ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ
ንግጉይ ሓበሬታ ተጠንቀቐሉ
ኤሊፋዝ ብምኽንያት ዕድሚኡን ድሕረ ባይታኡን ዜተኣማምን ምንጪ ሓበሬታ ዘለዎ እዩ ዚመስል ነይሩ (እዮ 4:1፣ it-1 713 ¶11)
ንሱ ንእዮብ ተስፋ ዜቝርጽ መልእኽቲ እተዛረቦ ብሓይሊ ኣጋንንቲ እዩ (እዮ 4:14-16፣ w05 15/9 26 ¶2)
ኤሊፋዝ ሓቅነት ዘለዎ ዘረባ እኳ እንተ ተዛረበ፡ ኣብ ግጉይ ቦታ እዩ ተጠቒሙሉ (እዮ 4:19፣ w10 15/2 19 ¶5-6)
እዛ ናይ ሰይጣን ዓለም፡ ጐዳኢ ዝዀነ ግጉይ ሓበሬታ ብቐጻሊ ትነዝሕ እያ።
ንርእስኻ ኸምዚ ዚስዕብ ኢልካ ሕተታ፦ ‘ንዝረኽቦ ሓበሬታ ግዜ መዲበ እግምግሞ ድየ፧’—mrt 32 ¶13-17።