ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 12

ንምዝራብ ግዜኡ ዚኸውን መዓስ እዩ፧

ንምዝራብ ግዜኡ ዚኸውን መዓስ እዩ፧

“ስቕ ንምባል ግዜ ኣለዎ፡ ንምዝራብ ከኣ ግዜ ኣለዎ።”—መክ. 3:7

መዝሙር 124 እሙናት ንኹን

መላለዪ *

1. ካብ መክብብ 3:7 እንታይ ንምሃር፧

ገሌና ብዙሕ ምዝራብ ንፈቱ ኢና። ገሌና ኸኣ ስቕ ምባል ኢና እንፈቱ። ቅዱስ ጽሑፋዊ ፍረ ነገር እዛ ዓንቀጽ ከም ዚሕብሮ፡ ንምዝራብ ኰነ ስቕ ንምባል ግዜ ኣለዎ። (መክብብ 3:7 ኣንብብ።) ይኹን እምበር፡ ገሊኦም ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣብ ገሊኡ ዅነታት ኪዛረቡ ኸም ዝነበሮም ይስምዓና እዩ። ብዛዕባ ገሊኦም ከኣ ብዙሕ እንተ ዘይዛረቡ ኢልና ንምነ ኢና።

2. መዓስን ብኸመይን ክንዛረብ ከም ዘሎና ስርዓት ዚሰርዓልና መን እዩ፧

2 ዘረባ ኻብ የሆዋ እተዋህበና ውህበት እዩ። (ዘጸ. 4:10, 11፣ ራእ. 4:11) ቃሉ ድማ፡ ነዚ ውህበት እዚ ኸመይ ጌርና ብግቡእ ከም እንጥቀመሉ የረድኣና እዩ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ መዓስ ከም እንዛረብን መዓስ ስቕ ከም እንብልን ክንፈልጥ ዚሕግዘና ቅዱስ ጽሑፋዊ ኣብነታት ክንርኢ ኢና። የሆዋ ብዛዕባ ዘረባና እንታይ ከም ዚስምዖ እውን ክንርኢ ኢና። ፈለማ፡ መዓስ ክንዛረብ ከም ዘሎና እስከ ንርአ።

መዓስ ኢና ኽንዛረብ ዘሎና፧

3. ብመሰረት ሮሜ 10:14፡ መዓስ ኢና ኽንዛረብ ዘሎና፧

3 ብዛዕባ የሆዋን ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽን ንምዝራብ፡ ወትሩ ድሉዋት ክንከውን ኣሎና። (ማቴ. 24:14፣ ሮሜ 10:14 ኣንብብ።) ከምኡ ኽንገብር ከለና፡ ንየሱስ ኢና እንመስሎ። ሓደ ኻብቲ የሱስ ናብ ምድሪ ዝመጸሉ ቐንዲ ምኽንያታት፡ ንኻልኦት ብዛዕባ ኣቦኡ ሓቂ ንምንጋር እዩ። (ዮሃ. 18:37) ግናኸ፡ ብኸመይ ከም እንዛረብ ኣገዳሲ ምዃኑ እውን ክንርስዕ የብልናን። ስለዚ፡ ብዛዕባ የሆዋ ንኻልኦት ክንነግር ከለና፡ “ብልእመትን ብብዙሕ ኣኽብሮትን” ክንዛረብ ኣሎና፣ ንስምዒትን ንእምነትን ካልኦት እውን ክንሓሊ ኣሎና። (1 ጴጥ. 3:15) ከምኡ እንተ ጌርና፡ ካብ ምዝራብ ሓሊፍና፡ ክንምህር ኢና፣ ምናልባት እውን ልቢ ንትንኪ ንኸውን።

4. ኣብ ምሳሌ 9:9 ተጠቒሱ ኸም ዘሎ፡ ዘረባና ንኻልኦት ኪሕግዞም ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

4 ሽማግለታት ንሓደ ክርስትያን ብጻይ ምኽሪ ኸም ዜድልዮ እንተ ርእዮም፡ ካብ ምዝራብ ድሕር ኪብሉ የብሎምን። ልክዕ እዩ፡ ነቲ ሰብ እቲ ምእንቲ ኸየሸቝርርዎ፡ ግቡእ ግዜ ኺመርጹ ኣለዎም። በይኖም ክሳዕ ዚዀኑ ኺጽበዩ የድልዮም ይኸውን። ሽማግለታት ኪዛረቡ ኸለዉ፡ ወትሩ ንኽብረት ሰማዕቶም ኪሕልዉ ይጽዕሩ እዮም። ይኹን እምበር፡ ብጥበብ ንምምልላስ ዚሕግዝ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ምንጋር ድሕር ኣይብሉን እዮም። (ምሳሌ 9:9 ኣንብብ።) ኣድላዪ ኣብ ዚዀነሉ እዋን ንምዝራብ ትብዓት ኪህልወና ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ክልተ በበይኑ ኣብነታት እስከ ንርአ፦ ኣብቲ ቐዳማይ፡ ሓደ ሰብኣይ ንደቁ ኺእርሞም ነይርዎ፣ ኣብቲ ኻልኣይ ከኣ፡ ሓንቲ ሰበይቲ ንሓደ ንጉስ ኪኸውን እተቐብአ ሰብ ከም እተጋገየ ኽትነግሮ ነይርዋ።

5. ኤሊ እቲ ሊቀ ኻህናት ኪዛረብ ዚግብኦ ኽነሱ ኸይተዛረበ ዝተረፈ መዓስ እዩ፧

5 ኤሊ እቲ ሊቀ ኻህናት ብዙሕ ዚፈትዎም ክልተ ደቂ ነበርዎ። እቶም ደቁ ግና፡ ንየሆዋ ኣኽብሮት ኣይነበሮምን። ካህናት ስለ ዝነበሩ፡ ኣብቲ ማሕደር ናይ ምግልጋል ኣገዳሲ ሓላፍነት ነይርዎም እዩ። ኰይኑ ግና፡ ንስልጣኖም ብዘይግቡእ ተጠቐሙሉ፡ ነቲ ንየሆዋ እተዋህበ መስዋእቲ ነዓቑ፡ ከይሓነኹ እውን መንዘሩ። (1 ሳሙ. 2:12-17, 22) ብመሰረት ሕጊ ሙሴ፡ ደቂ ኤሊ ኺሞቱ ይግብኦም ነይሩ እዩ፣ ኤሊ ጽኑዕ ስለ ዘይነበረ ግና፡ ኣፍኲሱ ድሕሪ ምግናሕ ኣብቲ ማሕደር ምግልጋል ኪቕጽሉ ፈቐደሎም። (ዘዳ. 21:18-21) እሞ ደኣ የሆዋ ብዛዕባ እቲ ኤሊ ነቲ ዅነታት ዝሓዘሉ መገዲ ኸመይ ተሰምዖ፧ ንኤሊ፡ “ስለምንታይ ካባይ ኣብሊጽካ ንደቅኻ ኣኽቢርካ፧” በሎ። ድሕሪኡ ኸኣ፡ ነቶም ክልተ እኩያት ንሞት ፈረዶም።—1 ሳሙ. 2:29, 34

6. ካብ ኤሊ እንታይ ትምህርቲ ኢና እንረክብ፧

6 ካብ ኤሊ ኣገዳሲ ትምህርቲ ንረክብ ኢና። ፈታዊና ወይ ቤተ ሰብና ሕጊ ኣምላኽ እንተ ጥሒሱ፡ ክንዛረቦን ስርዓታት የሆዋ ኸነዘኻኽሮን ኣሎና። ካብቶም ተወከልቲ የሆዋ ዜድሊ ሓገዝ ከም ዚረክብ እውን ክንገብር ኣሎና። (ያእ. 5:14) ከም ኤሊ ንፈታዊና ወይ ንቤተ ሰብና ኻብ የሆዋ ኣብሊጽና ኸነኽብር ኣይንደልን ኢና። ንሓደ መአረምታ ዜድልዮ ሰብ ምዝራብ፡ ትብዓት ይሓትት እዩ፣ እዚ ግና ጽቡቕ ፍረ ኼፍሪ ይኽእል እዩ። ቀጺልና እምበኣር፡ ኣብ መንጎ ኤሊን ኣብ መንጎ ኣቢጋይል ዝስማ እስራኤላዊት ሰበይትን ዝነበረ ፍልልይ እስከ ንርአ።

ኣቢጋይል እትዛረበሉ ግዜ ብምሕራያ፡ ሰናይ ኣብነት ትዀነና (ሕጡብ ጽሑፍ 7-8 ርአ) *

7. ስለምንታይ እያ ኣቢጋይል ንዳዊት እተዛረበቶ፧

7 ኣቢጋይል ሰበይቲ ሓደ ናባል ዝስሙ ሃብታም ብዓል መሬት እያ ነይራ። ዳዊትን ሰቡን ካብ ንጉስ ሳኦል ሃዲሞም ኣብ ዝነበሩሉ እዋን፡ እተወሰነ ግዜ ምስ ጓሶት ናባል ይነብሩ ነይሮም እዮም፡ ንመጓሰ ናባል እውን ካብ ዘመትቲ ጭፍራ ሓልዮምወን እዮም። እሞኸ ናባል ነዚ ሓገዞም እዚ ኣመስጊኑሉዶ፧ ኣይፋሉን። ዳዊት ንናባል፡ ንሰቡ እኽለ ማይ ኪህቦም ምስ ለመኖ፡ ናባል በዚ ተቘጢዑ ዘለፎም። (1 ሳሙ. 25:5-8, 10-12, 14) ዳዊት ድማ ኣብ ቤት ናባል ንዚርከብ ኵሉ ሰብኣይ ኪቐትል ተላዕለ። (1 ሳሙ. 25:13, 22) እሞ ደኣ እቲ መዓት እቲ ብኸመይ እዩ ደው ኢሉ፧ ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣቢጋይል ንምዝራብ ግዜኡ ምዃኑ ስለ ዝፈለጠት፡ ብትብዓት ናብቶም ጠምዮምን ተቘጢዖምን ዝነበሩ 400 ዕጡቓት ሰብኡት ከደት፡ ንዳዊት ድማ ተዛረበቶ።

8. ካብ ኣቢጋይል እንታይ ንምሃር፧

8 ኣቢጋይል ምስ ዳዊት ምስ ተራኸበት፡ ብትብዓትን ብኣኽብሮትን ብዜእምን መገድን ተዛሪባ እያ። በቲ ሕማቕ ኵነታት ተሓታቲት እኳ እንተ ዘይነበረት፡ ንዳዊት ይቕረታ ለሚናቶ እያ። ብዛዕባ እቲ ጽቡቕ ባህርያቱ ተዛሪባ እያ፡ የሆዋ ኸም ዚሕግዛ እውን ትተኣማመን ነይራ እያ። (1 ሳሙ. 25:24, 26, 28, 33, 34) ሓደ ሰብ ናብ ሓደገኛ መገዲ ኪኸይድ እንተ ርኢና፡ ንሕና እውን ከም ኣቢጋይል ንምዝራብ ትብዓት ኪህልወና ኣለዎ። (መዝ. 141:5) ኣኽብሮት ከነርኢ ኣሎና፣ ግናኸ፡ ተባዓት ክንከውን እውን ኣሎና። ብፍቕሪ ተደሪኽና ምኽሪ እንተ ሂብና፡ ናይ ሓቂ ፈታዊ ምዃንና ነርኢ ኢና።—ምሳ. 27:17

9-10. ሽማግለታት ንኻልኦት ኪመኽሩ ኸለዉ እንታይ እዮም ኪዝክሩ ዘለዎም፧

9 ምናዳ ሽማግለታት ነቶም ኣብ ጉባኤኦም ዚርከቡ ዝሰሓቱ ሰባት ንምዝራብ ትብዓት ኪህልዎም ኣለዎ። (ገላ. 6:1) ንሳቶም ንባዕሎም ዘይፍጹማት ምዃኖምን ሓደ መዓልቲ ምኽሪ ኸም ዜድልዮምን ብትሕትና ይእመኑ እዮም። እዚ ግና ነቶም ተግሳጽ ዜድልዮም ካብ ምግናሕ ኪዓግቶም ኣይፈቕዱን እዮም። (2 ጢሞ. 4:2፣ ቲቶ. 1:9) ንሰብ ኪመኽሩ ኸለዉ፡ በቲ ውህበት ዘረባ ተጠቒሞም ብኽእለትን ብትዕግስትን ኪምህሩ ይፍትኑ እዮም። ንኣሕዋቶም የፍቅርዎም እዮም፣ እታ ፍቕሪ እቲኣ ድማ ንተግባር ትድርኾም እያ። (ምሳ. 13:24) ብቐዳምነት ግና፡ ንስርዓታት ኣምላኽ ብምድጋፍ ንየሆዋ ኬኽብርዎን ንጉባኤኦም ካብ ጕድኣት ኬዕቍቡን እዮም ዚደልዩ።—ግብ. 20:28

10 ክሳዕ ኣብዚ፡ መዓስ ክንዛረብ ከም ዘሎና ኢና ርኢና። ይኹን እምበር፡ ስቕ ክንብል ዝሓሸ ዚዀነሉ ግዜ ኣሎ። ኣብቲ ዅነታት እቲ እንታይ ጸገማት ኬጋጥመና ይኽእል፧

መዓስ ኢና ስቕ ክንብል ዘሎና፧

11. ያእቆብ እንታይ ምሳሌ እዩ ተጠቒሙ፧ እዚ ግቡእ ዝዀነኸ ስለምንታይ እዩ፧

11 ንዘረባና ምቍጽጻር ኣጸጋሚ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ ያእቆብ ነዚ ጸገም እዚ ንምግላጽ፡ ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ጽቡቕ ምሳሌ ተጠቒሙ ኣሎ፦ “ብቓል ዘይስሕት እንተሎ፡ ንሱ ንብዘሎ ሰብነቱ ኺለጕም ዚኽእል ፍጹም ሰብ እዩ።” (ያእ. 3:2, 3) ልጓም ኣብ ኣፍ ፈረስ ዚኣቱ ነገር እዩ። ተወጣሒ ነቲ ልጓም ብምስሓብ፡ ነቲ እንስሳ ኺኣልዮ ወይ ደው ኬብሎ ይኽእል እዩ። እቲ ተወጣሒ ነቲ ልጓም ዘይቈጻጸሮ እንተ ዀይኑ፡ እቲ ፈረስ ኪነፍጽ፡ ኣብ ገዛእ ርእሱን ኣብ ተወጣሒኡን ከኣ ጕድኣት ኬምጽእ ይኽእል እዩ። ብተመሳሳሊ ድማ፡ ንዘረባና ዘይንቈጻጸሮ እንተ ዄንና፡ ብዙሕ ጕድኣት ኬስዕብ ይኽእል እዩ። እምበኣር፡ “ልጓምና ኽንስሕቦን” ንዘረባና ኽንዓግቶን ዜድልየሉ ገለ ኣጋጣሚታትን እስከ ንርአ።

12. መዓስ ኢና “ልጓምና ኽንስሕብን” ዘረባና ኽንዓግትን ዘሎና፧

12 ሓደ ክርስትያን ብምስጢር ኪትሓዝ ዚግባእ ሓበሬታ ኸም ዘለዎ እንተ ፈሊጥና እንታይ ኢና እንገብር፧ ንኣብነት፡ ዕዮና ኣብ እተኣገደሉ ዓዲ ምስ ዚነብር ሰብ እንተ ተራኺብካ፡ ኣብታ ሃገር ዕዮና ብኸመይ ከም ዚዕየ ዝርዝር ነገራት ክትሓትቶ ትፍተን ዲኻ፧ ካብ ጽቡቕ ሓሳብ ተላዒልካ ኪኸውን ከም ዚኽእል ኣየጠራጥርን እዩ። ንኣሕዋትና ነፍቅሮም ኢና፣ ከመይ ከም ዘለዉ ኽንፈልጥ ንደሊ ኢና። ብዛዕባኦም ክንጽሊ ኸለና እውን፡ ዝርዝር ነጥቢ ኽንጠቅስ ንደሊ ኢና። ይኹን እምበር፡ እዚ ዅነታት እዚ፡ “ልጓምና እንስሕበሉን” ዘረባና እንዓግተሉን ግዜ እዩ። ምስጢራዊ ሓበሬታ ንዘለዎ ሰብ ጸቕጢ ንገብረሉ እንተ ዄንና፡ ነቲ ሰብ እትን ነቶም ብዛዕባ ንጥፈታቶም ኪዝረበሎም ዘይደልዩ ኣሕዋትን ኣሓትን ፍቕሪ ኸም ዚጐድለና ኢና እነርኢ። ዕዮና ኣብ እተኣገደሉ ሃገራት ንዚነብሩ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ጸገም ክንውስኸሎም ከም ዘይንደሊ መሸም ፍሉጥ እዩ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ፡ ኣብ ከምዚ ዝበለት ዓዲ ዜገልግል ክርስትያን፡ ኣብታ ሃገር ዚነብሩ ሰባት ኣገልግሎቶም ወይ ክርስትያናዊ ንጥፈታቶም ብዛዕባ ዚገብሩሉ መገዲ ዝርዝር ሓበሬታ ኪቐልዕ ኣይደልን እዩ።

13. ኣብ ምሳሌ 11:13 ተጠቒሱ ኸም ዘሎ፡ ሽማግለታት እንታይ ኪገብሩ ኣለዎም፧ ስለምንታይከ፧

13 ብሕልፊ ሽማግለታት ነቲ ኣብ ምሳሌ 11:13 ብዛዕባ ኣተሓሕዛ ምስጢር ተጠቒሱ ዘሎ መሰረታዊ ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ ኪትግብርዎ ኣለዎም። (ኣንብብ።) ብፍላይ ሓደ ሽማግለ ምርዑው እንተ ዀይኑ፡ እዚ ኣጸጋሚ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሰብ ሓዳር ንሓድሕዶም ብምዝርራብ፡ ውሽጣዊ ሓሳባቶምን ስምዒታቶምን ጭንቀቶምን እውን ብምንግጋር፡ ርክቦም ስጡም ኰይኑ ኸም ዚቕጽል ይገብሩ እዮም። ኰይኑ ግና፡ ሓደ ሽማግለ “ምስጢር” እቶም ኣብ ጉባኤኡ ዘለዉ ክርስትያናት ኪቐልዕ ከም ዘይብሉ ይፈልጥ እዩ። ከምኡ እንተ ገይሩ፡ ድሕሪኡ ኣይኣምንዎን እዮም፡ ስሙ እውን ይበላሾ እዩ። እቶም ኣብ ጉባኤ ሓላፍነት ኪስከሙ ዚሽየሙ፡ “ሰብ ክልተ ልሳን” ኪዀኑ የብሎምን። (1 ጢሞ. 3:8) እዚ ማለት፡ መታለልቲ ወይ ወረኛታት ኪዀኑ የብሎምን። ሓደ ሽማግለ ንሰበይቱ ዜፍቅራ እንተ ዀይኑ፡ ክትፈልጦ ዘየድልያ ሓበሬታ ብምሃብ ጾር ኣየስክማን እዩ።

14. ሓንቲ ሰበይቲ ሽማግለ ኸመይ ገይራ እያ ንሰብኣያ ጽቡቕ ስሙ ኺዕቅብ እትሕግዞ፧

14 ሓንቲ ሰበይቲ ንሰብኣያ ምስጢር ኪቐልዕ ጸቕጢ ብዘይምግባር፡ ጽቡቕ ስሙ ኪዕቅብ ክትሕግዞ ትኽእል እያ። ነዚ ምኽሪ እዚ ምስ እትዓይየሉ፡ ንሰብኣያ ኣብ ርእሲ ምሕጋዛ፡ ነቶም ምስጢሮም ዘካፈልዎ እውን ተኽብሮም እያ። ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ንሰላምን ንሓድነትን እታ ጉባኤ ኣበርክቶ ስለ እትገብር፡ ንየሆዋ ተሐጕሶ እያ።—ሮሜ 14:19

የሆዋ ብዛዕባ ዘረባና እንታይ ይስምዖ፧

15. የሆዋ ብዛዕባ እቶም ሰለስተ ብጾት እዮብ እንታይ ተሰሚዕዎ፧ ስለምንታይከ፧

15 ብኸመይን መዓስን ክንዛረብ ከም ዚግባእ፡ ካብ መጽሓፍ እዮብ ብዙሕ ንምሃር ኢና። እዮብ፡ ልቢ ዚሰብር መዓት ኣብ ርእሲ ርእሲ ምስ ኣጋጠሞ፡ ኣርባዕተ ሰባት ኬጸናንዕዎን ኪመኽርዎን መጽዎ። እቶም ሰባት እቲኦም ግና ንነዊሕ እዋን ስቕ ኢሎም ጸንሑ። ነቲ ኤሊፋዝን ቢልዳድን ሶፋርን ዚብሃሉ ሰለስተ ኻብዚኣቶም ዝበልዎ ኽንርኢ ኸለና ግና፡ ነቲ ግዜ እቲ ንእዮብ ብኸመይ ከም ዚሕግዝዎ ንምሕሳብ ከም ዘይተጠቕሙሉ ርኡይ እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ እዮብ ገለ ጌጋ ኸም ዝገበረ መርትዖ ኺረኽቡ እዮም ዚሓስቡ ነይሮም። እተወሰነ ልክዕ ነገር እኳ እንተ ተዛረቡ፡ መብዛሕትኡ እቲ ብዛዕባ እዮብን የሆዋን እተዛረብዎ ነገር ግና ለውሃትን ሓቅነትን ኣይነበሮን። ንእዮብ ብጭካነ ፈሪዶምዎ እዮም። (እዮ. 32:1-3) እሞ ደኣ የሆዋ ብዛዕባ እዚ እንታይ ገበረ፧ ቍጥዓኡ ኣብ ልዕሊ እዞም ሰለስተ ነደደ። ዓያሹ ምዃኖም ገለጸ፡ ምእንቲ ኺጽልየሎም ድማ ንእዮብ ከም ዚልምንዎ ገበረ።—እዮ. 42:7-9

16. ካብቲ ኤሊፋዝን ቢልዳድን ሶፋርን ዝሓደጉልና መለበሚ እንታይ ንምሃር፧

16 ካብቲ ኤሊፋዝን ቢልዳድን ሶፋርን ዝሓደጉልና መለበሚ፡ ብዙሕ ንምሃር ኢና። ቀዳማይ፡ ንኣሕዋትና ኽንፈርድ የብልናን። (ማቴ. 7:1-5) ኣብ ክንዳኡስ፡ ቅድሚ ምዝራብና፡ ተጠንቂቕና ኽንሰምዖም ኣሎና። ድሕሪኡ ጥራይ ኢና ዅነታቶም ክንርድኣሎም እንኽእል። (1 ጴጥ. 3:8) ካልኣይ፡ ክንዛረብ ከለና፡ ቃላትና ብለውሃት፡ ዘረባና እውን ልክዕ ኪኸውን ኣለዎ። (ኤፌ. 4:25) ሳልሳይ፡ የሆዋ ብዛዕባ እቲ ንሓድሕድና እንብሃሃሎ ኣጸቢቑ ይግደስ እዩ።

17. ካብ ኤሊሁ እንታይ ንምሃር፧

17 እቲ ንእዮብ ኪበጽሖ ዝኸደ ራብዓይ ሰብ፡ ኤሊሁ ዚብሃል ዘመድ ኣብርሃም እዩ። ንሱ ንእዮብን ነቶም ሰለስተ ሰባትን ኪዛረቡ ሰሚዕዎም እዩ። ብርሕራሐ ግናኸ ብቐጥታ ምኽሪ ብምሃብ ንኣተሓሳስባ እዮብ ኪእርም ስለ ዝኸኣለ፡ ነቲ ዚብሃል ዝነበረ ብኣቓልቦ ሰሚዑ ኪኸውን ኣለዎ። (እዮ. 33:1, 6, 17) ንኤሊሁ ቐንዲ ዘተሓሳሰቦ ነገር፡ ንርእሱ ወይ ንኻልእ ሰብ ዘይኰነስ፡ ንየሆዋ ልዕል ምባል እዩ ነይሩ። (እዮ. 32:21, 22፣ 37:23, 24) ስለዚ፡ ስቕ ንምባልን ንምዝራብን ገግዜኡ ኸም ዘለዎ፡ ካብ ኤሊሁ ንምሃር ኢና። (ያእ. 1:19) ምኽሪ ኽንህብ ከለና፡ ብቐዳምነት ዜገድሰና ነገር፡ ንየሆዋ ኽብሪ ምሃብ ደኣ እምበር፡ ንርእስና ኽብሪ ምሃብ ከም ዘይኰነ እውን ንምሃር ኢና።

18. ንውህበት ዘረባ ዓብዪ ግምት ከም እንህቦ ኸመይ ጌርና ኸነርኢ ንኽእል፧

18 ነቲ መዓስን ብኸመይን ከም እንዛረብ እተዋህበና ምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ብምስዓብ፡ ንውህበት ዘረባ ዓብዪ ግምት ከም እንህቦ ኸነርኢ ንኽእል ኢና። እቲ ጥበበኛ ንጉስ ሰሎሞን ብመንፈስ ተደሪኹ፡ “ብግቡእ ግዜ እተዘርበ ቓል፡ ከም ቱፋሕ ወርቂ ኣብ ኣቕሓ ብሩር እዩ” ኢሉ ጽሒፉ እዩ። (ምሳ. 25:11) ንዘረባ ኻልኦት ተጠንቂቕና እንተ ሰሚዕናን ቅድሚ ምዝራብና እንተ ሓሲብናን፡ ቃልና ኸም ቱፋሕ ወርቂ ጠቓምን ውቁብን ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሽዑ፡ ዘረባና ሒደት ይኹን ብዙሕ፡ ንኻልኦት ዚሃንጽ ኪኸውን እዩ፡ ንየሆዋ ድማ ከነሐብኖ ኢና። (ምሳ. 23:15፣ ኤፌ. 4:29) ብዛዕባ እዚ ኻብ ኣምላኽ እተዋህበና ውህበት እዚ ሞሳና ንምግላጽ ዜኽእል ካብዚ ዝሓሸ መገዲ የሎን!

መዝሙር 82 ‘ብርሃንኩም ይብራህ’

^ ሕ.ጽ. 5 መዓስ ከም እንዛረብን መዓስ ስቕ ከም እንብልን ንምፍላጥ ኪሕግዘና ዚኽእል መሰረታዊ ስርዓታት ኣብ ቃል ኣምላኽ ይርከብ እዩ። ነዚ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ እንተ ፈሊጥናዮን እንተ ተግቢርናዮን፡ ዘረባና ንየሆዋ ባህ የብሎ እዩ።

^ ሕ.ጽ. 62 መግለጺ ስእሊ፦ ሓንቲ ሓብቲ ንኻልእ ሓብቲ ብሱል ምኽሪ ትህባ።

^ ሕ.ጽ. 64 መግለጺ ስእሊ፦ ሓደ ሓው ንሓደ መንእሰይ ብዛዕባ ጽሬት ሓሳባት ይህቦ።

^ ሕ.ጽ. 66 መግለጺ ስእሊ፦ ኣብ ግቡእ ግዜ፡ ኣቢጋይል ንዳዊት ለመነቶ፡ ጽቡቕ ፍረ እውን ረኸበት።

^ ሕ.ጽ. 68 መግለጺ ስእሊ፦ ሰብ ሓዳር፡ እገዳ ኣብ ዘለዎ ዓዲ ብዛዕባ ዘሎ ዕዮና ብዝርዝር ካብ ምሕታት ይቝጠቡ።

^ ሕ.ጽ. 70 መግለጺ ስእሊ፦ ሓደ ሽማግለ ነቲ ብዛዕባ ጉባኤ ዚምልከት ምስጢር፡ ኣብ እዝኒ ሰብ ከይበጽሕ ይጥንቀቕ።