ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 27

ንመስጐጕቲ ኻብ ሕጂ ተዳሎ

ንመስጐጕቲ ኻብ ሕጂ ተዳሎ

“ኵሎም እቶም ምስ ክርስቶስ ብእተተሓሓዘ ንኣምላኽ ብዘለዎም ተወፋይነት ኪነብሩ ዚደልዩ እውን፡ ኪስጐጉ እዮም።”—2 ጢሞ. 3:12

መዝሙር 129 ክንጻወር ኢና

መላለዪ *

1. ስለምንታይ ኢና ንመስጐጕቲ ኽንዳሎ ዘሎና፧

ጐይታና የሱስ ድሮ እታ ዝሞተላ ምሸት፡ ኵሎም እቶም ደቀ መዛሙርቱ ኪዀኑ ዚደልዩ ኸም ዚጽልኡ ሓቢሩ ነይሩ እዩ። (ዮሃ. 17:14) ክሳዕ ሕጂ እውን እንተ ዀነ፡ እሙናት ክርስትያናት መሰኻኽር የሆዋ ብተጻረርቲ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ይስጐጉ ኣለዉ። (2 ጢሞ. 3:12) መወዳእታ እዚ ስርዓት እዚ እናቐረበ ምስ ከደ፡ ጸላእትና ብዝያዳ ኺጻረሩና ትጽቢት ንገብር ኢና።—ማቴ. 24:9

2-3. (ሀ) ብዛዕባ ፍርሂ እንታይ ኢና ኽንፈልጥ ዘሎና፧ (ለ) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ክንምርምር ኢና፧

2 ከመይ ጌርና ኢና ንመስጐጕቲ ኻብ ሕጂ ኽንዳሎ እንኽእል፧ ንዅሉ እቲ ኼጋጥመና ዚኽእል ነገራት ብኣእምሮና ኽንስእሎ ኣየድልየናን እዩ። ከምኡ እንተ ጌርና፡ ብፍርህን ብጭንቀትን ክንውሓጥ ንኽእል ኢና። ሕሉፍ ሓሊፍና እውን ናይ ሓቂ ፈተና ቕድሚ ምምጻኡ፡ በቲ ብኣእምሮና ዝፈጠርናዮ ፍርሂ ኽንስዓር ንኽእል ኢና። (ምሳ. 12:25፣ 17:22) ፍርሂ፡ ‘ድያብሎስ እቲ መጻርርትና’ ኺጥቀመሉ ዚጽዕር ሓያል መሳርሒ እዩ። (1 ጴጥ. 5:8, 9) እሞ ደኣ ገዛእ ርእስና ንምብርታዕ፡ ሕጂ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

3 ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ብኸመይ ከነደልድል ከም ዘሎናን ሕጂ ኸምኡ ኽንገብር ስለምንታይ ኣዝዩ ኣድላዪ ኸም ዝዀነን ክንርኢ ኢና። ትብዓት ንምምዕባል እንታይ ክንገብር ከም እንኽእል እውን ክንምሃር ኢና። ኣብ መወዳእታ ኸኣ፡ ነቲ ኻብ ተጻረርቲ ዚመጽእ ጽልኢ ብኸመይ ክንጻወሮ ኸም እንኽእል ክንምርምር ኢና።

ምስ የሆዋ ዘሎካ ርክብ ብኸመይ ከም እተደልድል

4. ብመሰረት እብራውያን 13:5, 6፡ እንታይ ኢና ኽንኣምን ዘሎና፧ ስለምንታይከ፧

4 የሆዋ ኸም ዜፍቅረካን ከቶ ኸም ዘይጥንጥነካን እመን። (እብራውያን 13:5, 6 ኣንብብ።) ቅድሚ ሓያሎ ዓመታት፡ መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ፡ “እቲ ንኣምላኽ ኣጸቢቑ ዚፈልጦ ሰብ፡ ኣብ ግዜ ፈተና ኣብኡ ኣጸቢቑ ይውከል እዩ” ኢላ ነይራ እያ። እዚ ሓቂ እዩ። መስጐጕቲ ኽንጻወር እንተ ዄንና፡ ንየሆዋ ኸነፍቅሮ፡ ምሉእ ብምሉእ ኣብኡ ኽንውከል፡ ንሱ ኸም ዜፍቅረና ኸኣ ዋላ ሓንቲ ጥርጣረ ዘይብልና ኽንከውን ኣሎና።—ማቴ. 22:36-38፣ ያእ. 5:11

5. የሆዋ ኸም ዜፍቅረካ ምእንቲ ኺስምዓካ፡ እንታይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧

5 ንየሆዋ ኽትቀርቦ ሸቶ ብምግባር፡ መዓልቲ መዓልቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣንብብ። (ያእ. 4:8) ከተንብብ ከለኻ፡ ኣብቲ ጥዑም ባህርያት የሆዋ ኣተኵር። ኣብቲ ዚብሎን ዚገብሮን ነገራት ድማ ከም ዜፍቅረካ ይሰማዕካ። (ዘጸ. 34:6) ገሊኦም ፍቕሪ ስለ ዘይፈልጡ፡ ኣምላኽ ከም ዜፍቅሮም ምእማን የጸግሞም ይኸውን። ከምዚ ዝበለ ጸገም እንተ ኣልዩካ፡ ነቲ መዓልቲ መዓልቲ የሆዋ ንዓኻ ምሕረቱን ለውሃቱን ዘርኣየሉ መገድታት ዘርዝሮ። (መዝ. 78:38, 39፣ ሮሜ 8:32) ብዛዕባ እቲ ተመክሮታትካ ኽትሓስብን ብዛዕባ እቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘንበብካዮ ኸተስተንትንን ከለኻ፡ የሆዋ ዝገበረልካ ብዙሕ ነገራት ክትዝርዝር ትኽእል ኢኻ። የሆዋ እንታይ ከም ዝገበረልካ ብዝያዳ ብእተረድኣካ መጠን ከኣ፡ ምስኡ ዘሎካ ርክብ እናደልደለ ኪኸይድ እዩ።—መዝ. 116:1, 2

6. ብመሰረት መዝሙር 94:17-19፡ ልባዊ ጸሎት ብኸመይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧

6 ብስሩዕ ጸሊ። ኣብ ሕቝፊ ፈቃር ኣቦኡ ዘሎ ቘልዓ እሞ ብኣእምሮኻ ስኣል። እቲ ቘልዓ ስለ ዘይስከፍ፡ ንኣቦኡ በታ መዓልቲ እቲኣ ብዛዕባ ዘጋጠሞ ጽቡቕን ሕማቕን ከይሓብአ ይነግሮ እዩ። ብልባዊ ጸሎት ኣቢልካ መዓልቲ መዓልቲ ናብ የሆዋ እንተ ቐሪብካ፡ ተመሳሳሊ ርክብ ከተማዕብል ትኽእል ኢኻ። (መዝሙር 94:17-19 ኣንብብ።) ናብ የሆዋ ኽትጽሊ ኸለኻ፡ ‘ልብኻ ኸም ማይ ኣፍስስ፡’ ብዛዕባ ዅሉ ፍርህኻን ጭንቀትካን እውን ንገሮ። (ድጕ. 2:19) እዚኸ እንታይ ኬፍርየልካ እዩ፧ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ “ካብ ኵሉ ሓሳብ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ” ኢሉ ዝገለጾ ነገር ክትረክብ ኢኻ። (ፊል. 4:6, 7) በዚ ኸምዚ፡ ብዝያዳ ብዝጸለኻ መጠን፡ ንየሆዋ ብዝያዳ ኽትቀርቦ ኢኻ።—ሮሜ 8:38, 39

ኣብ የሆዋን መንግስቱን እምንቶ እንተ ኣልዩና፡ ትብዓት ንረክብ ኢና

ስታንሊ ጆንስ በቲ ርግጽ ፍልጠት መንግስቲ ኣምላኽ በርቲዑ (ሕጡብ ጽሑፍ 7 ርአ)

7. እቲ ኣምላኽ ብዛዕባ መንግስቱ ዘተስፈዎ ተስፋታት ከም ዚፍጸም ክንኣምን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

7 እቲ እተተስፈወ በረኸት መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዚፍጸም እመን። (ዘሁ. 23:19) ኣብ ተስፋታት መንግስቲ ኣምላኽ ዘላትካ እምነት ድኽምቲ እንተ ዀይና፡ ሰይጣንን ወኪላቱን ብቐሊሉ ኼርዕዱኻ እዮም። (ምሳ. 24:10፣ እብ. 2:15) ከመይ ጌርካ ኢኻ ሕጂ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ እምንቶ ኸተሕድር እትኽእል፧ ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባ መንግስቱ ዘተስፈዎ ተስፋታትን ከም ዚፍጸም ርግጸኛ ኽትከውን እትኽእለሉ ምኽንያታትን መጽናዕቲ ግበረሉ። እዚ ብኸመይ ይሕግዝ፧ ብምኽንያት እምነቱ ሸውዓተ ዓመት እተኣስረ ስታንሊ ጆንስ ዝሓደጎ ኣብነት እስከ ንርአ። * ብተኣማንነት ንምጽዋር እንታይ ሓጊዝዎ፧ ነዚ ባዕሉ ኺምልስ ከሎ፡ “ብፍልጠት መንግስቲ ኣምላኽ ስለ ዝጸናዕኩ፡ ብዛዕባኣ ርግጸኛ ስለ ዝነበርኩ፡ ንሓጺር ግዜ እውን እንተ ዀነ ጥርጣረ ስለ ዘይነበረኒ፡ ነቕ ኣይበልኩን” ይብል። ኣብ ተስፋታት ኣምላኽ ድልድልቲ እምነት እንተ ኣልያትካ፡ ንየሆዋ ኽትቀርቦ ኢኻ፡ ብፍርሂ እውን ኣይክትስነፍን ኢኻ።—ምሳ. 3:25, 26

8. ብዛዕባ ኣኼባታት ዘሎና ኣረኣእያ እንታይ እዩ ዚእምት፧ ግለጽ።

8 ኣዘውቲርካ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ተኣከብ። ኣኼባታት ንየሆዋ ኽንቀርቦ ይሕግዘና እዩ። ኣብ ኣኼባታት ብዛዕባ ምእካብ ዘሎና ኣረኣእያ፡ ኣብ መጻኢ መስጐጕቲ ምስ ኣጋጠመ ኽሳዕ ክንደይ ከም እንጻወሮ ይእምተልና እዩ። (እብ. 10:24, 25) ስለምንታይ ኢና ኸምኡ እንብል፧ ሕጂ ብንኣሽቱ ዕንቅፋታት ካብ ኣኼባታት ንበኵር እንተ ዄንና፡ ኣብ መጻኢ ንርእስና ኣብ ሓደጋ ኣእቲና ምስ ክርስትያናት ብጾትና ኽንእከብ ኣብ ዜድልየና እዋን ደኣኸ እንታይ ኪኸውን እዩ፧ በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ ሕጂ ኣብ ኣኼባታት ንምእካብ ብጽኑዕ እንተ ቘሪጽና፡ ተጻረርትና ኸይንእከብ ኪዓግቱና ምስ ፈተኑ ኣይክንሕለልን ኢና። ንኣኼባታትና ፍቕሪ እነማዕብለሉ ግዜ ሕጂ እዩ። ኣብ ኣኼባታት ምእካብ ንፈቱ እንተ ዄንና፡ ዝዀነ ተቓውሞ፡ ዋላ እውን እገዳ መንግስቲ፡ ካብቲ ንሰብሲ ንኣምላኽ ክንእዘዝ ዘሎና ቘራጽነት ኣይኪዓግተናን እዩ።—ግብ. 5:29

ሕጂ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስን መዝሙራት መንግስቲ ኣምላኽን ብቓልካ ምጽናዕካ፡ ንእዋን መስጐጕቲ ኺጠቕመካ ይኽእል እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 9 ርአ) *

9. ጥቕስታት ብቓልካ ምጽናዕ ንመስጐጕቲ እትዳለወሉ ጽቡቕ መገዲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

9 እትፈትዎ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ብቓልካ ኣጽንዓዮ። (ማቴ. 13:52) ተዘክሮኻ ፍጹም እኳ እንተ ዘይኰነ፡ የሆዋ በቲ ሓያል መንፈስ ቅዱስ ገይሩ ነቲ ዘጽናዕካዮ ጥቕስታት ኼዘክረካ እዩ። (ዮሃ. 14:26) ኣብ ምብራቕ ጀርመን ንበይኑ ተኣሲሩ ዝነበረ ሓደ ሓው፡ “ኣብቲ ግዜ እቲ ብኣማእታት ዚቝጸር ጥቕሲ ኣብ ኣእምሮይ ሒዘ ብምንባረይ ክሳዕ ክንደይ ኰን እየ ተሓጕሰ! ነተን ናይ ጽምዋ መዓልትታት ብዛዕባ እተፈላለየ ርእሰ ነገር መጽሓፍ ቅዱስ ብምስትንታን ኣሕለፍክወን” ኢሉ ተዛሪቡ እዩ። እቲ ጥቕስታት እቲ ድማ ምስ የሆዋ ለጊቡ ኺመላለስን ብተኣማንነት ኪጻወርን ሓጊዝዎ እዩ።

(ሕጡብ ጽሑፍ 10 ርአ) *

10. ስለምንታይ ኢና መዝሙራት ብቓልና ኸነጽንዕ ዘሎና፧

10 ንየሆዋ ዚውድስ መዝሙራት ብቓልካ ኣጽንዕን ዘምርን። ጳውሎስን ሲላስን ኣብ ፊልጲ ምስ ተኣስሩ፡ ካብ ተዘክሮኦም መንፈሳዊ መዝሙራት ዘሚሮም እዮም። (ግብ. 16:25) ኣብ ሕብረት ሶቭየት ነበር ዝነበሩ ኣሕዋትናኸ ተሓዪሮም ናብ ሳይበርያ ምስ ተወስዱ፡ ብኸመይ እዮም በርቲዖም፧ ሓብትና ማሪያ ፈዱን፡ “ንዅሉ እቲ ኣብ መጽሓፍ መዝሙርና ዝወጸ እንፈልጦ መዝሙራት ንዝምሮ ኔርና” ብምባል ተዘክሮኣ ገሊጻ ኣላ። እቲ መዝሙራት እቲ ንዅሎም ከም ዘተባብዖምን ንየሆዋ ኪቐርብዎ ኸም ዝሓገዞምን እውን ሓቢራ እያ። ንስኻኸ እትፈትዎ መንፈሳዊ መዝሙራት ክትዝምር ከለኻ፡ ብርታዐ ትረክብ ዲኻ፧ እምበኣር፡ ነቲ መዝሙራት ሕጂ ሸምድዶ!—“ ኣትብዓኒ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

ትብዓት ንምምዕባል እንታይ ክትገብር ከም እትኽእል

11-12. (ሀ) ብመሰረት 1 ሳሙኤል 17:37, 45-47፡ ዳዊት ተባዕ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ካብ ኣብነት ዳዊት እንታይ ኣገዳሲ ትምህርቲ ንምሃር፧

11 መስጐጕቲ ንምጽዋር፡ ትብዓት የድልየካ እዩ። ተባዕ ከም ዘይኰንካ እንተ ተሰሚዑካ፡ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ ናይ ሓቂ ትብዓት ኣብ ግዝፍኻ፡ ብርታዐኻ፡ ወይ ክእለትካ ኸም ዘይምርኰስ ዘክር። ዳዊት ብንእስነቱ ንጐልያድ ብኸመይ ከም ዝገጠመሉ እሞ ንርአ። ዳዊት ምስ ጐልያድ ኪነጻጸር ከሎ፡ ዝነኣሰን ዝደኸመን ብግቡእ ዘይተዓጥቀን እዩ ነይሩ። ሰይፊ እኳ ኣይነበሮን። ኰይኑ ግና፡ ተባዕ እዩ ነይሩ። ምስቲ ዕቡይ ዓርሞሸሽ ንምውጋእ፡ ብዘይ ፍርሂ ናብኡ ጐይዩ እዩ።

12 ስለምንታይ እዩ ዳዊት ክንድዚ ተባዕ ዝዀነ፧ የሆዋ ምስኡ ኸም ዝዀነ ጽኑዕ እምነት ነይርዎ እዩ። (1 ሳሙኤል 17:37, 45-47 ኣንብብ።) ጐልያድ ምስኡ ኺነጻጸር ከሎ ኽሳዕ ክንደይ ገዚፍ ምዃኑ ኣየተኰረሉን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ጐልያድ ምስ የሆዋ ኺነጻጸር ከሎ ኣዝዩ ደቂቕ ምዃኑ እዩ ኣተኲሩሉ። ካብዚ ዛንታ እዚ እንታይ ንምሃር፧ የሆዋ ምሳና ኸም ዝዀነ እምንቶ እንተ ኣሕዲርና፡ ተጻረርትና ኸኣ ምስቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ኪነጻጸሩ ኸለዉ ደቀቕቲ ምዃኖም ርግጸኛታት እንተ ዄንና፡ ክንተብዕ ኢና። (2 ዜና 20:15፣ መዝ. 16:8) እሞ ደኣ መስጐጕቲ ቕድሚ ምምጻኡ፡ ከመይ ጌርና ኢና ሕጂ ትብዓት ከነማዕብል እንኽእል፧

13. ከመይ ጌርና ኢና ሕጂ ትብዓት ከነማዕብል እንኽእል፧ ግለጽ።

13 ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብምስባኽ፡ ትብዓት ከነማዕብል ንኽእል ኢና። ስለምንታይ እዩ ኸምኡ ዚኸውን፧ ምኽንያቱ፡ ስብከት ኣብ የሆዋ ኽንውከልን ፍርሂ ሰብ ከነሰንፍን ይምህረና እዩ። (ምሳ. 29:25) ከምቲ ኣካላዊ ምውስዋስ ንጭዋዳታትና ዜበርትዖ፡ ኣብ በቤትን ብግህዶን ብዘይወግዓውን ኣብ ቦታታት ንግድን ክንሰብኽ ከለና ኸኣ ትብዓት ነማዕብል ኢና። ሕጂ ንምስባኽ እንተ ተቢዕና፡ ዕዮና ኣብ ዚእገደሉ እዋን ስብከትና ኸይነቋርጽ ተዳሊና ኽንጸንሕ ኢና።—1 ተሰ. 2:1, 2

ናንሲ ዪዋን፡ ስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ደው ምባል ኣብያ (ሕጡብ ጽሑፍ 14 ርአ)

14-15. ካብ ናንሲ ዪዋንን ቫለንቲና ጋርኖፍስካያን እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧

14 ዜደንቕ ኣብነት ትብዓት ካብ ዚዀና ኽልተ እሙናት ኣሓት ብዙሕ ክንምሃር ንኽእል ኢና። ናንሲ ዪዋን ሓደ ሜትሮን ፈረቓን ጥራይ ዝቝመታ ሓጻር ሰበይቲ እያ ነይራ፣ ግናኸ፡ ብቐሊሉ እትፈርህ ኣይነበረትን። * ስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ደው ምባል ኣብያ እያ። ከም ሳዕቤኑ ኸኣ፡ ኣብ ኮምዩኒስታዊ ስርዓት ቻይና ኣስታት 20 ዓመት ተኣሲራ እያ። እቶም ዝመርመርዋ ሰበ ስልጣን፡ ኣብ ሃገሮም “ልዕሊ ዅሉ ነቓጽ ሰብ” ኢሎም ገሊጾምዋ እዮም።

ቫለንቲና ጋርኖፍስካያ፡ የሆዋ ምስኣ ኸም ዝዀነ እምነት ነይርዋ (ሕጡብ ጽሑፍ 15 ርአ)

15 ብተመሳሳሊ፡ ቫለንቲና ጋርኖፍስካያ ኣብ ሕብረት ሶቭየት ነበር ሰለስተ ሳዕ ብድምር 21 ዓመት ተኣሲራ እያ። * ስለምንታይ፧ ስብከታ ንምቕጻል ቈሪጻ ብምንባራ፡ እቶም ሰበ ስልጣን፡ “ኣዝያ ሓደገኛ ገበነኛ” ኢሎም ሰምዮምዋ እዮም። ነዘን ክልተ እሙናት ኣንስቲ እዚአን ክሳዕ ክንድዚ ዘትብዐን እንታይ እዩ ነይሩ፧ የሆዋ ምሳታተን ምዃኑ ኣሚነን ስለ ዝነበራ እዩ።

16. ናይ ሓቂ ትብዓት ንምርካብ ዜኽእል ወሳኒ ነገር እንታይ እዩ፧

16 ኣቐዲምና ኸም ዝረኣናዮ፡ ትብዓት ንምምዕባል፡ ኣብ ብርታዐናን ኣብ ክእለትናን ከነተኵር የብልናን። ኣብ ክንዳኡስ፡ የሆዋ ምሳና ምዃኑን ንሱ ኸም ዚዋግኣልናን ክንኣምን ኣሎና። (ዘዳ. 1:29, 30፣ ዘካ. 4:6) ናይ ሓቂ ትብዓት ንምርካብ ዜኽእል ወሳኒ ነገር እዚ እዩ።

ንጽልኢ ሰብ ብኸመይ ከም እትጻወሮ

17-18. ኣብ ዮሃንስ 15:18-21፡ የሱስ እንታይ መጠንቀቕታ እዩ ሂቡ ዘሎ፧ ግለጽ።

17 ካብ ሰባት ኣኽብሮት ክንረክብ ከለና ባህ ይብለና እዩ፣ ኰይኑ ግና፡ ሰባት እንተ ዘይፈትዮምና፡ ዋጋ ዘይብልና ዀይኑ ኺስምዓና የብሉን። የሱስ፡ “ሰባት ምእንቲ ወዲ ሰብ ኢሎም ምስ ዚጸልኡኹምን ምስ ዚፈልዩኹምን ምስ ዚጸርፉኹምን ስምኩም ምስ ዜኽፍኡን፡ ሕጉሳት ኢኹም” ኢሉ እዩ። (ሉቃ. 6:22) እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧

18 የሱስ፡ ክርስትያናት ጽሉኣት ኪዀኑ ኸም ዚደልዩ ኣይኰነን ዚዛረብ ነይሩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ነቲ ብሓቂ ዜጋጥመና ዅነታት እዩ ዚገልጾ ነይሩ። ንሕና ኻብ ዓለም ኣይኰንናን። ብትምህርትታት የሱስ ኢና እንመላለስ፡ ነቲ ንሱ ዝሰበኾ መልእኽቲ እውን ኢና እንሰብኽ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ዓለም ትጸልኣና እያ። (ዮሃንስ 15:18-21 ኣንብብ) ንየሆዋ ባህ ከነብሎ ንደሊ ኢና። ንኣቦና ብምፍቃርና ሰባት እንተ ጸሊኦምና ግና፡ እዚ ናታቶም ሽግር እዩ።

19. ከመይ ጌርና ኢና ኣብነት ሃዋርያት ክንስዕብ እንኽእል፧

19 ብሰንኪ እቲ ሰብ ዚብሎ ወይ ዚገብሮ ነገር፡ ብመንነትካ፡ ማለት ናይ የሆዋ ምስክር ብምዃንካ ኽትሓፍር የብልካን። (ሚክ. 4:5) ነቲ የሱስ ደድሕሪ ሙማቱ ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ሃዋርያት ዝሓደግዎ ኣብነት ብምምርማር፡ ንፍርሂ ሰብ ክንጻወሮ ንኽእል ኢና። መራሕቲ ሃይማኖት ኣይሁድ ንዓታቶም ክሳዕ ክንደይ ከም ዚጸልእዎም ይፈልጡ ነይሮም እዮም። (ግብ. 5:17, 18, 27, 28) እንተዀነ ግና፡ ኵሉ መዓልቲ ናብ ቤተ መቕደስ ይኸዱን ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ምዃኖም ብግህዶ የፍልጡን ነይሮም እዮም። (ግብ. 5:42) ፍርሂ ንዕዮኦም ደው ኣየበሎን። ንሕና እውን ኣብ ስራሕ ኰነ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዀነ፡ ወይ ኣብ ጐረባብትና፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምዃንና ብስሩዕን ብግህዶን ምስ እነፍልጥ፡ ንፍርሂ ሰብ ከነሰነፎ ንኽእል ኢና።—ግብ. 4:29፣ ሮሜ 1:16

20. ሃዋርያት ጽሉኣት ክነሶም ሕጉሳት ዝነበሩ ስለምንታይ እዮም፧

20 ስለምንታይ እዮም ሃዋርያት ሕጉሳት ዝነበሩ፧ ስለምንታይ ከም እተጸልኡ ይፈልጡ ነይሮም እዮም፣ ነቲ ፍቓድ የሆዋ ብምግባሮም ዚወርዶም ግፍዒ እውን ከም ክብሪ እዮም ዚቘጽርዎ ነይሮም። (ሉቃ. 6:23፣ ግብ. 5:41) ሃዋርያ ጴጥሮስ ጸኒሑ፡ “ስለ ጽድቂ መከራ እኳ እንተ ጸገብኩም፡ ሕጉሳት ኢኹም” ኢሉ ጽሒፉ እዩ። (1 ጴጥ. 2:19-21፣ 3:14) ስለቲ ቕኑዕ ተግባርና ኸም እንጽላእ እንተ ተረዲኡና፡ ጽልኢ ሰብ ብፍርሂ ኼልምሰና ጠሪስና ኣይነፍቅደሉን ኢና።

እንተ ተዳሊኻ፡ ክትጥቀም ኢኻ

21-22. (ሀ) ንመስጐጕቲ ንምድላው እንታይ ክትገብር ወሲንካ ኣለኻ፧ (ለ) ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ እንታይ ኢና ኽንርኢ፧

21 መስጐጕቲ ወይ እገዳ ነቲ ንየሆዋ እነቕርቦ ኣምልኾ ብኸመይ ከም ዚጸልዎ ኣይንፈልጥን ኢና። ኰይኑ ግና፡ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ብምድልዳልን ትብዓት ብምምዕባልን ጽልኢ ሰብ ብምጽዋርን፡ ሕጂ ኽንዳሎ ኸም እንኽእል ንፈልጥ ኢና። እዚ ሕጂ እንገብሮ ምድላዋት፡ ኣብ መጻኢ ጸኒዕና ኽንቀውም ይሕግዘና እዩ።

22 ኰይኑ ግና፡ ኣምልኾና እንተ ተኣጊዱ እንታይ ኢና እንገብር፧ ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ፡ ኣብ ትሕቲ እገዳ እውን ከይተረፈ ንየሆዋ ብቐጻሊ ኸነገልግሎ ዚሕግዘና ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ክንርኢ ኢና።

መዝሙር 118 “እምነት ወስኸና”

^ ሕ.ጽ. 5 ክንጽላእ ኣይንደልን ኢና። ውዒሉ ሓዲሩ ግና ንዅላትና መስጐጕቲ የጋጥመና እዩ። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ንመስጐጕቲ ብትብዓት ተዳሊና ኽንጸንሕ ትሕግዘና።

^ ሕ.ጽ. 7 ናይ 15 ታሕሳስ 1965 ግምቢ ዘብዐኛ፡ (እንግሊዝኛ) ገጽ 756-767 ርአ።

^ ሕ.ጽ. 14 ናይ 15 ሓምለ 1979 ግምቢ ዘብዐኛ፡ (እንግሊዝኛ) ገጽ 4-7 ርአ። ኣብ ፈነወ JW (እንግሊዝኛ) ዝወጸት ስም የሆዋ ኺፍለጥ እዩ ዘርእስታ ቪድዮ እውን ርአ። ኣብ ትሕቲ INTERVIEWS AND EXPERIENCES ርአ።

^ ሕ.ጽ. 15 ናይ 15 ሚያዝያ 2009 ግምቢ ዘብዐኛ፡ ገጽ 9-10፡ ሕ.ጽ. 10-11፣ ከምኡ ድማ መጽሓፍ ዓመት ናይ የሆዋ መሰኻኽር 2008፡ (እንግሊዝኛ) ገጽ 191-192 ርአ።

^ ሕ.ጽ. 67 መግለጺ ስእሊ፦ ኣብ ኣምልኾ ስድራ ቤት፡ ወለዲ ንደቆም፡ ብካርድታት ገይሮም ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ብቓሎም ኬጽንዑ ይሕግዝዎም።

^ ሕ.ጽ. 70 መግለጺ ስእሊ፦ ኣባላት ሓንቲ ስድራ ቤት ብማኪና ናብ ኣኼባ ኪኸዱ ኸለዉ፡ መዝሙራት መንግስቲ ኣምላኽ ይዝምሩ።