ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 20

ንግዳያት ህስያ ነጸናንዓዮም

ንግዳያት ህስያ ነጸናንዓዮም

“ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕ . . . ኣብ ኵሉ ጸበባና የጸናንዓና እዩ።”—2 ቈረ. 1:3, 4

መዝሙር 134 ውሉዳት ካብ ኣምላኽ እተዋህቡ ሕድሪ እዮም

መላለዪ *

1-2. (ሀ) ደቂ ሰብ ብተፈጥሮኦም ኪጸናንዑ ኸም ዚደልዩን ንኻልኦት ናይ ምጽንናዕ ክእለት ከም ዘለዎምን ዜርኢ እንታይ ኣብነት ኣሎ፧ (ለ) ገሊኦም ቈልዑ ብኸመይ እዮም ዚጕድኡ፧

ደቂ ሰብ ብተፈጥሮኦም ኪጸናንዑ ይደልዩ እዮም፣ ንኻልኦት ናይ ምጽንናዕ ዜደንቕ ክእለት እውን ኣለዎም። ንኣብነት፡ ሓደ ንእሽቶ ቘልዓ ኺጻወት ከሎ ወዲቑ ብርኩ ምስ ዚልሕጸጽ፡ ናብ ኣዲኡ ወይ ናብ ኣቦኡ ኸይዱ ይበኪ እዩ። እቶም ወለዱ ኸኣ ብኡብኡ ነቲ ቝስሊ ኼሕውይዎ እኳ እንተ ዘይከኣሉ፡ ነቲ ቘልዓ ግና ኬጸናንዕዎ ይኽእሉ እዮም። እንታይ ከም ዝዀነ ይሓትትዎ፡ ንብዓቱ ይደርዙሉ፡ ብቓላቶምን ብፍቕሮምን ገይሮም የደዓዕስዎ፡ ምናልባት እውን መድሃኒት ይለኽይዎን ብፋሻ ይዝንኑሉን ይዀኑ። ነዊሕ ከይጸንሐ ኸኣ፡ እቲ ቘልዓ ብኽያቱ ሓዲጉ ጸወታኡ ይቕጽል። ድሕሪ ግዜ ድማ፡ እቲ ቝስሉ ይሓዊ።

2 ሓድሓደ ግዜ ግና፡ ቈልዑ ብዝኸፍአ መገድታት ይጕድኡ እዮም። ገሊኦም ቈልዑ፡ ግዳያት ጾታዊ ህስያ ይዀኑ እዮም። እቲ ህስያ ሓንሳእ ጥራይ ዘጋጠመ፡ ወይ ንዓመታት ዝቐጸለ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ክልቲኡ መዳያት ግና፡ እቲ ህስያ ዓሚቝ ስምዒታዊ በሰላ ኺሓድግ ይኽእል እዩ። ኣብ ገሊኡ መዳይ፡ እቲ ሃሳዪ ተታሒዙ ይቕጻዕ እዩ። ኣብ ገሊኡ ግና፡ እቲ ሃሳዪ ኻብ ፍትሒ ዘምለጠ ኺመስል ይኽእል እዩ። ግናኸ፡ ዋላ እኳ ብቕልጡፍ እንተ ተቐጽዐ፡ እቲ ግዳይ ምስ ዓበየ እውን ከይተረፈ በቲ ጐዳኢ ሳዕቤናት ይሳቐ ይኸውን።

3. ኣብ 2 ቈረንቶስ 1:3, 4 ተጠቒሱ ኸም ዘሎ፡ የሆዋ እንታይ እዩ ዚደሊ፧ እንታይ ሕቶታትከ ኢና ኽንርኢ፧

3 ብቝልዕነቱ ግዳይ ህስያ ዝዀነ ክርስትያን ዓብዩ ምስ ስምዒታዊ ስቓይ ይቃለስ እንተ ኣልዩ፡ እንታይ ሓገዝ ኪረክብ ይኽእል፧ (2 ቈረንቶስ 1:3, 4 ኣንብብ።) የሆዋ ንኣባጊዑ፡ ዜድልየን ፍቕርን መጸናንዕን ኪረኽባ ይደሊ እዩ። እምበኣር፡ ሰለስተ ሕቶታት እስከ ንርአ፦ (1) እቶም ብቝልዕነቶም ኣደዳ ህስያ ዝዀኑ መጸናንዒ ዜድልዮም ስለምንታይ እዩ፧ (2) መን መጸናንዒ ኺህቦም ይኽእል፧ (3) ከመይ ጌርና ኢና ብውጽኢታዊ መገዲ ኸነጸናንዖም እንኽእል፧

ስለምንታይ እዩ መጸናንዒ ዜድሊ፧

4-5. (ሀ) ቈልዑ ኻብ ዓበይቲ ኸም ዚፍለዩ ኽንግንዘብ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ቈልዓ ኣደዳ ህስያ እንተ ዀይኑ፡ ኣብ ሰብ ዝነበሮ እምነት እንታይ እዩ ዚኸውን፧

4 ብቝልዕነቶም ኣደዳ ህስያ ዝዀኑ ሰባት፡ ሓያሎ ዓመታት ድሕሪ ምሕላፉ እኳ መጸናንዒ ኼድልዮም ይኽእል እዩ። ስለምንታይ፧ እዚ ምእንቲ ኺርድኣና፡ ቈልዑ ኻብ ዓበይቲ ኣዝዮም እተፈልዩ ምዃኖም ክንግንዘብ ኣሎና። ቈልዓ ኻብቲ ኣደዳ ግፍዒ ዝዀነ ዓብዪ ሰብ ኣመና ብእተፈልየ መገዲ እዩ ዚጽሎ። ገለ ኣብነታት እስከ ንርአ።

5 ቈልዑ ምስቶም ዜዕብይዎምን ዚሓልዩሎምን ሰባት ናይ ቀረባ ርክብ ኪምስርቱን ኣባታቶም እምነት ኬሕድሩን የድልዮም እዩ። እዚ ርክብ እዚ ንቘልዑ የቕስኖም እዩ፣ ንዜፍቅርዎም ሰባት ምእማን እውን ይምህሮም እዩ። (መዝ. 22:9) እቲ ዜሕዝን፡ መብዛሕትኡ ግዜ ህስያ ኣብ ቤት እዩ ዚፍጸም፣ መብዛሕትኦም እቶም ነዚ ተግባር እዚ ዚውዕልዎ ሰባት ከኣ ናይ ቀረባ ኣባላት ስድራ ቤትን ፈተውቲ ስድራ ቤትን እዮም። ስለዚ፡ ሓደ ቈልዓ ብሓደ ዚኣምኖ ሰብ ኣደዳ ህስያ እንተ ዀይኑ፡ ድሕሪኡ ንነዊሕ ዓመታት ንሰብ ምእማን የጸግሞ እዩ።

6. ጾታዊ ህስያ ሕሱምን ጐዳእን ተግባር ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

6 ቈልዑ ንመጥቃዕቲ እተቓልዑ እዮም፣ ጾታዊ ህስያ ድማ ሕሱምን ጐዳእን ተግባር እዩ። ቈልዑ ነቲ ኣብ ውሽጢ መውስቦ ዚግበር ጾታዊ ርክብ ብኣካላዊ፡ ብስምዒታዊ፡ ወይ ብኣእምሮኣዊ መገዲ ገና ኸይተዳለዉ ኸለዉ ሓያሎ ዓመታት ኣቐዲሞም ጾታዊ ተግባር ኪፍጽሙ እንተ ተገዲዶም፡ እዚ ዓብዪ ጕድኣት ኬስዕበሎም ይኽእል እዩ። ህስያ ነቲ ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ዝነበሮም ኣረኣእያ ወይ ነቲ ኪቐርቦም ብዛዕባ ዚደሊ ዝዀነ ሰብ ዘለዎም ኣረኣእያ ኼመዛብሎ ይኽእል እዩ።

7. (ሀ) ሓደ ተንኰለኛ ሃሳዪ ንቘልዓ ብቐሊሉ ኼዐሽዎ ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧ እቲ ሃሳዪኸ ኸመይ ገይሩ እዩ ኸምኡ ኺገብር ዚኽእል፧ (ለ) እዚ ሓሶት እዚ እንታይ ኬስዕብ ይኽእል፧

7 ቈልዑ ምሉእ ብምሉእ ዝማዕበለ ናይ ምሕሳብ፡ ናይ ምውሳን፡ ወይ ሓደጋ ኣለሊኻ ኻብኡ ናይ ምርሓቕ ክእለት የብሎምን። (1 ቈረ. 13:11) ስለዚ፡ ተንኰለኛታት ሃሰይቲ ንቘልዑ ብቐሊሉ ኼታልልዎም ይኽእሉ እዮም። ሃሰይቲ ንቘልዑ ሓደገኛ ሓሶት ይመልእዎም እዮም፣ ንኣብነት፡ እቲ ቘልዓ ተሓታቲ ኸም ዝዀነ፡ እቲ ህስያ ብምስጢር ኪትሓዝ ከም ዘለዎ፡ እቲ ቘልዓ ብዛዕባ እቲ ህስያ ንኻልእ እንተ ነጊሩ ዚሰምዖ ወይ ዚግደሰሉ ኸም ዘየልቦ፡ ወይ ከኣ ኣብ መንጎ ዓብይን ቈልዓን ዚግበር ጾታዊ ተግባር ንቡር መግለጺ ንጹህ ፍቕሪ ኸም ዝዀነ ይነግርዎም እዮም። እዚ ሓሶት እዚ ንሓያሎ ዓመታት ንኣተሓሳስባ ቘልዓ ኺጥምዝዞ ስለ ዚኽእል፡ ሓቂ ኺመስሎ ይኽእል እዩ። በዚ ኸምዚ ዝሓለፈ ቘልዓ ንገዛእ ርእሱ ብልሹውን ርኹስን ከም ዝዀነ ገይሩ ኺርኢ፡ ፍቕሪ ዀነ መጸናንዒ ኸም ዘይግብኦ ገይሩ ድማ ኪሓስብ ይኽእል እዩ።

8. የሆዋ ነቶም እተጐድኡ መጸናንዒ ኺህብ ከም ዚኽእል ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

8 እምበኣር፡ ጾታዊ ህስያ ነባሪ ጕድኣት ዜምጽእ ምዃኑ ዜገርም ኣይኰነን። እዚ ገበን እዚ እኩይ ተግባር እዩ! ኣመና ኣስፋሕፊሑ ምህላዉ ኸኣ ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ንነብር ከም ዘለና ዜርኢ እዩ፣ ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት፡ ሰባት “ፍቕሪ ንስድራ ቤቶም ዘይብሎም” ከም ዚዀኑ፡ “እኩያትን ኣምሰሉታትን” ከኣ “ናብ ዝገደደ ኺበጽሑ” ምዃኖም ተገሊጹ ነይሩ እዩ። (2 ጢሞ. 3:1-5, 13) ውዲት ሰይጣን ብሓቂ እኩይ እዩ፣ ሰባት ንድያብሎስ ዜሐጕሶ ተግባር ኪገብሩ ኸለዉ ኸኣ ዜሕዝን እዩ። የሆዋ ግና ካብ ሰይጣን ኰነ ኻብ ኣገልገልቱ ኣጸቢቑ ይሕይል። ንስልትታት ሰይጣን ወትሩ ይፈልጦ እዩ። የሆዋ ነቲ ዘሕለፍናዮ ስቓይ ኣጸቢቑ ኸም ዚፈልጦ፡ ዜድልየና መጸናንዒ ድማ ከም ዚህበና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ነቲ “ኣቦ ርሕራሐን ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕን ዝዀነ ኣምላኽ” እነገልግሎ ብምዃንና ብሓቂ ተባሪኽና ኢና፣ “በቲ ኻብ ኣምላኽ እንረኽቦ ምጽንናዕ፡ ኣብ ጸበባ ዘበለ ንዘለዉ ምእንቲ ኸነጸናንዕ፡ ንሱ ኣብ ኵሉ ጸበባና የጸናንዓና እዩ።” (2 ቈረ. 1:3, 4) የሆዋ ግና ንዓና ምጽንናዕ ንመን እዩ ዚጥቀም፧

መጸናንዒ ኺህብ ዚኽእል መን እዩ፧

9. ብመሰረት እቲ ኣብ መዝሙር 27:10 ዚርከብ ቃላት ንጉስ ዳዊት፡ የሆዋ ነቶም ብስድራ ቤቶም እተጠንጠኑ ሰባት እንታይ እዩ ዚገብረሎም፧

9 እቶም ዕቝባ ወለዶም ዘይረኸቡ ወይ ብዚቐርቦም ሰብ ግዳያት ህስያ ዝዀኑ ሰባት፡ ፍሉይ መጸናንዒ ኼድልዮም ይኽእል እዩ። ዳዊት እቲ ዘማሪ፡ የሆዋ ልዕሊ ዅሉ ዜተኣማምን ምንጪ መጸናንዒ ምዃኑ ፈሊጡ ነይሩ እዩ። (መዝሙር 27:10 ኣንብብ።) የሆዋ ነቶም ብሰቦም እተጠንጠኑ ኸም ዚእርንቦም፡ ዳዊት እምነት ነይርዎ እዩ። ከመይ ገይሩ እዩ የሆዋ ኸምኡ ዚገብር፧ እሙናት ሰብኣውያን ኣገልገልቱ እዩ ዚጥቀም። እቶም ንየሆዋ ዜምልኹ ኣሕዋትናን ኣሓትናን፡ መንፈሳውያን ስድራ ቤትና እዮም። ንኣብነት፡ የሱስ፡ እቶም ንየሆዋ ዜምልኹ ዘበሉ ኣሕዋቱን ኣሓቱን ኣዴታቱን ምዃኖም ገሊጹ እዩ።—ማቴ. 12:48-50

10. ጳውሎስ ነቲ ኸም ሽማግለ መጠን ዝነበሮ ዕዮ ብኸመይ እዩ ገሊጽዎ፧

10 ክርስትያናዊት ጉባኤ ኸመይ ኢላ ኸም ስድራ ቤት ከም ዝዀነት፡ ሓደ ኣብነት እስከ ንርአ። ሃዋርያ ጳውሎስ ትጉህን እሙንን ሽማግለ እዩ ነይሩ። ሰናይ ኣብነት እውን ይኸውን ነይሩ እዩ፣ ብድራኸ መንፈስ ከኣ ከምቲ ንሱ ንክርስቶስ ዝመሰሎ፡ ካልኦት ንዕኡ ኺመስልዎ ጽሒፉ እዩ። (1 ቈረ. 11:1) ጳውሎስ ነቲ ኸም ሽማግለ መጠን ዝነበሮ ዕዮ ኺገልጾ ኸሎ፡ “ከምታ ንደቃ እትሕብሕብ እተጥቡ ኣደ ዄንና፡ ኣብ ማእከልኩም ልኡማት ኢና ኔርና” ኢሉ ጽሒፉ እዩ። (1 ተሰ. 2:7) ሎሚ ዘለዉ እሙናት ሽማግለታት እውን፡ ሓገዝ ንዜድልዮም ሰባት ቅዱስ ጽሑፋዊ መጸናንዒ ኺህቡ ኸለዉ፡ ልኡም ቃላት ኪጥቀሙ ይኽእሉ እዮም።

ብሱላት ክርስትያን ኣሓት ንፉዓት መጸናናዕቲ እየን (ሕጡብ ጽሑፍ 11 ርአ) *

11. መጸናንዒ ኺህቡ ዘለዎም ሽማግለታት ጥራይ ዘይምዃኖም ዚሕብር እንታይ መርትዖ ኣሎ፧

11 ንግዳያት ህስያ መጸናንዒ ኺህቡ ዘለዎም ሽማግለታት ጥራይ ድዮም፧ ኣይፋልን። ኵላትና ‘ንሓድሕድና ኽንጸናናዕ’ ሓላፍነት ኣሎና። (1 ተሰ. 4:18) ብሱላት ክርስትያን ኣሓት፡ መጸናንዒ ንዜድልየን ኣሓት ኬተባብዓዐን ይኽእላ እየን። የሆዋ ኣምላኽ ንርእሱ ምስ ሓንቲ ንውሉዳ እተጸናንዕ ኣደ ኣመሳሲሉ ኣሎ። (ኢሳ. 66:13) ኣብ ጭንቂ ንዝነበሩ ሰባት መጸናንዒ ብዛዕባ ዝሃባ ኣንስቲ ዚገልጽ ሓሳባት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ኣሎ። (እዮ. 42:11) እምበኣር፡ ሎሚ ክርስትያናት ኣንስቲ ምስ ስምዒታዊ ስቓይ ንዚቃለሳ ኣሓተን ኬጸናንዓ ኸለዋ፡ ንየሆዋ ደስ ይብሎ እዩ። ኣብ ገሊኡ መዳያት፡ ሓደ ሽማግለ ወይ ክልተ ሽማግለታት ንሓንቲ ብስልቲ ሓብቲ፡ ግዳይ ንዝዀነት ሓብቲ ኽትሕግዝ ትኽእል እንተ ዀይና ኺሓትትዋ ይኽእሉ እዮም። *

ከመይ ጌርና ኸነጸናንዕ ንኽእል፧

12. እንታይ ከይንገብር ኢና ኽንጥንቀቕ ዘሎና፧

12 ልክዕ እዩ፡ ሓደ ክርስትያን ብጻይና ብስቱር ኪሕዞ ኣብ ዚደሊ ጕዳይ ጠብሎቝ ከይንብል ክንጥንቀቕ ኣሎና። (1 ተሰ. 4:11) ነቶም ሓገዝን መጸናንዕን ዜድልዮምን ዚደልዩን ሰባት ግና እንታይ ክንገብረሎም ንኽእል፧ መጸናንዒ ኽንህበሉ እንኽእል ሓሙሽተ ቅዱስ ጽሑፋዊ መገድታት እስከ ንርአ።

13. ኣብ 1 ነገስት 19:5-8 ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ መልኣኽ የሆዋ ንኤልያስ እንታይ እዩ ገይሩሉ፧ ከመይ ጌርናኸ ኢና ኸምቲ እቲ መልኣኽ ዝገበሮ ኽንገብር እንኽእል፧

13 ግብራዊ ሓገዝ ሃብ። ነብዪ ኤልያስ ካብቶም ኪቐትልዎ ዚደልዩ ሰባት ኪሃድም ከሎ፡ ኣመና ተስፋ ስለ ዝቘረጸ፡ ሞት ተመንዩ ነይሩ እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ የሆዋ ንዕኡ ንምጽንናዕ ሓያል መልኣኽ ልኢኹ እዩ። ሽዑ፡ እቲ መልኣኽ ግብራዊ ሓገዝ እዩ ሂብዎ። ንኤልያስ ውዑይ ምግቢ ሂብዎ፡ ኪበልዕ እውን ኣተባቢዕዎ እዩ። (1 ነገስት 19:5-8 ኣንብብ።) እዚ ዛንታ እዚ ጠቓሚ ሓቂ ሒዙ ኣሎ፦ ሓድሓደ ግዜ ብለውሃት ዚግበር ቀሊል ተግባር፡ ኣዝዩ ጠቓሚ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ምናልባት ምግቢ፡ ንእሽቶ ህያብ፡ ወይ ጥዑም ቃላት ዝሓዘት ካርድ ንእተደቝሱ ኣሕዋት ወይ ኣሓት ፍቕርናን ሓልዮትናን ኬረጋግጸሎም ይኽእል እዩ። ብዛዕባ ብሕታዊ ወይ ዜሳቒ ጕዳይ ምዝርራብ ዚኸብደና እንተ ዀይኑ፡ ምናልባት ከምዚ ዝኣመሰለ ግብራዊ ሓገዝ ክንህብ ንኽእል ኢና።

14. ካብ ዛንታ ኤልያስ እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧

14 ንዝጨነቖም ቅሳነት ከም ዚስምዖም ግበር። ካብ ዛንታ ኤልያስ ካልእ ትምህርቲ እውን ክንረክብ ንኽእል ኢና። የሆዋ ንነብዪ ኤልያስ ክሳብ ከረን ሆሬብ ኪኸይድ ዜኽእሎ ሓይሊ ብተኣምራዊ መገዲ ሂብዎ እዩ። እቲ ርሑቕ ቦታ እቲ ዘመናት ይገብር የሆዋ ምስ ህዝቡ ኺዳን ዝኣተወሉ ብምንባሩ፡ ኤልያስ ኣብኡ ቕሳነት ይስምዖ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እቶም ኪጐድእዎ ዚደልዩ ሰባት ኣብኡ ኼረኻኽቡሉ ኸም ዘይክእሉ ዀይኑ ተሰሚዕዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ካብዚ እንታይ ትምህርቲ ንረክብ፧ ንግዳያት ህስያ ኸነጸናንዕ እንተ ደሊና፡ ኣብ ፈለማ ቕሳነት ከም ዚስምዖም ክንገብር ኣሎና። ንኣብነት፡ ሽማግለታት ንሓንቲ ዝጨነቓ ሓብቲ ኼዘራርብዋ ምስ በሉ፡ ካብ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ኣብ ቤታ ሻሂ እናሰተየት ከተዘራርቦም ብዝያዳ ቕሳነት ከም ዚስምዓ ኺድምድሙ ይኽእሉ እዮም። ካልእ ሰብ ከኣ ብኣንጻሩ ይደሊ ይኸውን።

ብትዕግስቲ ብምስማዕን ካብ ልቢ ብምጽላይን ዜጸናንዕ ቃላት ብምሕራይን ከነሕዊ ንኽእል ኢና (ሕጡብ ጽሑፍ 15-20 ርአ) *

15-16. ጽቡቕ ጌርካ ምስማዕ እንታይ የጠቓልል፧

15 ጽቡቕ ጌርካ ስማዕ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኵሉ ሰብ ንምስማዕ ቅልጡፍ፡ ንምዝራብ ደንጓዪ . . . ይኹን” ብምባል ንጹር ምኽሪ ይህበና እዩ። (ያእ. 1:19) እሞኸ ጽቡቕ ጌርና ንሰምዕ ዲና፧ ምስማዕ ኪብሃል ከሎ፡ ነቲ ሰብ ዓይን ዓይኑ እናጠመትካ ዋላ ሓንቲ ኸይተዛረብካ ዘረባኡ ኸም ዚውድእ ምግባር ማለት ጥራይ ጌርና ንሓስብ ንኸውን። ጽቡቕ ጌርካ ምስማዕ ግና ካብኡ ንላዕሊ የጠቓልል እዩ። ንኣብነት፡ ኤልያስ ኣብ መወዳእታ ነቲ ዘጨነቖ ነገር ንየሆዋ ገሊጹሉ እዩ፣ የሆዋ ኸኣ ብሓቂ ሰሚዕዎ እዩ። ካብቲ ዘረባኡ ድማ ከም ዝፈርሀን በይኑ ዝተረፈ ዀይኑ ኸም እተሰምዖን ኵሉ ዕዮኡ ኸንቱ ዝዀነ ገይሩ ኸም ዝሓሰበን ኣስተውዒሉ እዩ። ብፍቕሪ ተደሪኹ ኸኣ ነዚ ዘተሓሳሰቦ ነገራት ዚኸውን ምላሽ ሂብዎ እዩ። እወ፡ ንኤልያስ ብሓቂ ኸም ዝሰምዖ ኣርእዩ እዩ።—1 ነገ. 19:9-11, 15-18

16 ንሓውና ወይ ንሓብትና ኽንሰምዖም ከለና፡ ከመይ ጌርና እቲ መግለጺ ፍቕሪ ዝዀነ ድንጋጽን ርሕራሐን ከነርኢ ንኽእል፧ ሓድሓደ ግዜ፡ ብሜላ እተመርጸ ለውሃት ዜንጸባርቕ ሒደት ቃላት ንስምዒትና ይገልጾ እዩ። ንኣብነት፡ “ከምዚ ስለ ዘጋጠመካ፡ ብዙሕ እየ ሓዚነ! ኣብ ዝዀነ ቘልዓ እዚ ግፍዒ እዚ ኺወርድ ኣይግባእን እዩ!” ክትብል ትኽእል ኢኻ። ነቲ ዝጨነቖ ሰብ ምእንቲ ኽትርድኦ ኸኣ፡ ሓደ ወይ ክልተ ሕቶ ኽትሓትቶ ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት፡ “እንታይ ማለትካ ምዃንካዶ ኸተረድኣኒ፧” ወይ “ከምዚ ኽትብል ከለኻ፡ ከምዚ እዩ ተረዲኡኒ። ሓቀይ ድየ፧” ክትብል ትኽእል ኢኻ። ከምዚ ዝኣመሰለ ብፍቕሪ ዚዝረብ ቃላት ነቲ ሰብ እቲ ብሓቂ ትሰምዖ ኸም ዘለኻን ክትርድኦ ኸም እትጽዕርን ኬረጋግጸሉ ይኽእል እዩ።—1 ቈረ. 13:4, 7

17. ስለምንታይ ኢና ዕጉሳትን ‘ንምዝራብ ደንጐይትን’ ክንከውን ዘሎና፧

17 ይኹን እምበር፡ ወትሩ “ንምዝራብ ደንጓዪ” ንምዃን ጽዓር። ምኽሪ ኽትህብ ወይ ኣተሓሳስባኡ ኽትእርም ኢልካ ኣይትዅለፎ። ዕጉስ እውን ኩን! ኤልያስ ነቲ ኣብ ልቡ ዘሎ ንየሆዋ ኼፍስሰሉ ኸሎ፡ ጭንቀቱን ጓሂኡን ብብርቱዕ ቃላት እዩ ገሊጹ። የሆዋ ንእምነት ኤልያስ ምስ ኣበርትዖ እውን፡ ኤልያስ ጸኒሑ በተን ቃላት እቲአን እዩ ስምዒቱ ገሊጹ። (1 ነገ. 19:9, 10, 13, 14) ካብዚ እንታይ ንምሃር፧ ሓድሓደ ግዜ፡ ዝጨነቖም ሰባት ኣብ ልቦም ዘሎ ነገራት ደጋጊሞም ኬፍስሱ የድልዮም ይኸውን። ንሕና ድማ ከም የሆዋ ብትዕግስቲ ኽንሰምዖም ኣሎና። ፍታሕ ክንህቦም ኣብ ክንዲ እንጽዕር፡ ድንጋጽን ርሕራሐን ከነርእዮም ኣሎና።—1 ጴጥ. 3:8

18. ጸሎትና ነቶም ዚሳቐዩ ዘለዉ ግዳያት ከመይ ገይሩ ኼጸናንዖም ይኽእል፧

18 ምስቲ ዚሳቐ ዘሎ ግዳይ ሓቢርካ ኻብ ልቢ ጸሊ። መንፈሱ እተደቝሰ ሰብ ኪጽሊ ዘይክእል ኰይኑ ይስምዖ እዩ። ከመይሲ፡ ንየሆዋ ንምቕራብ ዘይበቅዕ ኰይኑ ኺስምዖ ይኽእል እዩ። ንኸምዚ ዝኣመሰለ ሰብ ከነጸናንዖ እንተ ደሊና፡ ስሙ ጠቒስና ኽንጽሊ ንኽእል ኢና። ንሕናን ጉባኤናን ነቲ እተደቝሰ ሰብ ክሳዕ ክንደይ ከም እንፈትዎ ንየሆዋ ኽንገልጸሉ ንኽእል ኢና። የሆዋ ነቲ ፍቱው በጊዑ ኼደዓዕስን ኬጸናንዕን ክንልምን ንኽእል ኢና። ከምዚ ዝኣመሰለ ጸሎት ኣዝዩ ዜጸናንዕ ኪኸውን ይኽእል እዩ።—ያእ. 5:16

19. ንሰብ ዜጸናንዕ ነገር ንምድላው እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

19 ዜሕውን ዜደዓዕስን ቃላት ሕረ። ቅድሚ ምዝራብካ ሕሰብ። ብዘይ ሓልዮት ዚዝረብ ዘረባ ኺጐድእ ይኽእል እዩ። ብለውሃት ዚዝረብ ቃላት ግና ኬሕዊ ይኽእል እዩ። (ምሳ. 12:18) ስለዚ፡ ጥዑምን ዜጸናንዕን ዜደዓዕስን ቃላት ንምርካብ፡ የሆዋ ኺሕግዘካ ጸሊ። ካብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ቓላት የሆዋ ንላዕሊ ኺዓዪ ዚኽእል ቃላት ከም ዘየልቦ ኣይትረስዕ።—እብ. 4:12

20. ገሊኦም ሰባት ብሰንኪ እቲ ዜሕልፍዎ ሕማቕ ተመክሮ እንታይ ኢሎም እዮም ዚኣምኑ፧ ንዓታቶምከ እንታይ ኢና ኸነዘኻኽሮም እንደሊ፧

20 ገሊኦም ሰባት ብሰንኪ እቲ ኣብ ሕሉፍ ግዜ ዘጋጠሞም ህስያ፡ ረሳሓት፡ ዘይጠቕሙ፡ ወይ ዘይፍተዉ፡ ካብኡ ሓሊፎም እውን ኪፍተዉ ዘይግብኦም ከም ዝዀኑ ይኣምኑ እዮም። እዚ ኣመና ሓሶት እዩ! ስለዚ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ዘለዎም ናይ ሓቂ ዋጋ ብቕዱሳት ጽሑፋት ጌርካ ኣዘኻኽሮም። (“ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዚርከብ መጸናንዒ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።) ነብዪ ዳንኤል ደኺሙን ተደቚሱን ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ሓደ መልኣኽ ከመይ ገይሩ ብለውሃት ከም ዘበርትዖ ዘክር። የሆዋ ነቲ ሰብ እቲ እተፈተወ ምዃኑ ኼዘኻኽሮ ደልዩ ነይሩ እዩ። (ዳን. 10:2, 11, 19) ብተመሳሳሊ፡ እቶም ዝጨነቖም ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ ቅድሚ የሆዋ ፍቱዋት እዮም!

21. ንዅሎም ዘይንስሑ ኣበስቲ እንታይ እዩ ዚጽበዮም ዘሎ፧ ክሳዕ ሽዑ ግና ኵላትና እንታይ ንምግባር ኢና ኽንቈርጽ ዘሎና፧

21 ንሰባት ከነጸናንዕ ከለና፡ ብዛዕባ ፍቕሪ የሆዋ ኢና እነዘኻኽሮም። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ፡ የሆዋ ናይ ፍትሒ ኣምላኽ ምዃኑ ኽንርስዕ የብልናን። ኵሉ እከይ ጠሪሱ ሕቡእ ኣይኰነን። የሆዋ ንዅሉ ይርእዮ እዩ፣ ንዘይንስሑ ኣበስቲ ኸኣ ከይቀጽዐ ኣይሓድጎምን እዩ። (ዘሁ. 14:18) ክሳዕ ሽዑ ግና ነቶም ኣደዳ ህስያ ዝዀኑ ሰባት ፍቕርና ንምግላጽ ዚከኣለና ዘበለ ንግበር። ብዘይካዚ፡ የሆዋ ነቶም ብሰይጣንን ብዓለሙን እተሃስዩ ሰባት ንሓዋሩ ኸም ዜሕውዮም ምፍላጥና ብዙሕ የጸናንዓና እዩ። ኣብ ቀረባ ግዜ፡ እዚ ዜሳቒ ነገራት ደጊም ናብ ኣእምሮ ወይ ናብ ልቢ ኣይኪመጽእን እዩ።—ኢሳ. 65:17

መዝሙር 109 ኣጸቢቕኩም ተፋቐሩ

^ ሕ.ጽ. 5 እቶም ብቝልዕነቶም ግዳያት ጾታዊ ህስያ ዝዀኑ ሰባት፡ ዓመታት ምስ ሓለፈ እኳ ብዙሕ ብድሆታት የጋጥሞም እዮም። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ነዚ ኽንርድኦ ትሕግዘና። ንዓታቶም መን ኬጸናንዖም ከም ዚኽእል እውን ክንርኢ ኢና። ኣብ መወዳእታ፡ ንሕና መጸናንዒ ኽንህበሉ እንኽእል ገለ ውጽኢታዊ መገድታት ክንርኢ ኢና።

^ ሕ.ጽ. 11 ግዳይ ህስያ ዝዀነ ሰብ ካብ ብቑዓት ሰብ ሞያ ሓገዝ ምድላይ ወይ ዘይምድላይ፡ ናይ ብሕቱ ውሳነ እዩ።

^ ሕ.ጽ. 76 መግለጺ ስእሊ ገጽ፦ ሓንቲ ብስልቲ ሓብቲ ንሓንቲ ስምዒታዊ ስቓይ ዘለዋ ሓብቲ ተጸናንዓ።

^ ሕ.ጽ. 78 መግለጺ ስእሊ ገጽ፦ ክልተ ሽማግለታት ንሓንቲ ዝጨነቓ ሓብቲ ይበጽሕዋ። ንሳ ድማ ነታ ብስልቲ ሓብቲ ኽትሓብሮም ዓዲማታ እያ።