ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 24

“ስምካ ኽፈርህሲ፡ ንልበይ ሓደ ግበረለይ”

“ስምካ ኽፈርህሲ፡ ንልበይ ሓደ ግበረለይ”

“ስምካ ኽፈርህሲ፡ ንልበይ ሓደ ግበረለይ። ኦ የሆዋ ኣምላኸይ፡ ብዅሉ ልበይ እውድሰካ ኣለኹ።”—መዝ. 86:11, 12

መዝሙር 7 የሆዋ እዩ ሓይልና

መላለዪ *

1. ፍርሃት ኣምላኽ እንታይ እዩ፧ ነቶም ንየሆዋ ዜፍቅርዎ ኣገዳሲ ዝዀነኸ ስለምንታይ እዩ፧

ክርስትያናት ንኣምላኽ የፍቅርዎ እዮም፣ ብዘይካዚ ድማ ይፈርህዎ እዮም። ንገሊኦም እዚ ንሓድሕዱ ዚጋጮ ይመስሎም እዩ። ኰይኑ ግና፡ ብዛዕባ እቲ ራዕዲ ኸም ዚስምዓና ዚገብር ዓይነት ፍርሂ ኣይኰንናን እንዛረብ ዘለና። የግዳስ፡ ብዛዕባ ፍሉይ ዓይነት ፍርሂ ኢና ኽንርኢ። ከምዚ ዓይነት ፍርሂ ዘለዎም ሰባት፡ ንኣምላኽ ፍርሃት ወይ ልባዊ ኣኽብሮት ኣለዎም። ምስ ሰማያዊ ኣቦኦም ዘለዎም ዕርክነት ኬበላሽዉ ስለ ዘይደልዩ፡ ኬጕህይዎ ኣይደልዩን እዮም።—መዝ. 111:10፣ ምሳ. 8:13

2. ኣብቲ ኣብ መዝሙር 86:11 ተመዝጊቡ ዘሎ ቓላት ንጉስ ዳዊት ተመርኲስና፡ ብዛዕባ እንታይ ክልተ ነገር ኢና ኽንምርምር፧

2 መዝሙር 86:11 ኣንብብ። ብዛዕባ እዘን ቃላት እዚአን ክትሓስብ ከለኻ፡ እቲ እሙን ንጉስ ዳዊት ኣገዳስነት ፍርሃት ኣምላኽ ተረዲእዎ ኸም ዝነበረ ኽትግንዘብ ትኽእል ኢኻ። ነቲ ብድራኸ መንፈስ እተጻሕፈ ቓላት ዳዊት ከመይ ጌርና ኽንትግብሮ ኸም እንኽእል እስከ ንርአ። ቀዳማይ፡ ንስም ኣምላኽ ዓብዪ ኣኽብሮት ከነሕድረሉ ዚግባእ ገለ ምኽንያታት ክንምርምር ኢና። ካልኣይ፡ ንስም ኣምላኽ ዓብዪ ኣኽብሮት ከም ዘሎና ኸመይ ጌርና ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ኸም እነርኢ ኽንምሃር ኢና።

ስም የሆዋ ንዕኡ ኣኽብሮት ከም እነሕድር ዚገብረና ስለምንታይ እዩ፧

3. ሙሴ ንስም ኣምላኽ ዓብዪ ኣኽብሮት ኬሕድር ዝሓገዞ እንታይ ተመክሮ እዩ ኣጋጢምዎ፧

3 ሙሴ ኣብ ጭዳድ ከውሒ ተዀርምዩ ኸሎ ራእይ ክብሪ የሆዋ ኺሓልፍ ምስ ረኣየ እተሰምዖ እሞ ገምቶ። ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ ብዛዕባ እቲ ኣጋጣሚ እቲ፡ “ምናልባት ካብቶም ቅድሚ የሱስ ክርስቶስ ንዝነበሩ ሰባት ዘጋጠሞም ነገር ልዕሊ ዅሉ ዜፍርህ እዩ ነይሩ ዚኸውን” ይብል። ሙሴ ድማ፡ “የሆዋ፡ የሆዋ፡ መሓርን ርሕሩሕን ኣምላኽ፡ ንቝጥዓ ደንጓዪ፡ ብዓል ብዙሕ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕርን ሓቅን፡ ንኣሽሓት ብተኣማንነት ዜፍቅር፡ ስሕተትን ኣበሳን ሓጢኣትን ዚሓድግ” ዚብል ብመልኣኽ እተዘርበ ኪኸውን ዘለዎ ኣዋጅ ሰምዐ። (ዘጸ. 33:17-23፣ 34:5-7) ሙሴ ንስም የሆዋ ኺጥቀመሉ ኸሎ፡ እዚ ተዘክሮ እዚ ናብ ኣእምሮኡ ይመጽእ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ጸኒሑ ነቶም ህዝቢ ኣምላኽ ዝነበሩ እስራኤላውያን ነቲ “ኽቡርን ዜፍርህን ስም” ኪፈርሁ ምምሕጻኑ እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን።—ዘዳ. 28:58

4. ብዛዕባ እንታይ ባህርያት እንተ ኣስተንቲንና ኢና ንየሆዋ ዓብዪ ኣኽብሮት ከነሕድር እንኽእል፧

4 ብዛዕባ ስም የሆዋ ኽንሓስብ ከለና፡ ብዛዕባ እቲ በቲ ስም እቲ ዚጽዋዕ ኣምላኽ ከነስተንትን ኣሎና። ንኸም እኒ ሓይልን ጥበብን ፍትሕን ፍቕርን ዝኣመሰለ ባህርያቱ ኽንዝክር ኣሎና። ነዝን ንኻልእ ባህርያቱን እንተ ኣስተንቲንናሉ፡ ልብና ብኣኽብሮት ይምላእ እዩ።—መዝ. 77:11-15

5-6. (ሀ) ስም ኣምላኽ እንታይ ትርጉም ኣለዎ፧ (ለ) ብመሰረት ዘጸኣት 3:13, 14ን ኢሳያይስ 64:8ን፡ ከመይ ገይሩ እዩ የሆዋ ዝደለዮ ዜኽውን፧

5 ብዛዕባ ትርጉም ስም ኣምላኽ እንታይ ኢና እንፈልጥ፧ ብዙሓት ምሁራት፡ ስም የሆዋ “የኽውን” ዚብል ትርጉም ዘለዎ ኪኸውን ከም ዚኽእል ይሰማምዑሉ እዮም። እዚ ትርጉም እዚ ድማ፡ ንፍቓድ የሆዋ ኪዓግቶ ዚኽእል ከም ዘየልቦን ዝደለዮ ኺገብር ከም ዚኽእልን የዘኻኽረና። ብኸመይ፧

6 የሆዋ ዕላማኡ ንምፍጻም ዝደለዮ ዘበለ ብምዃን እዩ ኸምቲ ዚደልዮ ዜኽውን። (ዘጸኣት 3:13, 14 ኣንብብ።) ብዛዕባ እዚ ዜደንቕ መዳይ ባህርይ ኣምላኽ ክንሓስብ ብዙሕ ሳዕ መተባብዒ ይውሃበና እዩ። ብዘይካዚ፡ የሆዋ ንዘይፍጹማት ኣገልገልቱ ንዕኡ ንምግልጋልን ዕላማኡ ንምፍጻምን ዜድሊ ዘበለ የዅኖም ወይ ኪዀኑ የኽእሎም እዩ። (ኢሳይያስ 64:8 ኣንብብ።) በዚ ኸምዚ፡ የሆዋ ፍቓዱ ኸም ዚፍጸም ይገብር እዩ። ዕላማኡ ኸይፍጸም ኪዓግቶ ዚኽእል ሓደ እኳ የልቦን።—ኢሳ. 46:10, 11

7. ንሰማያዊ ኣቦና ዘሎና ኣድንቖት ከመይ ጌርና ኢና ኸነዕዝዝ እንኽእል፧

7 ብዛዕባ እቲ ሰማያዊ ኣቦና ዝገበሮን ክንገብር ዘኽኣለናን ነገራት ብምስትንታን፡ ንዕኡ ዘሎና ኣድንቖት ከነዕዝዝ ንኽእል ኢና። ንኣብነት፡ ብዛዕባ ድንቂ ፍጥረታት ከነስተንትን ከለና፡ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዝገበሮን ናብ ህልውና ዘምጽኦን ነገራት ኣድንቖት ይሓድረና እዩ። (መዝ. 8:3, 4) ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንምግባር ፍቓዱ ኽንኰኖ ዘኽኣለና ኸነስተንትን ከለና ኸኣ፡ ንዕኡ ዓሚቝ ኣኽብሮት ነሕድር ኢና። ስም የሆዋ ብሓቂ ዜፍርህ እዩ! ንዅሉ እንታይነት ኣቦና፡ ንዅሉ እቲ ዝገበሮ ነገራት፡ ከምኡ ድማ ንዅሉ እቲ ብሕጂ ዚገብሮ ነገራት የጠቓልል እዩ።—መዝ. 89:7, 8

“ስም የሆዋ ኽነግር እየ”

ትምህርቲ ሙሴ ዜሐድስ እዩ ነይሩ። ኣብ የሆዋ ኣምላኽን ኣብ ስሙን ዘተኰረ እዩ ነይሩ (ሕጡብ ጽሑፍ 8 ርአ) *

8. ዘዳግም 32:2, 3 ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንስሙ ብዚምልከት ዘለዎ ኣረኣእያ እንታይ ትገልጸልና፧

8 እስራኤላውያን ናብ ምድሪ ተስፋ ቐቅድሚ ምእታዎም፡ የሆዋ ንሙሴ ቃላት መዝሙር መሃሮ። (ዘዳ. 31:19) ሙሴ ድማ ብተራኡ ነቶም ህዝቢ ኺምህሮም ነበሮ። (ዘዳግም 32:2, 3 ኣንብብ።) ፍቕዲ 2ን 3ን ከነስተንትነለን ከለና፡ የሆዋ ንስሙ ሕቡእ ኪገብሮ ኸም ዘይደሊ፡ ማለት እምብዛ ቕዱስ ካብ ምዃኑ እተላዕለ ከይተጸውዐ ኺተርፍ ከም ዘይደሊ ንጹር ይዀነልና እዩ። ኵሎም መስተውዓልቲ ፍጡራት ንስሙ ኺፈልጥዎ ይደልዮም እዩ! ህዝቢ እስራኤል ካብ ሙሴ ብዛዕባ የሆዋን ብዛዕባ እቲ ኽቡር ስሙን ኪምሃሩ ምኽኣሎምሲ ኸመይ ዝበለ ፍሉይ ኣጋጣሚ ዀን እዩ ነይሩ! እቲ ሙሴ ዝመሃሮም ነገር ከምቲ ኣብ ኣትክልቲ ብህድኣት ዚዘንም ዝናም ኣደልዲልዎምን ኣሐዲስዎምን እዩ። ንሕና ደኣ ትምህርትና ኸምኡ ኸም ዚኸውን ከመይ ጌርና ኸነረጋግጽ ንኽእል፧

9. ንምቕዳስ ስም የሆዋ ኸመይ ጌርና ኢና እጃምና ኸነበርክት እንኽእል፧

9 ኣብ በቤት እናኸድና ወይ ብግህዶ ኸነገልግል ከለና፡ የሆዋ ብሕታዊ ስም ኣምላኽ ከም ዝዀነ ንሰባት ካብ መጽሓፍ ቅዱስና ኸነርእዮም ንኽእል ኢና። ንስም የሆዋ ዜኽብር ጽቡቕ ጽሑፋትን ብሉጽ ቪድዮታትን ኣብ ወብሳይትና ዚርከብ ሓበሬታን ከነቕርበሎም ንኽእል ኢና። ኣብ ስራሕ፡ ኣብ ትምህርቲ፡ ወይ ኣብ መገሻ፡ ብዛዕባ እቲ ፈቃር ኣምላኽናን ብዛዕባ ባህርያቱን ንምዝራብ ኣጋጣሚታት ክንረክብ ንኽእል ኢና። ነቶም እንረኽቦም ሰባት ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንደቂ ሰብን ንምድርን ዘለዎ ፍቕራዊ ዕላማ ኽንነግሮም ከለና፡ ብዛዕባ የሆዋ ጠሪሶም ሰሚዖምዎ ዘይፈልጡ ሓበሬታ ንህቦም ንህሉ ንኸውን። ብዛዕባ እቲ ፈቃር ኣቦና ዚገልጽ ሓቂ ኽንነግር ከለና፡ ንምቕዳስ ስም ኣምላኽ ንውስኸሉ ኢና። እቲ ብዛዕባ የሆዋ ተማሂሮምዎ ዝነበሩ ነገራት ድማ፡ ሓሶትን ጸለመን ምዃኑ ነረድኦም ኢና። ሕጂ ኻብ ዚርከብ ዘበለ ልዕሊ ዅሉ እምነት ዜደልድልን መንፈስ ዜሐድስን ትምህርቲ ኸኣ ነቕርብ ኢና።—ኢሳ. 65:13, 14

10. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክንመርሕ ከለና፡ ስርዓታትን መለክዒታትን ኣምላኽ ካብ ምምሃር ንላዕሊ ኽንገብር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

10 መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክንመርሕ ከለና፡ ንተምሃሮና ብዛዕባ ስም የሆዋን ኣጠቓቕማኡን ከነፍልጦም ንደሊ ኢና። ስሙ እንታይ ከም ዜጠቓልል እውን ከነረድኦም ንደሊ ኢና። መምርሒታትን ስርዓታትን ሕግታትን ኣምላኽ ጥራይ እንተ ነጊርናዮም ግና፡ ነዚ ዕላማና እዝስ ንወቅዕ ዲና፧ ንፉዕ ተምሃራይ ብዛዕባ ሕግታት ኣምላኽ ይምሃር፡ ካብኡ ሓሊፉ እውን ነቲ ሕግታት የድንቖ ይኸውን። ኰይኑ ግና፡ እቲ ተምሃራይ ንየሆዋ ብፍቕሪ ተደሪኹ ኺእዘዞ ይኽእል ድዩ፧ ሄዋን ሕጊ ኣምላኽ ትፈልጥ ምንባራ፡ ነቲ ወሃብ ሕጊ ግና ብሓቂ ኸም ዘየፍቀረቶ ኣይንረስዕ፣ ኣዳም እውን ከምኣ እዩ ነይሩ። (ዘፍ. 3:1-6) ስለዚ፡ ንኻልኦት ብዛዕባ እቲ ቕኑዕ ስርዓታትን መለክዒታትን ኣምላኽ ካብ ምምሃር ንላዕሊ ኽንገብር ኣሎና።

11. ብዛዕባ ሕግታትን መለክዒታትን ኣምላኽ ክንምህር ከለና፡ ከመይ ጌርና ኢና ንተምሃሮና ነቲ ወሃብ ሕጊ ኼፍቅርዎ ኽንሕግዞም እንኽእል፧

11 ስርዓታትን መለክዒታትን የሆዋ ማራኽን ጽቡቕን እዩ። (መዝ. 119:97, 111, 112) ተምሃሮና ግና እቲ ብድሕሪ እዚ ሕግታት እዚ ዘሎ ፍቕሪ የሆዋ እንተ ዘይተራእይዎም፡ ንጽባቐ እቲ ሕግታት ከይረኣዮም ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ንተምሃሮና፡ “ኣምላኽ ንኣገልገልቱ ኸምዚ ኺገብሩ ወይ ካብዚ ኪቝጠቡ ዚእዝዞም ዘሎ ስለምንታይ ይመስለካ፧ እዚ ብዛዕባኡ እንታይ ይነግረና፧” ኢልና ኽንሓትቶም ንኽእል ኢና። ንተምሃሮና ብዛዕባ የሆዋ ኺሓስቡን ነቲ ኽቡር ስሙ ብሓቂ ኼፍቅርዎን እንተ ሓጊዝናዮም፡ ንልቦም ክንትንክዮ ዝያዳ ዕድል ኪህልወና እዩ። ተምሃሮና ኸኣ ንሕግታቱ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቲ ወሃብ ሕጊ እውን ኬፍቅርዎ እዮም። (መዝ. 119:68) እምነቶም ክትዓቢ እያ፡ ከቢድ ፈተናታት እውን ኪጻወሩ እዮም።—1 ቈረ. 3:12-15

‘ብስም የሆዋ ኽንመላለስ ኢና’

ሓደ እዋን፡ ዳዊት ንልቡ ኺከፋፈል ፈቐደሉ (ሕጡብ ጽሑፍ 12 ርአ)

12. ዳዊት ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ንልቡ ሓደ ዘይገበሮ ብኸመይ እዩ፧ እዚኸ እንታይ ኣስዓበ፧

12 ኣብ መዝሙር 86:11 እትርከብ ኣገዳሲት ሓረግ፡ “ንልበይ ሓደ ግበረለይ” ትብል። ንጉስ ዳዊት ነዘን ቃላት እዚአን ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ እዩ ጽሒፍወን። ኣብ ህይወቱ፡ ልቢ ብቐሊሉ ኺከፋፈል ከም ዚኽእል ርእዩ ነይሩ እዩ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ኣብ ናሕሱ ዀይኑ ሰበይቲ ኻልእ ሰብኣይ ኽትሕጸብ ረኣየ። ኣብታ ህሞት እቲኣ፡ ልቢ ዳዊት ሓደ ድዩ ነይሩ ወይስ ተኸፋፊሉ፧ ነቲ፡ “ሰበይቲ ብጻይካ . . . ኣይትተምነ” ዚብል ስርዓት የሆዋ ይፈልጦ ነይሩ እዩ። (ዘጸ. 20:17) ኰይኑ ግና፡ ቀው ኢሉ ጠሚትዋ ኪኸውን ኣለዎ። ስለዚ፡ ልቡ ኣብ መንጎ እቲ ንባትሴባ ዘሕደሮ ትምኒትን ኣብ መንጎ እቲ ንየሆዋ ባህ ንምባል ዘለዎ ትምኒትን ተኸፋፈለ። ዳዊት ካብ ቀደም ኣትሒዙ ንየሆዋ የፍቅሮን ይፈርሆን እኳ እንተ ነበረ፡ በቲ ኣብ ርእሱ ጥራይ ዘተኰረ ትምኒቱ ተሰነፈ። ኣብዚ ኣጋጣሚ ኸኣ፡ ኣመና ኽፉእ ተግባር ገበረ። ኣብ ስም የሆዋ ኸኣ ወቐሳ ኣምጽአ። ብዘይካዚ፡ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ሰባት፡ እንተላይ ኣብ ስድራ ቤቱ ዓብዪ ጕድኣት ኣስዓበ።—2 ሳሙ. 11:1-5, 14-17፣ 12:7-12

13. ልቢ ዳዊት ከም ብሓድሽ ሓደ ኸም ዝዀነ ኸመይ ጌርና ንፈልጥ፧

13 የሆዋ ንዳዊት ገሰጾ፣ ዳዊት እውን ምስ የሆዋ ዝነበሮ ርክብ ኣዐረየ። (2 ሳሙ. 12:13፣ መዝ. 51:2-4, 17) ንልቡ ኺከፋፈል ምስ ኣፍቀደ ክሳዕ ክንደይ ሽግርን መከራን ከም ዘስዓበሉ ድማ ዘከረ። እቲ ኣብ መዝሙር 86:11 ተመዝጊቡ ዘሎ ቓላቱ፡ “ዘይተኸፋፈለ ልቢ ሃበኒ” ተባሂሉ እውን ኪትርጐም ይከኣል እዩ። እሞኸ የሆዋ ንዳዊት፡ ልቡ ምሉእ ወይ ዘይተኸፋፈለ ኸም ዚኸውን ንምግባር ሓጊዝዎዶ፧ እወ ኽንብል ንኽእል ኢና፣ ከመይሲ፡ ቃል የሆዋ ደሓር ንዳዊት፡ “ልቡ . . . ምሉእ ብምሉእ ምስ የሆዋ ኣምላኹ” ኸም ዝነበረ ገይሩ ገሊጽዎ ኣሎ።—1 ነገ. 11:4፣ 15:3

14. ገዛእ ርእስና እንታይ ኢልና ኢና ኽንሓትት ዘሎና፧ ስለምንታይከ፧

14 ዳዊት ዝሓደጎ ኣብነት መተባብዕን መለበምን ኪዀነና ይኽእል እዩ። ኣብ ከቢድ ሓጢኣት ምውዳቑ፡ ሎሚ ንዘለዉ ኣገልገልቲ ኣምላኽ መለበሚ ይዀኖም እዩ። ንየሆዋ ምግልጋል ካብ እንጅምር ሓጺር ዝገበርና ንኹን ወይ ሓያሎ ዓመታት፡ ‘ነቲ ሰይጣን ንልበይ ንምክፍፋል ዚገብሮ ጻዕሪ እጻረሮዶ ኣለኹ፧’ ኢልና ገዛእ ርእስና ኽንሓትት ኣሎና።

ሰይጣን ንልብኻ ንምክፍፋል ዚከኣሎ ዘበለ ኺፍትን እዩ። ኣይትፍቀደሉ! (ሕጡብ ጽሑፍ 15-16 ርአ) *

15. ንጾታዊ ስምዒት ንዜለዓዕል ምስልታት ክንቃላዕ ከለና፡ ፍርሃት ኣምላኽ ዜዕቍበና ብኸመይ እዩ፧

15 ንኣብነት፡ ኣብ ተለቪዥን ወይ ኣብ ኢንተርነት ንጾታዊ ትምኒትካ ኼለዓዕል ዚኽእል ምስሊ እንተ ርኢኻ፡ እንታይ ኢኻ እትገብር፧ እቲ ስእሊ ወይ ፊልም ስእለ ጽዩፍ ከም ዘይኰነ ምምኽናይ ቀሊል ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግና፡ እዝስ ሓደ ኻብቲ ሰይጣን ንልብኻ ንምክፍፋል ዚጥቀመሉ ጻዕሪ ደይኰነን፧ (2 ቈረ. 2:11) እቲ ምስሊ እቲ ኸምቲ ሓደ ሰብ ንዓብዪ ጕንዲ ንምስንጣቕ ዜኽእሎ ንእሽቶ ውሻል ወይ ኩኞ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ፈለማ፡ ነቲ በሊሕ ዝኣንፉ ውሻል ናብቲ ጕንዲ የእትዎ። ድሕሪኡ፡ ነቲ ውሻል ናብ ውሽጢ እናኣእተዎ ምስ ከደ፡ እቲ ጕንዲ ይስንጠቕ። እሞኸ እቲ ጾታዊ ትምኒት ዜለዓዕል ምስሊ ኸምቲ በሊሕ ጫፍ ውሻል ደዀን ኪኸውን ይኽእል፧ እቲ ንእሽቶን ዘይጓዳእን ዚመስል ነገር፡ ነዊሕ ከይጸንሐ ንልቢ ናብ ዚኸፋፍልን ንንጽህና ናብ ዜበላሹን ከቢድ ሓጢኣት ኪመርሕ ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ዘይግቡእ ዘበለ ነገር ናብ ልብኻ ኸይኣቱ ተቓለስ! ልብኻ ንስም የሆዋ ኸም ዚፈርሆ ጌርካ ሓደ ግበሮ!

16. ፈተና ኼጋጥመና ኸሎ፡ እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንሓትት ዘሎና፧

16 ሰይጣን ኬጋግየና ኢሉ፡ ጾታዊ ስምዒት ዜለዓዕል ምስሊ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ካልእ ብዙሕ ፈተናታት እውን የቕርበልና እዩ። እሞኸ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧ መመኽነይታ ምሃብ ቀሊል እዩ። ንኣብነት፡ ‘እዚ ዜወግድ ስለ ዘይኰነ፡ ክሳዕ ክንድቲ ኸቢድ ኣይኰነን’ ኢልና ኸነመኽኒ ንኽእል ንኸውን። እዚ ኣተሓሳስባ እዚ ዓብዪ ጕድለት ኣለዎ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ገዛእ ርእስና ኸምዚ ኢልና እንተ ሓተትና ይሓይሽ፦ ‘ሰይጣን በዚ ፈተና እዚ ገይሩ ንልበይ ኪኸፋፍሎ ድዩ ዚፍትን ዘሎ፧ ብግጉይ ትምኒታት እንተ ተሰኒፈ፡ ኣብ ስም የሆዋ ወቐሳ ኸምጽእ ድየ፧ እዚ ተግባር እዚ ናብ ኣምላኽ ድዩ ዜቕርበኒ ወይስ ካብኡ እዩ ዜርሕቐኒ፧’ ነዚ ሕቶታት እዚ ኣስተንትነሉ። ብቕንዕና ምእንቲ ኽትምልሶን ንርእስኻ ምእንቲ ኸይትጥበራን ከኣ፡ ጥበብ ኪውሃበካ ጸሊ። (ያእ. 1:5) ከምኡ ምግባርካ፡ ናይ ሓቂ ዕቝባ ኼምጽኣልካ ይኽእል እዩ። ከምቲ የሱስ፡ “ኪድ፡ ሰይጣን!” ኢሉ ኺምልስ ከሎ ዝገበሮ፡ ንፈተና ብጽኑዕ ክትጻረሮ ኺሕግዘካ ይኽእል እዩ።—ማቴ. 4:10

17. እተኸፋፈለ ልቢ ጽቡቕ ዘይኰነ ስለምንታይ እዩ፧ ብምሳሌ ኣረድእ።

17 እተኸፋፈለ ልቢ ጽቡቕ ኣይኰነን። ሓደ ጋንታ ስፖርት ንሓድሕዶም ዘይቃደዉ ኣባላት ከም ዘለውዎ ጌርካ እሞ ሕሰብ። ገሊኦም ንርእሶም ጥራይ እዮም ክብሪ ዚደልዩ፣ ገሊኦም ከኣ በቲ ሕግታት ኪጻወቱ ኣይደልዩን እዮም፣ ገሊኦም ድማ ነቲ ኣሰልጣኒኦም ይንዕቅዎ እዮም። ከምዚ ዓይነት ጋንታ መሸም ኪዕወት ዘለዎ ዕድል ጸቢብ እዩ። ሓድነት ዘለዎ ጋንታ ግና ዓወት ንምርካብ ዘለዎ ዕድል የስፍሕ እዩ። ሓሳባትካን ትምኒታትካን ስምዒታትካን ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ሓድነት እንተ ሃልይዎ፡ ልብኻ ኸምቲ ዕዉት ጋንታ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሰይጣን ንልብኻ ኪኸፋፍሎ ኸም ዚደሊ ኣይትረስዕ። ሓሳባትናን ትምኒታትናን ስምዒታትናን ምስ መለክዒታት የሆዋ ዘይቃዶን ዚጋጮን ኪኸውን እዩ ዚደሊ። ንስኻ ግና፡ ንየሆዋ ንምግልጋል ልብኻ ምሉእ ኪኸውን ኢኻ እትደልዮ። (ማቴ. 22:36-38) እምበኣር፡ ሰይጣን ንልብኻ ኪኸፋፍሎ ኸቶ ኣይትፍቀድ!

18. ምስቲ ኣብ ሚክያስ 4:5 ዚርከብ ቃላት ብምስምማዕ፡ እንታይ ንምግባር ኢኻ ቘሪጽካ ዘለኻ፧

18 ከም ዳዊት፡ “ስምካ ኽፈርህሲ፡ ንልበይ ሓደ ግበረለይ” ኢልካ ናብ የሆዋ ጸሊ። ምስቲ ጸሎት እቲ ተሰማሚዕካ ንምምልላስ ሸቶ ግበር። መዓልቲ መዓልቲ እትገብሮ ንእሽቶ ይኹን ዓብዪ ውሳነ፡ ነቲ ቕዱስ ስም የሆዋ ኣኽቢርካ ኸም እትርኢ ዜንጸባርቕ ኪኸውን ቈራጽነት ግበር። ከምኡ ትገብር እንተ ዄንካ፡ ከም ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር መጠን፡ ንስሙ ኽብሪ ኸተምጽኣሉ ኢኻ። (ምሳ. 27:11) ኵላትና ድማ ምስ ነብዪ ሚክያስ ሓቢርና፡ “ንሕና . . . ብስም የሆዋ ኣምላኽና ንዘለኣለመ ኣለም ክንመላለስ ኢና” ኽንብል ኢና።—ሚክ. 4:5

መዝሙር 41 ጸሎተይ ስማዕ

^ ሕ.ጽ. 5 ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ኣብ ገለ ኽፋል እቲ ኣብ መዝሙር 86:11, 12 ተመዝጊቡ ዘሎ ጸሎት ንጉስ ዳዊት ከነተኵር ኢና። ንስም የሆዋ ምፍራህ ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ ነቲ ዓብዪ ስም ኣኽብሮት ከነሕድር ዚድርኽ እንታይ መሰረት ኣሎና፧ ብፈተና ምእንቲ ኸይንስነፍ ፍርሃት ኣምላኽ ዕቝባ ዚዀነናኸ ብኸመይ እዩ፧

^ ሕ.ጽ. 53 መግለጺ ስእሊ፦ ሙሴ ንህዝቢ ኣምላኽ፡ ንየሆዋ እተኽብር መዝሙር መሃሮም።

^ ሕ.ጽ. 57 መግለጺ ስእሊ፦ ሄዋን ንግጉይ ትምኒታት ኣይነጸገቶን። ንሕና ግና ነቲ ንግጉይ ትምኒታት ዜተባብዕን ንስም ኣምላኽ ዜውቅስን ምስሊ ዀነ መልእኽቲ ንነጽጎ ኢና።