ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 23

“ሓደ እኳ ኸይማርኸኩምሲ፡ ተጠንቀቑ”!

“ሓደ እኳ ኸይማርኸኩምሲ፡ ተጠንቀቑ”!

“በቲ ኣብ ስርዓት ሰብ . . . እተመስረተ ፍልስፍናን ከንቱ ጥበራን ሓደ እኳ ኸይማርኸኩምሲ፡ ተጠንቀቑ።”—ቈሎ. 2:8

መዝሙር 96 ኣምላኽ ዝሃበና መጽሓፍ

መላለዪ *

1. ብመሰረት ቈሎሴ 2:4, 8፡ ከመይ ገይሩ እዩ ሰይጣን ንኣእምሮና ኺማርኾ ዚፍትን፧

ሰይጣን ምስ የሆዋ ኼጻልኣና ይደሊ እዩ። ነዚ ሸቶኡ እዚ ንምውቃዕ፡ ንኣተሓሳስባና ኺጸልዎ ይፍትን እዩ፣ ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ንኣእምሮና ማሪኹ፡ ንዕኡ ኸም ዚእዘዝ ኪገብሮ ይጽዕር እዩ። ንትምኒታትና ዚማርኽ ነገራት ብምቕራብ፡ ንዕኡ እንስዕብ ምእንቲ ኽንከውን ኬእምነና ወይ ኬታልለና ይፍትን እዩ።—ቈሎሴ 2:4, 8 ኣንብብ።

2-3. (ሀ) ነቲ ኣብ ቈሎሴ 2:8 ዚርከብ መጠንቀቕታ ኸነቕልበሉ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ክንምርምር ኢና፧

2 እሞኸ ሰይጣን ከየስሕተና ብሓቂ ኣብ ሓደጋ ዲና ዘለና፧ እወ! ጳውሎስ ነቲ ኣብ ቈሎሴ 2:8 ተመዝጊቡ ዘሎ መጠንቀቕታ ንዘይኣመንቲ ኣይኰነን ጽሒፍዎ። ብመንፈስ ቅዱስ ንእተቐብኡ ክርስትያናት እዩ ጽሒፍዎ። (ቈሎ. 1:2, 5) እቶም ክርስትያናት ከኣ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ሓደጋ እዮም ነይሮም፣ ንሕና እውን ሎሚ ኣብ ዝዓበየ ሓደጋ ኢና ዘለና። (1 ቈረ. 10:12) ስለምንታይ፧ ሰይጣን ናብ ምድሪ ተደርብዩ ኣሎ፣ ንእሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኬስሕት ድማ ህርድግ ይብል ኣሎ። (ራእ. 12:9, 12, 17) ብተወሳኺ፡ እኩያትን ኣምሰሉታትን “ናብ ዝገደደ” ኣብ ዚበጽሑሉ እዋን ኢና እንነብር ዘለና።—2 ጢሞ. 3:1, 13

3 ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ሰይጣን ንኣተሓሳስባና ንምጽላው ከመይ ገይሩ “ጥበራ” ኸም ዚጥቀም ክንምርምር ኢና። ብዛዕባ ሰለስተ “ፍሕሶ” ወይ “ተንኰል” ድያብሎስ ድማ ክንርኢ ኢና። (ኤፌ. 6:11፣ እ.ጽ.) ኣብ እትስዕብ ዓንቀጽ ከኣ፡ ነቲ ስልትታቱ ኣብ ኣተሓሳስባና ዘሕደሮ ኣሉታዊ ጽልዋ ብኸመይ ከም እነወግዶ ኽንርኢ ኢና። ፈለማ ግና፡ ካብቲ ሰይጣን ንእስራኤላውያን ኣብ ምድሪ ተስፋ ድሕሪ ምእታዎም ዘስሓተሉ መገዲ እንታይ ክንምሃር ከም እንኽእል ንርአ።

ንጣኦታት ኬምልኹ ፈቲንዎም

4-6. ብመሰረት ዘዳግም 11:10-15፡ እስራኤላውያን ኣብ ምድሪ ተስፋ ምስ ሰፈሩ፡ እንታይ ሜላታት ሕርሻ እዮም ኪቕይሩ ነይርዎም፧

4 ሰይጣን ብጕርሑ ተጠቒሙ ንእስራኤላውያን ኣብ ኣምልኾ ጣኦት ኪሳተፉ ፈቲንዎም እዩ። ከመይ ገይሩ እዩ ኸምኡ ገይሩ፧ ምግቢ ኺምእርሩ ኸም ዜድልዮም ይፈልጥ ነይሩ እዩ፣ ስለዚ፡ ነዚ ድሌቶም እዚ መዝሚዝዎ እዩ። እስራኤላውያን ናብ ምድሪ ተስፋ ምስ ኣተዉ፡ እኽሊ ዜብቍሉሉ ሜላታት ኪቕይሩ ነይርዎም። ኣብ ግብጺ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን፡ ካብ ኒል ብዚውሕዝ ማይ ገይሮም እዮም ንሕርሻኦም ብመስኖ ዜስትዩ ነይሮም። ኣብ ምድሪ ተስፋ ዝነበረ ሕርሻ ግና፡ ካብ ዓብዪ ፈለግ ኣብ ዚውሕዝ ማይ ዘይኰነስ፡ ወቕቱ ሓልዩ ኣብ ዚዘንም ዝናምን ኣብ ኣውልን እተመርኰሰ እዩ ነይሩ። (ዘዳግም 11:10-15 ኣንብብ፣ ኢሳ. 18:4, 5) ስለዚ፡ እስራኤላውያን ሓድሽ ሜላታት ሕርሻ ኺምሃሩ ነይርዎም። መብዛሕትኦም እቶም ናይ ሕርሻ ልምዲ ዝነበሮም እስራኤላውያን ኣብ በረኻ ስለ ዝሞቱ ኸኣ፡ እዚ ቐሊል ኣይነበረን።

ሰይጣን ንኣተሓሳስባ እስራኤላውያን ሓረስቶት ብኸመይ ኪቕይሮ ኽኢሉ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 4-6 ርአ) *

5 ኣብቲ ግዜ እቲ፡ የሆዋ ንህዝቡ፡ ኵነታቶም ከም እተቐየረ ገለጸሎም። ድሕሪኡ ኸኣ፡ ነዚ ምስ ጕዳይ ሕርሻ ዘይተሓሓዝ ዚመስል ስዒቡ ዘሎ መጠንቀቕታ ሃቦም፦ “ልብኹም ከይስሕት፡ ኣልጊስኩም ከኣ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸይተምልኹን ከይትሰግዱሎምን ተጠንቀቑ።” (ዘዳ. 11:16, 17) ስለምንታይ እዩ የሆዋ ብዛዕባ ሓድሽ ሜላታት ሕርሻ ኺዛረብ ከሎ ናይ ሓሶት ኣማልኽቲ ብዛዕባ ምምላኽ መጠንቀቕታ ዝሃበ፧

6 እስራኤላውያን ካብቶም ኣብ ዙርያኦም ዝነበሩ ኣረማውያን ህዝቢ፡ ኣብቲ ዓዲ ዚዝውተር ሜላታት ሕርሻ ኺምሃሩ ኸም ዚፍተኑ የሆዋ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። እቶም ኣብ ከባቢኦም ዝነበሩ ኣህዛብ ከኣ ካብ እስራኤላውያን ዝሓሸ ተመክሮ ነይርዎም እዩ። ስለዚ፡ ህዝቢ ኣምላኽ ካባታቶም ጠቓሚ ኽእለት ኪምሃሩ ይኽእሉ ነይሮም እዮም፣ እዚ ግና ሓደጋ ነይርዎ እዩ። ኣተሓሳስባ እቶም ከነኣናውያን ሓረስቶት በቲ ኣብ በዓል ዝነበሮም እምነት ተጸልዩ ነይሩ እዩ። ንበዓል ከም ወናን ሰማይን ወሃብ ዝናምን ገይሮም እዮም ዚርእይዎ ነይሮም። የሆዋ ንህዝቡ በዚ ናይ ሓሶት እምነታት ኪታለሉ ኣይደለዮምን። ይኹን እምበር፡ እስራኤላውያን ብተደጋጋሚ ኣብ ኣምልኾ በዓል ተሳቲፎም እዮም። (ዘሁ. 25:3, 5፣ መሳ. 2:13፣ 1 ነገ. 18:18) ሕጂ እምበኣር፡ ሰይጣን ከመይ ገይሩ ንእስራኤላውያን ከም ዝማረኾም እስከ ንርአ።

ሰይጣን ንእስራኤላውያን ንምምራኽ እተጠቕመሉ ሰለስተ ስልቲ

7. እስራኤላውያን ናብ ምድሪ ተስፋ ምስ ኣተዉ፡ እንታይ ንእምነቶም ዚፍትን ነገር ኣጋጢምዎም፧

7 እቲ ሰይጣን እተጠቕመሉ ቐዳማይ ስልቲ፡ ነቲ ዝናም ኪረኽቡ ዝነበሮም ንቡር ትምኒት ዚማርኽ ነገር ምቕራብ እዩ። ኣብታ ምድሪ ተስፋ ኻብ ኣጋ መወዳእታ ሚያዝያ ኽሳዕ መስከረም ብዙሕ ዝናም ኣይዘንምን እዩ ነይሩ። ህይወትን ብልጽግናን ከኣ ኣብቲ ኻብ ጥቅምቲ ኣትሒዙ ዚዘንም ዝናም እተመርኰሰ እዩ ነይሩ። ሰይጣን ድማ ንእስራኤላውያን፡ ብልጽግና ንምርካብ፡ ልምድታት እቶም ኣብ ከባቢኦም ዝነበሩ ኣረማውያን ኣህዛብ ኪስዕቡ ኸም ዘለዎም ገይሩ ኣእመኖም። እቶም ኣብ ከባቢኦም ዝነበሩ ኣህዛብ ከኣ፡ ካብ ኣማልኽቶም ዝናም ንምርካብ፡ ኣብ ገሊኡ ጽምብል ኪሳተፉ ኸም ዝነበሮም ይኣምኑ ነበሩ። እቶም ብየሆዋ ዘይኣምኑ ዝነበሩ እስራኤላውያን ድማ ካብ ነዊሕ ደርቂ ዜምልጡሉ ኻልእ መገዲ ኸም ዘይብሎም ገይሮም ኣመኑ፣ ስለዚ፡ ንኽብሪ እቲ ናይ ሓሶት ኣምላኽ ዝዀነ በዓል ኢሎም ኣረማዊ ጽምብላት ገበሩ።

8. እቲ ሰይጣን እተጠቕመሉ ኻልኣይ ስልቲ እንታይ እዩ፧ ግለጽ።

8 ሰይጣን ንእስራኤላውያን ንምስሓት፡ ካልኣይ ስልቲ ተጠቒሙ እዩ። ንብዕሉግ ትምኒቶም ዚማርኽ ነገር ኣቕሪቡሎም እዩ። ኣረማውያን ኣህዛብ ኣብ ኣመና ብዕሉግ ተግባራት ብምስታፍ እዮም ንኣማልኽቶም ዜምልኹ ነይሮም። ኣብዚ ዝሩግ ዓይነት ኣምልኾ እዚ፡ ኣንስትዮን ተባዕትዮን ኣመናዝር ነይሮም እዮም። ግብረ ሶዶምን ካልእ ዓይነት ምንዝርናን ዕሽሽ ይብሃል ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንቡር እዩ ነይሩ! (ዘዳ. 23:17, 18፣ 1 ነገ. 14:24) እቶም ኣረማውያን ኣህዛብ፡ እዚ ዓይነት ሃይማኖታዊ ጽምብላት ምስ ዚገብሩ፡ ኣማልኽቶም ነታ ምድሪ ፍርያም ከም ዚገብርዋ ይኣምኑ ነይሮም እዮም። ስለዚ፡ ብዙሓት እስራኤላውያን በቲ ብዕሉግ ጽምብላት እቶም ኣረማውያን ተሳሕቡ፣ በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ንናይ ሓሶት ኣማልኽቲ ኼገልግሉ ጀመሩ። ከም ሓቂ ግና፡ ሰይጣን እዩ ማሪኽዎም ነይሩ።

9. ብመሰረት ሆሴእ 2:16, 17፡ ሰይጣን ነቲ እስራኤላውያን ብዛዕባ የሆዋ ዝነበሮም ኣረኣእያ ዘሕወዝወዞ ብኸመይ እዩ፧

9 ሰይጣን ሳልሳይ ስልቲ እውን ተጠቒሙ እዩ። ነቲ እስራኤላውያን ብዛዕባ የሆዋ ዝነበሮም ኣረኣእያ ሕውዝውዝ ከም ዚብል ገይርዎ እዩ። የሆዋ ብግዜ ነብዪ ኤርምያስ፡ እቶም ናይ ሓሶት ነብያት ንህዝቡ፡ “ብሰሪ በዓል” ስሙ ኸም ዘረስዕዎም ገሊጹ ኣሎ። (ኤር. 23:27) እዚ ኸኣ ህዝቢ ኣምላኽ ንስም የሆዋ ብምሕዳግ፡ በቲ “ወናኒ” ወይ “ጐይታ” ዝትርጉሙ ስም በዓል ተኪኦምዎ ነይሮም ማለት እዩ። እዚ ተግባር እዚ ድማ ነቲ ኣብ መንጎ የሆዋን በዓልን ዝነበረ መስመር ከም ዜሕወዝውዝ ገይርዎ እዩ፣ በዚ ኸምዚ እውን ንጽምብላት ኣምልኾ በዓል ምስ ኣምልኾ የሆዋ ብቐሊሉ ኺሓናፍጽዎ ጀሚሮም እዮም።—ሆሴእ 2:16, 17ን እግረ ጽሑፍን ኣንብብ።

ሎሚ ሰይጣን ዚጥቀመሉ ዘሎ ስልትታት

10. ሎሚ ሰይጣን እንታይ ስልትታት ይጥቀም ኣሎ፧

10 ሎሚ እውን ሰይጣን ተመሳሳሊ ስልትታት ይጥቀም ኣሎ። ንንቡር ትምኒት ዚማርኽ ነገር ብምቕራብን ምንዝርና ብምስፍሕፋሕን ነቲ ሰባት ብዛዕባ የሆዋ ዘለዎም ኣረኣእያ ብምሕውዝዋዝን፡ ንሰባት ምሩኻቱ ይገብሮም ኣሎ። ሕጂ እስከ በቲ ናይ መወዳእታ ስልቲ ንጀምር።

11. ከመይ ገይሩ እዩ ሰይጣን ነቲ ሰባት ብዛዕባ የሆዋ ዘለዎም ኣረኣእያ ዘሕወዝወዞ፧

11 ሰይጣን ነቲ ሰባት ብዛዕባ የሆዋ ዘለዎም ኣረኣእያ የሕወዝውዞ ኣሎ። ድሕሪ ሞት ሃዋርያት የሱስ፡ ገሊኦም ክርስትያናት ኢና በሃልቲ ናይ ሓሶት ትምህርትታት ኬስፋሕፍሑ ጀመሩ። (ግብ. 20:29, 30፣ 2 ተሰ. 2:3) እዞም ከሓድቲ እዚኦም ንመንነት እቲ ሓደ በይኑ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሕውዝውዝ ከም ዚብል ኪገብርዎ ጀመሩ። ንኣብነት፡ ነቲ መለኮታዊ ስም ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣውጺኦም ብኸም እኒ “ጐይታ” ዝኣመሰለ ቓላት ተክእዎ። ነቲ ብሕታዊ ስም ኣምላኽ ኣውጺኦም በቲ “ጐይታ” ዚብል ቃል ምትካኦም ከኣ፡ የሆዋ ኻብቶም ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተጠቒሶም ዘለዉ ኻልኦት “ጐይተት” ብኸመይ እተፈልየ ኸም ዝዀነ ንምርዳኡ ኣጸጋሚ ዀነ። (1 ቈረ. 8:5) ንየሆዋን ንየሱስን ድማ “ጐይታ” እትብል ሓንቲ ቓል ስለ እተጠቕሙ፡ የሆዋን የሱስን በበይኑ መንነትን እተፈላለየ ስልጣንን ዘለዎም ምዃኖም ንምርዳኡ ዘይንጹር ኰነ። (ዮሃ. 17:3) እዚ ምድንጋር እዚ፡ ንምዕባለ እቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘይርከብ ሰረተ እምነት ስላሴ ኣበርክቶ ገይሩ እዩ። ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ ብዙሓት ሰባት ንኣምላኽ ከም ምስጢርን ኪፍለጥ ከም ዘይከኣልን ገይሮም ይርእይዎ ኣለዉ። እዚ ድማ ፍጹም ሓሶት እዩ!—ግብ. 17:27

ሰይጣን ንብዕሉግ ትምኒታት ንምስፍሕፋሕ፡ ንናይ ሓሶት ሃይማኖት ብኸመይ እዩ ዚጥቀመሉ ዘሎ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 12 ርአ) *

12. ናይ ሓሶት ሃይማኖት እንታይ እያ እተተባብዕ ዘላ፧ እዚኸ ኸምቲ ኣብ ሮሜ 1:28-31 ተጠቒሱ ዘሎ፡ እንታይ ሳዕቤን ኣምጺኡ ኣሎ፧

12 ሰይጣን ንብዕሉግ ትምኒታት ዚማርኽ ነገር የቕርብ። ብግዜ ጥንታውያን እስራኤላውያን፡ ሰይጣን ብናይ ሓሶት ሃይማኖት ገይሩ ብዕልግና የስፋሕፍሕ ነይሩ እዩ። ሎሚ ኸኣ፡ ተመሳሳሊ ይገብር ኣሎ። ናይ ሓሶት ሃይማኖት ንብዕሉግ ተግባራት ዕሽሽ ትብሎ፡ ካብኡ ሓሊፋ እውን ተተባብዖ ኣላ። ከም ሳዕቤኑ ድማ፡ ንኣምላኽ ነገልግል ኢና ዚብሉ ብዙሓት ሰባት፡ ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ስነ ምግባር ዘለዎ ንጹር መለክዒታት ሓዲጎምዎ ኣለዉ። ሃዋርያ ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮሜ ኣብ ዝጸሓፋ መልእኽቲ፡ እዚ ተግባሮም እንታይ ሳዕቤን ከም ዘለዎ ገሊጹ እዩ። (ሮሜ 1:28-31 ኣንብብ።) ገለ ኻብቲ “ዘይግቡእ ነገር” ተባሂሉ ዘሎ ድማ፡ ኵሉ ዓይነት ምንዝርና፡ እንተላይ ግብረ ሶዶም ኪጥቀስ ይከኣል። (ሮሜ 1:24-27, 32፣ ራእ. 2:20) እምበኣር፡ ነቲ ንጹር ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ጠቢቕና ኽንስዕቦ ኣሎና!

13. ሰይጣን ዚጥቀመሉ ኻልእ ስልቲ እንታይ እዩ፧

13 ሰይጣን ንንቡር ትምኒትና ዚማርኽ ነገር የቕርብ። ንርእስናን ንስድራ ቤትናን ዜድሊ ንምምእራር፡ ሓደ ሞያ ናይ ምፍላጥ ንቡር ትምኒት ኣሎና። (1 ጢሞ. 5:8) መብዛሕትኡ ግዜ፡ ነዚ ሞያ እዚ ኣብ ቤት ትምህርቲ ብምኻድን ንፉዓት ተምሃሮ ብምዃንን ኢና እንረኽቦ። ግናኸ፡ ክንጥንቀቕ ኣሎና። ኣብ ሓያሎ ሃገራት ዘሎ ስርዓተ ትምህርቲ ንተምሃሮ ሞያ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ሰብኣዊ ፍልስፍና እውን ይምህሮም እዩ። ተምሃሮ ንህልውና ኣምላኽ ኣብ ሕቶ ኼእትውዎን ንመጽሓፍ ቅዱስ ኪንዕቅዎን ይተባብዑ እዮም። ኣስተውዓሊ ዘበለ ዅሉ፡ ህይወት ብፍልቀት ከም ዝመጸ ገይሩ ኸም ዚኣምን ጌርካ ይንገሮም እዩ። (ሮሜ 1:21-23) እዚ ትምህርትታት እዚ፡ ምስ “ጥበብ ኣምላኽ” ይጻረር እዩ።—1 ቈረ. 1:19-21፣ 3:18-20

14. ሰብኣዊ ፍልስፍና እንታይ እዩ ዜተባብዕ፧

14 ሰብኣዊ ፍልስፍና ነቲ የሆዋ ዝሰርዖ መለክዒታት ጽድቂ ዕሽሽ ይብሎ ወይ ምስኡ ይጻረር እዩ። ንፍረ መንፈስ ዘይኰነስ፡ ን“ግብሪ ስጋ” እዩ ዜተባብዕ። (ገላ. 5:19-23) ኵርዓትን ትዕቢትን ድማ የለዓዕል እዩ፣ ከም ፍሪኡ ኸኣ፡ ሰባት “ፈተውቲ ርእሶም” ይዀኑ እዮም። (2 ጢሞ. 3:2-4) እዚ ባህርያት እዚ ምስቲ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኪህልዎም ዚተባባዕ ዓቕልን ትሕትናን ይጻረር እዩ። (2 ሳሙ. 22:28) ገሊኦም ኣብ ዩኒቨርሲቲ እተማህሩ ክርስትያናት፡ ኣእምሮኦም ብኣተሓሳስባ ኣምላኽ ዘይኰነስ፡ ብኣተሓሳስባ ሰብ ተቐሪጹ እዩ። እንታይ ኪኸውን ከም ዚኽእል ዚሕብር ሓደ ኣብነት እስከ ንርአ።

ኣተሓሳስባና ብፍልስፍና ሰብ ኪጣመም ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 14-16 ርአ) *

15-16. ካብ ተመክሮ ሓንቲ ሓብቲ እንታይ ተማሂርካ፧

15 ሓንቲ ንልዕሊ 15 ዓመት ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዘገልገለት ሓብቲ፡ “ከም ጥምቕቲ ናይ የሆዋ ምስክር መጠን፡ ትምህርቲ ዩኒቨርሲቲ ብዛዕባ ዘለዎ ሓደጋታት ኣንቢበን ሰሚዐን እየ፣ ነዚ መጠንቀቕታታት እዚ ግና ዕሽሽ ኢለዮ። እቲ ምኽሪ ንዓይ ዘይዓዪ መሲሉኒ ነይሩ” ትብል። እሞኸ እንታይ ጸገማት ኣጋጢምዋ፧ ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ባዕላ ትገልጽ፦ “ንትምህርትታተይ ንምጽናዕ ብዙሕ ግዜን ጻዕርን ስለ ዝወሰደለይ፡ ከም ቀደመይ ናብ የሆዋ ነዊሕ ጸሎት ንምቕራብ ዜኽእለኒ ግዜ ስኢነ፡ ምስ ካልኦት መጽሓፍ ቅዱሳዊ ምይይጥ ንምግባር ከኣ ሓይሊ ኣይነበረንን፡ ንኣኼባታት ብግቡእ ንምድላው ድማ ዓቕሚ ስኢነ። እቲ ዜሐጕስ ግና፡ ኣብ ዝለዓለ ትምህርቲ ምጥሓል ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎኒ ርክብ የበላሽዎ ኸም ዘሎ ምስ ተገንዘብኩ፡ ከቋርጾ ኸም ዘሎኒ እፈልጥ ነይረ እየ። ከምኡ ድማ እየ ገይረ።”

16 እሞኸ ዝለዓለ ትምህርቲ ኣብ ኣተሓሳስባ እዛ ሓብቲ እንታይ ጽልዋ ኣሕዲሩ፧ ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ትምልስ፦ “እቲ ዜሕፍር ነገር፡ እቲ ዝመረጽክዎ ትምህርቲ፡ ንኻልኦት ሰባት፡ ምናዳ ድማ ንኣሕዋተይን ንኣሓተይን ዝነቅፍን ልዕሊ ዓቕሞም ዝጽበዮምን ካባታቶም ርእሰይ ዝፈልን ክኸውን እዩ ምሂሩኒ። ነዚ ትምህርቲ እዚ ኻብ ኣእምሮይ ከውጽኦ ነዊሕ እዩ ወሲዱለይ። እቲ ሽዑ ኣብ ህይወተይ ዘሕለፍክዎ ግዜ፡ ነቲ ሰማያዊ ኣቦና ብውድቡ ኣቢሉ ዝሃበና መጠንቀቕታታት ዕሽሽ ምባል ክሳዕ ክንደይ ሓደገኛ ኸም ዝዀነ ኣርእዩኒ እዩ። የሆዋ ኻብቲ ኣነ ንርእሰይ ዝፈልጣ ንላዕሊ እዩ ዚፈልጠኒ። እንተ ዝሰምዖ ምሓሸ ነይሩ!”

17. (ሀ) እንታይ ቈራጽነት ኢና ኽንገብር ዘሎና፧ (ለ) ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ እንታይ ክንርኢ ኢና፧

17 በቲ ኣብ ናይ ሰይጣን ዓለም ዘሎ “ፍልስፍናን ከንቱ ጥበራን” ከቶ ኸይትማረኽ ቈራጽነት ግበር። ነቲ ሰይጣን ዚጥቀመሉ ስልትታት ወትሩ ተጠንቀቐሉ። (1 ቈረ. 3:18፣ 2 ቈረ. 2:11) ነቲ ብዛዕባ የሆዋ ዘሎካ ኣረኣእያ ኼሕወዝውዞ ኣይትፍቀደሉ። በቲ ልዑል ስነ ምግባራዊ መለክዒታት የሆዋ ተመላለስ። ሰይጣን ንምኽሪ የሆዋ ዕሽሽ ከም እትብል ገይሩ ኼታልለካ ኣይትፍቀደሉ። ግናኸ፡ ብኣተሓሳስባ ዓለም ከም እተጸሎኻ እንተ ተገንዚብካ፡ እንታይ ኢኻ ኽትገብር ዘሎካ፧ ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ፡ ቃል ኣምላኽ ነቲ ኸም “ጽኑዕ ዕርድታት” ዝዀነ ሓሳባትን ልማዳትን ንምፍራስ ብኸመይ ከም ዚሕግዘና ኽንርኢ ኢና።—2 ቈረ. 10:4, 5

መዝሙር 49 ልቢ የሆዋ ነሐጕስ

^ ሕ.ጽ. 5 ሰይጣን ክኢላ ኣዐሻዊ እዩ። ንብዙሓት ሰባት ምሩኻት ገይርዎም ክነሱ፡ ናጻ ኸም ዝዀኑ ኣምሲሉ ኣታሊልዎም ኣሎ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ሰይጣን ንሰባት ንምትላል ዚጥቀመሉ ብዙሕ ስልትታት ክንምርምር ኢና።

^ ሕ.ጽ. 48 መግለጺ ስእሊ፦ ምስ ከነኣናውያን እተቐራረቡ እስራኤላውያን፡ ኣብ ኣምልኾ በዓልን ኣብ ምንዝርናን ኪሳተፉ ፈተና ይቐርበሎም።

^ ሕ.ጽ. 51 መግለጺ ስእሊ፦ ንግብረ ሶዶም ዕሽሽ ዚብል መወዓውዒ ቤተ ክርስትያን።

^ ሕ.ጽ. 53 መግለጺ ስእሊ፦ ሓንቲ መንእሰይ ሓብቲ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ትኣቱ። ንዓኣን ንደቂ ኽፍላን ከኣ እቲ ስነ ፍልጠትን ተክኖሎጅን ንዅሉ ጸገማት ደቂ ሰብ ኪፈትሕ ከም ዚኽእል ዚሕብር ካብ መምህሮም ዚቐርበሎም ሓሳብ ይማርኾም። ደሓር፡ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዘይትግደስን ነቓፊትን ትኸውን።