ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክርስትያናዊ ህይወት

የሆዋ ነቶም መንፈሶም እተደቝሰ የድሕኖም

የሆዋ ነቶም መንፈሶም እተደቝሰ የድሕኖም

ኵሉ ሰብ ዚጕህየሉ ግዜ ኣሎ። ጓሂ ምልክት መንፈሳዊ ድኽመት ኣይኰነን። የሆዋ እውን ከይተረፈ ሓድሓደ ግዜ ጓሂኡ ይገልጽ እዩ። (ዘፍ 6:5, 6) እንተዀነ ግና፡ መብዛሕትኡ ግዜ፡ ወረግ ኵሉ ግዜ ጓሂ ዚስምዓና እንተ ዀይኑኸ፧

ካብ የሆዋ ሓገዝ ሕተት። የሆዋ ብዛዕባ ኣእምሮኣውን ስምዒታውን ጥዕናና ኣዝዩ ይግደስ እዩ። ክንሕጐስን ክንጕህን ከለና ይፈልጥ እዩ። ነቲ እንሓስቦን ዚስምዓናን ይርድኦ እዩ። (መዝ 7:9ለ) ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ የሆዋ ይሓልየልና እዩ፣ ጓሂ፡ ሕሉፍ ሓሊፉ ሕዱር ጭንቀት ኬጋጥመና ኸሎ ኽንዋጽኣሉ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ።—መዝ 34:18

ኣእምሮኣዊ ጥዕናኻ ተኸናኸን። ኣሉታዊ ስምዒታት ንሓጐስናን ንኣምልኾናን ኪጸልዎ ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ንልብና፡ ማለት ንውሽጣዊ ሰብና ኽንሕልዎ ኣሎና።—ምሳ 4:23

ነታ ኣሕዋትና ሰላም ረኺቦም ኣለዉ—ሕዱር ጭንቀት እናሃለወ ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • ኒኪ ንሕዱር ጭንቀት ክትጻወር ዝሓገዛ እንታይ ግብራዊ ስጕምቲ እያ ወሲዳ፧

  • ኒኪ ሕክምናዊ ሓገዝ ክትደሊ ኸም ዘለዎ እተሰምዓ ስለምንታይ እያ፧—ማቴ 9:12

  • ኒኪ፡ የሆዋ ምእንቲ ኺሕግዛ ኣብ ምንታይ መዳያት ኣብኡ ተወኪላ፧