ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 8

ምስ ቅንኢ ብምቅላስ፡ ሰላም ስዓብ

ምስ ቅንኢ ብምቅላስ፡ ሰላም ስዓብ

“ሰላም ዜስፍንን ንሓድሕድና ዚሃንጽን ነገር ንስዓብ።”—ሮሜ 14:19

መዝሙር 113 ሰላምና

መላለዪ *

1. ኣሕዋት ዮሴፍ ብምቕናኦም፡ ኣብታ ስድራ ቤት እንታይ ሳዕቤን እዩ ኣምጺኡ፧

ያእቆብ ንዅሎም ደቁ ይፈትዎም ነበረ፣ ነቲ ወዲ 17 ዓመት ወዱ ግና ሓለፋ ዅሎም ይፈትዎ ነበረ። እሞ ደኣ ኣሕዋት ዮሴፍ ከመይ ተሰምዖም፧ ንሓዎም ቀንኡሉ፣ ብቕንኢ ተደሪኾም ድማ ኪጸልእዎ ጀመሩ። ዮሴፍ ንኣሕዋቱ ኸም ዚጸልእዎ ዚገብር ዋላ ሓንቲ ነገር ኣይገበረን። ይኹን እምበር፡ ንዮሴፍ ባርያ ኪኸውን ሸጥዎ፣ ንኣቦኦም ድማ፡ እቲ ዚፈትዎ ወዱ ብኣራዊት ከም እተበልዐ ገይሮም ሓሰውዎ። በዚ ኸምዚ፡ ቅንኢ ነቲ ኣብ ስድራ ቤቶም ዝነበረ ሰላም ዘረጎ፡ ንልቢ ኣቦኦም እውን ሰበሮ።—ዘፍ. 37:3, 4, 27-34

2. ብመሰረት ገላትያ 5:19-21፡ ቅንኢ ኣዝያ ሓደገኛ ዝዀነት ስለምንታይ እያ፧

2 ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት፡ ቅንኢ * ምስቲ ንሓደ ሰብ መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስ ዚገብሮ ሞት ዜምጽእ “ግብሪ ስጋ” ተዘርዚራ ኣላ። (ገላትያ 5:19-21 ኣንብብ።) ቅንኢ መብዛሕትኡ ግዜ ቐንዲ ጠንቂ መርዛም ፍረታት እያ፣ ገለ ኻብዚ ድማ ጽልኢ፡ ባእሲ፡ ቍጥዓ ኪጥቀስ ይከኣል።

3. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

3 ቅንኢ ንርክባት ብኸመይ ከም ዜበላሹን ኣብ ስድራ ቤት ዝነበረ ሰላም ብኸመይ ከም ዚዘርግን ካብ ኣሕዋት ዮሴፍ ክንርኢ ንኽእል ኢና። ከምቲ ኣሕዋት ዮሴፍ ዝገበርዎ ኸቶ ዘይንገብር እኳ እንተ ዀንና፡ ኵላትና ግና ዘይፍጹምን ጠላምን ልቢ እዩ ዘሎና። (ኤር. 17:9) ስለዚ፡ ሓድሓደ ግዜ ምስ ቅንኢ እንተ ተቓለስና ኼገርመና የብሉን። ቅንኢ ኣብ ልብና ስለምንታይ ሱር ኪሰድድ ከም ዚኽእል ምእንቲ ኽንፈልጥ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዚርከቡ መለበሚ ዚዀኑና ሰባት እስከ ንመርምር። ድሕሪኡ፡ ምስ ቅንኢ ኽንቃለስን ሰላም ከነስፍንን ዚሕግዝ ግብራዊ መገድታት ክንርኢ ኢና።

ጠንቂ ቕንኢ እንታይ እዩ፧

4. ስለምንታይ እዮም ፍልስጥኤማውያን ንይስሃቅ ዝቐንኡሉ፧

4 ስጋዊ ብልጽግና። ይስሃቅ ሃብታም ሰብኣይ እዩ ነይሩ፣ ፍልስጥኤማውያን እውን ብብልጽግናኡ ይቐንኡሉ ነይሮም እዮም። (ዘፍ. 26:12-14) ነቲ ይስሃቅ ንመጓሰኡን ንማሉን ማይ ዜስትየሉ ዒላታት እኳ ደብዮምዎ እዮም። (ዘፍ. 26:15, 16, 27) ሎሚ ድማ ገሊኦም ሰባት ነቶም ካባታቶም ዚበልጽ ስጋዊ ጥሪት ዘለዎም ሰባት ይቐንኡሎም እዮም። ናይ እንዳ እማቶም ካብ ምምናይ ሓሊፎም እውን፡ ነቶም ዝቐንኡሎም ሰባት ንብረቶም ኪስእኑ ይሕስድዎም ወይ ምንቀኛ ይዀንዎም እዮም።

5. ስለምንታይ እዮም መራሕቲ ሃይማኖት ኣይሁድ ንየሱስ ዝቐንኡሉ፧

5 ተፈታዊ ምዃን። የሱስ ኣብ ቅድሚ እቶም ተራ ህዝቢ ተፈታዊ ብምንባሩ፡ መራሕቲ ሃይማኖት ኣይሁድ ይቐንኡሉ ነይሮም እዮም። (ማቴ. 7:28, 29) የሱስ ተወካሊ ኣምላኽ እዩ ነይሩ፣ ሓቂ እውን እዩ ዚምህር ነይሩ። ይኹን እምበር፡ እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ንስም የሱስ ንምብልሻው ብኽፍኣት ተለዓዒሎም ሓሶትን ጸለመን ነዚሖም እዮም። (ማር. 15:10፣ ዮሃ. 11:47, 48፣ 12:12, 13, 19) ካብዚ ዛንታ እዚ እንታይ መለበሚ ኢና እንረክብ፧ ነቶም ብጽቡቕ ባህርያቶም ኣብ ጉባኤና ተፈተውቲ ዘበሉ ኸይንቐንኣሎም ክንጥንቀቕ ኣሎና። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣሰር ፍቕሮም ክንስዕብ ንፈትን።—1 ቈረ. 11:1፣ 3 ዮሃ. 11

6. ከመይ ገይሩ እዩ ድዮትሬፌስ ቅንኢ ዘርኣየ፧

6 ቲኦክራስያዊ ሓላፍነታት። ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ ድዮትሬፌስ ነቶም ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዚመርሑ ቐኒኡሎም እዩ። ኣብ ጉባኤ “ኣውራ” ኪኸውን ይደሊ ብምንባሩ፡ ንሃዋርያ ዮሃንስን ንኻልኦት ሓላፍነት ዝነበሮም ኣሕዋትን ዜቈናጽብ ኽፉእ ወረ ኣውርዩ እዩ። (3 ዮሃ. 9, 10) ንሕና እውን ከምቲ ድዮትሬፌስ ዝገበሮ እኳ እንተ ዘይገበርና፡ እንምነዮ ዕዮ ንእተዋህቦ ክርስትያን ብጻይና ኽንቀንኣሉ ንኽእል ኢና። ምናዳ ኸኣ ማዕሪኡ ነቲ ሓላፍነት እቲ ኸም እንበቅዕ እንተ ተሰሚዑና፡ ቅንኢ ኸነሕድር ንኽእል ኢና።

ልብና ኸም ሓመድ እዩ፡ ጽቡቕ ባህርያትና ድማ ከም ውቁብ ዕምባባታት እዩ። ቅንኢ ግና ከም መርዛም ጻህያይ እዩ። ቅንኢ ንኸም እኒ ፍቕርን ርሕራሐን ለውሃትን ዝኣመሰለ ጽቡቕ ባህርያት ከይምዕብል ኪሓንቆ ይኽእል እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 7 ርአ)

7. ቅንኢ እንታይ ጽልዋ ኼሕድረልና ይኽእል፧

7 ቅንኢ ኸም መርዛም ጻህያይ እዩ። ኣብ ልብና ሓንሳእ ሱር ምስ ሰደደ፡ ንምምሓዉ ኣጸጋሚ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ከም ትዕቢትን ርእሰ ፍትወትን ዝኣመሰለ ባህርያት ንቕንኢ ኼዕብዮ ይኽእል እዩ። ቅንኢ ንኸም እኒ ፍቕርን ርሕራሐን ለውሃትን ዝኣመሰለ ጽቡቕ ባህርያት ከይምዕብል እውን ኪሓንቆ ይኽእል እዩ። ቅንኢ ኺጥጥዕ እንተ ርኢና፡ ብኡብኡ ኻብ ልብና ኽንምሕዎ ኣሎና። እሞ ደኣ ኸመይ ጌርና ኢና ምስ ቅንኢ ኽንቃለስ እንኽእል፧

ትሕትናን ዕግበትን ኣማዕብል

ምስቲ ኸም ጻህያይ ዝኣመሰለ ቕንኢ ብኸመይ ክንቃለስ ንኽእል፧ ብሓገዝ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ፡ ንቕንኢ ምሒና ብትሕትናን ብዕግበትን ክንትክኦ ንኽእል ኢና (ሕጡብ ጽሑፍ 8-9 ርአ)

8. እንታይ ባህርያት እዩ ምስ ቅንኢ ኽንቃለስ ዚሕግዘና፧

8 ትሕትናን ዕግበትን ብምምዕባል፡ ምስ ቅንኢ ኽንቃለስ ንኽእል ኢና። ልብና በዚ ጽቡቕ ባህርያት እዚ እንተ መሊኡ፡ ቅንኢ ዚዓብየሉ ቦታ ይስእን እዩ። ትሕትና ብዛዕባ ርእስና ኻብቲ ግቡእ ኣዕዚዝና ኸይንሓስብ ትድርኸና እያ። ትሑት ሰብ ካብ ካልኦት ንላዕሊ ኸም ዚግብኦ ገይሩ ኣይሓስብን እዩ። (ገላ. 6:3, 4) ዕጉብ ሰብ ከኣ በቲ ዘለዎ ይረዊ፡ ንርእሱ እውን ምስ ካልእ ኣየወዳድርን እዩ። (1 ጢሞ. 6:7, 8) ሓደ ትሑትን ዕጉብን ሰብ ካልእ ሰብ ጽቡቕ ኪረክብ እንተ ርእዩ፡ በዚ ይሕጐስ እዩ።

9. ብመሰረት ገላትያ 5:16ን ፊልጲ 2:3, 4ን፡ መንፈስ ቅዱስ እንታይ ክንገብር እዩ ዚሕግዘና፧

9 ነቲ ስጋዊ ባህርይ ዝዀነ ቕንኢ ኸነወግድ፡ ትሕትናን ዕግበትን ድማ ከነማዕብል እንተ ዄንና፡ ካብ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ሓገዝ የድልየና እዩ። (ገላትያ 5:16፣ ፊልጲ 2:3, 4 ኣንብብ።) ናይ የሆዋ መንፈስ ቅዱስ ንውሽጣዊ ሓሳባትናን ድራኸታትናን ክንምርምር ይሕግዘና እዩ። ብሓገዝ ኣምላኽ ከኣ፡ ጐዳኢ ሓሳባትን ስምዒታትን ብሃናጺ ሓሳባት ክንትክኦ ንኽእል ኢና። (መዝ. 26:2፣ 51:10) እምበኣር፡ ኣብነት እቶም ምስ ቅንኢ ተቓሊሶም እተዓወቱ ሙሴን ጳውሎስን እስከ ንመርምር።

ሓደ ጐበዝ እስራኤላዊ ናብ ሙሴን እያሱን ጐይዩ ኸይዱ፡ ክልተ ሰብኡት ኣብ ሰፈር ከም ነብያት ይዀኑ ኸም ዘለዉ ይነግሮም። እያሱ ንሙሴ፡ “ከልክሎም!” ይብሎ፣ ሙሴ ግና ይኣብዮ። ኣብ ክንዳኡስ፡ የሆዋ መንፈሱ ኣብቶም ክልተ ሰብኡት እቲኦም ብምንባሩ ሕጉስ ምዃኑ ይነግሮ (ሕጡብ ጽሑፍ 10 ርአ)

10. እንታይ ኵነታት እዩ ንሙሴ ፈተና ኪዀኖ ዚኽእል ዝነበረ፧ (ኣብ ገበር ዘላ ስእሊ ርአ።)

10 ሙሴ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣምላኽ ብዙሕ ስልጣን ተዋሂብዎ ነይሩ እዩ፣ ግናኸ፡ ብቕንኢ ተደሪኹ ኻልኦት ስልጣን ከም ዘይረኽቡ ኣይገበረን። ንኣብነት፡ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ የሆዋ ገለ ኻብቲ ኣብ ልዕሊ ሙሴ ዝነበረ መንፈስ ቅዱስ ወሲዱ፡ ነቶም ኣብ ጥቓ ድንኳን ምርኻብ ደው ኢሎም ዝነበሩ ዓበይቲ እስራኤላውያን ሃቦም። ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ ድማ፡ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሊ ኽልተ ኻልኦት ዓበይቲ ኸም ዝወረደን ንሳቶም እውን ከም ነብያት ከም ዝዀኑን፡ ሙሴ ሰምዐ። እሞ ደኣ ኣብቲ ግዜ እቲ እያሱ ንሙሴ፡ “ከልክሎም!” ምስ በሎ፡ ሙሴ እንታይ ምላሽ እዩ ሂቡ፧ ሙሴ በቲ የሆዋ ነዞም ክልተ ዓበይቲ እዚኦም ዝሃቦም ቈላሕታ ኣይቀንአን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ብትሕትና ተደሪኹ በቲ እተዋህቦም ሓላፍነት ተሓጐሰ። (ዘሁ. 11:24-29) እሞ ደኣ ኻብ ሙሴ እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧

ክርስትያን ሽማግለታት ንትሕትና ሙሴ ብኸመይ ኪቐድሕዎ ይኽእሉ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 11-12 ርአ) *

11. ከመይ ገይሮም እዮም ሽማግለታት ንሙሴ ኺመስልዎ ዚኽእሉ፧

11 ሽማግለ እንተ ዄንካ፡ ንኻልእ ሰብ ነቲ ንስኻ ኣጸቢቕካ እትፈትዎ ናይ ጉባኤ ሓላፍነት ከተሰልጥን ተሓቲትካዶ ትፈልጥ፧ ንኣብነት፡ ነቲ ኣብ ሰሰሙን መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ ናይ ምምራሕ ፍሉይ መሰል ትፈትዎ ትኸውን። ከም ሙሴ ትሑት እንተ ዄንካ ግና፡ ንኻልእ ሓው ነቲ ሓላፍነት እቲ ኸተሰልጥኖ ኣብ እትሕተተሉ እዋን፡ በዚ ሕማቕ ኣይስምዓካን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ንሓውካ ተሓጒስካ ትሕግዞ ኢኻ።

12. ሎሚ ብዙሓት ክርስትያናት ብኸመይ እዮም ዕግበትን ትሕትናን ዜርእዩ ዘለዉ፧

12 ንብዙሓት ብዕድመ ዝደፍኡ ኣሕዋት ዜጋጥሞም ዘሎ ኻልእ ኵነታት እስከ ንርአ። እዞም ኣሕዋት እዚኦም፡ ንሓያሎ ዓመታት ኣተሓባበርቲ ኣካል ሽማግለታት ኰይኖም ኣገልጊሎም እዮም። ዕድሚኦም 80 ምስ መልአ ግና፡ ሓላፍነቶም ብፍታዎም ንኻልእ ይህቡ ኣለዉ። ደቂ 70 ዓመት ዝዀኑ ሓለውቲ ወረዳ እውን ነቲ ሓላፍነት እቲ ብትሕትና ሓዲጎም፡ ካልእ እተመደበሎም ኣገልግሎት ይቕበሉ ኣለዉ። ኣብ ቀረባ ዓመታት፡ ኣብ ብዘላ ዓለም ዚርከቡ ብዙሓት ኣባላት ስድራ ቤት-ኤል ካልእ ሓድሽ ምድብ ይውሃቦም ኣሎ። እዞም እሙናት ኣሕዋትን ኣሓትን ነቶም ሎሚ ነቲ ሓላፍነት እቲ እተሰከሙ ዘበሉ ኣይቀንኡሎምን እዮም።

13. ጳውሎስ በቶም 12 ሃዋርያት ንምቕናእ ኪፍተን ይኽእል ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧

13 ሃዋርያ ጳውሎስ እውን ዕግበትን ትሕትናን ብምምዕባል ሰናይ ኣብነት ሓዲጉ እዩ። ኣብ ልቡ ቕንኢ ኺዓቢ ኣይፈቐደን። ኣብ ኣገልግሎት ብትግሃት ይዓዪ እኳ እንተ ነበረ፡ ብትሕትና ተደሪኹ ግና፡ “ኣነስ ካብ ኵሎም ሃዋርያት ዝነኣስኩ እየ፣ . . . ሃዋርያ ኽብሃል ብቑዕ ኣይኰንኩን” ኢሉ እዩ። (1 ቈረ. 15:9, 10) እቶም 12 ሃዋርያት ንየሱስ ኣብ ምድራዊ ኣገልግሎቱ ስዒቦምዎ እዮም፣ ጳውሎስ ግና ድሕሪ ሞትን ትንሳኤን የሱስ እዩ ክርስትያን ኰይኑ። ጸኒሑ፡ “ንኣህዛብ ሃዋርያኦም” ኪኸውን እኳ እንተ ተሸመ፡ ካብቶም 12 ሃዋርያት ናይ ምዃን ፍሉይ መሰል ግና ኣይረኸበን። (ሮሜ 11:13፣ ግብ. 1:21-26) ይኹን እምበር፡ በቶም 12 ሃዋርያትን በቲ ምስ የሱስ ዝነበሮም ናይ ቀረባ ርክብን ኣብ ክንዲ ዚቐንእ፡ በቲ ዝረኸቦ ዕጉብ እዩ ነይሩ።

14. ዕጉባትን ትሑታትን እንተ ዄንና፡ እንታይ ኢና እንገብር፧

14 ዕጉባትን ትሑታትን እንተ ዄንና፡ ከም ጳውሎስ ንኸውንን ነቲ የሆዋ ንኻልኦት ዝሃቦም ስልጣን ነኽብርን ኢና። (ግብ. 21:20-26) የሆዋ ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ምእንቲ ኺመርሑ ኢሉ፡ እተሸሙ ሰብኡት ሰሪዑልና ኣሎ። ዘይፍጹማት እኳ እንተ ዀኑ፡ የሆዋ ግና “ውህበት ሰባት” ገይሩ እዩ ዚርእዮም። (ኤፌ. 4:8, 11) ነቶም እተሸሙ ሰባት እቲኦም ነኽብሮምን ብትሕትና መምርሒኦም እንስዕብን እንተ ዄንና፡ ምስ የሆዋ ለጊብና ኽንመላለስ ኢና፡ ምስ ክርስትያናት ብጾትና እውን ሰላም ኪህልወናን እዩ።

“ሰላም ዜስፍን . . . ነገር ንስዓብ”

15. እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

15 ቅንኢ ኺዓቢ እንተ ፈቒድና፡ ሰላም ክትህሉ ኣይትኽእልን እያ። ንዝነበረ ቕንኢ ኻብ ልብና ኽንምሑን ሓድሽ ቅንኢ ኣብ ልብና ኻብ ምትካል ክንቍጠብን ኣሎና። ነቲ፡ “ሰላም ዜስፍንን ንሓድሕድና ዚሃንጽን ነገር ንስዓብ” ዚብል ትእዛዝ የሆዋ ኽንሕሉ እንተ ዄንና፡ ነዚ ኣገዳሲ ስጕምትታት ክንወስድ ኣሎና። (ሮሜ 14:19) እሞ ደኣ ካልኦት ምስ ቅንኢ ምእንቲ ኺቃለሱ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧ ከመይ ጌርናኸ ሰላም ከነስፍን ንኽእል፧

16. ካልኦት ምስ ቅንኢ ምእንቲ ኺቃለሱ ብኸመይ ክንሕግዝ ንኽእል፧

16 ኣረኣእያናን ተግባራትናን ኣብ ካልኦት ዓብዪ ጽልዋ ኼሕድር ይኽእል እዩ። ዓለም ንጥሪትና ‘ርኣዩለይ ክንብል’ እያ እትደልየና። (1 ዮሃ. 2:16) እዚ ኣረኣእያ እዚ ግና ቅንኢ እዩ ዜተባብዕ። ወግሐ ጸብሐ ብዛዕባ ጥሪትና ወይ ብዛዕባ እቲ ኽንዕድጎ ዝሓሰብና ነገራት ብዘይምዝራብ፡ ቅንኢ ኻብ ምዅስኳስ ክንቍጠብ ንኽእል ኢና። ቅንኢ ኸም ዘይሰፍን እንገብረሉ ኻልእ መገዲ ኸኣ፡ ነቲ ኣብ ጉባኤ ዘሎና ሓላፍነታት ብትሕትና ብምሓዝ እዩ። ናብቲ ዘሎና ፍሉይ መሰል ኣቓልቦ ንስሕብ እንተ ዄንና፡ ቅንኢ ኼብቍል ዚኽእል ሓመድ ኢና እንፈጥር። ብኣንጻሩ ግና፡ ብውልቀ ሰባት ብሓቂ እንግደስን ንጽቡቕ ግበሮም ምስጋናና እንገልጽን እንተ ዄንና፡ ዕግበት ከም ዚስምዖም ንገብር፡ ኣብ ጉባኤ እውን ሓድነትን ሰላምን ከም ዚሰፍን ንገብር ኢና።

17. ኣሕዋት ዮሴፍ እንታይ እዮም ኪገብሩ ኽኢሎም፧ ስለምንታይከ፧

17 ኣብቲ ምስ ቅንኢ ዚግበር ቃልሲ ኽንዕወት ንኽእል ኢና! ብዛዕባ ኣሕዋት ዮሴፍ እሞ ምልስ ኢልና ንሕሰብ። ኣሕዋት ዮሴፍ ንሓዎም ድሕሪ ምግፋዖም ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት፡ ምስኡ ኣብ ግብጺ ተራኸቡ። ዮሴፍ ከኣ ናይ ሓቂ መንነቱ ንኣሕዋት ቅድሚ ምግላጹ፡ ተለዊጦም እንተ ዀይኖም ፈተኖም። መኣዲ ምስ ኣዳለወ፡ ነቲ ሕሳስ ልደ ሓዎም ብንያም ሓለፋ ኻልኦት ቈላሕታ ገበረሉ። (ዘፍ. 43:33, 34) ኣብቲ ግዜ እቲ ግና፡ ኣሕዋቱ ብብንያም ከም ዝቐንኡ ዚሕብር ነገር ኣይንረክብን ኢና። ኣብ ክንዳኡስ፡ ንሓዎምን ንኣቦኦም ያእቆብን ብሓቂ ኸም ዚሓልዩሎም ኣርእዮም እዮም። (ዘፍ. 44:30-34) ኣሕዋት ዮሴፍ ንቕንኢ ኻብ ልቦም ስለ ዘወገዱ፡ ኣብ ስድራ ቤቶም ከም ብሓድሽ ሰላም ኬስፍኑ ኽኢሎም እዮም። (ዘፍ. 45:4, 15) ንሕና እውን ኵሉ ኣሰር ቅንኢ እንተ ምሒና፡ ኣብ ስድራ ቤትናን ኣብ ጉባኤናን ሰላም ኪሰፍን ኣበርክቶ ንገብር ኢና።

18. ብመሰረት ያእቆብ 3:17, 18፡ ሰላማዊ ሃዋህው ኪፍጠር ኣበርክቶ እንተ ጌርና፡ እንታይ እዩ ዚኸውን፧

18 የሆዋ ምስ ቅንኢ ኽንቃለስን ሰላም ክንስዕብን ይደልየና እዩ። ነዚ ኽልቲኡ ንምግባር፡ ኣበርቲዕና ኽንዓዪ ኣሎና። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ኸም ዝረኣናዮ፡ ናይ ቅንኢ ዝንባለ ኣሎና። (ያእ. 4:5) ቅንኢ ብእተተባብዕ ዓለም ድማ ኢና ተኸቢብና ዘለና። ትሕትናን ዕግበትን ምስጋናን እንተ ኣማዕቢልና ግና፡ ንቕንኢ ስፍራ ኣይክንሓድገሉን ኢና። ኣብ ክንዳኡስ፡ ፍረ ጽድቂ ዚዓብየሉ ሰላማዊ ሃዋህው ክንፈጥር ኢና።—ያእቆብ 3:17, 18 ኣንብብ።

መዝሙር 130 ይቕረ በሃልቲ ንኹን

^ ሕ.ጽ. 5 ውድብ የሆዋ ሰላማዊት እያ። ቅንኢ ወይ ምንቀኝነት ኪዓቢ እንተ ፈቒድና ግና፡ ሰላምና ኺዝረግ ይኽእል እዩ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ጠንቂ ቕንኢ እንታይ ምዃኑ ኽንምሃር ኢና። ምስዚ ጐዳኢ ባህርይ እዚ ብኸመይ ከም እንቃለስን ብኸመይ ሰላም ከም እነስፍንን እውን ክንርኢ ኢና።

^ ሕ.ጽ. 2 መግለጺ ቓላት፦ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ቅንኢ (ምንቀኝነት) ናይ እንዳ እማትካ ምምናይ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ካልኦት ነቲ ዘለዎም ኪስእኑ ምሕሳድ ወይ ምንቀኛ ምዃን እውን የመልክት።

^ ሕ.ጽ. 61 መግለጺ ስእሊ፦ ኣካል ሽማግለታት ኣብ ዚገብርዎ ኣኼባ፡ መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ ዚመርሕ ብዕድመ ዝደፍአ ሓው ንሓደ ብዕድመ ዝነኣሰ ሽማግለ ነዚ ሓላፍነት እዚ ኼሰልጥኖ ይሕተት። እቲ ብዕድመ ዝደፍአ ሓው ነቲ ሓላፍነቱ ዚፈትዎ እኳ እንተ ዀነ፡ ነቲ ብዕድመ ዝነኣሰ ሓው ግብራዊ ሓሳባት ብምሃብን ካብ ልቢ ብምንኣድን፡ ንውሳነ እቶም ሽማግለታት ካብ ልቡ ኸም ዚድግፎ የርኢ።