ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 17

“ኣዕሩኸይ ኢለኩም ኣለኹ”

“ኣዕሩኸይ ኢለኩም ኣለኹ”

“ኵሉ እቲ ኻብ ኣቦይ ዝሰማዕክዎ ስለ ዘፍለጥኩኹም፡ ኣዕሩኸይ ኢለኩም ኣለኹ።”—ዮሃ. 15:15.

መዝሙር 13 ክርስቶስ ኣርኣያና

መላለዪ *

1. ከመይ ጌርካ ኢኻ ምስ ሰብ ናይ ቀረባ ዕርክነት እተማዕብል፧

ምስ ሰብ ናይ ቀረባ ዕርክነት ንምምዕባል፡ መብዛሕትኡ ግዜ ምስቲ ሰብ ክትራኸብ ኣሎካ። ምስኡ ኽትዛራረብ ከለኻ፡ ሓሳባትካን ተመክሮታትካን ድማ ከተካፍሎ ኸለኻ፡ ዕርክነት ይምዕብል እዩ። ምስ የሱስ ናይ ቀረባ ዕርክነት ንምምዕባል ግና፡ ብድሆታት የጋጥመና እዩ። ገለ ኻብኡ እንታይ እዩ፧

2. እቲ ቐዳማይ ዜጋጥመና ብድሆ እንታይ እዩ፧

2 እቲ ቐዳማይ ብድሆ፡ ንየሱስ ብኣካል ረኺብናዮ ዘይንፈልጥ ምዃንና እዩ። ብዙሓት ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ተመሳሳሊ ብድሆ ነይርዎም እዩ። ይኹን እምበር፡ ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ “ንዕኡ ኸቶ እኳ እንተ ዘይረኣኹምዎ፡ ተፍቅርዎ ኢኹም። ሕጂ ትርእይዎ እኳ እንተ ዘየለኹም፡ ብእኡ ትኣምኑ ኢኹም” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። (1 ጴጥ. 1:8) ስለዚ፡ ምስ ክርስቶስ ብኣካል ከይተራኸብካ፡ ምስኡ ናይ ቀረባ ርክብ ምምስራት ይከኣል እዩ።

3. እቲ ኻልኣይ ዜጋጥመና ብድሆ እንታይ እዩ፧

3 እቲ ኻልኣይ ብድሆ፡ ንየሱስ ክንዛረቦ ዘይንኽእል ምዃንና እዩ። ክንጽሊ ኸለና፡ ንየሆዋ ኢና እንዛረቦ። ብስም የሱስ ከም እንጽሊ ዚከሓድ ኣይኰነን፣ እንተዀነ ግና፡ ብቐጥታ ንዕኡ ኣይንዛረቦን ኢና። ከም ሓቂ፡ የሱስ ናብኡ ኽንጽሊ ኣይደልየናን እዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ጸሎት ሓደ ኽፋል ኣምልኾ እዩ፣ የሆዋ ጥራይ ድማ እዩ ኺምለኽ ዘለዎ። (ማቴ. 4:10) ይኹን እምበር፡ ንየሱስ ዘሎና ፍቕሪ ኽንገልጽ ንኽእል ኢና።

4. እቲ ሳልሳይ ብድሆ እንታይ እዩ፧ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ክንምርምር ኢና፧

4 እቲ ሳልሳይ ብድሆ፡ የሱስ ኣብ ሰማይ ዚነብር ምዃኑ እዩ፣ ስለዚ ቓል ብቓሉ ምስኡ ግዜ ኸነሕልፍ ኣይንኽእልን ኢና። ኰይኑ ግና፡ ብኣካል ጥቓኡ ኸይኰንና፡ ብዛዕባኡ ብዙሕ ክንፈልጥ ንኽእል ኢና። ምስኡ ዘሎና ዕርክነት ንምድልዳል ክንገብሮ እንኽእል ኣርባዕተ ነገር ክንምርምር ኢና። ፈለማ ግና፡ ምስ ክርስቶስ ናይ ቀረባ ዕርክነት ስለምንታይ ከነማዕብል ከም ዜድልየና እስከ ንመርምር።

ኣዕሩኽ የሱስ ክንከውን ዜድልየና ስለምንታይ እዩ፧

5. ምስ የሱስ ኣዕሩኽ ክንከውን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ (“ ምስ የሱስ ዕርክነት ምስ እንምስርት፡ ኣዕሩኽ የሆዋ ንኸውን” ዘርእስታ ሳጹንን “ ብዛዕባ የሱስ ኪህልወና ዚግባእ ሚዛናዊ ኣረኣእያ” ዘርእስታ ሳጹንን ርአ።)

5 ምስ የሆዋ ጽቡቕ ርክብ ኪህልወና እንተ ዀይኑ፡ ኣዕሩኽ የሱስ ክንከውን ኣሎና። ስለምንታይ፧ ክልተ ምኽንያት ጥራይ ንርአ። ቀዳማይ፡ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ንስኻትኩም ንዓይ ስለ ዝፈቶኹምኒ . . . ኣቦ ባዕሉ ይፈትወኩም እዩ” ኢልዎም እዩ። (ዮሃ. 16:27) “ብዘይካ ብኣይ፡ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን” ኢሉ እውን እዩ። (ዮሃ. 14:6) ምስ የሱስ ናይ ቀረባ ርክብ ከየማዕበልካ ዓርኪ የሆዋ ንምዃን ምፍታን፡ ብኣፍ ደገ ኸይሓለፍካ ናብ ሓደ ህንጻ ኽትኣቱ ኸም ምፍታን እዩ። የሱስ እውን ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ፡ “እቲ ኣፍ ደገ ኣባጊዕ ኣነ እየ” ኢሉ ብምዝራብ ተመሳሳሊ ምሳሌ ተጠቒሙ እዩ። (ዮሃ. 10:7) ካልኣይ ምኽንያት ከኣ፡ የሱስ ንባህርያት ኣቦኡ ፍጹም ብዝዀነ መገዲ ዜንጸባርቖ ምዃኑ እዩ። ንደቀ መዛሙርቱ፡ “እቲ ንዓይ ዝረኣየ፡ ንኣቦ እውን ርእይዎ እዩ” ኢልዎም እዩ። (ዮሃ. 14:9) ስለዚ፡ ሓደ ኻብቲ ንየሆዋ እንፈልጠሉ ኣገዳሲ መገዲ፡ ብዛዕባ ህይወት የሱስ ብምጽናዕ እዩ። ብዛዕባ የሱስ ብዝፈለጥና መጠን፡ ንዕኡ ዘላትና ፍቕሪ ትዓቢ እያ። ምስኡ ዘሎና ዕርክነት እናዓበየ ብዝኸደ መጠን ከኣ፡ ንኣቦኡ ዘላትና ፍቕሪ እናዓመቘት ትኸይድ እያ።

6. ምስ የሱስ ርክብ ክህልወና ኣገዳሲ ዚዀነሉ ኻልእ ምኽንያት እንታይ እዩ፧ ግለጽ።

6 ጸሎትና ምእንቲ ኺምለሰልና፡ ምስ የሱስ ርክብ ኪህልወና ኣለዎ። እዚ ድማ፡ ንስርዓቱ ጥራይ ኢልና ኣብ ጸሎትና “ብስም የሱስ” ካብ ምባል ንላዕሊ የጠቓልል እዩ። የሆዋ ንጸሎትና ንምምላስ፡ ንየሱስ ብኸመይ ከም ዚጥቀመሉ ኽንርዳእ ኣሎና። የሱስ ንሃዋርያቱ፡ “ብስመይ ዝለመንኩምዎ ዘበለ ኽገብረልኩም እየ” ኢልዎም እዩ። (ዮሃ. 14:13) ንጸሎትና ዚሰምዖን ዚምልሰልናን የሆዋ እኳ እንተ ዀነ፡ ውሳነታቱ ንምፍጻም ግና ንየሱስ ስልጣን ሂብዎ እዩ። (ማቴ. 28:18) የሆዋ ንጸሎትና ቕድሚ ምምላሱ፡ ነቲ የሱስ ዝሃበና ምኽሪ እንተ ዓዪናሉ ይርኢ እዩ። ንኣብነት፡ የሱስ ከምዚ ኢሉ እዩ፦ “ንሰብ በደሎም እንተ ሓዲግኩምሎም፡ ንዓኻትኩም እውን ሰማያዊ ኣቦኹም ኪሓድገልኩም እዩ፣ ንሰብ በደሎም እንተ ዘይሓዲግኩምሎም ግና፡ ንዓኻትኩም እውን ኣቦኹም በደልኩም ኣይኪሓድገልኩምን እዩ።” (ማቴ. 6:14, 15) እሞ ደኣ ኸምቲ የሆዋን የሱስን ንዓና ዚገብሩልና፡ ንሕና እውን ንሰብ ጽቡቕ ኽንገብር ኣሎና!

7. መን እዮም ካብቲ የሱስ ዝኸፈሎ መስዋእታዊ በጃ ዚጥቀሙ፧

7 እቶም ምስ የሱስ ናይ ቀረባ ዕርክነት ዘለዎም ጥራይ እዮም ካብቲ ንሱ ዝኸፈሎ መስዋእታዊ በጃ ዚጥቀሙ። ከምኡ ምዃኑ፡ ከመይ ጌርና ንፈልጥ፧ የሱስ “ንህይወቱ ምእንቲ ኣዕሩኹ ኣሕሊፉ” ኸም ዚህብ ተዛሪቡ እዩ። (ዮሃ. 15:13) ቅድሚ የሱስ ኣብ ምድሪ ዝነበሩ እሙናት ሰባት ብዛዕባኡ ኺምሃሩን ንዕኡ ኼፍቅርዎን ኣለዎም። ከም እኒ ኣብርሃም፡ ሳራ፡ ሙሴ፡ ረሃብ ዝኣመሰሉ ሰባት ኪትንስኡ እዮም፣ እዞም ጻድቃን ኣገልገልቲ የሆዋ እውን ከይተረፉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ንምርካብ ምስ የሱስ ዕርክነት ኪምስርቱ ኣለዎም።—ዮሃ. 17:3፣ ግብ. 24:15፣ እብ. 11:8-12, 24-26, 31

8-9. ኣብ ዮሃንስ 15:4, 5 ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ ምስ የሱስ ዘሎና ርክብ እንታይ ክንገብር እዩ ዜኽእለና፧ እዚ ኣገዳሲ ዝዀነኸ ስለምንታይ እዩ፧

8 ኣብቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ምስባኽን ናይ ምምሃርን ዕዮ፡ ኣብ ጐድኒ የሱስ ብምዕያይ ሓጐስ ንረክብ ኢና። የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ መምህር እዩ ነይሩ። ናብ ሰማይ ካብ ዚምለስ ኣትሒዙ እውን፡ ርእሲ ጉባኤኡ ብምዃኑ፡ ነቲ ናይ ምስባኽን ናይ ምምሃርን ዕዮ ይመርሖ እዩ። ነቲ ብዙሓት ሰባት ንኣቦኡ ምእንቲ ኺፈልጥዎ ኢልካ እትገብሮ ጻዕርታት ይርእዮን የማስወሉን እዩ። ከም ሓቂ እኳ፡ ነዚ ዕዮ እዚ ብዘይ ሓገዝ የሆዋን የሱስን ክንፍጽሞ ኣይንኽእልን ኢና።—ዮሃንስ 15:4, 5 ኣንብብ።

9 ንየሆዋ ባህ ከነብሎ እንተ ዄንና፡ ንየሱስ ፍቕሪ ኺህልወናን ነቲ ፍቕሪ ኽንሕልዎ ከም ዚግብኣናን ቃል ኣምላኽ ብንጹር ይምህር እዩ። ስለዚ፡ ኣዕሩኽ የሱስ ንምዃን ክንገብሮ ዘሎና ኣርባዕተ ነገር እስከ ንርአ።

ከመይ ጌርና ኢና ምስ የሱስ ዕርክነት እነማዕብል፧

(1) ንየሱስ ኣጸቢቕካ እንተ ፈሊጥካዮ፡ (2) ኣተሓሳስባኡን ተግባራቱን እንተ ስዒብካ፡ (3) ንኣሕዋት ክርስቶስ እንተ ደጊፍካ፡ (4) ንመሰናድዎታት ጉባኤ እንተ ደጊፍካ፡ ዓርኪ የሱስ ክትከውን ትኽእል ኢኻ (ሕጡብ ጽሑፍ 10-14 ርአ) *

10. ምስ የሱስ ዕርክነት ንምምዕባል ክንወስዶ ዘሎና ቐዳማይ ስጕምቲ እንታይ እዩ፧

10 (1) ንየሱስ ፍለጦ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መጽሓፍ ማቴዎስን መጽሓፍ ማርቆስን መጽሓፍ ሉቃስን መጽሓፍ ዮሃንስን ብምንባብ፡ ንየሱስ ክንፈልጦ ንኽእል ኢና። ነዚ ብዛዕባ ህይወት የሱስ ዚገልጽ ጸብጻባት መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ኸነስተንትነሉ ኸለና፡ ንየሱስ ስለቲ ንሰባት ዝነበሮ ለውሃት ነፍቅሮን ነኽብሮን ኢና። ንኣብነት፡ ጐይታኦም እኳ እንተ ነበረ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ኸም ባሮት ገይሩ ኣይሓዞምን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ውሽጣዊ ሓሳባቱን ስምዒታቱን ገሊጹሎም እዩ። (ዮሃ. 15:15) ስቓዮም ይስምዖ ነይሩ እዩ፡ ምሳታቶም እውን ነቢዑ እዩ። (ዮሃ. 11:32-36) ተጻረርቱ እውን ከይተረፉ ነቶም ንመልእኽቱ እተቐበሉ ዓርኮም ከም ዝነበረ ተኣሚኖም እዮም። (ማቴ. 11:19) ኣብቲ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ዝነበሮ ርክብ ንየሱስ ንመስሎ እንተ ዄንና፡ ምስ ካልኦት ዘሎና ርክብ ይመሓየሽ፡ ዝያዳ ዕግበትን ሓጐስን ንረክብ፡ ንክርስቶስ ዘሎና ሞሳ እውን ይዓቢ እዩ።

11. ኣዕሩኽ የሱስ ንምዃን ክንወስዶ ዘሎና ኻልኣይ ስጕምቲ እንታይ እዩ፧ እቲ ስጕምቲ እቲ ኣገዳሲ ዝዀነኸ ስለምንታይ እዩ፧

11 (2) ኣተሓሳስባን ተግባራትን የሱስ ስዓብ። ንኣተሓሳስባ የሱስ ብዝሓሸ ብዝፈለጥናዮን ብዝሰዓብናዮን መጠን፡ ምስኡ ብዝያዳ እናተቐራረብና ኢና እንኸይድ። (1 ቈረ. 2:16) ከመይ ጌርና ኢና ንየሱስ ክንመስሎ እንኽእል፧ ሓደ ኣብነት ጥራይ ንርአ። የሱስ ንርእሱ ባህ ኣብ ክንዲ ዜብል፡ ንኻልኦት ብዛዕባ ምሕጋዝ እዩ ዚሓስብ ነይሩ። (ማቴ. 20:28፣ ሮሜ 15:1-3) ከምዚ ዝበለ ኣተሓሳስባ ስለ ዝነበሮ ኸኣ፡ ጥቕሚ ርእሱ ዚስውእን ይቕረ ዚብልን እዩ ነይሩ። በቲ ሰባት ብዛዕባኡ ዚብልዎ ኣይተቐየመን። (ዮሃ. 1:46, 47) በቲ ሰብ ኣብ ሕሉፍ ግዜ ዝገበሮ ጌጋ እውን ንሓዋሩ ተሓታቲ ኣይገበሮን። (1 ጢሞ. 1:12-14) የግዳስ፡ “ንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተ ኣልያትኩም፡ በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ” ኢሉ እዩ ተዛሪቡ። (ዮሃ. 13:35) ስለዚ፡ “ምስ ኣሕዋተይን ኣሓተይን ዘሎኒ ሰላም ንምሕላው ዚከኣለኒ ብምጽዓር ንኣብነት የሱስ እስዕብዶ ኣለኹ፧” ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ስለምንታይ ዘይትሓትት፧

12. ኣዕሩኽ የሱስ ንምዃን ክንወስዶ ዘሎና ሳልሳይ ስጕምቲ እንታይ እዩ፧ ነዚኸ ብኸመይ ኢና ኽንገብሮ እንኽእል፧

12 (3) ንኣሕዋት ክርስቶስ ደግፎም። የሱስ ነቲ ንቕቡኣት ኣሕዋቱ እንገብሮ ነገር፡ ንዕኡ ኸም እንገብረሉ ገይሩ እዩ ዚርእዮ። (ማቴ. 25:34-40) ነቶም ቅቡኣት እንድግፈሉ ቐንዲ መገዲ፡ ኣብቲ የሱስ ንሰዓብቱ ኺገብርዎ ዝሃቦም ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ምስባኽን ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባርን ዕዮ ምሉእ ብምሉእ ምስታፍ እዩ። (ማቴ. 28:19, 20፣ ግብ. 10:42) ኣሕዋት ክርስቶስ ነቲ ሎሚ ዚግበር ዘሎ ዓብዪ ዓለምለኻዊ ወፈራ ስብከት ብሓገዝ እቶም “ካልኦት ኣባጊዕ” ጥራይ እዮም ኪዓምምዎ ዚኽእሉ። (ዮሃ. 10:16) ካብቶም ካልኦት ኣባጊዕ እንተ ዄንካ፡ ኣብዚ ዕዮ እዚ ብእተሳተፍካ መጠን፡ ነቶም ቅቡኣት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንየሱስ እውን ከም እተፍቅሮ ተርኢ ኢኻ።

13. ነቲ ኣብ ሉቃስ 16:9 ተመዝጊቡ ዘሎ ቓላት የሱስ ከመይ ጌርና ኽንዓየሉ ንኽእል፧

13 ብገንዘብና ጌርና እውን ነቲ የሆዋን የሱስን ዚዓይይዎ ዘለዉ ዕዮ ብምድጋፍ ምሳታቶም ዕርክነት ክንምስርት ንኽእል ኢና። (ሉቃስ 16:9 ኣንብብ።) ንኣብነት፡ ንዓለምለኻዊ ዕዮ ገንዘብ ክንውፊ ንኽእል ኢና፣ እዚ ገንዘብ እዚ ኸኣ፡ ኣብ ግሉል ቦታታት ንዚግበር ስብከት ንምድጋፍ፡ ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ዚኸውን ህንጻታት ንምህናጽን ንምክንኻንን፡ ንእተሸገሩ እውን ስጋዊ ረድኤት ንምሃብ የገልግል እዩ። ንጉባኤና ብገንዘብ ክንድግፍ፡ ነቶም ብኣካል እንፈልጦም ሽጉራት እውን ክንሕግዝ ንኽእል ኢና። (ምሳ. 19:17) ንኣሕዋት ክርስቶስ በዚ መገድታት እዚ ኢና ኽንድግፎም እንኽእል።

14. ኣብ ኤፌሶን 4:15, 16 ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ ኣዕሩኽ የሱስ ንምዃን ክንወስዶ ዘሎና ራብዓይ ስጕምቲ እንታይ እዩ፧

14 (4) ንመሰናድዎታት ክርስትያናዊት ጉባኤ ደግፍ። ምስቶም ኪከናኸኑና እተሸሙ ኣሕዋት ንተሓባበር እንተ ዄንና፡ ምስቲ ርእሲ እታ ጉባኤ ዝዀነ የሱስ ዘሎና ርክብ ይድልድል እዩ። (ኤፌሶን 4:15, 16 ኣንብብ።) ንኣብነት፡ ንዅሉ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ኽንጥቀመሉ ጻዕሪ ንገብር ኣለና። ከምኡ ንምግባር ከኣ፡ ገሊአን ጉባኤታት ምስ ካልኦት ጉባኤታት ተሓዊሰን፡ ዶብ ክልታት እውን ተዓራርዩ እዩ። ሳላ እዚ መሰናድዎ እዚ ብዙሕ እተወፈየ ገንዘብ ተቘጢቡ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ገሊኦም ኣስፋሕቲ ነቲ ሓድሽ ኵነታት ኪለምድዎ ነይርዎም እዩ። እዞም እሙናት ኣስፋሕቲ ኣብ ሓንቲ ጉባኤ ንሓያሎ ዓመታት ኣገልጊሎምን ምስ ገሊኦም ኣሕዋትን ኣሓትን ተቀራሪቦምን ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ሕጂ ግና ኣብ ካልእ ጉባኤ ኼገልግሉ ይሕተቱ ኣለዉ። እዞም እሙናት ደቀ መዛሙርቲ እዚኦም ምስዚ መሰናድዎ እዚ ኺተሓባበሩ ምርኣይ፡ ንየሱስ ብዙሕ ባህ የብሎ እዩ።

ንዘለኣለም ኣዕሩኽ የሱስ

15. ኣብ መጻኢ ምስ የሱስ ዘሎና ዕርክነት ብኸመይ ኪመሓየሽ እዩ፧

15 እቶም ብመንፈስ ቅዱስ እተቐብኡ፡ መዋርስቲ መንግስቲ ኣምላኽ ብምዃን ምስ የሱስ ንዘለኣለም ናይ ምዃን ተስፋ ኣለዎም። ብሓቂ ምስ ክርስቶስ ኪዀኑ እዮም፣ ማለት ኪርእይዎን ኪዛረብዎን ምስኡ ግዜ ኼሕልፉን እዮም። (ዮሃ. 14:2, 3) እቶም ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ድማ ካብ የሱስ ፍቕርን ቈላሕታን ኪረኽቡ እዮም። ንየሱስ እኳ እንተ ዘይረኣይዎ፡ ነቲ የሆዋን የሱስን ዚህብዎም ህይወት ኬስተማቕሩ ኸለዉ ምስኡ ዘለዎም ዕርክነት እናደልደለ ኪኸይድ እዩ።—ኢሳ. 9:6, 7

16. ካብቲ ምስ የሱስ ዘሎና ዕርክነት እንታይ በረኸት ኢና እንረክብ፧

16 ነቲ የሱስ ኣዕሩኹ ኽንከውን ዘቕረበልና ዕድመ እንተ ተቐቢልና፡ ብዙሕ በረኸት ንረክብ ኢና። ንኣብነት፡ ሕጂ ኻብ ፍቕሩን ደገፉን ንጥቀም ኢና። ንዘለኣለም ናይ ምንባር ኣጋጣሚ እውን ይኽፈተልና እዩ። ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ምስ የሱስ ዘሎና ዕርክነት ናብ ኻብ ኵሉ ዚበልጽ በረኸት ይመርሓና እዩ፣ እዚ ኸኣ ምስ ኣቦኡ የሆዋ ዚህልወና ናይ ቀረባ ብሕታዊ ርክብ እዩ። እምበኣር፡ ኣዕሩኽ የሱስ ምዃንሲ ኸመይ ዝበለ ፍሉይ መስል ኰን እዩ!

መዝሙር 17 “እደሊ እየ”

^ ሕ.ጽ. 5 ሃዋርያት ንእተወሰነ ዓመታት ምስ የሱስ እናተዛረቡን እናዓየዩን ብምጽናሖም፡ ኣዕሩኹ ዀይኖም እዮም። ንዓና እውን፡ የሱስ ኣዕሩኹ ኽንከውን ይደልየና እዩ፣ ሃዋርያት ዘይነበሮም ብድሆታት ግና ኣሎና። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ንገለ ኻብዚ ብድሆታት እዚ ትገልጽ፡ ምስ የሱስ ከመይ ጌርና ናይ ቀረባ ርክብ ከነማዕብልን ክንሕሉን ከም እንኽእል እውን ሓሳባት ትህብ እያ።

^ ሕ.ጽ. 55 መግለጺ ስእሊ፦ (1) ኣብ ኣምልኾ ስድራ ቤት፡ ብዛዕባ ህይወትን ኣገልግሎትን የሱስ ከነጽንዕ ንኽእል ኢና። (2) ኣብ ጉባኤ፡ ምስ ኣሕዋትና ኣብ ዘሎና ርክብ ንሰላም ክንስዕባ ንኽእል ኢና። (3) ኣብ ኣገልግሎት ምሉእ ብምሉእ ብምስታፍ፡ ንኣሕዋት ክርስቶስ ክንድግፎም ንኽእል ኢና። (4) ጉባኤታት ኪሕወሳ ኸለዋ፡ ምስቲ ሽማግለታት ዚገብርዎ ውሳነታት ክንተሓባብር ንኽእል ኢና።