ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሓቂ ንምርካብ ዚግበር ጻዕሪ

ሓቂ ንምርካብ ዚግበር ጻዕሪ

ሓቂ ምፍላጥ ናይ ህይወትን ሞትን ጕዳይ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ መልሲ እዛ እትስዕብ ሕቶ ምፍላጥና ንህይወትና ኽሳዕ ክንደይ ከም ዚጸልዎ እሞ ሕሰብ፦ ተላጋቢ ሕማማት ብኸመይ እዩ ዚመሓላለፍ፧

ንኣሽሓት ዓመታት፡ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ብልክዕ ዚፈልጥ ዋላ ሓደ ሰብ ኣይነበረን። ኣብቲ ግዜ እቲ ድማ፡ ብሰንኪ ለበዳን ለብዕን ሚልዮናት ህይወት ሃሊቑ እዩ። ኣብ መወዳእታ፡ ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እቲ ሓቂ እንታይ ምዃኑ ኺፈልጡ ኽኢሎም እዮም። መብዛሕትኡ ግዜ ሕማማት ብሰንኪ ጀርም ዚብሃሉ ኸም ባክተርያ ወይ ቫይረስ ዝኣመሰሉ ደቀቕቲ ተህዋስያን ከም ዚኽሰት ፈሊጦም እዮም። እቲ ሓቂ እቲ ስለ እተፈልጠ፡ ብዙሓት ሰባት ሕማማት ኪከላኸሉን ካብ ሕማማቶም ኪሕከሙን ክኢሎም እዮም። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ቢልዮናት ሰባት ዝሓሸ ዕድመን ጥዕናን ኪህልዎም ክኢሉ እዩ።

ብዘይካዚ፡ ካልእ ኣገዳሲ ሕቶታት እውን ኣሎ። ንኣብነት፡ ብዛዕባ እዚ ዚስዕብ ሕቶታት እቲ ሓቂ እንታይ ምዃኑ ንምፍላጥ እትገብሮ ጻዕሪ ብኸመይ ኪጸልወካ ዚኽእል ይመስለካ፧

  • ኣምላኽ መን እዩ፧

  • የሱስ ክርስቶስ መን እዩ፧

  • መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧

  • ኣብ መጻኢ እንታይ ይጽበየና ኣሎ፧

ሚልዮናት ሰባት፡ መልሲ እዘን ሕቶታት እዚአን ረኺቦም ኣለዉ፣ እዚ ድማ ንህይወቶም ኣመሓይሹሎም እዩ። ንስኻ እውን ካብ መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ ኽትጥቀም ትኽእል ኢኻ።

ሓቂ ኽትፈልጥ ትኽእል ዲኻ፧

‘ብዛዕባ ዝዀነ ይኹን ነገር ከመይ ጌርካ እዩ ሓቂ ኺፍለጥ ዚከኣል፧’ ኢልካ ትሓስብ ትኸውን። ከመይሲ፡ ብዛዕባ ብዙሕ ነገራት ሓቂ ምፍላጥ ብዝያዳ ኣሸጋሪ ይኸውን ኣሎ። ስለምንታይ፧

ብዙሓት ሰባት ንመንግስትታት፡ ንትካላት፡ ወይ ንመራኸቢ ብዙሓን ሓቂ ኸም ዚዛረቡ ገይሮም ኣይኣምንዎምን እዮም። ነቲ ጭቡጥ ሓቅታት ካብቲ ኸም እሙን ሓበሬታ ጌርካ ዚቐርብ ርእይቶታትን ፍርቂ ሓቅታትን ሓሶታትን ምፍላይ የጸግሞም እዩ። ኣብዚ ጥርጣረን ሓሶትን ዝሰፈኖ ሃዋህው ከኣ፡ ሰባት ብኣተራጕማ ጭቡጥ ሓቅታት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብእንታይነት ጭቡጥ ሓቅታት እኳ ኣይሰማምዑን እዮም።

እዚ ጸገማት እዚ እናሃለወ ኽነሱ ግና፡ ነቲ ኣብ ህይወት ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዝዀነ ሕቶታት ሓቀኛ መልሲ ኽትረኽበሉ ትኽእል ኢኻ። ከመይ ጌርካ፧ ኣብ መዓልታዊ ህይወትካ ብእትጥቀመሉ ኽእለታት ጌርካ ኸምኡ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ።

ሓቂ ንምርካብ እትገብሮ ጻዕሪ

ብእተወሰነ ደረጃ፡ ሓቂ ንምርካብ መዓልቲ መዓልቲ ትጽዕር ኢኻ። እቲ ጀሲካ እትገብሮ እስከ ከም ኣብነት ንውሰድ። ንሳ ኸምዚ ትብል፦ “ጓለይ ብርቱዕ ኣለርጂ ፉል ስለ ዘለዋ፡ ሒደት ፕሮቲን ፉል እኳ ኪቐትላ ይኽእል እዩ።” ስለዚ፡ ጀሲካ ንጓላ እትዕድገላ ምግቢ፡ ንጥዕናኣ ዘየስግእ ምዃኑ ኸተረጋግጽ ኣለዋ። ብዛዕባ እዚ ኸምዚ ትብል፦ “ቅድም ቀዳድም፡ ትሕዝቶ እቲ ምግቢ ንምፍላጥ፡ ነቲ ኣብኡ እተጻሕፈ ተጠንቂቐ አንብቦ እየ። ድሕሪኡ ተወሳኺ ምርምር እገብር እየ፡ ንእሽቶ ሕዋስ ከይህልዎ ንምርግጋጽ ነቶም ኣፍረይቱ እኳ ኸይተረፈ እሓትቶም እየ። ኣሰራርሓ ምግቢ እቲ ትካል ውሑስ ምዃኑ መረጋገጺ ዚህቡ ኻልኦት እሙናት ምንጭታት እውን እውከስ እየ።”

ንስኻ ብዛዕባ ሓደ ነገር ሓቂ ንምርካብ እትገብሮ ጻዕሪ፡ ከም ናይ ጀሲካ ወሳኒ ኸይከውን ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግና፡ ንሕቶታትካ መልሲ ንምርካብ፡ ነዚ ዚስዕብ ንሳ እተጠቕመትሉ ሜላ ኽትጥቀም ትኽእል ኢኻ፦

  • ጭቡጥ ሓቅታት ፍለጥ።

  • ተወሳኺ ምርምር ግበር።

  • ምንጭታትካ እሙን ምዃኑ ኣረጋግጽ።

እዚ ሜላ እዚ ብዛዕባ ህይወት ንዘሎካ ኣገዳሲ ሕቶታት ሓቀኛ መልሲ ኽትረክብ ይሕግዘካ እዩ። ብኸመይ፧

ፍሉይ መጽሓፍ ሓቂ

ጀሲካ ነታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘላ ሓቂ ንምርካብ ክትጽዕር ከላ፡ ምስቲ ንጓላ ዘየሕምማ ምግቢ ንምርካብ እትገብሮ ጻዕሪ ዚመሳሰል ሜላ እያ ተጠቒማ። ከምዚ ድማ ትብል፦ “ተጠንቂቐ ምንባበይን ተጊሀ ምርምር ምግባረይን ነታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘላ ሓቂ ኽረኽባ ሓጊዙኒ እዩ።” ብተመሳሳሊ እውን፡ ሚልዮናት ሰባት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ዚስዕብ ሕቶታት እንታይ ከም ዚብል ፈሊጦም ኣለዉ፦

  • ስለምንታይ ኢና ተፈጢርና፧

  • ምስ ሞትና እንታይ ኢና እንኸውን፧

  • ስለምንታይ እዩ መከራ ዘሎ፧

  • ኣምላኽ ንዅሉ መከራ ንምውጋድ እንታይ ይገብር ኣሎ፧

  • ከመይ ገይሩ እዩ ዜሐጕስ ናብራ ስድራ ቤት ኪህልወና ዚኽእል፧

መጽሓፍ ቅዱስ ብምንባብን ኣብ ኢንተርነት ኣብ www.pr418.com ምርምር ብምግባርን፡ ነዝን ንኻልእን ሕቶታት ሓቀኛ መልሲ ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ።