ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ፡ እቲ ሓቂ እንታይ እዩ፧

ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ፡ እቲ ሓቂ እንታይ እዩ፧

የሱስ ንሰዓብቱ፡ “ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና፡ ስምካ ይቀደስ። መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን” ኢሎም ኪጽልዩ ምሂርዎም እዩ። (ማቴዎስ 6:9, 10) እሞ ደኣ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧ እንታይ እያ እትገብር፧ ስለምንታይከ ኢና ብዛዕባኣ ኽንጽሊ ዘሎና፧

የሱስ ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ እዩ።

ሉቃስ 1:31-33 “ስሙ ኸኣ የሱስ ክትብልዮ ኢኺ። ንሱ ዓብዪ ኪኸውን፡ ወዲ እቲ ልዑል እውን ኪብሃል እዩ፣ የሆዋ ኣምላኽ ድማ ዝፋን ኣቦኡ ዳዊት ኪህቦ እዩ፣ ንሱ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ቤት ያእቆብ ንዘለኣለም ኪነግስ እዩ፣ መንግስቱ እውን መወዳእታ የብላን።”

መንግስቲ ኣምላኽ ቀንዲ ፍረ ነገር ስብከት የሱስ እያ ነይራ።

ማቴዎስ 9:35 “የሱስ ከኣ ኣብ ምኵራባቶም እናመሃረ፡ ብስራት መንግስቲ እናሰበኸ፡ ኵሉ ሕማምን ድናሰን እናኣሕወየ፡ ኣብ ኵሉ ኸተማታትን ኣቝሻትን ዞረ።”

የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ መንግስቲ ኣምላኽ እትመጸሉ ግዜ ኸም ዝቐረበ ኺፈልጡ ዚሕግዝ ምልክት ሂብዎም እዩ።

ማቴዎስ 24:7 “ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ፡ መንግስቲ ድማ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኺልዓል እዩ፣ ኣብ በቦታኡ ኸኣ ጥሜትን ምንቅጥቃጥ ምድርን ኪኸውን እዩ።”

ሕጂ፡ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ኣብ ብዘላ ምድሪ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ይሰብኩ ኣለዉ።

ማቴዎስ 24:14 “እዚ ብስራት መንግስቲ ኸኣ፡ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ኵላ ዓለም ኪስበኽ እዩ፣ ሽዑ፡ መወዳእታ ኺመጽእ እዩ።”