ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 11

ክትጥመቕ ተዳሊኻ ዲኻ፧

ክትጥመቕ ተዳሊኻ ዲኻ፧

“ጥምቀት ድማ ሕጂ የድሕነኩም ኣሎ።”—1 ጴጥ. 3:21

መዝሙር 28 ፈታው የሆዋ ምዃን

መላለዪ *

1. ሓደ ሰብ፡ ቤት ኪሃንጽ ቅድሚ ምጅማሩ እንታይ ኪገብር ኣለዎ፧

ቤት ኪሃንጽ ዝሓሰበ ሰብ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣል። እንታይ ዓይነት ቤት ከም ዚደሊ ይፈልጥ እዩ። እሞ ደኣ ብኡብኡ ናብ ዕዳጋ ኸይዱ ናውቲ ህንጸት ዓዲጉ ኺሃንጽ ይጅምር ድዩ፧ ኣይፋልን። ህንጸት ቅድሚ ምጅማሩ፡ ሓደ ኺገብሮ ዘለዎ ነገር ኣሎ፦ ነታ ቤት ንምህናጽ ዚኣክል እንተ ኣልይዎ ይጽብጽብ እዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ነታ ቤት ንምውዳእ ዚኣክል ገንዘብ እንተ ኣልይዎ ኺፈልጥ ይደሊ እዩ። ነቲ ወጻኢታት ኣቐዲሙ ብልክዕ እንተ ጸብጺብዎ፡ ነታ ሓዳስ ቤት ኪዛዝማ ይኽእል እዩ።

2. ብመሰረት ሉቃስ 14:27-30፡ ቅድሚ ምጥማቕካ ብዛዕባ እንታይ ኢኻ ተጠንቂቕካ ኽትሓስበሉ ዘሎካ፧

2 ንየሆዋ ዘሎካ ፍቕርን ምስጋናን ብዛዕባ ጥምቀት ክትሓስብ ደሪኹካዶ፧ እንተ ደሪኹካ፡ ምስቲ ቤት ኪሃንጽ ዝደለየ ሰብ ዚመሳሰል ውሳነ ኢኻ እትገብር ዘለኻ። ስለምንታይ ኢና ኸምኡ እንብል፧ ኣብ ሉቃስ 14:27-30 ዚርከብ የሱስ እተዛረቦ ቓላት እሞ ርአ። (ኣንብብ።) የሱስ፡ ወደ መዝሙሩ ብዛዕባ ምዃን እዩ ዚገልጽ ነይሩ። ሰዓብቱ ኽንከውን እንተ ዄንና፡ ወጻኢታትና ኽንጽብጽብ፡ ማለት ነቲ ዜጋጥመና ብድሆታትን ነቲ እንኸፍሎ መስዋእትታትን ንምቕባል ፍቓደኛታት ክንከውን ኣሎና። (ሉቃ. 9:23-26፣ 12:51-53) ስለዚ፡ ቅድሚ ምጥማቕካ፡ ብዛዕባ ዅሉ እቲ ምስኡ ዚተሓሓዝ ነገራት ተጠንቂቕካ ኽትሓስበሉ ኣሎካ። ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ከም ጥሙቕ ክርስትያን መጠን ንኣምላኽ ወትሩ ብተኣማንነት ንምግልጋል፡ ብዝያዳ ድሉው ክትከውን ኢኻ።

3. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ኢና ኽንርኢ፧

3 ጥሙቕ ወደ መዝሙር ክርስቶስ ምዃንሲ፡ ክንድዚ ኪኽፈለሉ ዚግባእ ድዩ፧ እሂ ደኣ! ጥምቀት ሕጅን ኣብ መጻእን ናብ ብዙሕ በረኸት መገዲ ይኸፍት እዩ። ሕጂ እምበኣር፡ ምስ ጥምቀት ዚተሓሓዝ እተወሰነ ሕቶታት እስከ ንርአ። ነዘን ሕቶታት እዚአን ምምርማርካ፡ “ክጥመቕ ተዳልየ ድየ፧” ንእትብል ሕቶ ንምምላስ ኪሕግዘካ እዩ።

ብዛዕባ ጥምቀትን ወፈያን እንታይ ክትፈልጥ ኣሎካ፧

4. (ሀ) ወፈያ እንታይ እዩ፧ (ለ) ኣብ ማቴዎስ 16:24 ተጠቒሱ ኸም ዘሎ፡ ‘ርእስኻ ትቐብጽ’ ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

4 ወፈያ እንታይ እዩ፧ ቅድሚ ምጥማቕካ፡ ርእስኻ ትውፊ ኢኻ። ርእስኻ ኽትውፊ ኸለኻ፡ ካብ ልቢ ብዝነቐለ ጸሎት ናብ የሆዋ ቐሪብካ፡ ህይወትካ ንዘለኣለም ኣብ ኣገልግሎቱ ኸም እትጥቀመላ ትነግሮ ኢኻ። ርእስኻ ንኣምላኽ ክትውፊ ኸለኻ፡ ‘ርእስኻ ትቐብጽ’ ኢኻ። (ማቴዎስ 16:24 ኣንብብ።) ድሕሪኡ፡ ናይ የሆዋ ኢኻ፣ እዚ ድማ ዓብዪ መሰል እዩ። (ሮሜ 14:8) ካብ ሕጂ ንደሓር ገዛእ ርእስኻ ኣብ ምሕጓስ ዘይኰነስ፡ ንዕኡ ኣብ ምግልጋል ከም እተተኵር ኢኻ ነጊርካዮ። ወፈያኻ መብጽዓ እዩ፡ ማለት ንኣምላኽ ዝኣቶኻሉ ረዚን ቃል እዩ። የሆዋ ነቲ መብጽዓ እቲ ኽትኣቱ ኣይግድደካን እዩ። መብጽዓ ምስ ተመባጻዕካ ግና፡ ክትፍጽሞ ይጽበየካ እዩ።—መዝ. 116:12, 14

5. ወፈያ ምስ ጥምቀት ብኸመይ ይተኣሳሰር፧

5 ወፈያ ምስ ጥምቀት ብኸመይ ይተኣሳሰር፧ ወፈያኻ ብሕታውን ውልቃውን እዩ፣ ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ የሆዋን እዩ ዚግበር። ጥምቀት ግና ብግህዶ እዩ ዚግበር፣ ኣብ ቅድሚ ሰባት፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ኣኼባ ወረዳ ወይ ኣኼባ ዞባ እዩ ዚግበር። ክትጥመቕ ከለኻ፡ ርእስኻ ንየሆዋ ኸም ዝወፈኻ ኢኻ ንሰባት እተርኢ። * ስለዚ፡ ብጥምቀት ኣቢልካ ንሰባት፡ ንየሆዋ ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ነፍስኻን ኣእምሮኻን ሓይልኻን ከም እተፍቅሮ፡ ንዘለኣለም ከተገልግሎ እውን ከም ዝወሰንካ ተፍልጥ ኢኻ።—ማር. 12:30

6-7. ብመሰረት 1 ጴጥሮስ 3:18-22፡ ጥምቀት ኣድላዪ ዝዀነሉ እንታይ ክልተ ምኽንያት ኣሎ፧

6 ብሓቂዶ ኽትጥመቕ የድልየካ እዩ፧ ኣብ 1 ጴጥሮስ 3:18-22 ዚርከብ ቃላት እሞ ርአ። (ኣንብብ።) ከምቲ እታ መርከብ ንእምነት ኖህ እተርኢ መርትዖ ዝነበረት፡ ጥምቀት ድማ ርእስኻ ንየሆዋ ኸም ዝወፈኻ ዜርኢ እዩ። ግናኸ፡ ብሓቂዶ ኽትጥመቕ የድልየካ እዩ፧ እወ። ጴጥሮስ ስለምንታይ ከም ዜድሊ ሓሳብ ሂቡ ኣሎ። ቀዳማይ፡ ጥምቀት ‘የድሕነካ’ እዩ። የሱስ ምእንታና ኸም ዝሞተን ናብ ሰማይ ከም ዝተንስአን ሕጂ “ኣብ የማን ኣምላኽ” ከም ዘሎን እንተ ኣሚንና፡ ብእኡ ኸም እንኣምን ዜርኢ ስጕምታት ከኣ እንተ ወሲድና ጥምቀት ኬድሕነና ይኽእል እዩ።

7 ካልኣይ፡ ጥምቀት ናብ “ሰናይ ሕልና” ይመርሕ እዩ። ርእስና ንኣምላኽ ወፊና ኽንጥመቕ ከለና፡ ምስኡ ፍሉይ ርክብ ክንምስርት ኢና እንጅምር። ካብ ልብና ስለ እንንሳሕን ኣብቲ በጃ ስለ እንኣምንን ከኣ፡ ኣምላኽ ንሓጢኣትና ይሓድገልና እዩ። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ኣብ ቅድሚኡ ሰናይ ሕልና ኺህልወና ይኽእል እዩ።

8. እቲ ኽትጥመቕ እትገብሮ ውሳነ፡ ኣብ ምንታይ እተመስረተ ኪኸውን ኣለዎ፧

8 እቲ ኽትጥመቕ እትገብሮ ውሳነ፡ ኣብ ምንታይ እተመስረተ ኪኸውን ኣለዎ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠንቂቕካ ብምጽናዕካ፡ ብዛዕባ የሆዋ፡ ማለት ብዛዕባ ባህርያቱን ብዛዕባ መገድታቱን ብዙሕ ተማሂርካ ኢኻ። እቲ ብዛዕባኡ እተምሃርካዮ ነገር ከኣ፡ ንልብኻ ተንክይዎን ንዕኡ ብዙሕ ከተፍቅሮ ደሪኹካን እዩ። እምበኣር፡ እቲ ኽትጥመቕ እትገብሮ ውሳነ፡ ብቐዳምነት ኣብታ ንየሆዋ ዘላትካ ፍቕሪ እተመስረተ ኪኸውን ኣለዎ።

9. ከምቲ ኣብ ማቴዎስ 28:19, 20 ተጠቒሱ ዚርከብ፡ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን ምጥማቕ ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

9 እቲ ኽትጥመቕ እትገብሮ ውሳነ፡ ኣብቲ እተቐበልካዮ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ እውን እተመስረተ እዩ። የሱስ ንሰዓብቱ፡ ደቀ መዛሙርቲ ኺገብሩ መዝነት ኪህቦም ከሎ እንታይ ከም ዝበለ እሞ ርአ። (ማቴዎስ 28:19, 20 ኣንብብ።) እቶም ዚጥመቑ፡ “ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን” ኪጥመቑ ኸም ዘለዎም እዩ ገሊጹ። እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ ነቲ ብዛዕባ የሆዋን ወዱ የሱስን መንፈስ ቅዱስን እተገልጸ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቅታት ብምሉእ ልብኻ ኽትኣምነሉ ኣሎካ። እዚ ሓቅታት እዚ ኣዝዩ ሓያል ጽልዋ ኣለዎ፡ ንልብኻ እውን ኣጸቢቑ ኺትንክዮ ይኽእል እዩ። (እብ. 4:12) ገለ ኻብኡ እስከ ንርአ።

10-11. ብዛዕባ ኣቦ እንታይ ሓቅታት ኢኻ ተማሂርካን ተቐቢልካን፧

10 ብዛዕባ ኣቦ ነዚ ዚስዕብ ሓቅታት እዚ እተምሃርካሉ እዋን እሞ ሕስብ ኣብሎ፦ ‘ስሙ የሆዋ’ እዩ፡ “ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ልዑል” እዩ፡ ንሱ በይኑ ድማ እዩ “ናይ ሓቂ ኣምላኽ።” (መዝ. 83:18፣ ኢሳ. 37:16) ፈጣሪና እዩ፡ “ድሕነት [ድማ] ናይ የሆዋ እዩ።” (መዝ. 3:8፣ 36:9) ካብ ሓጢኣትን ሞትን ኬድሕነና ኢሉ መሰናድዎ ገይሩ ኣሎ፡ ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት እውን ሂቡና ኣሎ። (ዮሃ. 17:3) ርእስኻ ኽትውፍን ክትጥመቕን ከለኻ፡ ናይ የሆዋ ምስክር ምዃንካ ኢኻ ኸተፍልጥ። (ኢሳ. 43:10-12) ክፍሊ እቶም ብስም ኣምላኽ ስለ እተጸውዑን ንሰባት ብዛዕባኡ ስለ ዜፍልጡን ሓበን ዚስምዖም ዓለምለኻዊ ስድራ ቤት ኣምለኽቲ እውን ክትከውን ኢኻ።—መዝ. 86:12

11 ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣቦ ዚምህሮ ትምህርቲ ኽትርዳእ ምኽኣልሲ፡ ከመይ ዝበለ ፍሉይ መሰል ኰን እዩ! ነቲ ኽቡር ሓቅታት ምስ ተቐበልካዮ፡ ርእስኻ ንየሆዋ ወፊኻ ኽትጥመቕ ልብኻ ኺድርኸካ እዩ።

12-13. ብዛዕባ ወዲ እንታይ ሓቅታት ኢኻ ተማሂርካን ተቐቢልካን፧

12 ብዛዕባ ወዲ ነዚ ዚስዕብ ሓቅታት ምስ ተምሃርካ፡ እንታይ ተሰሚዑካ፧ የሱስ ኣብ ብዘሎ ዩኒቨርስ ብኣገዳስነቱ ኻልኣይ ደረጃ ዝሓዘ እዩ። ተበጃዊና እዩ። ብፍታው ድማ ህይወቱ ምእንታና ሂቡ እዩ። በቲ ንሱ ዝኸፈሎ በጃ ኸም እንኣምን ብግብሪ እንተ ኣርኢና ኸኣ፡ ሓጢኣትና ይሕደገልና፡ ምስ ኣምላኽ ዕርክነት ነማዕብል፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት እውን ንረክብ ኢና። (ዮሃ. 3:16) የሱስ ሊቀ ኻህናትና እዩ። ካብቲ በጃ ኽንጥቀም፡ ምስ ኣምላኽ ድማ ናይ ቀረባ ርክብ ክንምስርት ይደልየና እዩ። (እብ. 4:15፣ 7:24, 25) ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ የሆዋ ብእኡ ኣቢሉ ንስሙ ኪቕድሶን ንእከይ ኬወግዶን ኣብ ገነት ዘለኣለማዊ በረኸት ኬምጽእን እዩ። (ማቴ. 6:9, 10፣ ራእ. 11:15) የሱስ ኣርኣያና እዩ። (1 ጴጥ. 2:21) ህይወቱ ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምግባር ብምውፋይ ዝመጸ ኸኣ ኣብነት ይዀነና እዩ።—ዮሃ. 4:34

13 ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ የሱስ ዚምህሮ ምስ እትቕበሎ፡ ነቲ ፍቑር ወዲ ኣምላኽ ተፍቅሮ ኢኻ። እታ ፍቕሪ እቲኣ ኸኣ፡ ከም የሱስ፡ ህይወትካ ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምግባር ከተውዕሎ ትድርኸካ እያ። ከም ውጽኢቱ፡ ርእስኻ ንየሆዋ ኽትውፍን ክትጥመቕን ትለዓዓል ኢኻ።

14-15. ብዛዕባ መንፈስ ቅዱስ እንታይ ሓቅታት ኢኻ ተማሂርካን ተቐቢልካን፧

14 ብዛዕባ መንፈስ ቅዱስ ነዚ ዚስዕብ ሓቅታት ምስ ተምሃርካ፡ እንታይ ትሓስብ ኔርካ፧ መንፈስ ቅዱስ ብርእሱ ዚሓስብ ኣካል ኣይኰነን፣ የግዳስ፡ ናይ ኣምላኽ ንጡፍ ሓይሊ እዩ። የሆዋ ንሰባት ብመንፈስ ቅዱስ ብምድራኽ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚጽሕፉ ገይርዎም እዩ፣ ብዘይካዚ ድማ፡ እቲ መንፈስ እቲ ነቲ እነንብቦ ኽንርድኦን ክንትግብሮን ይሕግዘና እዩ። (ዮሃ. 14:26፣ 2 ጴጥ. 1:21) የሆዋ ብመንፈሱ ኣቢሉ፡ “ካብ ንቡር ዝሓለፈ ሓይሊ” ይህበና እዩ። (2 ቈረ. 4:7) እቲ መንፈስ እቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክንሰብኽ፡ ምስ ፈተና ኽንቃለስ፡ ተስፋ ኸይንቘርጽ፡ ከምኡ ድማ መከራ ኽንሰግር ዜኽእል ሓይሊ ይህበና እዩ። “ፍረ መንፈስ” ዚብሃል ጽቡቕ ባህርያት ከነፍሪ እውን ይሕግዘና እዩ። (ገላ. 5:22) ኣምላኽ ነቶም ዚኣምንዎን ካብ ልቢ ዚልምንዎን መንፈሱ ብናጻ ይህቦም እዩ።—ሉቃ. 11:13

15 ኣምለኽቲ የሆዋ ኣብቲ ንኣምላኽ ዜቕርብዎ ኣገልግሎት መንፈስ ቅዱስ ከም ዚሕግዞም ምፍላጦምሲ ኽሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ዜተባብዖምን ዜጸናንዖምን! ነቲ ብዛዕባ መንፈስ ቅዱስ እተምሃርካዮ ሓቅታት ምስ ተቐበልካዮ፡ ርእስኻ ንኣምላኽ ወፊኻ ኽትጥመቕ ትድረኽ ኢኻ።

16. ክሳብ ኣብዚ እንታይ ኢና ርኢና፧

16 ርእስኻ ንኣምላኽ ንምውፋይን ንምጥማቕን ክትውስን ከለኻ፡ ኣገዳሲ ስጕምቲ ኢኻ እትወስድ ዘለኻ። ኣቐዲምና ኸም ዝረኣናዮ፡ ወጻኢታትካ ኽትጽብጽብ፡ ማለት ነቲ ዜጋጥመካ ብድሆታትን ነቲ እትኸፍሎ መስዋእትታትን ንምቕባል ፍቓደኛ ኽትከውን ኣሎካ። እቲ ሽዑ እትረኽቦ በረኸት ግና፡ ካብቲ ወጻኢታትካ ኣጸቢቑ ይበልጽ እዩ። ጥምቀት የድሕነካ እዩ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ናብ ሰናይ ሕልና ይመርሓካ እዩ። ክትጥመቕ እትገብሮ ውሳነ፡ ብቐዳምነት ኣብታ ንየሆዋ ኣምላኽ ዘላትካ ፍቕሪ እተመስረተ ኪኸውን ኣለዎ። ነቲ ብዛዕባ ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እተምሃርካዮ ሓቅታት ድማ፡ ብምሉእ ልብኻ ኽትኣምነሉ ኣሎካ። እሞ ደኣ ነዚ ኽሳዕ ሕጂ ዝረኣናዮ ኣብ ግምት ድሕሪ ምእታውካ፡ “ክጥመቕ ተዳልየ ድየ፧” ንእትብል ሕቶ እንታይ ምላሽ ትህበላ፧

ቅድሚ ጥምቀት እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧

17. ገለ ኻብቲ ናብ ጥምቀት ዚመርሕ ስጕምትታት እንታይ እዩ፧

17 ክትጥመቕ እተዳሎኻ ዀይኑ እንተ ተሰሚዑካ፡ ምስ የሆዋ ጽቡቕ ርክብ ንምምዕባል ክሳዕ ሕጂ ብዙሕ ስጕምትታት ወሲድካ ኽትከውን ኣሎካ። * ስሩዕ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብምግባርካ፡ ብዛዕባ የሆዋን የሱስን ብዙሕ ፈሊጥካ ኢኻ። እምነት እውን ኣማዕቢልካ ኢኻ። (እብ. 11:6) ኣብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ የሆዋ ዘተስፈዎ ተስፋታት ምሉእ እምንቶ ኣሎካ፣ ኣብ መስዋእቲ የሱስ ዘሎካ እምነት ካብ ሓጢኣትን ሞትን ኬድሕነካ ኸም ዚኽእል እውን ርግጸኛ ኢኻ። ሓጢኣትካ ተነሲሕካ ኢኻ፣ እቲ ዝገበርካዮ ጌጋታት ብዙሕ የጣዕሰካ እዩ፣ ንየሆዋ እውን ይቕረታ ኺገብረልካ ለሚንካዮ ኢኻ። ካብ ግጉይ መገዲ ህይወትካ ተመሊስካ ኢኻ፣ ነቲ ናይ ቀደም ሕማቕ ህይወትካ ሓዲግካ ድማ ንኣምላኽ ባህ ብዜብል መገዲ ኽትነብር ጀሚርካ ኢኻ። (ግብ. 3:19) ንኻልኦት ብዛዕባ እምነትካ ንምንጋር ሃንቀውታ ኣሎካ። ዘይተጠምቀ ኣስፋሒ ኽትከውን በቒዕካን ምስ ጉባኤኻ ኽትሰብኽ ጀሚርካን ኢኻ። (ማቴ. 24:14) ነዚ ኣገዳሲ ስጕምትታት እዚ ስለ ዝወሰድካ፡ የሆዋ ብኣኻ ይሕበን እዩ። ንልቡ ብዙሕ ኣሐጒስካዮ ኢኻ።—ምሳ. 27:11

18. ቅድሚ ምጥማቕካ፡ እንታይ ካልእ ነገራት ኢኻ ኽትገብር ዘሎካ፧

18 ቅድሚ ምጥማቕካ፡ ካልእ ክትገብሮ ዘሎካ ነገራት ኣሎ። ኣቐዲምና ኸም ዝረኣናዮ፡ ርእስኻ ንኣምላኽ ክትውፊ ኣሎካ። ስለዚ፡ ብውልቅኻ ብልባዊ ጸሎት ኣቢልካ ናብኡ ቕረብ እሞ ህይወትካ ኣብ ምግባር ፍቓዱ ኸም እተውዕሎ ተመባጽዓሉ። (1 ጴጥ. 4:2) ድሕሪኡ፡ ክትጥመቕ ከም እትደሊ ንኣተሓባባሪ ኣካል ሽማግለታት ንገሮ። ንሱ ድማ፡ ገሊኦም ሽማግለታት ምሳኻ ኸም ዚራኸቡ ኺገብር እዩ። ምሳታቶም ምርኻብ ኬጨንቐካ የብሉን። እዞም ፍቑራት ኣሕዋት እዚኦም፡ ይፈልጡኻን ይፈትዉኻን እዮም። ምሳኻ ብሓባር ኰይኖም ከኣ ንመሰረታዊ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪኽልስዎ እዮም። ነቲ ትምህርትታት እቲ ኸም እተረዳእካዮ፡ ኣገዳስነት ወፈያን ጥምቀትን ድማ ከም እትፈልጥ ኬረጋግጹ ይደልዩ እዮም። ከም እተዳሎኻ እንተ ተሰማሚዖምሉ፡ ኣብ ዚቕጽል ኣኼባ ወረዳ ወይ ኣኼባ ዞባ ኽትጥመቕ ከም እትኽእል ኪነግሩኻ እዮም።

ድሕሪ ጥምቀት እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧

19-20. ድሕሪ ጥምቀት እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧ ከመይ ጌርካኸ ኢኻ ኸምኡ ኽትገብር እትኽእል፧

19 ምስ ተጠመቕካ፡ እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧ * ወፈያ መብጽዓ ምዃኑ፡ የሆዋ ድማ ክትሕልዎ ኸም ዚጽበየካ ኣይትረስዕ። ስለዚ፡ ድሕሪ ጥምቀት፡ ምስ ወፈያኻ ተሰማሚዕካ ኽትነብር ኣሎካ። ከመይ ጌርካ ኸምኡ ኽትገብር ትኽእል፧

20 ናብ ጉባኤኻ ልገብ። ጥሙቕ ክርስትያን ምስ ኰንካ፡ ምስ “ኣሕዋት” ትጽምበር ኢኻ። (1 ጴጥ. 2:17) ኣብ ጉባኤኻ ዘለዉ ኣሕዋትካን ኣሓትካን፡ መንፈሳውያን ስድራ ቤትካ እዮም። ብስሩዕ ኣብ ኣኼባታት ብምእካብ፡ ምሳታቶም ዘሎካ ርክብ ከተደልድል ኢኻ። መዓልቲ መዓልቲ፡ ቃል ኣምላኽ ኣንብብ፡ ኣስተንትነሉ እውን። (መዝ. 1:1, 2) ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ኣንበብካ፡ ብዛዕባ እቲ ዘንበብካዮ ግዜ ወሲድካ ብዕምቈት ሕሰብ። ሽዑ፡ እቲ ቓላቱ ንልብኻ ኺትንክዮ እዩ። ‘ብቐጻሊ ጸሊ።’ (ማቴ. 26:41) ካብ ልቢ እትጽልዮ ጸሎት ንየሆዋ ብዝያዳ ኽትቀርቦ ኬኽእለካ እዩ። ‘ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ ብቐጻሊ ድለ።’ (ማቴ. 6:33) ነዚ ኸኣ ንዕዮ ስብከት ኣብ ህይወትካ ቐዳምነት ብምሃብ ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ኣገልግሎት ኣዘውቲርካ እንተ ተሳቲፍካ፡ እምነትካ ወትሩ ድልድልቲ ኽትከውን እያ፣ ንኻልኦት ሰባት እውን ናብ መገዲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪኣትዉ ትሕግዝ ትኸውን።—1 ጢሞ. 4:16

21. ጥምቀትካ ናብ ምንታይ እዩ መገዲ ዚኸፍት፧

21 ርእስኻ ንየሆዋ ንምውፋይን ንምጥማቕን ዝገበርካዮ ውሳነ፡ ኣብ ህይወትካ ኽትወስዶ እትኽእል ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዝዀነ ውሳነ እዩ። ወጻኢታት ከም ዜኽፍለካ ዚከሓድ ኣይኰነን። እሞኸ ኽትከፍለሉ ዚግባእ ድዩ፧ እወ! ኣብዛ ኣረጊት ዓለም እዚኣ ዜጋጥመና ዝዀነ ይኹን ጸገም፡ “ቀልጢፉ ዚሓልፍን ፈኲስን” እዩ። (2 ቈረ. 4:17) ጥምቀትካ ግና ሕጂ ናብ ዝያዳ ዕግበት ዘለዎ ህይወት፡ ኣብ መጻኢ ድማ ናብ “ናይ ሓቂ ህይወት” መገዲ ኪኸፍተልካ እዩ። (1 ጢሞ. 6:19) ሃየ እምበኣር፡ ነታ፡ “ክጥመቕ ተዳልየ ድየ፧” እትብል ሕቶ ብጸሎት ተጠንቂቕካ ሕሰበላ።

መዝሙር 50 ጸሎት ወፈያ

^ ሕ.ጽ. 5 ክትጥመቕ ትሓስብ ኣለኻ ዲኻ፧ ትሓስብ እንተ ኣሊኻ፡ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ንዓኻ እያ ተዳልያ። ብዛዕባ እዚ ኣገዳሲ ጕዳይ እዚ ዚልዓል መሰረታዊ ሕቶታት ክንርኢ ኢና። ነቲ ሕቶታት እትህቦ ምላሽ ከኣ፡ ክትጥመቕ ተዳሊኻ እንተ ዄንካ ንምፍላጥ ኪሕግዘካ እዩ።

^ ሕ.ጽ. 5 ነታ፡ “ ኣብ መዓልቲ ጥምቀት ዚምለሳ ኽልተ ሕቶታት” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

^ ሕ.ጽ. 19 ነታ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧ ዘርእስታ መጽሓፍን ነታ ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ብኸመይ ትጸንዕ፧ ዘርእስታ መጽሓፍን ኣጽኒዕካ እንተ ዘይወዲእካ፡ ንኽልቲአን መጻሕፍቲ ኽሳዕ እትውድእ ምስ መምህርካ እትገብሮ መጽናዕቲ ኽትቅጽል ኣሎካ።