ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 2

“ምንጪ ዓብዪ ምጽንናዕ” ክትከውን ትኽእል ኢኻ

“ምንጪ ዓብዪ ምጽንናዕ” ክትከውን ትኽእል ኢኻ

“ንመንግስቲ ኣምላኽ መዓይይተይ ዝዀኑ እዚኣቶም ጥራይ እዮም፣ ምንጪ ዓብዪ ምጽንናዕ እውን ኰይኖምኒ ኣለዉ።”—ቈሎ. 4:11

መዝሙር 90 ንሓድሕድና ንተባባዕ

መላለዪ *

1. ብዙሓት እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ እንታይ ጸቕጢ የጋጥሞም ኣሎ፧

ኣብ ብዘላ ዓለም፡ ብዙሓት ኣገልገልቲ የሆዋ ብዙሕ ጸቕጥን መከራን የሕልፉ ኣለዉ። ኣብ ጉባኤኻስ ከምኡ ኣስተብሂልካዶ፧ ገሊኦም ክርስትያናት ከቢድ ሕማም ጾይሮም ወይ ብሰንኪ ሞት ዚፈትውዎ ሰቦም ሓዘን ጾይሮም ይመላለሱ ኣለዉ። ገሊኦም ድማ ኣባላት ስድራ ቤቶም ወይ ናይ ቀረባ ፈታዊኦም ካብ ሓቂ ብምውጻኡ፡ ከቢድ ስቓይ ይጻወሩ ኣለዉ። ገሊኦም ከኣ ግዳያት ባህርያዊ ሓደጋታት ኰይኖም ኣለዉ። ኵሎም እዞም ኣሕዋትናን ኣሓትናን ምጽንናዕ የድልዮም እዩ። ከመይ ጌርና ኽንሕግዞም ንኽእል፧

2. ሓድሓደ ግዜ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ምጽንናዕ ዜድልዮ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧

2 ሃዋርያ ጳውሎስ ንህይወቱ ዜስግእ ብዙሕ ሓደጋታት ኣጋጢምዎ ነይሩ እዩ። (2 ቈረ. 11:23-28) ነቲ ጸገም ጥዕና ኪኸውን ዚኽእል “ኣብ ስጋይ እሾዅ ተዋሂቡኒ” ኢሉ ዝገለጾ ጸገም እውን ኪጻወር ነይርዎ እዩ። (2 ቈረ. 12:7) ብዘይካዚ፡ እቲ መዓይይቱ ዝነበረ ዴማስ “ነዚ ስርዓት እዚ ስለ ዝፈተወ” ሓዲግዎ ምኻዱ፡ ኣጕህይዎ ነይሩ እዩ። (2 ጢሞ. 4:10) ጳውሎስ ንሰባት ብዙሕ ዚሕግዝ ብመንፈስ እተቐብአ ተባዕ ክርስትያን እዩ ነይሩ፣ ሓድሓደ ግዜ ግና ተስፋ ይቘርጽ ነይሩ እዩ።—ሮሜ 9:1, 2

3. ካብ መን እዩ ጳውሎስ ምጽንናዕን ደገፍን ረኺቡ፧

3 ጳውሎስ፡ ዜድልዮ ዘበለ ምጽንናዕን ደገፍን ይርከብ ነይሩ እዩ። ብኸመይ፧ የሆዋ ብመንፈስ ቅዱስ ገይሩ ብርግጽ ኣበርቲዕዎ እዩ። (2 ቈረ. 4:7፣ ፊል. 4:13) ብዘይካዚ ድማ፡ ብክርስትያናት ብጾቱ ኣቢሉ ኣጸናኒዕዎ እዩ። ጳውሎስ ንገሊኦም መዓይይቱ፡ “ምንጪ ዓብዪ ምጽንናዕ” ኢሉ ገሊጽዎም ኣሎ። (ቈሎ. 4:11) ገለ ኻብቶም ብስሞም እተረቝሑ ኸኣ፡ ኣርስጣርኮስን ትኪቆስን ማርቆስን ኪጥቀሱ ይከኣሉ እዮም። ንሳቶም ንጳውሎስ ኣበርቲዖምዎን ኪጻወር ሓጊዞምዎምን እዮም። እሞ ደኣ እዞም ሰለስተ ክርስትያናት እዚኦም ንፉዓት መጸናናዕቲ ንምዃን እንታይ ባህርያት ሓጊዝዎም፧ ንሓድሕድና ኽንጸናናዕን ክንተባባዕን ከለና፡ ከመይ ጌርና ኢና ሰናይ ኣብነቶም ክንስዕብ እንኽእል፧

እሙን ከም ኣርስጣርኮስ

ኣብ “ግዜ ጭንቂ” ኻብ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዘይንፍለ እንተ ዄንና፡ ከም ኣርስጣርኮስ እሙናት ኣዕሩኽ ክንከውን ንኽእል ኢና (ሕጡብ ጽሑፍ 4-5 ርአ) *

4. ኣርስጣርኮስ ንጳውሎስ እሙን ዓርኩ ምዃኑ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

4 ኣብ ተሰሎንቄ ዚነብር መቄዶንያዊ ዝዀነ ኣርስጣርኮስ ንጳውሎስ እሙን ዓርኩ እዩ ነይሩ። ብዛዕባኡ ኸኣ ንመጀመርታ ግዜ ኣብቲ ጳውሎስ ኣብ ሳልሳይ ሚስዮናዊ ጕዕዞኡ ናብ ኤፌሶን ኣብ ዝኸደሉ እዋን እዩ ተጠቒሱ እንረክብ። ኣርስጣርኮስ ምስ ጳውሎስ ከሎ፡ ብመዕገርገቲ ሰባት ተታሕዘ። (ግብ. 19:29) ምስ ፈነውዎ፡ ምስ ጳውሎስ ደኣ ብተኣማንነት ለገበ እምበር፡ ርእሱ ኼድሕን ኣይደለየን። ድሕሪ ገለ ኣዋርሕ፡ ተጻረርቲ ንህይወት ጳውሎስ ዜስግእ ውዲት ኣብ ዝኣለሙሉ እዋን፡ ኣርስጣርኮስ ካብ ጐድኒ ጳውሎስ ኣይተፈልየን። (ግብ. 20:2-4) ኣብ ከባቢ 58 ድ.ክ.፡ ጳውሎስ ተኣሲሩ ናብ ሮሜ ኣብ ዚኸደሉ ዝነበረ ግዜ፡ ኣርስጣርኮስ ኣብቲ ጕዕዞኡ ኣሰንይዎ እዩ፣ እታ ዝነበርዋ መርከብ እውን ተሰቢራቶም እያ። (ግብ. 27:1, 2, 41) ኣብ ሮሜ ምስ ኣተዉ፡ ኣርስጣርኮስ ምስ ጳውሎስ ተኣሲሩ ነይሩ እዩ። (ቈሎ. 4:10) ጳውሎስ ካብዚ እሙን ብጻይ እዚ ምትብባዕን ምጽንናዕን ምርካቡ እምበኣር ኬገርመና የብሉን!

5. ብመሰረት ምሳሌ 17:17፡ ከመይ ጌርና ኢና እሙናት ኣዕሩኽ ክንከውን እንኽእል፧

5 ኣብ ግዜ ራህዋ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ “ግዜ ጭንቂ” እውን ካብ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዘይንፍለ እንተ ዄንና፡ ከም ኣርስጣርኮስ እሙናት ኣዕሩኽ ክንከውን ንኽእል ኢና። (ምሳሌ 17:17 ኣንብብ።) ኣሕዋትናን ኣሓትናን መከራ ኻብ ዜጋጥሞም ንውሕ ዝበለ ግዜ እኳ እንተ ኣሕለፉ፡ መጸናንዒ ኼድልዮም ይኽእል እዩ። ክልተ ወለዳ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ ብሕማም መንሽሮ ዝሰኣነት ፍራንሲስ * ከምዚ ትብል፦ “ከቢድ መከራ ንነዊሕ ግዜ እዩ ዚጸልወና። ወለደይ ካብ ዚሞቱ ንውሕ ዝበለ ግዜ እኳ እንተ ሓለፈ፡ ነቶም ገና ስቓይ ከም ዘሎኒ ዚርድኡለይ እሙናት ፈተውተይ አመስግኖም እየ።”

6. ተኣማንነት እንታይ ክንገብር እዩ ዚድርኸና፧

6 እሙናት ኣዕሩኽ ንኣሕዋቶምን ንኣሓቶምን ንምድጋፍ፡ መስዋእትታት ይኸፍሉ እዮም። ንኣብነት፡ ፒተር ዝስሙ ሓው፡ ብቕልጡፍ ዚቐትል ሕማም ከም ዘለዎ ፈለጠ። ካትሪን ዝስማ ሰበይቱ ብዛዕባ እዚ ኸምዚ ትብል፦ “ኣብ ጉባኤና ዚርከቡ ሰብ ሓዳር ናብቲ ብዛዕባ ሕማም ፒተር ዝፈለጥናሉ ቘጸራ ወሲዶምና። ብኡብኡ ድማ እዮም ኣብዚ ዜሳቒ ጕዕዞ በይንና ኽንከይድ ከም ዘይብልና ወሲኖም፣ ክንደልዮም ከለና ኻብ ጐድንና ኣይተፈልዩን።” መከራ ኽንጻወር ዚሕግዙና ናይ ሓቂ ኣዕሩኽ ምርካብና ብዙሕ የጸናንዓና እዩ።

ርጡብ ከም ትኪቆስ

ካልኦት ምስ ጸገማቶም ኪቃለሱ ኸለዉ፡ ከም ትኪቆስ ርጡባት ኣዕሩኽ ብምዃን ክንሕግዞም ንኽእል ኢና (ሕጡብ ጽሑፍ 7-9 ርአ) *

7-8. ብመሰረት ቈሎሴ 4:7-9፡ ትኪቆስ ርጡብ ምዃኑ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

7 ኣብ ሮሜ ኣብ እትርከብ ኣውራጃ እስያ ዚነብር ዝነበረ ትኪቆስ፡ ንጳውሎስ እሙን ብጻዩ እዩ ነይሩ። (ግብ. 20:4) ኣብ ከባቢ 55 ድ.ክ.፡ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ይሁዳ ዝነበሩ ክርስትያናት ዚኸውን ረድኤት ኣኪቡ ነይሩ እዩ፣ ኣብዚ ኣገዳሲ ዕዮ እዚ ድማ ትኪቆስ ሓጊዙ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (2 ቈረ. 8:18-20) ደሓር፡ ጳውሎስ ኣብ ሮሜ ምስ ተኣስረ፡ ትኪቆስ ይልኣኾ ነይሩ እዩ። ካብ ጳውሎስ እተላእከ ደብዳበታትን መልእኽትታትን ከኣ ነተን ኣብ እስያ ዝነበራ ጉባኤታት የብጽሓለን ነይሩ እዩ።—ቈሎ. 4:7-9

8 ትኪቆስ ንጳውሎስ፡ ርጡብ ዓርኪ ዀይኑሉ እዩ። (ቲቶ. 3:12) ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ዅሎም ክርስትያናት ኣይኰኑን ከም ትኪቆስ ርጡባት ዝነበሩ። ኣብ ከባቢ 65 ድ.ክ.፡ ኣብቲ ጳውሎስ ካልኣይ ሳዕ ተኣሲሩሉ ዝነበረ እዋን፡ ብዙሓት ኣብ እስያ ዝነበሩ ክርስትያናት ከም ዝጠንጠንዎ ገሊጹ ኣሎ፣ ከምኡ ዝገበሩ ድማ ንተጻረርቲ ስለ ዝፈርሁ እዮም ኪዀኑ ዚኽእሉ። (2 ጢሞ. 1:15) ብኣንጻሩ ግና፡ ጳውሎስ ብትኪቆስ ኪተኣማመን ይኽእል ነይሩ እዩ፣ ካልእ ዕዮ እውን ሂብዎ እዩ። (2 ጢሞ. 4:12) ጳውሎስ ከም ትኪቆስ ዝበለ ጥዑይ ዓርኪ ብምርካቡ፡ ብዙሕ ኣመስጊኑ ኪኸውን ኣለዎ።

9. ከመይ ጌርና ኢና ንትኪቆስ ክንመስሎ እንኽእል፧

9 ርጡብ ዓርኪ ንኸውን እንተ ዄንና፡ ንትኪቆስ ክንመስሎ ንኽእል ኢና። ንኣብነት፡ ንእተሸገሩ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ክንሕግዞም ቃል ካብ ምእታው ሓሊፍና፡ ብግብሪ ንሕግዞም ኢና። (ማቴ. 5:37፣ ሉቃ. 16:10) እቶም ሓገዝ ዜድልዮም ብኣና ኺተኣማመኑ ኸም ዚኽእሉ እንተ ፈሊጦም፡ ብሓቂ ኺጸናንዑ ይኽእሉ እዮም። ስለምንታይ ከምኡ ኸም ዝዀነ፡ ሓንቲ ሓብቲ ኽትገልጽ ከላ፡ “እቲ ኺሕግዘካ ፍቓደኛ ዝዀነ ሰብ ነቲ ቓል ዝኣተዎ ንምግባር ‘ግዜኡ ሓልዩ ኺመጽእ ድዩ፧’ ዚብል ተወሳኺ ጸቕጢ ኣይህልወካን እዩ” ትብል።

10. ኣብ ምሳሌ 18:24 ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ እቶም መከራ ወይ ጓሂ ዝጾሩ ሰባት፡ ካብ መን እዮም ምጽንናዕ ዚረኽቡ፧

10 እቶም መከራ ወይ ጓሂ ዝጾሩ ሰባት፡ ምስጢሮም ዚዕቅበሎም ርጡብ ዓርኪ እንተ ረኺቦም፡ መብዛሕትኡ ግዜ ይጸናንዑ እዮም። (ምሳሌ 18:24 ኣንብብ።) ቢጃ ዝስሙ ሓው ወዱ ምስ ተወገደ ብዙሕ ጕህዩ እዩ፣ ብዛዕባ እቲ ዅነታት ድማ፡ “ስምዒተይ ንዝኣምኖ ሰብ ከካፍል ነይሩኒ” ይብል። ካርሎስ ከኣ ጌጋ ምስ ገበረ፡ ኣብ ጉባኤ ዝነበሮ ፍሉይ መሰል ሰኣነ። ንሱ ድማ፡ “ሰብ ከይፈርደኒ ኢለ ኸይሰጋእኩ ስምዒተይ ብናጽነት ዝገልጸሉ ‘ውሑስ ቦታ’ የድልየኒ ነይሩ እዩ” ይብል። ነቲ ውሑስ ቦታ እቲ ኸኣ ኣብቶም ንጸገሙ ኺሰግሮ ዝሓገዝዎ ሽማግለታት እዩ ረኺብዎ። ሽማግለታት ጥንቁቓት ከም ዝዀኑን ምስጢሩ ኸም ዚዕቅቡሉን ምፍላጡ እውን ኣጸናኒዕዎ እዩ።

11. ከመይ ጌርና ኢና ርጡብን ምስጢር ዚዕቅብን ፈታዊ ኽንከውን እንኽእል፧

11 ርጡብን ምስጢር ዚዕቅብን ፈታዊ ንምዃን፡ ትዕግስቲ ኸነማዕብል ኣሎና። ዣና ሰብኣያ ሓዲግዋ ምስ ከደ፡ ስምዒታ ንናይ ቀረባ ፈተውታ ብምክፋል ተጸናኒዓ እያ። “ሕደ ነገራት ደጋጊመ እነግሮም እኳ እንተ ነበርኩ፡ ብትዕግስቲ ሰሚዖምኒ እዮም” ድማ ትብል። ንስኻ እውን ንፉዕ ሰማዒ ብምዃን፡ ንፉዕ ዓርኪ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ።

ንምግልጋል ፍቓደኛ ኸም ማርቆስ

ማርቆስ ዝገበሮ ሰናይ ተግባር ንጳውሎስ ኪጻወር ሓጊዝዎ እዩ፣ ንሕና እውን ንኣሕዋትና ኣብ ግዜ ጸበባኦም ክንሕግዞም ንኽእል ኢና (ሕጡብ ጽሑፍ 12-14 ርአ) *

12. ማርቆስ መን እዩ ነይሩ፧ ንምግልጋል ፍቓደኛ ምዃኑኸ ብኸመይ እዩ ኣርእዩ፧

12 ማርቆስ ኣብ የሩሳሌም ዚነብር ኣይሁዳዊ ዝዀነ ክርስትያን እዩ ነይሩ። በርናባስ ዘመዱ ኸኣ ፍሉጥ ሚስዮናዊ እዩ ነይሩ። (ቈሎ. 4:10) ቤተ ሰብ ማርቆስ ብስጋ ሃብታማት ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም፣ ማርቆስ ግና ንስጋዊ ነገራት ኣብ ህይወቱ ቐዳምነት ኣይሃበን። ኣብ ምሉእ ህይወቱ፡ ንኻልኦት ንምግልጋል ፍቓደኛ ምዃኑ ኣርእዩ እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ እተፈላለየ ግዜያት ኣብ ጐድኒ ሃዋርያ ጳውሎስን ሃዋርያ ጴጥሮስን ኰይኑ ኣገልጊሉ እዩ፣ ኣብቲ ግዜ እቲ ይከናኸኖም ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ግብ. 13:2-5፣ 1 ጴጥ. 5:13) ጳውሎስ ብዛዕባ ማርቆስ፡ “ንመንግስቲ ኣምላኽ መዓይይተይ” ኢሉ ድሕሪ ምግላጹ፡ “ዜበራትዕ ደገፍ” ከም ዝዀኖ ሓቢሩ እዩ።—ቈሎ. 4:10, 11፡ እ.ጽ.።

13. ጳውሎስ ነቲ ማርቆስ ብተኣማንነት ዜቕርቦ ዝነበረ ኣገልግሎት ከም ዘማሰወሉ፡ ኣብ 2 ጢሞቴዎስ 4:11 ብኸመይ ተገሊጹ ኣሎ፧

13 ማርቆስ ሓደ ኻብቶም ናይ ቀረባ ኣዕሩኽ ጳውሎስ እዩ ነይሩ። ንኣብነት፡ ጳውሎስ ንመወዳእታ ግዜ ኣብ ሮሜ ኣብ እተኣስረሉ እዋን፡ ማለት ኣብ ከባቢ 65 ድ.ክ.፡ ንጢሞቴዎስ ካልአይቲ መልእኽቱ ጽሒፉሉ እዩ። ኣብታ መልእኽቲ እቲኣ ድማ፡ ንማርቆስ ተማሊእዎ ኺመጽእ ጽሒፉ ኣሎ። (2 ጢሞ. 4:11) ጳውሎስ ነቲ ማርቆስ ኣብ ሕሉፍ ግዜ ብተኣማንነት ዝገበረሉ ኣገልግሎት ኣማስዩሉ ኪኸውን ኣለዎ፣ ስለዚ ድማ እዩ ኣብቲ ወሳኒ ግዜ እቲ፡ ማርቆስ ጥቓኡ ኪኸውን ዚሓትት ዝነበረ። ማርቆስ ንጳውሎስ ብግብራዊ መገድታት ይሕግዞ ነይሩ እዩ፣ ምናልባት ድማ ዜድልዮ ምግቢ ወይ ናውቲ ጽሕፈት የቕርበሉ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እቲ ጳውሎስ ዝረኸቦ ደገፍን መተባብዕን ከኣ ኣብተን ሞቱ ምስ ቀረበ ዝነበራ ናይ መወዳእታ መዓልትታት ኪጻወር ሓጊዝዎ ኪኸውን ኣለዎ።

14-15. ንኻልኦት ሰባት ብግብሪ ብዛዕባ ምሕጋዝ፡ ካብ ማቴዎስ 7:12 እንታይ ንምሃር፧

14 ማቴዎስ 7:12 ኣንብብ። ጸገማት ከነሕልፍ ከለና፡ ነቶም ብግብሪ ዚሕግዙና ብዙሕ ነመስግኖም ኢና! ኣቦኡ ብሓደጋ ዝሞቶ ራያን፡ “መከራ ኼጓንፈካ ኸሎ፡ ኣዝዩ ብዙሕ ልሙድ ነገራት ዘይትኽእሎ እዩ ዚመስለካ። ኣዝዩ ንእሽቶ ዚመስል ግብራዊ ሓገዝ፡ ብዙሕ እዩ ዚጠቕመካ” ይብል።

15 ንቑሓትን መስተብሃልትን ብምዃን፡ ንኻልኦት ብግብሪ ኽንሕግዝ ንኽእል ኢና። ንኣብነት፡ ሓንቲ ሓብቲ ነቶም ኣቐዲሞም እተጠቕሱ ፒተርን ካትሪንን ናብ ኵሉ እቲ ናይ ሕክምና ቘጸራኦም ኪኸዱ ኸለዉ ንምሕጋዝ ተበግሶ ወሲዳ እያ። ፒተርን ካትሪንን ማኪና ኺዝውሩ ኣይክእሉን እዮም፣ ስለዚ፡ እታ ሓብቲ ኣብ ጉባኤ ዚርከቡ ፍቓደኛታት ዝዀኑ ክርስትያናት በብተራ ኼብጽሕዎም መደብ ኣውጺኣትሎም እያ። እሞኸ እዝስ ሓጊዙዶ፧ ካትሪን፡ “ካብ መንኵብና ጾር ኸም እተላዕለልና ዀይኑ እዩ ተሰሚዑና” ትብል። ቀሊል ዝዀነ ሰናይ ተግባር ብዙሕ ኬጸናንዕ ይኽእል እዩ።

16. ምንጪ ምጽንናዕ ብዛዕባ ምዃን፡ ካብ ማርቆስ እንታይ ኣገዳሲ ትምህርቲ ንምሃር፧

16 እቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ማርቆስ ብስራሕ ትሑዝ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ከቢድ ቲኦክራስያዊ ሓላፍነት ነይርዎ እዩ፣ ሓደ ኻብዚ ድማ ነታ ብስሙ እትጽዋዕ ወንጌል ምጽሓፍ እዩ ነይሩ። ኰይኑ ግና፡ ንጳውሎስ ንምጽንናዕ ዚኸውን ግዜ ነይርዎ እዩ፣ ጳውሎስ እውን ካብ ማርቆስ ሓገዝ ንምሕታት ኣይተሰከፈን። ኣባል ቤተ ሰባ ብሕማቕ ኣማውታ ዝሞተታ ኣንጀላ፡ ነቲ ኣብቶም ኣጸናናዕታ ዝረኣየቶ ናይ ፍቓደኛነት መንፈስ ኣማስያትሉ እያ። ንሳ ኸምዚ ትብል፦ “ፈተውትኻ ብሓቂ ኺሕግዙ ዚደልዩ እንተ ዀይኖም፡ ተቐረብቲ እዮም ዚዀኑልካ። ተወላወልቲ ወይ ሰጋእ መጋእ ዚብሉ ዀይኖም ኣይርኣዩኻን እዮም።” ንሕና እምበኣር፡ ‘ንክርስትያናት ብጾተይ ብግብሪ ንምጽንናዕ ፍቓደኛ ኸም ዝዀንኩ ድየ ዝፍለጥ፧’ ኢልና ገዛእ ርእስና ኽንሓትት ንኽእል ኢና።

ንኻልኦት ንምጽንናዕ ንቝረጽ

17. ብዛዕባ 2 ቈረንቶስ 1:3, 4 ምስትንታንና፡ ንኻልኦት ከነጸናንዕ ዚድርኸና ብኸመይ እዩ፧

17 መጸናንዒ ዜድልዮም ኣሕዋትን ኣሓትን ንምርካብ፡ ርሒቕና ኽንደሊ ኣየድልየናን እዩ። ካልኦት ንምጽንናዕና እተጠቕምሉ ዜተባብዕ ሓሳባት እውን ክንጥቀም ንኽእል ኢና። ዓባያ ዝሞተታ ኒኖ ዝስማ ሓብቲ፡ “የሆዋ ኺጥቀመልና እንተ ፈቒድና፡ ብኣና ኣቢሉ ንኻልኦት ኬጸናንዕ ይኽእል እዩ” ትብል። (2 ቈረንቶስ 1:3, 4 ኣንብብ።) እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ፍራንሲስ እውን፡ “2 ቈረንቶስ 1:4 እትብሎ ሓቂ እዩ። ነቲ እንረኽቦ ምጽንናዕ፡ ናብ ካልኦት ከነመሓላልፎ ንኽእል ኢና” ትብል።

18. (ሀ) ገሊኦም መጸናንዒ ምሃብ ዜፍርሆም ስለምንታይ ኪኸውን ይኽእል፧ (ለ) ከመይ ጌርና ኢና ንሰባት ብሓቂ ኸነጸናንዕ እንኽእል፧ ኣብነት ሃብ።

18 ዋላ እውን ፍርሂ እናተሰምዓና፡ ንኻልኦት ንምሕጋዝ ብተበግሶና ስጕምቲ ኽንወስድ ኣሎና። ንኣብነት፡ ሓደ ሰብ ኣብ ጭንቂ ኪኸውን ከሎ፡ እንታይ ከም እንብል ወይ እንታይ ከም እንገብር ስለ ዚጠፍኣና፡ ንፈርህ ንኸውን። ፖል ዝስሙ ሽማግለ ብዛዕባ እቲ ኣቦኡ ምስ ሞተ ገሊኦም ዝገበርዎ ጻዕርታት ተዘክሮኡ ኺገልጽ ከሎ ኸምዚ ይብል፦ “ቀሪቦም ኬዛርቡኒ ይኸብዶም ከም ዝነበረ ይርድኣኒ ነይሩ እዩ። ዚብልዎ ጠፊእዎም ነይሩ እዩ። ነቲ ኼጸናንዑን ኪድግፉን ዝነበሮም ድሌት ግና ኣኽቢረ እየ ርእየዮ።” ታጆን ዝስሙ ሓው ድማ ብዛዕባ እቲ ሓያል ምንቅጥቃጥ ምድሪ ምስ ኣጋጠመ ዝዀነ ነገራት ኪገልጽ ከሎ፡ “ሓቂ ይሓይሽ፡ ንብምሉኡ እቲ ድሕሪ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣብ ዝነበራ መዓልትታት ሰባት ዝሰደዱለይ መልእኽቲ ኣይዝክሮን እየ፣ ብሓልዮት ተደሪኾም ደሓን ምዃነይ ኬረጋግጹ ኸም ዝደለዩ ግና እዝክሮ እየ” ይብል። ንሕና እውን ከም እንሓሊ እንተ ኣርኢና፡ ንፉዓት መጸናናዕቲ ኽንከውን ንኽእል ኢና።

19. “ምንጪ ዓብዪ ምጽንናዕ” ክትከውን ቈሪጽካ ዘለኻ ስለምንታይ ኢኻ፧

19 ናብ መወዳእታ እዚ ስርዓት እዚ እናቐረብና ብዝኸድና መጠን፡ ኵነታት ዓለም እናተበላሸወን ህይወት እናጸንከረን ኪኸይድ እዩ። (2 ጢሞ. 3:13) ብሰንኪ ዝወረሰናዮ ሓጢኣትን ዘይፍጽምናን ኣብ ገዛእ ርእስና እነምጽኦ ጸገማት ስለ ዘሎ ድማ፡ ቀጻሊ ምጽንናዕ የድልየና እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ብኸፊል ሳላ እቲ ኻብ ክርስትያናት ብጾቱ ዝረኸቦ መጸናንዒ፡ ክሳዕ መወዳእታ ህይወቱ ብተኣማንነት ኪጻወር ክኢሉ እዩ። እምበኣር፡ እሙናት ከም ኣርስጣርኮስ፡ ርጡባት ከም ትኪቆስ፡ ንምግልጋል ፍቓደኛታት ከም ማርቆስ ንኹን። ከምኡ እንተ ዄንና፡ ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ኣብ እምነት ኪጸንዑ ኽንሕግዞም ኢና።—1 ተሰ. 3:2, 3

^ ሕ.ጽ. 5 ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ህይወቱ ብዙሕ ጸገማት ኣሕሊፉ እዩ። ኣብቲ ኣጸጋሚ እዋን ከኣ፡ ገሊኦም መዓይይቱ ምንጪ ዓብዪ ምጽንናዕ ኰይኖምዎ እዮም። ነዞም መዓይይቱ ንፉዓት መጸናናዕቲ ዝገበሮም ሰለስተ ባህርያት ክንርኢ ኢና። ከመይ ጌርና ኣብነቶም ብግብሪ ኸም እንስዕብ እውን ክንርኢ ኢና።

^ ሕ.ጽ. 5 ኣብዛ ዓንቀጽ ዚርከብ ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።

መዝሙር 111 መሐጐሲና

^ ሕ.ጽ. 56 መግለጺ ስእሊ፦ እታ ኣርስጣርኮስን ጳውሎስን ዝነበርዋ መርከብ ተሰቢራቶም።

^ ሕ.ጽ. 58 መግለጺ ስእሊ፦ ትኪቆስ ርጡብ ብምንባሩ፡ ደብዳበታት ጳውሎስ ናብ ጉባኤታት ኬብጽሕ ሓላፍነት ተዋሂብዎ።

^ ሕ.ጽ. 60 መግለጺ ስእሊ፦ ማርቆስ ንጳውሎስ ብግብሪ ሓጊዝዎ።