ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ማቴዎስ 20-21

“ካባኻትኩም ዓብዪ ኪኸውን ዚደሊ ዘበለ፡ ኣገልጋሊኹም ይኹን”

“ካባኻትኩም ዓብዪ ኪኸውን ዚደሊ ዘበለ፡ ኣገልጋሊኹም ይኹን”

20:28

እቶም ዕቡያት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ኣቓልቦ ኺግበረሎምን ኣብ ዕዳጋ ሰላም ኪብሃሉን ይደልዩ ነበሩ

እቶም ዕቡያት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ንኻልኦት ኪምስጡ ይደልዩ፡ ምርኡይ ቦታ ድማ ይምነዩ ነበሩ። (ማቴ 23:5-7) የሱስ ግና እተፈልየ እዩ ነይሩ። “ወዲ ሰብ ኬገልግል . . . እምበር፡ ኪግልገል ኢሉ ኣይመጸን።” (ማቴ 20:28) ተፈላጥነትን ውዳሰን ኣብ ዜምጽኣልና ዓይነት ኣምልኾ ዲና ብቐዳምነት እነተኵር፧ ኣብ ኣዒንቲ የሆዋ ዓበይቲ ኽንከውን እንተ ደኣ ደሊና፡ ንኻልኦት ንምግልጋል እንኽእሎ ዘበለ ብምግባር ንክርስቶስ ክንመስሎ ኢና እንጽዕር። ከምዚ ዓይነት ግብሪ ድማ፡ የሆዋ ደኣ እምበር፡ ሰብ ዜስተብህለሉ ኣይኰነን። (ማቴ 6:1-4) ሓደ ትሑት ኣገልጋሊ ኣምላኽ . . .

  • ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምጽራይን ኣብ ምጽጋንን ይካፈል

  • ንኣረጋውያንን ንኻልኦትን ኪሕግዝ ተበግሶ ይወስድ

  • ረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ብገንዘብ ይድግፍ