ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 47

ካብ መጽሓፍ ዘሌዋውያን እንምሃሮ ትምህርቲ

ካብ መጽሓፍ ዘሌዋውያን እንምሃሮ ትምህርቲ

“ኵሉ ቕዱስ ጽሑፍ ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ፡ ንምምሃር . . . ከኣ ዚጠቅም እዩ።”—2 ጢሞ. 3:16

መዝሙር 98 ቅዱሳት ጽሑፋት—ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ

መላለዪ *

1-2. ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት ብመጽሓፍ ዘሌዋውያን ኪግደሱ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧

ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ ብዕድመ ዝነኣሰ ዓርኩ ጢሞቴዎስ፡ “ኵሉ ቕዱስ ጽሑፍ ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ፡ ንምምሃር . . . ከኣ ዚጠቅም እዩ” ኢሉ ኣዘኻኺርዎ እዩ። (2 ጢሞ. 3:16) ሓንቲ ኻብቲ ቕዱስ ጽሑፍ ከኣ፡ መጽሓፍ ዘሌዋውያን እያ። ብዛዕባ እዛ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ መጽሓፍ እንታይ ርእይቶ ኣሎካ፧ ገሊኦም ሰባት ኣብዚ ግዜና ኺዓዪ ዘይክእል ሕግታት ዝሓዘት መጽሓፍ ገይሮም ይርእይዋ እዮም፣ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ግና ካብዚ ተፈልየ ርእይቶ እዩ ዘለዎም።

2 ዘሌዋውያን ኣስታት 3,500 ዓመት ይገብር እያ ተጻሒፋ፣ ይኹን እምበር፡ የሆዋ “ንትምህርትና” ኽትከውን ኢሉ ዓቂቡልና እዩ። (ሮሜ 15:4) ዘሌዋውያን ብዛዕባ ኣተሓሳስባ የሆዋ ስለ እትገልጸልና፡ ተሃንጢና ኽንምርምራ ኣሎና። ከም ሓቂ እኳ ደኣ፡ ካብዛ ብድራኸ መንፈስ እተጻሕፈት መጽሓፍ ብዙሕ ትምህርቲ ኽንርከብ ንኽእል ኢና። ኣርባዕተ ኻብኡ እስከ ንርአ።

ከመይ ጌርና ኢና ስምረት የሆዋ እንረክብ፧

3. ኣብታ ኣብ ዓመት ሓንሳእ እትብዓል መዓልቲ ዕርቂ ስለምንታይ እዩ መስዋእቲ ዚቐርብ ነይሩ፧

3 ቀዳማይ ትምህርቲ፦ መስዋእትና ቕቡል ምእንቲ ኪኸውን፡ ንሕና ስምረት የሆዋ ኽንረክብ ኣሎና። ኣብታ ኣብ ዓመት ሓንሳእ እትብዓል መዓልቲ ዕርቂ፡ ህዝቢ እስራኤል ተኣኪቦም መስዋእቲ እንስሳታት ይስውኡ ነይሮም እዮም። እቲ መስዋእቲ ኸኣ ንእስራኤላውያን፡ ካብ ሓጢኣቶም ኪነጽሁ ኸም ዜድልዮም የዘኻኽሮም ነይሩ እዩ። እቲ ሊቀ ኻህናት በታ መዓልቲ እቲኣ ናብታ ቕድስተ ቕዱሳት ንመስዋእቲ ዚኸውን ደም ሒዙ ቕድሚ ምእታዉ ግና፡ ካልእ ነገር ኪገብር ነይርዎ እዩ፣ እዚ ድማ ካብ ሕድገት ሓጢኣት እቲ ህዝቢ ንላዕሊ ኣገዳስነት ነይርዎ እዩ።

(ሕጡብ ጽሑፍ 4 ርአ) *

4. ኣብ ዘሌዋውያን 16:12, 13 ተጠቒሱ ኸም ዘሎ፡ እቲ ሊቀ ኻህናት ብመዓልቲ ዕርቂ ናብታ ቕድስተ ቕዱሳን ንፈለማ ግዜ ኣብ ዚኣትወሉ እዋን እንታይ እዩ ዚገብር ነይሩ፧ (ኣብ ገበር ዘላ ስእሊ ርአ።)

4 ዘሌዋውያን 16:12, 13 ኣንብብ። ነቲ በታ መዓልቲ ዕርቂ ዚግበር እሞ ኣብ ኣእምሮና ንስኣሎ፦ እቲ ሊቀ ኻህናት ናብቲ ማሕደር ይኣቱ። እዚ ኻብቲ በታ መዓልቲ እቲኣ ናብ ቅድስተ ቕዱሳት ሰለስተ ሳዕ ዚኣትወሉ ኣጋጣሚ፡ እቲ ቐዳማይ እዩ። ብሓደ ኢዱ ጥዑም ዝጨናኡ ዕጣን ዝመልአ ኣቕሓ ሒዙ ኣሎ፡ በቲ ሓደ ኢዱ ድማ ጓህሪ ዝመልአ መትሓዝ ሓዊ ሒዙ ኣሎ። ናብቲ ነታ ቕድስተ ቕዱሳን ዝሸፈነ መጋረጃ ምስ ቀረባ፡ ሓንሳእ ደው ይብል። ብዓብዪ ኣኽብሮት ድማ ናብታ ቕድስተ ቕዱሳን ኣትዩ ኣብ ቅድሚ ታቦት ኪዳን ይቐውም። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ብምሳልያዊ መገዲ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽ እዩ ቘይሙ ዘሎ! ድሕርዚ፡ እቲ ኻህን ነቲ ቕዱስ ዕጣን ተጠንቂቑ ናብቲ ጓህሪ ይኽዕዎ፡ እታ ኽፍሊ ኸኣ ጥዑም ብዝጨናኡ ሽታ ትመልእ። * ጸኒሑ፡ ደም መስዋእቲ ሓጢኣት ሒዙ መሊሱ ናብታ ቕድስተ ቕዱሳን ይኣቱ። እምበኣር፡ ደም መስዋእቲ ሓጢኣት ቅድሚ ምቕራቡ፡ ዕጣን ከም ዚዓጥን ኣስተብህል።

5. ካብቲ ዕጣን ኣብ መዓልቲ ዕርቂ ዚዕጠነሉ ኣገባብ እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧

5 ካብቲ ዕጣን ኣብ መዓልቲ ዕርቂ ዚዕጠነሉ ኣገባብ እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧ እሙናት ኣምለኽቲ የሆዋ ዜቕርብዎ ቕቡል ጸሎት ከም ዕጣን ምዃኑ መጽሓፍ ቅዱስ ይሕብር እዩ። (መዝ. 141:2፣ ራእ. 5:8) እቲ ሊቀ ኻህናት ነቲ ዕጣን ናብ ቅድሚ የሆዋ ብዓብዪ ኣኽብሮት የቕርቦ ምንባሩ ኣይንረስዕ። ንሕና እውን ብተመሳሳሊ ብጸሎት ናብ የሆዋ ኽንቀርብ ከለና፡ ብዓብዪ ኣኽብሮት ኢና ናብኡ እንቐርብ። ንዕኡ ኣኽብሮታዊ ፍርሃት ኣሎና። እቲ ፈጣሪ ዅሉ ፍጥረት ከምቲ ሕጻን ንኣቦኡ ዚቐርቦ ጌርና ናብኡ ኽንጽልን ንዕኡ ኽንቀርቦን ምፍቃዱ ብዙሕ ነመስግኖ ኢና። (ያእ. 4:8) ከም ኣዕሩኹ ገይሩ ይቕበለና እዩ። (መዝ. 25:14) ነዚ ፍሉይ መሰል እዚ ኣኽቢርና ስለ እንርእዮ፡ ከነጕህዮ ኸቶ ኣይንደልን ኢና።

6. ካብቲ እቲ ሊቀ ኻህናት፡ መስዋእትታት ቅድሚ ምቕራቡ፡ ዕጣን ዚዓጥነሉ ዝነበረ ስርዓት እንታይ ንምሃር፧

6 እቲ ሊቀ ኻህናት፡ መስዋእትታት ቅድሚ ምቕራቡ፡ ዕጣን ይዓጥን ምንባሩ እውን ኣይንረስዕ። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ መስዋእትታት ኣብ ዜቕርበሉ እዋን፡ ስምረት ኣምላኽ ከም ዚረክብ የረጋግጽ ነይሩ እዩ። ካብዚ እንታይ ንምሃር፧ የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ህይወቱ መስዋእቲ ገይሩ ቕድሚ ምቕራቡ፡ ካብ ድሕነት ደቂ ሰብ ንላዕሊ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገር ኪገብር ነይርዎ እዩ። እዚ እንታይ እዩ፧ ኣብ ህይወቱ ብንጽህናን ብተኣማንነትን ብምምልላስ፡ የሆዋ ነቲ መስዋእቱ ምእንቲ ኪቕበሎ መገዲ ኼዳሉ ነይርዎ እዩ። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ብመገዲ የሆዋ ምምልላስ፡ ቅኑዕ ኣነባብራ ህይወት ምዃኑ መርትዖ ኣቕሪቡ እዩ። ልዑላውነት ወይ ኣገዛዝኣ ኣቦኡ ቕኑዕ ወይ ፍትሓዊ ምዃኑ ኸኣ መረጋገጺ ሂቡ እዩ።

7. ብዘሎ ምድራዊ ህይወት የሱስ ንኣቦኡ ባህ ዜብል ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧

7 የሱስ ኣብ ብዘሎ ምድራዊ ህይወቱ፡ ነቲ ቕኑዕ ስርዓታት የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ሓልይዎ እዩ። ዝዀነ ይኹን ፈተና፡ ዋላ እውን ዜሳቒ ሞት፡ ነቲ ንቕኑዕነት ኣገዛዝኣ ኣቦኡ ንምርግጋጽ ዝነበሮ ድሌት ኣየዳኸሞን። (ፊል. 2:8) ፈተናታት ምስ ኣጋጠሞ፡ “ብብርቱዕ ኣውያትን ንብዓትን” ጸሎት ኣቕሪቡ እዩ። (እብ. 5:7) እቲ ብውዕዉዕ ስምዒት ዘቕረቦ ጸሎቱ ኸኣ፡ ካብ እሙን ልቢ ዝፈልፈለ እዩ ነይሩ፡ ነቲ ብተኣዛዝነት ኪመላለስ ዝነበሮ ድሌቱ እውን ኣደልዲልዎ እዩ። የሆዋ ንጸሎት የሱስ ጥዑም ከም ዝጨናኡ ዕጣን ገይሩ እዩ ርእይዎ። ብዘሎ ናብራ ህይወት የሱስ ንኣቦኡ ብዙሕ ባህ ኣቢልዎ እዩ፣ ብእኡ ኣቢሉ እውን ልዑላውነት ኣምላኽ ቅኑዕ ምዃኑ ኣረጋጊጹ እዩ።

8. ከመይ ጌርና ኢና ንየሱስ ኣብ ናብራ ህይወቱ ኽንመስሎ እንኽእል፧

8 ንሕና እውን ኣብ ህይወትና ብንጽህና እንተ ተመላሊስናን ንመገድታትን ሕግታትን የሆዋ እሙናት እንተ ዄንናን፡ ንየሱስ ክንመስሎ ንኽእል ኢና። ፈተናታት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ንየሆዋ ባህ ከነብሎ ስለ እንደሊ፡ ሓገዙ ንምርካብ ናብኡ ጽኑዕ ልማኖ ነቕርብ ኢና። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ንኣገዛዝኣ የሆዋ ኸም እንድግፍ ነርኢ ኢና። ኣብቲ የሆዋ ዚዅንኖ ተግባራት ንሳተፍ እንተ ዄንና፡ ንሱ ንጸሎትና ኸም ዘይቅበሎ ንፈልጥ ኢና። ኰይኑ ግና፡ ብስርዓታት የሆዋ ንመላለስ እንተ ዄንና፡ እቲ ልባዊ ጸሎትና ኣብ ቅድሚ የሆዋ ጥዑም ከም ዝጨናኡ ዕጣን ከም ዚኸውን ክንተኣማመን ንኽእል ኢና። ንጽህናናን ብተኣማንነት እንሕልዎ ተኣዛዝነትናን ንሰማያዊ ኣቦና ባህ ከም ዜብሎ ድማ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።—ምሳ. 27:11

ብምስጋናን ብፍቕርን ተደሪኽና ኢና እነገልግል

(ሕጡብ ጽሑፍ 9 ርአ) *

9. መስዋእቲ ሕብረት ስለምንታይ እዩ ዚስዋእ ነይሩ፧

9 ካልኣይ ትምህርቲ፦ ንሕና ንየሆዋ፡ ካብቲ ንዕኡ ዘሎና ምስጋና ተላዒልና ኢና እነገልግሎ። ነዚ ንምጕላሕ፡ ነቲ ኣብ ጥንታዊ እስራኤል ኣብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኣገዳሲ ተራ ዝነበሮ መስዋእቲ ሕብረት እስከ ንመርምሮ። * ሓደ እስራኤላዊ ኸም “መግለጺ ምስጋና” ገይሩ መስዋእቲ ሕብረት ኬቕርብ ይኽእል ከም ዝነበረ ኣብ መጽሓፍ ዘሌዋውያን ተገሊጹ ኣሎ። (ዘሌ. 7:11-13, 16-18) ነዚ መስዋእቲ እዚ፡ ግዴታ ዀይንዎ ዘይኰነስ፡ ብድሌቱ እዩ ዚገብሮ ነይሩ። ስለዚ፡ እዚ መስዋእቲ እዚ እቲ ውልቀ ሰብ ንኣምላኹ የሆዋ ኻብ ዘለዎ ፍቕሪ ተላዒሉ ዜቕርቦ መስዋእቲ ፍታው እዩ ነይሩ። እቲ ነዚ መስዋእቲ እዚ ዜቕርብ ሰብን እቶም ስድራ ቤቱን እቶም ካህናትን ከኣ ካብ ስጋ እቲ እተሰውአ እንስሳ ይበልዑ ነይሮም እዮም። ገሊኡ ኽፋላት እቲ መስዋእቲ ግና ንየሆዋ ጥራይ እዩ ዚቐርብ ነይሩ። ኣየናይ ክፋላት፧

(ሕጡብ ጽሑፍ 10 ርአ) *

10. እቲ ኣብ ዘሌዋውያን 3:6, 12, 14-16 ተገሊጹ ዘሎ መስዋእቲ ሕብረት ብዛዕባ እቲ የሱስ ፍቓድ ኣቦኡ ንምግባር ዝነበሮ ድራኸ እንታይ ይምህረና፧

10 ሳልሳይ ትምህርቲ፦ ብፍቕሪ ተደሪኽና፡ ንየሆዋ ብሉጽና ኢና እንህቦ። የሆዋ ንስብሒ፡ ከም ብሉጽ ክፋል እንስሳ ገይሩ እዩ ዚርእዮ ነይሩ። ከም ኰላሊት ዝኣመሰለ ኣገዳሲ ብልዕትታት እውን ፍሉይ ዋጋ ኸም ዘለዎ ጌርካ ተገሊጹ ኣሎ። (ዘሌዋውያን 3:6, 12, 14-16 ኣንብብ።) ስለዚ፡ ሓደ እስራኤላዊ ነዚ ኣገዳሲ ብልዕትታትን ነቲ ስብሕን ብፍታዉ ንየሆዋ ኬቕርቦ ኸሎ፡ የሆዋ ባህ ይብሎ ነይሩ እዩ። እቲ ኸምኡ ዚገብር እስራኤላዊ፡ ንኣምላኽ በብሉጹ ንምሃብ ዓሚቝ ድሌት ከም ዘለዎ የርኢ ነይሩ እዩ። የሱስ እውን ብፍቕሪ ተደሪኹ ብምሉእ ነፍሱ ብምግልጋል፡ ብፍታዉ ንየሆዋ ብሉጹ ሂብዎ እዩ። (ዮሃ. 14:31) ፍቓድ ኣምላኽ ምግባር ደስ ይብሎ ነይሩ እዩ፣ ንሕጊ ኣምላኽ ኣጸቢቑ ይፈትዎ ነይሩ እዩ። (መዝ. 40:8) የሆዋ ንየሱስ፡ ብፍቓዱ ኼገልግል ኪርእዮ ኸሎ፡ ብዙሕ ባህ ኢልዎ ኪኸውን ኣለዎ!

ንየሆዋ ዘላትና ፍቕሪ በብሉጽና ኽንህቦ ትድርኸና (ሕጡብ ጽሑፍ 11-12 ርአ) *

11. ኣገልግሎትና ኸም መስዋእቲ ሕብረት ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧ እዚኸ ብኸመይ እዩ ዜጸናንዓና፧

11 ንሕና ንየሆዋ እነቕርቦ ኣገልግሎት እውን ከም መስዋእቲ ሕብረት ብምዃኑ፡ በቲ ኣገልግሎትና ኣቢልና ብዛዕባኡ ዚስምዓና ስምዒት ብፍታውና ንገልጽ ኢና። ንየሆዋ በብሉጽና ንህቦ ኢና፣ ብዅሉ ልብና ስለ እነፍቅሮ ድማ ኢና ኸምኡ እንገብር። የሆዋ፡ ሚልዮናት ኣምለኽቱ ንዕኡን ንመገድታቱን ካብ ዘለዎም ዓሚቝ ፍቕሪ ተላዒሎም ብፍቓዶም ኬገልግልዎ ኸለዉ ምርኣዩ፡ ብዙሕ ባህ የብሎ እዩ። የሆዋ ንተግባራትና ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንውሽጣዊ ድራኸና እውን ከም ዚርእዮ ምፍላጥና ኼጸናንዓና ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ብዕድመ ዝደፋእካ እንተ ዄንካ እሞ፡ ከምቲ እትደልዮ ብዙሕ ከተገልግል እንተ ዘይክኢልካ፡ የሆዋ ስግር እቲ ድሩት ዓቕምኻ ኸም ዚርኢ ርግጸኛ ኹን። ብዙሕ ክትገብር ከም ዘይትኽእል ይስምዓካ ይኸውን፣ የሆዋ ግና ነታ ብዓቕምኻ ንምግባር ብውሽጥኻ እትድርኸካ ፍቕሪ ይርእያ እዩ። ነቲ ኽትህቦ እትኽእል ብሉጽካ እውን ባህ ኢልዎ እዩ ዚቕበሎ።

12. ካብቲ የሆዋ ብዛዕባ መስዋእቲ ሕብረት ዚስምዖ ዝነበረ ስምዒት፡ እንታይ መረጋገጺ ኢና እንረክብ፧

12 እሞ ደኣ ኻብ መስዋእቲ ሕብረት እንታይ ኢና እንምሃር፧ ሓዊ ነቲ ብሉጽ ክፋላት እንስሳ ኼሕርሮ ኸሎ፡ ትኪ ናብ ላዕሊ ይዓርግ እሞ ንየሆዋ ባህ የብሎ ነይሩ እዩ። እምበኣር፡ የሆዋ በቲ ብፍቓድካን ብምሉእ ነፍስኻን እተቕርቦ ኣገልግሎት ባህ ከም ዚብሎ ተኣማመን። (ቈሎ. 3:23) ክሳዕ ክንደይ ባህ ከም ዚብሎ እሞ ሕሰብ። ኣብ ኣገልግሎቱ ብፍቕሪ ተደሪኽካ እትገብሮ ዓብዪ ዀነ ንእሽቶ ጻዕሪ፡ ከም መዛግብቲ ገይሩ ስለ ዚቘጽሮ፡ ንሓዋሩ ይዝክሮን ኣኽቢሩ ይርእዮን እዩ።—ማቴ. 6:20፣ እብ. 6:10

የሆዋ ንውድቡ ይባርኻ

13. ብመሰረት ዘሌዋውያን 9:23, 24፡ የሆዋ ነቲ ኽህነት ከም ዝሰመሮ ብኸመይ እዩ ኣርእዩ፧

13 ራብዓይ ትምህርቲ፦ የሆዋ ንምድራዊ ኽፋል ውድቡ ይባርኾ ኣሎ። ኣብ 1512 ቅ.ክ. እቲ ማሕደር ኣብ እግሪ ኸረን ሲና ምስ ተተኽለ እንታይ ከም ዝዀነ እሞ ንርአ። (ዘጸ. 40:17) ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ሙሴ ንስርዓት ሽመት ክህነት ኣሮንን ደቁን መርሖ። ህዝቢ እስራኤል ከኣ እቶም ካህናት ናይ መጀመርታ መስዋእቲ እንስሳታት ኬቕርቡ ኸለዉ ንምርኣይ፡ ተኣኪቦም ነበሩ። (ዘሌ. 9:1-5) የሆዋ ነቲ ሓድሽ ዘቘሞ ኽህነት ከም ዝሰመሮ ብኸመይ እዩ ኣርእዩ፧ ሙሴን ኣሮንን ነቲ ህዝቢ ምስ መረቕዎ፡ ሓዊ ኻብ ቅድሚ የሆዋ ወጺኡ ነቲ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ዝነበረ መስዋእቲ በልዖ።—ዘሌዋውያን 9:23, 24 ኣንብብ።

14. የሆዋ ንኽህነት ኣሮን ስምረቱ ምሃቡ፡ ንዓና ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

14 እቲ ኣብ ግዜ ሽመት ሊቀ ኻህናት እተራእየ ዜደንቕ ትርኢት እንታይ መልእኽቲ እዩ ኣመሓላሊፉ፧ የሆዋ ብእኡ ኣቢሉ ንኽህነት ኣሮን ምሉእ ደገፉ ኸም ዝሃበ እዩ ገሊጹ። እስራኤላውያን ከኣ፡ የሆዋ ነቶም ካህናት ከም ዚድግፎም ዚሕብር ንጹር መርትዖ ምስ ረኣዩ፡ ንሳቶም እውን ምሉእ ደገፎም ንምሃብ ጽቡቕ ምኽንያት ረኺቦም እዮም። እዚኸ ንዓና ትምህርቲ ኣለዎ ድዩ፧ እወ! ኣብ እስራኤል ዝነበረ ኽህነት፡ ጽላሎት እቲ ኣጸቢቑ ዝዓበየ ኽህነት እዩ። እቲ ዓብዪ ሊቀ ኻህናት ዝዀነ ክርስቶስ፡ ምስኡ ኣብ ሰማይ ዜገልግሉ 144,000 ካህናትን ነገስታትን ኣለውዎ።—እብ. 4:14፣ 8:3-5፣ 10:1

የሆዋ ንውድቡ ይባርኻን ይመርሓን ኣሎ። ንሕና ድማ ብምሉእ ልብና ንድግፋ ኢና (ሕጡብ ጽሑፍ 15-17 ርአ) *

15-16. የሆዋ ነቲ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ኸም እተቐበሎ ብኸመይ እዩ ኣርእዩ፧

15 ብ1919፡ የሱስ ንሒደት ቅቡኣት ክርስትያናት፡ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ገይሩ ሸይምዎም እዩ። እቲ ባርያ እቲ ኣብ ዕዮ ስብከት መሪሕ ግደ ኣለዎ፡ ንሰዓብቲ ክርስቶስ እውን “ምግቦም ብግዜኡ” ይህቦም እዩ። (ማቴ. 24:45) እሞኸ እቲ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ፡ ስምረት ኣምላኽ ከም ዘለዎ ንጹር መርትዖ ንርኢ ዲና፧

16 ብዓይኒ ሰብ ኪርአ ኸሎ፡ ዕዮ እቲ እሙን ባርያ ኣጸጋሚ ወይ ዘይከኣል ከም ዚኸውን ንምግባር፡ ሰይጣንን ዓለሙን ህርድግ ይብሉ እዮም። ክልተ ውግኣት ዓለምን ዘየቋርጽ መስጐጕትን ዓለምለኻዊ ቝጠባዊ ቕልውላውን ግፍዕን እናሃለወ ኽነሱ፡ እቲ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ኣብ ምድሪ ንዘለዉ ሰዓብቲ ክርስቶስ መንፈሳዊ ምግቢ የቕርበሎም ኣሎ። ብዛዕባ እቲ ብልዕሊ 900 ቛንቋ ብናጻ ዚቐርብ መንፈሳዊ ምግቢ እሞ ሕሰብ! እዚ፡ ደገፍ ኣምላኽ ዜርኢ ዘይከሓድ መርትዖ እዩ። ዕዮ ስብከት እውን በረኸት የሆዋ እተራእየሉ ተወሳኺ መርትዖ እዩ። ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብሓቂ “ኣብ ኵላ ዓለም” ይስበኽ ኣሎ። (ማቴ. 24:14) ብርግጽ የሆዋ ሎሚ ንውድቡ ይመርሓን ኣብዚሑ ይባርኻን ኣሎ።

17. ነታ የሆዋ ዚጥቀመላ ዘሎ ውድብ ከም እንድግፍ ከመይ ጌርና ኢና እነርኢ፧

17 እምበኣር፡ ‘ምስ ምድራዊ ኽፋል ውድብ የሆዋ ኽሓብር ምኽኣለይሲ አመስግን ድየ፧’ ኢልና ገዛእ ርእስና ኽንሓትት ኣሎና። ከምቲ ብግዜ ሙሴን ኣሮንን ሓዊ ኻብ ሰማይ ዝመጸ፡ ሕጂ እውን የሆዋ ማዕሪኡ ዜእምን መርትዖ ሂቡና ኣሎ። ብዙሕ ከነመስግነሉ ዚግባእ ነገራት ኣሎና። (1 ተሰ. 5:18, 19) እሞ ደኣ ነታ የሆዋ ዚጥቀመላ ዘሎ ውድብ ከም እንድግፍ ከመይ ጌርና ኢና እነርኢ፧ ነቲ ኣብ ጽሑፋትና ዀነ ኣብ ኣኼባታት ጉባኤን ወረዳን ዞባን ዚውሃበና መጽሓፍ ቅዱሳዊ መምርሒ ብምስዓብ ኢና ደገፍና እነርኢ። ብተወሳኺ ድማ፡ ኣብ ናይ ምስባኽን ናይ ምምሃርን ዕዮ ብእተኻእለና መጠን ምሉእ ብምሉእ ብምስታፍ፡ ደገፍና ነርኢ ኢና።—1 ቈረ. 15:58

18. እንታይ ክትገብር ኢኻ ቘሪጽካ ዘለኻ፧

18 እምበኣር፡ ነቲ ኻብ መጽሓፍ ዘሌዋውያን እንምሃሮ ትምህርቲ ኣብ ግብሪ ነውዕሎ። መስዋእትና ቕቡል ምእንቲ ኪኸውን፡ ስምረት የሆዋ ንርከብ። ንየሆዋ ኸኣ ብምስጋና ተደሪኽና ነገልግሎ። ብዅሉ ልብና ኻብ ዘሎና ፍቕሪ ተላዒልና ድማ ወትሩ በብሉጽና ንሃቦ። ነታ ንሱ ዚባርኻ ዘሎ ውድቡ እውን ብምሉእ ልብና ንደግፋ። በዚ ዅሉ ኣቢልና ኸኣ፡ ንየሆዋ፡ ነቲ ኸም መሰኻኽሩ መጠን እነቕርበሉ ኣገልግሎት ብዙሕ ከም እነኽብሮ ኸነርእዮ ንኽእል ኢና።

መዝሙር 96 ኣምላኽ ዝሃበና መጽሓፍ

^ ሕ.ጽ. 5 ኣብ መጽሓፍ ዘሌዋውያን፡ የሆዋ ንጥንታውያን እስራኤላውያን ዝሃቦም ሕግታት ይርከብ እዩ። ንሕና ክርስትያናት ስለ ዝዀንና፡ ኣብ ትሕቲ እቲ ሕግታት እቲ ኣይኰንናን፣ ካብኡ ግና ክንጥቀም ንኽእል ኢና። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ካብ መጽሓፍ ዘሌዋውያን እንምሃሮ ጠቓሚ ትምህርቲ ኽንርኢ ኢና።

^ ሕ.ጽ. 4 እቲ ኣብ ማሕደር ዚዕጠን ዝነበረ ዕጣን ቅዱስ ጌርካ ይርአ ብምንባሩ፡ ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ንኣምልኾ የሆዋ ጥራይ እዩ ዜገልግል ነይሩ። (ዘጸ. 30:34-38) ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት፡ ዕጣን ንሃይማኖታዊ ዕላማ ኸም ዝዓጠኑ ዚሕብር መዝገብ የሎን።

^ ሕ.ጽ. 9 ብዛዕባ መስዋእቲ ሕብረት ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ፡ 2ይ ጥራዝ፡ ገጽ 526 ርአ።

^ ሕ.ጽ. 54 መግለጺ ስእሊ፦ ኣብ መዓልቲ ዕርቂ፡ እቲ ሊቀ ኻህናት እስራኤል፡ ዕጣንን ጓህርን ሒዙ ናብታ ቕድስተ ቕዱሳን ይኣቱ፡ ነታ ኽፍሊ እውን ጥዑም ብዝጨናኡ ሽታ ይመልኣ። ጸኒሑ፡ ደም መስዋእቲ ሓጢኣት ሒዙ መሊሱ ናብታ ቕድስተ ቕዱሳን ይኣቱ

^ ሕ.ጽ. 56 መግለጺ ስእሊ፦ ሓደ እስራኤላዊ ነቲ ስድራ ቤቱ ንየሆዋ ዘለዋ ምስጋና ንምግላጽ፡ መስዋእቲ ሕብረት ዚኸውን በጊዕ ንሓደ ኻህን ይህቦ።

^ ሕ.ጽ. 58 መግለጺ ስእሊ፦ የሱስ ኣብ ምድራዊ ኣገልግሎቱ፡ ትእዛዛት ኣምላኽ ብምሕላውን ንሰዓብቱ ኺሕልውዎ ብምምሃርን፡ ንየሆዋ ዘላቶ ዓማቝ ፍቕሪ ኣርእዩ እዩ።

^ ሕ.ጽ. 60 መግለጺ ስእሊ፦ ሓንቲ ብዕድመ ዝደፍአት ሓብቲ፡ ዓቕማ ድሩት እኳ እንተ ዀነ፡ ብደብዳበ ገይራ ብምምስካር ንየሆዋ ብሉጻ ትህቦ።

^ ሕ.ጽ. 62 መግለጺ ስእሊ፦ ኣብ ለካቲት 2019፡ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ዝዀነ ሓውና ገራት ሎሽ፡ እቲ እተኸለሰ ትርጉም ሓዳስ ዓለም ብጀርመንኛ ኸም ዝወጸ ንኣመስገንትን ንሕጉሳትን ተኣከብቲ ገሊጹ። ሎሚ፡ ከምዘን ክልተ ኣሓት ዝኣመሰሉ ኣብ ጀርመን ዚርከቡ ኣስፋሕቲ፡ ነዚ ሓድሽ ዝወጸ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኣገልግሎት ተሓጒሶም ይጥቀሙሉ ኣለዉ።