ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክርስትያናዊ ህይወት

ነታ ንኣምላኽን ንብጻይካን ዘላትካ ፍቕሪ ብኸመይ ከተማዕብላ ትኽእል፧

ነታ ንኣምላኽን ንብጻይካን ዘላትካ ፍቕሪ ብኸመይ ከተማዕብላ ትኽእል፧

ክርስትያናት ዋላ እኳ ብሕጊ ሙሴ ዘይቅየዱ እንተ ዀኑ፡ እተን ክልተ ዓበይቲ ትእዛዛት፡ ማለት ፍቕሪ ንኣምላኽን ፍቕሪ ንብጻይካን ነቲ የሆዋ ኻባና ዚደልዮ ብቕዓት ሎሚ እውን የጕልሓ እየን። (ማቴ 22:37-39) እዛ ፍቕሪ እዚ ምሳና እትፍጠር ዘይኰነትስ፡ ክትምዕብል ዘለዋ እያ። ብኸመይ፧ ከምዚ ኽንገብረሉ እንኽእል ሓደ ኣገዳሲ መገዲ፡ መዓልቲ መዓልቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብምንባብ እዩ። ነቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተገሊጹ ዘሎ እተፈላለየ ባህርያት ኣምላኽ ምስ እንምርምሮ፡ “የሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ደስ ዜብል ኣምላኽ ምዃኑ” ኽንርኢ ኢና። (መዝ 27:4) ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ንዕኡ ዘላትና ፍቕሪ ትዓቢ፡ ኣተሓሳስባና ኸኣ ከም ናቱ ይኸውን። እዚ ድማ ትእዛዛት ኣምላኽ ክንሕሉ፡ እንተላይ ነቲ ንኻልኦት ጥቕሚ ርእሳ እትስውእ ፍቕሪ ኸነርእዮም እተዋህበና ትእዛዝ ክንሕሉ ይድርኸና። (ዮሃ 13:34, 35፣ 1ዮሃ 5:3) ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ባህ ዜብል ንምግባር ዝቐረበ ሰለስተ ሓሳብ እንሆ፦

  • ንናይ ምሕሳብ ክእለትካን ንህዋሳትካን ተጠቐመሉ። ንርእስኻ ኣብቲ ቦታ ኸም ዘለኻ ጌርካ ሕሰብ። እንታይ ትርኢ፡ እንታይ ትሰምዕ፡ እንታይ ተሽትት፧ ስምዒት እቶም ገጸ ባህርያት እንታይ ኪኸውን ይኽእል፧

  • እተፈላለየ ሜላ ተጠቐም። እተወሰነ ኣማራጺታት እነሆ፦ ዓው ኢልካ ኣንብብ ወይ ቅዳሕ ኣውድዮ ኽትሰምዕ ከለኻ መጽሓፍ ቅዱስ ሒዝካ ተኸታተል። ምዕራፋት ብመስርዕ ኣብ ክንዲ እተንብብ ብዛዕባ ሓደ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሰብ ወይ ርእሰ ጕዳይ ኣንብብ። ንኣብነት፡ ብዛዕባ የሱስ ኸተንብብ ከለኻ፡ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም ዘሎ መመላእታ ጽሑፍ ሀ7 ወይ ለ12 ተጠቐም። ነታ ጥቕሲ ዕለት እተወስደትላ ምዕራፍ ብምልእታ ኣንብባ። ንመጻሕፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ በቲ እተጻሕፈሉ መስርዕ እዋን ኣንብቦ።

  • ንኽትርዳእ ኢልካ ኣንብብ። መዓልታዊ ዋላ ሓንቲ ምዕራፍ እውን ትኹን ብምርዳእን ብምስትንታንን ምንባብ፡ ብዙሕ ምዕራፍ ንምሽፋን ኢልካ ኻብ ምንባብ ኣዝዩ ዝበለጸ እዩ። ነቲ ዅነታት መርምሮ። ዝርዝር ነገራት መርምር። ካርታታትን ናይ ሕድጋታዊ መወከሲታትን ተጠቐም። ካብቲ ዘይተረድኣካ ነጥብታት እንተ ወሓደ ንሓንቲ ምርምር ግበረላ። እንተ ተኻኢሉ፡ ንምስትንታን እውን ክንድቲ ንንባብ ዝወሰደልካ ግዜ መድብ።