ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 6

ኣቦና የሆዋ ኣጸቢቑ የፍቅረና እዩ

ኣቦና የሆዋ ኣጸቢቑ የፍቅረና እዩ

“ንስኻትኩምሲ ኸምዚ ኢልኩም ደኣ ጸልዩ፦ ‘ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና።’”—ማቴ. 6:9

መዝሙር 135 የሆዋ ዜቕርቦ ምሕጽንታ፦ ‘ወደየ፡ ጥበበኛ ኹን’

መላለዪ *

1. ሓደ ሰብ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ፋርስ ንምቕራብ እንታይ ኪገብር ነይርዎ፧

ኣስታት 2,500 ዓመት ይገብር ኣብ ፋርስ ትነብር ከም ዘለኻ ጌርካ እሞ ሕሰብ። ንንጉስ እታ ሃገር ብዛዕባ ሓደ ጕዳይ ከተዛርቦ ደሊኻ ንበል፣ ስለዚ፡ ናብቲ ኣብ ከተማ ሱሳን ዚርከብ ቤተ መንግስቲ ትኸይድ። ግናኸ፡ ፍቓድ ከይረኸብካ፡ ጥቓ እቲ ንጉስ ምቕራብ ዚብልዎ እውን ኣይትሓስቦን ኢኻ። እንተ ዘይኰይኑ፡ ህይወትካ ኽትስእን ትኽእል ኢኻ።—ኣስ. 4:11

2. የሆዋ ናብኡ ብዛዕባ ምቕራብ ከመይ ኪስምዓና እዩ ዚደሊ፧

2 የሆዋ ኸምቲ ንጉስ ፋርስ ብዘይምዃኑ ብዙሕ ከነመስግን ኣሎና! የሆዋ ኻብ ዝዀነ ሰብኣዊ ገዛኢ ኣጸቢቑ ይበልጽ እዩ፣ ይኹን እምበር፡ ኣብ ዝዀነ እዋን ክንዛረቦ ፈቒዱልና ኣሎ። ከይተሰከፍና ኽንቀርቦ ይደልየና እዩ። ንኣብነት፡ ዓብዪ ፈጣሪ፡ ኵሉ ዚኽእል፡ ልዑላዊ ጐይታ ዚብል መዓርጋት እኳ እንተ ኣለዎ፡ በቲ “ኣቦና” ዚብል ዜቀራርበና መጸውዒ ኽንጥቀም ይደልየና እዩ። (ማቴ. 6:9) የሆዋ በዚ ኸምዚ ፍቕሩ ዜርእየናን ናብኡ ዜቕርበናን ምዃኑ፡ ብሓቂ ንልብና ይትንክዮ እዩ!

3. ስለምንታይ ኢና ንየሆዋ “ኣቦና” ኢልና ኽንጽውዖ እንኽእል፧ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣኸ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

3 የሆዋ ምንጪ ህይወትና ስለ ዝዀነ፡ “ኣቦና” ኢልና ኽንጽውዖ ንኽእል ኢና። (መዝ. 36:9) ኣቦና ስለ ዝዀነ ኸኣ፡ ክንእዘዞ ኣሎና። ከምቲ ዝኣዘዘና ኽንገብር ከለና ድማ፡ ብዙሕ ዜደንቕ በረኸት ንረክብ ኢና። (እብ. 12:9) ሓደ ኻብዚ በረኸት እዚ ኸኣ፡ ኣብ ሰማይ ወይ ኣብ ምድሪ እንረኽቦ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ። ብዘይካዚ ድማ፡ ሕጂ እውን ጥቕምታት ንረክብ ኢና። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ የሆዋ ሕጂ ብኸመይ ፈቃር ኣቦ ኸም ዚዀነልና፡ ከምኡ እውን ኣብ መጻኢ ኸቶ ኸም ዘይሓድገና ርግጸኛታት እንዀነሉ ምኽንያት ክንምርምር ኢና። ፈለማ ግና፡ እቲ ሰማያዊ ኣቦና ኣጸቢቑ ኸም ዜፍቅረናን ከም ዚሓልየልናን ርግጸኛታት እንዀነሉ ምኽንያታት ንርአ።

የሆዋ ፈቃርን ሓላይን ኣቦ እዩ

ከምቲ ሓላዪ ኣቦ ንደቁ ኪቐርቦም ዚደሊ፡ የሆዋ እውን ኪቐርበና ይደሊ እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 4 ርአ)

4. ገሊኦም ሰባት ንየሆዋ ኸም ኣቦኦም ገይሮም ምርኣይ ዚኸብዶም ስለምንታይ እዩ፧

4 ንኣምላኽ ከም ኣቦኻ ጌርካ ምሕሳብ ይኸብደካ ድዩ፧ ገሊኦም ሰባት ምስ የሆዋ ኺነጻጸሩ ኸለዉ፡ ደቀቕትን ዘይረብሑን ከም ዝዀኑ ይስምዖም እዩ። እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ብደረጃ ውልቀ ሰብ ከም ዚግደሰሎም የጠራጥሮም እዩ። እቲ ፈቃር ኣቦና ግና ከምኡ ኺስምዓና ኣይደልን እዩ። ህይወት ሂቡና እዩ፡ ምስኡ ርክብ ኪህልወና እውን ይደሊ እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ነዚ ሓቂ እዚ ነቶም ኣብ ኣቴና ዝነበሩ ሰማዕቱ ድሕሪ ምጥቃሱ፡ የሆዋ “ኻብ ነፍሲ ወከፍና ዘይረሓቐ” ኸም ዝዀነ ገሊጹሎም እዩ። (ግብ. 17:24-29) ከምቲ ቘልዓ ብባህርዩ ናብ ፈቃርን ሓላይን ወላዲኡ ዚቐርብ፡ ኣምላኽ ድማ ንነፍሲ ወከፍና ናብኡ ኽንቀርብ ይደልየና እዩ።

5. ካብ ተመክሮ ሓንቲ ክርስትያን ሓብቲ እንታይ ንምሃር፧

5 ገሊኦም ድማ ካብ ሰብኣዊ ኣቦኦም ብዙሕ ፍቕሪ ስለ ዘይረኸቡ ወይ ጠሪሶም ፍቕሪ ስለ ዘይረኽቡ፡ ንየሆዋ ኸም ኣቦ ጌርካ ምርኣይ ይኸብዶም እዩ። ንኣብነት፡ ሓንቲ ክርስትያን ሓብቲ ኸምዚ ትብል፦ “ኣቦይ ኣመና ሃሳዪ እዩ ነይሩ። መጽሓፍ ቅዱስ ንፈለማ ግዜ ኸጽንዕ ምስ ጀመርኩ፡ ነቲ ሰማያዊ ኣቦና ክቐርቦ ኸቢዱኒ ነይሩ። ንየሆዋ ምስ ፈለጥክዎ ግና፡ እዚ ዅሉ ተለዊጡ።” ንስኻኸ ኸምኡ ድዩ ዚስምዓካ፧ ከምኡ ዚስምዓካ እንተ ዀይኑ፡ ንየሆዋ ኸም ብሉጽ ኣቦ ጌርካ ኽትርእዮ ኸም እትኽእል ኸነረጋግጸልካ ንፈቱ።

6. ብመሰረት ማቴዎስ 11:27፡ ሓደ ኻብቲ የሆዋ ንዕኡ ኸም ፈቃር ኣቦና ኽንርእዮ ኢሉ ንዓና ዝሓገዘሉ መገድታት እንታይ እዩ፧

6 ሓደ ኻብቲ የሆዋ ንዕኡ ኸም ፈቃር ኣቦና ኽንርእዮ ኢሉ ንዓና ዚሕግዘሉ መገድታት፡ ቃላትን ተግባራትን የሱስ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚምዝገብ ብምግባር እዩ። (ማቴዎስ 11:27 ኣንብብ።) የሱስ ንባህርያት ኣቦኡ ፍጹም ብዝዀነ ደረጃ ስለ ዘንጸባረቐ፡ “እቲ ንዓይ ዝረኣየ፡ ንኣቦ እውን ርእይዎ እዩ” ኺብል ክኢሉ እዩ። (ዮሃ. 14:9) ብዛዕባ እቲ የሆዋ ኸም ኣቦ መጠን ዘለዎ ግደ እውን ብዙሕ ሳዕ ይዛረብ ነይሩ እዩ። ኣብተን ኣርባዕተ ወንጌላት ጥራይ፡ ነታ “ኣቦ” እትብል ቃል ምስ የሆዋ ኣተሓሒዙ ኣስታት 165 ሳዕ ተጠቒሙላ ኣሎ። ስለምንታይ እዩ የሱስ ብዛዕባ የሆዋ ኽሳዕ ክንድዚ ብዙሕ ተዛሪቡ፧ ሓደ ምኽንያት፡ ሰባት ንየሆዋ ኸም ፈቃር ኣቦ ምእንቲ ኺኣምኑሉ ኢሉ እዩ።—ዮሃ. 17:25, 26

7. ካብቲ የሆዋ ንወዱ ዝሓዘሉ መገዲ ብዛዕባኡ እንታይ ንምሃር፧

7 ካብቲ የሆዋ ንወዱ የሱስ ዝሓዘሉ መገዲ ብዛዕባኡ እንታይ ከም እንምሃር እስከ ንርአ። የሆዋ ንጸሎት የሱስ ወትሩ ይሰምዖ ነይሩ እዩ። ንጸሎቱ ኻብ ምስማዕ ሓሊፉ እውን ይምልሰሉ ነይሩ እዩ። (ዮሃ. 11:41, 42) የሱስ በበይኑ ዓይነት ከቢድ ፈተናታት እኳ እንተ ኣሕለፈ፡ ፍቕርን ደገፍን ኣቦኡ ኸም ዘለዎ ይስምዖ ነይሩ እዩ።—ሉቃ. 22:42, 43

8. ብምንታይ መገድታት እዩ የሆዋ ንየሱስ ዜድልዮ ዘበለ ዘማልኣሉ፧

8 የሱስ፡ “ኣነ ሳላ ኣቦ [እየ] ብህይወት ዝነብር ዘለኹ” ብምባል፡ ኣቦኡ ምንጭን ሓብሓብን ህይወቱ ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ። (ዮሃ. 6:57) ንኣቦኡ ምሉእ ብምሉእ ይኣምኖ እዩ፣ የሆዋ ኸኣ ብህይወት ንምንባር ዜድልዮ ዘበለ ኣማሊኡሉ እዩ። ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ የሆዋ ንየሱስ፡ ብመንፈሳዊ ዜድልዮ ዘበለ ኣማሊኡሉ እዩ።—ማቴ. 4:4

9. የሆዋ ንየሱስ ፈቃርን ሓላይን ኣቦኡ ኸም ዝዀነ ብኸመይ እዩ ኣርእዩ፧

9 የሆዋ ፈቃር ኣቦ ስለ ዝዀነ፡ ንየሱስ ደገፉ ኸም ዚረክብ ኣረጋጊጹሉ እዩ። (ማቴ. 26:53፣ ዮሃ. 8:16) የሆዋ ንየሱስ ካብ ኵሉ ጕድኣት እኳ እንተ ዘየዕቈቦ፡ ንፈተናታቱ ኺጻወሮ ግና ሓጊዝዎ እዩ። የሱስ ድማ፡ ዝዀነ ይኹን ዜጋጥሞ ጕድኣት ግዜያዊ ምዃኑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (እብ. 12:2) የሆዋ ኸኣ ንየሱስ ጸሎቱ ብምስማዕን ዜድልዮ ብምምላእን ብምስልጣንን ብምድጋፍን፡ ሓልዮቱ ኣርእይዎ እዩ። (ዮሃ. 5:20፣ 8:28) ሕጂ እምበኣር፡ እቲ ሰማያዊ ኣቦና ንዓና ብተመሳሳሊ መገድታት ከመይ ገይሩ ኸም ዚሓልየልና ንርአ።

እቲ ፈቃር ኣቦና ብኸመይ ከም ዝሓልየልና

ሓደ ፈቃር ኣቦ ንደቁ (1) ይሰምዖም፡ (2) ዜድልዮም የማልኣሎም፡ (3) የሰልጥኖም፡ (4) የዕቍቦም እዩ። እቲ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦና እውን ብተመሳሳሊ መገድታት ይሓልየልና እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 10-15 ርአ) *

10. ብመሰረት መዝሙር 66:19, 20፡ የሆዋ ኸም ዜፍቅረና ዜርእየሉ ሓደ መገዲ እንታይ እዩ፧

10 የሆዋ ንጸሎትና ይሰምዖ እዩ። (መዝሙር 66:19, 20 ኣንብብ።) ንጸሎትና ደረት ክንገብረሉ ኣይደልን እዩ፣ የግዳስ፡ ብተደጋጋሚ ኽንጽሊ እዩ ዚምሕጸነና። (1 ተሰ. 5:17) ኣብ ዝዀነ እዋንን ቦታን ንኣምላኽና ብኣኽብሮት ክንቀርቦ ንኽእል ኢና። ብኻልእ ጕዳይ እምብዛ ትሑዝ ካብ ምዃኑ እተላዕለ ኺሰምዓና ግዜ ሓጺርዎ ኣይፈልጥን እዩ። ወትሩ ኺሰምዓና ድሉው እዩ፣ ብኣቓልቦ እውን እዩ ዚሰምዓና። የሆዋ ንጸሎትና ኸም ዚስምዖ ምስ ተገንዘብና፡ ንሕና እውን ናብኡ ንስሓብ ኢና። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ሓደ ዘማሪ፡ “ድምጸይ . . . ሰሚዑ እዩ እሞ፡ ንየሆዋ አፍቅሮ እየ” ኢሉ ኣሎ።—መዝ. 116:1

11. የሆዋ ንጸሎትና ብኸመይ እዩ ዚምልሶ፧

11 ኣቦና ንጸሎትና ኻብ ምስማዕ ሓሊፉ እውን ይምልሰልና እዩ። ሃዋርያ ዮሃንስ፡ “ከም ፍቓዱ [ፍቓድ ኣምላኽ] ጌርና እንልምኖ ዘበለ ይሰምዓና እዩ” ዚብል መረጋገጺ ሂቡና ኣሎ። (1 ዮሃ. 5:14, 15) ልክዕ እዩ፡ የሆዋ ንጸሎትና በቲ እንጽበዮ መገዲ ኣይምልሶን ይኸውን። ንዓና ዝሓሸ እንታይ ምዃኑ ይፈልጥ እዩ፣ ስለዚ፡ ሓድሓደ ግዜ ነቲ ዝለመንናዮ ይኣብየና ወይ እውን ክንጽበ ይደልየና ይኸውን።—2 ቈረ. 12:7-9

12-13. ብምንታይ መገድታት ኣቢሉ እዩ እቲ ሰማያዊ ኣቦና ዜድልየና ዘበለ ዜማልኣልና፧

12 የሆዋ ዜድልየና ዘበለ የማልኣልና እዩ። ከምቲ ንሱ ንዅሎም ኣቦታት ትጽቢት ዚገብረሎም ነገር ይገብር እዩ። (1 ጢሞ. 5:8) ንደቁ ብስጋ ዜድልዮም ዘበለ የማልኣሎም እዩ። ብዛዕባ ምግቢ፡ ክዳን፡ ወይ መጽለሊ ኽንጭነቕ ኣይደልየናን እዩ። (ማቴ. 6:32, 33፣ 7:11) ከም ሓደ ፈቃር ኣቦ መጠን ድማ፡ ኣብ መጻኢ ዜድልየና ዘበለ ንምምላእ መሰናድዎ ገይሩ ኣሎ።

13 ልዕሊ ዅሉ ኸኣ፡ የሆዋ ብመንፈሳዊ መዳይ ዜድልየና ዘበለ የማልኣልና እዩ። ብቓሉ ኣቢሉ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱን ብዛዕባ ዕላማኡን ብዛዕባ ትርጉም ህይወትን ብዛዕባ መጻእን ገሊጹልና ኣሎ። ብወለድና ወይ ብኻልእ መምህር ኣቢሉ ንፈለማ ግዜ ብዛዕባኡ ሓቂ ኼፍልጠና ኸሎ፡ ብሕታዊ ቘላሕታ ኣርእዩና እዩ። ካብ ፈቃራት ሽማግለታት ጉባኤን ካብ ካልኦት ብሱላት ኣሕዋትን ኣሓትን እውን ብቐጻሊ ጽቡቕ ደገፍ ንረክብ ኢና። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ፡ የሆዋ ብኣኼባታት ጉባኤ ኣቢሉ ምስ መንፈሳውያን ስድራ ቤትና ብሓባር ገይሩ ይምህረና እዩ። በዚ መገድታት እዝን ብኻልእን ኣቢሉ ኸኣ፡ ንዅላትና ኣባታዊ ሓልዮቱ የርእየና እዩ።—መዝ. 32:8

14. ስለምንታይ እዩ የሆዋ ዜሰልጥነና፧ ነዚኸ ብኸመይ እዩ ዚገብሮ፧

14 የሆዋ የሰልጥነና እዩ። ንሕና ኸም የሱስ ፍጹማት ኣይኰንናን። ስለዚ፡ ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ እዋን፡ እቲ ፈቃር ኣቦና ኼሰልጥነና ኢሉ ይግስጸና እዩ። ቃሉ፡ “የሆዋስ ንዜፍቅሮ እዩ ዚግስጾ” ዚብል መዘኻኸሪ ሂቡና ኣሎ። (እብ. 12:6, 7) የሆዋ ብብዙሕ መገድታት ይግስጸና እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ቃሉ ዘንበብናዮ ወይ ኣብ ኣኼባታትና ዝሰማዕናዮ ነገር ይእርመና ይኸውን። ወይ ድማ እቲ ዜድልየና ሓገዝ ካብ ሽማግለታት ንረክብ ንኸውን። እቲ ተግሳጽ ብዝመጸ ይምጻእ ብዘየገድስ፡ የሆዋ ወትሩ ብፍቕሪ ተደሪኹ እዩ ዚግስጸና።—ኤር. 30:11

15. ብኸመይ እዩ የሆዋ ዜዕቍበና፧

15 የሆዋ ንፈተናታትና ኽንጻወር ይድግፈና እዩ። ከምቲ ሓላዪ ሰብኣዊ ኣቦ ንደቁ ኣብ ጽንኩር እዋን ዚድግፎም፡ እቲ ሰማያዊ ኣቦና እውን ንፈተናታትና ኽንጻወሮ ይድግፈና እዩ። ብመንፈስ ቅዱሱ ገይሩ ኻብ መንፈሳዊ ጕድኣት የዕቍበና እዩ። (ሉቃ. 11:13) ብዘይካዚ፡ የሆዋ ብስምዒታዊ መዳይ እውን የዕቍበና እዩ። ንኣብነት፡ ዜደንቕ ተስፋ ሂቡና ኣሎ። እቲ ተስፋ እቲ ድማ ንጸገማትና ኽንጻወር ይሕግዘና እዩ። ሕስብ እሞ ኣብሎ፦ ክፉእ ዘበለ ዅሉ እኳ እንተ ኣጋጠመና፡ እቲ ፈቃር ኣቦና ንዅሉ እቲ ዝወረደና ጕድኣት ኬዐርዮ እዩ። ብዘይካዚ፡ ፈተናታት ዘበለ ዅሉ ግዜያዊ እዩ፣ እቲ የሆዋ ዚህበና በረኸት ግና ዘለኣለማዊ እዩ።—2 ቈረ. 4:16-18

ኣቦና ኸቶ ኣይሓድገናን እዩ

16. ኣዳም ትእዛዝ እቲ ሰማያዊ ኣቦኡ ምስ ጠሓሰ፡ እንታይ እዩ ዀይኑ፧

16 ፍቕሪ የሆዋ ኣብቲ ነቲ ንፈለማ ግዜ ኣብ ምድራዊ ስድራ ቤቱ ዘጋጠመ ጸገማት ዝሓዘሉ መገዲ ይርአ እዩ። ኣዳም ትእዛዝ ሰማያዊ ኣቦኡ ምስ ጠሓሰ፡ ኣብቲ ሓጐስ ዝሰፈኖ ስድራ ቤት የሆዋ ዝነበሮ ቦታ ስኢኑ እዩ። ንርእሱ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንዘርኡ እውን ለኪምዎም እዩ። (ሮሜ 5:12፣ 7:14) የሆዋ ግና ጣልቃ ብምእታው ንዘርኢ ኣዳም ደጊፍዎም እዩ።

17. ኣዳም ምስ ዓለወ፡ የሆዋ ብኡብኡ እንታይ እዩ ገይሩ፧

17 የሆዋ ንኣዳም ኪቐጽዖ ኸሎ፡ ነቶም ገና ዘይተወልዱ ዘርኡ ብዘይ ተስፋ ኣይሓደጎምን። እዙዛት ደቂ ሰብ ናብ ስድራ ቤቱ መሊሶም ኪኣትዉ ኸም ዚኽእሉ፡ ብኡብኡ ኣተስፍዩ እዩ። (ዘፍ. 3:15፣ ሮሜ 8:20, 21) ነዚ መሰናድዎ እዚ ድማ ብመሰረት መስዋእታዊ በጃ እቲ ፍቑር ወዱ የሱስ እዩ ኣዳልይዎ። የሆዋ ንወዱ ምእንታና ኣሕሊፉ ብምሃብ፡ ክሳዕ ክንደይ ኣጸቢቑ ኸም ዜፍቅረና ኣርእዩ እዩ።—ዮሃ. 3:16

ካብ የሆዋ እንተ ርሒቕና እሞ፡ በዚ ግና እንተ ተነሲሕና፡ እቲ ፈቃር ኣቦና ንዓና ሓንጐፋይ ኢሉ ንምቕባል ድሉውን ፍቓደኛን እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 18 ርአ)

18. የሆዋ ኻብኡ ኣብ እንርሕቀሉ እዋን እኳ ደቁ ኽንከውን ከም ዚደልየና ስለምንታይ ኢና ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል፧

18 ዘይፍጹማት እኳ እንተ ዀንና፡ የሆዋ ግና ኣባላት ስድራ ቤቱ ኽንከውን ይደልየና እዩ፣ ጾር ከም ዝዀንና ገይሩ እውን ከቶ ኣይርእየናን እዩ። ነጕህዮ ወይ ንእተወሰነ ግዜ ኻብኡ ንርሕቕ ንኸውን፣ የሆዋ ግና ብኣና ተስፋ ኣይቈርጽን እዩ። የሱስ ንዕምቈት እቲ ኣባታዊ ሓልዮት የሆዋ፡ ኣብ ምሳሌ እቲ ዝጠፍአ ወዲ ገሊጽዎ ኣሎ። (ሉቃ. 15:11-32) እቲ ኣብታ ምሳሌ እቲኣ ተጠቒሱ ዘሎ ኣቦ፡ ወዱ ኸም ዚምለስ ተስፋ ኻብ ምግባር ኣየቋረጸን። እቲ ወዲ ናብ ቤቱ ኺምለስ ከሎ ኸኣ፡ እቲ ኣቦ ሓንጐፋይ ኢሉ እዩ ተቐቢልዎ። ካብ የሆዋ እንተ ርሒቕና እሞ፡ በዚ ግና እንተ ተነሲሕና፡ እቲ ፈቃር ኣቦና ንዓና ሓንጐፋይ ኢሉ ንምቕባል ድሉውን ፍቓደኛን ምዃኑ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።

19. የሆዋ ነቲ ኣዳም ዘስዓቦ ጕድኣት ብኸመይ ኬዐርዮ እዩ፧

19 ኣቦና ንዅሉ እቲ ኣዳም ዘስዓቦ ጕድኣት ኬዐርዮ እዩ። ኣዳም ምስ ዓለወ፡ የሆዋ ኻብ ደቂ ሰብ ምስ ወዱ ነገስታትን ካህናትን ኰይኖም ንዜገልግሉ 144,000 ሰባት፡ ደቁ ኸም ዚገብሮም ዕላማ ገይሩ እዩ። ኣብ ሓዳስ ዓለም ድማ፡ የሱስን እቶም መጋዝእቱን ንእዙዛት ደቂ ሰብ ናብ ፍጽምና ኺበጽሑ ኺሕግዝዎም እዮም። ነቲ ንተኣዛዝነት ዚምልከት ናይ መወዳእታ ፈተና ምስ ሰገርዎ ኸኣ፡ የሆዋ ንዓታቶም ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪህቦም እዩ። ድሕሪኡ፡ ኣቦና ንምድሪ ብፍጹማት ደቁ መሊኣ ምስ ረኣያ፡ ኪሕጐስ እዩ። እቲ እዋን እትስ፡ ክሳዕ ክንደይ ዜደንቕ ኰን እዩ ኪኸውን!

20. ብምንታይ መገድታት እዩ የሆዋ ኣጸቢቑ ኸም ዜፍቅረና ኣርእዩ፧ ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ እንታይ ኢና ኽንርኢ፧

20 የሆዋ ኣጸቢቑ ኸም ዜፍቅረና ኣርእዩ እዩ። ብሉጽ ኣቦ እዩ። ንጸሎትና ይሰምዖ እዩ፣ ብስጋ ዀነ ብመንፈስ ዜድልየና ዘበለ እውን የማልኣልና እዩ። የሰልጥነናን ይድግፈናን እዩ። ንመጻኢ እውን ዜደንቕ በረኸት ኣዳልዩልና ኣሎ። ኣቦና ኸም ዜፍቅረናን ከም ዚሓልየልናን ምፍላጥና፡ ንልብና ብሓጐስ ይመልኦ እዩ። እምበኣር፡ ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ፡ ንሕና ኸም ደቁ መጠን ንፍቕሩ ምላሽ እንህበሉ መገድታት ክንርኢ ኢና።

መዝሙር 108 ኣምላኽና ብተኣማንነት የፍቅር

^ ሕ.ጽ. 5 ንየሆዋ ኸም ፈጣሪናን ልዑላዊ ገዛኢናን ጌርና ንርእዮ ኢና። ግናኸ፡ ከም ፈቃርን ሓላይን ኣቦና ጌርና ኽንርእዮ ዚድርኽ ጽቡቕ ምኽንያታት ኣሎና። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ነዚ ምኽንያታት እዚ ኽትገልጸልና እያ። የሆዋ ኸቶ ኸም ዘይሓድገና ስለምንታይ ርግጸኛታት ክንከውን ከም እንኽእል እውን ክንምሃር ኢና።

^ ሕ.ጽ. 59 መግለጺ ስእሊ፦ ኣብ ኣርባዕቲኡ ስእልታት፡ ኣቦ ምስ ወዱ ወይ ጓሉ ይርአ፦ ሓደ ኣቦ ንወዱ ብኣቓልቦ ይሰምዖ፡ ሓደ ኣቦ ንጓሉ ዜድልያ ዘበለ የማልኣላ፡ ሓደ ኣቦ ንወዱ የሰልጥኖ፡ ከምኡ ድማ ሓደ ኣቦ ንወዱ የጸናንዖ። እታ ብድሕሪ እቲ ስእልታት ዘላ ንኢድ የሆዋ እተመልክት ስእሊ፡ የሆዋ ብተመሳሳሊ መገድታት ከም ዚሓልየልና ተዘኻኽረና።