ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 49

ንዕዮን ንዕረፍትን “ገግዜኡ ኣለዎ”

ንዕዮን ንዕረፍትን “ገግዜኡ ኣለዎ”

“ኣብ ጽምዊ ቦታ . . . ሓንሳእ ከተዕርፉስ፡ ንዑናይ።”—ማር. 6:31

መዝሙር 143 ወትሩ ንዕየ፡ ንጸበ፡ ንቋመት

መላለዪ *

1. ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ዕዮ እንታይ ኣረኣእያ ኣለዎም፧

ኣብ ከባቢኻ ዚነብሩ ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ዕዮ እንታይ ኣረኣእያ ኣለዎም፧ ኣብ ሓያሎ ሃገራት፡ ሰባት ካብ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ ነዊሕን ከቢድን ዕዮ ይዓይዩ ኣለዉ። ልዕሊ ዓቕሞም ዚሰርሑ ሰባት፡ መብዛሕትኡ ግዜ ንዕረፍቲ፡ ንስድራ ቤቶም፡ ወይ ንመንፈሳዊ ነገራት ዚኸውን ግዜ ኣይረኽቡን እዮም። (መክ. 2:23) በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ፡ ገሊኦም ስራሕ ዘይፈትዉ ሰባት፡ ምእንቲ ኸይሰርሑ መመኽነይታ የብዝሑ እዮም።—ምሳ. 26:13, 14

2-3. የሆዋን የሱስን ብዛዕባ ዕዮ እንታይ ኣብነታት እዮም ሰሪዖምልና፧

2 የሆዋን የሱስን ብዛዕባ ዕዮ ዘለዎም ኣረኣእያ፡ ካብቲ ዓለም ዘለዋ ዘይሚዛናዊ ኣረኣእያ እተፈልየ እዩ። የሆዋ ዓያዪ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። የሱስ፡ “ኣቦይ ክሳዕ ሕጂ ይዓዪ ኣሎ፣ ኣነ እውን እዓዪ ኣለኹ” ብምባል ነዚ ኣነጺሩልና እዩ። (ዮሃ. 5:17) ኣምላኽ ነቶም ማእለያ ዘይብሎም መንፈሳውያን ፍጥረታትን ነቲ ሰፊሕ ዩኒቨርስን ኣብ ዝፈጠረሉ እዋን ዝዓየዮ ዕዮ እሞ ሕስብ ኣብሎ። ኣብዛ እንነብረላ ውቅብቲ ምድሪ እውን፡ ብዙሕ መርትዖ ፍጥረት ኣምላኽ ንርኢ ኢና። ሓደ ዘማሪ፡ “ኦ የሆዋ፡ ግብርታትካስ ክንደይ ኰን ብዙሕ እዩ! ንዅሉ ብጥበብ ጌርካዮ። ምድሪ ብተግባርካ መሊኣ ኣላ” ኺብል ሓቁ እዩ።—መዝ. 104:24

3 የሱስ ከኣ ንኣቦኡ ይመስሎ እዩ። ኣምላኽ “ንሰማያት ኬዳልዎ ኸሎ፡” እቲ ብጥበብ እተመሰለ ወዱ ኣብኡ ይሳተፍ ነይሩ እዩ። “ክኢላ ሰራሕተኛ” ዀይኑ ምስ የሆዋ ነይሩ እዩ። (ምሳ. 8:27-31) ደሓር የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ዜደንቕ ዕዮ ዓይዩ እዩ። እቲ ዕዮ እቲ ድማ ንዕኡ ኸም ብልዒ እዩ ነይሩ፣ ዕዮኡ እውን ካብ ኣምላኽ ከም እተላእከ መስኪሩ እዩ።—ዮሃ. 4:34፣ 5:36፣ 14:10

4. ብዛዕባ ዕረፍቲ ኻብ የሆዋን የሱስን እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧

4 የሆዋን የሱስን ብትግሃት ዚዓይዩ ምዃኖም፡ ንሕና ኸነዕርፍ ከም ዘይብልና ዚእምት ድዩ፧ ኣይፋልን። የሆዋ ጠሪሱ ኣይደክምን እዩ፣ ስለዚ፡ ኣካላዊ ዕረፍቲ ኣየድልዮን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሆዋ ንሰማያትን ንምድርን ምስ ፈጠረ፡ “ኣዕሪፉን እፎይ ኢሉን እዩ” ይብለና እዩ። (ዘጸ. 31:17) እዚ ግና የሆዋ ሓንሳእ ዕዮኡ ደው ከም ዘበለን በቲ ዝገበሮ ኸም እተሓጐሰን ዜመልክት እዩ ኪኸውን ዘለዎ። የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ብትግሃት ይዓዪ እኳ እንተ ነበረ፡ ንምዕራፍን ምስ ፈተውቱ ንምብላዕን ዚኸውን ግዜ ግና ይምድብ ነይሩ እዩ።—ማቴ. 14:13፣ ሉቃ. 7:34

5. ብዙሓት ሰባት እንታይ ጸገም እዩ ዜጋጥሞም፧

5 መጽሓፍ ቅዱስ ንህዝቢ ኣምላኽ፡ ዓየይቲ ኪዀኑ የተባብዖም እዩ። ኣገልገልቲ ኣምላኽ ትጉሃት ደኣ እምበር፡ ሃካያት ኪዀኑ የብሎምን። (ምሳ. 15:19) ምናልባት ንስድራ ቤትካ ንምንባይ ዓለማዊ ስራሕ ትሰርሕ ትኸውን። ብዘይካዚ፡ ኵሎም ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ኣብ ስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ምስታፍ ሓላፍነት ኣለዎም። ግናኸ፡ እኹል ዕረፍቲ እውን የድልየካ እዩ። እሞኸ ንዓለማዊ ስራሕካን ንኣገልግሎትካን ንዕረፍትኻ ዚኸውን ግዜ ብሚዛናዊ መገዲ ምምቕራሕ ይኸብደካዶ፧ ንዕዮን ንዕረፍትን ክንደይ ዚኣክል ግዜ ኽንምድብ ከም ዘሎና ኸመይ ጌርና ንፈልጥ፧

ብኸመይ ሚዛናውያን ከም እንኸውን

6. የሱስ ብዛዕባ ዕዮን ዕረፍትን ሚዛናዊ ኣረኣእያ ኸም ዝነበሮ ማርቆስ 6:30-34 ብኸመይ ትሕብር፧

6 ምስ ዕዮ ብእተተሓሓዘ፡ ሚዛናዊ ምዃን ኣገዳሲ እዩ። ንጉስ ሰሎሞን ብድራኸ መንፈስ፡ “ንዅሉ ገግዜኡ ኣለዎ” ኢሉ ጽሒፉ እዩ። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ፡ ምትካልን ምህናጽን ምብካይን ምስሓቕን ምስዕሳዕን ካልእ ንጥፈታትን ጠቒሱ እዩ። (መክ. 3:1-8) ብንጹር እምበኣር፡ ዕዮን ዕረፍትን ክልተ ኣገዳሲ ኽፋል ህይወት እዩ። የሱስ ብዛዕባ ስራሕን ዕረፍትን ሚዛናዊ ኣረኣእያ ነይርዎ እዩ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ሃዋርያት ካብ ስብከት ተመልሱ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኸኣ “ንምብላዕ እኳ ግዜ ኽሳዕ ዚስእኑ” ብዕዮ ትሑዛት ኰይኖም ነበሩ። ሽዑ የሱስ፡ “ኣብ ጽምዊ ቦታ ብሕት ኢልኩም፡ ሓንሳእ ከተዕርፉስ፡ ንዑናይ” በሎም። (ማርቆስ 6:30-34 ኣንብብ።) ንሱን ደቀ መዛሙርቱን ከምቲ ዚደልይዎ ዕረፍቲ ዘይረኽቡ እኳ እንተ ነበሩ፡ ኵላቶም ዕረፍቲ ኸም ዜድልዮም ግና ይፈልጥ ነይሩ እዩ።

7. ብዛዕባ ሕጊ ሰንበት ምምርማርና ብኸመይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

7 ሓድሓደ ግዜ፡ እተወሰነ ዕረፍቲ ወይ እተወሰነ ለውጢ የድሊ እዩ። እዚ ኸኣ ኣብቲ ኣምላኽ ንጥንታውያን ህዝቡ ዝሰርዓሎም መሰናድዎ እቲ ሰሙናዊ ዚሕሎ ሰንበት ኪርአ ይከኣል እዩ። ልክዕ እዩ፡ ንሕና ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ ኣይኰንናን፣ ኰይኑ ግና፡ ካብቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ ብዛዕባ ሰንበት ተባሂሉ ዘሎ ነገራት ክንጥቀም ንኽእል ኢና። እዚ ድማ ነቲ ብዛዕባ ዕዮን ዕረፍትን ዘሎና ኣረኣእያ ንምግምጋም ኪሕግዘና ይኽእል እዩ።

ሰንበት—ግዜ ዕረፍትን ኣምልኾን

8. ብመሰረት ዘጸኣት 31:12-15፡ ሰንበት ንምንታይ እተፈልየት መዓልቲ እያ ነይራ፧

8 ኣምላኽ ንሽዱሽተ “መዓልቲ” ኪፈጥር ድሕሪ ምጽናሑ፡ ምስ ምድሪ እተተሓሓዘ ዕዮኡ ደው ከም ዘበለ ቓል ኣምላኽ ይነግረና እዩ። (ዘፍ. 2:2) ይኹን እምበር፡ የሆዋ ዕዮ ይፈቱ እዩ፣ ብኻልእ መዳያት ከኣ ዕዮኡ ቐጺሉ እዩ። (ዮሃ. 5:17) እቲ ሰሙናዊ ዚሕሎ ሰንበት፡ ኣብነት እቲ ኣብ ዘፍጥረት ዚርከብ መዓልቲ ዕረፍቲ የሆዋ ስዒቡ እዩ ተሰሪዑ። ኣምላኽ፡ ምሕላው ሰንበት ኣብ መንጎኡን ኣብ መንጎ እስራኤላውያንን ምልክት ከም ዝዀነ ገሊጹ እዩ። እታ መዓልቲ እቲኣ፡ “ምሉእ ዕረፍቲ፡ . . . ንየሆዋ እተቐደሰት” እያ ነይራ። (ዘጸኣት 31:12-15 ኣንብብ።) በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ኵሎም፡ እንተላይ ቈልዑን ባሮትን እንስሳታት ዘቤትን ኪዓይዩ ኣይፍቀደሎምን እዩ ነይሩ። (ዘጸ. 20:10) ሰባት ኣብ መንፈሳዊ ነገራት ብዝያዳ ኼተኵሩ ይኽእሉ ነይሮም እዮም።

9. ብግዜ የሱስ ብዛዕባ ሰንበት እንታይ ሚዛናዊ ዘይኰነ ኣረኣእያ እዩ ነይሩ፧

9 መዓልቲ ሰንበት ንህዝቢ ኣምላኽ እትጠቅም እያ ነይራ፣ ይኹን እምበር፡ ገሊኦም ብግዜ የሱስ ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት ብዛዕባ ሰንበት እምብዛ ተሪር ኣረኣእያ ኼማዕብሉ ጀሚሮም ነይሮም እዮም። ብሰንበት ሰዊት ቀንጢብካ ምብላዕ ወይ ዝሓመመ ሰብ ምሕዋይ ከም ዘይተፈቕደ ገይሮም ይሓስቡ ነይሮም እዮም። (ማር. 2:23-27፣ 3:2-5) እዚ ኣረኣእያ እዚ ንኣተሓሳስባ ኣምላኽ ዜንጸባርቕ ኣይነበረን፣ የሱስ ከኣ ኪሰምዑ ፍቓደኛታት ንዚዀኑ ዘበሉ፡ ነዚ ኣነጺሩሎም እዩ።

ኣባላት ስድራ ቤት የሱስ ንሰንበት ኣብ መንፈሳዊ ነገራት ኣተኲሮም ይጥቀሙላ ነይሮም (ሕጡብ ጽሑፍ 10 ርአ) *

10. ማቴዎስ 12:9-12 ብዛዕባ እቲ የሱስ ንሰንበት ብዚምልከት ዝነበሮ ኣረኣእያ እንታይ ትሕብረና፧

10 የሱስን ሰዓብቱ ኣይሁድን ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ ስለ ዝነበሩ፡ ሰንበት ይሕልዉ ነይሮም እዮም። * እንተዀነ ግና፡ ሰንበት ምሕላው ኪብሃል ከሎ፡ ሚዛናዊ ምዃን ማለት ከም ዝዀነ፡ ጽቡቕ ምግባርን ንሰባት ምሕጋዝን እውን ከም ዚፍቀድ፡ የሱስ ብቓልን ብግብርን ኣርእዩ እዩ። ብግህዶ ድማ፡ “ብሰንበት ጽቡቕ ምግባር ተፈቒዱ እዩ” ኢሉ ተዛሪቡ እዩ። (ማቴዎስ 12:9-12 ኣንብብ።) ጽቡቕ ምግባርን ንሰባት ምሕጋዝን ንሰንበት ከም ዚጥሕስ ገይሩ ኣይረኣዮን። ተግባራት የሱስ ንሓደ ኣገዳሲ መዳይ ሰንበት የጕልሕ እዩ። ህዝቢ ኣምላኽ ካብ መዓልታዊ ዕዮኦም ስለ ዜዕርፉ፡ ኣብ መንፈሳዊ ነገራት ኬተኵሩ ይኽእሉ ነይሮም እዮም። እቶም ንየሱስ ዘዕበይዎ ስድራ፡ ብሰንበት ኣብ መንፈሳዊ ንጥፈታት ይጽመዱ ነይሮም ኪዀኑ ኣለዎም። እዚ ኸኣ ኣብቲ የሱስ ኣብ ዓዱ ናዝሬት ዝነበረሉ እዋን ብዛዕባኡ እተጻሕፈ፡ “ብመዓልቲ ሰንበት ከኣ ከምቲ ልማዱ ናብ ምኵራብ ኣተወ፡ ኬንብብ እውን ተንስአ” ዚብል ቃላት ተንጸባሪቑ ኣሎ።—ሉቃ. 4:15-19

ብዛዕባ ዕዮ እንታይ ኣረኣእያ እዩ ዘሎካ፧

11. ምስ ዕዮ ብእተተሓሓዘ፡ መን እዩ ንየሱስ ሰናይ ኣብነት ኰይንዎ፧

11 ዮሴፍ ንወዱ የሱስ ዕዮ ጽርበት ኪምህሮ ኸሎ፡ ኣምላኽ ብዛዕባ ዕዮ እንታይ ኣረኣእያ ኸም ዘለዎ ነጊርዎ ኪኸውን ኣለዎ። (ማቴ. 13:55, 56) የሱስ ከኣ፡ ዮሴፍ ነቲ ዓብዪ ስድራ ቤቱ ዜድሊ ንምምእራር፡ መዓልቲ መዓልቲ ብትግሃት ኪዓዪ ይርእዮ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ደሓር፡ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ንዓያዪ ዓስቡ ይግብኦ እዩ” ኢልዎም እዩ። (ሉቃ. 10:7) እወ፡ የሱስ ብትግሃት ምዕያይ ይፈልጥ ነይሩ እዩ።

12. ብትግሃት ብዛዕባ ምዕያይ፡ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

12 ሃዋርያ ጳውሎስ እውን ብትግሃት ምዕያይ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ቀንዲ ዕዮኡ፡ ንስምን ንመልእኽትን የሱስ ምምስካር እዩ ነይሩ። ኰይኑ ግና፡ ድራር ዕለቱ ንምምእራር እውን ይዓዪ ነይሩ እዩ። ሰብ ተሰሎንቄ ነቲ ጳውሎስ ንሓደ እኳ “ጾር” ከይከውን ኢሉ “ለይትን መዓልትን ብጻዕርን ብልፍዓትን” ዚዓይዮ ዝነበረ ይፈልጥዎ ነይሮም እዮም። (2 ተሰ. 3:8፣ ግብ. 20:34, 35) ጳውሎስ ብዛዕባ ዕዮኡ ኺዛረብ ከሎ፡ ብዛዕባ ምስፋይ ድንኳን ይዛረብ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ቈረንቶስ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ምስ ኣኪላስን ጵርስኪላን ይቕመጥ ነይሩ እዩ፣ ‘ዕዮኦም ምስፋይ ድንኳን ስለ ዝነበረ ድማ፡ ምሳታቶም ይዓዪ ነይሩ እዩ።’ ጳውሎስ “ለይትን መዓልትን” ዓይዩ ኺብሃል ከሎ፡ ብዘይምቍራጽ ዓይዩ ማለት ኣይኰነን። ካብቲ ድንኳን ናይ ምስፋይ ዕዮኡ የዕርፍ ነይሩ እዩ፣ ንኣብነት፡ ሰንበት የዕርፍ ነይሩ እዩ። ነታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ነቶም ብሰንበት ዘይዓይዩ ዝነበሩ ኣይሁድ ንምምስካር ይጥቀመላ ነይሩ እዩ።—ግብ. 13:14-16, 42-44፣ 16:13፣ 18:1-4

13. ካብ ጳውሎስ እንታይ ንምሃር፧

13 ሃዋርያ ጳውሎስ ጽቡቕ ኣብነት ሓዲጉልና ኣሎ። ዓለማዊ ስራሕ ኪሰርሕ ነይርዎ እዩ፣ ኰይኑ ግና፡ “ኣብቲ ቕዱስ ዕዮ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ” ኣዘውቲሩ ይሳተፍ ነይሩ እዩ። (ሮሜ 15:16፣ 2 ቈረ. 11:23) ንኻልኦት እውን ከምኡ ኺገብሩ ተማሕጺንዎም እዩ። ስለዚ ኸኣ፡ ኣኪላስን ጵርስኪላን ‘ብክርስቶስ የሱስ መዓይይቱ’ እዮም ነይሮም። (ሮሜ 12:11፣ 16:3) ጳውሎስ ንሰብ ቈረንቶስ፡ “ኵሉ ሳዕ ብዙሕ ዕዮ ጐይታ ይሃሉኹም” ኢሉ ተማሕጺንዎም እዩ። (1 ቈረ. 15:58፣ 2 ቈረ. 9:8) ብድራኸ መንፈስ የሆዋ ድማ፡ “ገለ ሰብ ኪዓዪ ዘይደሊ እንተ ዀይኑ፡ ኣይብላዕ” ኢሉ ጽሒፉ እዩ።—2 ተሰ. 3:10

14. የሱስ ከምቲ ኣብ ዮሃንስ 14:12 ተጠቒሱ ዚርከብ ቃላት ኪብል ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧

14 ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት፡ ምስባኽን ደቀ መዛሙርቲ ምግባርን ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዕዮ እዩ። የሱስ፡ ደቀ መዛሙርቱ ኻብቲ ናቱ ዚዓቢ ግብርታት ከም ዚገብሩ ተነብዩ እዩ። (ዮሃንስ 14:12 ኣንብብ።) ከምኡ ኺብል ከሎ፡ ከምቲ ንሱ ዝገበሮ ተኣምራት ንገብር ማለቱ ኣይነበረን። የግዳስ፡ ሰዓብቱ ኣብ ዝሰፍሐ ኽልን ንዝበዝሑ ሰባትን ንዝነውሐ ግዜን ከም ዚሰብኩን ከም ዚምህሩን እዩ ዚገልጽ ነይሩ።

15. ገዛእ ርእስና እንታይ ኢልና ኢና ኽንሓትት ዘሎና፧ ስለምንታይከ፧

15 ዓለማዊ ስራሕ እንተ ኣልዩካ፡ ከምዚ ዚስዕብ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ሕተት፦ ‘ኣብ ስራሐይ ትጉህ ብምዃነይ ድየ ዝፍለጥ፧ ስራሐይ ብእተኻእለኒ መጠን ኣጽፊፈ ብግዜኡ እዛዝም ድየ፧’ ነዚ ሕቶታት እዚ ‘እወ’ ኢልካ ኽትምልስ እንተ ኽኢልካ፡ ኣስራሒኻ ዚኣምነካ ዓይነት ሰራሕተኛ ኢኻ ማለት እዩ። እቶም ዚዕዘቡኻ እውን ብመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኪስሓቡ ይኽእሉ እዮም። ምስ ናይ ምስባኽን ናይ ምምሃርን ዕዮ ብእተተሓሓዘ እውን፡ ከምዚ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ሕተት፦ ‘ኣብ ኣገልግሎት ትጉህ ዓያዪ ብምዃነይ ድየ ዝፍለጥ፧ ንናይ ፈለማ ምብጻሕ ጽቡቕ ገይረ እዳሎ ድየ፧ ንግዱሳት ንምዝርራብ ቀልጢፈዶ ተመሊሰ እኸዶም እየ፧ ኣብ እተፈላለየ መዳያት ኣገልግሎትከ ብስሩዕ እሳተፍ ድየ፧’ ነዚ ሕቶታት እዚ ‘እወ’ ኢልካ ኽትምልስ እንተ ኽኢልካ፡ ካብ ስራሕካ ሓጐስ ክትረክብ ኢኻ።

ብዛዕባ ዕረፍቲ እንታይ ኣረኣእያ እዩ ዘሎካ፧

16. ኣብ መንጎ እቲ የሱስን ሃዋርያቱን ብዛዕባ ዕረፍቲ ዝነበሮም ኣረኣእያን ሎሚ ዘለዉ ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ዕረፍቲ ዘለዎም ኣረኣእያን እንታይ ፍልልይ ኣሎ፧

16 የሱስ ሓድሓደ ግዜ ንሱን ሃዋርያቱን ዕረፍቲ ኸም ዜድልዮም ይፈልጥ ነይሩ እዩ። እንተዀነ ግና፡ ሽዑ ዝነበሩ ዀነ ሎሚ ዘለዉ ብዙሓት ሰባት ምስቲ ኣብታ የሱስ ዝመሰላ ምሳሌ እተጠቕሰ ሃብታም ሰብኣይ ይመሳሰሉ እዮም። እቲ ሰብኣይ እቲ፡ ንርእሱ፡ “ኣዕርፊ፡ ብልዒ፡ ስተዪ፡ ተሓጐሲ” ኢልዋ እዩ። (ሉቃ. 12:19፣ 2 ጢሞ. 3:4) ኣብ ህይወቱ፡ ንዕረፍትን ንተድላን እዩ ቐዳምነት ሂቡ። ህይወት የሱስን ሃዋርያቱን ግና ኣብ ብሕታዊ ሓጐሶም ኣይኰነን ዜተኵር ነይሩ።

ብዛዕባ ዕዮን ዕረፍትን ሚዛናዊ ኣረኣእያ እንተ ሒዝና፡ ንመንፈስና ዚሕድስ ሰናይ ተግባር ኣብ ምግባር ከነተኵር ኢና (ሕጡብ ጽሑፍ 17 ርአ) *

17. ነቲ ኻብ ስራሕ እነዕርፈሉ እዋን ብኸመይ ኢና እንጥቀመሉ፧

17 ሎሚ፡ ነቲ ኻብ ስራሕ እነዕርፈሉ እዋን ንዕረፍቲ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንኻልኦት ብምምስካርን ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ብምእካብን ጽቡቕ ንምግባር ንጥቀመሉ ኢና። ደቀ መዛሙርቲ ምግባርን ኣብ ኣኼባታት ምእካብን ኣዚና ኣኽቢርና ስለ እንርእዮ፡ ኣብቲ ቕዱስ ንጥፈታት ኣዘውቲርና ንምስታፍ ዚከኣለና ዘበለ ንጽዕር ኢና። (እብ. 10:24, 25) ኣብ ግዜ ዕረፍትና ኽንገይሽ ከለና እኳ፡ ኣብ ዝኸድና ኼድና ኻብ ኣኼባታትና ኣይንበኵርን ኢና፣ ነቶም እንረኽቦም ሰባት ንምዝርራብ እውን ኣጋጣሚታት ነናዲ ኢና።—2 ጢሞ. 4:2

18. ንጉስና ክርስቶስ የሱስ እንታይ ክንገብር እዩ ዚደልየና፧

18 ንጉስና ክርስቶስ የሱስ ሚዛናዊ ምዃኑ፡ ብዛዕባ ዕዮን ዕረፍትን ከኣ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ኺህልወና ዚሕግዘና ምዃኑ ብዙሕ ከነመስግን ኣሎና። (እብ. 4:15) ዜድልየና ዘበለ ዕረፍቲ ኽንረክብ ይደልየና እዩ። ብዘይካዚ፡ ብስጋ ዜድልየና ንምምላእን ኣብቲ መንፈስ ዚሕድስ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮ ንምስታፍን ብትግሃት ክንዓዪ ይደልየና እዩ። ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ፡ የሱስ ንዓና ኻብ ሕሱም ዓይነት ባርነት ሓራ ንምውጻእ ብዛዕባ ዚጻወቶ ግደ ኽንርኢ ኢና።

መዝሙር 38 ኬበርትዓካ እዩ

^ ሕ.ጽ. 5 ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ ዕዮን ዕረፍትን ብኸመይ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ኸም ዚህልወና ይምህረና እዩ። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ነቲ እስራኤላውያን ዚሕልውዎ ሕጊ ሰንበት ከም ኣብነት ብምጥቃም፡ ብዛዕባ ዕዮን ዕረፍትን ዘሎና ኣረኣእያ ንምግምጋም ክትሕግዘና እያ።

^ ሕ.ጽ. 10 ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ንሕጊ ሰንበት ዓብዪ ኣኽብሮት ስለ ዝነበሮም፡ ገሊአን ኣንስቲ መዓልቲ ሰንበት ክሳዕ እትሓልፍ ንቐብሩ ዚገብራኦ ዝነበራ ምድላው ኣቋሪጸናኦ እየን።—ሉቃ. 23:55, 56

^ ሕ.ጽ. 55 መግለጺ ስእሊ፦ ዮሴፍ ንስድራ ቤቱ ብሰንበት ናብ ምኵራብ ይወስዶም።

^ ሕ.ጽ. 57 መግለጺ ስእሊ፦ ሓደ ንስድራ ቤቱ ዜድሊ ንምምእራር ዚዓዪ ኣቦ ነቲ ኻብ ስራሕ ዜዕርፈሉ እዋን፡ ዋላ እውን ነቲ ምስ ስድራ ቤቱ ንዙረት ዚኸደሉ እዋን፡ ንቲኦክራስያዊ ንጥፈታት ይጥቀመሉ።