ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

እቲ ኣብ ገላትያ 5:22, 23 ተዘርዚሩ ዘሎ ባህርያት ጥራይ ድዩ መዳያት “ፍረ መንፈስ”፧

ኣብዘን ፍቕድታት እዚአን፡ እዘን ዚስዕባ ትሽዓተ ክርስትያናዊ ባህርያት ተዘርዚረን ኣለዋ፦ “እቲ ፍረ መንፈስ ግና፡ ፍቕሪ፡ ሓጐስ፡ ሰላም፡ ዓቕሊ፡ ለውሃት፡ ሕያውነት፡ እምነት፡ ልእመት፡ ርእሰ ግትኣት እዩ።” ኰይኑ ግና፡ መንፈስ ኣምላኽ ንምምዕባል ኪሕግዘና ዚኽእል ሰናይ ባህርያት እዚ ጥራይ ከም ዝዀነ ጌርና ኽንሓስብ የብልናን።

ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብተን ኣቐዲመን ዘለዋ ፍቕድታት እንታይ ኢሉ ኸም ዝጸሓፈ እሞ ነስተብህል፦ “እቲ ግብሪ ስጋ . . . ምንዝርና፡ ርኽሰት፡ ንውርምና፡ ኣምልኾ ጣኦት፡ መናፍስትነት፡ ጽልኢ፡ ባእሲ፡ ቅንኢ፡ ቍጥዓ፡ ግርጭት፡ ፍልልይ፡ ኑፋቐ፡ ምንቀኝነት፡ ስኽራን፡ ፈንጠዝያ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ኻልእ እውን እዩ።” (ገላ. 5:19-21) ስለዚ፡ ጳውሎስ ከምቲ ኣብ ቈሎሴ 3:5 እተጠቕሰ ባህርያት ዝኣመሰለ ተወሳኺ “ግብሪ ስጋ” ኺጽሕፍ ምኽኣለ ነይሩ ማለት እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ነቲ ትሽዓተ ሰናይ ባህርያት ድሕሪ ምዝርዛሩ፡ “ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዚጻረሮ ሕጊ የልቦን” ኢሉ እዩ። ስለዚ፡ ጳውሎስ ንዅሉ እቲ ብሓገዝ መንፈስ ቅዱስ ከነማዕብሎ እንኽእል ሰናይ ባህርያት ኣይኰነን ኪዝርዝር ዚፍትን ነይሩ።

ነዚ ዝርዝር እዚ ምስቲ ጳውሎስ ንጉባኤ ኤፌሶን፡ “ፍረ ብርሃንሲ፡ ኵሉ ሰናይን [“ሕያውነትን፡” እ.ጽ.] ጽድቅን ሓቅን እዩ” ኢሉ ዝጸሓፎ ኸነረኣእዮ ኸለና፡ እዚ ግሁድ ይዀነልና እዩ። (ኤፌ. 5:8, 9) እወ፡ “ሕያውነት” ማዕረ ጽድቅን ሓቅን ክፍሊ “ፍረ ብርሃን” እዩ፣ ከምኡ እውን ሓደ መዳይ “ፍረ መንፈስ” እዩ።

ብተመሳሳሊ፡ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ፡ “ጽድቂ፡ ንኣምላኽ ዘሎካ ተወፋይነት፡ እምነት፡ ፍቕሪ፡ ተጻዋርነት፡ ልእመት ስዓብ” ብምባል፡ ሽዱሽተ ሰናይ ባህርያት ጠቒሱሉ እዩ። (1 ጢሞ. 6:11) ካብዚኣተን እተን ሰለስተ (ማለት እምነትን ፍቕርን ልእመትን) ጥራይ እየን መዳያት “ፍረ መንፈስ” ኰይነን ተጠቒሰን ዘለዋ። ይኹን እምበር፡ ጢሞቴዎስ ነተን ተጠቒሰን ዘለዋ ኻልኦት ባህርያት (ማለት ጽድቅን ንኣምላኽ ዘለዎ ተወፋይነትን ተጻዋርነትን) ንምምዕባል፡ ሓገዝ መንፈስ ቅዱስ የድልዮ እዩ።—ምስ ቈሎሴ 3:12፣ 2 ጴጥሮስ 1:5-7 ኣረኣኢ።

ስለዚ፡ ገላትያ 5:22, 23 ንዅሉ ዝርዝር ክርስትያናዊ ባህርያት ዝሓዘት ኣይኰነትን። መንፈስ ኣምላኽ ነቲ “ፍረ መንፈስ” ተባሂሉ ተዘርዚሩ ዘሎ ትሽዓተ መዳያት ንምምዕባል ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። እንተዀነ ግና፡ ናብ ክርስትያናዊ ብስለት እናዓበና፡ “ብናይ ሓቂ ጽድቅን ተኣማንነትን ከም ፍቓድ ኣምላኽ እተፈጥረ ሓድሽ ስብእና” ድማ እናለበስና ምስ ከድና፡ ካልእ ተወሳኺ ባህርያት እውን ነማዕብል ኢና።—ኤፌ. 4:24