ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክርስትያናዊ ህይወት

ደንዳኒ ኼጋጥመካ ኸሎ ኣብ የሆዋ ተወከል

ደንዳኒ ኼጋጥመካ ኸሎ ኣብ የሆዋ ተወከል

ደንደንቲ ኣካላውን ስምዒታውን ስቓይ ኬስዕቡልና ይኽእሉ እዮም። ንኣምልኾና ኺጻረሩ ኸለዉ ንፈርሆም እንተ ደኣ ዄንና፡ ንመንፈሳውነትና እውን ኪጐድእዎ ይኽእሉ እዮም። ንርእሳኻ ኻብ ደንዳኒ ኸተዕቝባ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

ሓያሎ ኣምለኽቲ የሆዋ ኻብ ደንደንቲ ንዘጋጠሞም ነገራት ዕዉት ብዝዀነ መገዲ እተዋጽኣሉ፡ ኣብ የሆዋ ብምውካሎም እዮም። (መዝ 18:17) ንኣብነት፡ ኣስቴር ናይቲ ኽፉእ ደንዳኒ ዝነበረ ሃማን ውዲት ንምቅላዕ ብትብዓት ተዛሪባ እያ። (ኣስ 7:1-6) ከምኡ ቕድሚ ምግባራ፡ ብጾም ኣብ የሆዋ ኸም እትውከል ኣርእያ እያ። (ኣስ 4:14-16) የሆዋ ንተግባራታ ባሪኽዎ፡ ንዓኣን ንህዝባን ድማ ኣዕቊብዎም እዩ።

ኣቱም መንእሰያት ደንዳኒ እንተ ኣጋጢምኩም፡ ምእንቲ ኺሕግዘኩም ንየሆዋ ሕተትዎ። ብዛዕባ ጸገማትኩም ንሓደ ብሱል ሰብ ወይ ንወለድኹም ተዛረቡ። ከምቲ የሆዋ ንኣስቴር ዝሓገዛ ንዓኻትኩም እውን ከም ዚሕግዘኩም ርግጸኛታት ክትኰኑ ትኽእሉ ኢኹም። ደንዳኒ ንዜስዕቦ ጸገማት ምእንቲ ኽትዋጽእሉ፡ እንታይ ካልእ ነገር ክትገብሩ ትኽእሉ፧

ነታ ንእስነተይ—ድንደና ብኸመይ ክጻወሮ እኽእል፧ ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • መንእሰያት ካብ ኣብነት ቻርሊን ፈሪንን እንታይ ኪምሃሩ ይኽእሉ፧

  • ወለዲ ደቆም ድንደና ምእንቲ ኺጻወሩ ንምሕጋዝ ካብ ርእይቶ ቻርሊን ፈሪንን እንታይ ኪምሃሩ ይኽእሉ፧