ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 18

ፍቕርን ፍትሕን—ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ

ፍቕርን ፍትሕን—ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ

“ከቢድ ጾር ሓድሕድ ጹሩ፣ በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ሕጊ ክርስቶስ ክትፍጽሙ ኢኹም።”—ገላ. 6:2

መዝሙር 12 የሆዋ ዓብዪ ኣምላኽ

መላለዪ *

1. ብዛዕባ እንታይ ክልተ ነገር ኢና ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል፧

የሆዋ ኣምላኽ ንኣምለኽቱ የፍቅሮም እዩ። ካብ ቀደሙ የፍቅሮም ነይሩ እዩ፣ ብሕጂ እውን ንሓዋሩ ኼፍቅሮም እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ፡ ፍትሒ ይፈቱ እዩ። (መዝ. 33:5) ስለዚ፡ ብዛዕባ ኽልተ ነገር ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና፦ (1) የሆዋ፡ ኣገልገልቱ ኺግፍዑ ኸለዉ ይጕሂ እዩ። (2) ፍትሒ ኸም ዚረኽቡ ይገብር እዩ። ኣብታ ቐዳመይቲ ኻብዘን ተኸታተልቲ ዓንቀጻት፡ * እቲ ኣምላኽ ብሙሴ ኣቢሉ ንእስራኤላውያን ዝሃቦም ሕጊ ኣብ ፍቕሪ ኸም እተመስረተ ርኢና ኔርና። ብዘይካዚ፡ ፍትሒ ኸም ዜተባብዕ፡ ማለት ኵሉ ሰብ፡ ምናዳ ኸኣ መሳኪን ፍትሒ ኺረኽቡ ኸም ዜተባብዕ ርኢና ኔርና። (ዘዳ. 10:18) እቲ ሕጊ እቲ፡ የሆዋ ብዛዕባ ኣምለኽቱ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዚሓሊ ይሕብረና እዩ።

2. ሕጂ እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንምልስ፧

2 ሕጊ ሙሴ ብ33 ድ.ክ. ክርስትያናዊት ጉባኤ ምስ ቈመት ኣብቂዑ እዩ። እሞ ደኣ ክርስትያናት ብዘይ እቲ ኣብ ፍቕሪ እተመስረተን ፍትሒ ዜተባብዕን ሕጊ ድዮም ተሪፎም፧ ኣይፋልን! ክርስትያናት ሓድሽ ሕጊ ተዋሂብዎም እዩ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ እቲ ሕጊ እቲ እንታይ ምዃኑ ኽንርኢ ኢና። ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሲ ኽንህበሉ ኢና፦ እዚ ሕጊ እዚ ኣብ ፍቕሪ እተመስረተ እዩ እንብል ስለምንታይ ኢና፧ ፍትሒ የተባብዕ እዩ ኽንብል እንኽእልከ ስለምንታይ ኢና፧ ኣብ ትሕቲ እዚ ሕጊ እዚ፡ እቶም ስልጣን ዘለዎም ሰባት ንኻልኦት ሰባት ብኸመይ ኪሕዝዎም ይግባእ፧

“ሕጊ ክርስቶስ” እንታይ እዩ፧

3. ኣብ ገላትያ 6:2 ተጠቒሱ ዘሎ “ሕጊ ክርስቶስ” እንታይ የጠቓልል፧

3 ገላትያ 6:2 ኣንብብ። ክርስትያናት ኣብ ትሕቲ “ሕጊ ክርስቶስ” እዮም። የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ዝርዝር ሕግታት ኣይጸሓፈሎምን፣ ህይወቶም ዚመርሑሉ መምርሒታትን ትእዛዛትን ስርዓታትን ግና ሂብዎም እዩ። “ሕጊ ክርስቶስ” ንዅሉ እቲ የሱስ ዝመሃሮ የጠቓልል። ነዚ ሕጊ እዚ ብዝያዳ ምእንቲ ኽንርድኦ፡ ነዚ ዚስዕብ እስከ ንርአ።

4-5. የሱስ ብኸመይ እዩ ምሂሩ፧ መዓስከ እዩ ምሂሩ፧

4 የሱስ ብኸመይ እዩ ምሂሩ፧ ቀዳማይ፡ ብዘረባኡ እዩ ምሂሩ። ቃላቱ ብዛዕባ ኣምላኽ እቲ ሓቂ ስለ ዚገልጽ፡ ናይ ሓቂ ትርጉም ህይወት ስለ ዚምህር፡ መንግስቲ ኣምላኽ ንዅሉ መከራ ደቂ ሰብ ፍታሕ ከም እትኸውን ስለ ዚሕብር፡ ሓይሊ ነይርዎ እዩ። (ሉቃ. 24:19) የሱስ ብኣብነት እውን ምሂሩ እዩ። ብኣነባብራኡ ኣቢሉ፡ ሰዓብቱ እንታይ ናብራ ኺህልዎም ከም ዚግባእ ምሂሩ እዩ።—ዮሃ. 13:15

5 የሱስ መዓስ እዩ ምሂሩ፧ ኣብቲ ኣብ ምድሪ ዜገልግለሉ ዝነበረ እዋን እዩ ምሂሩ። (ማቴ. 4:23) ደድሕሪ ትንሳኤኡ እውን ንሰዓብቱ ምሂርዎም እዩ። ንኣብነት፡ ንብዙሓት ደቀ መዛሙርቱ፡—ምናልባት ካብ 500 ንላዕሊ ንዝቝጽሮም፡—ተራእይዎም እዩ፣ “ደቀ መዛሙርቲ ግበሩ” ኢሉ እውን ትእዛዝ ሂብዎም እዩ። (ማቴ. 28:19, 20፣ 1 ቈረ. 15:6) ርእሲ ጉባኤ ስለ ዝዀነ ኸኣ፡ ናብ ሰማይ ምስ ተመልሰ እውን ከይተረፈ ንደቀ መዛሙርቱ ኻብ ምምሃር ኣየቋረጸን። ንኣብነት፡ ኣብ ከባቢ 96 ድ.ክ.፡ ብሃዋርያ ዮሃንስ ኣቢሉ ንቕቡኣት ክርስትያናት መተባብዕን ምኽርን ሂብዎም እዩ።—ቈሎ. 1:18፣ ራእ. 1:1

6-7. (ሀ) ትምህርትታት የሱስ ኣበይ እዩ ተመዝጊቡ ዘሎ፧ (ለ) ንሕጊ ክርስቶስ ከመይ ጌርና ኢና እንሕልዎ፧

6 ትምህርትታት የሱስ ኣበይ እዩ ተመዝጊቡ ዘሎ፧ ኣብተን ኣርባዕተ ወንጌላት፡ ብዙሕ ኻብቲ የሱስ ኣብ ምድሪ ዝበሎን ዝገበሮን ነገራት ተመዝጊቡ ኣሎ። ኣብቲ ዝተረፈ ክርስትያናዊ ቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ ኸኣ፡ ሓሳብ ክርስቶስ እንታይ ምዃኑ ብዝያዳ ኽንርዳእ ዚሕግዝ ሓበሬታ ኣሎ፣ እዚ ድማ ብመንፈስ ብእተደረኹን “ሓሳብ ክርስቶስ” ብዘለዎምን ሰባት እዩ ተጻሒፉ።—1 ቈረ. 2:16

7 ትምህርትታት፦ ትምህርትታት የሱስ ንዅሉ መዳያት ህይወት ይሽፍን እዩ። ስለዚ፡ ሕጊ ክርስቶስ ኣብ ቤትን ኣብ ስራሕን ኣብ ቤት ትምህርትን ኣብ ጉባኤን እንታይ ክንገብር ከም ዘሎና መምርሒ ይዀነና እዩ። ነዚ ሕጊ እዚ ድማ ክርስትያናዊ ቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ ብምንባብን ብዛዕባ እቲ ዘንበብናዮ ብምስትንታንን ኢና እንምሃሮ። ነዚ ሕጊ እዚ ንምሕላው ከኣ፡ ምስቲ ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ መምርሒታትን ትእዛዛትን ስርዓታትን ተሰማሚዕና ኽንመላለስ ኣሎና። ንሕጊ ክርስቶስ ንሕልዎ እንተ ዄንና፡ ነቲ ምንጪ ዅሉ እቲ የሱስ ዝመሃሮ ትምህርቲ ዝዀነ ፈቃር ኣምላኽና የሆዋ ኢና እንእዘዞ።—ዮሃ. 8:28

ኣብ ፍቕሪ እተመስረተ ሕጊ

8. መሰረት ሕጊ ክርስቶስ እንታይ እዩ፧

8 ኣብ ድልዱል መሰረት እተሰረተት ብጽቡቕ እተሃንጸት ቤት ንነበርታ ተቕስኖም እያ። ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ድልዱል መሰረት እተሃንጸ ሕጊ ነቶም ብእኡ ዚመላለሱ የቕስኖም እዩ። ሕጊ ክርስቶስ ኣብ ብሉጽ መሰረት፡ ማለት ኣብ ፍቕሪ፡ እተሃንጸ እዩ። ስለምንታይ ኢና ኸምኡ ኽንብል እንኽእል፧

ንኻልኦት ብፍቕሪ ኽንሕዞም ከለና፡ “ሕጊ ክርስቶስ” ኢና እንሕሉ (ሕጡብ ጽሑፍ 9-14 ርአ) *

9-10. የሱስ ብፍቕሪ ይድረኽ ምንባሩ ዜርኢ እንታይ ኣብነታት ኣሎ፧ ብኸመይከ ኢና ኽንመስሎ እንኽእል፧

9 ቀዳማይ፡ የሱስ ኣብ ኵሉ ተግባሩ ብፍቕሪ እዩ ዚድረኽ ነይሩ። ድንጋጽ ወይ ርሕራሐ መግለጺ ፍቕሪ እዩ። የሱስ ብድንጋጽ ተደሪኹ ንብዙሕ ህዝቢ ምሂሩ፡ ሕሙማት ኣሕውዩ፡ ጥሙያት ዓንጊሉ፡ ምዉታት እውን ኣተንሲኡ እዩ። (ማቴ. 14:14፣ 15:32-38፣ ማር. 6:34፣ ሉቃ. 7:11-15) እዚ ነገራት እዚ ብዙሕ ግዜን ጕልበትን ዚወስድ እኳ እንተ ነበረ፡ የሱስ ብፍታዉ ነቲ ንኻልኦት ዜድልዮም ነገራት ካብቲ ንዕኡ ዜድልዮ ነገራት ኣቐዲሙ እዩ። ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ህይወቱ ምእንቲ ኻልኦት ኣሕሊፉ ብምሃብ፡ ዓባይ ፍቕሪ ኣርእዩ እዩ።—ዮሃ. 15:13

10 ትምህርትታት፦ ንኻልኦት ዜድልዮም ነገራት ልዕሊ እቲ ንዓና ዜድልየና ነገራት ብምስራዕ፡ ንየሱስ ክንመስሎ ንኽእል ኢና። ኣብ ክልና ንዚርከቡ ሰባት ርሕራሐ ብምምዕባል እውን፡ ንዕኡ ኽንመስሎ ንኽእል ኢና። እዚ ርሕራሐ እዚ ብስራት ክንሰብኽን ክንምህርን ኪድርኸና ኸሎ፡ ሕጊ ክርስቶስ ንሕሉ ኢና።

11-12. (ሀ) የሆዋ ብዛዕባና ኣጸቢቑ ኸም ዚሓሊ ብምንታይ ይርአ፧ (ለ) ከመይ ጌርና ኢና ፈቃራት ብምዃን ንየሆዋ ኽንመስሎ እንኽእል፧

11 ካልኣይ፡ የሱስ ፍቕሪ ኣቦኡ ገሊጹልና እዩ። ኣብ ኣገልግሎቱ፡ የሆዋ ንኣምለኽቱ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዚሓልየሎም ኣርእዩ እዩ። ገለ ኻብቲ ዝመሃረና ነገራት፡ እዚ ዚስዕብ ኪጥቀስ ይከኣል፦ ነፍሲ ወከፍና ኣብ ቅድሚ ሰማያዊ ኣቦና ኽቡራት ኢና። (ማቴ. 10:31) የሆዋ ነቶም ተነሲሖም ናብ ጉባኤ ዚምለሱ ጥፉኣት ኣባጊዑ ተሃንጥዩ እዩ ዚቕበሎም። (ሉቃ. 15:7, 10) ንወዱ ምእንቲ ዅላትና በጃ ኪኸውን ብምሃብ ከኣ፡ ፍቕሩ ኣርእዩና እዩ።—ዮሃ. 3:16

12 ትምህርትታት፦ ከመይ ጌርና ኢና ፈቃራት ብምዃን ንየሆዋ ኽንመስሎ እንኽእል፧ (ኤፌ. 5:1, 2) ንነፍሲ ወከፍ ሓውናን ሓብትናን ኣኽቢርና ንርኢ ኢና፣ ናብ የሆዋ ንዚምለስ ‘ጥፉእ በጊዕ’ እውን ሓንጐፋይ ኢልና ንቕበል ኢና። (መዝ. 119:176) ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን፡ ምናዳ ኸኣ ንእተሸገሩ ዘበሉ ንምሕጋዝ ግዜናን ጕልበትናን ብምውፋይ፡ ከም እነፍቅሮም ነርኢ ኢና። (1 ዮሃ. 3:17) ንኻልኦት ብፍቕሪ ኽንሕዞም ከለና፡ ንሕጊ ክርስቶስ ንሕልዎ ኢና።

13-14. (ሀ) ኣብ ዮሃንስ 13:34, 35 ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ የሱስ ንሰዓብቱ እንታይ ኬርእዩ እዩ ኣዚዝዎም፧ እዚ ሓድሽ ትእዛዝ ዝዀነኸ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ነቲ ሓድሽ ትእዛዝ ብኸመይ ኢና እንሕልዎ፧

13 ሳልሳይ፡ የሱስ ንሰዓብቱ ጥቕሚ ርእሳ እትስውእ ፍቕሪ ኼርእዩ ኣዚዝዎም እዩ። (ዮሃንስ 13:34, 35 ኣንብብ።) ትእዛዝ የሱስ ኣብ ትሕቲ እቲ ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ዝሃቦም ሕጊ ዘይነበረ ዓይነት ፍቕሪ ኸነርኢ ስለ ዚእዝዝ፡ ሓድሽ ኪብሃል ይከኣል እዩ። እዚ ሕጊ እዚ ኸኣ፡ ንክርስትያናት ብጾትካ ኸምቲ የሱስ ዘፍቀረካ ጌርካ ኸተፍቅሮም ዚእዝዝ እዩ። ከምኡ ንምግባር፡ ጥቕሚ ርእሳ እትስውእ ፍቕሪ ተድልየና እያ። * ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ካብ ገዛእ ርእስና ንላዕሊ ኸነፍቅሮም ኣሎና። ከምቲ የሱስ ዝገበሮ፡ ምእንታኦም ህይወትና ኽሳዕ ምሃብ እውን ከነፍቅሮም ኣሎና።

14 ትምህርትታት፦ ነዚ ሓድሽ ትእዛዝ እዚ ብኸመይ ኢና እንሕልዎ፧ ብሓጺሩ፡ ምእንቲ ኣሕዋትናን ኣሓትናን መስዋእቲ ብምግባር ኢና እንሕልዎ። ካብ ኵሉ ዚዓቢ መስዋእቲ ንምግባር፡ ማለት ህይወትና ንምሃብ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ዝነኣሰ መስዋእቲ ንምግባር እውን ፍቓደኛታት ኢና። ንኣብነት፡ ብዕድመ ንዝደፍአ ሓውና ወይ ሓብትና ናብ ኣኼባ ንምውሳድ ፍሉይ ጻዕሪ ንገብር እንተ ዄንና፡ ወይ ንእንፈትዎ ሰብ ከነሐጕስ ኢልና ብሕታዊ ምርጫና እንሓድግ እንተ ዄንና፡ ወይ ኣብ ዕዮ ረድኤት ኽንሕግዝ ኢልና ኻብ ዓለማዊ ስራሕና ዕረፍቲ ንወስድ እንተ ዄንና፡ ሕጊ ክርስቶስ ኢና እንሕሉ ዘለና። ንጉባኤና እውን ነፍሲ ወከፍ ኣባል ቐሲኑ ዚነብረላ ቦታ ኢና እንገብራ ዘለና።

ፍትሒ ዜተባብዕ ሕጊ

15-17. (ሀ) ተግባራት የሱስ ንፍትሓውነቱ ዜንጸባርቕ ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ከመይ ጌርና ኢና ንየሱስ ክንመስሎ እንኽእል፧

15 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ፍትሒ” ብመሰረቱ ነቲ ኣምላኽ ቅኑዕ ገይሩ ዚርእዮ ዘበለ ምግባርን ነዚ ብዘይ ኣድልዎ ምግባርን የመልክት። ስለምንታይ ኢና ሕጊ ክርስቶስ ፍትሒ የተባብዕ ክንብል እንኽእል፧

የሱስ ንደቂ ኣንስትዮ፡ እንተላይ ነተን ዚንዓቓ ዝነበራ የኽብረንን ይልውሃለንን ነይሩ (ሕጡብ ጽሑፍ 16 ርአ) *

16 ቀዳማይ፡ ተግባራት የሱስ ንፍትሑ ብኸመይ የንጸባርቕ ከም ዝነበረ እስከ ንርአ። ብግዜ የሱስ፡ መራሕቲ ሃይማኖት ኣይሁድ ንኣህዛብ ይጸልእዎም፡ ንተራ ኣይሁድ ይንዕቅዎም፡ ንኣንስቲ እውን ኣየኽብርወንን እዮም ነይሮም። የሱስ ግና ምስ ኵሉ ሰብ ኣብ ዝነበሮ ርክብ ፍትሓውን ዘየዳሉን እዩ ነይሩ። ብእኡ ንዚኣምኑ ኣህዛብ ይቕበሎም ነይሩ እዩ። (ማቴ. 8:5-10, 13) ብዘይ ኣድልዎ ኸኣ ንሃብታም ኰነ ንድኻ ይሰብኽ ነይሩ እዩ። (ማቴ. 11:5፣ ሉቃ. 19:2, 9) ንደቂ ኣንስትዮ ድማ ኣይጭክነለንን ወይ ኣይሃስየንን እዩ ነይሩ። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ ንዅለን ደቂ ኣንስትዮ፡ እንተላይ ነተን ዚንዓቓ ዝነበራ የኽብረንን ይልውሃለንን እዩ ነይሩ።—ሉቃ. 7:37-39, 44-50

17 ትምህርትታት፦ ምስ ሰባት ኣብ ዘሎና ርክብ ብዘይ ኣድልዎ ብምምልላስ፡ ኪሰምዑ ንዚደልዩ ዘበሉ ድማ ማሕበራዊ ወይ ሃይማኖታዊ ድሕረ ባይታኦም ብዘየገድስ ንዅሎም ብምስባኽ፡ ንየሱስ ክንመስሎ ንኽእል ኢና። ክርስትያን ሰብኡት ከኣ ንኣንስቲ ብኽብሪ ብምሓዝ፡ ኣብነቱ ኺስዕቡ ይኽእሉ እዮም። ከምኡ ኽንገብር ከለና፡ ሕጊ ክርስቶስ ኢና እንሕሉ።

18-19. የሱስ ብዛዕባ ፍትሒ እንታይ እዩ ምሂሩ፧ ካብ ትምህርቱኸ እንታይ ትምህርትታት ኢና እንምሃር፧

18 ካልኣይ፡ ነቲ የሱስ ብዛዕባ ፍትሒ ዝመሃሮ እስከ ንርአ። ሰዓብቱ ንኻልኦት ብፍትሒ ኺሕዙ ዜኽእል ስርዓታት ምሂሩ እዩ። ንኣብነት፡ ብዛዕባ እታ ወርቃዊት ሕጊ እሞ ንሕሰብ። (ማቴ. 7:12) ኵላትና ብፍትሒ ኽንትሓዝ ንደሊ ኢና። ስለዚ፡ ንኻልኦት ብፍትሒ ኽንሕዞም ኣሎና። ከምኡ እንተ ጌርና፡ ብፍትሒ ኺሕዙና ድራኸ ይሓድሮም ይኸውን። ኰይኑ ግና፡ ንሕና ኣደዳ ግፍዒ እንተ ዄንናኸ፧ ኣብዚ መዳይ እዚ እውን፡ የሱስ ንሰዓብቱ፡ የሆዋ ‘ነቶም መዓልትን ለይትን ናብኡ ዚጭርሑ ፍትሒ ኸም ዜውጽኣሎም’ ምሂሩ እዩ። (ሉቃ. 18:6, 7) ብኻልእ ኣበሃህላ እዚ ዚስዕብ ቃል እዩ ዚኣትወልና ነይሩ፦ እቲ ፍትሓዊ ኣምላኽና ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ንዜጓንፈና ፈተናታት ይፈልጦ እዩ፣ ብግዜኡ ድማ ፍትሒ ኼውጽኣልና እዩ።—2 ተሰ. 1:6

19 ትምህርትታት፦ እቲ የሱስ ዝመሃረና ስርዓታት ምስ እንስዕብ፡ ንኻልኦት ብፍትሓዊ መገዲ ኢና እንሕዞም። ኣብዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ግዳያት ግፍዒ እንተ ዄንና ኸኣ፡ የሆዋ ብርግጽ ፍትሒ ኸም ዜውጽኣልና ፈሊጥና ኽንጸናናዕ ንኽእል ኢና።

እቶም ስልጣን ዘለዎም ንኻልኦት ብኸመይ ኪሕዝዎም ይግባእ፧

20-21. (ሀ) እቶም ስልጣን ዘለዎም ሰባት ንኻልኦት ብኸመይ ኪሕዝዎም ኣለዎም፧ (ለ) ሰብኣይ ጥቕሚ ርእሳ እትስውእ ፍቕሪ ኼርኢ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ ኣቦኸ ንደቁ ብኸመይ እዩ ኺሕዞም ዚግባእ፧

20 ኣብ ትሕቲ ሕጊ ክርስቶስ፡ እቶም ኣብ ስልጣን ዘለዉ ሰባት ንኻልኦት ብኸመይ ኪሕዝዎም ይግባእ፧ ፍቕሪ መሰረት እቲ ሕጊ ስለ ዝዀነ፡ እቶም ኣብ ስልጣን ዘለዉ ሰባት ነቶም ኣብ ትሕቲ ሓልዮቶም ዘለዉ ኬኽብርዎምን ብፍቕሪ ኺሕዝዎምን ኣለዎም። መገዲ ክርስቶስ፡ መገዲ ፍቕሪ ምዃኑ ኺዝክሩ ኣለዎም።

21 ኣብ ስድራ ቤት። ሰብኣይ ንሰበይቱ ‘ኸምቲ ክርስቶስ ንጉባኤኡ ዚገብረላ’ ገይሩ ኼፍቅራ ኣለዎ። (ኤፌ. 5:25, 28, 29) ንድሌትን ንጥቕምን ሰበይቱ ኻብ ናይ ርእሱ ብምቕዳም፡ ከም ክርስቶስ ጥቕሚ ርእሳ እትስውእ ፍቕሪ ኼርኢ ኣለዎ። ገሊኦም ሰብኡት ምናልባት ንኻልኦት ብፍትሕን ብፍቕርን ምሓዝ ኣብ ዘየተባብዕ ባህሊ ስለ ዝዓበዩ፡ ፍቕሮም ኬርእዩ የጸግሞም ይኸውን። ሕማቕ ልማዳቶም ምእራም ድማ የጸግሞም ይኸውን፣ ሕጊ ክርስቶስ ንምሕላው ግና ነዚ ለውጥታት እዚ ኺገብሩ ኣለዎም። ጥቕሚ ርእሳ እትስውእ ፍቕሪ ዜርኢ ሰብኣይ ካብ ሰበይቱ ኣኽብሮት ይረክብ እዩ። ንደቁ ብሓቂ ዜፍቅር ኣቦ ኸኣ ብዘረባኡ ወይ ብተግባሩ ኸቶ ኣይሃስዮምን እዩ። (ኤፌ. 4:31) ኣብ ክንዳኡስ፡ ንደቁ ፍቕሩን ስምረቱን ስለ ዚገልጸሎም፡ ቅሳነት ከም ዚስምዖም ይገብር እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ኣቦ ኻብ ደቁ ፍቕርን እምነትን ይረክብ እዩ።

22. ኣብ 1 ጴጥሮስ 5:1-3 ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ እተን “ኣባጊዕ” ናይ መን እየን፧ ብኸመይከ ኺትሓዛ ኣለወን፧

22 ኣብ ጉባኤ። ሽማግለታት፡ እተን “ኣባጊዕ” ናታቶም ከም ዘይኰና ኺዝክሩ ኣለዎም። (ዮሃ. 10:16፣ 1 ጴጥሮስ 5:1-3 ኣንብብ።) እቲ፡ “መጓሰ ኣምላኽ፡” “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ፡” “ርስቲ ኣምላኽ” ዚብል ቃላት፡ እተን ኣባጊዕ ናይ የሆዋ ምዃነን ንሽማግለታት ኬዘኻኽሮም ኣለዎ። ንሱ ኸኣ ኣባጊዑ ብፍቕርን ብለውሃትን ኪትሓዛ እዩ ዚደሊ። (1 ተሰ. 2:7, 8) ከም ጓሶት መጠን ዘለዎም ሓላፍነታት ብፍቕሪ ዚስከሙ ሽማግለታት፡ ስምረት ኣምላኽ ይረኽቡ እዮም። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሽማግለታት ካብ ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ፍቕርን ኣኽብሮትን ይረኽቡ እዮም።

23-24. (ሀ) ምስ ከቢድ ኣበሳ ዚተሓሓዝ ጕዳያት ኪልዓል ከሎ፡ ሽማግለታት እንታይ ግደ ኣለዎም፧ (ለ) ሽማግለታት ከምዚ ዝኣመሰለ ጕዳያት ኪሕዙ ኸለዉ፡ እንታይ እዩ ዜተሓሳስቦም፧

23 ምስ ከቢድ ኣበሳ ዚተሓሓዝ ጕዳያት ኪልዓል ከሎ፡ ሽማግለታት እንታይ ግደ ኣለዎም፧ ግደኦም ካብቲ ኣብ ትሕቲ እቲ ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ዝሃቦም ሕጊ ዝነበሩ ፈራዶን ዓበይትን እተፈልየ እዩ። ኣብ ትሕቲ እቲ ሕጊ እቲ ሓላፍነት ዝነበሮም ሰባት፡ መንፈሳዊ ጕዳያት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ሲቪላውን ገበናውን ጕዳያት እውን ይሕዙ ነይሮም እዮም። ኣብ ትሕቲ ሕጊ ክርስቶስ ግና፡ ሽማግለታት ንመንፈሳዊ መዳይ እቲ ኣበሳ ጥራይ እዮም ዚሕዙ። ንሲቪላውን ንገበናውን ጕዳያት ኪሕዙ ኻብ ኣምላኽ ሓላፍነት እተዋህቦም፡ ዓለማውያን ሰበ ስልጣን ምዃኖም ይፈልጡ እዮም። እዚ ኸኣ ነቲ ኸም መቕጻዕቲ ገይሮም ክፍሊት ኬኽፍሉ ወይ ማእሰርቲ ኺፈርዱ ዘለዎም ስልጣን እውን የጠቓልል እዩ።—ሮሜ 13:1-4

24 ከቢድ ኣበሳ ኣብ ዚፍጸመሉ እዋን፡ ሽማግለታት ንመንፈሳዊ መዳያት እቲ ኣበሳ ብኸመይ እዮም ዚሕዝዎ፧ ብቕዱሳት ጽሑፋት ገይሮም ነቲ ጕዳይ ገምጊሞም ውሳነታት ይገብሩ እዮም። ፍቕሪ መሰረት ሕጊ ክርስቶስ ምዃና ኣብ ግምት የእትዉ እዮም። ብፍቕሪ ተደሪኾም ከኣ ነዚ ዚስዕብ ይሓስቡሉ እዮም፦ ግዳያት ኣበሳ ንዝዀኑ ኣባላት እታ ጉባኤ ንምሕጋዝ እንታይ ኪግበር የድሊ፧ ብዛዕባ እቲ ኣባሲ፡ ሽማግለታት ብፍቕሪ ተደሪኾም፡ ‘ተነሲሑዶ፧ መንፈሳዊ ጥዕናኡ ኺረክብ ክንሕግዞዶ ንኽእል፧’ ኢሎም ይሓስቡ እዮም።

25. ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንመያየጥ፧

25 ኣብ ትሕቲ ሕጊ ክርስቶስ ምዃንናስ ብሓቂ ኼሐጕሰና ኣለዎ! ኵላትና ነቲ ሕጊ ንምሕላዉ ኣበርቲዕና እንተ ጽዒርና፡ ጉባኤና ፍቕርን ኣኽብሮትን ቅሳነትን ዚርከበላ ቦታ ኽትከውን እጃምና ኸነበርክት ኢና። ይኹን እምበር፡ “እኩያት” ሰባት “ናብ ዝገደደ” ኣብ ዚበጽሑላ ዓለም ኢና እንነብር ዘለና። (2 ጢሞ. 3:13) ክንድህለል የብልናን። እሞ ደኣ ኣብ ልዕሊ ቘልዑ ጾታዊ ህስያ ኺፍጸም ከሎ፡ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኸመይ ገይራ እያ ፍትሒ ኣምላኽ ከተንጸባርቕ እትኽእል፧ እዛ እትቕጽል ዓንቀጽ ነዚ መልሲ ኽትህበሉ እያ።

መዝሙር 15 በዅሪ የሆዋ ይወደስ!

^ ሕ.ጽ. 5 እዛ ዓንቀጽ እዚኣን እዘን ዚስዕባ ኽልተ ተኸታተልቲ ዓንቀጻትን፡ የሆዋ ናይ ፍቕርን ናይ ፍትሕን ኣምላኽ ምዃኑ ብኸመይ ክንተኣማመን ከም እንኽእል ይገልጻ። የሆዋ ንህዝቡ ፍትሒ ኺረኽቡ ይደልዮም እዩ፣ ነቶም ኣብዛ እክይቲ ዓለም እተገፍዑ ድማ የጸናንዖም እዩ።

^ ሕ.ጽ. 1 ኣብ ናይ ለካቲት 2019 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት፡ “ፍቕርን ፍትሕን—ኣብ ጥንታዊት እስራኤል” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

^ ሕ.ጽ. 13 መግለጺ ቓላት፦ ጥቕሚ ርእሳ እትስውእ ፍቕሪ ንድሌትን ንጥቕምን ካልኦት ልዕሊ ርእስና ኽንሰርዕ ትድርኸና። ንኻልኦት ክንሕግዝ ወይ ክንጠቅም ኢልና፡ ዝረኸብናዮ ወይ ክንረኽቦ እንኽእል ዝነበረ ነገር መስዋእቲ ኽንገብር ፍቓደኛታት ንኸውን ኢና።

^ ሕ.ጽ. 61 መግለጺ ስእሊ፦ የሱስ ንሓንቲ ወዳ ዝሞታ መበለት ይርእያ። ብድንጋጽ ተደሪኹ ኸኣ፡ ነቲ ጐበዝ የተንስኦ።

^ ሕ.ጽ. 63 መግለጺ ስእሊ፦ የሱስ ኣብ ቤት ሓደ ስምኦን ዝስሙ ፈሪሳዊ ኣብ መኣዲ ተቐሚጡ ኣሎ። ምናልባት ኣመንዝራ ኽትከውን እትኽእል ሰበይቲ ብንብዓታ እግሩ ተጠልቅዮ፡ ብጸጕሪ ርእሳ ትደርዞ፡ ዘይቲ እውን ተፍስሰሉ። ስምኦን ንተግባር እታ ሰበይቲ ይነቕፎ፣ የሱስ ግና ይከላኸለላ።