ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 28

ኣብ ትሕቲ እገዳ ብቐጻሊ ንየሆዋ ኣምልኮ

ኣብ ትሕቲ እገዳ ብቐጻሊ ንየሆዋ ኣምልኮ

“ብዛዕባ እቲ ዝረኣናዮን ዝሰማዕናዮን ምዝራብ ክንሓድግ ኣይንኽእልን ኢና።”—ግብ. 4:19, 20

መዝሙር 122 ጽኑዓት፡ ዘይትነቓነቑ ኹኑ!

መላለዪ *

1-2. (ሀ) ኣብ ልዕሊ ኣምልኾና ዚግበር እገዳ ዘይንጸበዮ ኪኸውን ዘይብሉ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ክንምርምር ኢና፧

ብ2018 ልዕሊ 223,000 ኣስፋሕቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ፡ መንፈሳዊ ንጥፈታትና ኣብ እተኣገደሉ ወይ ኣመና ኣብ እተቐየደሉ ሃገራት ይነብሩ ነይሮም እዮም። እዚ ዘይንጽበዮ ነገር ኣይኰነን። ኣብ ዝሓለፈት ዓንቀጽ ከም ዝረኣናዮ፡ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ንመስጐጕቲ ይጽበይዎ እዮም። (2 ጢሞ. 3:12) ኣብ ዝነበርና ንንበር፡ ዓለማውያን ሰበ ስልጣን ብሃንደበትን ብድንገትን ነቲ ፈቃር ኣምላኽና የሆዋ ኸይነምልኽ ኣብ ልዕሌና እገዳ ኺገብሩ ይኽእሉ እዮም።

2 ነቲ እትነብረሉ ሃገር ዜመሓድር መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ኣምልኾ የሆዋ እገዳ ኺገብር እንተ ወሲኑ፡ እዚ ዚስዕብ ሕቶታት ገዛእ ርእስኻ ትሓትት ትኸውን፦ ‘መስጐጕቲ ምምጻኡስ ሞገስ ኣምላኽ ከም ዝሰኣንና ዚሕብር ድዩ፧ እገዳ ነቲ ንየሆዋ እነቕርበሉ ኣምልኾ ደው የብሎ ድዩ፧ ንኣምላኽ ብናጽነት ከምልኾ ናብ ዝኽእል ዓዲ ኽግዕዝዶ፧’ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ነዚ ሕቶታት እዚ ኽንርእዮ ኢና። ዕዮና ኣብ ትሕቲ እገዳ ኪኸውን ከሎ ኸመይ ጌርና ንየሆዋ ብቐጻሊ ኸም እነምልኾን እንታይ ነገራት ክንጥንቀቐሉ ኸም ዘሎናን ክንምርምር ኢና።

መስጐጕቲ ምምጻኡስ ሞገስ ኣምላኽ ከም ዝሰኣንና ዚሕብር ድዩ፧

3. ብመሰረት 2 ቈረንቶስ 11:23-27፡ እቲ እሙን ዝነበረ ሃዋርያ ጳውሎስ እንታይ መስጐጕቲ እዩ ኣሕልፉ፧ ካብ ተመክሮኡኸ እንታይ ንምሃር፧

3 መንግስቲ ንኣምልኾና እንተ ኣጊድዎ፡ በረኸት ኣምላኽ ከም ዝሰኣንና ጌርና ብጌጋ ኽንድምድም ንኽእል ኢና። ኰይኑ ግና፡ መስጐጕቲ ምምጻኡ፡ የሆዋ ብኣና ኸም ዘይተሓጐሰ ዚሕብር ኣይኰነን። ተመክሮ ሃዋርያ ጳውሎስ ከም ኣብነት እስከ ንርአ። ብርግጽ ስምረት ኣምላኽ ነይርዎ እዩ። ኣብ ክርስትያናዊ ቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ ዚርከብ 14 መልእኽትታት ናይ ምጽሓፍ ፍሉይ መሰል ረኺቡ እዩ፣ ንኣህዛብ እውን ሃዋርያኦም እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ብርቱዕ መስጐጕቲ ኣሕሊፉ እዩ። (2 ቈረንቶስ 11:23-27 ኣንብብ።) የሆዋ ንእሙናት ኣገልገልቱ ብመስጐጕቲ ኺሓልፉ ኸም ዚፈቅድ፡ ካብ ተመክሮ ሃዋርያ ጳውሎስ ክንምሃር ንኽእል ኢና።

4. ስለምንታይ እያ ዓለም እትጸልኣና፧

4 የሱስ፡ ስለምንታይ ተቓውሞ ኽንጽበ ኸም ዘሎና ገሊጹ እዩ። ካብ ዓለም ስለ ዘይኰንና፡ ጽሉኣት ከም እንኸውን ሓቢሩ እዩ። (ዮሃ. 15:18, 19) መስጐጕቲ፡ በረኸት የሆዋ ኸም ዝሰኣንና ዚሕብር ምልክት ኣይኰነን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ቅኑዕ ንገብር ከም ዘለና ዚሕብር እዩ!

እገዳ ነቲ ንየሆዋ እነቕርበሉ ኣምልኾ ደው የብሎ ድዩ፧

5. ሰባት ንኣምልኾ የሆዋ ደው ኬብልዎ ይኽእሉ ድዮም፧ ግለጽ።

5 ተጻረርቲ ሰባት ንኣምልኾ እቲ ዅሉ ዚኽእል የሆዋ ኣምላኽ ደው ኬብልዎ ኣይክእሉን እዮም። ብዙሓት ፈቲኖምሲ ኣይሰለጦምን። ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም እንታይ ከም ዝዀነ እሞ ንርአ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዝነበሩ መንግስትታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣምላኽ ብርቱዕ መስጐጕቲ ኣውሪዶም እዮም። ዕዮ ናይ የሆዋ መሰኻኽር በቲ ንጀርመን ዜመሓድር ዝነበረ ሰልፊ ናዚ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብመንግስትታት ኣውስትራልያን ካናዳን ካልኦት ሃገራትን እውን ተኣጊዱ ነይሩ እዩ። ግናኸ፡ ሽዑ እንታይ እዩ ዀይኑ፧ ብ1939 እቲ ውግእ ኪጅመር ከሎ፡ ኣብ ብዘላ ዓለም 72,475 ኣስፋሕቲ እዮም ነይሮም። ብ1945 እቲ ውግእ ኣብ ዜብቅዓሉ እዋን ግና፡ ቍጽሪ ኣስፋሕቲ ብበረኸት የሆዋ ናብ 156,299 ዓሪጉ እዩ። እወ፡ ቍጽሪ ኣስፋሕቲ ልዕሊ ዕጽፊ ዀይኑ እዩ!

6. ተቓውሞ ኣብ ክንዲ ዚድህለና፡ እንታይ እዩ ዜፍሪ፧ ኣብነት ሃብ።

6 ተቓውሞ ኣብ ክንዲ ዚድህለና፡ ንየሆዋ ብዝያዳ ኸነገልግሎ ኼለዓዕለና ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ቈልዓ ዘለዎም ሰብ ሓዳር፡ መንግስቲ ኣብታ ዚነብሩላ ሃገር ንዚግበር ዕዮና እገዳ ገበረሉ። ንሳቶም ግና ብፍርሂ ኣብ ክንዲ ዜድሓርሕሩ፡ ስሩዓት ፈለምቲ ዀይኖም ኬገልግሉ ጀመሩ። እታ ሰበይቲ፡ ፈላሚት ኰይና ንምግልጋል፡ ነቲ ጽቡቕ ደሞዝ ዚኽፈሎ ስራሓ ሓደገቶ። እቲ ሰብኣይ ድማ፡ ብሰንኪ እቲ እገዳ፡ ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኪፈልጡ ኸም ዝደለዩ ገሊጹ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ፡ ብቐሊሉ መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ ኬጀምር ክኢሉ እዩ። እቲ እገዳ፡ ኣብ ካልኦት እውን ኣወንታዊ ጽልዋ ኣሕዲሩ እዩ። ሓደ ኣብታ ሃገር እቲኣ ዚነብር ሽማግለ፡ ንየሆዋ ምግልጋል ሓዲጎምዎ ዝነበሩ ብዙሓት ሰባት ኣብ ኣኼባታት ምእካብ ከም ዝጀመሩን ዳግም ንጡፋት ከም ዝዀኑን ሓቢሩ እዩ።

7. (ሀ) ካብ ዘሌዋውያን 26:36, 37 እንታይ ንምሃር፧ (ለ) ኣብ ልዕሊ ዕዮና እገዳ እንተ ተገይሩ፡ እንታይ ክትገብር ኢኻ፧

7 ጸላእትና ንኣምልኾና ኺእግድዎ ኸለዉ፡ ብፍርሂ ተደሪኽና ንየሆዋ ምግልጋል ክንሓድጎ እዮም ዚደልዩ። ኣብ ርእሲ እቲ እገዳ ኸኣ፡ ናይ ሓሶት ወረ ኺነዝሑ፡ ፖሊስ ሰዲዶም ንኣባይትና ኺጕርጕርዎ፡ ናብ ቤት ፍርዲ ኺወስዱና፡ ወይ ንገሌና ኺኣስሩና ይኽእሉ እዮም። ንገሌና ኣብ ቤት ማእሰርቲ ስለ ዝዳጐኑና፡ ብፍርሂ እንሽበር ይመስሎም እዩ። ኣብ ልብና ፍርሂ ሱር ኪሰድድ እንተ ፈቒድና፡ ባዕልና ንኣምልኾና “ኽንእግዶ” ንጅምር ኢና። ከምቶም ኣብ ዘሌዋውያን 26:36, 37 እተጠቕሱ ኽንከውን ኣይንደልን ኢና። (ኣንብብ።) ብሰንኪ ፍርሂ፡ መንፈሳዊ ንጥፈታትና ኣይንንክን ወይ ኣይንሓድግን ኢና። ምሉእ ብምሉእ ብየሆዋ ንእመን ኢና፡ ከቶ እውን ኣይንስምብድን ኢና። (ኢሳ. 28:16) ብጸሎት ካብ የሆዋ መምርሒ ኽንረክብ ንጽዕር ኢና። ንሱ እንተ ደጊፉና፡ እቲ ኻብ ኵሉ ዝሓየለ ሰብኣዊ መንግስቲ እኳ ንኣምላኽና ብተኣማንነት ካብ ምግልጋል ኪዓግተና ኸም ዘይክእል ንፈልጥ ኢና።—እብ. 13:6

ናብ ካልእ ዓዲ ኽግዕዝዶ፧

8-9. (ሀ) ነፍሲ ወከፍ ርእሲ ስድራ ቤት ወይ ውልቀ ሰብ እንታይ ብሕታዊ ውሳነ እዩ ኺገብር ዘለዎ፧ (ለ) ሓደ ሰብ ጽቡቕ ውሳነ ምእንቲ ኺገብር፡ እንታይ ኪሕግዞ ይኽእል፧

8 እቲ ንእትነብረሉ ዓዲ ዜመሓድር መንግስቲ ንኣምልኾና እንተ ኣጊድዎ፡ ንየሆዋ ብናጽነት ከተገልግለሉ ናብ እትኽእል ሃገር ክትግዕዝ እንተ ኣልዩካ ትሓስብ ትኸውን። እዚ ንስኻ ባዕልኻ ኽትገብሮ ዘሎካ ብሕታዊ ውሳነ እዩ። ገሊኦም ሰባት፡ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት መስጐጕቲ ምስ ኣጋጠሞም እንታይ ከም ዝገበሩ ኣብ ግምት የእትዉ እዮም። ጸላእቲ ንእስጢፋኖስ ብዳርባ እምኒ ምስ ቀተልዎ፡ ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ብዘሎ ይሁዳን ሰማርያን፡ ክሳብ ፊንቄን ቆጵሮስን ኣንጾክያን ፋሕ ኢሎም እዮም። (ማቴ. 10:23፣ ግብ. 8:1፣ 11:19) እንተዀነ ግና፡ ኣብቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስያናት ካልእ መስጐጕቲ ምስ ኣጋጠመ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ካብቲ ነቲ ዕዮ ስብከት ተቓውሞ ዘጋጠመሉ ቦታታት ከይግዕዝ ወሲኑ እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ንርእሱ ኣብ ሓደጋ ብምእታው፡ ኣብተን ብርቱዕ መስጐጕቲ ዝነበረን ከተማታት ነቲ ብስራት ሰቢኹን ንኣሕዋት ኣበርቲዕዎምን እዩ።—ግብ. 14:19-23

9 ካብዚ ዛንታታት እዚ እንታይ ኢና እንምሃር፧ ነፍሲ ወከፍ ርእሲ ስድራ ቤት፡ ብዛዕባ ምግዓዝ ብሕታዊ ውሳነ ኺገብር ኣለዎ። ቅድሚ ምውሳኑ ግና፡ ብዛዕባ ዅነታት ስድራ ቤቱ ብጸሎት ተጠንቂቑ ኺሓስብ፡ ናብ ካልእ ምግዓዝ ዜምጽኦ ኣወንታውን ኣሉታውን ጽልዋ ድማ ኣብ ግምት ኬእቱ ኣለዎ። ኣብዚ መዳይ እዚ፡ ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን “ጸጾሩ ኺጸውር” ኣለዎ። (ገላ. 6:5) ንኻልኦት ሰባት ከኣ በቲ ዚገብርዎ ውሳነ ኽንፈርዶም የብልናን።

ኣብ ትሕቲ እገዳ ብኸመይ ኢና ኣምልኾና እንገብር፧

10. ቤት ጽሕፈት ጨንፈርን ሽማግለታትን እንታይ መምርሒ እዮም ኪህቡ፧

10 ኣብ ትሕቲ እገዳ ምስ ኰንካ፡ ከመይ ጌርካ ኢኻ ብቐጻሊ ንየሆዋ እተምልኾ፧ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ንሽማግለታት ጉባኤ፡ መንፈሳዊ ምግቢ ብኸመይ ከም ዚረኽቡን ንኣምልኾ ብኸመይ ኣኼባታት ከም ዚገብሩን ነቲ ብስራት ብኸመይ ከም ዚሰብኩን መምርሒታትን ግብራዊ ሓሳባትን ይህቦም እዩ። ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ምስ ሽማግለታት ዝነበሮ ርክብ እንተ ተበቲኹ፡ ሽማግለታት ንዓኻን ኣብ ጉባኤኹም ንዘለዉ ዅሎም ክርስትያናትን ከመይ ጌርኩም ብቐጻሊ ንየሆዋ ኸም እተምልኽዎ ኺሕግዙኹም እዮም። ምስቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስን ኣብ ክርስትያናዊ ጽሑፋትናን ዚርከብ ስርዓታት ዚሰማማዕ መምርሒታት ድማ ኪህቡ እዮም።—ማቴ. 28:19, 20፣ ግብ. 5:29፣ እብ. 10:24, 25

11. መንፈሳዊ ምግቢ ኸም እትረክብ ክትተኣማመን እትኽእል ስለምንታይ ኢኻ፧ መንፈሳዊ ምግብኻ ንምዕቋብከ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

11 የሆዋ፡ ገላዉኡ ብመንፈሳዊ መዳይ ብጽቡቕ ከም ዚዕንገሉ ኣተስፍዩ እዩ። (ኢሳ. 65:13, 14፣ ሉቃ. 12:42-44) ስለዚ፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ዜድልየካ ዘበለ ዅሉ መተባብዒ ምእንቲ ኽትረክብ፡ ውድቡ ዚከኣላ ኸም እትገብር ክትተኣማመን ትኽእል ኢኻ። ንስኻኸ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ ኣብ ትሕቲ እገዳ እንተ ዄንካ፡ መጽሓፍ ቅዱስን ካልእ መንፈሳዊ ምግብን እትሓብኣሉ ጽቡቕ ቦታ ርኸብ። እቲ ብወረቐት ኰነ ብኤለክትሮኒካዊ መገዲ ዚወጽእ ሕታማት፡ ብቐሊሉ ኺርከብ ኣብ ዚከኣል ቦታ ኣይተንብሮ። ብመንፈሳዊ መዳይ ድልዱላት ኴንና ንምቕጻል፡ ነፍሲ ወከፍና ግብራዊ ስጕምትታት ክንወስድ ኣሎና።

የሆዋ ስለ ዚድግፈና፡ ከይፈራህና ንኣምልኾ ኽንእከብ ንኽእል ኢና (ሕጡብ ጽሑፍ 12 ርአ) *

12. ኣቓልቦ ብዘይስሕብ መገዲ ኣኼባታት ንምውዳብ፡ ሽማግለታት እንታይ ኪገብሩ ይኽእሉ፧

12 ንኣምልኾ እንገብሮ ሰሙናዊ ኣኼባታት ደኣኸ እንታይ ኪኸውን እዩ፧ ኣቓልቦ ብዘይስሕብ መገዲ ኣኼባታት ንምግባር፡ ሽማግለታት መሰናድዎ ኺገብሩ እዮም። በብንእሽቶ ጕጅለታት ክንእከብ መምርሒ ይህቡ ይዀኑ፣ ኣኼባ ዚግበረሉ ሰዓትን ቦታን እውን ብዙሕ ሳዕ ይቐያይርዎ ይዀኑ። ናብ ኣኼባታት ክትመጽእ ወይ ካብኡ ኽትወጽእ ከለኻ፡ ቀስ ኢልካ ብምዝራብ ንኣሕዋትካ ንምዕቋብ ኣበርክቶ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ። ኣቓልቦ ዘይስሕብ ክዳውንቲ ኽትክደን እውን የድልየካ ይኸውን።

መንግስቲ እኳ እንተ ኣገደና፡ ስብከትና ኣይንሓድግን ኢና (ሕጡብ ጽሑፍ 13 ርአ) *

13. ኣብ ሕብረት ሶቭየት ነበር ካብ ዝነበሩ ኣሕዋትና እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧

13 ምስ ዕዮ ስብከት ብዚተሓሓዝ፡ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዚህሉ ዅነታት ይፈላለ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ንየሆዋ ነፍቅሮን ብዛዕባ መንግስቱ ኽንነግር ንደልን ኢና፣ ስለዚ፡ እንሰብከሉ መገዲ ነናዲ ኢና። (ሉቃ. 8:1፣ ግብ. 4:29) ኤሚሊ በራን ዝስማ ጸሓፊት ታሪኽ ብዛዕባ እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ሕብረት ሶቭየት ነበር ዝነበሮም ስብከት ከምዚ ዚብል ሓሳብ ሂባ ኣላ፦ “መንግስቲ ነቶም ኣመንቲ ብዛዕባ እምነቶም ንኻልኦት ኪሰብኩ ኸም ዘይክእሉ ምስ ኣዘዞም፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ ጐረባብቶምን መሳርሕቶምን ፈተውቶምን ኪዛራረቡ ጀሚሮም። ብሰንኪ እዚ ተግባሮም እዚ ኣብ ደምበታት ሸቕሊ ምስ ተዳጐኑ፡ ነቶም መተኣስርቶም እምነቶም ከም ዚልውጡ ንምግባር ይጽዕሩ ነይሮም።” እገዳ እኳ እንተ ነበረ፡ ኣብ ሕብረት ሶቭየት ነበር ዝነበሩ ኣሕዋትና፡ ስብከት ደው ኣየበሉን። ስለዚ፡ ኣብ እትነብሮ ቦታ ዕዮ ስብከት እንተ ተኣጊዱ፡ ከምዚ ዓይነት ቈራጽነት ይሃሉኻ!

ክንጥንቀቐሉ ዘሎና ነገራት

መዓስ ስቕ ክንብል ከም ዘሎና ኽንፈልጥ ኣሎና (ሕጡብ ጽሑፍ 14 ርአ) *

14. መዝሙር 39:1 እንታይ ክንጥንቀቐሉ ዘሎና ነገር እያ እትሕብረና፧

14 ንኻልኦት እትዛረቦ ነገር ተጠንቀቐሉ። ኣብ ትሕቲ እገዳ፡ መዓስ ‘ስቕ ዚብሃለሉ ግዜ’ ኸም ዝዀነ ኽንፈልጥ ኣሎና። (መክ. 3:7) ከም ስማት ኣሕዋትናን ኣሓትና፡ እንእከበሉ ቦታ፡ እነገልግለሉ መገዲ፡ መንፈሳዊ ምግብና እንረኽበሉ መገዲ ዝኣመሰለ ተኣፋፊ ሓበሬታ ብስቱር ኪትሓዝ ኣለዎ። ነዚ ሓበሬታ እዚ ንዓለማውያን ሰበ ስልጣን ኣይንነግሮምን ኢና፣ ኣብ ሃገርና ወይ ኣብ ካልእ ሃገር ንዚርከቡ ፈተውትና ወይ ኣዝማድና እውን ኣይንነግሮምን ኢና። ነዚ እንተ ዘይተጠንቂቕናሉ፡ ንኣሕዋትና ኣብ ሓደጋ ኸነእትዎም ንኽእል ኢና።—መዝሙር 39:1 ኣንብብ።

15. ሰይጣን ኣብ መንጎና እንታይ ኪፈጥር እዩ ዚጽዕር፧ ነዚኸ ብኸመይ ክንጥንቀቐሉ ንኽእል፧

15 ብንኣሽቱ ነገራት ኣይንከፋፈል። እተኸፋፈለት ቤት ክትቀውም ከም ዘይትኽእል፡ ሰይጣን ይፈልጥ እዩ። (ማር. 3:24, 25) ኣብ መንጎና ኽፍፍል ኪፈጥር ወትሩ ይጽዕር እዩ። በዚ ኸምዚ፡ ምስኡ ኣብ ክንዲ እንቃለስ፡ ንሓድሕድና ኽንናቘት ይደሊ እዩ።

16. ሓብትና ገርትሩድ ፖይትሲንገር እንታይ ሰናይ ኣብነት እያ ሓዲጋ፧

16 ብሱላት ክርስትያናት እውን እንተ ዀኑ፡ ኪጥንቀቑ ኣለዉ። ገርትሩድ ፖይትሲንገርን ኤልፍሪደ ሎርን ዝስመን ክልተ ቕቡኣት ኣሓት እንታይ ከም ዘጋጠመን እስከ ንርአ። እዘን ኣሓት እዚአን ኣብ መዳጐኒ ደምበ ናዚ ምስ ካልኦት ክርስትያን ኣሓት ተኣስራ። ሽዑ፡ ኤልፍሪደ ኣብቲ ደምበ ንዝነበራ ኻልኦት ኣሓት ዜተባብዕ መደረ ምስ ኣቕረበት፡ ገርትሩድ በዚ ቐንአት። ጸኒሓ፡ ገርትሩድ በዚ ስምዒታ ሓፈረት፡ ካብ የሆዋ እውን ሓገዝ ለመነት። “ካልኦት ዝያዳ ኽእለታት እንተ ኣልይዎም ወይ ዝያዳ ሞገስ እንተ ረኺቦም፡ ነዚ ምቕባሉ ኽንምሃር ኣሎና” ኢላ እውን ጸሓፈት። እሞ ደኣ ነዚ ቕንኢ እዚ ኸመይ ገይራ እያ ኣሰኒፋቶ፧ ኣብቲ ንኤልፍሪደ ዝነበራ ጽቡቕ ባህርያትን ባህ ዜብል ጠባያትን ኣተኰረት። በዚ ኸምዚ፡ ምስ ኤልፍሪደ ጽቡቕ ርክብ ኪህልዋ ኸኣለ። ክልቲአን ካብቲ መዳጐኒ ደምበ ወጺአን ከኣ ምድራዊ ህይወተን ክሳዕ ዚውድኣ ንየሆዋ ብተኣማንነት ኣገልገላኦ። ንሕና እውን ምስ ኣሕዋትና ዘሎና ፍልልያት ንምስጋር እንተ ጽዒርና፡ ዝዀነ ይኹን ነገር ከይኸፋፍለና ኽንጥንቀቕ ንኽእል ኢና።—ቈሎ. 3:13, 14

17. ስለምንታይ ኢና ኽንዳፈር ዘይብልና፧

17 ኣይትዳፈር። ካብቶም ሓላፍነት ዘለዎም እሙናት ኣሕዋት ዚውሃበና መምርሒ እንተ ስዒብና፡ ካብ ጸገማት ከነምልጥ ንኽእል ኢና። (1 ጴጥ. 5:5) ንኣብነት፡ ኣብ ሓንቲ ኣብ ትሕቲ እገዳ ዘላ ሃገር፡ እቶም ሓላፍነት ዘለዎም ኣሕዋት ንኣስፋሕቲ፡ ኣብ ኣገልግሎት ጽሑፋት ከየበርክቱ መምርሒ ሃብዎም። ይኹን እምበር፡ ኣብታ ዓዲ ዚነብር ሓደ ፈላሚ ነቲ መምርሒ ዕሽሽ ኢሉ ጽሑፋት ዓደለ። እሞኸ እዚ እንታይ ኣፍረየ፧ ንሱን ካልኦት ኣሕዋትን ነቲ ብዘይወግዓዊ ዜቕርብዎ ምስክርነት ምስ ወድኡ፡ ኣባላት ፖሊስ ሒዞም መርመርዎም። ከመይሲ፡ መንግስቲ ዝለኣኾም ሰባት ይከታተልዎም ነይሮም እዮም፣ ነቲ ዝዓደልዎ ጽሑፋት እውን ኣርዮምዎ እዮም። ካብዚ ተመክሮ እዚ እንታይ ንምሃር፧ ዋላ እውን ዘይንሰማምዓሉ መምርሒ እንተ ተዋህበና፡ መምርሒ ንስዓብ። ምስቶም የሆዋ ኺመርሑና ዝሸሞም ኣሕዋት እንተ ተሓባቢርና፡ ንሱ ወትሩ ኺባርኸና እዩ።—እብ. 13:7, 17

18. ዘየድሊ ሕግታት ከይነውጽእ ክንጥንቀቕ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

18 ዘየድሊ ሕግታት ኣይተውጽእ። ሽማግለታት ዘየድሊ ሕግታት እንተ ኣውጺኦም፡ ንኻልኦት ጾር ኬኽብዱሎም እዮም። ሓውና ዩራይ ካሚንስኪ ኣብ ቸኮስሎቫክያ ነበር እገዳ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ብዛዕባ እተፈጥረ ዅነታት ተዘክሮኡ ኸምዚ ኢሉ ገሊጹ ኣሎ፦ “ሓላፍነት ዘለዎም ኣሕዋትን ብዙሓት ሽማግለታትን ምስ ተኣስሩ፡ ገለ ኻብቶም ኣብ ጉባኤታትን ወረዳታትን ዚመርሑ ዝነበሩ ኣሕዋት ንኣስፋሕቲ፡ ግቡእን ዘይግቡእን ኢሎም ሕግታት ኣውጺኦምሎም እዮም።” የሆዋ ንዓና፡ ንኻልኦት ሰባት ብሕታዊ ውሳነታት ክንገብረሎም ስልጣን ኣይሃበናን። ዘየድሊ ሕግታት ዜውጽእ ሰብ፡ ንኣሕዋቱ ኻብ ሓደጋ ኣይኰነን ዜዕቍብ፣ የግዳስ፡ ኣብ ልዕሊ እምነቶም እዩ ዚጕይተት።—2 ቈረ. 1:24

ንየሆዋ ኻብ ምምላኽ ከቶ ኣይተቋርጽ

19. ሰይጣን ብዙሕ ዚጽዕር እኳ እንተ ዀነ፡ ኣብ 2 ዜና መዋእል 32:7, 8 ግና እንታይ ዜተባብዕ ነገር ኢና እንረክብ፧

19 ሰይጣን ድያብሎስ እቲ ቐንዲ መጻርርትና፡ ንእሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ኻብ ምስጓጕ ኣይኬቋርጽን እዩ። (1 ጴጥ. 5:8፣ ራእ. 2:10) ሰይጣንን ወኪላቱን ንኣምልኾ የሆዋ ኺእግድዎ ይፍትኑ እዮም። እንተዀነ ግና፡ ብፍርሂ ኽንለምስ የብልናን! (ዘዳ. 7:21) የሆዋ ኣብ ጐድንና እዩ፣ ዋላ እውን ዕዮና እንተ ተኣገደ፡ ንሱ ወትሩ ይድግፈና እዩ።—2 ዜና መዋእል 32:7, 8 ኣንብብ።

20. እንታይ ንምግባር ኢኻ ቘሪጽካ ዘለኻ፧

20 ሃየ እምበኣር፡ ከምቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ኣሕዋትና ዝነበሮም ዓይነት ቈራጽነት ይሃልወና፣ ንሳቶም ነቶም ሽዑ ዝነበሩ ኣሕሉቕ ከምዚ ኢሎም እዮም መሊሶምሎም፦ “ካብ ንኣምላኽ፡ ንዓኻትኩም ምስማዕ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅኑዕ እንተ ዀይኑ፡ ባዕላትኩም ፍረዱ። ንሕና ግና፡ ብዛዕባ እቲ ዝረኣናዮን ዝሰማዕናዮን ምዝራብ ክንሓድግ ኣይንኽእልን ኢና።”—ግብ. 4:19, 20

መዝሙር 73 ኣትብዓና

^ ሕ.ጽ. 5 መንግስቲ ነቲ ንየሆዋ እነቕርቦ ኣምልኾ እንተ ኣጊድዎ፡ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ንኣምላኽ ብቐጻሊ ንምምላኽ፡ እንታይ ክንገብር ከም ዘሎናን እንታይ ክንገብር ከም ዘይብልናን ግብራዊ ሓሳባት ትህበና።

^ ሕ.ጽ. 59 መግለጺ ስእሊ፦ ኵሉ እዚ ስእልታት እዚ፡ ዕዮና ኣብ እተቐየደሉ ሃገራት ብዛዕባ ዜገልግሉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዜርኢ እዩ። ኣብዛ ስእሊ እዚኣ፡ ሒደት ክርስትያናት ኣብ ናይ ሓደ ሓው መኽዘን ኣኼባ ይገብሩ።

^ ሕ.ጽ. 61 መግለጺ ስእሊ፦ ሓንቲ ክርስትያን ሓብቲ (ብጸጋም) ምስ ሓንቲ ሰበይቲ እናኣዕለለት፡ ብዛዕባ መንፈሳዊ ነገራት ንምንጋር ኣጋጣሚ ተናዲ።

^ ሕ.ጽ. 63 መግለጺ ስእሊ፦ ሓደ ሓው ብኣባላት ፖሊስ ምርመራ እናተገብረሉ ኸሎ፡ ብዛዕባ ጉባኤኡ ሓበሬታ ምሃብ ይኣቢ።