ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 9

የሆዋ ኼደዓዕሰካ ፍቐደሉ

የሆዋ ኼደዓዕሰካ ፍቐደሉ

“ጭንቀት ምስ ወሓጠኒ፡ ንስኻ ኣጸናኒዕካንን ኣደዓዒስካንን ኢኻ።”—መዝ. 94:19

መዝሙር 44 ጸሎት ሓደ ትሑት

መላለዪ *

1. እንታይ እዩ ጭንቀት ኬሕድረልና ዚኽእል፧ ብኸመይከ እዩ ኺጸልወና ዚኽእል፧

ጭንቀት ተሰሚዑካዶ ይፈልጥ፧ * ምናልባት ሰባት ብዘረባኦም ወይ ብግብሮም ስለ ዝጐድኡኻ፡ ተጨኒቕካ ትኸውን። ወይ ድማ ብሰንኪ ዝበልካዮ ወይ ዝገበርካዮ ነገር ተጨኒቕካ ትኸውን። ንኣብነት፡ ጌጋ ድሕሪ ምግባርካ፡ የሆዋ ኸቶ ይቕረ ኸም ዘይብለልካ ተጨኒቕካ ትኸውን። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ፡ ብጭንቀት ስለ እተወሓጥካ፡ እምነት ከም ዘይብልካ ወይ ክፉእ ሰብ ከም ዝዀንካ ተሰሚዑካ ይኸውን። እዚ ግና ልክዕ ድዩ፧

2. ጭንቀት ንጕድለት እምነት ከም ዘየመልክት ዚሕብር እንታይ ኣብነታት እዩ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዚርከብ፧

2 ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እተጠቕሱ ሒደት ኣብነታት እስከ ንርአ። ሃና ኣደ ነብዪ ሳሙኤል፡ ዓባይ እምነት ነይራታ እያ። ኣባል ቤተ ሰባ ምስ ገፍዓታ ግና፡ ተጨኒቓ እያ። (1 ሳሙ. 1:7) ሃዋርያ ጳውሎስ ድልድልቲ እምነት ነይራቶ እያ፣ ‘ንዅለን ጉባኤታት ዚጭነቖ ጭንቀት’ ግና ነይርዎ እዩ። (2 ቈረ. 11:28) ንጉስ ዳዊት፡ የሆዋ ኣጸቢቑ ኸም ዚፈትዎ ሓያል እምነት ነይራቶ እያ። (ግብ. 13:22) ጌጋታት ብምግባሩ ግና ብጭንቀት ተደቚሱ እዩ። (መዝ. 38:4) ይኹን እምበር፡ የሆዋ ንነፍሲ ወከፎም ኣጸናኒዕዎምን ኣደዓዒስዎምን እዩ። ካብ ኣብነቶም እንታይ ክንምሃር ከም እንኽእል እስከ ንርአ።

ካብታ እምንቲ ዝነበረት ሃና እንታይ ንምሃር፧

3. ብኸመይ እዩ ዘረባ ሰብ ኬጨንቐና ዚኽእል፧

3 ሰባት ብዛዕባና ሕማቕ እንተ ተዛሪቦም ወይ ንዓና ኽፉእ እንተ ገይሮምና፡ ንጭነቕ ንኸውን። ምናዳ እቲ ዝጐድኣና ሰብ ናይ ቀረባ ፈታዊና ወይ ቤተ ሰብና እንተ ዀይኑ፡ ብዝያዳ ኢና እንጭነቕ። ምስቲ ሰብ እቲ ዝነበረና ርክብ ከይበላሾ ንሻቐል ንኸውን። ሓድሓደ ግዜ፡ እቲ ዝጐድኣና ሰብ ብዘይ ሓልዮት ይዛረብ ይኸውን፣ ንሕና ድማ ብሰይፊ ኸም እተወጋእና ይስምዓና ይኸውን። (ምሳ. 12:18) ምናልባት እውን ሓደ ሰብ ኰነ ኢሉ ዚጐድእ ቃላት ይዛረበና ይኸውን። ሓንቲ መንእሰይ ከምዚ ዝኣመሰለ ጸገም ኣጋጢምዋ ነይሩ እዩ። ብዛዕባኡ ድማ ከምዚ ትብል፦ “ቅድሚ ሒደት ዓመታት፡ ናይ ቀረባ መሓዛይ ኢለ ዝሓስባ ዝነበርኩ ሰብ ብዛዕባይ ብኢንተርነት ወረ ኽትነዝሕ ጀሚራ። እዚ ኸኣ ጐዲኡንን ኣጨኒቑንን እዩ። ስለምንታይ በዚ ኸምዚ ኽትጐድኣኒ ኸም ዝሓሰበት ኪርድኣኒ ኣይከኣለን።” ናይ ቀረባ ፈታዊኻ ወይ ቤተ ሰብካ እንተ ጐዲኡካ፡ ካብ ሃና ብዙሕ ክትምሃር ትኽእል ኢኻ።

4. ሃና እንታይ ጸገማት እያ ኽትጻወር ነይርዋ፧

4 ሃና ብዙሕ ጸገማት ነይርዋ እዩ። ንሓያሎ ዓመታት፡ ውሉድ ኣይነበራን። (1 ሳሙ. 1:2) ኣብ ባህሊ እስራኤላውያን፡ መኻን ሰበይቲ ኸም እተረግመት ጌርካ እያ እትርአ ነይራ። ስለዚ፡ ንዓኣ ውርደት እዩ ነይሩ። (ዘፍ. 30:1, 2) ኣብታ ዘላታ ተወሰኸታ ድማ፡ እታ ጵኒና እትብሃል ኻልአይቲ ሰበይቲ ሰብኣያ ውሉዳት ነይሮምዋ እዮም። ጵኒና ንሃና ኸም መቐናቕንታ ገይራ ትርእያ ብምንባራ ኸኣ፡ “መመሊሳ ተባጭወላ” ነይራ እያ። (1 ሳሙ. 1:6) ኣብ ፈለማ፡ ሃና ነቲ ኣጸጋሚ ዅነታት ምጽዋሩ ኣይከኣለትን ነይራ። ኣመና ስለ ዝጐሃየት ከኣ፡ ብዛዕባኣ፡ “ትበኪ ነበረት፡ ኣይትበልዕን እውን ነበረት” ዚብል ነንብብ ኢና። ብዘይካዚ ድማ፡ “ኣመና ተመሪራ” ነይራ እያ። (1 ሳሙ. 1:7, 10) እሞ ደኣ ኸመይ ገይራ እያ ኽትጸናናዕ ዝኸኣለት፧

5. ጸሎት ንሃና ዝሓገዛ ብኸመይ እዩ፧

5 ሃና ንስምዒታ ብጸሎት ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣፍሰሰቶ። ምስ ጸለየት ከኣ፡ ብዛዕባ ዅነታታ ንኤሊ እቲ ሊቀ ኻህናት ገለጸትሉ። ንሱ ድማ፡ “ብሰላም ኪዲ፡ ኣምላኽ እስራኤል ድማ እቲ ዝለመንክዮ ልማኖኺ ይሃብኪ” በላ። እሞኸ እዚ እንታይ ኣፍርዩላ፧ እቲ ዛንታ ኣስዕብ ኣቢሉ ብዛዕባ ሃና፡ “መገዳ ኸደት፡ በልዐት ከኣ፡ ደጊም እውን ጓሂ ኣብ ገጻ ኣይተራእየን” ይብል። (1 ሳሙ. 1:17, 18) ሃና ምስ ጸለየት፡ ሰላም ረኺባ እያ።

ከምታ ጥንቲ ዝነበረት ሃና፡ ውሽጣዊ ሰላም ክንረክብን ነዚ ኽንሕልዎን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 6-10 ርአ)

6. ካብ ሃናን ካብ ፊልጲ 4:6, 7ን ብዛዕባ ጸሎት እንታይ ንምሃር፧

6 ብጸሎት እንተ ጸኒዕና፡ ሰላም ክንርከብ ንኽእል ኢና። ሃና ነቲ ሰማያዊ ኣቦኣ ነዊሕ ተዛሪባቶ እያ። (1 ሳሙ. 1:12) ንሕና እውን ንየሆዋ ብዛዕባ ጭንቀትናን ፍርህናን ጕድለትናን ነዊሕ ኽንዛረቦ ንኽእል ኢና። ጸሎትና ውሕሉል ቃላትን ኣሰዃዅዓን ኪህልዎ ኣየድልን እዩ። ሓድሓደ ግዜ፡ መሪር ቃላት ከነውስእን ንጸሎትና ብብኽያት ክንኰልፎን እውን ንኽእል ንኸውን። ይኹን እምበር፡ የሆዋ ንዓና ኻብ ምስማዕ፡ ‘ደኺመ’ ኢሉ ኣእዛኑ ኣይዓጽወልናን እዩ። ብዛዕባ ጸገማትና ጥራይ ኣብ ክንዲ እንጽሊ ኸኣ፡ ነቲ ኣብ ፊልጲ 4:6, 7 ዚርከብ ምዕዶ ኽንዝክሮ ኣሎና። (ኣንብብ።) ጳውሎስ ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ ጸሎት ምስጋና ኸነቕርብ ከም ዘሎና ብንጹር ጠቒሱ ኣሎ። ንየሆዋ እነመስግነሉ ኣዝዩ ብዙሕ ምኽንያታት ኣሎና። ንኣብነት፡ ስለ ውህበት ህይወት፡ ስለቲ ግብርታት ፍጥረቱ፡ ስለቲ ብተኣማንነት ዜርእየና ፍቕሩ፡ ከምኡ ድማ ስለቲ ዝሃበና ዜደንቕ ተስፋ ኸነመስግኖ ንኽእል ኢና። እሞ ደኣ ኻብ ሃና እንታይ ተወሳኺ ትምህርቲ ኽንረክብ ንኽእል፧

7. ሃናን ሰብኣያን እንታይ እዮም ብስሩዕ ዚገብሩ ነይሮም፧

7 ሃና ጸገማት እኳ እንተ ነበራ፡ ምስ ሰብኣያ ግና ናብቲ ኣብ ሺሎ ዚርከብ ዝነበረ ቦታ ኣምልኾ የሆዋ ብስሩዕ ትኸይድ ነይራ እያ። (1 ሳሙ. 1:1-5) ኤሊ እቲ ሊቀ ኻህናት፡ የሆዋ ንጸሎታ ምላሽ ኪህባ እተመነየላ ኸኣ፡ ኣብቲ ማሕደር ኣብ ዝነበረትሉ እዋን እዩ ነይሩ።—1 ሳሙ. 1:9, 17

8. ኣኼባታት እንታይ ኪገብረልና ይኽእል፧ ግለጽ።

8 ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ብቐጻሊ ንእከብ እንተ ዄንና፡ ሰላም ክንረክብ ንኽእል ኢና። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ኣብቲ ኣብ ኣኼባታትና ዚቐርብ መኽፈቲ ጸሎት፡ መንፈስ ኣምላኽ ምሳና ኪኸውን ልማኖ ይቐርብ እዩ። ሰላም ድማ ክፍሊ ፍረ መንፈስ እዩ። (ገላ. 5:22) ዋላ እውን ኣብ ትሕቲ ጸቕጢ ኸለና ናብ ኣኼባታትና ንኸይድ እንተ ዄንና፡ ካብ የሆዋን ካብ ኣሕዋትናን ኣሓትናን መተባብዒ ዀነ ናይ ኣእምሮን ልብን ሰላም ንምርካብ ኣጋጣሚ ንኸፍት ኢና። ጸሎትን ኣኼባታትን፡ የሆዋ ንዓና ዜደዓዕሰሉ ቐንዲ መገድታት እዩ። (እብ. 10:24, 25) ቀጺልና፡ ካብ ሃና እንረኽቦ ኻልእ ትምህርቲ እስከ ንርአ።

9. ኣብ ኵነታት ሃና እንታይ እዩ ዘይተለወጠ፧ እንታይ ግና እዩ ተለዊጡ፧

9 እቲ ንሃና ዘጨነቓ ጸገማት፡ ብኡብኡ ኣይተወገደን። ሃና ኻብቲ ማሕደር ናብ ቤታ ምስ ተመልሰት እውን፡ ምስ ጵኒና ኣብ ሓንቲ ቤት እያ እትነብር ነይራ። ጵኒና ጠባያ ኸም ዝለወጠት ዚሕብር ነገር ድማ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይንረክብን ኢና። ስለዚ፡ ሃና ነቲ ዚወግእ ቃላት መቐናቕንታ ኽትጻወር ነይርዋ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግና፡ ሃና ውሽጣዊ ሰላማ ኽትረክብን ክትሕልዎን ክኢላ እያ። ነቲ ነገር ኣብ ኢድ የሆዋ ምስ ሓደገቶ፡ ድሕሪኡ ኸም ዘይተጨነቐት ኣይንረስዕ። የሆዋ ኼጸናንዓን ኼደዓዕሳን ፈቒዳትሉ እያ። ድሕሪ እተወሰነ ግዜ ኸኣ፡ ሃና ውሉዳት ወሊዳ እያ።—1 ሳሙ. 1:19, 20፣ 2:21

10. ካብ ሃና እንታይ ንምሃር፧

10 እቲ ዜጨንቐና ጸገም እናሃለወ ኽነሱ፡ ሰላም ክንረክብ ንኽእል ኢና። ኣበርቲዕና ድሕሪ ምጽላይናን ኣብ ኣኼባታት ብስሩዕ ድሕሪ ምእካብናን እውን እንተ ዀነ፡ ገሊኡ ጸገማትና ኪቕጽል ይኽእል እዩ። ግናኸ፡ የሆዋ ነቲ እተጨነቐ ልብና ኻብ ምድዕዓስ ኪዓግቶ ዚኽእል ነገር ከም ዘየልቦ ኻብ ሃና ኽንምሃር ንኽእል ኢና። የሆዋ ኸቶ ኣይርስዓናን እዩ፣ ይንዋሕ ወይ ይሕጸር፡ ዓስቢ ተኣማንነትና ይህበና እዩ።—እብ. 11:6

ካብ ሃዋርያ ጳውሎስ እንታይ ንምሃር፧

11. ጳውሎስ እንታይ ዜጨንቕ ምኽንያታት ነይርዎ፧

11 ጳውሎስ ብዙሕ ዜጨንቕ ምኽንያታት ነይርዎ እዩ። ንኣብነት፡ ንኣሕዋቱን ንኣሓቱን የፍቅሮም ብምንባሩ፡ ጸገማቶም ብዙሕ የተሓሳስቦ ነይሩ እዩ። (2 ቈረ. 2:4፣ 11:28) ከም ሃዋርያ መጠን ኣገልግሎቱ ኺፍጽም ከሎ ኸኣ፡ ተጻረርቲ ወቒዖምዎን ናብ ቤት ማእሰርቲ ደርብዮምዎን እዮም። ጭንቀት ኬምጽእ ዚኽእል ከም “ዋሕዲ” ስንቂ ዝኣመሰለ ጸገማት እውን ኣሕሊፉ እዩ። (ፊል. 4:12) እንተ ወሓደ ሰለስተ ሳዕ እታ ዝነበራ መርከብ ስለ እተሰብረቶ ድማ፡ ብመርከብ ኣብ ዚጕዓዘሉ እዋን ይጭነቕ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። (2 ቈረ. 11:23-27) እሞ ደኣ ጳውሎስ ነዚ ዅሉ ጭንቀት ብኸመይ ክኢልዎ፧

12. እንታይ እዩ ንጳውሎስ ጭንቀቱ ዝነከየሉ፧

12 ጳውሎስ በቲ ንኣሕዋቱን ንኣሓቱን ዜጋጥሞም ጸገማት ይጭነቕ ነይሩ እዩ፣ ንዅሉ ጸገማቶም ግና ባዕሉ ኺፈትሖ ኣይፈተነን። ዓቕሙ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ስለዚ፡ ነቲ ጸገማት ኣብ ምፍታሕ ካልኦት ኪሕግዙ መሰናድዎ ገይሩ እዩ። ንኣብነት፡ ስልጣኑ ንኸም እኒ ጢሞቴዎስን ቲቶስን ዝኣመሰሉ እሙናት ሰባት ኣካፊልዎም እዩ። እቶም ኣሕዋት እቲኦም ዝዓየይዎ ዕዮ ኸኣ፡ ንጳውሎስ ብዘይ ጥርጥር ጭንቀቱ ነክዩሉ እዩ።—ፊል. 2:19, 20፣ ቲቶ. 1:1, 4, 5

ከምቲ ኻብ ሃዋርያ ጳውሎስ እተምሃርናዮ፡ ብጭንቀት ምእንቲ ኸይንውሓጥ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 13-15 ርአ)

13. ከመይ ገይሮም እዮም ሽማግለታት ኣብነት ጳውሎስ ኪስዕቡ ዚኽእሉ፧

13 ካብ ካልኦት ሓገዝ ሕተት። ሎሚ እውን ብዙሓት ሕያዎት ሽማግለታት፡ ከም ጳውሎስ፡ በቲ ነቶም ኣብ ጉባኤኦም ዘለዉ ክርስትያናት ዜጋጥሞም ጸገማት ይጭነቑ እዮም። እንተዀነ ግና፡ ሓደ ሽማግለ ንዅሉ ኺሕግዝ ኣይክእልን እዩ። ስለዚ፡ ብትሕትና ተደሪኹ ጾሩ ንኻልኦት ብቑዓት ሰብኡት የካፍል፡ መንእሰያት ንመጓሰ ኣምላኽ ኣብ ምክንኻን ምእንቲ ኺሕግዙ እውን የሰልጥን እዩ።—2 ጢሞ. 2:2

14. ጳውሎስ ብዛዕባ እንታይ እዩ ዘይተጨነቐ፧ ካብኡኸ እንታይ ንምሃር፧

14 መጸናንዒ ኸም ዜድልየካ ተኣመን። ጳውሎስ ትሑት እዩ ነይሩ፣ ስለዚ ድማ፡ ካብ ፈተውቱ መተባብዒ ይደልን ይቕበልን ነይሩ እዩ። ካብ ካልኦት መጸናንዒ ኸም ዝረኸበ እንተ ገሊጹ፡ ሰባት ንዕኡ ኸም ድኹም ገይሮም ከይርእይዎ ኣየጨንቖን እዩ ነይሩ። ናብ ፊልሞን ኣብ ዝጸሓፋ መልእኽቲ፡ “ብፍቕርኻ ብዙሕ ሓጐስን መጸናንዕን ረኺበ እየ” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። (ፊሞ. 7) ካልኦት መዓይይቱ ኣብ ግዜ ጭንቂ ብዙሕ ከም ዘተባብዕዎ እውን ጠቒሱ ኣሎ። (ቈሎ. 4:7-11) መተባብዒ ኸም ዜድልየና ብትሕትና እንተ ተኣሚንና፡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ነቲ ዜድልየና ደገፍ ተሓጒሶም ኪህቡና እዮም።

15. ጳውሎስ ኣብ እዋን ጭንቂ ብኸመይ እዩ እፎይታ ዝረኸበ፧

15 ኣብ ቃል ኣምላኽ ተጸጋዕ። ጳውሎስ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት መጸናንዒ ኸም ዚረክብ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (ሮሜ 15:4) ንዝዀነ ጸገም ኪዋጽኣሉ ዜኽእሎ ጥበብ ከም ዚረክብ እውን ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (2 ጢሞ. 3:15, 16) ኣብ ሮሜ ንኻልኣይ ሳዕ ምስ ተኣስረ፡ ሞቱ ኸም ዝቐረበ ተሰሚዕዎ ነይሩ እዩ። ኣብቲ እዋን ጭንቂ እቲ ግና፡ እንታይ እዩ ገይሩ፧ ንጢሞቴዎስ ነቲ “ብራናታት” ተማሊኡ ቐልጢፉ ናብኡ ኺመጽእ እዩ ሓቲትዎ። (2 ጢሞ. 4:6, 7, 9, 13) ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ነቲ ኽፋል ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ኪኸውን ዚኽእል ብራናታት፡ ኣብ ብሕታዊ መጽናዕቱ ኺጥቀመሉ ይኽእል ነይሩ እዩ። ንሕና እውን ስሩዕ መጽናዕቲ ቓል ኣምላኽ ብምግባር ኣብነት ጳውሎስ እንተ ስዒብና፡ ዜጓንፈና ጸገማት ብዘየገድስ፡ የሆዋ በቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ገይሩ ኼደዓዕሰና ይኽእል እዩ።

ካብ ንጉስ ዳዊት እንታይ ንምሃር፧

ከምቲ ኣብ ንጉስ ዳዊት ዝረኣናዮ፡ ከቢድ ጌጋ ምስ እንገብር፡ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 16-19 ርአ)

16. ዳዊት እንታይ ጭንቀት እዩ ባዕሉ ዘምጽአ፧

16 ዳዊት ክፉእ ተግባር ብምግባሩ፡ ናይ ሕልናኡ ወቐሳ ኣጨኒቕዎ እዩ። ከመይሲ፡ ምስ ባትሴባ ዘምዩ፡ ንሰብኣያ ኣቕቲልዎ፡ ንእተወሰነ እዋን ከኣ ንገበኑ ሸፊንዎ እዩ። (2 ሳሙ. 12:9) ኣብ ፈለማ፡ ዳዊት ንሕልናኡ ዕሽሽ ኢልዎ ነይሩ እዩ። ከም ሳዕቤኑ ኸኣ፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብኣእምሮኣውን ብኣካላውን መዳይ እውን ተጐዲኡ እዩ። (መዝ. 32:3, 4) እሞ ደኣ ዳዊት ነቲ ባዕሉ ዘምጽኦ ጭንቀት ኪጻወር ዝሓገዞ እንታይ እዩ፧ ንሕና ኸቢድ ጌጋ እንተ ጌርናኸ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

17. እቲ ኣብ መዝሙር 51:1-4 ዚርከብ ቃላት፡ ዳዊት ካብ ልቡ ኸም እተነስሐ ዜርኢ ብኸመይ እዩ፧

17 ይቕረታ ኺግበረልካ ጸሊ። ዳዊት ጸኒሑ ናብ የሆዋ ጸለየ። ካብ ልቡ እናተነስሐ ድማ ሓጢኣቱ ተናዘዘ። (መዝሙር 51:1-4 ኣንብብ።) እዚ ኸኣ ብሓቂ እፎይታ ኣምጺኡሉ እዩ። (መዝ. 32:1, 2, 4, 5) ከቢድ ሓጢኣት ምስ እትገብር፡ ጌጋኻ ኽትሽፍን ኣይትጽዓር። ኣብ ክንዳኡስ፡ ብዛዕባ ሓጢኣትካ ብጸሎት ንየሆዋ ተናዘዘሉ። ድሕሪኡ፡ ካብቲ ናይ ሕልና ወቐሳ ዜስዕበልካ ጭንቀት፡ እፎይታ ምርካብ ክትጅምር ኢኻ። ነቲ ምስ የሆዋ ዝነበረካ ዕርክነት ናብ ቀደሙ ኽትመልሶ እንተ ደሊኻ ግና፡ ካብ ጸሎት ንላዕሊ ኽትገብሮ ዘሎካ ነገር ኣሎ።

18. ዳዊት ነቲ እተዋህቦ ተግሳጽ ብኸመይ እዩ ተቐቢልዎ፧

18 ተግሳጽ ተቐበል። የሆዋ ንነብዪ ናታን ናብ ዳዊት ምስ ለኣኾ፡ ዳዊት መመኽነይታ ኣየቕረበን፡ ወይ ሓጢኣቱ ኼነኣእስ ኣይፈተነን። ንሰብኣይ ባትሴባ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ልዕሊ ዅሉ ንየሆዋ ኸም ዝበደለ ብኡብኡ እዩ ተኣሚኑ። ነቲ ኻብ የሆዋ ዝመጸ ተግሳጽ ተቐቢሉ እዩ፣ የሆዋ እውን ይቕረ ኢሉሉ እዩ። (2 ሳሙ. 12:10-14) ንሕና እውን ከቢድ ሓጢኣት እንተ ጌርና፡ ነቶም የሆዋ ኺጓስዩና ኢሉ ዝሸሞም ሰባት ክንነግሮም ኣሎና። (ያእ. 5:14, 15) መመኽነይታ ኸይነቕርብ እውን ክንጥቀቕ ኣሎና። ነቲ እተዋህበና ተግሳጽ ብቕልጡፍ ተቐቢልና ኣብ ግብሪ እንተ ኣውዒልናዮ፡ ሰላምን ሓጐስን ክንረክብ ንኽእል ኢና።

19. እንታይ ንምግባር ኢና ኽንቈርጽ ዘሎና፧

19 ጌጋታትካ ኸይትደግም ቍረጽ። ንጉስ ዳዊት ነቲ ሓጢኣቱ ምእንቲ ኸይደግሞ፡ ሓገዝ የሆዋ ኸም ዜድልዮ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (መዝ. 51:7, 10, 12) ካብ የሆዋ ይቕረታ ድሕሪ ምርካቡ፡ ክፉእ ሓሳባት ንምውጋድ ቈሪጹ ነይሩ እዩ። እዚ ድማ ውሽጣዊ ሰላም ኣፍርዩሉ እዩ።

20. ንይቕረታ የሆዋ ኸም እነማስወሉ ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧

20 ይቕረታ ንምርካብ እንተ ጸሊናን ተግሳጽ እንተ ተቐቢልናን ጌጋታትና ኸይንደግም እንተ ጽዒርናን፡ ንይቕረታ የሆዋ ኸም እነማስወሉ ነርኢ ኢና። ነዚ ስጕምትታት እዚ እንተ ወሲድና፡ ውሽጣዊ ሰላም ንረክብ ኢና። ከቢድ ሓጢኣት ዝፈጸመ ጄምስ ዝስሙ ሓው፡ ነዚ ብተመክሮ ርእይዎ እዩ። ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ ድማ፡ “ሓጢኣተይ ንሽማግለታት ምስ ተናዘዝኩ፡ ከቢድ ጾር ካብ መንኵበይ ከም እተላዕለለይ ኰይኑ እዩ ተሰሚዑኒ። ናይ ኣእምሮ ሰላም ድማ ክረክብ ጀሚረ” ይብል። እቲ፡ “የሆዋ ነቶም ስቡር ዝልቦም ቀረባኦም እዩ፣ ነቶም መንፈሶም እተደቝሰ ኸኣ የድሕኖም” ዚብል ሓሳብ ብሓቂ ዜተባብዕ እዩ።—መዝ. 34:18

21. ከመይ ጌርና ኢና፡ የሆዋ ኼደዓዕሰና ኽንፈቅድ እንኽእል፧

21 እዘን ዳሕሮት መዓልትታት ናብ መወዳእታአን ገጸን ብዝቐረባ መጠን፡ ጠንቂ ጭንቀት እናወሰኸ ኪኸይድ እዩ። ዜጨንቕ ሓሳባት እንተ ኣልዩካ፡ ካብ የሆዋ ሓገዝ ንምድላይ ኣይትደንጒ። ብትግሃት መጽሓፍ ቅዱስ ኣጽንዕ። ካብ ሃናን ጳውሎስን ዳዊትን ተምሃር። ነቲ ሰማያዊ ኣቦኻ ኸኣ ጠንቂ ጭንቀትካ ንምልላይ ኪሕግዘካ ለምኖ። (መዝ. 139:23) ጾርካ ኺጾረልካ ፍቐደሉ፣ ምናዳ ነቲ ኻብ ቍጽጽርካ ወጻኢ ዝዀነ ጾር ናብኡ ደርብዮ። ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ከምቲ፡ “ጭንቀት ምስ ወሓጠኒ፡ ንስኻ ኣጸናኒዕካንን ኣደዓዒስካንን ኢኻ” ኢሉ ናብ የሆዋ ዝጸለየ ዘማሪ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ።—መዝ. 94:19

መዝሙር 4 “የሆዋ ጓሳይየይ እዩ”

^ ሕ.ጽ. 5 ሓድሓደ ግዜ፡ ኵላትና በቲ ዜጋጥመና ጸገማት ንጭነቕ ኢና። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሩ ምስ ጭንቀት እተቓለሱ ሰለስተ ኣገልገልቲ የሆዋ ዝሓደግዎ ኣብነት ትምርምር። የሆዋ ንነፍሲ ወከፎም ብኸመይ ከም ዘጸናንዖምን ዘደዓዓሶምን እውን ትገልጽ።

^ ሕ.ጽ. 1 መግለጺ ቓላት፦ ጭንቀት ናይ ሻቕሎት ወይ ናይ ዓቕሊ ጽበት ስምዒት እዩ። እዚ ድማ ብሰንኪ ገንዘብ፡ ጥዕና፡ ሽግራት ስድራ ቤት፡ ወይ ብሕታዊ ጸገማት ኪመጽእ ይኽእል እዩ። ብሰንኪ ሕሉፍ ጌጋታትና ወይ ብሰንኪ ኣብ መጻኢ ኼጋጥመና ይኽእል ኢልና እንሓስቦ ነገራት እውን ክንጭነቕ ንኽእል ኢና።