰይ፡ ብርእሳ ብዙሕ ኣይትተኣማመንን እያ ነይራ። ንዓኣ ድማ ንየሆዋ ዜገልግሉ ወለዲ እዮም ኣዕብዮምዋ። ይኹን እምበር፡ መለክዒታት የሆዋ ሓልያ ኽትመላለስ ትኽእል እንተ ዀይና ትጠራጠር ነይራ እያ። ስለምንታይ፧ ሃና ንርእሳ ኣመና ኣትሒታ እያ እትርእያ ነይራ። ሓድሓደ ግዜ፡ ኣመና ሕማቕ ይስምዓ ብምንባሩ፡ ኣብ ገዛእ ርእሳ ኣካላዊ ጕድኣት ተውርድ ነይራ እያ፣ እዚ ኸኣ ነቲ ነገር ኣጋዲድዎ እዩ። ብዛዕባ እዚ ኽትገልጽ ከላ፡ “ብዛዕባ እቲ ዝገበርክዎ ነገር ንዋላ ሓደ ሰብ፡ ዋላ እውን ንወለደይ ኣይነገርኩን። ብምኽንያት እቲ ኣብ ገዛእ ርእሰይ ዝገብሮ ዝነበርኩ ድማ የሆዋ ኸቶ ዘይደልየኒ ይመስለኒ ነይሩ” ትብል።

ጽልዋ ኣዕሩኽ (ሕጡብ ጽሑፍ 6 ርአ) *

6. ንቫነሳ ኸይትጥመቕ ዝኸልከላ እንታይ እዩ፧

6 ጽልዋ ኣዕሩኽ። ቫነሳ ዝስማ ጓል 22 ዓመት መንእሰይ፡ “ዳርጋ ንዓሰርተ ዓመት ዝፈልጣ ናይ ብሓቂ ጥዕይቲ መሓዛ ነይራትኒ እያ” ትብል። ኰይኑ ግና፡ እታ መሓዛኣ ኣብቲ ንምጥማቕ ዝነበራ ሸቶ ኣይደገፈታን። እዚ ኸኣ ንቫነሳ ጐድኣ፣ ብዛዕባ እዚ ድማ፡ “መሓዙት ምጥራይ ይኸብደኒ እዩ፣ ነቲ ርክብ እቲ እንተ በቲኸዮ፡ ካልእ ናይ ቀረባ መሓዛ ዘይረክብ ኰይኑ እዩ ተሰሚዑኒ” ትብል።

ከይጋገ ዚብል ፍርሂ (ሕጡብ ጽሑፍ 7 ርአ) *

7. ማካይላ ዝስማ መንእሰይ ብዛዕባ እንታይ እያ እትፈርህ ነይራ፧ ስለምንታይከ፧

7 ከይጋገ ዚብል ፍርሂ። ማካይላ ጓል ሓሙሽተ ዓመት ከላ፡ ሓዋ ተወገደ። ክትዓቢ ኸላ ድማ፡ እቲ ሓዋ ዝገበሮ ነገራት ንወለዳ ብኸመይ ከም ዝጸለዎም ትርኢ ነበረት። ስለዚ፡ ብዛዕባ እዚ ኽትገልጽ ከላ፡ “እንተ ተጠሚቐ፡ ጌጋ ብምግባረይ እውን እንተ ተወጊደ፡ ንወለደይ ተወሳኺ ጓሂ ኸየምጽኣሎም እፈርህ ነይረ” ትብል።

ፍርሂ ተቓውሞ (ሕጡብ ጽሑፍ 8 ርአ) *

8. ማይልስ ዚብሃል መንእሰይ ብዛዕባ እንታይ እዩ ዚፈርህ ነይሩ፧

8 ፍርሂ ተቓውሞ። ማይልስ ንየሆዋ ዜገልግሉ ኣቦን ሰበይቲ ኣቦን ኣለውዎ፣ ኣዲኡ ግና ናይ የሆዋ ምስክር ኣይኰነትን። ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ፡ “ምስ ኣደይ ን18 ዓመት እነብር ነይረ እየ፣ ክጥመቕ ከም ዝደሊ ምንጋር እውን የፍርሃኒ ነይሩ እዩ። ኣቦይ ናይ የሆዋ ምስክር ምስ ኰነ እንታይ ከም ዝገበረት ርእየያ ነይረ እየ። ከይተሸግረኒ እፈርህ ነይረ እየ” ይብል።

ነቲ ዕንቅፋታት ብኸመይ ክትሰግሮ ትኽእል፧

9. የሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ፈቃርን ዕጉስን ከም ዝዀነ እናተምሃርካ ምስ ከድካ፡ እንታይ ኢኻ እተማዕብል፧

9 ኣዳምን ሄዋንን ንየሆዋ ሓያል ፍቕሪ ስለ ዘየማዕበሉ፡ ንዕኡ ዘይምግልጋል እዮም ሓርዮም። ይኹን እምበር፡ ውሉዳት ክሳዕ ዚወልዱ ብህይወት ኪጸንሑን ንደቆም ብናይ ርእሶም መለክዒታት ኬዕብይዎምን የሆዋ ፈቒዱሎም እዩ። እቲ ኣዳምን ሄዋንን ካብ የሆዋ ተፈልዮም ብርእሶም ኪመሓደሩ ዝገበርዎ ውሳነ ዘፍረዮ ፍረ፡ ክሳዕ ክንደይ ከም ዝዓሸዉ ኣነጺሩ እዩ። እቲ በዅሪ ወዶም ነቲ ንጹህ ሓዉ ቐቲልዎ እዩ፣ ጸኒሑ እውን ዓመጻን ስስዐን ኣብ ህይወት ደቂ ሰብ ዓብላሊ ቦታ ኺሕዝ ጀሚሩ እዩ። (ዘፍ. 4:8፣ 6:11-13) እዚ ዅሉ ኪኸውን ከሎ ግና፡ የሆዋ ንዅሎም እቶም ኬገልግልዎ ዚደልዩ ዘርኢ ኣዳምን ሄዋንን ዜድሕነሉ መገዲ ኣዳልዩ ነይሩ እዩ። (ዮሃ. 6:38-40, 57, 58) የሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ዕጉስን ፈቃርን ከም ዝዀነ እናተምሃርካ ምስ ከድካ፡ ንዕኡ ዘላትካ ፍቕሪ ኽትዓቢ እያ። ነቲ ኣዳምን ሄዋንን ዝሓረይዎ መገዲ ሓዲግካ፡ ርእስኻ ንየሆዋ ንምውፋይ ድሌት ኪሓድረካ እዩ።

ነቲ ዕንቅፋታት ብኸመይ ክትሰግሮ ትኽእል፧

(ሕጡብ ጽሑፍ 9-10 ርአ) *

10. ብዛዕባ መዝሙር 19:7 ምስትንታንካ፡ ንየሆዋ ንምግልጋል ኪሕግዘካ ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧

10 ወትሩ ብዛዕባ የሆዋ ተምሃር። ብዛዕባ የሆዋ ብዝያዳ ብእተምሃርካ መጠን፡ ብዕዉት መገዲ ኸተገልግሎ ኸም እትኽእል ብዝያዳ ኽትተኣማመን ኢኻ። እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ኤቭሪ፡ “ብዛዕባ እቲ ኣብ መዝሙር 19:7 እተኣትወ ቓል ምስ ኣንበብኩን ምስ ኣስተንተንኩን፡ ምትእምማን ክረክብ ክኢለ እየ” ይብል። (ኣንብብ።) የሆዋ ነቲ ቓሉ ብኸመይ ከም ዝፈጸሞ ምስ ረኣየ፡ እታ ንኣምላኽ ዘላቶ ፍቕሪ እናሓየለት ከይዳ እያ። ፍቕሪ ንርእሰ ምትእምማንና ጥራይ ኣይኰነትን እትሃንጽ፣ የግዳስ፡ ኣብ የሆዋን ኣብቲ ንሱ ዚደልዮን ከም እነተኵር ትገብረና እያ። እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ሃና እውን፡ “ብሕታዊ ንባብን መጽናዕትን መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ገበርኩ፡ ገዛእ ርእሰይ ክጐድእ ከለኹ፡ ንየሆዋ እውን ከም ዘጕህዮ ተረዲኡኒ” ትብል። (1 ጴጥ. 5:7) ስለዚ፡ ሃና ‘ገባሪት ቃል ኣምላኽ’ ኰይና እያ። (ያእ. 1:22) እዚኸ እንታይ ኣፍርዩላ፧ “ንየሆዋ እዝዝቲ ምዃነይ ብኸመይ ከም ዝጠቐመኒ ምስ ረኣኹ፡ ንዕኡ ሓያል ፍቕሪ ኣሕዲረ። ሕጂ ድማ ሓገዙ ኼድልየኒ ኸሎ የሆዋ ወትሩ ኸም ዚሕግዘኒ ርግጸኛ እየ” ብምባል ትገልጽ። ሃና ነቲ ገዛእ ርእሳ ንምጕዳእ ዚድርኻ ስምዒት ከተሰንፎ ኽኢላ እያ። ርእሳ ንየሆዋ ወፍያ እውን ተጠሚቓ እያ።

(ሕጡብ ጽሑፍ 11 ርአ) *

11. ቫነሳ ጥዑያት መሓዙት ንምርካብ እንታይ ገይራ፧ ካብዚኸ እንታይ ንምሃር፧

11 ኣዕሩኽካ ተጠንቂቕካ ምረጽ። እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ቫነሳ፡ መሓዛኣ ንየሆዋ ኸይተገልግል ትጐትታ ኸም ዘላ ኣስተውዓለት። ስለዚ፡ ነቲ ምሕዝነታ በተኸቶ። ግናኸ፡ ተወሳኺ ጻዕሪ እውን ገይራ እያ። ኣብ ጉባኤ ሓደስቲ መሓዙት ንምርካብ ጽዒራ እያ። እቲ ኖህን ስድራ ቤቱን ዝሓደግዎ ኣብነት ከም ዝሓገዛ ኽትገልጽ ከላ ድማ፡ “ንየሆዋ ብዘየፍቅሩ ሰባት እዮም ተኸቢቦም ነይሮም፣ ንሓድሕዶም ግና ጽቡቕ ይቀራረቡ ነይሮም” ትብል። ቫነሳ ምስ ተጠምቀት፡ ፈላሚት ኰነት። ሕጂ ድማ፡ “እዚ ኣብ ጉባኤና ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ካልኦት ጉባኤታት እውን ጥዑያት መሓዙት ክረክብ ሓጊዙኒ እዩ” ትብል። ንስኻ እውን ኣብቲ የሆዋ ዝሃበና ዕዮ ብእተኻእለካ መጠን ብምስታፍ፡ ጥዑያት ኣዕሩኽ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

(ሕጡብ ጽሑፍ 12-15 ርአ) *

12. ኣዳምን ሄዋንን እንታይ ዓይነት ፍርሂ እዩ ዘይነበሮም፧ እዚኸ እንታይ ኣፍርዩሎም፧

12 ብዛዕባ ፍርሂ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ይሃሉኻ። ገሊኡ ዓይነት ፍርሂ ኺጠቕመና ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ንየሆዋ ኸይነጕህዮ ጥዑይ ፍርሃት ኪህልወና ኣለዎ። (መዝ. 111:10) ኣዳምን ሄዋንን ከምኡ ዓይነት ፍርሃት እንተ ዚህልዎም ነይሩ፡ ካብ የሆዋ ኣይምዓለዉን ነይሮም። ግናኸ፡ ዓልዮም እዮም። ምስ ዓለዉ ኸኣ፡ ኣዒንቶም ተኸፊተን እየን፣ ማለት ሓጥኣን ምዃኖም ምሉእ ብምሉእ ተፈሊጥዎም እዩ። ንደቆም ድማ ሓጢኣትን ሞትን ጥራይ እዮም ኬውርስዎም ክኢሎም። ኣብ ከመይ ዝበለ ዅነታት ከም ዘለዉ ኺርእዩን ኪርድኡን ስለ ዝኸኣሉ፡ ጥራዮም ብምዃኖም ሓፊሮምን ዕርቃኖም ከዲኖምን እዮም።—ዘፍ. 3:7, 21

13-14. (ሀ) ብመሰረት 1 ጴጥሮስ 3:21፡ ብፍርሂ ሞት ክንርዕድ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) ንየሆዋ ኸነፍቅሮ ዚድርኸና እንታይ ምኽንያታት ኣሎና፧

13 ጥዑይ ፍርሃት ኣምላኽ ኪህልወና እንደሊ እኳ እንተ ዀንና፡ ብፍርሂ ሞት ግና ክንርዕድ የብልናን። የሆዋ ንዓና፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት እንረኽበሉ መገዲ ኣዳልዩልና ኣሎ። ሓጢኣት እንተ ጌርና እሞ ብሓቂ እንተ ተነሲሕና፡ የሆዋ በደልና ይሓድገልና እዩ። ብመሰረት እቲ ኣብ መስዋእታዊ በጃ ወዱ ዘሎና እምነት ከኣ ይቕረ ይብለልና እዩ። ሓደ ኻብቲ እምነትና እነርእየሉ ቐንዲ መገድታት ድማ፡ ህይወትና ንኣምላኽ ብምውፋይን ብምጥማቕን እዩ።—1 ጴጥሮስ 3:21 ኣንብብ።

14 ንየሆዋ ኸነፍቅሮ ዚድርኸና ብዙሕ ምኽንያታት ኣሎና። ነቲ መዓልቲ መዓልቲ እንረኽቦ ጽቡቕ ነገራት ኣብ ርእሲ ምሃቡ፡ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱን ብዛዕባ ዕላማታቱን እውን ሓቂ ይምህረና እዩ። (ዮሃ. 8:31, 32) ኪመርሓናን ኪድግፈናን ኢሉ፡ ክርስትያናዊት ጉባኤ ሂቡና ኣሎ። ሕጂ ጾርና ኽንጸውር ይሕግዘና እዩ፣ ኣብ መጻኢ ኣብ ፍጹም ኵነታት ንዘለኣለም ከም እንነብር እውን ተስፋ ሂቡና ኣሎ። (መዝ. 68:19፣ ራእ. 21:3, 4) ነቲ የሆዋ ኸም መግለጺ ፍቕሩ ኽሳዕ ሕጂ ዝገበረልና ኸነስተንትነሉ ኸለና፡ ብፍቕሩ ንሰሓብ ኢና። ንየሆዋ ምስ ኣፍቀርናዮ ኸኣ፡ ብዛዕባ ፍርሂ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ይህልወና እዩ። ነቲ ብዙሕ እነፍቅሮ ኣምላኽ ከይነጕህዮ ፍርሃት ይሓድረና እዩ።

15. ማካይላ ነቲ ኸይትጋገ ዝነበራ ፍርሂ ብኸመይ ከተሰንፎ ኽኢላ፧

15 እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ማካይላ፡ የሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ይቕረ በሃሊ ምዃኑ ምስ ተረድአት፡ ነቲ ኸይትጋገ ዝነበራ ፍርሂ ኸተሰንፎ ኽኢላ እያ። ብዛዕባኡ ድማ፡ “ኵላትና ዘይፍጹማት ምዃንናን ጌጋታት ከም እንገብርን ተገንዚበ። የሆዋ ኸም ዜፍቅረናን ብመሰረት እቲ በጃ ይቕረ ኸም ዚብለልናን እውን ተረዲአ” ትብል። ስለዚ፡ እታ ንየሆዋ ዘላታ ፍቕሪ፡ ርእሳ ወፍያ ኽትጥመቕ ደረኸታ።

(ሕጡብ ጽሑፍ 16 ርአ) *

16. ማይልስ ነቲ ፍርሂ ተቓውሞ ንምስናፍ እንታይ ሓጊዝዎ፧

16 እቲ ኺጥመቕ ንዚገብሮ ውሳነ ኣዲኡ ኸይትቃወሞ ዝፈርሀ ማይልስ፡ ካብ ሓደ ሓላው ወረዳ ሓገዝ ሓተተ። ብዛዕባኡ ድማ ከምዚ ይብል፦ “ንሱ እውን ብሃይማኖት ኣብ እተኸፋፈለት ቤት እዩ ዓብዩ። ንኣደይ ምእንቲ ኸእምና እንታይ ክብል ከም ዝኽእል ክሓስብ፡ ማለት ክጥመቕ ዝገበርክዎ ውሳነ ናተይ እምበር ኣቦይ ደፊኡኒ ዘይምዃኑ ኽገልጽ ሓጊዙኒ እዩ።” ኣደ ማይልስ በቲ ውሳነኡ ኣይተሓጐሰትን። ኣብ መወዳእታ፡ ማይልስ ካብ ገዛ ኺወጽእ ተገዲዱ እዩ፣ ካብ ውሳነኡ ግና ፈልከት ኣይበለን። ብዛዕባ እዚ እውን ከምዚ ይብል፦ “ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዝገበረለይ ጽቡቕ ነገራት ምፍላጠይ፡ ንልበይ ተንክይዎ እዩ። ብዛዕባ እቲ የሱስ ዝኸፈሎ መስዋእታዊ በጃ ብዕምቈት ምስ ሓሰብኩ፡ የሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዜፍቅረኒ ርእየ እየ። እዚ ኸኣ ርእሰይ ንየሆዋ ወፈየ ኽጥመቕ ደሪኹኒ እዩ።”

ካብ ውሳነኻ ፈልከት ኣይትበል

ነቲ ኣምላኽ ዝገበረልና ኸም እነማስወሉ ኸነርኢ ንኽእል ኢና (ሕጡብ ጽሑፍ 17 ርአ)

17. እንታይ ኣጋጣሚ እዩ ዘሎና፧

17 ሄዋን ካብታ ኣብ ኤደን ዝነበረት ፍረ ምስ በልዐት፡ ንኣቦኣ ኸም ኣቦ ገይራ ኸም ዘይተቐበለቶ እያ ኣርእያ። ኣዳም ምስኣ ምስ ሓበረ ኸኣ፡ ንዅሉ እቲ የሆዋ ዝገበረሉ ጽቡቕ ነገራት ሞሳ ኸም ዘይነበሮ እዩ ኣርእዩ። ኵላትና ግና ምስ ውሳነ ኣዳምን ሄዋንን ከም ዘይንሰማማዕ ከነርኢ ኣጋጣሚ ተኸፊቱልና ኣሎ። ብጥምቀት ኣቢልና፡ መለክዒታት ቅኑዕን ጌጋን ኪሰርዕ ስልጣን ዘለዎ የሆዋ ምዃኑ ኸም እንኣምን ኢና እነርኢ። ንኣቦና ኸም እነፍቅሮን ከም እንኣምኖን እውን ነርኢ ኢና።

18. ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ኸመይ ጌርካ ኽትዕወት ትኽእል፧

18 ድሕሪ ጥምቀት፡ መዓልቲ መዓልቲ ብናይ ርእስና መለክዒታት ዘይኰነስ፡ ብመለክዒታት የሆዋ ንምምልላስ ብድሆ የጋጥመና እዩ። ሚልዮናት ሰባት ኵሉ ሳዕ ብመለክዒታት የሆዋ ይመላለሱ ኣለዉ። ነቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ብዝያዳ እናተረዳእካዮ እንተ ኼድካ፡ ኣዘውቲርካ ድማ ምስ ኣሕዋትካን ኣሓትካን ትሓብር እንተ ዄንካ፡ ብዛዕባ እቲ ፈቃር ኣቦና ዝፈለጥካዮ ኸኣ ብቕንኣት ንኻልኦት ትነግር እንተ ዄንካ፡ ከማታቶም ክትከውን ትኽእል ኢኻ። (እብ. 10:24, 25) ውሳነታት ክትገብር ከለኻ፡ ነቲ የሆዋ ብቓሉን ብውድቡን ኣቢሉ ዚህበካ ምኽሪ ስምዓዮ። (ኢሳ. 30:21) ሽዑ፡ እትገብሮ ዘበለ ዅሉ ኺሰልጠካ እዩ።—ምሳ. 16:3, 20

19. እንታይ ኢኻ ወትሩ ኸተስተውዕል ዘሎካ፧ ስለምንታይከ፧

19 ካብቲ የሆዋ ዝሃቦ መምርሒ ኽሳዕ ክንደይ ከም እትጥቀም ወትሩ ተስተውዕል እንተ ዄንካ፡ ንዕኡን ንመለክዒታቱን ዘላትካ ፍቕሪ ኽትዓቢ እያ። ድሕሪኡ፡ ሰይጣን ዘቕረበ እኳ እንተ ኣቕረበ፡ ንየሆዋ ኸይተገልግል ኬስድዓካ ኣይክእልን እዩ። ድሕሪ ሓደ ሽሕ ዓመት እንታይ ከም እትኸውን እሞ ሕሰብ። ሽዑ፡ ነቲ ኽትጥመቕ ዝገበርካዮ ውሳነ፡ ኣብ ህይወትካ ብሉጽ ውሳነ ኸም ዝነበረ ጌርካ ኽትርእዮ ኢኻ!

መዝሙር 28 ፈታው የሆዋ ምዃን

^ ሕ.ጽ. 5 ሓደ ኻብቲ ኣብ ህይወትካ እትገብሮ ዝዓበየ ውሳነ፡ ክትጥመቕ እትገብሮ ውሳነ እዩ። ርእስኻ ምውፋይ ኣዝዩ ኣገዳሲ ውሳነ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ነዚ ምላሽ ክትህበሉ እያ። ነቶም ብዛዕባ ጥምቀት ዚሓስቡ ዘለዉ ሰባት ከይጥመቑ ዚዓግቶም ዘሎ ዕንቅፋታት ኪሰግሩ እውን ክትሕግዞም እያ።

^ ሕ.ጽ. 56 መግለጺ ስእሊ፦ ርእሰ ምትእምማን፦ ሓደ መንእሰይ ሓሳብ ከይህብ ይፈርህ።

^ ሕ.ጽ. 58 መግለጺ ስእሊ፦ ኣዕሩኽ፦ ሓንቲ ሕማቕ መሓዛ ዘላታ ናይ የሆዋ ምስክር፡ ንኻልኦት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ ረኣየት ትሓፍር።

^ ሕ.ጽ. 60 መግለጺ ስእሊ፦ ከይጋገ፦ ሓንቲ ጓል፡ ሓዋ ተወጊዱ ኻብ ገዛ ምስ ወጸ፡ ንሳ እውን ከይትጋገ ትፈርህ።

^ ሕ.ጽ. 62 መግለጺ ስእሊ፦ ተቓውሞ፦ ሓደ ወዲ፡ ዘይኣማኒት ኣዲኡ እናረኣየቶ ምጽላይ የፍርሆ።

^ ሕ.ጽ. 65 መግለጺ ስእሊ፦ ርእሰ ምትእምማን፦ ሓደ መንእሰይ ብሕታዊ መጽናዕቱ የመሓይሽ።

^ ሕ.ጽ. 67 መግለጺ ስእሊ፦ ኣዕሩኽ፦ ሓንቲ ናይ የሆዋ ምስክር ብመንነታ ኽትሕበን ከም ዘለዋ ተስተውዕል።

^ ሕ.ጽ. 69 መግለጺ ስእሊ፦ ከይጋገ፦ ሓንቲ ጓል ንሓቂ ምስ ኣጥረየታ ትጥመቕ።

^ ሕ.ጽ. 71 መግለጺ ስእሊ፦ ተቓውሞ፦ ሓደ ወዲ ንዘይኣማኒት ኣዲኡ፡ እምነቱ ብትብዓት ይገልጸላ።