ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ታሪኽ ህይወት

ካብ ሰናይ ኣብነታት ስለ እተምሃርኩ፡ ብዙሕ በረኸት ረኺበ

ካብ ሰናይ ኣብነታት ስለ እተምሃርኩ፡ ብዙሕ በረኸት ረኺበ

ብግዜ ንእስነተይ፡ ኣገልግሎት ይኸብደኒ ነይሩ እዩ። እናዓበኹ ምስ ከድኩ፡ ዘይበቕዖ ዀይኑ ዚስምዓኒ ዝነበረ ዕዮታት ተዋሂቡኒ እዩ። እምበኣር፡ ኣብቲ 58 ዓመት ዝንውሓቱ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎተይ፡ ነቲ ፍርሀይ ሰጊረ ዜደንቕ በረኸት ክረክብ ብዛዕባ ዘኽኣሉኒ ገሊኦም ሰናይ ኣብነታት ከዘንትወልኩም።

ኣብታ ፈረንሳይኛ ዝቛንቋኣ ኣብ ካናዳ ኣብ ኣውራጃ ኲበክ እትርከብ ከተማ ኲበክ እየ ተወሊደ። ሉዊን ዚሊያን ዚብሃሉ ወለደይ ድማ፡ ፍቕሪ ኣብ ዝዓሰላ ቤት እዮም ኣዕብዮምኒ። ኣቦይ ብተፈጥሮኡ ሓናኽ እዩ ነይሩ፣ ንባብ ድማ ይፈቱ ነይሩ እዩ። ኣነ ኸኣ፡ ምጽሓፍ እፈቱ ነይረ እየ፣ ጋዜጠኛ ክኸውን እውን ትምኒት ነይሩኒ እዩ።

ወዲ 12 ዓመት ኣቢለ ኸለኹ፡ ሮዶልፍ ሱሲ ዝስሙ መሳርሕቲ ኣቦይ፡ ምስ ዓርኩ ብሓባር ኰይኑ ናብ ገዛና ኺበጽሓና መጸ። ክልቲኦም ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዮም ነይሮም። ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዙሕ ኣይፈልጥን እየ ነይረ፣ ብዛዕባ ሃይማኖት እውን ግዲ ኣይነበረንን። ንሕቶታት ብመጽሓፍ ቅዱስ ገይሮም ብዚወሓጠልካ መገዲ ዚምልሱ ምዃኖም ግና ኣድኒቐዮም እየ። ወለደይ እውን በዚ ስለ እተመሰጡ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጀሚርና ኢና።

ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ካቶሊክ እየ ዝምሃር ነይረ። ብዛዕባ እቲ ኻብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እተምሃርክዎ ነገራት ከኣ፡ ሓድሓደ ግዜ ምስ ደቂ ኽፍለይ ንዛራረብ ኔርና ኢና። ኣብ መወዳእታኡ፡ እቶም ካህናት ዝዀኑ መምህራንና ብዛዕባ እዚ ፈለጡ። ሽዑ፡ ብቕዱሳት ጽሑፋት ገይሮም ከም እተጋገኹ ኼረድኡኒ ኣብ ክንዲ ዚፍትኑ፡ ሓደ ኻባታቶም ዓለወኛ ኸም ዝዀንኩ ገይሩ ኣብ ቅድሚ ዅሎም ደቂ ኽፍልና ኸሰሰኒ። እዚ ጸቕጢ እኳ እንተ ፈጠረለይ፡ ሃይማኖታዊ ትምህርቲ እታ ቤት ትምህርቲ ምስቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ ኸም ዘይሰማማዕ ክግንዘብ ስለ ዝሓገዘኒ፡ ጽቡቕ ፍረ ኣፍርዩለይ እዩ። በዚ ኸምዚ፡ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ እቲ ኺምሃር ከም ዘይብለይ ተረዲኡኒ። ብፍቓድ ወለደይ ከኣ፡ ናብ ካልእ ቤት ትምህርቲ ቐዪረ።

ኣገልግሎት ምፍታው ብኸመይ ከም እተምሃርኩ

መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምግባር እኳ እንተ ቐጸልኩ፡ ኣብ በቤት እናኸድካ ምግልጋል የፍርሃኒ ስለ ዝነበረ ግና፡ ብዙሕ መንፈሳዊ ዕቤት ኣይገበርኩን። ቤተ ክርስትያን ካቶሊክ ዓብዪ ጽልዋ ነይርዋ እዩ፣ ንዕዮ ስብከትና እውን ኣበርቲዓ ትጻረሮ ነይራ እያ። እቲ ኣብ ኲበክ ዝለዓለ ስልጣን መንግስቲ ዝነበሮ ሞሪስ ድዩፕለሲ ነታ ቤተ ክርስትያን ናይ ቀረባ መሻርኽታ እዩ ነይሩ። ብሓገዙ ድማ ጭፍራ ሰባት ንናይ የሆዋ መሰኻኽር የሸግርዎምን የጥቅዕዎምን ነይሮም እዮም። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ስብከት ብሓቂ ትብዓት ይሓትት ነይሩ እዩ።

ካብ መበል ታሽዓይ ክፍሊ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ እተመረቐ ጆን ሬ ዚብሃል ሓው ግና ንፍርሀይ ከሰንፎ ሓጊዙኒ እዩ። እቲ ምኩር ዝነበረ ጆን፡ ልኡምን ትሑትን ተቐራብን እዩ ነይሩ። ብቐጥታ ምኽሪ ሂቡኒ ዳርጋ ዘይፈልጥ እኳ እንተ ዀነ፡ በቲ ሰናይ ኣብነቱ ግና ብዙሕ ተዛሪቡኒ እዩ። ፈረንሳይኛ የሸግሮ ነይሩ እዩ፣ ስለዚ፡ ብዙሕ ግዜ ኣሰንየዮ ናብ ኣገልግሎት እኸይድ ነይረ፡ ቋንቋ እውን እሕግዞ ነይረ እየ። ምስ ጆን ግዜ ምሕላፈይ፡ ብትብዓት ኣብ ጐድኒ ሓቂ ክቐውም ሓጊዙኒ እዩ። ስለዚ፡ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንፈለማ ግዜ ኻብ ዝራኸብ ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት፡ ማለት ብ26 ግንቦት 1951 ተጠሚቐ።

ጆን ሬ (ሀ) ዝሓደጎ ሰናይ ኣብነት፡ ንዓይ (ለ) ነቲ ብዛዕባ እቲ ኣብ በቤት ዚግበር ኣገልግሎት ዝነበረኒ ፍርሂ ኸሰንፍ ሓጊዙኒ እዩ

መብዛሕትኦም እቶም ኣብታ ኣብ ከተማ ኲበክ እትርከብ ንእሽቶ ጉባኤና ዝነበሩ ክርስትያናት፡ ፈለምቲ እዮም ነይሮም። እቲ ሰናይ ጽልዋኦም ድማ፡ ፈላሚ ክኸውን ደሪኹኒ እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ብመጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ ጌርና ኢና ኣብ በቤት እናኸድና እንሰብኽ ኔርና። ጽሑፋት ስለ ዘይነበረና፡ ንቕዱሳት ጽሑፋት ብውጽኢታዊ መገዲ ኽንጥቀመሉ ነይሩና። ስለዚ፡ ንሓቂ ኽጣበቐላ ምእንቲ ክኽእል፡ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ነይሩኒ። ኰይኑ ግና፡ ብዙሓት ሰባት ነቲ ኻብ ቤተ ክርስትያን ካቶሊክ ወግዓዊ ፍቓድ ዘለዎ እንተ ዘይኰይኑ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኬንብቡ ፍቓደኛታት ኣይነበሩን።

ብ1952 ሲሞን ፔትሪ ንዝስማ ጓል እቲ ዓዲ ዝዀነት እምንቲ ሓብቲ ተመርዓኽዋ። ክልቴና ኸኣ ናብ ሞንትርያል ገዓዝና፣ ኣብ ውሽጢ ዓመት ድማ ጓልና ሊዝ ተወልደት። ቀቅድሚ ምምርዓውና ፈላምነት ደው እኳ እንተ ኣበልኩ፡ ኣነን ሲሞንን ኣብ ንጥፈታት ጉባኤ ብስድራ ቤት ምሉእ ብምሉእ ምስታፍ ምእንቲ ኽንክእል፡ ንህይወትና ቐሊል ኢና ጌርናዮ ኔርና።

ኣገልግሎተይ ብዛዕባ ምስፋሕ ኣርዚነ ኽሓስበሉ ዝጀመርኩ ግና፡ ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት እዩ ነይሩ። ብ1962፡ ኣብ ቤት-ኤል ካናዳ ንሽማግለታት ኣብ እተገብረ ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ፡ ካሚል ዎለት ምስ ዝስሙ ሓው ኣብ ሓንቲ ኽፍሊ ቐነኹ። ካሚል ኣቦ ስድራ ስለ ዝነበረ፡ ንኣገልግሎት ዘለዎ ቕንኣት ብሓቂ ኣደኒቑኒ እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣብ ኲበክ፡ ቈልዓ እናኣዕበየ ፈላሚ ዀይኑ ዜገልግል ወላዲ ሰሚዕና ኣይንፈልጥን ኢና፣ ካሚል ግና ከምኡ እዩ ኺገብር ዚጽዕር ነይሩ። ኣብቲ ብሓባር ዘሕለፍናዮ ግዜ፡ ንዅነታተይ ክሓስበሉ ኣተባቢዑኒ እዩ። ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ከኣ፡ ከም ብሓድሽ ስሩዕ ፈላሚ ዀይነ ኸገልግል ከም ዝኽእል ኣስተውዒለ እየ። ገሊኦም፡ እቲ ውሳነይ ጥበባዊ እንተ ዀይኑ ሕቶ ተላዒልዎም እዩ፣ ኣነ ግና የሆዋ ነቲ ኣብ ኣገልግሎቱ ብዝያዳ ንምስታፍ ዝገብሮ ጻዕሪ ኸም ዚባርኾ ስለ እተኣማመንኩ፡ ድሕር ኣይበልኩን።

ፍሉያት ፈለምቲ ዄንና፡ ናብ ከተማ ኲበክ ተመለስና

ብ1964፡ ኣነን ሲሞንን ኣብታ ዝዓበናላ ኸተማ ኲበክ ፍሉያት ፈለምቲ ዄንና ኸነገልግል ተመደብና፣ ኣብኣ ኸኣ ንዓመታት ኣገልገልና። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣብ ስብከት ዝነበረ ዅነታት ተመሓዪሹ እኳ እንተ ነበረ፡ ብዙሕ ተቓውሞ ግና የጋጥመና ነይሩ እዩ።

ሓደ ቐዳም ድሕሪ ቐትሪ፡ ኣብ ጥቓ ከተማ ኲበክ ኣብ እትርከብ ሳንት-ማሪ እትብሃል ንእሽቶ ኸተማ ተኣሰርኩ። ብዘይ ፍቓድ ኣብ በቤት ከይደ ብምስባኸይ ከኣ፡ ሓደ ፖሊስ ናብ መደበር ፖሊስ ወሲዱ ኣሰረኒ። ጸኒሖም ከኣ፡ ኣብ ቅድሚ ሓደ ባይያርዦን ዝስሙ ዜፍርህ ዳኛ ኣቕረቡኒ። ንሱ ድማ ኣብ ቤት ፍርዲ መን ከም ዚጣበቐለይ ሓተተኒ። ግለን ሃው * ኢለ ምስ መለስኩሉ፡ ብስምባድ፡ “እዋይ፡ ንሱ እባ እንተ ዘይከውን!” ኢሉ ተዛረበ። ግለን ሃው ኣብቲ ግዜ እቲ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ብሕጊ ብምጥባቕ፡ ውሩይ ኰይኑ ነይሩ እዩ። ነዊሕ ከይጸንሐ ኸኣ፡ እቲ ቤት ፍርዲ ነቲ ኣብ ልዕለይ ዝመስረቶ ኽሲ ሰረዞ።

ብሰንኪ እቲ ኣብ ኲበክ ዝነበረ ተቓውሞ፡ ጥዑይ መአከቢ ኽንካረ ኣይከኣልናን ኔርና። እታ ንእሽቶ ጉባኤና፡ መሞቒ ኣብ ዘይብሉ ጋራጅ እያ እትእከብ ነይራ። ኣብ ቈራሪ ወቕቲ ድማ ዋዒ ንምርካብ፡ ኣሕዋት ብዘይቲ ዚዓዪ መውዓዪ ይጥቀሙ ነይሮም እዮም። ቅድሚ ኣኼባታት ከኣ ዜተባብዕ ተመክሮታት ንምንግጋር፡ ኣብ ዙርያ እቲ መውዓዪ ንዓጕጕ ኔርና ኢና።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፡ እቲ ዕዮ ስብከት ብኸመይ ከም ዝዓበየ ምርኣይ፡ ብሓቂ ባህ ዜብል እዩ። ኣብ 1960ታት፡ ኣብ ከተማ ኲበክን ኣብ ዞባ ኮት-ኖርን ኣብ ሓውሲ ደሴት ጋስፐን ሒደት ንኣሽቱ ጉባኤታት ጥራይ እየን ነይረን። ሎሚ፡ ኣብዚ ቦታታት እዚ፡ ልዕሊ ኽልተ ወረዳ ኣሎ፣ ኣሕዋት ድማ ኣብ ውቁብ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ይእከቡ ኣለዉ።

ኣብ ዕዮ መገሻ ኸገልግል ዝቐረበለይ ዕድመ

ብ1977፡ ኣብቲ ኣብ ቶሮንቶ፡ ካናዳ ንገየሽቲ ሓለውቲ እተገብረ ኣኼባ ተኣኪበ

ብ1970፡ ኣነን ሲሞንን ኣብ ዕዮ ወረዳ ኸነገልግል ጻውዒት ቐረበልና። ብ1973 ከኣ፡ ኣብ ዕዮ ኣውራጃ ኸነገልግል ተመደብና። ኣብቲ ዓመታት እቲ፡ ካብቶም ኣብ ዕዮ መገሻ ዜገልግሉ ዝነበሩ ኸም እኒ ሎርዬ ሶምዩርን * ዴቪድ ስፕለይንን * ዝኣመሰሉ ኽኢላታት ኣሕዋት ብዙሕ ተማሂረ እየ። ዓብዪ ኣኼባ መምስ ተገብረ፡ ኣነን ዴቪድን ንትምህርትና ብኸመይ ከም እነመሓይሾ ሓሳባት ንዋሃሃብ ኔርና ኢና። ሓደ ግዜ ዴቪድ ንዓይ፡ “ሊዮንስ፡ ናይ መወዳእታ መደረኻ ፈትየዮ እየ። ጽቡቕ እዩ ነይሩ፣ ካብቲ ሓበሬታ እቲ ግና ሰለስተ መደረ መውጻእኩ” ኸም ዝበለኒ ትዝ ይብለኒ። ኣብ መደረታተይ፡ ኣመና ብዙሕ ሓበሬታ እየ ዘቕርብ ነይረ። ሒደት ነጥብታት ጥራይ ከቕርብ ከም ዘሎኒ ኽምሃር ነይሩኒ እዩ።

ኣብተን ኣብ ምብራቓዊ ኽፋል ካናዳ ዚርከባ እተፈላለያ ኸተማታት ኣገልጊለ እየ

ሓለውቲ ኣውራጃ ንሓለውቲ ወረዳ ኼተባብዑ እዮም ዚምደቡ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ኲበክ ዚነብሩ ብዙሓት ኣስፋሕቲ ይፈልጡኒ ነይሮም እዮም። ብዙሕ ግዜ፡ ንወረዳታት ክበጽሕ ከለኹ፡ ምሳይ ኬገልግሉ ይደልዩ ነይሮም እዮም። ምሳታቶም ኣብ ኣገልግሎት ምስታፍ ባህ ዜብል እኳ እንተ ዀነ፡ ምስ ሓላው ወረዳ ግና ብዙሕ ግዜ ኣየሕልፍን እየ ነይረ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ሓደ ፈቃር ሓላው ወረዳ፡ “ንኣሕዋት ግዜ ትህቦም ምዃንካ ጽቡቕ እዩ፣ እዛ ሰሙን ግና ናተይ ምዃና ኣይትረስዕ። ኣነ እውን መተባብዒ የድልየኒ እዩ!” ኢሉ ኣዘኻኺሩኒ እዩ። እዚ ዓይነት ብለውሃት ዚውሃብ ምኽሪ እዚ፡ ሚዛነይ ብዝያዳ ኽሕሉ ሓጊዙኒ እዩ።

ብ1976፡ ዘይተጸበኽዎ ሓዘን ኣጓነፈኒ። እታ ዝፈትዋ ሰበይተይ ሲሞን ሓሚማ ሞተት። ጥቕሚ ርእሳ እትስውእን ንየሆዋ እተፍቅሮን ብምንባራ፡ ባህ እተብል ብጸይቲ ዀይናትኒ ነይራ እያ። ኣብ ኣገልግሎት ትሑዝ ብምንባረይ ንሓዘና ኪኽእሎ ሓጊዙኒ እዩ፣ ኣብቲ ጽንኩር እዋን የሆዋ ብፍቕሪ ስለ ዝደገፈኒ እውን፡ ከመስግኖ እፈቱ እየ። ጸኒሐ፡ ካሮሊን ኢሊዮት ንዝስማ እንግሊዝኛ ዝቛንቋኣ ቐናእ ፈላሚት ተመርዓኹ፣ ንሳ ናብቲ ዝያዳ ዓየይቲ ዜድልይዎ ኲበክ ከተገልግል እያ መጺኣ ነይራ። ካሮሊን ተቐራቢትን ብሰብ እትግደስን እያ ነይራ፣ ምናዳ ንሓፋራት ወይ ፈተውቲ ንዘይብሎም ሰባት ፍሉይ ተገዳስነት ትገብረሎም እያ። ኣብ ዕዮ መገሻ ምስ ተጸምበረትኒ ኸኣ፡ ናይ ሓቂ በረኸት ኰይናትኒ እያ።

ኣገዳሲት ዓመት

ኣብ ጥሪ 1978፡ ኣብ ኲበክ ናይ መጀመርታ ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት ፈለምቲ ኽምህር ሕቶ ቐረበለይ። እቲ ስርዓተ ትምህርቲ ንዓይ ሓድሽ ስለ ዝነበረ፡ ብዙሕ ፈሪሀ ነይረ። ኣብቲ ቐዳማይ ዝመሃርክዎ ኽፍሊ ግና፡ ብዙሓት ምኩራት ፈለምቲ ስለ ዝነበሩ፡ እዚ ሓጊዙኒ እዩ። መምህር እኳ እንተ ነበርኩ፡ ካብቶም ተምሃሮ ብዙሕ ተማሂረ እየ።

ኣብ 1978 ድሕሪ ገለ ኣዋርሕ፡ ኣብ ኦሎምፕያዊ ስታድዩም ሞንትርያል፡ “ዕውትቲ እምነት” ዘርእስቱ ኣህጉራዊ ኣኼባ ተገብረ። ኣብ ታሪኽ ኲበክ ልዕሊ 80,000 ተኣከብቲ ዝነበርዎ ኻብ ኵሉ ዝዓበየ ኣኼባ እዩ ነይሩ። ኣነ ድማ ኣብቲ ኣኼባ ኣብ ክፍሊ ኣገልግሎት ዜና ኸገልግል ተመደብኩ። ንብዙሓት ጋዜጠኛታት ሓበሬታ ሂበዮም እየ፣ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ብዛዕባና ዝወጸ ኣወንታዊ ሓበሬታ እውን ኣሐጒሱኒ እዩ። ልዕሊ 20 ሰዓት ዝወሰደ ቓለ መጠይቓት ብተለቪዥንን ብረድዮን ተፈንዩ እዩ፣ ኣማእታት ዓንቀጻት እውን ተሓቲሙ እዩ። እዚ ኸኣ ዓብዪ ምስክርነት እዩ ሂቡ!

ናብ ካልእ ክሊ ገዓዝኩ

ብ1996 ዓብዪ ለውጢ ኣጋጠመኒ። ካብ ግዜ ጥምቀተይ ኣትሒዘ ኣብቲ ፈረንሳይኛ ዚዝረበሉ ኲበክ ከገልግል ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ ቶሮንቶ ዚርከብ እንግሊዝኛ ዚዝረበሉ ኣውራጃ ኸገልግል ተመደብኩ። ሽዑ፡ ብቕዓት ዘሎኒ ዀይኑ ኣይተሰምዓንን፣ በቲ እተሰባበረ እንግሊዝኛይ መደረታት ምሃብ እውን ኣፍሪሁኒ ነይሩ እዩ። ብተደጋጋሚ ኽጽልን ናብ የሆዋ ብዝያዳ ኽውከልን ነይሩኒ እዩ።

ምልስ ኢለ ኽሓስቦ ኸለኹ፡ ኣብ ቶሮንቶ ኽልተ ጽቡቓት ዓመታት ኣሕሊፈ ኽብል እኽእል እየ። ካሮሊን ንእንግሊዝኛ ኽመልኮ ብትዕግስቲ ሓጊዛትኒ እያ፣ ኣሕዋት እውን ብዙሕ ይድግፉንን የተባብዑንን ነይሮም እዮም። ነዊሕ ከይጸናሕና ብዙሓት ፈተውቲ ኣጥሪና ኢና።

ኣብ ርእሲ እቲ፡ ነቲ ናይ ቀዳመ ሰንበት ኣኼባ ዚኸውን ተወሳኺ ንጥፈታትን ምድላዋትን፡ ብዙሕ ግዜ ዓርቢ ምሸት ሓደ ሰዓት ኣብ በቤት እናኸድኩ አገልግል ነይረ እየ። ገሊኦም፡ ‘ቀቅድሚ እቲ ኣብ ቀዳመ ሰንበት ዚህሉ ኣኼባ ስለምንታይ ናብ ኣገልግሎት ትኸይድ፧’ ኢሎም ይሓስቡ ይዀኑ። ኣብ ኣገልግሎት እትገብሮ ጽቡቕ ዝርርብ ግና፡ መንፈስ ዜሐድስ ኰይኑ እየ ረኺበዮ። ሕጂ እውን እንተ ዀነ፡ ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ምስታፍ፡ ዝያዳ ሓጐስ የምጽኣለይ እዩ።

ብ1998፡ ኣነን ካሮሊንን ኣብ ሞንትርያል ፍሉያት ፈለምቲ ዄንና ኸነገልግል ተመደብና። ኣነ ድማ ንሓያሎ ዓመታት ነቲ ብግህዶ ዚግበር ፍሉይ ምስክርነት እውድብ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘሎ ግጉይ ኣረኣእያ ንምዕራይ ከኣ ምስ መራኸቢ ብዙሓን እተተሓሓዘ ስራሕ እሰርሕ ነይረ እየ። ሕጂ ድማ፡ ኣነን ካሮሊንን ኣብ ቀረባ ግዜ ናብ ካናዳ ንዝገዓዙ፡ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ኪምሃሩ ንዚደልዩ ወጻእተኛታት ንሰብከሎም ኣለና።

ምስ ብዓልቲ ቤተይ ካሮሊን

ብዛዕባ እቲ ጥሙቕ ኣገልጋሊ የሆዋ ዀይነ ዘሕለፍክዎ 68 ዓመት ክሓስብ ከለኹ፡ ብሓቂ ከም እተባረኽኩ እዩ ዚስምዓኒ። ኣገልግሎት ክፈቱ ምኽኣለይን ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ሓቂ ኺፈልጡ ምሕጋዘይን፡ ብዙሕ ሓጐስ ኣምጺኡለይ እዩ። ጓለይ ሊዝን ሰብኣያን ወሊዶም ምስ ኣዕበዩ፡ ስሩዓት ፈለምቲ ዀይኖም ኬገልግሉ ጀሚሮም እዮም። ኣብ ኣገልግሎት ዘለዋ ዘየቋርጽ ቅንኣት ንልበይ ባህ የብሎ እዩ። ምናዳ ነቶም ብሰናይ ኣብነቶምን ብጥበባዊ ምኽሮምን ኣቢሎም ብመንፈሳዊ መዳይ ክዓብን እተፈላለየ ቲኦክራስያዊ ሓላፍነታት ክስከምን ዝሓገዙኒ ክርስትያናት ብጾተይ ከመስግኖም እፈቱ። ኣብቲ ናይ የሆዋ ብርቱዕ መንፈስ ቅዱስ እንተ ተወኪልና ጥራይ ኢና ኣብ ዕዮና ጸኒዕና ብተኣማንነት ከነገልግል እንኽእል። (መዝ. 51:11) የሆዋ ነቲ ንዕኡ ናይ ምውዳስ ክቡር መሰል ስለ ዝፈቐደለይ፡ ወትሩ አመስግኖ እየ!—መዝ. 54:6

^ ሕ.ጽ. 16 ታሪኽ ህይወት ግለን ሃው፡ ኣብታ ኣብ ናይ 22 ሚያዝያ 2000 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ዝወጸት፡ “እቲ ውግእ ናይ ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ናታትኩም ኣይኰነን” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

^ ሕ.ጽ. 20 ታሪኽ ህይወት ሎርዬ ሶምዩር፡ ኣብታ ናይ 15 ሕዳር 1976 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ዝወጸት፡ “ክቃለሰሉ ዚግብኦ ነገር ረኺበ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

^ ሕ.ጽ. 20 ዴቪድ ስፕለይን ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰይኑ የገልግል ኣሎ።