ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 40

ኣብ ኣጋ መወዳእታ እዘን “ዳሕሮት መዓልትታት” ወትሩ ብዕዮ ትሑዛት ንኹን

ኣብ ኣጋ መወዳእታ እዘን “ዳሕሮት መዓልትታት” ወትሩ ብዕዮ ትሑዛት ንኹን

“ጽኑዓት፡ ዘይትነቓነቑ ኹኑ፣ . . . ኵሉ ሳዕ ብዙሕ ዕዮ ጐይታ ይሃሉኹም።”—1 ቈረ. 15:58

መዝሙር 58 ንፈተውቲ ሰላም ንድለዮም

መላለዪ *

1. እንታይ እዩ ኣብ “ዳሕሮት መዓልትታት” ንነብር ከም ዘለና ዜእምነና፧

ድሕሪ 1914 ዲኻ ተወሊድካ፧ ከምኡ እንተ ዄንካ፡ ምሉእ ህይወትካ ኣብ “ዳሕሮት መዓልትታት” እዚ ስርዓት እዚ ኢኻ ኣሕሊፍካዮ። (2 ጢሞ. 3:1) ኵላትና ብዛዕባ እቲ የሱስ ነዚ ግዜ እዚ ብዚምልከት እተነበዮ ነገራት ሰሚዕና ኢና። ገለ ኻብኡ ኸኣ ውግእ፡ ጥሜት፡ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ለበዳ፡ ምብዛሕ ጥሕሰት ሕጊ፡ ኣብ ህዝቢ የሆዋ ዚወርድ መስጐጕቲ ኺጥቀስ ይከኣል። (ማቴ. 24:3, 7-9, 12፣ ሉቃ. 21:10-12) ባህርያት ሰባት ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ እተነበዮ ዀይኑ እውን ርኢና ኢና። (“ ሕጂ ዘሎ ባህርያት ሰባት” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።) ኣምለኽቲ የሆዋ ስለ ዝዀንና፡ ኣብ “ዳሕሮት መዓልትታት” ንነብር ከም ዘለና ንኣምን ኢና።—ሚክ. 4:1

2. እንታይ ሕቶታት ኢና መልሲ ኽንህበሉ ዘሎና፧

2 ካብ 1914 ኣዝዩ ነዊሕ ግዜ ስለ ዝሓለፈ፡ ኣብ ኣጋ መወዳእታ እዘን “ዳሕሮት መዓልትታት” ኢና እንነብር ዘለና። መወዳእታ እዚ ስርዓት ኣዝዩ ስለ ዝቐረበ፡ ነዚ ዚስዕብ ኣገዳሲ ሕቶታት መልሲ ኽንረኽበሉ ኣሎና፦ ኣብ መወዳእታ “ዳሕሮት መዓልትታት” እንታይ ፍጻመታት ኪህሉ እዩ፧ ነቲ ፍጻመታት ኣብ እንጽበየሉ እዋንከ የሆዋ እንታይ ክንገብር እዩ ዚደልየና፧

ኣብ መወዳእታ “ዳሕሮት መዓልትታት” እንታይ ኪኸውን እዩ፧

3. ብመሰረት እቲ ኣብ 1 ተሰሎንቄ 5:1-3 ዘሎ ትንቢት፡ ኣህዛብ እንታይ ኪእውጁ እዮም፧

3 ቀዳማይ ተሰሎንቄ 5:1-3 ኣንብብ። ጳውሎስ ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ ን“መዓልቲ የሆዋ” ጠቒስዋ ኣሎ። እታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ኣብ ልዕሊ እታ ሃጸያዊ ግዝኣት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዝዀነት “ዓባይ ባቢሎን” መጥቃዕቲ ምስ ተፈነወ እያ እትጅምር፣ በቲ ኣብ መወዳእታ ዚግበር ውግእ ኣርማጌዶን እውን ክትዛዘም እያ። (ራእ. 16:14, 16፣ 17:5) እታ “መዓልቲ” እቲኣ ቐቅድሚ ምጅማራ፡ ኣህዛብ “ሰላምን ደሓንን!” ኪእውጁ እዮም። መራሕቲ ዓለም ነቲ ኣብ መንጎ ኣህዛብ ዘሎ ርክባት ኬረጋግኡ ኢሎም ተመሳሳሊ መግለጺታት ይጥቀሙ እዮም። * ኰይኑ ግና፡ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚገልጾ ኣዋጅ “ሰላምን ደሓንን” እተፈልየ ኪኸውን እዩ። ስለምንታይ፧ እቲ ኣዋጅ እቲ ምስ ተኣወጀ፡ መራሕቲ ዓለም ኣብ ምድርና ሰላምን ደሓንን ከም ዘምጽኡ ገይሮም ብዙሓት ሰባት ኪሓስቡ እዮም። ከም ሓቂ ግና፡ ሽዑ እቲ “ብርቱዕ ጸበባ” ኪጅምር እዩ፣ “ሃንደበታዊ ጥፍኣት” እውን ኪመጽእ እዩ።—ማቴ. 24:21

ኣህዛብ ናይ ሓሶት “ሰላምን ደሓንን” ኪእውጁ ኸለዉ ኣይትተዓሾ (ሕጡብ ጽሑፍ 3-6 ርአ) *

4. (ሀ) ብዛዕባ ኣዋጅ “ሰላምን ደሓንን” እንታይ ኢና ገና ብሕጂ ኽንፈልጥ፧ (ለ) ብዛዕባኡ እንታይ ኢና ድሮ እንፈልጥ፧

4 ብዛዕባ ኣዋጅ “ሰላምን ደሓንን” እተወሰነ ነገራት ንፈልጥ ኢና። ግናኸ፡ ዘይንፈልጦ ነገራት እውን ኣሎ። ናብኡ ዜምርሕ ኵነታት ወይ እቲ ኣዋጅ ብኸመይ ከም ዚእወጅ ኣይንፈልጥን ኢና። ሓደ ኣዋጅ ጥራይ ወይ ተኸታታሊ ኣዋጃት እንተ ዀይኑ እውን ብልክዕ ኣይንፈልጥን ኢና። ዝዀነ ዀይኑ፡ እዚ ንፈልጥ ኢና፦ መራሕቲ ዓለም ብሓቂ ዓለምለኻዊ ሰላም ኬምጽኡ ኸም ዚኽእሉ ጌርና ኽንዕሾ የብልናን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ክንጽበዮ ዘሎና ኣዋጅ ምዃኑ ተነጊሩና እዩ። “መዓልቲ የሆዋ” እትጅምረሉ ግዜ ኸም ዝኣኸለ ዚሕብር ምልክት እዩ!

5. ቀዳማይ ተሰሎንቄ 5:4-6፡ ን“መዓልቲ የሆዋ” ድሉዋት ኴንና ኽንጸንሕ እትሕግዘና ብኸመይ እያ፧

5 ቀዳማይ ተሰሎንቄ 5:4-6 ኣንብብ። ጳውሎስ ኣብቲ ዝሃቦ ምዕዶ፡ ን“መዓልቲ የሆዋ” ድሉዋት ኴንና ንምጽናሕ እንታይ ክንገብር ከም ዘሎና ገሊጹ ኣሎ። “ከም ካልኦት ኣይንደቅስ” ኢሉ ኣሎ። “ንንቃሕ” ኢሉ እውን ምዒዱና ኣሎ። ንኣብነት፡ ብፖለቲካዊ ጕዳያት ተሳሒብና ገለልትነትና ኣብ ሓደጋ ኸይነእቱ ንቑሓት ክንከውን ኣሎና። ኣብ ፖለቲካዊ ጕዳያት ኢድና እንተ ኣእቲና፡ “ካብ ዓለም” ክንከውን ኢና። (ዮሃ. 15:19) ዓለምለኻዊ ሰላም ብመንግስቲ ኣምላኽ ጥራይ ኣቢሉ ኸም ዚርከብ ንፈልጥ ኢና።

6. ንኻልኦት እንታይ ኪገብሩ ኢና ኽንሕግዞም እንደሊ፧ ስለምንታይከ፧

6 ንሕና ባዕልና ንቑሓት ኣብ ርእሲ ምዃንና፡ ካልኦት ሰባት ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ እተነበዮ ነገር ምእንቲ ኺነቕሑሉ ኽንሕግዞም ንደሊ ኢና። እቲ ብርቱዕ ጸበባ ኣብ ዚጅምረሉ እዋን፡ እቲ ሰባት ናብ የሆዋ ዚምለሱሉ ግዜ ኸም ዜብቅዕ ክንርስዕ የብልናን። ስለዚ ድማ እዩ ዕዮ ስብከትና ብህጹጽ ኪዕየ ዘለዎ! *

ብስብከት ወትሩ ትሑዛት ንኹን

ሎሚ ኽንሰብኽ ከለና፡ መንግስቲ ኣምላኽ ጥራይ ኣብ ምድሪ ናይ ሓቂ ሰላምን ደሓንን ከም እተምጽእ ኢና እነርኢ (ሕጡብ ጽሑፍ 7-9 ርአ)

7. የሆዋ ሕጂ እንታይ ክንገብር እዩ ዚጽበየና፧

7 ኣብቲ “መዓልቲ የሆዋ” ቕድሚ ምጅማራ ተሪፉ ዘሎ ሓጺር ግዜ፡ የሆዋ ብዕዮ ስብከት ትሑዛት ክንከውን ይጽበየና እዩ። “ኵሉ ሳዕ ብዙሕ ዕዮ ጐይታ” ኺህልወና ኣለዎ። (1 ቈረ. 15:58) የሱስ እንታይ ከም እንገብር ተነብዩ ነይሩ እዩ። ብዛዕባ ዅሉ እቲ ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ዚኸውን ኣገዳሲ ነገራት ድሕሪ ምዝራቡ፡ “ቅድም ኣብ ኵሎም ኣህዛብ ብስራት ኪስበኽ ኣለዎ” ኢሉ እዩ። (ማር. 13:4, 8, 10፣ ማቴ. 24:14) ሕስብ እሞ ኣብሎ፦ ናብ ኣገልግሎት ብዝኸድካ መጠን፡ ኣብ ምፍጻም እቲ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ እጃም ኣሎካ!

8. ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ቀጻሊ ዕቤት ዜርኢ ዘሎ ብኸመይ እዩ፧

8 ኣብ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ብዛዕባ እተረኽበ ዕቤት እንታይ ክንብል ንኽእል፧ እዚ ዕዮ እዚ ኻብ ዓመት ናብ ዓመት ንቕድሚት ይግስግስ ኣሎ። ንኣብነት፡ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ኣብቶም ኣብ ብዘላ ዓለም ዘለዉ ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ብዛዕባ እተረኽበ ወሰኽ እሞ ሕሰብ። ብ1914፡ ኣብ 43 ሃገራት፡ 5,155 ኣስፋሕቲ ነይሮም። ሎሚ፡ ኣብ 240 ሃገራት ኣስታት 8.5 ሚልዮን ኣስፋሕቲ ኣለዉ! ይኹን እምበር፡ ዕዮና ገና ኣየብቅዐን። መንግስቲ ኣምላኽ ጥራይ ንዅሉ ጸገማት ደቂ ሰብ ፍታሕ ከም እተምጽእ ብቐጻሊ ኽንሰብኽ ኣሎና።—መዝ. 145:11-13

9. መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ብቐጻሊ ኽንሰብኽ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

9 እቲ እንዓይዮ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ክሳዕ እቲ የሆዋ ኣኺሉ ዚብለሉ ግዜ ኣይኬብቅዕን እዩ። እሞ ደኣ ሰባት ንየሆዋ ኣምላኽን ንየሱስ ክርስቶስን ንምፍላጥ ክንደይ ግዜ ተሪፍዎም ኣሎ፧ (ዮሃ. 17:3) ኣይንፈልጥን ኢና። ግናኸ፡ እቲ ብርቱዕ ጸበባ ኽሳዕ ዚጅምር፡ “ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዘንቀዱ” ዘበሉ ነቲ ብስራት ኪቕበሉ ኸም ዚኽእሉ ንፈልጥ ኢና። (ግብ. 13:48) እሞ ደኣ ነቶም ሰባት እቲኦም ከመይ ጌርና ኢና ብኣጋኡ ኽንሕግዞም እንኽእል፧

10. ንሰባት ሓቂ ምእንቲ ኽንምህር፡ የሆዋ እንታይ ሓገዝ ይህበና ኣሎ፧

10 የሆዋ ብውድቡ ኣቢሉ ንሰባት ሓቂ ኽንምህር ዜድሊ ዘበለ ዅሉ ይህበና ኣሎ። ንኣብነት፡ ኣብ ኣኼባ መንጎ ሰሙን ሰሙናዊ ስልጠና ንረክብ ኢና። ኣብዚ ኣኼባ እዚ፡ ኣብ ናይ ፈለማ ምብጻሕን ኣብ ተመላሊስካ ምብጻሕን እንታይ ክንብል ከም ዘሎና ንምሃር ኢና። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም እንመርሕ እውን ንምሃር ኢና። ብዘይካዚ፡ ውድብ የሆዋ ኣብ ናውቲ ትምህርቲ ንኣገልግሎት ዜድሊ ናውቲ ቐሪባትልና ኣላ። እዚ ናውቲ እዚ ኸኣ ከምዚ ዚስዕብ ክንገብር ይሕግዘና፦

  • ዝርርብ ንምጅማር፡

  • ተገዳስነት ንምልዕዓል፡

  • ሰባት ዝያዳ ኺምሃሩ ድሌቶም ንምንቕቓሕ፡

  • ንተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ንምምሃር፡

  • ንግዱሳት ናብ ወብሳይትና ወይ ናብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ንምዕዳም።

እዚ ናውቲ እዚ ምርካብና ጥራይ እኹል ኣይኰነን። ክንጥቀመሉ ኣሎና። * ንኣብነት፡ ምስ ሓደ ግዱስ ጽቡቕ ምስ ተዛራረብኩም ትራክት ወይ መጽሔት እንተ ሓዲግካሉ፡ ካልእ ግዜ ኽሳዕ እትረኽቦ ነቲ ጽሑፍ ኬንብቦ ይኽእል እዩ። ኣብ ወወርሒ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ብትግሃት ምዕያይ ነናይ ብሕትና ሓላፍነት እዩ።

11. ስለምንታይ እዩ “ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኢንተርነት” ተዳልዩ፧

11 የሆዋ ንሰባት ሓቂ ኺፈልጡ ዚሕግዘሉ ዘሎ ኻልእ ኣብነት ከኣ፡ ኣብ jw.org® ዚርከብ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኢንተርነት እዩ። (ኣብ ትሕቲ BIBLE TEACHINGS > ONLINE LESSONS ርአ።) ስለምንታይ እዩ እዚ ትምህርትታት እዚ ተዳልዩ፧ ኣብ ወወርሒ፡ ኣብ ብዘላ ዓለም ዚርከቡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ሰባት ኣብ ኢንተርነት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምርካብ ጻዕሪ ይገብሩ እዮም። እቲ ኣብ ወብሳይትና ዘሎ ትምህርትታት ነዞም ሰባት እዚኦም ምስ ሓቂ ቓል ኣምላኽ ኬፋልጦም ይኽእል እዩ። ገሊኦም እተዛርቦም ሰባት ብሕታዊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪቕበሉ ኣይደልዩን ይዀኑ። ከምኡ ዓይነት ሰባት እንተ ኣጋጢሞምኻ፡ ኣብ ወብሳይትና ዚርከብ እዚ መሰናድዎ እዚ ኣርእዮም ወይ ናብቲ ትምህርትታት ዚመርሕ ሊንክ ስደደሎም። *

12. ሓደ ሰብ ካብቲ “ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኢንተርነት” እንታይ ኪምሃር ይኽእል፧

12 እዚ ኣብ ኢንተርነት ዚርከብ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ዚስዕብ ርእሰ ነገራት ይሽፍን፦ “መጽሓፍ ቅዱስን ደራሲኡን፡” “ቀንዲ ገጸ ባህርያት መጽሓፍ ቅዱስ፡” “መጽሓፍ ቅዱስ ሒዝዎ ዘሎ መልእኽቲ ተስፋ።” ኣብ ትሕቲ እዚ ርእሰ ነገራት እዚ ኸኣ፡ እዚ ዚስዕብ ትምህርትታት ኣሎ፦

  • መጽሓፍ ቅዱስ ንሰብ ብኸመይ ኪሕግዝ ከም ዚኽእል

  • የሆዋን የሱስን መላእኽትን መን ምዃኖም

  • ኣምላኽ ንሰባት ዝፈጠሮም ስለምንታይ ምዃኑ

  • መከራን እከይን ስለምንታይ ከም ዘሎ

ብዘይካዚ፡ የሆዋ ብኸመይ ነዚ ዚስዕብ ከም ዚገብሮ ተገሊጹ ኣሎ፦

  • መከራን ሞትን የብቅዕ

  • ንምዉታት የተንስኦም

  • ንፍሹላት ሰብኣውያን መንግስትታት ብመንግስቲ ኣምላኽ ይትክኦም

13. እቲ ኣብ ኢንተርነት ዚርከብ ትምህርቲ ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ይትክኦ ድዩ፧ ግለጽ።

13 እቲ ኣብ ኢንተርነት ዚርከብ ትምህርቲ ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይትክኦን እዩ። የሱስ፡ ደቀ መዛሙርቲ ኽንገብር ፍሉይ መሰል ሂቡና ኣሎ። ግዱሳት ሰባት ነቲ ኣብ ኢንተርነት ዚርከብ ትምህርቲ ምስ መርመሩ፡ ነቲ እተማህርዎ ኣድንቖት ኬሕድሩ እሞ ብዝያዳ ንምፍላጥ ድሌት ኪሓድሮም ተስፋ ንገብር ኢና። ከምኡ እንተ ገይሮም፡ ምናልባት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምግባር ፍቓደኛታት ኪዀኑ ይኽእሉ ይዀኑ። ኣብ መመወዳእታ ዅሉ እዚ ትምህርትታት ነቲ ኣንባቢ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምግባር ዚሕግዝ ብሕታዊ መምህር ኪሓትት ዕድመ ይቐርበሉ እዩ። ብወብሳይትና ኣቢልና፡ ኣብ ብዘላ ዓለም ብገምጋም ኣብ መዓልቲ ልዕሊ 230 መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምግባር ሕቶ ይቐርበልና እዩ። ብብሕቲ ሓደ ምስ ሓደ ዄንካ ዚግበር ትምህርቲ ኣገዳሲ እዩ።

ደቀ መዛሙርቲ ንምግባር ወትሩ ንጽዓር

14. ብመሰረት እቲ ኣብ ማቴዎስ 28:19, 20 ተመዝጊቡ ዚርከብ የሱስ ዝሃቦ ትእዛዝ፡ እንታይ ንምግባር ኢና ብእተኻእለና መጠን እንጽዕር፧ ስለምንታይከ፧

14 ማቴዎስ 28:19, 20 ኣንብብ። መጽናዕታት መጽሓፍ ቅዱስ ክንመርሕ ከለና፡ ብእተኻእለና መጠን ነቲ የሱስ፡ “ደቀ መዛሙርቲ ግበሩ፣ ዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ ምሃርዎም” ኢሉ ዝሃበና ትእዛዝ ንምፍጻም ክንጽዕር ኣሎና። ኣብ ጐድኒ የሆዋን መንግስቱን ምቛም ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ንሰባት ከነረድኦም ኣሎና። ከምኡ ንምግባር ከኣ ንሓቂ ኼጥርይዋ፡ ማለት ነቲ እተማህርዎ ኣብ ግብሪ ኼውዕሉን ህይወቶም ንየሆዋ ኺውፍዩን ኪጥመቑን ኣለዎም። ከምኡ እንተ ገይሮም ጥራይ እዮም ኣብ መዓልቲ የሆዋ ዚድሕኑ።—1 ጴጥ. 3:21

15. እንታይ ንምግባር እዩ ግዜ ዘይብልና፧ ስለምንታይከ፧

15 ኣቐዲሙ ኸም እተገልጸ፡ ካብ ሕጂ ኽሳዕ መወዳእታ እዚ ስርዓት እዚ ኣዝዩ ሓጺር ግዜ እዩ ተሪፉ ዘሎ። ስለዚ፡ ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ንምዃን ንጹር ሓሳብ ንዘይብሎም ሰባት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምቕጻል ግዜ የብልናን። (1 ቈረ. 9:26) ዕዮና ብህጹጽ ኪዕየ ኣለዎ! ብኣጋኡ መልእኽቲ መንግስቲ ኺሰምዑ ዘለዎም ብዙሓት ሰባት ኣለዉ።

ካብ ኵለን ናይ ሓሶት ሃይማኖታት ርሓቕ

16. ብመሰረት ራእይ 18:2, 4, 5, 8፡ ኵላትና እንታይ ክንገብር ኣሎና፧ (እግረ ጽሑፍ ርአ።)

16 ራእይ 18:2, 4, 5, 8 ኣንብብ። እዚ ፍቕድታት እዚ ነቲ የሆዋ ኻብ ኣምለኽቱ ዚጽበዮ ነገር ይሕብር እዩ። ኵሎም ክርስትያናት ካብ ዓባይ ባቢሎን ከም ዝረሓቑ ርግጸኛታት ኪዀኑ ኣለዎም። ሓደ ተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ቕድሚ ምፍላጡ፡ ኣባል ሓንቲ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ሃይማኖታዊ ኣገልግሎታ ይእከብ፡ ኣብ ንጥፈታታ እውን ይሳተፍ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ወይ ከኣ ነታ ሃይማኖታዊት ውድብ ገንዘብ የዋጽእ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እቲ ተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይተጠምቀ ኣስፋሒ ኪኸውን እንተ ዀይኑ፡ ምስ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዘለዎ ዅሉ ርክብ ኪበትኽ ኣለዎ። ደብዳበ ስንብታ ኺልእኽ ወይ ብኻልእ መገዲ ምስ ዓባይ ባቢሎን ዝነበሮ ዝዀነ ርክብ ኪበትኽ ኣለዎ። *

17. ሓደ ክርስትያን ካብ ምንታይ ዓለማዊ ስራሕ እዩ ዚርሕቕ፧ ስለምንታይከ፧

17 ሓደ ናይ ሓቂ ክርስትያን ዓለማዊ ስራሑ ምስ ዓባይ ባቢሎን ከም ዘይተሓሓዝ ኬረጋግጽ ኣለዎ። (2 ቈረ. 6:14-17) ንኣብነት፡ ሰራሕተኛ ቤተ ክርስትያን ኣይከውንን እዩ። ብተወሳኺ ድማ፡ ብሓደ ትካል እተቘጽረ ሓደ ክርስትያን ንናይ ሓሶት ኣምልኾ ኣብ ዜስፋሕፍሕ ህንጻ ሰፊሕ ዕዮ ኺዓዪ ኣይደልን እዩ። ትካል እንተ ኣልይዎ ኸኣ፡ ዓባይ ባቢሎን ንእተቕርቦ ዝዀነ ዕዮ ኺዓዪ ኣይጫረትን ወይ ኣይወዓዓልን እዩ። ስለምንታይ ኢና ኣብዚ ተሪር መትከል ዘሎና፧ ምኽንያቱ፡ ኣብ ተግባራትን ሓጢኣትን እተን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ርኹሳት ዝዀና ሃይማኖታውያን ውድባት ክንካፈል ኣይንደልን ኢና።—ኢሳ. 52:11 *

18. ሓደ ሓው ምስ ዓለማዊ ስራሑ ብእተተሓሓዘ ብኸመይ እዩ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ሓልዩ፧

18 ቅድሚ ገለ ዓመታት፡ ሓደ ተዃናታራይ ንሓደ ብርእሱ ዚዓዪ ሽማግለ፡ ኣብታ እቲ ሓው ዚነብረላ ኸተማ ኣብ ቤተ ክርስትያን ዚዕየ ንእሽቶ ዕዮ ጽርበት ዕንጨይቲ ኺዓዪ ሓተቶ። እቲ ተዃናታራይ፡ እቲ ሓው ኣብ ኣብያተ ክርስትያን ዚዕየ ዕዮ ኸም ዘይቅበል ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ግና፡ ነቲ ስራሕ እቲ ዚሰርሓሉ ስኢኑ ነይሩ እዩ። ይኹን እምበር፡ እቲ ሓው ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ብምሕላዉ ነቲ ስራሕ ኣይተቐበሎን። ኣብ እትቕጽል ሰሙን፡ ኣብታ ዓዲ እትሕተም ጋዜጣ፡ ካልእ ጸራቢ ኣብታ ቤተ ክርስትያን መስቀል ኪሰቅል ከሎ ዜርኢ ስእሊ ኣውጽአት። እቲ ሓው ኣብ መትከሉ እንተ ዚለማለም ነይሩ፡ ስእሉ ኣብታ ጋዜጣ ምወጸ ነይሩ። እዚ ነቲ ኣብ መንጎ ክርስትያን ብጾቱ ዝነበሮ ጽቡቕ ስም ክሳዕ ክንደይ ከም ዜበላሽዎ እሞ ሕሰብ! የሆዋ እንታይ ኪስምዖ ኸም ዚኽእል እውን ሕሰብ!

እንታይ ተማሂሪና፧

19-20. (ሀ) ክሳዕ ሕጂ እንታይ ተማሂርና፧ (ለ) እንታይ ተወሳኺ ነገር ኢና ኽንፈልጥ ዘሎና፧

19 ብመሰረት ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ፡ እቲ ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ዓለም ዚኸውን ዓብዪ ነገር፡ ኣህዛብ ዚእውጅዎ “ሰላምን ደሓንን” እዩ። ንሕና ግና ካብ የሆዋ ስለ እተምሃርና፡ ኣህዛብ ናይ ሓቅን ነባርን ሰላም ከም ዘየምጽኡ ንፈልጥ ኢና። እሞ ደኣ እቲ ፍጻመ እቲ ቕድሚ ምዃኑን ስዒቡ ሃንደበታዊ ጥፍኣት ቅድሚ ምምጻኡን እንታይ ክንገብር ኣሎና፧ የሆዋ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምስባኽን ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ምግባርን ትሑዛት ክንከውን ይጽበየና እዩ። ጐድኒ ጐድኒ እዚ ኸኣ፡ ካብ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ክንፍለ ኣሎና። እዚ ድማ ካብ ኣባልነት ዓባይ ባቢሎን ስምና ምስራዝን ምስኣ እተተሓሓዘ ስራሕ ዘይምስራሕን የጠቓልል።

20 ኣብ ኣጋ መወዳእታ እዘን “ዳሕሮት መዓልትታት” ካልእ ስዒቡ ዚመጽእ ፍጻመታት እውን ኪህሉ እዩ። የሆዋ ኽንገብሮ ዚጽበየና ኻልእ ነገራት እውን ኣሎ። እዚ እንታይ እዩ፧ ነቲ ኣብ ቀረባ ግዜ ዚመጽእ ዘሎ ነገራትከ ኸመይ ጌርና ኽንዳሎ ንኽእል፧ ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ክንርኢ ኢና።

መዝሙር 71 ሰራዊት የሆዋ ኢና!

^ ሕ.ጽ. 5 ኣብ ቀረባ ግዜ፡ ኣህዛብ “ሰላምን ደሓንን!” ከም ዘምጽኡ ኺእውጁ ኸለዉ ኽንሰምዕ ኢና። እዚ ድማ መጀመርታ ብርቱዕ ጸበባ ኸም ዝኣኸለ ዚሕብር ምልክት ኪኸውን እዩ። ክሳዕ ሽዑ የሆዋ እንታይ ክንገብር እዩ ዚደልየና፧ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ነዛ ሕቶ ኽትምልሰልና እያ።

^ ሕ.ጽ. 3 ንኣብነት፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ወብሳይቱ “ዓለምለኻዊ ሰላምን ደሓንን” ከም ዚዕቅብ ገሊጹ ኣሎ።

^ ሕ.ጽ. 6 ኣብዛ ሕታም እዚኣ ዘላ፡ “ፍርድታት ኣምላኽ—ኣምላኽሲ ዅሉ ሳዕዶ እኹል መጠንቀቕታ ይህብ እዩ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

^ ሕ.ጽ. 10 ብዛዕባ ኣጠቓቕማ እቲ ናውቲ ትምህርቲ ዝርዝር ሓበሬታ ንምርካብ፡ ኣብ ናይ ጥቅምቲ 2018 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት፡ “ሓቂ ምሃር” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

^ ሕ.ጽ. 11 እዚ ትምህርትታት እዚ ሕጂ ብእንግሊዝኛን ብፖርቱጋልኛን እዩ ዚርከብ፣ ኣብ መጻኢ ብተወሳኺ ቛንቋታት ኪዳሎ እዩ።

^ ሕ.ጽ. 16 ምስ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ምትእስሳር ካብ ዘለዎ ሰፈር መንእሰያት ወይ መዘናግዒ እውን ክንርሕቕ ኣሎና። ንኣብነት፡ ብዛዕባ ኣባልነት ማሕበር ክርስትያን መንእሰያት ኣወዳት (YMCA)፡ ኣብ ናይ 1 ጥሪ 1979 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ዝወጸት፡ “ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ” ርአ። ብዛዕባ ማሕበር ክርስትያን መንእሰያት ኣዋልድ (YWCA) እውን ተመሳሳሊ መትከል ክንሕዝ ኣሎና። ኣብ ገሊኡ ቦታታት ዚርከባ ማሕበራት ነቲ ሃይማኖታዊ ንጥፈታቱ ኣነኣኢሰን ዜቕርባኦ እኳ እንተ ዀና፡ ከም ሓቂ ግና ንሳተን ሃይማኖታዊ ሱርን ዕላማን ዘለወን ውድባት እየን።

^ ሕ.ጽ. 17 ምስ ሃይማኖታውያን ውድባት ብእተተሓሓዘ ዝሰፍሐ ቕዱስ ጽሑፋዊ ኣረኣእያ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ናይ 15 ሚያዝያ 1999 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት “ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ” ርአ።

^ ሕ.ጽ. 83 መግለጺ ስእሊ፦ ኣብ ካፈ ኾፍ ዝበሉ ዓማዊል፡ ብዛዕባ ኣዋጅ “ሰላምን ደሓንን” ኣብ ተለቪዥን ዝወጸ “ሓድሽ ዜና” ይርእዩ። ካብ ኣገልግሎት ኬዕርፉ ዝኣተዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሰብ ሓዳር በቲ ዜና ኣይዕሸዉን።