ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክርስትያናዊ ህይወት

ንጽቡቕ ህዝቢ የሆዋ ዚዓይዩ ጓሶት

ንጽቡቕ ህዝቢ የሆዋ ዚዓይዩ ጓሶት

ሓያሎ ሰባት ብዛዕባ ሰበ ስልጣን ኣሉታዊ ኣርኣእያ እዩ ዘለዎም። ከምኡ ኺስምዖም ዜገርም ኣይኰነን። ካብ ቀደም ጀሚሩ ሰባት ንስልጣኖም ብዘይግቡእ ኪጥቀሙሉ ጸኒሖም እዮም። (ሚክ 7:3) ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ሽማግለታት ስልጣኖም ንጽቡቕ ህዝቢ የሆዋ ኺጥቀምሉ ዝሰልጠኑ ምዃኖም፡ ኣዚና ነማስወሉ ኢና።—ኣስ 10:3፣ ማቴ 20:25, 26

ሽማግለታት ዘይከም እቶም ኣብ ዓለም ዘለዉ ሰበ ስልጣናት ንዕዮ ሓላውነት ንየሆዋን ንህዝቡን ብዘለዎም ፍቕሪ ተደሪኾም እዮም ዚጥቀሙሉ። (ዮሃ 21:16፣ 1ጴጥ 5:1-3) እዞም ጓሶት ኣብ ትሕቲ መሪሕነት የሱስ ብምዃን፡ ኵሎም ኣስፋሕቲ ኣባላት ስድራ ቤት ኣምለኽቲ የሆዋ ኸም ዚዀኑ ኺስምዖምን ምስ የሆዋ ዘለዎም ርክብ ኪዕቅቡን ይሕግዝዎም እዮም። ንኣባጊዕ የሆዋ፡ ህጹጽ ሕክምና ወይ ባህርያዊ ሓደጋ ኼጋጥሞም ከሎ፡ ብቕልጡፍ መንፈሳዊ ሓገዝ ይህቡ እዮም። ሓገዝ እንተ ኣድልዩካ፡ ከይተሰከፍካ ኣብ ጉባኤኻ ንዘሎ ሽማግለ ኸተዛርቦ ትኽእል ኢኻ።—ያእ 5:14

ነታ ንመጓሰ ዚሓልዩ ጓሶት ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • ማርያና ኻብቲ ሽማግለታት ዝሃብዋ ሓገዝ እተጠቕመት ብኸመይ እያ፧

  • ኤልያስ ካብቲ ሽማግለታት ዝሃብዎ ሓገዝ እተጠቕመ ብኸመይ እዩ፧

  • እዚ ተመክሮታት እዚ፡ ብዛዕባ እቲ ሽማግለታት ዚዓይይዎ ዕዮ ንዘሎካ ኣርኣእያ ብኸመይ ጸልይዎ፧