ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 44

መወዳእታ ቕድሚ ምምጻኡ፡ ድልዱል ዕርክነት ኣማዕብል

መወዳእታ ቕድሚ ምምጻኡ፡ ድልዱል ዕርክነት ኣማዕብል

“ናይ ሓቂ ፈታዊ፡ ኵሉ ግዜ የፍቅር።”—ምሳ. 17:17

መዝሙር 101 ብሓድነት ንዕየ

መላለዪ *

ኣብቲ “ብርቱዕ ጸበባ” ናይ ቀረባ ኣዕሩኽ ኬድልዩና እዮም (ሕጡብ ጽሑፍ 2 ርአ) *

1-2. ብመሰረት 1 ጴጥሮስ 4:7, 8፡ እንታይ እዩ ንዜጋጥመና ጸበባ ኽንጻወር ዚሕግዘና፧

ናብ መወዳእታ እዘን “ዳሕሮት መዓልትታት” ብዝቐረብና መጠን፡ ከቢድ ጸበባ ኼጋጥመና ይኽእል እዩ። (2 ጢሞ. 3:1) ንኣብነት፡ ሓንቲ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ እትርከብ ሃገር ድሕሪ ጐስጓስ ምርጫ ብማሕበራዊ ዘይምርግጋእን ብናዕብን ተናወጸት። ንልዕሊ ሽዱሽተ ወርሒ ድማ፡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዓውዲ ዂናት ኣብ ዚካየደሉ ቦታ ስለ ዝነበሩ፡ ብናጻ ኺንቀሳቐሱ ኣይክእሉን እዮም ነይሮም። እሞ ደኣ ነቲ ጸገማት ንምጽዋር እንታይ ሓጊዝዎም፧ ገሊኦም ኣብ ኣባይቲ እቶም ኣብ ዝሓሸ ኸባቢ ዚነብሩ ኣሕዋቶም ተዓቚቦም ነይሮም እዮም። ሓደ ሓው፡ “ኣብ ትሕቲ እቲ ዅነታት፡ ፈተውቲ ዘለዉኒ ምዃኖም ኣሐጒሱኒ እዩ። ንሓድሕድና ኽንተባባዕ ክኢልና ኢና” ኢሉ እዩ።

2 እቲ “ብርቱዕ ጸበባ” ምስ ጀመረ፡ ዜፍቅሩና ናይ ቀረባ ፈተውቲ ዘለዉና ምዃንና ኼሐጕሰና እዩ። (ራእ. 7:14) እምበኣር፡ ውዓል ሕደር ከይበልና ሕጂ ድልዱል ዕርክነት ከነማዕብል ኣሎና። (1 ጴጥሮስ 4:7, 8 ኣንብብ።) ካብቲ ኤርምያስ ዘሕለፎ ተመክሮ ድማ ብዙሕ ክንምሃር ንኽእል ኢና፣ ንሱ እውን እንተ ዀነ፡ ኣብቲ ቕድሚ ጥፍኣት የሩሳሌም ዝነበረ እዋን ሓገዝ ፈተውቱ ኣድልይዎ ነይሩ እዩ። * እሞ ደኣ ኸመይ ጌርና ኢና ንኤርምያስ ክንመስሎ እንኽእል፧

ካብ ኤርምያስ ተምሃር

3. (ሀ) ኤርምያስ ገዛእ ርእሱ ንምፍላይ እንታይ ምኽንያት ነይርዎ፧ (ለ) ኤርምያስ ነቲ ጸሓፊኡ ዝዀነ ባሩኽ እንታይ ገሊጹሉ፧ እዚኸ እንታይ ኣፍርዩ፧

3 ኤርምያስ እንተ ወሓደ ን40 ዓመት ኣብ መንጎ ዘይእሙናት ህዝቢ ይነብር ነይሩ እዩ፣ ገለ ኻባታቶም ከኣ ጐረባብቱን እቶም ደቂ ዓዱ ዝዀኑ ሰብ ዓናቶትን እዮም ነይሮም። (ኤር. 11:21፣ 12:6) ንሱ ግና ገዛእ ርእሱ ኣይፈለየን። መሕልፎ እኳ ደኣስ፡ ነቲ እሙን ጸሓፊኡ ዝነበረ ባሩኽ ስምዒቱ ገሊጹ እዩ፣ ንሕና እውን ነዚ ስምዒቱ ንፈልጦ ኢና። (ኤር. 8:21፣ 9:1፣ 20:14-18፣ 45:1) ባሩኽ ነቲ ታሪኻዊ ዛንታ ኤርምያስ ኪጽሕፍ ከሎ፡ ኣብ መንጎኦም ፍቕርን ኣኽብሮትን ከም ዝማዕበለ ኽንግምት ንኽእል ኢና።—ኤር. 20:1, 2፣ 26:7-11

4. የሆዋ ንኤርምያስ እንታይ ኪገብር እዩ ሓቲትዎ፧ እዚ ዕዮ እዚኸ ነቲ ኣብ መንጎ ኤርምያስን ባሩኽን ዝነበረ ዕርክነት ዘደልደሎ ብኸመይ እዩ፧

4 ንሓያሎ ዓመታት፡ ኤርምያስ ንእስራኤላውያን ብዛዕባ እቲ ኣብ የሩሳሌም ዚኸውን ነገር ብትብዓት ኣጠንቂቕዎም እዩ። (ኤር. 25:3) የሆዋ ነቶም ህዝቢ ናብ ንስሓ ንምምጻእ ኣብ ዝገበሮ ተወሳኺ ፈተነ፡ ንኤርምያስ፡ ነቲ መጠንቀቕታታቱ ኣብ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ኪጽሕፎ ኣዚዝዎ እዩ። (ኤር. 36:1-4) ኤርምያስን ባሩኽን ነዚ ኣዋርሕ ኪወስድ ዚኽእል ኣምላኽ ዝሃቦም ዕዮ ብቐረባ ኺዓይዩ ኸለዉ፡ ንሓድሕዶም እምነት ዜደልድል ዝርርባት ገይሮም ኪዀኑ ኣለዎም።

5. ባሩኽ ንኤርምያስ ናይ ቀረባ ዓርኩ ምዃኑ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

5 ትሕዝቶ እታ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ንሰባት ዚንገረሉ ግዜ ምስ ኣኸለ፡ ኤርምያስ ነቲ መልእኽቲ ንምብጻሕ፡ ንዓርኩ ባሩኽ እዩ ሕድሪ ሂብዎ። (ኤር. 36:5, 6) ባሩኽ ድማ ነቲ ሓደገኛ ዕዮ ብትብዓት ዓየዮ። ባሩኽ ናብ ኣጸድ ቤተ መቕደስ ከይዱ ኸምቲ እተባህሎ ምግባሩስ ንኤርምያስ ክሳዕ ክንደይ ከም ዘሐበኖ ኽትግምቶዶ ትኽእል፧ (ኤር. 36:8-10) መሳፍንቲ ይሁዳ ኸኣ ብዛዕባ እቲ ባሩኽ ዝገበሮ ሰምዑ፣ ነታ ጥቕልልቲ መጽሓፍ እውን ዓው ኢሉ ኸንብበሎም ኣዘዝዎ። (ኤር. 36:14, 15) ድሕሪኡ፡ እቶም መሳፍንቲ ነቲ ኤርምያስ ዝበሎ ነገራት ንንጉስ ዮያቂም ኪነግርዎ ወሰኑ። ብሓልዮት ተደሪኾም ግና ንባሩኽ፡ “ኪድ እሞ ንስኻን ኤርምያስን ተሓብኡ፣ ኣበይ ከም ዘለኹም ከኣ ሓደ እኳ ኣይፍለጥ” በልዎ። (ኤር. 36:16-19) እዚ ጽቡቕ ምኽሪ እዩ ነይሩ!

6. ኤርምያስን ባሩኽን ተቓውሞ ምስ ኣጋጠሞም እንታይ እዮም ገይሮም፧

6 ንጉስ ዮያቂም ነቲ ኤርምያስ ዝጸሓፎ ቓላት ምስ ሰምዖ፡ ኣዝዩ ስለ እተቘጥዐ፡ ነታ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ኣንደዳ፡ ኤርምያስን ባሩኽን ኪእሰሩ እውን ኣዘዘ። ኤርምያስ ግና በዚ ኣይተዳህለን። ካልእ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ወሲዱ ንባሩኽ ሃቦ፣ ኤርምያስ መልእኽቲ የሆዋ እናተዛረበ እውን ባሩኽ “ንዅለን እተን ኣብታ ዮያቂም ንጉስ ይሁዳ ብሓዊ ዘንደዳ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ዝነበራ ቓላት ጸሓፈን።”—ኤር. 36:26-28, 32

7. ኤርምያስን ባሩኽን ብሓባር ኪዓይዩ ኸለዉ፡ እንታይ እዮም ኣማዕቢሎም ኪዀኑ ዘለዎም፧

7 ብሓባር ብሓደ ፈተና ዚሓልፉ ሰባት፡ መብዛሕትኡ ግዜ ድልዱል ርክብ ይምስርቱ እዮም። ስለዚ፡ ኤርምያስን ባሩኽን ነታ እቲ ኽፉእ ንጉስ ዮያቂም ዘንደዳ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ንምትካእ ብሓባር ኪዓይዩ ኸለዉ፡ ንሓድሕዶም ብዝያዳ ኸም እተፋለጡን ከም እተቐራረቡን ክንግምት ንኽእል ኢና። ካብቲ እዞም ክልተ እሙናት ሰባት ዝሓደግዎ ኣብነት ብኸመይ ክንጥቀም ንኽእል፧

ምስ ሰባት ልቢ ንልቢ ተዛራረብ

8. እንታይ ነገር እዩ ናይ ቀረባ ዕርክነት ከይንምስርት ዕንቅፋት ኪዀነና ዚኽእል፧ ስለምንታይ ኢናኸ ኽንሕለል ዘይብልና፧

8 ሓደ ሰብ ኣብ ዝሓለፈ ግዜያት እንተ በዲሉና፡ ውሽጣዊ ስምዒትና ንኻልኦት ምንጋር ይኸብደና ይኸውን። (ምሳ. 18:19, 24) ወይ ከኣ ጥብቂ ዕርክነት ንምምዕባል ዚኣክል ግዜን ጕልበትን ከም ዘይብልና ዀይኑ ይስምዓና ይኸውን። ኰይኑ ግና፡ ክንሕለል የብልናን። ፈተናታት ምስ መጸ ኣሕዋትና ኣብ ጐድንና ኪቘሙ ንደሊ እንተ ዄንና፡ ሕጂ ሓሳባትናን ስምዒታትናን ንምግላጽ ክንኣምኖም ኣሎና። እዚ ድማ ናይ ሓቂ ዕርክነት ናብ ምምስራት ዚመርሕ ኣገዳሲ ስጕምቲ እዩ።—1 ጴጥ. 1:22

9. (ሀ) የሱስ ንኣዕሩኹ ኸም ዚኣምኖም ብኸመይ እዩ ኣርእይዎም፧ (ለ) ክፉት ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ ሃዋህው ንርክባት ዕምቈት ከም ዚህልዎ ዚገብር ብኸመይ እዩ፧ ኣብነት ሃብ።

9 የሱስ ንኣዕሩኹ ሓሳባቱ ብምግላጽ፡ ከም ዚኣምኖም ኣርእይዎም እዩ። (ዮሃ. 15:15) ንሕና እውን ንፈተውትና፡ ሓጐስናን ሻቕሎትናን ጓሂናን ብምግላጽ፡ ንየሱስ ክንመስሎ ንኽእል ኢና። እምበኣር፡ ሰብ ኪዛረበካ ኸሎ፡ ጽን ኢልካ ስማዕ፣ ከምኡ ምስ እትገብር፡ ብዙሕ ሓባራዊ ሓሳባትን ስምዒታትን ሸቶታትን ከም ዘሎኩም ክትፈልጥ ትኽእል ኢኻ። ንሓንቲ ኣብ 20ታት ዕድሚኣ እትርከብ ሲንዲ ዘጋጠማ እስከ ንርአ። ንሳ ምስ ሓንቲ ኣብ 60ታት ዕድሚኣ እትርከብ ሜሪ-ሉዊስ ዝስማ ፈላሚት ተመሓዘወት። ሲንዲን ሜሪ-ሉዊስን ሓሙስ ሓሙስ ንግሆ ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ብሓባር የገልግላ እየን፣ ብዛዕባ እተፈላለየ ጕዳያት እውን ናጻ ዀይነን የዕልላ እየን። ብዛዕባ እዚ ኸኣ ሲንዲ ኸምዚ ትብል፦ “ምስ ፈተውተይ ዕምቈት ዘለዎ ዕላል ምዕላል እፈቱ እየ፣ ስለምንታይሲ፡ ከምኡ ምግባር ብዝያዳ ኽፈልጦምን ክርድኦምን ይሕግዘኒ እዩ።” ዕርክነት ኪዕምብብ እንተ ዀይኑ፡ ክፉት ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ ሃዋህው ኪህሉ ኣለዎ። ንስኻ እውን ከም ሲንዲ ምስ ሰባት ባህ ዜብል ክፉት ዝርርባት ትገብር እንተ ዄንካ፡ ምሳታቶም ዘሎካ ዕርክነት ኪዓቢ እዩ።—ምሳ. 27:9

ምስ ፈተውትኻ ብሓባር ዕየ

ናይ ቀረባ ኣዕሩኽ ኣብ ኣገልግሎት ብሓባር ይዓይዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 10 ርአ)

10. ብመሰረት ምሳሌ 27:17፡ ኣብ ጐድኒ ክርስትያናት ብጾትና ዄንና ምዕያይና እንታይ ፍረ ኺህልዎ ይኽእል፧

10 ከም ኤርምያስን ባሩኽን፡ ንሕና እውን ኣብ ጐድኒ ክርስትያናት ብጾትና ዄንና እንተ ዓዪናን ተፈታዊ ባህርያቶም ብዓይንና እንተ ርኢናን፡ ካባታቶም ንምሃርን ናባታቶም ብዝያዳ ንቐርብን ኢና። (ምሳሌ 27:17 ኣንብብ።) ንኣብነት፡ ኣብ ኣገልግሎት ከለኻ፡ ሓደ ዓርክኻ ብትብዓት ንእምነቱ ኺጣበቕ ወይ ብዛዕባ የሆዋን ዕላማታቱን ካብ ልቢ ብዝነቐለ እምነት ኪዛረብ ምስ ረኣኻ፡ እንታይ ይስምዓካ፧ መብዛሕትኡ ግዜ ብዝያዳ ናብኡ ትስሓብ ኢኻ።

11-12. ኣብ ኣገልግሎት ምስታፍ ንዕርክነትና ንምድልዳል ብኸመይ ኪሕግዝ ከም ዚኽእል ኣብነት ሃብ።

11 ኣብ ኣገልግሎት ብሓባር ምዕያይ ብኸመይ ከም ዜቀራርብ ዜርኢ ኽልተ ተመክሮ እስከ ንርአ። 23 ዓመት ዝዕድሚኣ ኣደሊን፡ ካንዲስ ንዝስማ መሓዛኣ ሳሕቲ ኣብ ዚዕየ ኽሊ ኸይደን ኬገልግላ ሓተተታ። ብዛዕባ እዚ ኣደሊን፡ “ብዝያዳ ኽንነቓቓሕን ንኣገልግሎት ብዝያዳ ኽንፈትዎን ኢና ደሊና ኔርና። መንፈሳዊ መተባብዒ የድልየና ነይሩ እዩ” ትብል። እሞ ደኣ ብሓባር ብምዕያየን ብኸመይ ተጠቒመን፧ ኣደሊን ከምዚ ትብል፦ “መዓልቲ ኽትዓርብ ከላ፡ ከመይ ከም እተሰምዓና፡ ብዛዕባ እቲ ዝገበርናዮ ዝርርባት እንታይ ከም ዝተንከየና፡ ኣብ ኣገልግሎትና ድማ መምርሒ የሆዋ ብኸመይ ከም ዝረኣና ንመያየጥ ኔርና ኢና። ክልቴና ነዚ ዓሚቝ ምይይጣት ፈቲናዮ ኢና፡ ንሓድሕድና እውን ብዝያዳ ተፋሊጥና ኢና።”

12 ኣብ ፈረንሳ ዚነብራ ላይላን ማሪያንን ዚብሃል ኽልተ ንጽል ኣሓት ኣብታ ሸበድበድ ዝመልኣ ባንጒ እትብሃል ርእሲ ኸተማ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ ንሓሙሽተ ሰሙን ኪሰብካ ኸዳ። ላያላ ከምዚ ኢላ ተዘክሮኣ ትገልጽ፦ “ኣነን ማሪያንን ጸገማት ኣጋጢሙና እዩ፣ ጽቡቕ ሓሳብ ንሓሳብ ስለ እንለዋወጥን ብሓቂ ስለ እንፋቶን ግና፡ ዕርክነትና ብዝያዳ ደልዲሉ እዩ። ነቲ ማሪያን ዘለዋ ተዓጻጻፍነትን ነቶም ደቂ እቲ ዓዲ ዘለዋ ፍቕርን ኣብ ኣገልግሎት ዘለዋ ቕንኣትን ምስ ተዓዘብኩ፡ ንዓኣ ዘሎኒ ኣድንቖት ወሲኹ እዩ።” ነዚ ጥቕምታት እዚ ንምርካብ፡ ናብ ወጻኢ ሃገር ክትከይድ ኣየድልየካን እዩ። ምስ ሓውካ ወይ ሓብትኻ ኣብ ክልኹም ከተገልግሉ ኸለኹም፡ ንሓውካ ወይ ንሓብትኻ ብዝያዳ ንምፍላጥን ኣብ መንጎኹም ዘሎ ምሕዝነት ንምድልዳልን ኣጋጣሚ ኣሎካ።

ኣብ ኣወንታዊ ኣተኵር፡ ይቕረ በሃሊ እውን ኹን

13. ምስ ፈተውትና ብቐረባ ኽንዓዪ ኸለና፡ እንታይ ጸገም እዩ ኼጋጥመና ዚኽእል፧

13 ሓድሓደ ግዜ፡ ምስ ፈተውትና ብቐረባ ኽንዓዪ ኸለና፡ ብርታዐኦም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ድኽመቶም እውን ንርኢ ኢና። ነዚ ጸገም እዚ ንምስጋሩ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧ ኣብዚ እውን ኣብነት ኤርምያስ እስከ ንርአ። ጽቡቕ ጐድኒ ሰባት ኪርእን ጕድለቶም ዕሽሽ ኪብልን ዝሓገዞ እንታይ እዩ፧

14. ኤርምያስ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ እዩ ፈሊጡ፧ እዚኸ ብኸመይ ሓጊዝዎ፧

14 ኤርምያስ ነታ ብስሙ እትጽዋዕ መጽሓፍ ጽሒፍዋ እዩ፣ ነተን 1 ነገስትን 2ይ ነገስትን ዚብሃላ መጻሕፍቲ ዝጸሓፈን ንሱ ኸይኰነ ኣይተርፍን እዩ። እዚ ዕዮ እዚ ኸኣ የሆዋ ንዘይፍጹማት ሰባት ክሳዕ ክንደይ ምሕረት ከም ዚገብረሎም ከስተብህል ሓጊዝዎ ኪኸውን ኣለዎ። ንኣብነት፡ ንጉስ ኣከኣብ ካብ ክፉእ ግብርታቱ ምስ ተነስሐ፡ የሆዋ ንኣከኣብ፡ ብዘለዉ ቤተ ሰቡ ኪዅስተሩ ኸለዉ ኻብ ምርኣይ ሰቲርዎ እዩ። (1 ነገ. 21:27-29) ብተመሳሳሊ ድማ፡ ምናሴ ንየሆዋ ኼጕሂ ኢሉ ኻብቲ ኣከኣብ ዝገበሮ ነገራት ዚገድድ ከም ዝገበረ ኤርምያስ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ይኹን እምበር፡ ምናሴ ስለ እተነስሐ፡ የሆዋ ምሒርዎ እዩ። (2 ነገ. 21:16, 17፣ 2 ዜና 33:10-13) ኤርምያስ ነዚ ዛንታታት እዚ ምፍላጡ፡ ምስ ናይ ቀረባ ኣዕሩኹ ኣብ ዘለዎ ርክብ ንትዕግስትን ንምሕረትን ኣምላኽ ኪቐድሕ ሓጊዝዎ ኪኸውን ኣለዎ።—መዝ. 103:8, 9

15. ባሩኽ ካብ ዕዮኡ ናብ ካልእ ኣብ ዘስገለሉ እዋን፡ ኤርምያስ ከም ናይ የሆዋ ዝበለ ትዕግስቲ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

15 ሕጂ እምበኣር፡ ባሩኽ ንእተወሰነ ግዜ ኻብ ዕዮኡ ናብ ካልእ ምስ ኣስገለ፡ ኤርምያስ ብኸመይ ከም ዝሓዞ እስከ ንርአ። ኤርምያስ ብዓርኩ ባሩኽ ቀልጢፉ ተስፋ ኣብ ክንዲ ዚቘርጽ፡ ካብ ኣምላኽ ዝመጸ መልእኽቲ ብለውሃት ግናኸ ብግልጺ ብምንጋር ሓጊዝዎ እዩ። (ኤር. 45:1-5) ካብዚ ዛንታ እዚ እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧

ናይ ቀረባ ኣዕሩኽ ብናጻ ይቕረ ይባሃሃሉ (ሕጡብ ጽሑፍ 16 ርአ)

16. ኣብ ምሳሌ 17:9 ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ ዕርክነትና ንምዕቃብ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

16 መሸም ካብ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ፍጽምና ኽንጽበ ኣይንኽእልን ኢና። ስለዚ፡ ሓንሳእ ምሳታቶም ናይ ቀረባ ዕርክነት ምስ መስረትና፡ ነቲ ሓድሽ ዝመስረትናዮ ርክብ ንምዕቃቡ ኽንጽዕር ኣሎና። ኣዕሩኽና ጌጋ እንተ ገይሮም፡ ኣብ ቃል ኣምላኽ እተመስረተ ምኽሪ ብለውሃት ግናኸ ብግልጺ ኽንህቦም የድሊ ይኸውን። (መዝ. 141:5) እንተ ጐዲኦምና ድማ፡ ይቕረ ኽንብለሎም ኣሎና። ሓንሳእ ይቕረ ምስ በልናሎም ከኣ፡ ኣብ መጻኢ ነቲ በደል መሊስና ኸይነልዕሎ ኽንጥንቀቕ ኣሎና። (ምሳሌ 17:9 ኣንብብ።) ኣብዚ ጽንኩር ግዜያት እዚ ኣብ ድኽመት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዘይኰነስ፡ ኣብ ብርታዐኦም ከነተኵር ኣሎና! ከምኡ እንተ ጌርና፡ ነቲ ኣብ መንጎና ዘሎ ርክብ የደልድሎ እዩ። ኣብቲ ብርቱዕ ጸበባ እውን ናይ ቀረባ ኣዕሩኽ ኬድልዩና እዮም።

ብተኣማንነት ኣፍቅር

17. ኤርምያስ ኣብ ግዜ ጭንቂ ናይ ሓቂ ፈታዊ ምዃኑ ብኸመይ እዩ ኣርእዩ፧

17 ነብዪ ኤርምያስ ኣብ ግዜ ጭንቂ ናይ ሓቂ ፈታዊ ምዃኑ ኣርእዩ እዩ። ንኣብነት፡ ሓደ እዋን ኤርምያስ ኣብ ሓንቲ ጭቃ ዝነበራ መዕቘር ማይ ተደርበየ። ሽዑ ዔቤድ-ሜሌክ ዚብሃል ኣገልጋሊ ቤተ መንግስቲ ንኤርምያስ ካብ ሞት ኣድሓኖ። ግናኸ፡ ዔቤድ-ሜሌክ እውን ብሰንኪ እዚ ተግባሩ እዚ፡ ካብቶም መሳፍንቲ ጕድኣት ከይመጾ ፈሪሁ ነይሩ እዩ። ኤርምያስ ብዛዕባ እዚ ምስ ፈለጠ፡ ዓርኩ ባዕሉ ነቲ ጸገም ከም ዚኽእሎ ሓሲቡ ስቕ ኣይበለን። ተኣሲሩ እኳ እንተ ነበረ፡ ነቲ ኻብ የሆዋ ዝመጸ ዜጸናንዕ ቃል ንዓርኩ ዔቤድ-ሜሌክ ንምንጋር ዚከኣሎ ገይሩ እዩ።—ኤር. 38:7-13፣ 39:15-18

ናይ ቀረባ ኣዕሩኽ ንእተሸገሩ ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ይሕግዙ (ሕጡብ ጽሑፍ 18 ርአ)

18. ንፈታዊና ጸገም ኬጋጥሞ ኸሎ፡ ብመሰረት ምሳሌ 17:17፡ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

18 ሎሚ፡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን በበይኑ ዝዓይነቱ ጸገማት የጓንፎም እዩ። ንኣብነት፡ ንብዙሓት ባህርያዊ ሓደጋ ወይ ሰብ ዝሰርሖ ሓደጋ የጋጥሞም እዩ። ከምኡ ኼጋጥም ከሎ፡ ገሌና ናብ ቤትና ኽንቅበሎም ንኽእል ንኸውን። ገሌና ድማ ብገንዘብ ክንሕግዝ ንኽእል ንኸውን። ዝዀነ ዀይኑ ግና፡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ሓገዝ ምእንቲ ኺረኽቡ፡ ኵላትና ንየሆዋ ኽንልምኖ ንኽእል ኢና። ሓደ ሓውና ዜጕሂ ነገር እንተ ኣጋጢምዎ፡ እንታይ ከም እንብል ወይ እንታይ ከም እንገብር ኣይንፈልጥን ንኸውን። ኵላትና ግና ብዙሕ ክንሕግዝ ንኽእል ኢና። ንኣብነት፡ ምስ ፈታዊና ግዜ ኸነሕልፍ ንኽእል ኢና። ኪዛረበና ኸሎ፡ ብድንጋጽ ክንሰምዖ ንኽእል ኢና። ንዓና ብፍላይ ዘጸናንዓትና ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ከነካፍሎ ንኽእል ኢና። (ኢሳ. 50:4) እቲ ልዕሊ ዅሉ ዜገድስ ነገር፡ ንፈተውትና ደገፍና ኣብ ዜድልዮም ግዜ፡ ኣብ ጐድኖም ምዃንና እዩ።—ምሳሌ 17:17 ኣንብብ።

19. ሕጂ ድልዱል ዕርክነት ምምዕባልና ኣብ መጻኢ ዚጠቕመና ብኸመይ እዩ፧

19 ሕጂ ምስ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ድልዱል ርክብ ንምምስራትን ንምዕቃቡን ቈራጽነት ክንገብር ኣሎና። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ጸላእትና ብሓሶትን ብግጉይ ወረን ገይሮም ኪኸፋፍሉና ኺፍትኑ እዮም። ንሓድሕድና ኸም ዘይንተኣማመንን ከም ዘይንደጋገፍን ኪገብሩና ኺፍትኑ እዮም። ጻዕርታቶም ግና ከንቱ ኪኸውን እዩ። ነታ ኣብ መንጎና ዘላ ፍቕሪ ኺበትክዋ ኣይኪኽእሉን እዮም። ዝገበሩ እኳ እንተ ገበሩ፡ ነቲ ንሕና ዝመስረትናዮ ዕርክነት ኣይኪዘርግዎን እዮም። መሕልፎ እኳ ደኣስ፡ ዕርክነትና ንመወዳእታ እዚ ስርዓት እዚ ሰጊሩ ንዘለኣለም ኪቕጽል እዩ!

መዝሙር 24 ንዑናይ ናብ ከረን የሆዋ

^ ሕ.ጽ. 5 መወዳእታ እናቐረበ ምስ ከደ፡ ኵላትና ምስ ክርስትያናት ብጾትና ዘሎና ርክብ ከነደልድል የድልየና እዩ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ካብቲ ኤርምያስ ዘሕለፎ ተመክሮ እንታይ ክንምሃር ከም እንኽእል ክንምርምር ኢና። ብዘይካዚ፡ ሎሚ ጥብቂ ዕርክነት ምምስራትና፡ ኣብ ግዜ ፈተና ብኸመይ ከም ዚሕግዘና እውን ክንርኢ ኢና።

^ ሕ.ጽ. 2 ኣብ መጽሓፍ ኤርምያስ ዘሎ ፍጻመታት፡ መስርዕ ግዜ ሓልዩ ኣይኰነን ተጻሒፉ።

^ ሕ.ጽ. 57 መግለጺ ስእሊ፦ እዛ ስእሊ እዚኣ ኣብቲ “ብርቱዕ ጸበባ” እንታይ ኪኸውን ከም ዚኽእል ተርኢ። ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ ዋልድቢት ይእከቡ። ኣብቲ ግዜ ፈተና ኸኣ ንሓድሕዶም ይጸናንዑ። ኣብቲ ስዒቡ ዘሎ ሰለስተ ስእሊ፡ እቶም ኣሕዋትን ኣሓትን እቲኦም፡ እቲ ብርቱዕ ጸበባ ቕድሚ ምጅማሩ ድልዱል ዕርክነት ይምስርቱ።