ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክርስትያናዊ ህይወት

ዘይሃይማኖተኛታት ሰባት ንፈጣሪኦም ኪፈልጡ ሓግዞም

ዘይሃይማኖተኛታት ሰባት ንፈጣሪኦም ኪፈልጡ ሓግዞም

ዘይሃይማኖተኛታት ሰባት ኣይሰምዑን እዮም ብዚብል፡ ንዕኦም ካብ ምምስካር ድሕር ምሕር ኢልካዶ ትፈልጥ፧ ከምኡ ይስምዓካ እንተ ዀይኑ፡ ሓያሎ ዘይሃይማኖተኛታት ሰባት፡ እንተላይ ብህላወ ኣምላኽ ዘይኣምኑ ዝነበሩ ሰባት፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኪዀኑ ኸም ዝኸኣሉ ዘክር። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ንህልውና ኣምላኽ ዜረጋግጽ መርትዖ ኺምርምሩ ንእሽቶ ሓገዝ ጥራይ እዩ ዜድልዮም።—ሮሜ 1:20፣ 10:14

ነታ እምነት ዘይነበሮም ሰባት፡ እምነት ኬጥርዩ ኸም ዚኽእሉ ኣይትረስዕ!—ዘይሃይማኖተኛታት ሰባት ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዛ እትስዕብ ሕቶ መልሳ፦

ተመክሮ ቶማዞ ንዘይሃይማኖተኛታት ሰባት ምእንቲ ኽትምስክር ኣወንታዊ ኣርኣእያ ኽትሕዝ ዝሓገዘካ ብኸመይ እዩ፧