ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 23

“ስምካ ይቀደስ”

“ስምካ ይቀደስ”

“ኦ የሆዋ፡ ስምካ ንዘለኣለም ይነብር እዩ።”—መዝ. 135:13

መዝሙር 10 ንየሆዋ ኣምላኽና ወድስዎ!

መላለዪ *

1-2. ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብምንታይ ርእሰ ነገራት እዮም ዚምሰጡ፧

ሎሚ፡ ንዓና ዚምልከት ኣዝዩ ኣገዳሲ ጕዳያት ተላዒሉ ኣሎ፣ እዚ ድማ ጕዳይ ልዑላውነት የሆዋን ምቕዳስ ስሙን እዩ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘበልና ብዛዕባ እዚ ርእሰ ነገራት እዚ ምምይያጥ ይምስጠና እዩ። ይኹን እምበር፡ ጕዳይ ልዑላውነት የሆዋን ምቕዳስ ስሙን ክልተ እተፈላለየ ጕዳይ ኣይኰነን።

2 ስም ኣምላኽ ካብ ወቐሳ ናጻ ኪኸውን ከም ዘለዎ፡ ኵላትና ንፈልጥ ኢና። ልዑላውነት የሆዋ ወይ ኣገዛዝኣኡ ብሉጽ ምዃኑ ኺረጋገጽ ከም ዘለዎ እውን ተማሂርና ኢና። ንኽልቲኡ ጕዳያት ኣኽቢርና ኽንርእዮን ኣቓልቦ ኽንገብረሉን ይግባእ።

3. ስም የሆዋ እንታይ የጠቓልል፧

3 ከም ሓቂ፡ ስም የሆዋ ንዅሉ እቲ ብዛዕባ ኣምላኽና ዚምልከት ነገራት፡ እንተላይ ንኣገዛዝኣኡ የጠቓልል እዩ። ስለዚ፡ ‘ንስም የሆዋ ኻብ ኵሉ ወቐሳ ናጻ ምግባር ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዝዀነ ጕዳይ እዩ’ ኽንብል ከለና፡ ‘ኣገዛዝኣ የሆዋ ብሉጽ ምዃኑ ተረጋጊጹ እዩ’ ኢና እንብል ዘለና። ስም የሆዋ ምስቲ ዅሉ ዚኽእል ልዑላዊ ገዛኢ ኸም ምዃኑ መጠን ዚጥቀመሉ ኣገዛዝኣ ኣጸቢቑ ይተኣሳሰር እዩ።—“ መዳያት እቲ ዓብዪ ጕዳይ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

4. መዝሙር 135:13 ንስም ኣምላኽ ብኸመይ ትገልጾ፧ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣኸ ነየናይ ሕቶታት ኢና መልሲ ኽንህበሉ፧

4 ስም የሆዋ ፍሉይ እዩ። (መዝሙር 135:13 ኣንብብ።) ንስም ኣምላኽ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዚገብሮ እንታይ እዩ፧ ኣብ ፈለማ ብኸመይ እዩ ተኻፊኡ፧ ኣምላኽ ንስሙ ብኸመይ እዩ ዚቕድሶ፧ ንሕና ንስሙ ንምክልኻል ኣብ ዚግበር ጻዕሪኸ ብኸመይ ክንሕግዝ ንኽእል፧ ነዚ ሕቶታት እዚ እስከ መልሲ ንሃበሉ።

ኣገዳስነት ስም

5. ብዛዕባ ምቕዳስ ስም ኣምላኽ ክንሓስብ ከለና፡ እንታይ ኢልና ንሓትት ንኸውን፧

5 “ስምካ ይቀደስ።” (ማቴ. 6:9) የሱስ ኣብ ጸሎቱ፡ ብቐዳምነት ነዚኣ እዩ ጠቒሱ። እዘን ቃላት የሱስ ግና እንታይ ትርጉም እዩ ዘለወን፧ ምቕዳስ ኪብሃል ከሎ፡ ንሓደ ነገር ቅዱስ፡ ጽሩይ፡ ወይ ንጹህ ትገብሮ ማለት እዩ። ገሊኦም ግና፡ ‘ስም የሆዋ ድሮ ቕዱስን ጽሩይን ንጹህን ደይኰነን፧’ ኢሎም ይሓትቱ ይዀኑ። ነዚ ምላሽ ንምሃብ፡ ስም እንታይ ከም ዜጠቓልል ክንሓስብ ኣሎና።

6. ንስም ኣገዳሲ ዚገብሮ እንታይ እዩ፧

6 ስም ኣብ ሓደ ገጽ ዚጽሓፍ ወይ ዚድሀ እተጠርነፈ ፊደላት ጥራይ ኣይኰነን። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ጽቡቕ ስም ካብ ብዙሕ ሃብቲ ይሕረ” ይብል እዩ። (ምሳ. 22:1፣ መክ. 7:1) ስም ክሳዕ ክንድዚ ዓብዪ ኣገዳስነት ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧ ምኽንያቱ ነቲ ኻልኦት ብዛዕባ እቲ በቲ ስም ዚጽዋዕ ዘበለ ዘለዎም ኣኽብሮትን ኣተሓሳስባን የጠቓልል እዩ። ስለዚ፡ ስም ዚጽሓፈሉ ወይ ዚድሀየሉ መገዲ፡ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ኣይኰነን። እቲ ብሓቂ ዜገድስ፡ እቲ ስም ኣብ ኣእምሮን ልብን ካልኦት ሒዝዎ ዘሎ ቦታ እዩ።

7. ከመይ ገይሮም እዮም ሰባት ኣብ ልዕሊ ስም ኣምላኽ መጥቃዕቲ ዚፍንዉ፧

7 ሰባት ብዛዕባ የሆዋ ሓሶት ኪዛረቡ ኸለዉ፡ ካልኦት ብዛዕባኡ ሕማቕ ከም ዚሓስቡ እዮም ዚገብርዎም ዘለዉ። በዚ ኸምዚ ንእንታይነቱ ኼጥቅዑ ኸለዉ ኸኣ፡ ንስሙ እዮም ኬጸልሙ ዚፍትኑ ዘለዉ። ኣብ ስምን እንታይነትን ኣምላኽ እተፈነወ ቐዳማይ መጥቃዕቲ፡ ኣብ መጀመርታ ታሪኽ ወዲ ሰብ እዩ ኣጋጢሙ። ካብዚ መጥቃዕቲ እዚ እንታይ ከም እንምሃር እስከ ንርአ።

ስም ኣምላኽ ብኸመይ ንፈለማ ኸም እተኻፍአ

8. ኣዳምን ሄዋንን እንታይ እዮም ዚፈልጡ ነይሮም፧ እንታይ ሕቶታትከ እዩ ዚልዓል፧

8 ኣዳምን ሄዋንን ንስም የሆዋ ይፈልጥዎ ነይሮም እዮም። ብዛዕባ እቲ በቲ ስም እቲ ዚጽዋዕ ኣምላኽ እውን ኣገዳሲ ሓቅታት ይፈልጡ ነይሮም እዮም። ፈጣሪኦም፡ ወሃብ ህይወቶም፡ ወሃብ እታ ገነታዊት መንበሪኦም፡ ወሃብ እቲ ፍጹም ሓዳሮም ምዃኑ ይፈልጡ ነይሮም እዮም። (ዘፍ. 1:26-28፣ 2:18) ኰይኑ ግና፡ በቲ ፍጹም ኣእምሮኦም ገይሮም ብዛዕባ ዅሉ እቲ የሆዋ ዝገበረሎም ብቐጻሊ የስተንትኑ ነይሮም ድዮም፧ ነቲ በቲ ስም እቲ ዚጽዋዕ ኣምላኽ ዘለዎም ፍቕርን ሞሳንከ ብቐጻሊ ሃኒጾም ድዮም፧ ጸላኢ ኣምላኽ ምስ ፈተኖም፡ መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ ንጹር ኰይኑ እዩ።

9. ብመሰረት ዘፍጥረት 2:16, 17ን 3:1-5ን፡ የሆዋ ነቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን እንታይ ኢሉ እዩ ኣዚዝዎም፧ ሰይጣን ነቲ ሓቂ ዝጠወዮኸ ብኸመይ እዩ፧

9 ዘፍጥረት 2:16, 17ን 3:1-5ን ኣንብብ። ሰይጣን ንሄዋን ብተመን ገይሩ፡ “ኣምላኽሲ፡ ‘ካብ ኵሉ ኦም ገነት ኣይትብልዑ’ ኢሉዶ ኣዚዙ እዩ፧” ኢሉ ሓተታ። እዛ ሕቶ እዚኣ፡ ከም ሕቡእ መርዚ ዝበለ ዘይግሁድ ሓሶት ዝሓቘፈት እያ ነይራ። ከም ሓቂ፡ ብዘይካ ኻብ ሓንቲ እምበር፡ ካብ ኵሉ ኦም ኪበልዑ እዩ ኣምላኽ ኣዚዝዎም። እቲ ንኣዳምን ንሄዋንን ተዋሂብዎም ዝነበረ በበይኑ ዓይነት ኣእዋም ኣዝዩ ዜደንቕ እዩ ነይሩ። (ዘፍ. 2:9) እወ፡ የሆዋ ብርግጽ ለጋስ እዩ። እንተዀነ ግና፡ ኣምላኽ ንኣዳምን ንሄዋንን ካብ ፍረ ሓንቲ ኦም ከይበልዑ ኣዚዝዎም ነይሩ እዩ። ስለዚ፡ ሰይጣን ኣብታ ሕቶኡ ነቲ ሓቂ ጠውዩ እዩ ኣቕሪብዎ። ሰይጣን ንኣምላኽ፡ ለጋስ ከም ዘይኰነ ኣምሲሉ እዩ ኣቕሪብዎ። ሄዋን፡ ‘ኣምላኽ ገለ ጽቡቕዶ ይሓብኣልና ኣሎ፧’ ኢላ ሓሲባ ኽትከውን ትኽእል እያ።

10. ሰይጣን ንስም ኣምላኽ ብቐጥታ ዘጸለሞ ብኸመይ እዩ፧ እዚኸ እንታይ ሳዕቤን ኣስዓበ፧

10 ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ሄዋን ንየሆዋ ኸም ገዛኢኣ እያ እትርእዮ ነይራ። ስለዚ፡ ንሰይጣን ንጹር ትእዛዝ ኣምላኽ ጠቒሳ መለሰትሉ። ብተወሳኺ ድማ፡ ነታ ኦም እቲኣ ኺትንክይዎ እኳ ኸም ዘይብሎም ነገረቶ። ነቲ ዘይተኣዛዝነት ናብ ሞት ከም ዚመርሕ ዚገልጽ መጠንቀቕታ ኣምላኽ ትፈልጦ ነይራ እያ። ሰይጣን ግና፡ “ከቶ ኣይክትሞቱን ኢኹም” ኢሉ መለሰላ። (ዘፍ. 3:2-4) ኣብዚ ሰይጣን ብግሁድ እዩ ኺዛረብ ጀሚሩ። ብቐጥታ ንስም ኣምላኽ የካፍኦ እዩ ዘሎ፣ ብኻልእ ኣበሃህላ፡ የሆዋ ሓሳዊ ኸም ዝዀነ እዩ ንሄዋን ዚነግራ ዘሎ። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ እቲ ሰይጣን እተባህለ ፍጡር ድያብሎስ፡ ሓማዪ ወይ መካፍኢ ዀነ። ሄዋን ኣጸቢቓ ተታለለት፣ ንሰይጣን እውን ኣመነቶ። (1 ጢሞ. 2:14) ካብ ንየሆዋ ንላዕሊ፡ ንዕኡ ኣመነቶ። እዚ ኸኣ ካብ ኵሉ ዝኸፍአ ውሳነ ኽትገብር ደረኻ። ትእዛዝ የሆዋ ኽትጥሕስ ወሰነት። ካብታ የሆዋ ዝኸልከላ ፍረ በልዐት። ድሕሪኡ ድማ፡ ንኣዳም ሃበቶ።—ዘፍ. 3:6

11. እቶም ቀዳሞት ወለድና እንታይ እዮም ኪገብሩ ዚኽእሉ ነይሮም፧ ግናኸ፡ እንታይ እዮም ዘይገበሩ፧

11 ሄዋን ንሰይጣን እንታይ ክትብሎ ኸም ዝነበራ እሞ ንሕሰብ። “ንዓኻ መን ምዃንካ ኣይፈልጠካን እየ፣ ንኣቦይ የሆዋ ግና እፈልጦን አፍቅሮን እኣምኖን እየ። ንዓይን ንኣዳምን ዘሎና ዅሉ ሂቡና እዩ። ብዛዕባኡ ሕማቕ ክትዛረብሲ ኽንደይ ትደፍር፧ ኪድ ርሓቕ!” እንተ ትብሎ እሞ ብኣእምሮና ንስኣሎ። የሆዋ ኻብ ፈቃር ጓሉ ኸምዚ ዝኣመሰለ ተኣማንነት ዜርኢ ቓላት እንተ ዚሰምዕ፡ ብዙሕ ደስ ምበሎ! (ምሳ. 27:11) ሄዋን ግና ንየሆዋ ብተኣማንነት ኣየፍቀረቶን፣ ኣዳም እውን ካብኣ ኣይሓሸን። ኣዳምን ሄዋንን ንኣቦኦም ከምዚኣ ዓይነት ፍቕሪ ስለ ዘይነበረቶም፡ ንስሙ ኻብ ጠቐነ ኣይተኸላኸሉሉን።

12. ብኸመይ እዩ ሰይጣን ኣብ ኣእምሮ ሄዋን ጥርጣረ ዝዘርአ፧ ኣዳምን ሄዋንንከ እንታይ ካብ ምግባር እዮም ዝሰነፉ፧

12 ኣቐዲምና ኸም ዝረኣናዮ፡ ሰይጣን ኣብ ኣእምሮ ሄዋን ጥርጣረ ብምዝራእ እዩ ጀሚሩ። ብዛዕባ እንታይነት እቲ የሆዋ ብዚብል ስም ዚጽዋዕ ኣምላኽ ከም እትጠራጠር እዩ ገይርዋ። ድሕርዚ፡ ኣዳምን ሄዋንን ንስም የሆዋ ኣይተጣበቑሉን። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ነቲ ሰይጣን ካብ ኣቦኦም ኪዓልዉ ዘቕረበሎም ሓሳብ ተቓሊዖም እዮም። ሎሚ እውን ሰይጣን ተመሳሳሊ ስልቲ እዩ ዚጥቀም። ንስም የሆዋ ብምጽላም መጥቃዕቱ ይፍኑ። እቶም ነቲ ሰይጣን ዚፍንዎ ሓሶት ዚኣምኑ ሰባት ከኣ ብቐሊሉ ስለ ዚጽለዉ፡ ነቲ ቕኑዕ ግዝኣት የሆዋ ኣይቅበልዎን እዮም።

የሆዋ ንስሙ ይቕድሶ

13. ህዝቅኤል 36:23 ነቲ ቐንዲ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ እተጕልሕ ብኸመይ እያ፧

13 የሆዋ ንስሙ ኼካፍእዎ ኸለዉ፡ ንገዛእ ርእሱ ኸይተኸላኸለ ስቕ ኢሉ ይቕበሎ ድዩ፧ ኣይፋልን፡ ከምኡ ኣይገብርን እዩ! ብዘሎ መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሆዋ ንስሙ ኻብቲ ኣብ ኤደን እተዀመረ ወቐሳ ናጻ ንምግባር እንታይ ከም ዝገበረ እዩ ዚገልጽ። (ዘፍ. 3:15) ከም ሓቂ፡ ቀንዲ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ በዚ ዚስዕብ ጽምቝ ኣቢልና ኸነቕርቦ ንኽእል ኢና፦ የሆዋ በታ ወዱ ዝንጉሳ መንግስቱ ኣቢሉ ንስሙ ኪቕድሶ፡ ኣብ ምድሪ እውን ጽድቅን ሰላምን ኬስፍን እዩ። የሆዋ ንስሙ ብኸመይ ከም ዚቕድሶ ኽንርዳእ ዚሕግዘና ሓበሬታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ይርከብ እዩ።—ህዝቅኤል 36:23 ኣንብብ።

14. እቲ የሆዋ ኣብ ኤደን ንእተፈጸመ ዕልወት ዝሃቦ ምላሽ ንስሙ ዚቕድሶ ብኸመይ እዩ፧

14 ሰይጣን ንየሆዋ ዕላማኡ ኸም ዘይወቅዕ ንምግባር ዚከኣሎ ዘበለ ጽዒሩ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ብተደጋጋሚ ፈሺልዎ እዩ። የሆዋ እንታይ ከም ዝገበረ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ኣሎ፣ እዚ ድማ ከም የሆዋ ኣምላኽ ዝበለ ኸም ዘየልቦ እዩ ዜረጋግጽ። እቲ ሰይጣንን ኵሎም እቶም ኣብ ጐድኑ እተሰለፉን ዝፈጸምዎ ዕልወት ንየሆዋ ብዙሕ ኸም ዘጕሃዮ ዚከሓድ ኣይኰነን። (መዝ. 78:40) ኰይኑ ግና፡ ነዚ ብድሆ እዚ ብጥበብን ብትዕግስትን ብፍትሕን እዩ ሒዝዎ። ብብዙሕ መገድታት እውን ኵሉ ዚኽእል ሓይሊ ኸም ዘለዎ ኣርእዩ እዩ። ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ኣብ ኵሉ ተግባሩ፡ ፍቕሩ ተራእያ እያ። (1 ዮሃ. 4:8) የሆዋ ንስሙ ንምቕዳስ፡ ከየቋረጸ ይዓዪ እዩ።

ሰይጣን ንሄዋን ብዛዕባ የሆዋ ሓስዩዋ እዩ፣ ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት ከኣ ንኣምላኽ ካብ ምጽላም ኣየቋረጸን (ሕጡብ ጽሑፍ 9-10, 15 ርአ) *

15. ሎሚ ሰይጣን ንስም ኣምላኽ ዜካፍኦ ዘሎ ብኸመይ እዩ፧ እዚኸ እንታይ ሳዕቤን ኣስዒቡ ኣሎ፧

15 ሰይጣን ክሳዕ ሎሚ ንስም ኣምላኽ የካፍኦ ኣሎ። ንሰባት፡ ኣምላኽ ሓያልን ፍትሓውን ጥበበኛን ፈቃርን ምዃኑ ኸም ዚጠራጠሩ ኺገብሮም ይጽዕር ኣሎ። ንኣብነት፡ ሰይጣን ንሰባት፡ የሆዋ ፈጣሪ ኸም ዘይኰነ ኼእምኖም ይጽዕር እዩ። ንህልውና ኣምላኽ ዚኣምኑሉ እንተ ዀይኖም ከኣ፡ ኣምላኽ ኰነ መለክዒታቱ ቐያድን ዘይፍትሓውን ከም ዝዀነ ኼእምኖም ይፍትን እዩ። ብዘይካዚ ድማ፡ ሰይጣን ንሰባት፡ የሆዋ ንደቂ ሰብ ኣብ ገሃነም እሳት ዜቃጽል ጨካንን ሕሱምን ከም ዝዀነ ገይሩ ይምህሮም እዩ። ሰባት ንኸምዚ ዝበለ ጠቐነ ምስ ዚኣምኑሉ፡ ነቲ ቕኑዕ ኣገዛዝኣ የሆዋ ንምእባይ ይቐልሎም እዩ። ሰይጣን ምሉእ ብምሉእ ክሳዕ ዚስዓር፡ ናይ ምክፋእ ወፈራኡ ኣይኬቋርጽን እዩ፣ ንዓኻ እውን ዕላማኡ ኺገብረካ እዩ። እሞኸ ኺዕወት ድዩ፧

ኣብቲ ዓብዪ ጕዳይ ዘሎካ ግደ

16. ኣዳምን ሄዋንን ዘይገበርዎ እንታይ ነገር ኢኻ ኽትገብር እትኽእል፧

16 የሆዋ ንዘይፍጹማት ሰባት፡ ኣብ ምቕዳስ ስሙ እጃም ኪህልዎም ኣፍቂዱ እዩ። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ነቲ ኣዳምን ሄዋንን ዘይገበርዎ ነገር ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ንስም የሆዋ ዜካፍኡን ዚጻረፉን ኣብ ዝመልእዋ ዓለም ትነብር እኳ እንተ ኣለኻ፡ የሆዋ ቕዱስን ጻድቕን ሕያዋይን ፈቃርን ምዃኑ ተቢዕካ ሓቂ ኽትዛረብ ትኽእል ኢኻ። (ኢሳ. 29:23) ንግዝኣቱ ኽትድግፍ ትኽእል ኢኻ። እዚ ኣገዛዝኣ እዚ በይኑ ድማ ብሓቂ ቕኑዕ ከም ዝዀነ፡ ንዅሎም ፍጥረታት ከኣ ሰላምን ሓጐስን ከም ዜምጽእ ንሰባት ከተረድእ ትኽእል ኢኻ።—መዝ. 37:9, 37፣ 146:5, 6, 10

17. ብኸመይ እዩ የሱስ ንስም ኣቦኡ ኸም ዚፍለጥ ገይሩ፧

17 ንስም የሆዋ ንጣበቐሉ እንተ ዄንና፡ ኣብነት የሱስ ክርስቶስ ኢና እንስዕብ። (ዮሃ. 17:26) የሱስ ንስም ኣቦኡ ብምጥቃም ጥራይ ዘይኰነስ፡ የሆዋ ብሓቂ ኸመይ ምዃኑ ብምምሃር እውን ንስሙ ተጣቢቑሉ እዩ። ንኣብነት፡ ነቶም ንየሆዋ ኸም ተሪርን ዘየናሕስን ዘይቅረብን ምሕረት ኣልቦን ገይሮም ዚስእልዎ ፈሪሳውያን ተጻሪርዎም እዩ። ንኣቦኡ ኸም ሚዛናውን ዕጉስን ፈቃርን መሓርን ገይሮም ኪርእይዎ ንሰባት ሓጊዝዎም እዩ። ኣብ መዓልታዊ ህይወቱ ንኣቦኡ ምሉእ ብምሉእ ብምምሳል እውን፡ ሰባት ንየሆዋ ኸም ዚርእይዎ ገይሩ እዩ።—ዮሃ. 14:9

18. እቲ ብዛዕባ የሆዋ ዚውረ ሓሶትን ጠቐነን ጌጋ ምዃኑ ብኸመይ ኢና መረጋገጺ ኽንህብ እንኽእል፧

18 ንሕና እውን ከም የሱስ፡ ነቲ ብዛዕባ የሆዋ እንፈልጦ ንሰባት ክንነግሮም ንኽእል ኢና፣ ክሳዕ ክንደይ ፈቃርን ለዋህን ኣምላኽ ከም ዝዀነ እውን ክንምህሮም ንኽእል ኢና። ከምኡ ኽንገብር ከለና፡ እቲ ብዛዕባ የሆዋ ዚውረ ሓሶትን ጠቐነን ጌጋ ምዃኑ ኢና መረጋገጺ እንህብ። ንስም የሆዋ ንቕድሶ፡ ማለት ኣብ ኣእምሮን ልብን ሰባት ቅዱስ ንገብሮ ኢና። ንየሆዋ ኽንመስሎ እውን ንኽእል ኢና። ዘይፍጹማት እኳ እንተ ዄንና፡ ከምኡ ኽንገብር ንኽእል ኢና። (ኤፌ. 5:1, 2) ብዘረባናን ብተግባርናን ኣቢልና ንሰባት፡ የሆዋ ብሓቂ ኸመይ ዝበለ ምዃኑ ምስ እነርእዮም፡ ንስሙ ኣብ ምቕዳስ እጃምና ነበርክት ኢና። ንሰባት ካብቲ ብዛዕባ ስም ኣምላኽ ዘለዎም ግጉይ ግንዛበ ናጻ ብምግባር፡ ንሓቅነት እቲ ስም ነረጋግጽ ኢና። * ዘይፍጹማት ሰባት ንጽህናኦም ኪሕልዉ ኸም ዚኽእሉ እውን መርትዖ ነቕርብ ኢና።—እዮ. 27:5

መጽሓፍ ቅዱስ ንእንምህሮም ተምሃሮና ብዛዕባ ለውሃትን ፍቕርን የሆዋ ኸነረድኦም ንደሊ ኢና (ሕጡብ ጽሑፍ 18-19 ርአ) *

19. ንሰባት እንምህረሉ ቐንዲ ዕላማ እንታይ ኪኸውን ከም ዚግባእ ኣብ ኢሳይያስ 63:7 ተገሊጹ ዘሎ ብኸመይ እዩ፧

19 ክንዓይየሉ እንኽእል ካልእ ኣገዳሲ ትምህርቲ እውን እስከ ንርአ። ንሰባት ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ክንምህር ከለና፡ ብዙሕ ሳዕ ንልዑላውነት ኣምላኽ፡ ማለት የሆዋ ኣብ ልዕሊ ዩኒቨርስ ኪገዝእ መሰል ከም ዘለዎ ነጕልሓሎም ኢና፣ እዚ ኸኣ ምሉእ ብምሉእ ሓቂ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ኣብ ሕግታት ኣምላኽ ምትኳር ኣገዳሲ እኳ እንተ ዀነ፡ ቀንዲ ሸቶና ሰባት ንኣቦና የሆዋ ኼፍቅርዎን ንዕኡ እሙናት ኪዀኑን ምሕጋዝ እዩ። እምበኣር፡ ነቲ ሰሓቢ ባህርያት የሆዋ ኸነጕልሓሎም፡ ማለት ከመይ ዝበለ ምዃኑን ስም የሆዋ እንታይ ከም ዚውክልን ከነነጽረሎም ኣሎና። (ኢሳይያስ 63:7 ኣንብብ።) በዚ ኸምዚ ምስ እንምህር፡ ንየሆዋ እሙናት ኪዀኑ ኻብ ዘለዎም ድሌት ተላዒሎም ኬፍቅርዎን ኪእዘዝዎን ክንሕግዞም ኢና።

20. ኣብ እትስዕብ ዓንቀጽ እንታይ ኢና ኽንርኢ፧

20 ኣካይዳናን ትምህርትናን ንስም የሆዋ ዜኽብርን ካልኦት ናብኡ ዚስሕብን ከም ዝዀነ ኸመይ ጌርና ኸነረጋግጽ ንኽእል፧ እዛ እትስዕብ ዓንቀጽ ነዛ ሕቶ እዚኣ ኽትምልሳ እያ።

መዝሙር 2 የሆዋ እዩ ስምካ

^ ሕ.ጽ. 5 ንዅሎም መስተውዓልቲ ፍጥረታት እንታይ ኣገዳሲ ጕዳይ እዩ ኣጋጢምዎም ዘሎ፧ ነቲ ጕዳይ እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዚገብሮ እንታይ እዩ፧ ንዕኡ መዓልቦ ኣብ ምግባርከ እንታይ ግደ ኣሎና፧ ነዝን ምስዚ ንዚዛመድ ሕቶታትን መልሱ ምርዳእና፡ ምስ የሆዋ ንዘሎና ርክብ ከነደልድል ይሕግዘና እዩ።

^ ሕ.ጽ. 18 ኣብ ገሊኡ ኣጋጣሚታት፡ እቲ የሆዋ ብስሙ ኺጽዋዕ ዘለዎ መሰል ኣብ ሕቶ ኣትዩ ስለ ዘይፈልጥ፡ ስም የሆዋ ሓቅነቱ ኺረጋገጽ ኸም ዘየድሊ ጽሑፋትና ምሂሩ ነይሩ እዩ። ኣብ ዓመታዊ ኣኼባ 2017 ግና፡ ዝነጸረ ግንዛበ ቐሪቡ እዩ። እቲ ኣቦ መንበር፡ “ንእንታይነቱ ኣብ ሕቶ ኣእትዩ ኻብ ዝነበረ ወቐሳ ናጻ ኪኸውን ስለ ዜድሊ፡ ንምርግጋጽ ሓቅነት ስም የሆዋ ምጽላይ ጌጋ የብሉን” ኢሉ እዩ።—ኣብ jw.org® ናይ ጥሪ 2018 መደብ ርአ። ኣብ ትሕቲ LIBRARY > JW BROADCASTING® ርአ።

^ ሕ.ጽ. 62 መግለጺ ስእሊ፦ ድያብሎስ ንሄዋን፡ ኣምላኽ ሓሳዊ ኸም ዝዀነ ገይሩ ብምንጋር ንኣምላኽ ኣካፊእዎ። ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት፡ ሰይጣን ናይ ሓሶት ሓሳባት ኣስፋሕፊሑ ኣሎ፣ ገለ ኻብቲ ሓሶት ድማ ኣምላኽ ሕሱም ከም ዝዀነን ንደቂ ሰብ ከም ዘይፈጠሮምን ዚብል እዩ።

^ ሕ.ጽ. 64 መግለጺ ስእሊ፦ ሓደ ሓው መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪመርሕ ከሎ፡ ባህርያት ኣምላኽ የጕልሕ።