ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ታሪኽ ህይወት

“እነና፡ ልኣኸና!”

“እነና፡ ልኣኸና!”

ዝያዳ ዓየይቲ ናብ ዜድልዩሉ ቦታ ብምግዓዝ፡ ምናልባት እውን ናብ ወጻኢ ዓዲ ብምግዓዝ ኣገልግሎትካ ኸተስፍሕ ትሓስብዶ ኣለኻ፧ ከምኡ ትሓስብ እንተ ኣሊኻ፡ ካብ ተመክሮ ሓውና ቤርጋመን ሓብትና ቤርጋመን ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ።

ጃክን ማሪ-ሊንን ካብ 1988 ኣትሒዞም ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ኬገልግሉ ጸኒሖም እዮም። እዞም በቲ ዜደንቕ ተዓጻጻፍነቶም ዚፍለጡ ሰብ ሓዳር እዚኦም፡ ኣብ ጓደሉፕን ኣብ ፈረንሳይ ጊያናን ብዙሕ ምድብ ተቐቢሎም እዮም። ኣብዚ እዋን እዚ፡ ክልቲአን እዘን ዓድታት እዚአን ኣብ ትሕቲ ጨንፈር ፈረንሳ እዩ ኽትትል ዚግበረልን። ንጃክን ንማሪ-ሊን ሒደት ሕቶታት እስከ ንሕተቶም።

ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ንምእታው እንታይ ደሪኹኩም፧

ማሪ-ሊን፦ ብቝልዕነተይ ኣብ ጓደሉፕ ክዓቢ ኸለኹ፡ ምስታ ብቕንኣት እተገልግል ናይ የሆዋ ምስክር ዝዀነት ኣደይ ምሉእ መዓልቲ እየ ዝሰብኽ ነይረ። ሰባት እፈቱ እየ፣ ስለዚ፡ ብ1985 ትምህርተይ ምስ ወዳእኩ፡ ፈላሚት ኰይነ ኸገልግል ጀሚረ።

ጃክ፦ መንእሰይ ከለኹ፡ ኣገልግሎት ብዚፈትዉ ብዙሓት ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ እየ ተኸቢበ ነይረ። ኣብ ናይ ትምህርቲ ዕረፍቲ ኸኣ፡ ሓጋዚ ፈላሚ ዀይነ አገልግል ነይረ እየ። ኣብ ቀዳመ ሰናብቲ፡ ምስቶም ፈለምቲ ኣብ ክሎም ንምግልጋል ብኣውቶቡስ ንኸይድ ኔርና ኢና። ምሉእ መዓልቲ ንሰብኽ እሞ፡ ናብ ገምገም ባሕሪ ንኸይድ ኔርና ኢና። ጥዑም ግዜ ኢና ኣሕሊፍና!

ብ1988 ምስ ማሪ-ሊን ካብ ዝምርዖ ነዊሕ ከይጸናሕኩ፡ ‘ናጻ ስለ ዝዀንና፡ ስለምንታይ ኣብ ኣገልግሎት ብዝያዳ ዘይንሳተፍ፧’ ኢለ ሓሲበ። ንማሪ-ሊን ኣብ ኣገልግሎት ፈላምነት ተጸምቢረያ። ድሕሪ ዓመት፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ፈለምቲ ምስ ተምሃርኩ፡ ፍሉያት ፈለምቲ ዄንና ተሸይምና። ናብ ፈረንሳይ ጊያና ኽንግዕዝ ጻውዒት ቅድሚ ምቕራቡ፡ ኣብ ጓደሉፕ እተፈላለየ ባህ ዜብል ምድብ ነይሩና እዩ።

ኣብዚ ዅሉ ዓመታት፡ ኣብ ምድብኩም ብዙሕ ለውጥታት ጌርኩም ኢኹም። ነቲ ሓድሽ ኵነታት ክትለምድዎ ዝሓገዘኩም እንታይ እዩ፧

ማሪ-ሊን፦ ኣብ ናይ ፈረንሳይ ጊያና ቤት-ኤል ዘለዉ ኣሕዋት፡ ኢሳይያስ 6:8 እንፈትዋ ጥቕሲ ምዃና ይፈልጥዋ እዮም። ስለዚ፡ ኪጽውዑና ኸለዉ፡ እናተዋዘዩ፡ “ነታ እትፈውዋ ጥቕሲዶ ትዝክርዋ፧” ኢሎም እዮም ዘረባ ዚጅምሩ። እዚ ምስ በሉ፡ ናይ ምድብ ለውጢ ኸም ዘሎ ንፈልጥ ኢና። ንሕና ድማ፡ “እነና፡ ልኣኹና!” ኢልና ንምልሰሎም ኢና።

ነቲ ሓድሽ ምድብና ምስ ዝሓለፈ ኣይነነጻጽሮን ኢና፣ ከምኡ ምግባር፡ በቲ ዘሎና ኸም ዘይንሕጐስ እዩ ዚገብረና። ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ክንፈልጦም እውን ንጽዕር ኢና።

ጃክ፦ ቀደም፡ ገሊኦም ፈተውትና ኽንፍለዮም ስለ ዘይደለዩ፡ ከይንግዕዝ ኬእምኑና ፈቲኖም እዮም። ካብ ጓደሉፕ ክንከይድ ከለና ግና፡ ሓደ ሓው ነቲ ኣብ ማቴዎስ 13:38 ዚርከብ “እታ ግራት ከኣ ዓለም እያ” ዚብል ቃላት የሱስ ኣዘኻኺሩና። ስለዚ፡ ምድብ ክንቅይር ከለና፡ ኣብ ዝሃለና ንሃሉ ኣብ ሓደ ግራት ንዓዪ ኸም ዘለና ንዝክር ኢና። ከመይሲ፡ እቶም ሰባትን እቲ ኽልን እዮም ልዕሊ ዅሉ ዜገድሱ!

ናብ ሓድሽ ክሊ ምስ ከድና፡ ሰባት ኣብኡ ተሓጒሶም ኪነብሩ ኸም ዚኽእሉ ንርኢ ኢና። ስለዚ፡ ምስቶም ደቂ ዓዲ ተመሳሲልና ኽንነብር ንፍትን ኢና። እቲ ምግቢ እተፈልየ ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ እንተዀነ ግና፡ ንጥዕናና እናተጠንቀቕና፡ እቲ ዚበልዕዎ ንበልዕ፡ እቲ ዚሰትይዎ እውን ንሰቲ ኢና። ብዛዕባ ዅሉ ምድብ ኣወንታዊ ነገር ንምዝራብ ጻዕሪ ንገብር ኢና።

ማሪ-ሊን፦ ካብቶም ደቂ ዓዲ ዝዀኑ ኣሕዋት እውን ብዙሕ ንምሃር ኢና። ንኣብነት፡ ናብ ፈረንሳይ ጊያና ንፈለማ ዝመጻእናሉ ግዜ ትዝ ይብለኒ እዩ። ብርቱዕ ዝናም ይዘንም ነይሩ፣ ስለዚ፡ ናብ ስብከት ንምኻድ፡ ነቲ ዝናም ክሳዕ ዚዛሪ ኽንጽበ ዘሎና መሲሉና ነይሩ። ሽዑ ግና፡ ሓንቲ ሓብቲ፡ “ንኺድዶ፧” ኢላ ሓቲታትኒ። ኣነ ድማ ደንጽዩኒ፡ “ከመይ ጌርና፧” ኢለያ። ንሳ ኸኣ፡ “ጽላልኪ ሓዚ እሞ፡ ብብሽክለታ ኽንኸይድ ኢና” ኢላትኒ። ስለዚ፡ ከመይ ገይረ ጽላል ሒዘ ብሽክለታ ኸም ዝውጣሕ ፈሊጠ። ነዚ እንተ ዘይፈልጦ ነይረ፡ ኣብቲ ዝናም ዚዘንመሉ ወቕቲ ኣይምሰበኽኩን ነይረ።

ኣስታት 15 ሳዕ ግዒዝኩም ኢኹም። ንዚግዕዙ ዚኸውን ምኽሪ ኣሎኩምዶ፧

ማሪ-ሊን፦ ምግዓዝ ኣጸጋሚ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ካብ ኣገልግሎት ምስ ተመለስካ፡ ከም ቤትካ ዀይኑ ዚስምዕካ ቦታ ኽትረክብ የድልየካ እዩ።

ጃክ፦ ብዙሕ ግዜ ንውሽጣዊ ኽፍሊ ገዛና ቦያ እለኽዮ እየ። ኣብ ጨንፈር ዘለዉ ኣሕዋትና፡ ነዊሕ ከይንጸንሕ ከም እንኽእል ስለ ዚፈልጡ፡ “ጃክ፡ ሕጂ እኳ ቦያ ኽትለኪ ኢልካ ኣይትድከም!” ይብሉኒ እዮም።

ማሪ-ሊን ንኣቕሑና ጽቡቕ ገይራ እያ እትጥርንፎ። ንዅሉ ኣብ ካርቶናት ተእትዎ እሞ፡ “ሽቓቕ፡” “መደቀሲ፡” “ክሽነ፡” ወይ ካልእ ከምዚ ዝኣመሰለ ኢላ ትልጥፈሉ። ስለዚ፡ ኣብ ሓድሽ ገዛና ምስ በጻሕና፡ ነቲ ካርቶናት ኣብ ከክፍሉ ኢና እነቐምጦ። ነቲ እንደልዮ ቐልጢፍና ምእንቲ ኽንረኽቦ ኸኣ፡ ኣብ ኵሉ እቲ ካርቶናት እንታይ ከም ዘሎ ብዝርዝር ትጽሕፈሉ እያ።

ማሪ-ሊን፦ ኵሉ ንብረትና ብስርዓት ስለ እንሕዞ፡ ቀልጢፍና ንጥፈታትና ኽንጅምር ንኽእል ኢና።

‘ኣገልግሎትኩም ምሉእ ብምሉእ ንምፍጻም፡’ ንግዜኹም እንታይ መደብ ኣውጺእኩምሉ፧—2 ጢሞ. 4:5

ማሪ-ሊን፦ ሰኑይ ሰኑይ፡ ነዕርፍን ንኣኼባታት ንዳሎን ኢና። ካብ ሰሉስ ንደሓር፡ ናብ ኣገልግሎት ንኸይድ ኢና።

ጃክ፦ ከነማልኦ ዘሎና ሰዓታት እኳ እንተሎ፡ ኣብኡ ኣይነተኵርን ኢና። ኣገልግሎት ኣብ ህይወትና ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ እዩ። ካብታ ኻብ ገዛና ዝወጻእናላ ሰዓት ኣትሒዝና ኽሳዕ እንምለስ፡ ንእንረኽቦም ዘበሉ ዅሎም ክንዛረብ ንጽዕር ኢና።

ማሪ-ሊን፦ ንኣብነት፡ ንዙረት ክንከይድ ከለና፡ ወትሩ ትራክትታት እማላእ እየ። ገሊኦም ሰባት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምዃንና ኸይነገርናዮም፡ ናባና መጺኦም ጽሑፍ ክንህቦም ይሓትቱና እዮም። ስለዚ፡ ብዛዕባ ኣከዳድናናን ጠባይናን ንጥንቀቕ ኢና። ሰባት ነዚ የቕልቡሉ እዮም።

ጃክ፦ ብሰናይ ተግባር ኣቢልና እውን ንምስክር ኢና። ኣብ ጥቓ ገዛና ዝወደቐ ወረቓቕቲ እኣሪ፡ ጐሓፍ እጕሕፍ፡ ንስፍራ ኣታኽልትና እውን አጸራሪ እየ። ጐረባብትና ነዚ የስተብህሉሉ እዮም፣ ሓድሓደ ግዜ ድማ፡ “መጽሓፍ ቅዱስዶ ምሃብካኒ፧” ኢሎም ይሓትቱኒ እዮም።

ኣብ ግሉል ክልታት ብዙሕ ሳዕ ሰቢኽኩም ኢኹም። ካብዚ መገሻታትኩም እዚ ፍሉይ ተዘክሮ ዝሓደገልኩም ኣሎዶ፧

ጃክ፦ ኣብ ጊያና፡ ገሊኡ ኽልታት ርሑቕ እዩ። ብዙሕ ግዜ፡ ኣብ ሕማቕ መገድታት ኣብ ሰሙን 600 ኪሎ ሜተር ክንጕዓዝ ኣሎና። ናብታ ኣብ ዱር ኣማዞን እትርከብ ሳንት ኢሊ ዝኸድናሉ እዋን ዘይርሳዕ ተዘክሮ እዩ ሓዲጉልና። ናብኣ ንምብጻሕ ኣብ ኣጸጋሚ መገዲ ብእትጐዓዝ ማኪናን ብጃልባ ሞተርን ነዊሕ ሰዓታት ተጓዒዝና ኢና። ኣብኣ ዚነብሩ መብዛሕትኦም ሰባት ወርቂ ኪረኽቡ ዝመጹ እዮም። ገሊኣቶም ከኣ ንጽሑፋትና ኻብ ዘለዎም ምስጋና ተላዒሎም፡ ውጽኢት ዚኸውን ንኣሽቱ ወርቂ ሂቦምና እዮም። ምሸት ድማ፡ ሓንቲ ናይ ውድብና ቪድዮ ኣርኢናዮም። ብዙሓት ደቂ እታ ዓዲ ኸኣ መጺኦም ነይሮም።

ማሪ-ሊን፦ ኣብ ቀረባ ግዜ፡ ጃክ ኣብ ካሞፒ መደረ በዓል ዝኽሪ ኬቕርብ ተሓቲቱ። ናብኣ ንምብጻሕ፡ ኣብ ፈለግ ኦያፖክ ብጃልባ ሞተር ኣርባዕተ ሰዓት ተጓዒዝና። ዜገርም ተመክሮ ኢና ኣሕሊፍና።

ጃክ፦ እቲ ፈለግ ኪጐድል ከሎ፡ ውሒዝ ሓደገኛ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ነቲ ውሒዝ ምርኣይ፡ መሳጢ እዩ። ብዓል ጃልባ እንታይ ይገብር ከም ዘሎ ኺፈልጥ ኣለዎ። እንተዀነ ግና፡ ጽቡቕ ጕዕዞ እዩ ነይሩ። ኣብታ ዓዲ 6 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጥራይ እኳ እንተ ነበሩ፡ 50 ዚዀኑ ግና ኣብቲ በዓል ዝኽሪ ተኣኪቦም እዮም፣ ገለ ኻባታቶም እውን ቀያሕቲ ህንዳውያን እዮም ነይሮም።

ማሪ-ሊን፦ ነቶም ንየሆዋ ብዝያዳ ኺህብዎ ዚደልዩ መንእሰያት፡ ከምዚ ዝበለ ጽቡቕ ተመክሮ እዩ ዚጽበዮም ዘሎ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ንየሆዋ ኽትኣምኖ ኣሎካ፣ እምነትካ እውን ትድልድል እያ። ኢድ የሆዋ ኽትዓዪ ኸላ ብዙሕ ሳዕ ንርኢ ኢና።

በበይኑ ቛንቋታት ትፈልጡ ኢኹም። ናይ ቋንቋ ተውህቦ ኣሎኩም ድዩ፧

ጃክ፦ ኣይፋልናን። ነዚ ቛንቋታት እዚ፡ ግድን ኰይኑኒ እየ ተማሂረዮ። ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ቅድሚ ምቕራበይ እኳ፡ ብቛንቋ ስራናንቶንጎ * መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ ኽመርሕ ነይሩኒ። ንሓደ ሓው፡ ከመይ ከም ዝመራሕኩ ሓቲተዮ። ንሱ ኸኣ፡ “ሓድሓደ ሳዕ፡ ንገሊኡ ቓላት ኣይተረዳእናዮን፣ ግናኸ፡ ኣዝዩ ጽቡቕ እዩ ነይሩ” ኢሉኒ። ቈልዑ ብዙሕ እዮም ዚሕግዙኒ። ክጋገ ኸለኹ፡ ይነግሩኒ እዮም፣ ዓበይቲ ግና ኣይነግሩንን እዮም። ካብ ንኣሽቱ ብዙሕ እየ ተማሂረ።

ማሪ-ሊን፦ ኣብ ሓደ ኽሊ፡ ብፈረንሳይኛን ብፖርቱጋልኛን ብስራናንቶንጎን መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ ነይረናኒ። ሓንቲ ሓብቲ ድማ በቲ ዚኸብደኒ ቛንቋ ጀሚረ፡ በቲ ዚቐልለኒ ቛንቋ ኽዛዝም ሓሳብ ሂባትኒ። እዚ ጽቡቕ ምኽሪ ምዃኑ፡ ነዊሕ ከይጸናሕኩ እዩ ተረዲኡኒ።

ሓደ መዓልቲ፡ ፈለማ ብስራናንቶንጎ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ነይራትኒ፡ ድሕሪኣ ድማ ብፖርቱጋልኛ እተጽንዕ ነይራትኒ። ነታ ኻልአይቲ መጽናዕቲ ምስ ጀመርኩ፡ እታ ምሳይ ዝነበረት ሓብቲ፡ “ማሪ-ሊን፡ እትርድኣኪ ዘላ ኣይመስለንን” ኢላትኒ። ነታ ብራዚላዊት ሰበይቲ ብፖርቱጋልኛ ዘይኰነስ፡ ብስራናንቶንጎ እየ ዝዛረባ ነይረ።

እቶም ዘገልገልኩምዎም ሰባት ብዙሕ ይፈትዉኹም እዮም። ከመይ ጌርኩም ኢኹም ምስ ኣሕዋት ክትቀራረቡ ኽኢልኩም፧

ጃክ፦ ምሳሌ 11:25፡ “ለጋስ ሰብ ጽቡቕ ይረክብ” ትብል። ስለዚ፡ ግዜናን ጕልበትናን ንጥቕሚ ኻልኦት ካብ ምውፋይ ድሕር ኣይንብልን ኢና። ንኣብነት፡ ምስ ክንክን ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ብዚተሓሓዝ፡ ገሊኦም ኣሕዋት፡ “ካልኦት ኣስፋሕቲ ይግበርዎ” ይብሉኒ እዮም። ኣነ ግና፡ “ኣነ እውን ኣስፋሒ እየ። ስለዚ፡ ዚዕየ እንተሎ፡ ኣነ እውን ኣብኡ ኽህሉ እደሊ እየ” ኢለ እምልሰሎም እየ። ኵላትና በይንና ኽንኰነሉ እንደሊ ግዜ እኳ እንተሎ፡ እዚ ግና ንኻልኦት ሰናይ ካብ ምግባር ኪዓግተና ኣይንደልን ኢና።

ማሪ-ሊን፦ ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ብሕታዊ ተገዳስነት ከነርእዮም ንጽዕር ኢና። በዚ ኸምዚ ድማ ንደቆም ዚሕዘሎም ወይ ካብ ትምህርቲ ዜምጽኣሎም ሰብ እንተ ደልዮም ንፈልጥ ኢና። ሽዑ፡ መደባትና ኣተዓራሪና ኽንሕግዞም ንኽእል። ሓገዝ ኣብ ዜድልዮም እዋን ንምሕጋዞም ድሉዋት ብምዃንና ኸኣ፡ ምሳታቶም ናይ ቀረባ ርክብ ነማዕብል ኢና።

ዝያዳ ዓየይቲ ኣብ ዜድልዩሉ ቦታታት ብምግልጋልኩም እንታይ በረኸት ረኺብኩም፧

ጃክ፦ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ኣብ ህይወትና ብዙሕ በረኸት ኣምጺኡልና እዩ። ብዙሕ ሳዕ፡ ንተፈጥሮ ቐረባኡ ኢና፣ በቲ በበይኑ ዝዓይነቱ ፍጥረት የሆዋ እውን ንሕጐስ ኢና። ብድሆታት እኳ እንተ ኣጋጠመና፡ ኣእምሮኣዊ ሰላም ኣሎና፣ ከመይሲ፡ ኣብ ዝኸድና እኳ እንተ ኸድና፡ ደገፍ ህዝቢ ኣምላኽ ከም ዘሎና ንፈልጥ ኢና።

ብንእስነተይ ብምኽንያት ገለልትነተይ ኣብ ፈረንሳይ ጊያና ተኣሲረ ነይረ እየ። ሓደ መዓልቲ ሚስዮናዊ ዀይነ ናብታ ዓዲ ኸም ዝምለስ እሞ ኸም ኣገልጋሊ መጠን ንእሱራት ክበጽሕ ከም ዚፍቀደለይ ሓሲበዮ ኣይፈልጥን እየ ነይረ። ብሓቂ የሆዋ ኣብዚሑ እዩ ዚባርኽ።

ማሪ-ሊን፦ ልዕሊ ዅሉ ዜሐጕሰኒ ነገር፡ ግዜይን ጕልበተይን ንኻልኦት ምሃብ እዩ። ንየሆዋ እነገልግል ምዃንና የሐጕሰና እዩ። ከም ሰብ ሓዳር እውን ንሓድሕድና ብዝያዳ ኣቀራሪቡና እዩ። ሓድሓደ ግዜ፡ ጃክ መተባብዒ ንዜድልዮም ሰብ ሓዳር ክንዕድም ይሓትተኒ እዩ። ብዙሕ ግዜ ኸኣ፡ “ኣነ እውን ተመሳሳሊ ኽሓስብ ጸኒሐ!” ኢለ እምልሰሉ እየ። ብዙሕ ሳዕ ሕደ ሓሳብ እዩ ዘሎና።

ጃክ፦ ኣብ ቀረባ ግዜ፡ መንሽሮ ፕሮስተይት ከም ዘሎኒ ተፈሊጡ እዩ። ማሪ-ሊን ነዚ ኽትሰምዖ ዘይትደሊ እኳ እንተ ዀነት፡ “ጽባሕ እንተ ሞይተ፡ ‘ጽቡቕ እርጋን ኣሪገ’ ኣይኰንኩን ዝመውት። ግናኸ፡ ህይወተይ ብመንፈሳዊ ነገራት፡ ማለት ብዚረብሕ ነገራት ብምምላአይ፡ ዓጊበ እየ ዝመውት” ኢለያ እየ።—ዘፍ. 25:8

ማሪ-ሊን፦ የሆዋ ዘይተጸበናዮ ኣፍ ደገታት ከፊቱልና፡ ክንግምቶ ዘይንኽእል ነገራት ክንገብር እውን ፈቒዱልና እዩ። ህይወትና ብሓቂ ብሰናይ ነገራት ዝመልአ እዩ። ኣብ ኣምላኽ እምንቶ ስለ ዘሎና፡ ውድቡ ኺዱ ናብ ዝበለትና ዅሉ፡ ክንከይድ ኢና!

^ ሕ.ጽ. 32 ስራናንቶንጎ ካብ እንግሊዝኛን ካብ ዳችን ካብ ፖርቱጋልኛን ካብ ቋንቋታት ኣፍሪቃን ተሓናፊጹ ዝወጸ ዀይኑ፡ ኣብ ፈለማ ባሮት እዮም ነዚ ቛንቋ እዚ ፈጢሮምዎ።