ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 34

ንሓድሽ ምድብ ብኸመይ ትለምዶ፧

ንሓድሽ ምድብ ብኸመይ ትለምዶ፧

“ኣምላኽሲ ግብርኹም ኰነ ንስሙ ዘርኣኹምዎ ፍቕሪ፡ . . . ዚርስዕ ዓማጺ ኣይኰነን።”—እብ. 6:10

መዝሙር 38 ኬበርትዓካ እዩ

መላለዪ *

1-3. ንገሊኦም ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ኣብ ምድቦም ለውጢ ዜጋጥሞም ስለምንታይ እዩ፧

ሮበርትን ሜሪን ተዘክሮኦም ኪገልጹ ኸለዉ ኸምዚ ይብሉ፦ “ኣብ ኣገልግሎት ሚስዮናውነት 21 ዜደንቕ ዓመታት ምስ ኣሕለፍና፡ ኣርባዕቲኦም ወለድና ደኺሞም። ንዓታቶም ክንክን ንምግባር ሕጉሳት ኢና ኔርና። ኰይኑ ግና፡ ነቲ ብዙሕ እንፈትዎ ቦታ ሓዲግና ምኻድ ከቢድ እዩ ነይሩ።”

2 ዊልያምን ቴሪን ከኣ ከምዚ ኢሎም የዘንትዉ፦ “ብሰንኪ ጥዕናና ናብ ምድብና ኸም ዘይንምለስ ምስ ፈለጥና፡ ነቢዕና ኢና። ኣብ ወጻኢ ሃገር ንየሆዋ ንምግልጋል ዝነበረና ትምኒት በኒኑ ጠፊኡ እዩ።”

3 ኣሊክሲ ድማ ከምዚ ይብል፦ “ሰጐጕትና ነቲ ዘገልግለሉ ዝነበርኩ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ኪዓጽውዎ ኸም ዚደልዩ ንፈልጥ ኔርና ኢና። እንተዀነ ግና፡ እዚ ምስ ኰነ እሞ ኻብ ቤት-ኤል ክንወጽእ ምስ ተገደድና፡ ኣሰምቢዱና እዩ።”

4. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ሕቶታት ክንርኢ ኢና፧

4 ኣብ ርእሲ እዚ ኸኣ፡ ኣብ ቤት-ኤልን ኣብ ካልእን ዜገልግሉ ዝነበሩ ኣሽሓት ክርስትያናት ሓድሽ ምድብ ተዋሂብዎም ኣሎ። * እዞም እሙናት ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ነቲ ዚፈትውዎ ምድቦም ሓዲጎም ምኻድ ኪኸብዶም ይኽእል እዩ። ነቲ ለውጢ እቲ ንምኽኣሉ እንታይ ኪሕግዞም ይኽእል፧ ንስኻኸ ኸመይ ጌርካ ኽትሕግዞም ትኽእል፧ መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ ምፍላጥና፡ ነቲ ኣብ ህይወትና ዜጋጥመና ለውጢ ኽንክእሎ ይሕግዘና እዩ።

ንለውጢ ብኸመይ ትኽእሎ፧

ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ንምድቦም ሓዲጎም ኪኸዱ ኸለዉ ዚኸብዶም ስለምንታይ እዩ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 5 ርአ) *

5. ኣብ ምድብ ዜጋጥም ለውጢ ብኸመይ ኪጸልወና ይኽእል፧

5 እቲ እነገልግለሉ ቦታ ኣብ ቤት-ኤል ይኹን ወይ ካብኡ ወጻኢ፡ ንሰባትን ነቲ እነገልግለሉ ቦታን ሓያል ፍቕሪ ኸነማዕብል ንኽእል ኢና። ብዝዀነ ምኽንያት ንዕኡ ሓዲግና ኽንከይድ እንተ ኣሎና፡ ልብና ይጕሂ እዩ። ምናዳ ብሰንኪ መስጐጕቲ ኻብኡ ኽንከይድ እንተ ተገዲድና፡ ነቶም ሓዲግናዮም ዝኸድና ንናፍቕን ብዛዕባኦም ንጭነቕን ኢና። (ማቴ. 10:23፣ 2 ቈረ. 11:28, 29) ብተወሳኺ፡ ሓደ ሰብ ናብ ሓድሽ ምድብ ኪኸይድ ከሎ፡ ዋላ እውን ናብ ዓዱ ይመለስ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ሓድሽ ባህሊ ምልማድ የጸግሞ እዩ። ሮበርትን ሜሪን፡ “ባህልና ዀነ ብመበቈላዊ ቛንቋና እንገብሮ ስብከት ሓድሽ እዩ ዀይኑና። ከም ጓና ዝዀንና ዀይኑ እዩ ተሰሚዑና” ይብሉ። ገሊኦም ናይ ምድብ ለውጢ ዘጋጠሞም ሰባት፡ ሃንደበታዊ ናይ ገንዘብ ጸገማት የጋጥሞም እዩ። በዚ ኸምዚ፡ ሻቕሎትን ስግኣትን ምቝራጽ ተስፋን ኪስምዖም ይኽእል እዩ። እሞ ደኣ እንታይ ኪሕግዝ ይኽእል፧

ንየሆዋ ኽንቀርቦን ብእኡ ኽንእመንን ኣሎና (ሕጡብ ጽሑፍ 6-7 ርአ) *

6. ከመይ ጌርና ኢና ናብ የሆዋ ኽንለግብ እንኽእል፧

6 ናብ የሆዋ ልገብ። (ያእ. 4:8) ከመይ ጌርና ኢና ኸምኡ ኽንገብር እንኽእል፧ ንሱ “ሰማዕ ጸሎት” ከም ዝዀነ እምንቶ ብምሕዳር ኢና ኸምኡ ኽንገብር እንኽእል። (መዝ. 65:2) መዝሙር 62:8፡ “ልብኹም ኣብ ቅድሚኡ ኣፍስሱ” ትብል እያ። የሆዋ “ኻብቲ እንልምኖን እንሓስቦን ዘበለ እምብዛ ኣዕዚዙ” ኺገብር ይኽእል እዩ። (ኤፌ. 3:20) በቲ ብጸሎት እንልምኖ ጥራይ ኣይድረትን እዩ። ንጸገማትና ንምፍታሕ፡ ካብቲ እንሓስቦ ንላዕሊ ዘይተጸበናዮ ነገር ኪገብር ይኽእል እዩ።

7. (ሀ) ናብ የሆዋ ንምልጋብ፡ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧ (ለ) ብመሰረት እብራውያን 6:10-12፡ ንየሆዋ ዅሉ ሳዕ ብተኣማንነት ምስ እነገልግሎ እንታይ ኢና እንረክብ፧

7 ናብ የሆዋ ንምልጋብ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ መዓልቲ ኣንብብ፡ ኣስተንትነሉ እውን። ሓደ ሚስዮናዊ ዝነበረ ሓው፡ “ከምቲ ኣብ ናይ ቀደም ምድብካ እትገብሮ ዝነበርካ፡ ብስሩዕ ኣምልኾ ስድራ ቤት ግበር፡ ንኣኼባታት እውን ተዳሎ” ዚብል ምኽሪ ሂቡ ኣሎ። ኣብታ ሓዳስ ጉባኤኻ እውን፡ ኣብ ዕዮ ስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ተሳተፍ። የሆዋ ነቶም ኵሉ ሳዕ ብተኣማንነት ዜገልግልዎ ኣይርስዖምን እዩ፣ ዋላ እኳ ማዕረ እቲ ቐደም ዚገብርዎ ዝነበሩ እንተ ዘይገብሩ ይዝክሮም እዩ።—እብራውያን 6:10-12 ኣንብብ።

8. ከመይ ገይሩ እዩ እቲ ኣብ 1 ዮሃንስ 2:15-17 ዚርከብ ቃላት ንህይወትካ ቐሊል ክትገብሮ ዚሕግዘካ፧

8 ንህይወትካ ቐሊል ግበሮ። ጭንቀት እዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ንመንፈሳዊ ንጥፈታትካ ‘ኺሓንቆ’ ኣይተፍቅድ። (ማቴ. 13:22) ነቲ ኻብ ዓለም ኰነ ኻብ ፈተውትኻን ቤተ ሰብካን ዝያዳ ገንዘብ ክትረክብ ዚመጸካ ጸቕጢ ንጸጎ። (1 ዮሃንስ 2:15-17 ኣንብብ።) ብየሆዋ ተኣመን፣ ንሱ ብመንፈሳውን ብስምዒታውን ብስጋውን ዜድልየና ዘበለ “ብግዜኡ” ኸም ዜማልእ ኣተስፍዩና ኣሎ።—እብ. 4:16፣ 13:5, 6

9. ብመሰረት ምሳሌ 22:3, 7፡ ኣብ ዘየድሊ ዕዳ ኽንኣቱ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧ ጥበባዊ ውሳነታት ንምግባርከ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

9 ኣብ ዘየድሊ ዕዳ ኣይትእቶ። (ምሳሌ 22:3, 7 ኣንብብ።) ካብ ሓደ ቦታ ናብ ካልእ ክትግዕዝ ከለኻ፡ ኣዝዩ ብዙሕ ወጻኢታት ኪህልወካ ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ብቐሊሉ ኣብ ዕዳ ኽትኣቱ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ብዙሕ ዕዳ ምእንቲ ኸይትኣቱ ግና፡ ዘየድልየካ ነገራት ብልቓሕ ከይትዕድግ ተጠንቀቕ። ኣብ ትሕቲ ስምዒታዊ ጸቕጢ ኽንከውን ከለና፡ ንበል ንዝሓመመ ሰብና ኽንከናኸን ከለና፡ ክንደይ ዚኣክል ገንዘብ ክንልቃሕ ከም ዘሎና ምውሳን የጸግመና እዩ። ኣብ ትሕቲ ኸምዚ ዝበለ ዅነታት፡ ‘ጸሎትን ምህለላን’ ጥበባዊ ውሳነታት ንምግባር ከም ዚሕግዘካ ኣይትረስዕ። የሆዋ ኸም ምላሽ ጸሎትካ፡ ‘ንልብኻን ንኣእምሮኻን ዚሕሉ’ ሰላም ኪህበካ እዩ፣ እዚ ድማ ሃዲእካ ኽትሓስብ ኪሕግዘካ እዩ።—ፊል. 4:6, 7፣ 1 ጴጥ. 5:7

10. ከመይ ጌርና ኢና ሓድሽ ዕርክነት ከነማዕብል እንኽእል፧

10 ጽቡቕ ርክባት ይሃሉኻ። ስምዒታትካን ተመክሮታትካን ንናይ ቀረባ ፈተውትኻ፡ ምናዳ ነቶም ከም ናትካ ዓይነት ሓጐስን ጸገምን ዘሕለፉ ኣካፍሎም። ከምኡ ምግባርካ፡ ስምዒታዊ ፈውሲ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (መክ. 4:9, 10) ምስቶም ኣብ ናይ ቀደም ምድብካ ዝነበሩ ፈተውትኻ ምሕዝነትኩም ኣይኬቋርጽን እዩ። ሕጂ ኣብቲ ሓድሽ ምድብካ ግና፡ ሓደስቲ ፈተውቲ ኽትገብር ኣሎካ። ይኹን እምበር፡ ፈታዊ ንምርካብ፡ ንስኻ እውን ፈታዊ ኽትከውን ከም ዘሎካ ኣይትረስዕ። ከመይ ጌርካ ኢኻ ሓድሽ ዕርክነት ከተማዕብል እትኽእል፧ ነቲ የሆዋ ዝሃበካ ብዙሕ ተመክሮታት ንሰባት ንገር፣ ብኣገልግሎት የሆዋ ኸም እትሕጐስ እውን ኣርእዮም። ገሊኦም ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ክርስትያናት ነቲ ንናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዘሎካ ውዕዉዕ መንፈስ እኳ እንተ ዘይተረድእዎ፡ ገሊኦም ግና ብኣብነትካ ኺስሓቡን ናይ ሓቂ ፈተውቲ ኪዀኑኻን እዮም። ኰይኑ ግና፡ ናብቲ ኣሳልጦታትካ ዘይግባእ ኣቓልቦ ኸይትስሕብ ተጠንቀቕ፣ ኣብ ኣሉታዊ ስምዒታትካ እውን ኣይተተኵር።

11. ከመይ ጌርካ ኢኻ ኣብ ሓዳርካ ዘሎ ሓጐስ ክትዕቅብ እትኽእል፧

11 ብምኽንያት ጥዕና መጻምድትኻ ንምድብካ ኽትሓድግ እንተ ተገዲድካ፡ ንመጻምድትኻ ኣይትውቀስ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ ንስኻ ጸገማት ጥዕና እንተ ኣልዩካ፡ ንመጻምድትኻ ኸም ዝወጻዕካዮ ብምሕሳብ፡ በዳሊ ዝዀንካ ዀይኑ ኣይሰማዕካ። “ሓደ ስጋ” ኸም ዝዀንኩም ኣይትረስዕ፣ ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ይኹን ኵነታት ንሓድሕድኩም ከም እትተሓላለዩ ኢኹም ኣብ ቅድሚ የሆዋ ቓል ተኣታቲኹም። (ማቴ. 19:5, 6) ብሃንደበታዊ ጥንሲ ንምድብኩም ክትሓድጉ እንተ ተገዲድኩም፡ ንውሉድካ ኻብቲ ናይ ቀደም ምድብካ ንላዕሊ ኣገዳሲ ጌርካ ኸም እትርእዮ ኣፍልጦ። ካብ ኣምላኽ እተዋህበካ “ዓስቢ” ኸም ዝዀነ ኣረጋግጸሉ። (መዝ. 127:3-5) ብዛዕባ እቲ ኣብቲ ምድብካ ዘሕለፍካዮ ጽቡቕ ተመክሮታት እውን ንገሮ። ከምኡ ምግባርካ፡ ህይወቱ ኸማኻ ኣብቲ ዜሐጕስ ኣገልግሎት የሆዋ ንምትኳር ኪድርኾ ይኽእል እዩ።

ካልኦት ብኸመይ ኪሕግዙ ይኽእሉ፧

12. (ሀ) ንናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ኣብ ምድቦም ኪቕጽሉ ብኸመይ ክንሕግዞም ንኽእል፧ (ለ) ሓድሽ ምድብ ምስ ዚውሃቦም፡ ነቲ ለውጢ ብቐሊሉ ኺለምድዎ ብኸመይ ክንሕግዞም ንኽእል፧

12 ብዙሓት ጉባኤታትን ውልቀ ሰባትን ንናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ኣብ ምድቦም ኪቕጽሉ ስለ ዚድግፍዎም፡ ናእዳ ይግብኦም እዩ። ነዚ ኸኣ፡ ዕዮኦም ኪቕጽሉ ብምትብባዕ፡ ገንዘባዊ ወይ ካልእ ስጋዊ ደገፍ ብምሃብ፡ ወይ ከኣ ኣብ ዓዶም ንዚነብሩ ኣባላት ስድራ ቤቶም ብምክንኻን እዮም ዚገብርዎ። (ገላ. 6:2) ግናኸ፡ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ሓድሽ ምድብ ተዋሂብዎም ናብ ጉባኤኹም እንተ መጺኦም፡ ከም ዝሰነፉ ወይ ከም እተገሰጹ ጌርካ ኣይትርኣዮም። * ኣብ ክንዳኡስ፡ ነቲ ለውጢ ብቐሊሉ ኺለምድዎ ሓግዞም። ሓንጐፋይ ኢልካ ተቐበሎም፣ ሕጂ ብሰንኪ ጸገም ጥዕና ዓቕሞም ድሩት እኳ እንተ ዀነ፡ ስለቲ ኽሳዕ ሕጂ ዝገበርዎ ዕዮ ንኣዶም። ክትፈልጦም ጽዓር። ካብቲ ውህሉል ፍልጠቶምን ስልጠናኦምን ተመክሮኦምን ተምሃር።

13. ነቶም ሓድሽ ምድብ እተዋህቦም እንታይ ሓገዝ ክንህቦም ንኽእል፧

13 ኣብ ፈለማ፡ እቶም ሓድሽ ምድብ እተዋህቦም፡ ገዛን መጕዓዝያን ስራሕን ካልእ መሰረታዊ ነገራትን ንምርካብ፡ ሓገዝካ የድልዮም ይኸውን። ብዛዕባ መዓልታዊ ጕዳያት፡ ንኣብነት ብዛዕባ ምኽፋል ግብርን ምዕዳግ መድሕንን፡ እዋናዊ ሓበሬታ የድልዮም ይኸውን። ልዕሊ ዅሉ ኸኣ፡ ክትርድኣሎም ደኣ እምበር፡ ብኣታቶም ክትሓዝን ኣይደልዩን እዮም። ምስ ናይ ገዛእ ርእሶም ወይ ምስ ናይ ቤተ ሰቦም ጸገማት ጥዕና ይቃለሱ ይህልዉ ይዀኑ። ብሞት ዚፈትውዎ ሰቦም ይሓዝኑ ይህልዉ ይዀኑ። * ነቲ ኣብ ናይ ቀደም ምድቦም ምስ መንፈሳውያን ስድራ ቤቶም ዝነበሮም ቅርርብ ብምስኣኖም እውን ብውሽጦም ይሓዝኑ ይህልዉ ይዀኑ። ነዚ ዓሚቝን እተሓዋወሰን ስምዒታት ንምስጋሩ ግዜ የድልዮም እዩ።

14. ኣስፋሕቲ ንሓንቲ ሓብቲ፡ ነቲ ሓድሽ ምድብ ክትለምዶ ዝሓገዝዋ ብኸመይ እዮም፧

14 ደገፍካን ኣብነትካን ነቲ ሓድሽ ምድብ ኪለምድዎ ይሕግዞም እዩ። ሓንቲ ኣብ ወጻኢ ሃገር ንብዙሕ ዓመታት ዘገልገለት ሓብቲ ኸምዚ ትብል፦ “ኣብቲ ዝቐደመ ምድበይ፡ መዓልቲ መዓልቲ እየ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝመርሕ ነይረ። ኣብዚ ሓድሽ ምድበይ ግና፡ ኣብ ኣገልግሎት መጽሓፍ ቅዱስ ምግንጻል ኰነ ቪድዮ ምርኣይ እኳ ኣጸጋሚ እዩ። እንተዀነ ግና፡ ኣብዚ ዘለዉ ኣስፋሕቲ ናብ ተመላሊስካ ምብጻሓቶምን መጽናዕትታቶምን ዓዲሞምኒ እዮም። እዞም ቀናኣትን ተባዓትን ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ዕቤት ዚገብሩ መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪመርሑ ብምርኣየይ፡ ብዝያዳ ኣወንታዊ ኣመለኻኽታ ኽሕዝ ክኢለ እየ። ኣብዚ ሓድሽ ክሊ ብኸመይ ዝርርባት ከም ዘጀምር ተማሂረ እየ። እዚ ዅሉ ኸኣ ከም ብሓድሽ ሕጕስቲ ክኸውን ሓጊዙኒ እዩ።”

ንቕድሚት ገስግስ!

ኣብቲ ሓድሽ ክሊ፡ ኣገልግሎትካ እተስፍሓሉ መገድታት ኣናዲ (ሕጡብ ጽሑፍ 15-16 ርአ) *

15. ኣብቲ ሓድሽ ምድብካ ኽትዕወት እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

15 ኣብቲ ሓድሽ ምድብካ ኽትዕወት ትኽእል ኢኻ። ንዜጋጥመካ ለውጢ ኸም ፍሽለት ወይ ንድሕሪት ከም ምምላስ ጌርካ ኣይትርኣዮ። ኣብ ህይወትካ ኢድ የሆዋ ርአ፡ ብቐጻሊ እውን ስበኽ። ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ እሙናት ክርስትያናት ምሰሎም። ንሳቶም ኣብ ዝኸዱ ኸይዶም፡ ‘ቃል ብስራት እናኣበሰሩ ኣብታ ምድሪ ይዞሩ ነበሩ።’ (ግብ. 8:1, 4) ብቐጻሊ ንምስባኽ እትገብሮ ጻዕሪ ጽቡቕ ፍረ ኼፍሪ ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ካብ ሓደ ሃገር እተሰጕጉ ፈለምቲ ናብቲ ብቛንቋኦም ዓየይቲ ዜድልዩሉ ጐረቤት ሃገር ገዓዙ። ኣብ ውሽጢ ኣዋርሕ ከኣ፡ ቅልጡፍ ዕቤት ዚገብራ ሓደስቲ ጕጅለታት ቈማ።

16. ኣብቲ ሓድሽ ምድብካ ኸመይ ጌርካ ኢኻ ሓጐስ ክትረክብ እትኽእል፧

16 መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ሓጐስ የሆዋ ሓይልኹም እዩ” ይብል እዩ። (ነህ. 8:10፡ እ.ጽ.) ነቲ እተመደበልና ዕዮ ኣኽቢርና ንርእዮ እኳ እንተ ዀንና፡ ሓጐስና ብቐዳምነት ካብ የሆዋ ደኣ እምበር፡ ካብ ምድብና ኣይኰንናን ክንረኽቦ ዘሎና። ስለዚ፡ ምስ የሆዋ ተመላለስ፣ ጥበብን መምርሕን ደገፍን ንምርካብ እውን ናብኡ ተጸጋዕ። ነቲ ናይ ቀደም ምድብካ ዝፈቶኻዮ፡ ነቶም ኣብኡ ዘለዉ ሰባት ንምሕጋዝ ጻዕሪ ስለ ዝገበርካ ምዃኑ ኣይትረስዕ። ነዚ ሓድሽ ምድብካ እውን ጽዓረሉ፣ የሆዋ ድማ ነዚ ሓድሽ ምድብካ ምእንቲ ኽትፈትዎ ብኸመይ ከም ዚሕግዘካ ኽትርኢ ኢኻ።—መክ. 7:10

17. ብዛዕባ እዚ ሕጂ ዘሎና ምድብ እንታይ ኢና ኽንዝክር ዘሎና፧

17 ንየሆዋ እነቕርቦ ኣገልግሎት ዘለኣለማዊ፡ እዚ ሕጂ ዘሎና ምድብ ግና ግዜያዊ ምዃኑ ኽንዝክር ኣሎና። ኣብ ሓዳስ ዓለም፡ ንዅላትና ናይ ምድብ ለውጢ ኼጋጥመና እዩ። እቲ ኣብ መእተዊ እተጠቕሰ ኣሊክሲ፡ እዚ ናይ ሕጂ ተመክሮኡ ንሽዑ የዳልዎ ኸም ዘሎ ይኣምን እዩ። ከምዚ ድማ ይብል፦ “የሆዋን ሓዳስ ዓለምን ናይ ሓቂ ምዃኖም ካብ ቀደመይ እፈልጥ ነይረ እየ፣ ኰይኑ ግና፡ ቍሩብ ዝረሓቑ ዀይኖም ተሰሚዖምኒ ነይሮም። ሕጂ፡ ንየሆዋ ኣብ ቅድሚ ኣዒንተይ ከም ዘሎ ገይረ እርእዮ እየ፡ ንሓዳስ ዓለም ከኣ ኣብ ጕዕዞይ ከም ዘላ እትቕጽል ምዕራፍ ገይረ እርእያ ኣለኹ።” (ግብ. 2:25) ሕጂ ዘሎና ምድብ ብዘየገድስ፡ ምስ የሆዋ ንመላለስ። ንሱ ኸቶ ኣይኪሓድገናን እዩ፣ የግዳስ፡ ኣብ ዝዀነ ይኹን ኣገልግሎቱ ዝከኣለና ዘበለ ኽንገብር ከለና ሓጐስ ክንረክብ ኪሕግዘና እዩ።—ኢሳ. 41:13

መዝሙር 90 ንሓድሕድና ንተባባዕ

^ ሕ.ጽ. 5 ሓድሓደ ግዜ፡ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዜገልግሉ ኣሕዋትን ኣሓትን ነቲ ምድቦም ኪሓድጉ ወይ ሓድሽ ምድብ ኪውሃቦም ይኽእል እዩ። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ እንታይ ጸገማት ከም ዜጋጥሞምን ነቲ ሓድሽ ምድቦም ንምልማድ እንታይ ኪገብሩ ኸም ዚኽእሉን ትገልጽ። ካልኦት ሰባት ንዓታቶም ንምትብባዕን ንምድጋፍን እንታይ ኪገብሩ ኸም ዚኽእሉ ድማ ትሕብር። ኵላትና ንለውጥታት ክንክእሎ ዚሕግዘና መሰረታዊ ስርዓታት እውን ትህብ።

^ ሕ.ጽ. 4 ብተመሳሳሊ፡ ብዙሓት ሓላፍነት ዝነበሮም ኣሕዋት ኣብ እተወሰነ ዕድመ ምስ በጽሑ፡ ሓላፍነታቶም ነቶም ካባታቶም ብዕድመ ዝነኣሱ ኣሕዋት ኣረኪቦምዎም እዮም። ኣብ ናይ መስከረም 2018 ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት፡ “ኣቱም ብዕድመ ዝደፋእኩም ክርስትያናት፡ የሆዋ ንተኣማንነትኩም ኣኽቢሩ እዩ ዚርእዮ” ዘርእስታ ዓንቀጽን ኣብ ናይ ጥቅምቲ 2018 ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት፡ “ለውጥታት እናኣጋጠመ ኽነሱ፡ ውሽጣዊ ሰላምካ ሓሉ” ዘርእስታ ዓንቀጽን ርአ።

^ ሕ.ጽ. 12 ሽማግለታት እታ ኣቐዲሞም ዝነበሩላ ጉባኤ ብእተኻእሎም መጠን ቀልጢፎም መላለዪ ደብዳበ ኺጽሕፉ ኣለዎም፣ በዚ ኸምዚ፡ ከም ፈላሚ፡ ሽማግለ፡ ወይ ኣገልጋሊ ጉባኤ ዀይኖም ዚህብዎ ኣገልግሎት ከይተደናጐየ ኪቕጽል ይኽእል።

^ ሕ.ጽ. 13ንሓዘንተኛታት ዚኸውን ሓገዝ” ዘርእስታ ናይ 2018 ንቕሑ!፡ ቍ. 3 ርአ።

^ ሕ.ጽ. 57 መግለጺ ስእሊ፦ ሚስዮናውያን ሰብ ሓዳር ካብቲ ዜገልግሉሉ ዝነበሩ ወጻኢ ሃገር ኪኸዱ ምስ ተገደዱ፡ እናነብዑ ንጉባኤኦም ይሰናበቱ።

^ ሕ.ጽ. 59 መግለጺ ስእሊ፦ እቶም ሰብ ሓዳር ናብ መበቈላዊት ሃገሮም ምስ ተመልሱ፡ ነቲ ዜጋጥሞም ጸገማት ንምኽኣል ካብ የሆዋ ሓገዝ ደልዮም ብጽኑዕ ይጽልዩ።

^ ሕ.ጽ. 61 መግለጺ ስእሊ፦ እቶም ሰብ ሓዳር ብሓገዝ የሆዋ ናብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ተመሊሶም ይኣትዉ። ነቲ ሚስዮናውያን ከለዉ እተማህርዎ ቛንቋ ኣብ ክሊ ሓድሽ ጉባኤኦም ንስደተኛታት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንምስባኽ ይጥቀሙሉ።