ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክርስትያናዊ ህይወት

ንቐንዲ ገጽ JW.ORG ኣብ ኣገልግሎትካ ተጠቐመሉ

ንቐንዲ ገጽ JW.ORG ኣብ ኣገልግሎትካ ተጠቐመሉ

ኣብ ቀንዲ ገጽ ወብሳይትና ዚወጽእ ዓንቀጻትን ቪድዮታትን፡ ናይ የሆዋ ምስክር ንዘይኰኑ ቕኑዕ ዝልቦም ሰባት ንምስሓብ እዩ ተዳልዩ። (ግብ 13:48) መብዛሕትኡ ግዜ፡ ኣብ ዜና ዘሎ ወይ ሰባት ብዛዕባ ዚሓስብዎን ዚዛረብዎን ርእሰ ነገር እዩ ዜጕልሕ።

ንቐንዲ ገጽ JW.ORG ኣብ ኣገልግሎትካ ብኸመይ ክትጥቀመሉ ትኽእል፧

  • ነቲ ወብሳይት ኣዘውቲርካ ርኣዮ። ነቲ ኣብ ቀረባ ግዜ ዝወጸ ኣስተብህለሉ፣ ኣብ ኣገልግሎት፡ ተገዳስነት ንዘሕደረ ሰብ ብኸመይ ከም እትጥቀመሉ ድማ ሕሰብ። (ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ቀንዲ ገጽ ዝወጸ ሕታማት እንተ ደሊኻ፡ “ዝያዳ ርአ” ንዚብል ጠውቕ።) ነዚ ወብሳይት በብእዋኑ ትርእዮ እንተ ደኣ ዄንካ፡ ኣብ ኣገልግሎት ዚጠቕመካ ሓድሽ ሓሳባት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

  • ኣብ ቀንዲ ገጽ ንዚወጽእ ዓንቀጻትን ቪድዮታትን ዝርርብ ንምጅማር ተጠቐመሉ። እዚ ሕታማት እዚ፡ ብዛዕባ እቶም ኣብ ክልና ዘለዉ ሰባት ዚሓስብዎ ኣፋፍኖት ኪህበና ይኽእል እዩ።

  • ነቲ ቐንዲ ገጽ ንሰባት ኣርእዮም። ንገለ ርእሰ ነገራት ኣጕልሓሎም፣ ኣብቲ ወብሳይት ብኸመይ ሓበሬታ ኸም ዚረኽቡ ድማ ኣርእዮም።

  • ሊንክ ልኣኽ። ገሊኦም ሰባት ምሳና ብኣካል ኪዘራረቡ ኣይደልዩን እዮም፣ ንወብሳይትና ኺርእይዎ ግና ፍቓደኛታት እዮም። ስለዚ፡ ተገዳስነት ንዘሕደረ ሰብ ናብቲ ቐንዲ ገጽ ወይ ኣብቲ ቐንዲ ገጽ ናብ ዘላ ሓንቲ ዓንቀጽ ወይ ቪድዮ ዚመርሕ ሊንክ ክትልእከሉ ኣይትሰከፍ።