ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 20

ሎሚ “ንጉስ ሰሜን” መን እዩ፧

ሎሚ “ንጉስ ሰሜን” መን እዩ፧

“ናብ መወዳእታኡ ኺመጽእ፡ ዚረድኦ እውን ኣይኪህሉን እዩ።”—ዳን. 11:45

መዝሙር 95 እቲ ብርሃን እናበርሀ ይኸይድ ኣሎ

መላለዪ *

1-2. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ኢና ኽንርኢ፧

ኣብ መወዳእታ ዳሕሮት መዓልትታት እዚ ስርዓት እዚ ንነብር ከም ዘለና፡ ካብ ቅድሚ ሕጂ ዚዛይድ መርትዖ ኣሎና። ኣብ ቀረባ ግዜ፡ የሆዋን የሱስ ክርስቶስን ንመንግስቲ ኣምላኽ ንዚጻረሩ ዅሎም መንግስትታት ኬጥፍእዎም እዮም። ከምኡ ቕድሚ ምዃኑ ኸኣ፡ ንጉስ ሰሜንን ንጉስ ደቡብን ኣብ ንሓድሕዶምን ምስ ህዝቢ ኣምላኽን ዚህልዎም ግጭት ኪቕጽል እዩ።

2 ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ነቲ ኣብ ዳንኤል 11:40–12:1 ተመዝጊቡ ዘሎ ትንቢት ክንምርምሮ ኢና። መንነት እቲ ሕጂ ዘሎ ንጉስ ሰሜን ከነለሊ፡ ነቲ ብሕጂ ዜጋጥመና ብድሆታት ስለምንታይ ብምትእምማን ክንገጥመሉ ኸም እንኽእል ድማ ክንርኢ ኢና።

ሓድሽ ንጉስ ሰሜን ተቐልቂሉ

3-4. ሕጂ ንጉስ ሰሜን ኰይኑ ተቐልቂሉ ዘሎ መን እዩ፧ ግለጽ።

3 ሕብረት ሶቭየት ብ1991 ምስ ፈረሰት፡ ኣብቲ ሰፊሕ ዞባ ዚርከቡ ህዝቢ ኣምላኽ “ቍሩብ ረድኤት፡” ማለት ንእተወሰነ እዋን ናጽነት ረኺቦም እዮም። (ዳን. 11:34) ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ብናጽነት ኪሰብኩ ኽኢሎም እዮም፣ ነዊሕ ከይጸንሑ ኸኣ ኣብተን ኮምዩኒስት ዝነበራ ሃገራት ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ቍጽሮም ናብ ኣማእታት ኣሽሓት ወሲኹ እዩ። በብቝሩብ ግና ሩስያን ተሓባበርታን ንጉስ ሰሜን ኰይነን ተቐልቂለን ኣለዋ። ኣብ ዝሓለፈት ዓንቀጽ ከም ዝረኣናዮ፡ ሓደ መንግስቲ፡ ንጉስ ሰሜን ወይ ንጉስ ደቡብ ንምዃን፡ ሰለስተ ነገር ኪገብር ኣለዎ፦ (1) ምስ ህዝቢ ኣምላኽ ብቐጥታ ዜራኽቦ ነገራት ኪህልዎ ኣለዎ፣ (2) ብተግባራቱ ኣቢሉ ጸላኢ የሆዋን ህዝቡን ምዃኑ የርኢ፣ (3) ምስ መቐናቕንቱ ንጉስ ይወዳደር።

4 ሎሚ ሩስያን ተሓባበርታን ንጉስ ሰሜን እየን እንብለሉ ምኽንያት እስከ ንርአ። (1) ንዕዮ ስብከት ብምእጋድን ኣብ ትሕቲ ቝጽጽረን ንዚርከቡ ኣማእታት ኣሽሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ብምስጓጕን፡ ኣብ ህዝቢ ኣምላኽ ቀጥታዊ ጽልዋ ኣለወን። (2) እዚ ተግባራተን ድማ ንየሆዋን ንህዝቡን ከም ዚጸልእዎም የርኢ። (3) ምስቲ ንጉስ ደቡብ ዝዀነ ሓይሊ ዓለም ኣንግሎ-ኣመሪካ ይወዳደራ ኣለዋ። እምበኣር፡ ሩስያን ተሓባበርታን እንታይ ከም ዝገበራን እዚ ኸመይ ገይሩ ንጉስ ሰሜን ምዃነን ከም ዜረጋግጽን እስከ ንርአ።

ንጉስ ሰሜንን ንጉስ ደቡብን ብቐጻሊ ይዳፍኡ

5. እቲ ኣብ ዳንኤል 11:40-43 ተገሊጹ ዘሎ ነገራት ነየናይ እዋን እዩ ዚገልጽ፧ ኣብቲ ግዜ እቲኸ እንታይ እዩ ዚኸውን፧

5 ዳንኤል 11:40-43 ኣንብብ። እዚ ኽፋል ትንቢት እዚ ብዛዕባ ግዜ መወዳእታ ብሓፈሻ ይገልጽ እዩ። ነቲ ኣብ መንጎ ንጉስ ሰሜንን ንጉስ ደቡብን ዘሎ ቕንቅን እውን የጕልሕ እዩ። ከምቲ ዳንኤል እተነበዮ ኸኣ፡ ኣብ ግዜ መወዳእታ ንጉስ ደቡብ ምስ ንጉስ ሰሜን “ኪዳፋእ” ወይ “ኪጋጠም” እዩ።—ዳን. 11:40፣ እ.ጽ.።

6. እቶም ክልተ ነገስታት ይዳፍኡ ኸም ዘለዉ ዜርኢ እንታይ መርትዖ ኣሎ፧

6 ንጉስ ሰሜንን ንጉስ ደቡብን ኣብ ዓለም ዝሓየሉ ንምዃን ንሓድሕዶም ይወዳደሩ እዮም። ንኣብነት፡ ድሕሪ ኻልኣይ ውግእ ዓለም ሕብረት ሶቭየትን ተሓባበርታን ኣብ ኤውሮጳ ብዙሕ ጽልዋ ኺገብራ ምስ ጀመራ እንታይ ከም ዝዀነ ንርአ። እዚ ተግባራት ንጉስ ሰሜን ንንጉስ ደቡብ ኔቶ ዚብሃል ኣህጉራዊ ወተሃደራዊ ኺዳን ኬቕውም ገዲድዎ እዩ። ንጉስ ሰሜንን ንጉስ ደቡብን ብዙሕ ኣጽዋር ንምድላብ ኣብ ዚገብርዎ ውድድር ዘይተኣደነ ገንዘብ የህልኹ እዮም። ንጉስ ሰሜን ንመቐናቕንቱ ብተዘዋዋሪ ብዚግበር ውግእ ኣቢሉ ኣብ ኣፍሪቃን እስያን ላቲን ኣመሪካን ተዋጊእዎ እዩ። ኣብ ቀረባ ዓመታት፡ ሩስያን ተሓባበርታን ንጽልዋአን ኣብ ብዘሎ ዓለም ኣስፋሕፊሐን ኣለዋ። ምስ ንጉስ ደቡብ እውን ብኢንተርነት ኣብ ዚግበር ውግእ ተጸሚደን እየን። እዞም ነገስታት እዚኦም ንቝጠባውን ንፖለቲካውን ስርዓታቶም ንምጕዳእ፡ ኣዕናዊ ፕሮግራማት ኮምፕዩተር ከም እተጠቕሙ ንሓድሕዶም ይካሰሱ እዮም። ከምቲ ዳንኤል እተነበዮ ድማ፡ ንጉስ ሰሜን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣምላኽ ቀጻሊ መጥቃዕቲ ይፍኑ ኣሎ።—ዳን. 11:41

ንጉስ ሰሜን ናብታ “ምድሪ ጌጽ” ይኣቱ

7. እታ “ምድሪ ጌጽ” እንታይ እያ፧

7 ኣብ ዳንኤል 11:41፡ ንጉስ ሰሜን ናብታ “ምድሪ ጌጽ” ከም ዚኣቱ ተገሊጹ ኣሎ። እታ ምድሪ እቲኣ እንታይ እያ፧ ብግዜ ጥንቲ፡ ምድሪ እስራኤል “ካብ ኵለን ሃገራት ኣዝያ እትጽብቕ” እያ ነይራ። (ህዝ. 20:6) ነታ ምድሪ እቲኣ ኣዝያ ጽብቕቲ ዝገበራ ግና፡ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ዝነበራ ምዃኑ እዩ። ካብ ጰንጠቈስጠ 33 ድ.ክ. ኣትሒዙ ግና፡ እታ “ምድሪ” ንሓደ ጂኦግራፍያዊ ቦታ ኣይተመልክትን እያ። ህዝቢ የሆዋ ኣብ ብዘላ ምድሪ ፋሕ ኢሎም ዚርከቡ ብምዃኖም፡ ከምኡ ኽትከውን ኣይትኽእልን እያ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ሎሚ እታ “ምድሪ ጌጽ” ነቲ ንየሆዋ ብኣኼባታትን ብኣገልግሎት ወፍርን ኣቢልና እንህቦ ኣምልኾ ዜጠቓልል ንጥፈታት ህዝቢ የሆዋ እያ እተመልክት።

8. ንጉስ ሰሜን ናብታ “ምድሪ ጌጽ” ዝኣተወ ብኸመይ እዩ፧

8 ኣብ ዳሕሮት መዓልትታት፡ ንጉስ ሰሜን ብተደጋጋሚ ናብታ “ምድሪ ጌጽ” ኣትዩ እዩ። ንኣብነት፡ ናዚ ጀርመን ንጉስ ሰሜን ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ምናዳ ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም፡ ንህዝቢ ኣምላኽ ብምስጓጕን ብምቕታልን ናብታ “ምድሪ ጌጽ” ኣትዩ እዩ። ድሕሪ ኻልኣይ ውግእ ዓለም ከኣ፡ ሕብረት ሶቭየት ንጉስ ሰሜን ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ እቲ ንጉስ ንህዝቢ ኣምላኽ ብምስጓጕን ብምሕያርን ናብታ “ምድሪ ጌጽ” ኣትዩ እዩ።

9. ኣብ ቀረባ ዓመታት፡ ብኸመይ እየን ሩስያን ተሓባበርታን ናብታ “ምድሪ ጌጽ” ኣትየን፧

9 ኣብ ቀረባ ዓመታት፡ ሩስያን ተሓባበርታን ናብታ “ምድሪ ጌጽ” ኣትየን እየን። ብኸመይ፧ ብ2017፡ እዚ ሕጂ ዘሎ ንጉስ ሰሜን ንዕዮ ህዝቢ የሆዋ ኣጊድዎ፡ ንገሊኦም ኣሕዋትን ኣሓትን እውን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዳጒንዎም እዩ። ንጽሑፋትና፡ እንተላይ ንትርጉም ሓዳስ ዓለም ኣጊድዎ እዩ። ብዘይካዚ፡ ነቲ ኣብ ሩስያ ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈርን ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽን ኣዳራሻት ዓበይቲ ኣኼባን እውን ገቢትዎ እዩ። ድሕሪ እዚ ተግባራት እዚ፡ ኣመሓዳሪ ኣካል ብ2018 ንሩስያን ንተሓባበርታን፡ ንጉስ ሰሜን ከም ዝዀና ኣለልዩ እዩ። ህዝቢ የሆዋ ኣደዳ ብርቱዕ መስጐጕቲ እኳ እንተ ዀኑ፡ ንሰብኣዊ መንግስትታት ንምግልባጥ ኰነ ንምልዋጥ ኣብ ዚገበር ዝዀነ ተግባር ኣይሳተፉን እዮም። ኣብ ክንዳኡስ፡ ነቲ “ምእንቲ ዅሎም ሰበ ስልጣን” ኪጽልዩ እተዋህበ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ምኽሪ ይስዕቡ እዮም፣ ነዚ ድማ ምናዳ እቶም ሰበ ስልጣን ንናጽነት ኣምልኾ ዚጸሉ ውሳነታት ኪገብሩ ኸለዉ ንትግብሮ ኢና።—1 ጢሞ. 2:1, 2

ንጉስ ሰሜን ንንጉስ ደቡብ ኪስዕሮ ድዩ፧

10. ንጉስ ሰሜን ንንጉስ ደቡብ ኪስዕሮ ድዩ፧ ግለጽ።

10 ኣብ ዳንኤል 11:40-45 ተመዝጊቡ ዘሎ ትንቢት ብቐንዱ ኣብ ንጥፈታት ንጉስ ሰሜን እዩ ዜተኵር። እሞ ደኣ እዝስ ንጉስ ሰሜን ከም ዚስዕር ዜመልክት ድዩ፧ ኣይፋልን። የሆዋን የሱስን ንዅሎም ሰብኣውያን መንግስትታት ኣብ ውግእ ኣርማጌዶን ክሳዕ ዚድምስስዎም፡ ንጉስ ደቡብ “ብህይወት” ኪጸንሕ እዩ። (ራእ. 19:20) ከመይ ጌርና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል፧ ትንቢታት ዳንኤልን ራእይን እንታይ ከም ዚሕብረና እስከ ንርአ።

ኣብ ኣርማጌዶን እታ ብእምኒ እተመሰለት መንግስቲ ኣምላኽ፡ ነቲ ብዓብዪ ምስሊ እተመሰለ ግዝኣት ሰባት ከተጥፍኦ እያ (ሕጡብ ጽሑፍ 11 ርአ)

11. ዳንኤል 2:43-45 እንታይ ትሕብር፧ (ኣብ ገበር ዘላ ስእሊ ርአ።)

11 ዳንኤል 2:43-45 ኣንብብ። ነብዪ ዳንኤል ኣብ ህዝቢ ኣምላኽ ጽልዋ ዘለዎም ተኸታተልቲ ሰብኣውያን መንግስትታት ገሊጹ ኣሎ። ንሳቶም ከኣ ከም እተፈላለየ ኽፋላት ሓደ ዓብዪ ብረታዊ ምስሊ ጌርካ እዮም ተገሊጾም። እቲ ኻብቶም ተኸታተልቲ መንግስትታት ኣብ መወዳእታ እተጠቕሰ ሰብኣዊ መንግስቲ፡ ሕውስዋስ ሓጺንን ካይላን ዝዀነ ኣእጋር እቲ ምስሊ ጌርካ እዩ ተገሊጹ። እቲ ኣእጋር ድማ ንሓይሊ ዓለም ኣንግሎ-ኣመሪካ እዩ ዜመልክት። ኣብቲ ትንቢት እቲ ኸኣ፡ ክሳዕ እቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንሰብኣውያን መንግስትታት ወቒዓ እተጥፍኣሉ እዋን፡ ሓይሊ ዓለም ኣንግሎ-ኣመሪካ ቘይሙ ኸም ዚጸንሕ ተገሊጹ ኣሎ።

12. እቲ ናይቲ ኣራዊት ሻውዓይ ርእሲ ንመን እዩ ዜመልክት፧ እዚ ኣገዳሲ ዝዀነኸ ስለምንታይ እዩ፧

12 ሃዋርያ ዮሃንስ እውን ንህዝቢ የሆዋ ዚጸልዉ ብተኸታታሊ ዚመጹ ሓይልታት ዓለም ገሊጹ እዩ። ነዞም መንግስትታት እዚኦም ድማ ከም ሓደ ሸውዓተ ዝርእሱ ኣራዊት ገይሩ እዩ ገሊጽዎም ዘሎ። እቲ ናይቲ ኣራዊት ሻውዓይ ርእሲ ኸኣ ንሓይሊ ዓለም ኣንግሎ-ኣመሪካ እዩ ዜመልክት። እቲ ኣራዊት ተወሳኺ ርእሲ ኸም ዜብቍል ጌርካ ስለ ዘይተገልጸ፡ እዚ ሓበሬታ እዚ ኣገዳሲ እዩ። ክርስቶስን ሰማያዊ ሓይልታቱን ንብዘሎ እቲ ኣራዊት ኣብ ዚድምስሱሉ እዋን፡ እቲ ናይቲ ኣራዊት ሻውዓይ ርእሲ ዓብላሊ ዀይኑ እዩ ኺጸንሕ። *ራእ. 13:1, 2፣ 17:13, 14

ንጉስ ሰሜን ኣብ ቀረባ መጻኢ እንታይ ኪገብር እዩ፧

13-14. “ጎግ ብዓል ሃገር ማጎግ” መን እዩ፧ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣምላኽ መጥቃዕቲ ኺፍኑ ዜለዓዕሎኸ እንታይ ኪኸውን ይኽእል፧

13 ህዝቅኤል ዝመዝገቦ ትንቢት ብዛዕባ እቲ ንጉስ ሰሜንን ንጉስ ደቡብን ኣብ ኣጋ መወዳእታ መዓልትታቶም ዚኸውን ነገራት ይገልጽ እዩ። ኣብ ህዝቅኤል 38:10-23፣ ዳንኤል 2:43-45፣ 11:44–12:1፣ ራእይ 16:13-16, 21 ዘሎ ትንቢታት ብዛዕባ ሕደ እዋንን ፍጻመታትን ከም ዜመልክት ጌርና እንተ ርኢናዮ፡ ከምዚ ዚስዕብ ኪኸውን ኢና ትጽቢት እንገብር።

14 ድሕሪ ምጅማር እቲ ብርቱዕ ጸበባ፡ “ነገስታት ብዘላ ዓለም” ዝሰመሩ ኣህዛብ ኬቝሙ እዮም። (ራእ. 16:13, 14፣ 19:19) እቲ ስምረት እቲ ድማ፡ እቲ ቕዱሳት ጽሑፋት “ጎግ ብዓል ሃገር ማጎግ” ኢሉ ዚጽውዖ ኪኸውን እዩ። (ህዝ. 38:2) እቶም ዝሰመሩ ኣህዛብ ከኣ ብዘለዎም ኵሉ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣምላኽ ናይ መወዳእታ መጥቃዕቲ ኺፍንዉ እዮም። እቲ መጥቃዕቲኸ ብኸመይ ኪውላዕ እዩ፧ ምስዚ ግዜ እዚ ብዚተሓሓዝ፡ ሃዋርያ ዮሃንስ ኣዝዩ ገዚፍ በረድ ኣብ ልዕሊ ጸላእቲ ኣምላኽ ኪዘንም ርእዩ እዩ። እቲ ምሳልያዊ ዝናም በረድ እቲ፡ ህዝቢ የሆዋ ዜብጽሕዎ ብርቱዕ መልእኽቲ ፍርዲ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብምኽንያት እቲ መልእኽቲ እቲ ኸኣ ጎግ ብዓል ማጎግ ንህዝቢ ኣምላኽ ካብ ምድሪ ኺድምስሶም ሓሊኑ መጥቃዕቲ ኺፍኑ ይለዓዓል ይኸውን።—ራእ. 16:21

15-16. (ሀ) ዳንኤል 11:44, 45 ንምንታይ እተመልክት ክትከውን ትኽእል፧ (ለ) ንጉስ ሰሜንን ዝተረፉ ኽፋል ጎግ ማጎግን እንታይ ኪዀኑ እዮም፧

15 እዚ ብርቱዕ መልእኽትን እቲ ኣብ ልዕሊ ጸላእቲ ኣምላኽ ዚፍኖ ናይ መወዳእታ መጥቃዕትን ምስቲ ኣብ ዳንኤል 11:44, 45 ዘሎ ፍጻመታት ሕደ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ኣንብብ።) ኣብኡ ኸኣ “ካብ ምብራቕን ካብ ሰሜንን ዚመጽእ ወረ” ንንጉስ ሰሜን ከም ዚርብሾ፡ ንሱ እውን “ብዓብዪ ነድሪ” ኸም ዚወጽእ ዳንኤል ገሊጹ ኣሎ። ንጉስ ሰሜን ድማ “ንብዙሓት ኬጥፍእ” ኢሉ ኺሕልን እዩ። እቶም ኣብዚ “ብዙሓት” ተባሂሎም ዘለዉ፡ ንህዝቢ የሆዋ ዜመልክቱ እዮም ዚመስሉ። * ዳንኤል ከኣ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣምላኽ ዚፍኖ ናይ መወዳእታ መጥቃዕቲ እዩ ዚገልጽ ነይሩ ዚኸውን።

16 እዚ ንጉስ ሰሜን ምስ ዝተረፉ መንግስትታት ዓለም ብሓባር ኰይኑ ዚፍንዎ መጥቃዕቲ፡ ነቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ኬቘጥዖን ውግእ ኣርማጌዶን ንምጅማር ኬለዓዕሎን እዩ። (ራእ. 16:14, 16) ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ንጉስ ሰሜን ምስቶም ንጎግ ብዓል ማጎግ ዜቝሙ ዝተረፉ ኣህዛብ ብሓባር ኪጠፍእ እዩ፣ “ዚረድኦ እውን ኣይኪህሉን እዩ።”—ዳን. 11:45

ኣብ ውግእ ኣርማጌዶን፡ የሱስ ክርስቶስን ሰማያውያን ሰራዊቱን ንናይ ሰይጣን እክይቲ ዓለም ኣጥፊኦም ንህዝቢ ኣምላኽ ኬድሕንዎም እዮም (ሕጡብ ጽሑፍ 17 ርአ)

17. እቲ ኣብ ዳንኤል 12:1 ተጠቒሱ ዘሎ ሚካኤል እቲ “ዓብዪ መስፍን” መን እዩ፧ እንታይከ እዩ ዚገብር፧

17 ኣብ ዳንኤል ዘላ እትቕጽል ፍቕዲ፡ ንጉስ ሰሜንን ተሓባበርቱን ብኸመይ ከም ዚጠፍኡን ንሕና ብኸመይ ከም እንድሕንን ዝርዝር ሓበሬታ ትህብ እያ። (ዳንኤል 12:1 ኣንብብ።) እዛ ፍቕዲ እዚኣ እንታይ ትርጉም እዩ ዘለዋ፧ ሚካኤል ነቲ ዚገዝእ ዘሎ ንጉስና ክርስቶስ የሱስ እተዋህቦ ኻልእ ስም እዩ። ንሱ ድማ ካብቲ መንግስቱ ኣብ ሰማያት ዝቘመትሉ 1914 ኣትሒዙ ‘ምእንቲ ህዝቢ ኣምላኽ ቈይሙ’ እዩ ጸኒሑ። ኣብ ቀረባ መጻኢ ኸኣ፡ ኣብ ውግእ ኣርማጌዶን “ኪቐውም” ወይ ዓብዪ ስጕምቲ ኺወስድ እዩ። እቲ ውግእ እቲ ድማ፡ ኣብቲ ዳንኤል ኣብ ታሪኽ ዝኸፍአ ኢሉ ዝገለጾ “ግዜ ጭንቂ” ናይ መወዳእታ ፍጻመ ኪኸውን እዩ። ኣብ ራእይ ተመዝጊቡ ዘሎ ዮሃንስ እተነበዮ ትንቢት፡ ነቲ ቐቅድሚ እቲ ውግእ ዘሎ እዋንን እንተላይ ነቲ ውግእን፡ “ብርቱዕ ጸበባ” ኢሉ ይጽውዖ እዩ።—ራእ. 6:2፣ 7:14

ስምካ “ኣብታ መጽሓፍ ተጻሒፉ” ኺርከብ ድዩ፧

18. ስለምንታይ ኢና ብዛዕባ መጻኢ ኽንተኣማመን እንኽእል፧

18 እቶም ንየሆዋን ንየሱስን ዜገልግሉ ነቲ ተራእዩ ዘይፈልጥ ግዜ ጭንቂ ኸም ዚሰግሩ ዳንኤልን ዮሃንስን ስለ ዘረጋገጹ፡ ብዛዕባ መጻኢ ኽንተኣማመን ንኽእል ኢና። ስማቶም “ኣብታ መጽሓፍ ተጻሒፉ” እተረኽበ ዘበሉ ኸም ዚድሕኑ፡ ዳንኤል ገሊጹ እዩ። (ዳን. 12:1) እሞ ደኣ ኸመይ ጌርና ኢና ስምና ኣብታ መጽሓፍ እቲኣ ኸም ዚጽሓፍ እንገብር፧ ብየሱስ፡ በቲ ገንሸል ኣምላኽ ከም እንኣምን ንጹር መርትዖ ኸነቕርብ ኣሎና። (ዮሃ. 1:29) ርእስና ንኣምላኽ ከም ዝወፈና ንምርኣይ ድማ ክንጥመቕ ኣሎና። (1 ጴጥ. 3:21) ሰባት ብዛዕባ የሆዋ ኺምሃሩ ዚከኣለና ዘበለ ብምግባር እውን፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም እንድግፍ ከነርኢ ኣሎና።

19. ሕጂ እንታይ ክንገብር እዩ ዘሎና፧ ስለምንታይከ፧

19 ሕጂ ኣብ የሆዋን ኣብታ ብእሙናት ኣገልገልቱ ዝቘመት ውድቡን እምንቶና እንሃንጸሉ እዋን እዩ። ሕጂ ንመንግስቲ ኣምላኽ እንድግፈሉ እዋን እዩ። ከምኡ እንተ ጌርና፡ መንግስቲ ኣምላኽ ንንጉስ ሰሜንን ንንጉስ ደቡብን ከተጥፍኦም ከላ፡ ክንድሕን ኢና።

መዝሙር 149 መዝሙር ዓወት

^ ሕ.ጽ. 5 ሎሚ “ንጉስ ሰሜን” መን እዩ፧ ከመይ ኢሉ እዩኸ ናብ መወዳእታኡ ዚመጽእ፧ መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ ምፍላጥና፡ ንእምነትና ኼደልድሎ፡ ነቲ ኣብ ቀረባ መጻኢ ዜጋጥመና ፈተናታት እውን ኬዳልወና እዩ።

^ ሕ.ጽ. 12 ብዛዕባ ዳንኤል 2:36-45ራእይ 13:1, 2ን ዝርዝር ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ናይ 15 ሰነ 2012 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ ገጽ 7-19 ርአ።

^ ሕ.ጽ. 15 ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ ኣብ ናይ 15 ግንቦት 2015 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ ገጽ 29-30 ርአ።