ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ
ብተኣማንነት እትርአ ፍቕሪ ኣምላኽ ካብ ናይ ሰይጣን ሓሶት ተዕቍበና
ሰይጣን፡ ሰባት ጠንቂ እቲ ዜጋጥሞም ሕማቕ ነገራት የሆዋ ኸም ዝዀነ ኺኣምኑ እዩ ዚደሊ (እዮ 8:4)
ንሱ ኣብ የሆዋ እምነት ይሃልወና ኣይሃልወና ብዘየገድስ፡ የሆዋ ብዛዕባና ኸም ዘይግደስ ክንሓስብ እዩ ዚደሊ (እዮ 9:20-22፣ w15 1/7 12 ¶3)
ብተኣማንነት እትርአ ፍቕሪ የሆዋ ብሰይጣን ከይንታለልን ንጽህናና ኽንሕሉን ትሕግዘና (እዮ 10:12፣ መዝ 32:7, 10፣ w21.11 6 ¶14)
ነዚ ፈትኖ፦ ኣብ እዋን ፈተና ምእንቲ ኽትጸንዕ፡ የሆዋ ብኸመይ ብተኣማንነት የፍቅረካ ኸም ዘሎ ኣስተብህለሉ፡ ጽሓፎ፡ ከምኡ ድማ ብተደጋጋሚ ኸልሶ።