ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ መጻወድያ ሰይጣን ንምምላጥ ዜኽእል ዕቝባ ብኸመይ ንረክብ፧

ካብ መጻወድያ ሰይጣን ንምምላጥ ዜኽእል ዕቝባ ብኸመይ ንረክብ፧

ጥንታውያን እስራኤላውያን ንፈለግ ዮርዳኖስ ተሳጊሮም ናብታ ኣምላኽ ዘተስፈዎም ምድሪ ኺኣትዉ እናተዳለዉ ኸለዉ፡ ገሊአን በጻሕቲ መጻኦም። እተን ኪበጽሓ ዝመጻ ጓኖት ኣዋልድ ድማ ነቶም እስራኤላውያን ሰብኡት ናብ ድግስ ዓደማኦም። እዚ ድማ ጽቡቕ ኣጋጣሚ እዩ ዚመስል ነይሩ። ሓደስቲ ፈተውቲ ምርካብን ምስዕሳዕን ጥዑም ምግቢ ምብላዕን ማራኺ ነገር እዩ ዚመስል ነይሩ። ባህልን ስነ ምግባርን እተን ኣዋልድ ምስቲ ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ዝሃቦም ሕጊ ዘይቃዶ እኳ እንተ ነበረ፡ ገሊኦም እስራኤላውያን ሰብኡት፡ ‘ብኣታተን ኣይንጽሎን ኢና። ክንጥንቀቕ ኢና’ ኢሎም ሓሲቦም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም።

እሞ ደኣ ሽዑ እንታይ ኰነ፧ እቲ ብድራኸ መንፈስ እተጻሕፈ ዛንታ፡ “እቲ ህዝቢ ምስ ኣዋልድ ሞኣብ ኪምንዝር ጀመረ” ይብል። ከም ሓቂ እኳ፡ እተን ኣዋልድ ንእስራኤላውያን ሰብኡት ኣብ ኣምልኾ ናይ ሓሶት ኣማልኽቲ ኸም ዚሳተፉ እየን ኪገብራኦም ደልየን ነይረን። ንሳቶም እውን ከምኡ እዮም ገይሮም! በዚ ምኽንያት እዚ፡ “ቍጥዓ የሆዋ . . . ኣብ እስራኤል ነደደ።”—ዘሁ. 25:1-3

እቶም እስራኤላውያን ንሕጊ ኣምላኽ ብኽልተ መገዲ እዮም ጥሒሶም፦ ቀዳማይ፡ ንጣኦታት ሰጊዶም እዮም፣ ካልኣይ ከኣ መንዚሮም እዮም። ብሰንኪ ዘይተኣዛዝነቶም ድማ ኣሽሓት ሞይቶም እዮም። (ዘጸ. 20:4, 5, 14፣ ዘዳ. 13:6-9) ነዚ ብፍላይ ዜሕዝን ዚገብሮ ኸኣ፡ እቲ ዝኣበሱሉ ግዜ እዩ። እቶም ሰብኡት ሕጊ ኣምላኽ እንተ ዘይጥሕሱ ነይሮም፡ ነዊሕ ከይጸንሑ ኣሽሓት እስራኤላውያን ንዮርዳኖስ ሰጊሮም ናብ ምድሪ ተስፋ ምኣተዉ ነይሮም።—ዘሁ. 25:5, 9

ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ እዚ ኸምዚ ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ፦ “እዚ መለበሚ ኪኸውን እዩ ዝበጽሖም፣ ንዓና እቲ መወዳእታ ስርዓት ንዘርከበና እውን ንመጠንቀቕታ ኪዀነና እዩ እተጻሕፈ።” (1 ቈረ. 10:7-11) ገሊኦም እስራኤላውያን ኣብ ከቢድ ሓጢኣት ምውዳቖምን ናብ ምድሪ ተስፋ ንምእታው ዘይበቕዑ ምዃኖምን ንሰይጣን ኣሐጒስዎ ኪኸውን ኣለዎ። ኣብዚ ግዜ እዚ፡ ሰይጣን ካብታ ኣምላኽ ዘዳለዋ ሓዳስ ዓለም ከም እንተርፍ ካብ ምግባር ንላዕሊ ዜሐጕሶ ነገር ስለ ዘየልቦ፡ ነዚ መጠንቀቕታ እዚ ኣብ ልብና ኸነሕድሮ ኣሎና!

ሓደገኛ መጻወድያ

ሰይጣን ንክርስትያናት በቲ ንብዙሓት ሰባት ዘውደቐሉ ፍቱን ስልትታቱ ገይሩ ይሃድኖም ኣሎ። ከምቲ ነቶም እስራኤላውያን ዝገበሮ፡ ብምንዝርና ይጥቀም እዩ። ኣብዚ ግዜና፡ ምንዝርና ሓደገኛ መጻወድያ እዩ። ሓደ ኻብቲ ኣብ ምንዝርና ኽንወድቕ ዚጥቀመሉ ሜላ ድማ ስእለ ጽዩፍ እዩ።

ሎሚ፡ ስእለ ጽዩፍ ብስቱር ኪርከብ ይከኣል እዩ። ቅድሚ ሓያሎ ዓመታት፡ ስእለ ጽዩፍ ኪርኢ ዚደሊ ሰብ፡ ሕማቕ ፊልም ናብ ዚርኣየሉ ሲነማ ወይ ስእለ ጽዩፍ ናብ ዚሽየጠሉ ድኳናት ኪኸይድ ነይርዎ። ኣብቲ ቦታታት እቲ ወይ ኣብ ጥቓኡ እንተ ተራኢኻ ዜሕፍር ብምንባሩ፡ እዚ ንገሊኦም ሰባት ካብ ስእለ ጽዩፍ ከም ዚርሕቁ ይገብሮም ነይሩ እዩ። ሕጂ ግና ኢንተርነት ዘለዎ ሰብ ኣብ ስራሕ ወይ ኣብ ማኪናኡ ኾፍ ኢሉ ስእለ ጽዩፍ ኪርኢ ይኽእል እዩ። ኣብ ሓያሎ ሃገራት ድማ፡ ኣብ ገዛኻ ኸለኻ፡ ስእለ ጽዩፍ ሰተት ኢሉ ኣብ ዘለኻሉ ኺመጸልካ ይኽእል እዩ።

እዚ ጥራይ እውን ኣይኰነን። ሞባይላትን ታብለታትን ንስእለ ጽዩፍ ብቐሊሉ ኸም ዚርአ ይገብር ኣሎ። ሰባት ብጐደና ሸናዕ እናበሉ ወይ ከኣ፡ ብኣውቶቡስ ወይ ብባቡር እናኸዱ፡ ኣብ ሞባይሎም ወይ ታብለቶም ብዕሉግ ምስልታት ኪርእዩ ይኽእሉ እዮም።

ስእለ ጽዩፍ ምርኣይን ነዚ ተግባር ምሕባኡን ቀሊል ስለ ዝዀነ፡ ሎሚ ስእለ ጽዩፍ ካብ ዝሓለፈ ግዜ ብዝያዳ ጕድኣት የውርድ ኣሎ። ስእለ ጽዩፍ ዚርእዩ ብዙሓት ሰባት ሓዳሮምን ክብረቶምን ሕልናኦምን ጐዲኦም እዮም። እቲ ዝገደደ ኸኣ፡ ምስ ኣምላኽ ዝነበሮም ዕርክነት ኣብ ሓደጋ ኣእትዮም እዮም። ስእለ ጽዩፍ ነቶም ረኣይቱ ኸም ዚጐድእ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ኣብ መብዛሕትኡ መዳያት፡ ዘይሃስስ ስምዒታዊ ቝስሊ ይሓድግ እዩ። እቲ ቝስሊ በብቝሩብ ኪሓዊ ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ነዊሕ ዚጸንሕ በሰላ ግና ይሓድግ እዩ።

ይኹን እምበር፡ የሆዋ ኻብዚ ሰይጣናዊ መጻወድያ እዚ ዕቝባ ኣዳልዩልና ኣሎ። ካብ የሆዋ ዕቝባ ንምርካብ ግና፡ ከምቲ እቶም ጥንቲ ዝነበሩ እስራኤላውያን ሰብኡት ዘይኰነስ፡ ንየሆዋ ‘ኣጸቢቕና ኽንእዘዞ’ ኣሎና። (ዘጸ. 19:5) ኣምላኽ ንስእለ ጽዩፍ ኣጸቢቑ ኸም ዚጸልኦ ኽንግንዘብ ኣሎና። ስለምንታይ ኢና ኸምኡ እንብል፧

ጽልኣዮ—የሆዋ ይጸልኦ እዩ

ሕስብ እሞ ኣብል፦ ኣምላኽ ንህዝቢ እስራኤል ዝሃቦም ሕግታት፡ ኣብ ጥንታዊት ዓለም ካብ ካልእ ፍልይ ዝበለ እዩ ነይሩ። እቲ ሕግታት እቲ ኸም መንደቕ ብምንባሩ፡ ንእስራኤላውያን ካብቲ ኣብ ከባቢኦም ዝነበሩ ኣህዛብን ካብቲ ንሳቶም ዚገብርዎ እከይን ይፈልዮም ነይሩ እዩ። (ዘዳ. 4:6-8) ብዘይካዚ፡ ሓደ ኣገዳሲ ሓቂ ብንጹር ይገልጽ ነይሩ እዩ፦ የሆዋ ምንዝርና ይጸልእ እዩ።

የሆዋ ንእስራኤላውያን፡ ብዛዕባ ዝርጋን እቶም ኣብ ከባቢኦም ዝነበሩ ኣህዛብ ኪዛረቦም ከሎ፡ “ከም ግብሪ እቶም ኣነ ናብኣ ኣብ ዘእትወኩም ምድሪ ከነኣን ዚነብሩ ድማ ኣይትግበሩ፣ . . . እታ ምድሪ ረኸሰት፣ ብሰንኪ ስሕተታ ድማ፡ ኣነ መቕጻዕቲ ኣብ ልዕሊኣ ኸምጽኣላ እየ” ኢልዎም እዩ። ኣነባብራ ከነኣናውያን ኣመና ረሳሕ ብምንባሩ፡ እቲ ቕዱስ ኣምላኽ እስራኤል ነታ ምድሪ ኸም ዝረኸሰት ወይ ከም እተበከለት ገይሩ ገሊጽዋ ኣሎ።—ዘሌ. 18:3, 25

የሆዋ ንከነኣናውያን እኳ እንተ ቐጽዖም፡ ካልኦት ሰባት ግና ንምንዝርና ቐጺሎምዎ እዮም። ጳውሎስ ልዕሊ 1,500 ዓመት ጸኒሑ ንክርስትያናት ኪጽሕፈሎም ከሎ፡ ብዛዕባ እቶም ኣህዛብ፡ “ሕልናኦም ደንዚዙ” ኢሉ ገሊጹ ኣሎ። ብተወሳኺ እውን፡ “ብስስዐ ርኽሰት ዘበለ ንምግባር ድማ ንንውርምና ርእሶም ኣሕሊፎም ሂቦም እዮም” ኢሉ እዩ። (ኤፌ. 4:17-19) ሎሚ እውን ብዙሓት ሰባት ብዕሉጋትን ዘይሓንኩን ኰይኖም ኣለዉ። ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ብእተኻእሎም መጠን ብዕሉግ ንጥፈታት እዛ ዓለም እዚኣ ኻብ ምርኣይ ኪቝጠቡ ኣለዎም።

ስእለ ጽዩፍ ንኣምላኽ ዓብዪ ንዕቀት እዩ። ኣምላኽ ንሰባት ብመልክዑን ብምስሉን እዩ ፈጢርዎም። ዜጸብቐልናን ዜኽፍኣልናን ከም እንፈልጥ ገይሩ እዩ ፈጢሩና። ብጥበቡ ተደሪኹ ኸኣ ኣብ ጾታዊ ርክብ ግቡእ ደረት ኣንቢሩልና እዩ። ነዚ ድማ ኣብ መውስቦ ጥዑይን ባህ ዜብልን እጃም ኪህልዎ እዩ ሓሊኑ ነይሩ። (ዘፍ. 1:26-28፣ ምሳ. 5:18, 19) እቶም ስእለ ጽዩፍ ዜዳልዉን ዜስፋሕፍሑን ሰባት ግና እንታይ እዮም ዚገብሩ ዘለዉ፧ ንስነ ምግባራዊ መለክዒታት ኣምላኽ፡ ዓብዪ ንዕቀት እዮም ዜርእዩ ዘለዉ። እወ፡ እቶም ስእለ ጽዩፍ ዜተባብዑ ሰባት ንየሆዋ ይጸርፍዎ እዮም ዘለዉ። ኣምላኽ ነቶም ብዕሉግ ነገራት ብምድላው ወይ ብምስፍሕፋሕ ንመለክዒታቱ ዕሽሽ ዚብሉ ዘበሉ ኺፈርዶም እዩ።—ሮሜ 1:24-27

ብዛዕባ እቶም ኰነ ኢሎም ስእለ ጽዩፍ ዜንብቡ ወይ ዚርእዩ ደኣኸ እንታይ ኪብሃል ይከኣል፧ ገሊኦም ንስእለ ጽዩፍ፡ ጕድኣት ከም ዘይብሉ መዘናግዒ ገይሮም ይርእይዎ እዮም። ይኹን እምበር፡ ነቶም ንመለክዒታት የሆዋ ዚንዕቁ ሰባት እዮም ዚድግፍዎም ዘለዉ። ስእለ ጽዩፍ ምርኣይ ኪጅምሩ ኸለዉ፡ ከምኡ ሓሊኖም ከይኰኑ ይኽእሉ እዮም። ይኹን እምበር፡ ኣምለኽቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ንስእለ ጽዩፍ ኣጸቢቖም ኪጸልእዎ ኸም ዘለዎም ንጹር እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣቱም ንየሆዋ እተፍቅርዎ፡ ክፍኣት ጽልኡ” ኢሉ ይምዕደና እዩ።—መዝ. 97:10

ይኹን እምበር፡ ካብ ስእለ ጽዩፍ ኪርሕቁ ዚደልዩ ሰባት፡ ስእለ ጽዩፍ ዘይምርኣይ ከቢድ ኪዀኖም ይኽእል እዩ። ከመይሲ፡ ዘይፍጹማት ኢና፣ ምስ ርኹስ ጾታዊ ትምኒትና እውን ክንጻረር ኣሎና። ብዘይካዚ፡ እቲ ዘይፍጹም ልብና ንሕጊ ኣምላኽ መመኽነይታ ኪረኽበሉ ይፍትን ይኸውን። (ኤር. 17:9) ኰይኑ ግና፡ ብዙሓት ክርስትያናት ኣብዚ ዂናት እዚ ተዓዊቶም እዮም። ንስኻ እውን ተመሳሳሊ ቓልሲ እንተ ኣልዩካ፡ እዚ ምፍላጥካ ኼተባብዓካ ይኽእል እዩ። እምበኣር፡ ቃል ኣምላኽ ካብቲ መጻወድያ ሰይጣን ዝዀነ ስእለ ጽዩፍ ንምምላጥ ብኸመይ ከም ዚሕግዘካ እስከ ንርአ።

ብዕሉግ ትምኒታት ኣብ ኣእምሮኻ ኺጸንሕ ኣይትፍቀድ

ኣቐዲሙ ኸም እተገልጸ፡ ብዙሓት እስራኤላውያን በቲ ግጉይ ትምኒቶም ናብ ጥፍኣት ተመሪሖም እዮም። ሎሚ እውን ከምኡ ኼጋጥም ይኽእል እዩ። እቲ ንየሱስ ብኣደ ሓዉ ዝዀነ ያእቆብ ነዚ ሓደጋ እዚ ኸምዚ ኢሉ ገሊጽዎ ኣሎ፦ “ነፍሲ ወከፍ ግና ብገዛእ ትምኒቱ ተሳሒቡን ተሓቢሉን እዩ ዚፍተን። ሽዑ፡ ትምኒት ምስ ጠነሰት፡ ንሓጢኣት ትወልዶ።” (ያእ. 1:14, 15) ሕማቕ ትምኒት ኣብ ልቢ እንተ ዓብዩ፡ እቲ ሰብ እቲ ምሕጣኡ ኣይተርፎን እዩ። እምበኣር፡ ንብዕሉግ ሓሳባት ነወግዶ፣ ኣብ ኣእምሮና ኺጸንሕ እውን ኣይንፍቀድ።

ርኹስ ሓሳባት እንተ ሓቢሉካ፡ ብኡብኡ ስጕምቲ ውሰድ። የሱስ ከምዚ ኢሉ ኣሎ፦ “እምበኣር፡ ኢድካ ወይ እግርኻ እንተ ኣስሒታትካ፡ ካባኻ ቘሪጽካ ደርብያ። . . . ዓይንኻ እንተ ኣስሒታትካ እውን፡ ካባኻ ጐጥጒጥካ ደርብያ።” (ማቴ. 18:8, 9) የሱስ ንሰብነትና ኽንጐድእ ኣይኰነን ዚዛረብ ነይሩ። የግዳስ፡ ነቲ ጠንቂ ዕንቅፋት ብቕልጡፍን ብቘራጽነትን ከነወግዶ እዩ ብምሳሌ ዜረድእ ነይሩ። ነቲ ምኽሪ እቲ ምስ ስእለ ጽዩፍ ብዚተሓሓዝ ብኸመይ ክንዓይየሉ ንኽእል፧

ስእለ ጽዩፍ እንተ ኣጓኒፉካ፡ ‘በዚ ኣይጽሎን እየ’ ኢልካ ኣይትሕሰብ። ብኡብኡ ገጽካ ምለስ። ሽዑሽዑ ነታ ተለቪዥን ኣጥፍኣያ። ብቕጽበት ነታ ኮምፕዩተር ወይ ነታ ሞባይል ዕጸዋ። ኣብ ንጹህ ዘበለ ኣተኵር። ከምኡ ምግባርካ ኸኣ፡ ግጉይ ትምኒታት ንዓኻ ኣብ ክንዲ ዚቈጻጸረካ፡ ንስኻ ንኣተሓሳስባኻ ኽትቈጻጸር ኪሕግዘካ እዩ።

እቲ ኣብ ተዘክሮኻ ዘሎ ብዕሉግ መዘናግዒኸ፧

ስእለ ጽዩፍ ምርኣይ ድሕሪ ምሕዳግካ፡ ኣብ ተዘክሮኻ ደጋጊሙ ዚመጸካ እንተ ዀይኑ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ ስእለ ጽዩፍ ወይ ብዕሉግ ሓሳባት ንነዊሕ ግዜ ኣብ ኣእምሮ ሰብ ኪጸንሕ ይኽእል እዩ። ብዘይ መጠንቀቕታ ድማ ትዝ ኪብሎ ይኽእል እዩ። ከምኡ እንተ ኣጋጢሙካ፡ ርኹስ ነገር ንምግባር ትለዓዓል ትኸውን፣ ንበል ግብረ ሕቡእ ንምፍጻም ድፍኢት ይሓድረካ ይኸውን። ስለዚ፡ እዚ ሓሳባት እዚ ኪቕልቀል ከም ዚኽእል ፈሊጥካ፡ ንምቅላሱ ተዳሎ።

ሓሳባትካን ተግባራትካን ከምቲ ኣምላኽ ዚደልዮ ምእንቲ ኪኸውን፡ ቈራጽነትካ ኣደልድል። ከምቲ “ንሰብነተይ አጕስጦን አግዝኦን ኣለኹ” ዝበለ ሃዋርያ ጳውሎስ ኩን። (1 ቈረ. 9:27) ርኹስ ትምኒታት ኪገዝኣካ ኣይትፍቀድ። ‘እቲ ሰናይን ቅቡልን ፍጹምን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ መርሚርካ ኽትፈልጥሲ፡ ንኣእምሮኻ ብምሕዳስ ተለወጥ።’ (ሮሜ 12:2) ነዚ ድማ ዘክር፦ ሓሳባትካን ተግባራትካን ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ምስምማዕ፡ ግዙእ ሓጥእ ድፍኢትካ ኻብ ምዃን ኣጸቢቑ ዚበልጽ ዕግበት የምጽእ እዩ።

ሓሳባትካን ተግባራትካን ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ምስምማዕ፡ ግዙእ ሓጥእ ድፍኢትካ ኻብ ምዃን ኣጸቢቑ ዚበልጽ ዕግበት የምጽእ እዩ

ገሊኡ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ክትሽምድድ ፈትን። ድሕሪኡ፡ ግጉይ ሓሳባት ናብ ኣእምሮኻ ምስ መጸካ፡ ነቲ ጥቕስታት ሕሰበሉ። ከም እኒ መዝሙር 119:37፣ ኢሳይያስ 52:11፣ ማቴዎስ 5:28፣ ኤፌሶን 5:3፣ ቈሎሴ 3:5፣ 1 ተሰሎንቄ 4:4-8 ዝኣመሰለ ጥቕስታት፡ ኣተሓሳስባኻ ምስቲ የሆዋ ብዛዕባ ስእለ ጽዩፍ ዘለዎ ኣተሓሳስባን ምስቲ ብዛዕባኻ ዘለዎ ትጽቢትን ከተሰማምዕ ኪሕግዘካ እዩ።

ኣብ ገሊኡ ኣጋጣሚ፡ ብዕሉግ ነገራት ክትርኢ ወይ ክትሓስብ ዘሎካ ትምኒት እንተ በርቲዑካ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ ኣስኣሰር እቲ ኣርኣያኻ ዝዀነ የሱስ ስዓብ። (1 ጴጥ. 2:21) የሱስ ምስ ተጠምቀ፡ ሰይጣን ብተደጋጋሚ ፈቲንዎ እዩ። እሞኸ የሱስ እንታይ እዩ ገይሩ፧ ነቲ ፈተናታት ብተደጋጋሚ እዩ ተጻሪርዎ። በብእዋኑ ጥቕሲ እናጠቐሰ፡ ነቲ ሰይጣን ዘቕረበሉ ፈተናታት ኣብይዎ እዩ። “ኪድ፡ ሰይጣን!” ምስ በለ ኸኣ፡ ሰይጣን ሓዲግዎ እዩ። ከምቲ የሱስ ኣብቲ ምስ ድያብሎስ ዝገበሮ ቓልሲ ዘይተሓለለ፡ ንስኻ እውን ተስፋ ኣይትቝረጽ። (ማቴ. 4:1-11) ሰይጣንን ዓለሙን ንኣእምሮኻ ብብዕሉግ ሓሳባት ንምምላእ ጻዕሮም ኣይኬቋርጹን እዮም፣ ንስኻ ግና ኣብ ቃልስኻ ኣይትተሓለል። ኣብቲ ምስ ስእለ ጽዩፍ እትገብሮ ቓልሲ ኽትዕወት ትኽእል ኢኻ። ብሓገዝ የሆዋ፡ ንጸላኢኻ ኽትስዕሮ ትኽእል ኢኻ።

ናብ የሆዋ ጸሊ፡ ተኣዘዞ እውን

ብጸሎት ናብ የሆዋ ተጸጋዕ። ጳውሎስ፡ “ብዛዕባ ዅሉ ነገር ደኣ ልማኖኹም . . . ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ፣ . . . እቲ ኻብ ኵሉ ሓሳብ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ ድማ ንልብኹምን ንኣእምሮኹምን ብክርስቶስ የሱስ ኪሕልዎ እዩ” ኢሉ ጽሒፉ እዩ። (ፊል. 4:6, 7) ሰላም ኣምላኽ ኣብቲ ምስ ሓጢኣት እትገብሮ ቓልሲ፡ እፎይታ የምጽኣልካ እዩ። ንየሆዋ እንተ ቐሪብካዮ፡ ‘ንሱ እውን ኪቐርበካ እዩ።’—ያእ. 4:8

እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ቐረባኻ እንተ ዀይኑ፡ ካብ ኵሉ ዚበልጽ ዕቝባ ኽትረክብ ኢኻ። የሱስ፡ “ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ [ሰይጣን] ይመጽእ ኣሎ፡ . . . ንሱ ኣባይ ዋላ ሓንቲ ስልጣን የብሉን” ኢሉ እዩ። (ዮሃ. 14:30) ስለምንታይ እዩ የሱስ ክሳዕ ክንድዚ ተኣማሚኑ፧ ሓደ ግዜ፡ “እቲ ዝለኣኸኒ ኸኣ ምሳይ ኣሎ፣ ኵሉ ሳዕ ባህ ዜብሎ ስለ ዝገብር ከኣ፡ በይነይ ኣይሓድገንን እዩ” ኢሉ ነይሩ እዩ። (ዮሃ. 8:29) ንስኻ እውን ንየሆዋ ባህ ዜብሎ ነገር ትገብር እንተ ዄንካ፡ ንሱ ኸቶ ኣይኪሓድገካን እዩ። ካብ መጻወድያ ስእለ ጽዩፍ ኣምልጥ፣ ሰይጣን ከኣ ኣባኻ ነባሪ ስልጣን ኣይኪህልዎን እዩ።