ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 11

ድምጺ የሆዋ ስማዕ

ድምጺ የሆዋ ስማዕ

“ወደይ እዚ እዩ። ንዕኡ ስምዕዎ።”—ማቴ. 17:5

መዝሙር 89 ክትባረኽ ተኣዘዝ

መላለዪ *

1-2. (ሀ) የሆዋ ንሰባት ብኸመይ እዩ ሓሳባቱ ኣመሓላሊፉሎም፧ (ለ) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ክንርኢ ኢና፧

የሆዋ ኺዛረበና ይደሊ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ግዜያት፡ ብነብያትን ብመላእኽትን ብወዱ ክርስቶስ የሱስን ኣቢሉ ሓሳባቱ ኣመሓላሊፉልና እዩ። (ኣሞ. 3:7፣ ገላ. 3:19፣ ራእ. 1:1) ሎሚ ኸኣ፡ ብቓሉ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቢሉ ሓሳባቱ ይገልጸልና ኣሎ። ሓሳቡ ምእንቲ ኽንፈልጥን መገድታቱ ምእንቲ ኽንርዳእን ኢሉ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ሂቡና ኣሎ።

2 የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ የሆዋ ኻብ ሰማይ ሰለስተ ሳዕ ተዛሪቡ እዩ። የሆዋ እንታይ ከም ዝበለ፡ ካብ ቃላቱ እንታይ ክንምሃር ከም እንኽእል፡ ካብቲ ዝበሎ ድማ እንታይ ክንጥቀም ከም እንኽእል እስከ ንርአ።

“ፍቑር ወደይ ንስኻ ኢኻ”

3. ብመሰረት ማርቆስ 1:9-11፡ የሱስ ኣብ እተጠምቀሉ እዋን፡ የሆዋ እንታይ እዩ ኢሉ፧ እቲ ቓላቱኸ እንታይ ኣገዳሲ ሓቅታት እዩ ዜረጋግጸልና፧

3 ኣብ ማርቆስ 1:9-11እቲ የሆዋ ኻብ ሰማይ እተዛረበሉ ቐዳማይ ኣጋጣሚ ተመዝጊቡ ኣሎ። (ኣንብብ።) ኣብኡ፡ “ዝሰመርኩኻ፡ ፍቑር ወደይ ንስኻ ኢኻ” ኢሉ እዩ። የሱስ ነቲ ኣቦኡ ንዕኡ ዘለዎ ፍቕርን ኣብኡ ዘለዎ እምነትን ዚገልጽ ድምጺ ምስ ሰምዐ፡ ልቡ ተተንክዩ ኪኸውን ኣለዎ። ካብ ቃላት የሆዋ፡ ንየሱስ ዚምልከት ሰለስተ መሰረታዊ ሓቂ ኽንረክብ ንኽእል ኢና። ቀዳማይ፡ የሱስ ወዱ እዩ። ካልኣይ፡ የሆዋ ንወዱ የፍቅሮ እዩ። ሳልሳይ፡ የሆዋ ንወዱ ይሰምሮ እዩ። ነዚ በብሓደ እስከ ንርኣዮ።

4. የሱስ ኣብ እተጠምቀሉ እዋን፡ ምስ ኣምላኽ እንታይ ሓድሽ ዝምድና እዩ መስሪቱ፧

4 “ወደይ ንስኻ ኢኻ።” የሆዋ በዘን ቃላት እዚአን ኣቢሉ፡ እቲ ፍቑር ወዱ የሱስ ምስኡ ሓድሽ ዝምድና ኸም ዝመስረተ ሓቢሩ እዩ። የሱስ ኣብ ሰማይ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ መንፈስ ዝዀነ ወዲ ኣምላኽ እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ኪጥመቕ ከሎ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ተቐቢኡ እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኸኣ ኣምላኽ፡ የሱስ ቅቡእ ወዱ ብምዃኑ፡ ናብ ሰማይ ተመሊሱ ብኣምላኽ እተቐብአ ንጉስን ሊቀ ኻህናትን ኪኸውን ተስፋ ኸም ዘለዎ ሓቢሩ እዩ። (ሉቃ. 1:31-33፣ እብ. 1:8, 9፣ 2:17) ስለዚ፡ የሱስ ኪጥመቕ ከሎ፡ ኣቦኡ፡ “ወደይ ንስኻ ኢኻ” ንምባል ዜኽእል ጽቡቕ ምኽንያት ረኺቡ እዩ።—ሉቃ. 3:22

ናእዳን መተባብዕን ብዝያዳ ኽንዓዪ የለዓዕለና (ሕጡብ ጽሑፍ 5 ርአ) *

5. ፍቕርን ስምረትን ብምግላጽ ዝመጸ፡ ከመይ ጌርና ኢና ኣብነት የሆዋ ኽንስዕብ እንኽእል፧

5 “ፍቑር . . . ኢኻ።” የሆዋ ፍቕርን ስምረትን ብምግላጽ ዝሓደጎ ኣብነት፡ ንኻልኦት ንምትብባዕ ኣጋጣሚታት ከነናዲ ኸም ዘሎና የዘኻኽረና እዩ። (ዮሃ. 5:20) ሓደ እንግደሰሉ ሰብ ንዓና ፍቕሩ ኺገልጸልናን ስለቲ ጽቡቕ ተግባርና ኺንእደናን ከሎ፡ ንዝሓሸ ተግባር ንለዓዓል ኢና። ብተመሳሳሊ፡ ኣባላት ስድራ ቤትናን ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ኣሕዋትናን ኣሓትናን እውን ፍቕርን መተባብዕን ይደልዩ እዮም። ንኻልኦት ክንንእዶም ከለና፡ እምነቶም ነደልድል፡ ንየሆዋ ብተኣማንነት ኬገልግሉ እውን ንሕግዞም ኢና። ምናዳ ወለዲ ንደቆም ኬተባብዕዎም ኣለዎም። ወለዲ ንደቆም ካብ ልቢ ኺንእድዎምን ፍቕሪ ኼርእይዎምን ከለዉ፡ እቶም ውሉዳት ንጽቡቕ ተግባር ይለዓዓሉ እዮም።

6. ኣብ የሱስ ክርስቶስ እምንቶ ኺህልወና ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧

6 “ዝሰመርኩኻ።” እዘን ቃላት እዚአን፡ የሆዋ ንየሱስ፡ ብተኣማንነት ፍቓድ ኣቦኡ ኸም ዚፍጽም ይኣምኖ ኸም ዝነበረ ይገልጻ። የሆዋ ንወዱ ብዙሕ ይኣምኖ ነይሩ እዩ፣ ስለዚ፡ የሱስ ንዅሉ እቲ የሆዋ ዘተስፈዎ ተስፋታት ከም ዚፍጽሞ ምሉእ እምንቶ ኸነሕድረሉ ንኽእል ኢና። (2 ቈረ. 1:20) ብዛዕባ እቲ የሱስ ዝሓደጎ ኣብነት ክንሓስብ ከለና፡ ካብኡ ኽንምሃርን ኣስኣሰሩ ኽንስዕብን ዝያዳ ቘራጽነት እዩ ዚሓድረና። የሆዋ ኸምቲ ንወዱ ዚኣምኖ፡ ንኣገልገልቱ ብሓፈሻ እውን ካብ ወዱ ኸም ዚምሃሩ ይኣምኖም እዩ።—1 ጴጥ. 2:21

“ንዕኡ ስምዕዎ”

7. ብመሰረት ማቴዎስ 17:1-5፡ ኣብ ምንታይ ኣጋጣሚ እዩ የሆዋ ኻብ ሰማይ እተዛረበ፧ እንታይከ እዩ ኢሉ፧

7 ማቴዎስ 17:1-5 ኣንብብ። ኣብቲ የሱስ ብተኣምራዊ መገዲ ‘ትርኢቱ እተለወጠሉ’ እዋን፡ የሆዋ ኻብ ሰማይ ካልኣይ ሳዕ ከም እተዛረበ ተጠቒሱ ኣሎ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ የሱስ ንጴጥሮስን ንያእቆብን ንዮሃንስን ምስኡ ናብ ነዊሕ ከረን ኣደየቦም። ንሳቶም ድማ፡ ኣብኡ ዜደንቕ ራእይ ረኣዩ። ገጽ የሱስ በርሀ፡ ክዳውንቱ እውን ኣንጸባረቐ። ንሙሴን ንኤልያስን ዚመስሉ እውን ተራእዩ፣ ንየሱስ ከኣ ብዛዕባ ሞቱን ትንሳኤኡን ኣዛራረብዎ። እቶም ሰለስተ ሃዋርያት፡ “ድቃስ ከቢድዎም” እኳ እንተ ነበረ፡ ነዚ ዜደንቕ ራእይ እዚ ግና ምሉእ ብምሉእ ምስ ተበራበሩ እዮም ርእዮምዎ። (ሉቃ. 9:29-32) ድሕሪኡ፡ ብሩህ ደበና ኣጐልበቦም፣ ካብቲ ደበና ኸኣ ድምጺ ኣምላኽ ሰምዑ። የሆዋ ድማ ንወዱ፡ ከምቲ ኣብ እተጠምቀሉ እዋን ዝበሎ፡ “ዝሰምሮ ፍቑር ወደይ እዚ እዩ” ኢሉ ስምረቱን ፍቕሩን ገለጸሉ። ቀጺሉ እውን፡ “ንዕኡ ስምዕዎ” ዚብል ቃላት ወሰኸ።

8. እቲ ራእይ ኣብ የሱስን ኣብ ደቀ መዛሙርቱን እንታይ ጽልዋ ነይርዎ፧

8 እቲ ራእይ ነቲ የሱስ ኣብ መጻኢ ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ኰነ ዚህልዎ ኽብርን ስልጣንን ዜርኢ እዩ ነይሩ። ክርስቶስ መሸም ነቲ ድሕሪኡ ዜጋጥሞ መከራን ዜሳቒ ሞትን ኪጻወር ዜኽእሎ መተባብዕን ሓይልን ረኺቡ ኪኸውን ኣለዎ። ብዘይካዚ፡ እቲ ራእይ ንእምነት ሃዋርያት ሃኒጹ እዩ፣ እዚ ኸኣ ነቲ ድሕሪኡ ኣብ ንጽህናኦም ዘጋጠሞም ፈተናታት ኪጻወሩን ነቲ ኸቢድ ዕዮ ኪኽእልዎን ሓጊዝዎም እዩ። ሃዋርያ ጴጥሮስ ድሕሪ 30 ዓመት ኣቢሉ ብዛዕባ እቲ ተኣምራዊ ምልዋጥ ጠቒሱ፡ እቲ ራእይ ኣብ ኣእምሮኡ ንጹር ከም ዘሎ እውን ሓቢሩ እዩ።—2 ጴጥ. 1:16-18

9. የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ እንታይ ግብራዊ ምኽሪ እዩ ሂብዎም፧

9 “ንዕኡ ስምዕዎ።” የሆዋ፡ ንወዱ ኽንሰምዖን ክንእዘዞን ከም ዚደልየና ንጹር ገይሩልና ኣሎ። የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን እንታይ እዩ ኢሉ፧ ክንሰምዖ ዚግባእ ብዙሕ ነገራት ተዛሪቡ እዩ። ንኣብነት፡ ንሰዓብቱ ብኸመይ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዚሰብኩ ምሂርዎም፡ ብተደጋጋሚ እውን ኪነቕሑ ኣጠንቂቕዎም እዩ። (ማቴ. 24:42፣ 28:19, 20) ኪጋደሉ ተማሕጺንዎም፡ ከይሕለሉ እውን ኣተባቢዕዎም እዩ። (ሉቃ. 13:24) የሱስ ንሰዓብቱ፡ ኪፋቐሩን ሓደ ኪዀኑን ትእዛዛቱ ኺሕልዉን ከም ዘለዎም ኣጕሊሑሎም እዩ። (ዮሃ. 15:10, 12, 13) ብሓቂ እምበኣር የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ግብራዊ ምኽሪ ሂብዎም እዩ! እቲ ምኽሩ ኸኣ ሕጂ እውን ኣገዳሲ እዩ።

10-11. ንየሱስ ንሰምዖ ኸም ዘለና ኸመይ ጌርና ኸነርኢ ንኽእል፧

10 የሱስ፡ “ካብ ሓቂ ዝዀነ ዅሉ፡ ድምጸይ ይሰምዕ እዩ” ኢሉ እዩ። (ዮሃ. 18:37) ንሕና ድማ ነቲ “ንሓድሕድኩም ተዓጋገሱን ብናጻ ይቕረ ተባሃሃሉን” ዚብል ምኽሪ ኣብ ግብሪ ነውዕሎ እንተ ዄንና፡ ድምጹ ንሰምዕ ከም ዘለና ነርኢ ኢና። (ቈሎ. 3:13፣ ሉቃ. 17:3, 4) “ብእዋን ራህዋን ብእዋን ጸበባን” ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብቕንኣት ብምስባኽ እውን፡ ድምጹ ኸም እንሰምዕ ከነርኢ ንኽእል ኢና።—2 ጢሞ. 4:2

11 የሱስ፡ “ኣባጊዐይ ድምጸይ ይሰምዓ . . . እየን” ኢሉ እዩ። (ዮሃ. 10:27) ሰዓብቲ ክርስቶስ ንቓላቱ ብምቕላብ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ግብሪ ብምውዓል እውን ንየሱስ ከም ዚሰምዕዎ የርእዩ እዮም። ብ“ጭንቀት ናብራ” ኻብ ዕላማኦም ኣየስግሉን እዮም። (ሉቃ. 21:34) ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣብ ኣጸጋሚ ዅነታት እውን ከይተረፈ ትእዛዛት የሱስ ምሕላው ኣብ ህይወቶም ቀዳምነት ይህብዎ እዮም። ብዙሓት ኣሕዋትና ኸቢድ ፈተናታት ይጻወሩ ኣለዉ፣ ገለ ኻብኡ፡ ካብ ተጻረርቲ ዚወርድ መጥቃዕቲ፡ ከቢድ ድኽነት፡ ባህርያዊ ሓደጋ ኺጥቀስ ይከኣል። እዚ ዅሉ እናኣሕለፉ ግና፡ ዝኸፈሉ ኸፊሎም ንየሆዋ እሙናት ይዀኑ ኣለዉ። ንዓታቶም ድማ፡ የሱስ እዚ ዚስዕብ መረጋገጺ ሂብዎም ኣሎ፦ “እቲ ትእዛዛተይ ዘለዎ እሞ ዚሕልዎ፡ ንሱ እዩ ዜፍቅረኒ። እቲ ዜፍቅረኒ ድማ፡ ኣቦይ የፍቅሮ እዩ።”—ዮሃ. 14:21

ኣገልግሎትና ወትሩ ትኵራት ክንከውን ይሕግዘና (ሕጡብ ጽሑፍ 12 ርአ) *

12. ንየሱስ ንሰምዖ ኸም ዘለና እነርእየሉ ኻልእ መገዲ እንታይ እዩ፧

12 ካልእ ንየሱስ እንሰምዓሉ መገዲ ኸኣ፡ ምስቶም ኪመርሑና ዝሸሞም ሰባት ብምትሕብባር እዩ። (እብ. 13:7, 17) ኣብ ቀረባ ዓመታት፡ ውድብ ኣምላኽ ብዙሕ ምትዕርራያት ገይራ እያ። ገለ ኻብኡ ብዛዕባ ኣጠቓቕማ ሓድሽ ናውትን ሜላ ኣገልግሎትን፡ ቅርጺ ናይ መንጎ ሰሙን ኣኼባና፡ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ እንሃንጸሉን እንሕድሰሉን እንከናኸነሉን መገዲ ኺጥቀስ ይከኣል። ነቲ ኻብ ፍቕሪ ብምብጋስ ብጥንቃቐ ተሓሲቡሉ እተዋህበና መምርሒ ብዙሕ ኢና እነማስወሉ። የሆዋ ነቲ ውድቡ በብግዜኡ እትህበና መምርሒ ንምስዓብ እንገብሮ ጻዕሪ ኸም ዚባርኾ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።

13. ንየሱስ እንተ ሰሚዕናዮ፡ እንታይ ጥቕምታት ኢና እንረክብ፧

13 ንዅሉ እቲ የሱስ ዝመሃሮ ትምህርቲ እንተ ሰሚዕናዮ፡ ንጥቀም ኢና። የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ትምህርቱ ዕረፍቲ ኸም ዚህቦም ኬረጋግጸሎም ከሎ፡ ከምዚ ኢልዎም እዩ፦ “ንርእስኹም . . . ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም። ከመይሲ፡ ኣርዑተይ ምሹእ፡ ጾረይ እውን ፈኲስ እዩ።” (ማቴ. 11:28-30) ቃል ኣምላኽ፡ እንተላይ እቲ ዛንታ ህይወትን ኣገልግሎትን የሱስ ዝሓዘ ኣርባዕተ ወንጌላት፡ ዕረፍቲ ይህበና፡ መንፈሳዊ ብርታዐና ይሕድሰልና፡ ጥበበኛታት እውን ይገብረና እዩ። (መዝ. 19:7፣ 23:3) የሱስ፡ “ሕጉሳትሲ እቶም ቃል ኣምላኽ ዚሰምዑን ዚሕልዉን ደኣ እዮም!” ኢሉ እዩ።—ሉቃ. 11:28

‘ንስመይ ከኽብሮ እየ’

14-15. (ሀ) ከምቲ ኣብ ዮሃንስ 12:27, 28 ተዘንትዩ ዘሎ፡ የሆዋ ኻብ ሰማይ እተዛረበሉ ሳልሳይ ኣጋጣሚ እንታይ እዩ ነይሩ፧ (ለ) ቃላት የሆዋ ንየሱስ ኣጸናኒዕዎን ኣበርቲዕዎን ኪኸውን ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧

14 ዮሃንስ 12:27, 28 ኣንብብ። ኣብ ወንጌል ዮሃንስ፡ የሆዋ ኻብ ሰማይ እተዛረበሉ ሳልሳይ ኣጋጣሚ ተመዝጊቡ ኣሎ። የሱስ ካብቲ ዝሞተሉ ሒደት መዓልትታት ኣቐዲሙ፡ ናይ መወዳእታ ፋስጋ ንምብዓል ኣብ የሩሳሌም ነበረ። ሽዑ ድማ፡ “ተረቢሸ ኣለኹ” በለ። ቀጺሉ ኸኣ፡ “ኣቦ፡ ንስምካ ኣኽብሮ” ኢሉ ጸለየ። ኣቦኡ ድማ ካብ ሰማይ፡ “ኣኽቢረዮ እየ፡ ከም ብሓድሽ እውን ከኽብሮ እየ” ኢሉ መለሰሉ።

15 የሱስ ንየሆዋ እሙን ኰይኑ ኺጸንዕ ከቢድ ሓላፍነት ስለ ዝነበሮ እዩ ተረቢሹ። ኪግረፍን ብዜስካሕክሕ መገዲ ኺመውትን ምዃኑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (ማቴ. 26:38) ልዕሊ ዅሉ ንስም ኣቦኡ ኬኽብር እዩ ዚደሊ ነይሩ። የሱስ ንኣምላኽ ጸሪፍካ ተባሂሉ እዩ ተኸሲሱ ነይሩ፣ ሞቱ ኸኣ ንኣምላኽ ጸርፊ ኸየምጽኣሉ እዩ ኣተሓሳሲብዎ ነይሩ። እምበኣር፡ እቲ የሆዋ እተዛረቦ ቓላት ንየሱስ ብዙሕ ኣተባቢዕዎ ኪኸውን ኣለዎ! ስም የሆዋ ኸም ዚኸብር ርግጸኛ ኪኸውን ክኢሉ እዩ። ቃላት ኣቦኡ ነቲ ዚመጽእ ነገራት ምእንቲ ኪኽእሎ ብዙሕ ኣጸናኒዕዎን ኣበርቲዕዎን ኪኸውን ኣለዎ። ካብቶም ኣብኡ ዝነበሩ ሰባት ነቲ ኣቦኡ ዝበሎ እተረድኦ የሱስ ጥራይ እኳ እንተ ነበረ፡ የሆዋ ግና ቃላቱ ንዅላትና ኸም ዚምዝገበልና ገይሩ እዩ።—ዮሃ. 12:29, 30

የሆዋ ንስሙ ኬኽብሮን ንህዝቡ ኼድሕኖምን እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 16 ርአ) *

16. ሓድሓደ ግዜ ብዛዕባ እቲ ኣብ ስም ኣምላኽ ዚመጽእ ጸርፊ ዜተሓሳስበና ስለምንታይ ኪኸውን ይኽእል፧

16 ንሕና እውን ከም የሱስ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ስም የሆዋ ዚመጽእ ጸርፊ የተሓሳስበና ይኸውን። ምናልባት ከም የሱስ ኣደዳ ግፍዒ ዄንና ንህሉ ንኸውን። ወይ ከኣ ተጻረርቲ ብዛዕባና ዚነዝሕዎ ናይ ሓሶት ወረ ይርብሸና ይህሉ ይኸውን። እዚ ወረ እዚ ኣብ ስምን ውድብን የሆዋ ዜምጽኦ ጸርፊ የተሓሳስበና ይኸውን። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ግዜ፡ ቃላት የሆዋ ብዙሕ የጸናንዓና እዩ። በቲ ነገር እምብዛ ኽንጭነቕ የብልናን። ‘እቲ ኻብ ኵሉ ሓሳብ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ ንልብናን ንኣእምሮናን ብክርስቶስ የሱስ ከም ዚሕልዎ’ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። (ፊል. 4:6, 7) የሆዋ ወትሩ ንስሙ ኬኽብሮ እዩ። ብመንግስቱ ኣቢሉ ኸኣ፡ ንዅሉ እቲ ሰይጣንን እዛ ዓለምን ኣብ ልዕሊ እሙናት ኣገልገልቱ ዜምጽእዎ ጕድኣት ኬዐርዮ እዩ።—መዝ. 94:22, 23፣ ኢሳ. 65:17

ሎሚ ኻብ ድምጺ የሆዋ ተጠቐም

17. ብመሰረት ኢሳይያስ 30:21፡ የሆዋ ሎሚ ብኸመይ ይዛረበና ኣሎ፧

17 ሎሚ እውን፡ የሆዋ ይዛረበና እዩ። (ኢሳይያስ 30:21 ኣንብብ።) ልክዕ እዩ፡ ካብ ሰማይ ዚዛረብ ድምጺ ኣምላኽ ኣይንሰምዕን ኢና። ኰይኑ ግና፡ ነቲ ብጽሑፍ ዝሰፈረ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ሂቡና ኣሎ፣ ብእኡ ኣቢሉ እውን መምርሒ ይህበና እዩ። ብተወሳኺ ድማ፡ እቲ ‘እሙን መጋቢ’ ብመንፈስ የሆዋ ተደሪኹ፡ ንኣገልገልቲ ኣምላኽ ቀለቦም ይህቦም እዩ። (ሉቃ. 12:42) ብወረቐት ብእተሓትመ ጽሑፍ ኰነ ብኢንተርነት ብዚቐርብ ጽሑፍን ቪድዮን ኣውድዮን ኣቢሉ ኣኺሉ ዚተርፍ መንፈሳዊ ምግቢ ይቐርበልና ኣሎ።

18. ቃላት የሆዋ ንእምነትካ ዚሃንጾን ትብዓት ዚህበካን ብኸመይ እዩ፧

18 እምበኣር፡ ነቲ የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን የሆዋ እተዛረቦ ቓላት ኣብ ኣእምሮና ነስፍሮ። እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዘሎ ቓላት ኣምላኽ ከኣ፡ የሆዋ ንዅሉ ይቈጻጸሮ ኸም ዘሎ፡ ካብ ሰይጣንን ካብዛ እክይቲ ዓለምን ዚወርድ ዘበለ ጕድኣት እውን ከም ዜዐርዮ እምንቶ የሕድረልና። ድምጺ የሆዋ ተጠንቂቕና ኽንሰምዕ ድማ ቈራጽነት ንግበር። ከምኡ እንተ ጌርና፡ ንዅሉ ሕጂ ዜጋጥመናን ብሕጂ ዚመጽእን ጸገማት ብዓወት ክንጻወር ኢና። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ፍቓድ ኣምላኽ ምስ ገበርኩም፡ ነታ ተስፋ ምእንቲ ኽትረኽብዋስ፡ ተጻዋርነት የድልየኩም ኣሎ” ኢሉ የዘኻኽረና እዩ።—እብ. 10:36

መዝሙር 4 “የሆዋ ጓሳይየይ እዩ”

^ ሕ.ጽ. 5 የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ የሆዋ ኣብ ሰለስተ ኣጋጣሚ ኻብ ሰማይ ተዛሪቡ እዩ። ኣብ ሓደ ኻብዚ ኣጋጣሚታት እዚ ኸኣ፡ የሆዋ ንደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ፡ ንወዱ ኺሰምዕዎ ተማሕጺንዎም እዩ። ሎሚ፡ የሆዋ በቲ ንትምህርትታት የሱስ ዜጠቓልል ብጽሑፍ ዝሰፈረ ቓሉን ብውድቡን ኣቢሉ ይዛረበና እዩ። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ንየሆዋን ንየሱስን እንተ ሰሚዕናዮም፡ ብኸመይ ከም እንጥቀም ትገልጽ።

^ ሕ.ጽ. 52 መግለጺ ስእሊ፦ ሓደ ሽማግለ ንሓደ ኣገልጋሊ ጉባኤ፡ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኬጽርን ኣብ ሰደቓ ጽሑፋት ኪዓይን ከሎ የስተብህለሉ። እቲ ሽማግለ ጽቡቕ ገይሩ ይንእዶ።

^ ሕ.ጽ. 54 መግለጺ ስእሊ፦ ኣብ ሰራ ልዮን ዚነብሩ ሰብ ሓዳር ንሓደ ገፋፍ ዓሳ ናብ ኣኼባ እትዕድም ወረቐት ዕድመ ይህብዎ።

^ ሕ.ጽ. 56 መግለጺ ስእሊ፦ ዕዮና ኣብ እተቐየደሉ ዓዲ ዚነብሩ ኣሕዋት ኣብ ናይ ውልቂ ቤት ይእከቡ። ኣቓልቦ ምእንቲ ኸይስሕቡ ኢሎም፡ ተራ ኽዳውንቲ እዮም ተኸዲኖም ዘለዉ።